S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እግዚኣብሔር ዘይሠመሮ ምኽሪ!

ኣብ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ብዘንበብክዎ ሓደ ዛንታ ጽሑፈይ ክጅምር ባህ ይብለኒ። ንሱ ከኣ ሓደ እዋን እዩ ይበሃል ኩሎም ኣራዊት መሮር ኣንጻር ኣባጎብየ ከይበደሎም ከሎ፥ ኣብ ሕማቕ ምኽሪ ይሓብሩ እሞ፥ ብዳርባ እምኒ ቀጥቂጦም ክቐትልዎ ይሰማምዑ። ግናኸ ናይ ድንጋጸ ነገር ግዲ ኮይኑ፡ ዕንቍርዖብ እቲ ዝሓሰብዎ ሕማቕ ምኽሪ ብምሥጢር ነባጎብየ ተካፍሎ። ንሱ ከኣ እቲ ኩነታት ከቢድዎ ከውርዶን ከደይቦን ምስ ጸንሐ፡ ንምዃኑ እገሌኸ

ነይሩዶ? እናበለ ስም ብዙሓት እናጠቐሰ ተወከሳ። ንሳ ድማ ኣብቲ ንምቕታሉ ዝተገብረ ባይቶ ዋላ ሓደ ዝተረፈ ከም ዘይነበረ ኣረጋጊጻ ነገረቶ። ብድሕርዚ ኣባጎብየ እግዚኣብሔርከ ነይሩዶ? ኢሉ መሊሱ ሓተታ። ዑንቍርዖብ ግን እግዚኣብሔርሲ ኣይነበረን ዝብል መልሲ ሃበቶ። ብድሕር ተመስገን! ኢሉ ነዊሕ ኣተንፈሰ። እንቋዕ ደኣ እግዚኣብሔር ኣብቲ ምኽሮም ኣይሓበረ እምበር፥ ንሳቶምሲ ከድምዑለይ ኣይክእሉን እዮም ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣሎኒ በለ። ደሓር እንስሳታት መሮር ኩሎም ከም ምኽሮም መጺኦም ኣእማን ደርበይሉ። እግዚኣብሔር ግን በቲ እኩይ ምኽሮም ብግፍዒ ክመውት ኣሕሊፉ ኣይሃቦን። ስለዚውን እዚ ሕጂ ኣብ ዝባኑ ዝርአ ዘሎ መከላኸሊ ሒላብ ገበረሉ እሞ፥ ብሕይወቱ ክወጽእ ከኣለ። እንሆ ድማ ኣባጎብየ እምነቱ ናብ እግዚኣብሔር ስለ ዝገበረ፥ ክሳብ ሕጂ ይነብር ኣሎ እግዚኣብሔር እንተ ዘይከላኸለሉ ግና ዛጊት ጠፊኡ ምሃለወ ነይሩ’’ ይበሃል። ስለዚ እዮም ከኣ ለባማት ኣቦታትና ‘’ንመን ኣለዎስ እዝጊ ኣለዎ’’ ዝብሉ።

 

ዝኾነ ምኽሪ ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት ንዓወት ይኹን ንዕንወት ዓቢይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ብዛዕባ ምኽሪ ክንዛረብ ከሎና ክልተ ዓይነት ምኽርታት ከም ዘለዉ ክንርዳእ የድሊ። ንሱ ከኣ ዝጠቅም ምኽርን ዝጎድእን ምኽርን ተባሂሉ ይፍለጥ። ዝጎድእ ምኽሪ ማለት ኣምላኽ ዘይከብረሉ ሰባት ዝጉድእሉ፥ ንሕይወትናን ሕይወት ካልኦት ኣሕዋትናን ዘጥፍእ ሕማቕ ምኽሪ ማለት እዩ። ናይዚ ሕማቕ ምኽሪ ሱርን መሠረትን ከኣ እቲ ጸላኤ-ሠናያት ዝኾነ ዲያብሎስ እዩ። እቲ ጽቡቕ ምኽሪ እንብሎ ድማ ንረብሓ ሥጋን ነብስን ዝኸውን፡ ኣምላኽ ዝሕጎሰሉ፥ ደቂ ሰባት ዝጥቀምሉ ካብ ሠናይ ሓሳብን መንፈሳዊ ጥበብን ዝምንጩ ኣገዳሲ ምኽሪ እዩ። ከምቲ ‘’ኣብ ልዕሊ ልብኻ እንተ ዝመኽሩኻ፥ ኣብ ልዕሊ ሃብትኻ ድማ እንተ ዝውስኹኻ’’ ዝብል ምስላ ወለድና ዘሎ፥ እቶም ምኽሪ ዝቕበሉ ሰባት ካብ መን ዝመጸን እንታይ ዓይነት ምኽርን ምዃኑ ተጠንቂቖም ክቕበሉ ኣለዎም።ብኣንጻር እዚ ድማ እቲ ርጉም ሰይጣን ንኣዳምን ሔዋንን ኣብ ገነት ከለዉ፥ ከም ተመን ተመሲሉካብዛ ኦም እንተ በላዕኩም ኣይትሞቱን ኢኹም። እንታይ ደኣ ማዕረ ኣምላኽ ኢኹም ትኾኑ’’ ዝብል ናይ ሓሶትን ሞትን ጎዳኢ ምኽሪ ሃቦም። ንሳቶም ድማ ንሠናይ ምኽሪ እግዚኣብሔር ገዲፎም፡ ምኽሪ ሰይጣን ስለ ዝኣመኑ ካብ ሕይወት ናብ ሞት ወረዱ።


ኣቦና ዳዊትውን ኣብ ቀዳማይ መዝሙሩ ‘’ምኽሪ ኽፉኣት ሰባት ዘይሰምዕ፥ ብመገዲ ኃጥኣን ከኣ ዘይከይድ’’ ብዝብል ፍረ ሓሳብ ንኣምላኽ ከመስግን ይጅምር። መዝ 11 ካብዚ እንርድኦ ነገር ድማ ብምኽሪ ክፉኣት ሰባትን ብመገዲ ኃጥኣንን ዝጓዓዝ ሰብ ኣንጻር መደብ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ መወዳእታኡ ጣዕሳን ሞትን እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ዝረኽቦ ረብሓ ከም ዘየልቦ ይበርሃልና። ምኽንያቱ ሕማቕ ምኽሪ ዘሪኡ ጽቡቕ ነገር ዝዓጽድ፥ ወይ ከኣ ናይ ኃጢኣት ምኽሪ ዘሪኡ ፍረ ጽድቂ ዝሓፍስ ሰብ ብፍጹም የልቦን። ብዛዕባ እዚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ‘’እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ሠናይ መዝገብ ልቡ፥ ሠናይ ነገር የውጽእ፥ እቲ ክፉእ ሰብ ግና ካብቲ ክፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ ነገር የውጽእ’’ ክብል ብዛዕባ ውሽጣዊ መንነት ደቂ ሰባት ኣነጺሩልና ኣሎ። ማቴ 1235


ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና 2005 . ዝተፈጸመ ሓደ ዘሕዝንን ንሰማዒኡ ዘደንጹን ነገር ኣሎ። ንሱ ከኣ እቲ ኣብ ልዕሊ 3 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝወረደ መሠረት ዘይብሉ ክስን ሕማቕ ምኽር ንብዙሕ ኣማኒ ተዋህዶ ድቃስ ዝኸልአ ጉዳይ ኮይኑ ንረኽቦ። ከምቲ ኣራዊት መሮር ንኣባጎብየ ከይበደለ ከሎ ክቐትልዎ ኣብ ክፉእ ምኽሪ ዝተሰማምዑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተማህዘ ረቂቕ ናይ ኃጢኣት ምኽሪ ድማ ብተመሳሳሊ መገዲ ቀናእ ሰይጣን ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ምእንቲ ከፍርሳ ኢሉ ዝመሃዞ ናይ ዕንወት ምኽሪ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ከስተውዕሎ ይግባእ። ምኽንያቱ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ እዞም ዝኸሰስዎም ጳጳሳት ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝኣክል ከም ኣኅዋትን ተሓጋገዝቲ መሳርሕትን እዮም ኔሮም። እንተ ኾነ ግና 3 ፓትርያርክ ከይበደሉ ከለዉ፥ ጉዳዮምውን ነጻ መንፈሳዊ ኣካል ከይረኣዮ፥ ካብ ሓቅን ጥንታዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንናን ወጻኢ ብዝኾነ መገዲ ብደብዳቤ ካብ መንፈሳዊ ሓላፍነትኩም ኣውሪድናኩም ዝብል መርመም ዝኾነ ዘዋሪ ውሳኔ ተመሓላሊፉ። ይኹን እምበር ልዑል እግዚኣብሔር ዘኽበሮ ማንም ሰብ ከሕስሮ ፍጹም ስለ ዘይከኣል፥ ነቲ ከንቱ ክስታት ድማ ‘’እግዚኣብሔር ዘይሠመሮ ምኽሪስለ ዝኾነ፥ ንኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ ዝዓዘዘ መንፈሳዊ ክብሪ ኣውሂብዎም ኣሎ። ነቶም ኣብ ሕማቕ ምኽሪ ዝሰመሩ ግና፡ ከምቲ ‘’ጉድጓድ ንኾዓቲኣ፥ እሾኽ ንሓጻሪኣ’’ ዝበሃል ወትሩ ሕፍረትን ውርደትን ኣስዒብሎም ይርከብ።


ብዛዕባ ሕማቕ ምኽሪ ክንዛረብ ከሎና፡ ኣቐዲሙ ኣብ ኣእምሮና ዝመጽእ፡ እቶም 10 ደቂ ያዕቆብ ኣብ ልዕሊ ኃዎም ጻድቕ ዮሴፍ ዝፈጸምዎ በደልን ጭካኔን እዩ ዘዘክረና። ዮሴፍ ንኣኅዋቱ ኮነ ንስድራ ቤቱ ወላ ሓንቲ እኳ ኣይበደሎምን። ይኹን እምበር እቲ ብሕልሚ ዝረኣዮ ምሥጢር  ነኅዋቱ ብግርህነት ስለ ዝነገሮም ብዘይጠቅም ቅንኢ ተላዒሎም ንኃዎም ክቐትሉ ኣብ ሕማቕ ምኽሪ ከም ዝተሰማምዑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና እንረኽቦ ሓቂ እዩ። እቲ ሕያዋይ ኣምላኽ ግና ወትሩ ረዳኢ ውጹዕን ደጋፊ ግፉዕን ብምዃኑ ንጻድቕ ዮሴፍ ክመውት ኣሕሊፉ ኣይሃቦን። ምኽንያቱ እቲ ኩሎም ደቂ ያዕቆብ ዝተሰማምዕሉ ሓሳብ ‘’እግዚኣብሔር ዘይሠመሮ ምኽሪስለ ዝኾነ ጉዕዞ ሕይወት ዮሴፍ ካብ ኣብ ጉድጓድ ሞት፡ ናብ ናይ ግብጺ ክብረት ተሰጋገረ። ከምቲ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ‘’ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፥ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፥ ሓሳብ ክፉእ የብለይን’’ (ኤር 2911) ክብል ኣስፊሑ ዝገለጾ ድማ ኮነ። ስደት ዮሴፍ ከኣ ብረድኤት ኣምላኽ ንበረኸትን ድኅነት ሕይወትን ክኸውን ከኣለ። ነቶም ኣብ ሕማቕ ምኽሪ ዝሠመሩ ደቂ ያዕቆብ ግና እታ መዓልቲ ሓቅን ዕርቅን ምስ መጽአት ብፍርሓትን ውርደትን ርእሶም ኣድነኑ።  ዘፍ 371 ስለዚ እምበኣር ንሕናውን ንሕማቕ ምኽርን ናይ ዓለም ነገርን ዕሽሽ ኢልና ኣብ እምነት እግዚኣብሔርን ኣብ ሠናይ ምኽርን ክንጸንዕ ኣምላኽ ኣዕይንቲ ልብና ይኽፈተልና።

ምክር ሠናይት ለኵሉ ዘይገብራ!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div