“ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈተኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ስዓበኒ’ በሎ።” ዮሃ 21፡22። ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታና፡ ነቶም ብኸንቱ ሃልኪ ብጥምየት ሃለፍ ዝበሎም ደቀ መዛሙርቱ “ንዑ ተመስሑ” ኢሉ ድሕሪ ምዕንጋሉ፡ መገብቲ መጓሴኡ ኪዀኑ፡ ነባጊዑ ዀነ ንዕያዉቱ ብምምጋብን ብምሕላዉን ነቲ ብሉጽ ፍቕሮም ኪገልጹሉ ተማሕጸኖም። ጐይታና፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣዝዮም ከም ዜፍቅርዎ ዝዀነ ጥርጥር ኣይነበሮን።
ነታ “ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” እትብል ሕቶ ደጋጊሙ ዝሓተቶም፡ ደጊሞም “ነዚ ሰብኣይ’ዚ ኣይፈልጦን’የ” ከይብልዎ ዝዀነ ዓይነት ስግኣት ስለ ዝነበሮ ኣይኰነን። ንፍቕሮም ዜብልጾ እንታይ ምዃኑ ግን ሓድሽን ነባርን መገዲ ኺገልጸሎም ደለየ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እታ ሕቶ ምስ ተደጋገመት፡ እታ ገና ዝኽራን ቃንዛኣን ዘይሃሰሰ ሓዳስ ቍስሊ ተጐዲኣቶ፡ ጓሂ ኺስምዖ ጀመረ። ጐይታ ነዛ ሕቶ ዝደጋገማ፡ ነቲ ብመሪር ብኽያት ዝተኣትወ ሓቀኛ ንስሓ ስለ ዘይተቐበሎ፡ ነታ ናይ ክሕደት ቍስሊ ኺሓክካ ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ግና ነታ ሕቶ እምበር፡ ነቲ ድሕሪ ዝሃቦ እወታዊ መልሲ ዝተዋህቦ ጽውዓን ተልእኾን ብዙሕ የድህበላ ኣይነበረን። ጐይታ ግና ካብቲ ተወራሲ ናይ መጋቢነት ባህርዩ ኼካፍሎ ይጋደል ነበረ። ጐይታ ብመጋብነቱ ነቲ ናይ ለይቲ ምሉእ ድኻሞምን ስግኣቶምን ከም ዝፈወሰሎም፡ እቶም ነዚ ዕላማ’ዚ ብሃዋርያት ኬገልግሉ ዝተሓርዩ ደቀ መዛሙርቲ ድማ፡ ነቲ ንሱ ብሕድሪ ዝሓደገሎም መጓሰ ሕያዎት መገብቲ ዀይኖም ብልጫ ናይቲ ንእኡ ዘለዎም ፍቕሪ ኼንጸባርቑ ኣዘዞም።
እቲ ናይ ሕቶን መልስን መስርሕ ምስ ተወድአ ጐይታና፡ ቅድሚ’ዛ እዋን’ዚኣን ድሕሪ’ዛ እዋን’ዚኣን፡ ኣብ ህይወት ሃዋርያ ጴጥሮስ ዚህልው ዓብይ ፍልልይ ኪገልጽ ጀመረ። ንህይወት ሃዋርያኡ ድማ ኣብ ክልተ ኸፊሉ ተንተኖ። እቲ ቐዳማይ ናይ ብጽሕና (ጕብዝና) ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ናይ እርጋን ነበረ። እዚ መግለጺ’ዚ ግና ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወቱ እምበር ብዛዕባ ስጋዊ ዕድሚኡ ዘይምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ጐይታና ብብጽሕና ዝገለጾ ዓይነት ህይወት ፡ ነቲ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ምኻድ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንፍቓድ ጐይታኻ ዘይኰነስ ንፍቓድካ ምግልጋል ማለት እዩ። ተዋሂብዎ ዘሎ ማዕርግ “ኣገልጋሊ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ክርስቶስ” ዚብል እዩ። ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ኰይኑ ግና ዝደለዮ ዕጥቂ ተዓጢቑ ናብ ዝደለዮ መገዲ ይኸይድ ምንባሩ ገለጸሉ። እዚ ቕዲ ህይወት’ዚ ኣዝዩ ሓደገኛን ንስዕረት ዚምጥውን’ዩ። “መንና ዀን ይዓብይ፧” እናበሉ ኺወዳደሩ ዝገበሮም እዚ ብጽሕና’ዚ’ዩ (ሉቃ 9፡46 ፣ 22፡24)። ጐይታና ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ብግልጺ ምስ ነገሮም ሃዋርያ ጴጥሮስ ንጐይታ ንበይኑ ፍልይ ኣቢሉ፡ “ይባልህካ እባ ደኣ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ!!” ኢሉ ንጐይታኡ ኺገንሕ ዘድፈሮ ድማ ንሱ’ዚ ብጽሕና’ዚ’ዩ (ማቴ 16፡21-23)። ብጽሕና ሕሱም’ዩ፡ ሓሳብ ሰብ እምበር ሓሳብ ኣምላኽ ክትሓስብ ኣይፈቕደልካን’ዩ። “ሃዋርያ” ተባሂልካ ብዝተሰሜኻሉ ልሳን፡ “ሰይጣን” ክትስመይ ዚገብር፡ “ስዓበኒ” ተባሂልካ ብዝተዓደምካሉ ልሳን “ካባይ ርሓቕ” ተባሂልካ ኽትስጐጕ ኣሕሊፉ ዚህብ’ዩ። መዓስ እዚ ጥራሕ። እቲ ንጽባሕ ጥራይ ዘይኰነስ ንዘለኣለም’ኳ ኸም ከብዲ ኢዱ ዚፈልጣ ጐይታ፡ “ብኣይ ክትዕንቀፍ ኢኻ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ጌርካ ኽትክሕደኒ ኢኻ” ምስ በለካ፡ “ጐይታይ ባልሃኒ እባ ደኣ፡ እዝስ ኣይብጽሓኒ፡ ብጽንዓትካ ኣጽንዓኒ፡ ንዓቕመይ ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ” ኢልካ ብመሪር ብኽያት ኣብ እግሪ ጐይታኻ ወዲቕካ ኣብ ክንዲ ትግዕር፡ “ጐይታይ መን ምዃነይ ዝፈለጥካ ኣይትመስልን ኢኻ” ብዝዓይነቱ ስምዒት፡ “ኵሎም’ኳ ብኣኻ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን’የ ብዚብል ትምክሕቲ ኽትግተር ይገብረካ። እስኻ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ይጠቕም ይኸውን” ኢሉ ብሕያውነቱ “በዛ ለይቲ’ዚኣ ደርሆ (ሓንሳእ) ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” እንተ በለካ ድማ፡ ጭራሽ ልብኻ ኣትሪርካ፡ “ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካን’የ” ኢልካ ነቲ ፈላጥ-ኵሉ “ተጋጊኻ” ክሳዕ ምባል ይድርኸካ (ማቴ 26፡33-35)። ድሕሪ መዓልታት እኳ ኸይከውን ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ግና እቲ ምስ ጐይታ ኽትማጐት ዘድፈረካ ብጽሕና፡ ባዕሉ ይደፍረካ። ንውርደትካ ምእንቲ ኼዕብዮ፡ ብዕጡቕ ዓቀይታይ ዘይኰነስ ብገንዘብ ብእተዓደገት ገረድ ገይሩ፡ ነቲ ፈቲኻ ዝተዓጠቕካ’ዮ “ጽፉፍ” ዕጥቅኻ ብቐሊሉ ይፈትሖ። ንኽትዋግኣሉ ተዓጢቕካዮ ኸተብቅዕ፡ ንማለቱ’ኳ ከይፈተንካዮ፡ ዕጥቅኻ መዋግኢኻ ዘይኰነስ መላገጺኻ ይኸውን። እታ ተጻባኢትካ ገረድ፡ “ኢየሱስ ናዝራዊ” ኢላ ዝጸውዓቶ ስም ምጽውዑ’ኳ ኸቢዱካ፡ “እዚ እትብልዮ ዘለኺ ሰብኣይ ኣይፈልጦን’የ” እናበልካ ንርእስኻ እናረገምካ ትምሕል (ማቴ 26 ፡ 69-75)። ብጽሕና ስጋ፡ ዕጥቂ ስጋ ኽንደይ ኰን ሕሱም’ዩ!! ካልእ ሕሰም ናይ’ዚ ብጽሕና’ዚ ድማ፡ ኣበየናይ ሰዓት፡ ክንደይ ሳዕ ከም እትኽሕድ ብግልጺ ተነጊሩካ፡ እንደገና ድማ፡ “ (እዚ ተዓጢቕካዮ ዘለኻ) ስጋ ድኹም፡ መንፈስ ግና (ንረድኤትካ) ተዳልዩ ኣሎ’ሞ፡ ናብ (ዘይትወጾ) ፈተና ኸይትኣትውስ፡ ንቓሕን ጸልይን” ዚብል ንጹር መጠንቀቕታ ተዋሂቡካ ኼብቅዕ ድማ ብጽሕናኻ ኣብ ልዕሊታ ሚሔን መጻወድያን በጥ ኢልካ ናይ ውርደት ሰዓታትካ ኽትጽበየን ይገብረካ (ማቴ 26፡40-46)። እምበኣር ጐይታና ንቕዱሳን ሃዋርያቱ ኻብ ከምዚ ዝበለ ንውድቀትን ንውርደትን እምበር ንኻልእ ዘየገልግል ብጽሕና ምእንቲ ኼናግፎም’ዩ ብሕያውነቱ ንሳልሳይ ጊዜ ዝተገልጸሎም።
ንፍቓድ ስጋኻ ምስ ኣረግካ ግና፡ ታሪኽካ ኣዝዩ ዝተፈልየን ዝኸበረን’ዩ ዚኸውን። ኣብቲ ባህርያዊ ናይ ስጋ እርጋን ኵሉ ጊዜ ኸም ንዕዘቦ፡ ኣብ ጊዜ ብጽሕናኻ እትገብሮ ዝነበርካ፡ ኣብ ጊዜ እርጋንካ ፈጺምካ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንእኡ ምግባር ዘይሓውይ ሃስያ ኸም ዜምጽኣልካ ስለ እትፈልጥ ፡ ከም ሓሳብ ከም ሃቐና’ኳ ብኣምሮኻ ኣይሓልፍን’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ንፍቓድ ስጋኻ ምስ ኣረግካ ባዕልኻ ንርእስኻ ምዕጣቕን ናብ ዝደለኻዮ ምኻድን ደኣ ኢኻ ትገድፎ እምበር ብዘይ ዕጥቅን ብዘይ ተልእኾንሲ ኣይትኸውንን ኢኻ። ሽዑ ጐይታ ንስኻ ዘይትፈልጦ ዕጥቂ ባዕሉ የዕጥቐካ፡ ናብ ቅድሚ ሕጂ ዘይትፈልጦን ዘይትደልዮን ቦታ ይወስደካ። ባርያ ፍቓድካ ካብ ምዃን ኣናጊፉ ባርያ ፍቓዱ ይገብረካ። ነቲ ንሱ ዜዕጠቐካ ዕጥቂ ይትረፍ ሓንቲ ገረድ፡ ከም ጐልያድ ዝበለ ዕጡቕ ጸላኢ እኳ ኺፈትሖ ኣይክእልን’ዩ። ጸላኢ፡ ርሱን ናይ ሓጢኣት መንትግ ምስ ወርወረልካ፡ ብዋልታ እምነት ተምክኖ፡ ብሰይፊ ቓል ወንጌል ትወግኦ፡ ብዕጣቕ ሓቂ ንሓሶት ኸንቱ ትገብሮ፡ ብድርዒ ጽድቂ ንፍላጻ ዓመጻ ትምክቶ፡ ወንጌል ሰላም ከም ኣሳእን ወዲኻ ኣብቲ እሾኽ ዝተዘርአ ምድሪ ብዓወት ትስጕም (ኤፌ 6፡11-17)። ጐይታና ግና ነቶም ንፍቓድ ርእሶም ዘይኣረጉ ሰባት ነዚ ኽቡር ደሙ ዝኸፈለሉ ኽቡር ዕጥቂ ኸቶ ኣይህቦም’ዩ። ዕጥቅን ተልእኾን ናይ ኣምላኽ፡ ብጽሒት ናይቶም ንፍቓድ ኣምላኽ ዝጐበዙ ፡ ንፍቓድ ርእሶም ዝኣረጉ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንብጽሕና ስጋ ደርብዩ ብጽሕና መንፈስ ምስ ተዓጥቀ፡ ንኣምላኽ ኢዱ ኣልዒሉ ምስ ተማረኸ እሞ እግዚኣብሄር ብመንፈስ ቅዱስ ኣጽዋር ብርሃን ምስ ኣዕጠቖ፡ ካልእ ሰብ ተሰርሐ። ብታህዲድ ኣግራድ ዚርዕድ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ብትብዓቱ ንዋዕላ ኣይሁድ ኣስክሐ (ግብ 4፡13,19,20)። ብዛዕባ መከራ ኺሰምዕ ከሎ “ይባልሃና” እናበለ ዜስካሕክሕ ዝነበረ፡ ኣብ ዋዕላ ኣይሁድ ነርብዓ ሓደ ጐደል ተገሪፉ ሰብነቱ ደም እናነዝዐ ኸሎ፡ ብሓጐስን ብሓበንን ካብ ቅድሚ’ቲ ዋዕላ ርእሱ ኣቕኒዑ ወጸ (ግብ 5፡27-29,40-42)። ጐይታ ነዛ ታሪኽ’ዚኣ ምእንቲ ኺሰርሓሉ’ዩ “ንስኻ ግዳ ሰዓበኒ” ዝበሎ።
ዝኸበርካ ፍቁር ክርስትያን ፡ እዛ መለኮታዊት ጽውዓ ኣብ ጕንዲ እዝንኻ ደዀን ተቃልሕ ትህልው፧ እንሆ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንጐይታኣ ወኪላ ትነግረካ ኣላ!! ንፍቓድ ርእስኻ ኽትኣርግ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ናይ ምኻድ መንፈሳዊ ሽፍትነት ክትሓድጎ እንሆ ትዕደም ኣለኻ!! ባርያ ፍቓድካ ምዃን ናብ ውርደትን ስቓይን ናይ ገሃነም’ዩ ንዘለኣለም ዚነቑት። ንክርስቶስ ሰዓቢኡ ዘይኰነስ ዓንቃፊኡ ገይሩ ዜበላሽው’ዩ። ናይ መወዳእታ ጻማኻ ድማ ፡ “ካባይ ርሓቕ ሰይጣን” ዚብል’ዩ ዚኸውን። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ቅዱሳን መላእኽቲ ናይ ምዃን ኽብሪ እናተጸበየካ ኸሎ፡ ንምንታይ ከም ኣጋንንቲ ኣብ ገሃነም ንዘለኣለም እትሳቐይን እትዋረድን፧ ነዚ ዓሻ ምርጫ ደርብዮ እሞ ቀልጢፍካ ንክርስቶስ እረግ!! ኣእዳውካ ናብ ኣምላኽ ኣልዒልካ ተማረኽ!! ጐይታኻ ብመንፈስ ቅዱስ ኣጽዋር ኣምላኽ ኬዕጥቐካ፡ ስጋኻ ፈጺሙ ናብ ዘይመርጾ ዘየጣዕስ መፈጸምታ ኺመርሓካ’ዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት “ንስኻ ግዳ ሰዓበኒ” ኢሉ ብመንፈስ ቅዱስ ይጽውዓካ ኣሎ እሞ፡ ብመነባብሮኡ ዘይጠላለፍ እሙን ሰዓቢ ኹን። እቲ ንሰዓብቱ ዚጸምው ጐይታ ክብርኻ’ዩ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፥ ሰንበት ሰነ 2, 2019 ግንቦት 25, 2011 (ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝሙር 117/118፡24-25 "ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፈሣሕ፡ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ ኣድኅንሶ።" "እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣድሕን ኰታ'' |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
2ቆሮ 15፡50-ፍጻሜ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሐ 21፡1-14 |
1ዮሐ 3፡13-ፍጻሜ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘዲየስቆሮስ |
ግሃ 2፡22-32 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ