ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈጸመን ገና ዝፍጸም ዘሎ ዕንወትን ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዘሎ እውናዊ ኩነታት ኩሉ ሰብ ምእንቲ ክፈልጦን
ክርድኦን ካብ ዝብል ሓሳብ ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ እልእከልኩም ኣሎኹ እሞ ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ክትዝርግሕዎ ሓደራ እብል። እዚ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ከም መንፈሳዊ ምምሕዳር መጠን ፍቕሪ፥ ሰላም፥ ፍትሒ፥ ሓቅን ጽድቅን ዝሰፈኖ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ፍርሒ፥ ሓሶት፥ ጽልእን ምትህልላኽን ዝመልኦ ተራ መውዓሊ ናይ ኣቶ ዮፍታሄን ሰዓብቱን ኮይኑ ከም ዘሎ ኩሉ ለባም ዝበሃል ሰብ ተረዲእዎ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይ ሕጊ ካብ ዝእሰሩ ንደሓር ከኣ ኣብ ተዋህዶ ሃይማኖትና ብዙሕ ዘሕዝን ክፍኣት ተፈጺሙን ገና ይፍጸም ከም ዘሎ ንኹሉ ኣማኒ ክሕብር እደሊ። ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ካብ ዘሎ ሓፈሻዊ ሓቂ ለ ንምጥቃስ ነዚ ዝስዕብ የቕርበልኩም።
ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ኣብ ከቢድ ጸገምን ስደትን ከም ዘላ ማንም ሰብ ዝስሕቶ ኣይኮነን። በዚ መሰረት ብዙሓት ቅኑዓት ኣቦታት ካህናት፡ መነኮሳት፥ ዲያቆናት፥ ደባትር ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያንን ብጭካኔ ተገፊዖም፡ ተሰጕጎም፡ ተኣሲሮምን ብስደት ናብ ፈቐዶ ሃገራት ተበቲኖም እዮም። ካብ ውሽጣዊ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ዮፍታሄ ዝተረኽበ ከም ዝሕብሮ ብድሕሪ ማእሰርቲ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ኣብዞም ዝሓለፉ 5ተ ዓመታት ጥራይ ብሓፈሻ ልዕሊ 1700 ዝኾኑ ውሉደ-ክህነት ካብ መንፈሳዊ ኣገልግለቶም፥ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያኖምን ዓድታቶምን ፋሕ-ብትን ኢሎም ኣለዉ። ካብዚኦም 23 ዝኾኑ ውሉደ ክህነት ኣብ ቤት ማእሰርቲ፥ 14 ካህናትን ዲያቆናትን ኣብ ቀጽሪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከይረግጹ ብጽኑዕ ዝተኸልከሉ፥ 7ተ መንፈሳውያን ኣቦታት ካብ ከተማ ኣስመራ ከይወጹ ዝተኸልከሉ ኣለዉ። ካልእ ብሰንኪ ሃይማኖቶም መሪር ግፍዒ ስለ ዝኸበዶም ንድሕነት ሕይወቶም ክብሉ ካብ ዝተሰደዱ፥ 49 ሰራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክን ሃገረ ስብከታትን፥ 32 ዝኾኑ ኣቦታት ገዳማውያን መነኮሳት፥ 5 ደቀንስትንዮ ደናግልን፡ ብጠቕላላ 1700 ዝኾኑ ኦርቶዶክሳውያን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ናብ ፈቐዶ ሃገራት ዓለም ብስደት ተበቲኖም ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ብተወሳኺ ልዕሊ 1350 ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ከኣ ኣንጻር መንፈሳዊ ማዕርጎም ብግዴታ ኣብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ተዓስኪሮም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ተጠቒሶም ዘለዉ ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት ቆጽሪ ማለት ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ናብ ስደትን ዝተበተኑ ጥራይ ልዕሊ 3050 በጺሖም ኣለዉ። ክንድዚ ዝኣክል ዓቕሚ ሰብ ካብቲ ምዱብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ፋሕ ኢሎም ጠፊኦም ክትሰምዕ ከሎኻ ድማ ንልቢ ዘለዎ ሰብ ብሓቂ ዘሕዝን ዓቢ ዕንወት እዩ። ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ተዋህዶ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፥ መከራን ስደትን ግና ብዓቕመይ ዝንገርን ብቑጽሪ ዘርዚርካ ዝውዳእን ኣይኮነን እሞ፥ ዕለቱን ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ዝግለጽ ጥራይ ምዃኑ ምሕባር ኣኻሊ ይመስለኒ። በዚ ምኽንያት ከኣ ብፍላይ ኣብ ገጠር ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋህዶ ብስእነት ካህናትን ዲያቆናትን ኣብ ሽግር ወዲቐን ከም ዘለዋ ካብ ኩሉ ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ንኽንደይ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ገዳማትን ኣድባራትን ከይዶም ዝተማህሩ ውሉደ-ክህነት ንምእመናን መንፈሳዊ ጉስነትን ክንዲ ዝህቡ ንዓመታት ከገልግልዎ ዝጸንሑ ታቦቶምን ዓድታቶምን ሓዲጎም ናብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ኣዝዩ ዘሻቕል ከኣ ምሁራት መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮኑስ እቶም ቀንዲ ተካእትን ተረከብትን ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ መንእሰያት ኣሕዋትናውን ካብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ብደገን ብዘጓንፎም ዘሎ ፈተናታት ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ገዲፎማ ይጠፍኡ ምህላዎም ፍታሕ ዘይተረኽቦ ሕዱር ጸገም ምዃኑ ክንዝግንዖ ኣይግባእን።
እምበኣር ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብዚ ናይ ከቢድ ፈተና እዋን ሃብታን ንብረታን ይዝመት፥ ጥንታዊ ቕርስታታ ይበርሱ፥ ገዳማትን ኣድባራትን ይዳኸሙ፥ ሊቃውንታን ኣገለግልታን ይግፍዑ፥ መንእሰያታ ይብተኑ፥ ከም ዘለዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ዘሎ ነገር እዩ። ብዘይካ እዚ ኣቶ ዮፍታሄ ነቶም ትእዛዙ ዝቃወሙን ንሰዓብቱ ዝነቕፉን ኩሎም ካህናትን ዲያቆናትን መዘምራንን ብሓይሊ ንምብርካኽ ኢሉ ካብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ናብ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ሕጊ እናቀያየረ፥ ኣብ ጭንቀትን ስቅያትን ከም ዝነብሩ ጌርዎም ኣሎ። ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዘገልገልክዎ ቤተ ክርስቲያን እምቢ ኣይንቕየርን ንዝበሉ ድማ ደሞዞምን ማሕድርኦምን እናኣገደ ኣብ ናብርኦምን ስድራ ቤቶምን ከቢድ ጸገም ፈጢሩሎም ከም ዘሎ ኩሎም ካህናትን ዲያቆናትን ከተማ ኣስመራ ዘረጋግጽዎ ግሁድ ሓቂ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ከሎ ግና፥ ሓደ ሓደ ብረብሓ ዝዓወሩ ሰባት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ጽቡቕ ኣላ ዝብሉ ኣለዉ፥ ግናኸ እዚኣቶም ኣብ መንጎ ጽቡቕን ሕማቕን ዘሎ መቐረት፥ ወይ ከኣ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ዘሎ ርሕቀት ዘይርድኦም ከንቱ ሰባት ምዃኖም ምፍላጦም የድሊ።
እግዚኣብሔር መዓት ቀንጢጡ ምሕረቱ የውርደልና።
ዝሓዘነ ኦርቶዶክሳዊ ካብ ሃገረ ስብከት ዞባ ማእከል
ኣስመራ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ