S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እግዚኣብሔር ሕጉ ንዝሕልዉ ይሕልዎም’ዩ!

ሰብ ብሰንኪ ስስዐን ህርፋን ሕጊ እግዚኣብሔር እንተዘይጥሒሱ ብሰላም ከም ዝነብር ብዙሕ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ሰብ ንጊዚያዊ ጥቕምን ሓጎስን ኢሉ ሕጊ ኣምላኽ ምስ ዝጥሕስ ዝወርዶ ሽግርን መከራን ከቢድ

ከም ዝኾነ ውሑድ ዘይኮነ ረቛሒታት ክቐርብ ይከኣል። እስከ ሕጽር ዝበለ ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል  ነዚ ዝስዕብ ንከታተል። ንጉሥ ሳኦል ንዳዊት ክቐትሎ ብዙኅ ጊዜ ሃቂኑን ኣሳጕጕዎን እዩ። ኣብቲ ዘሳጎጎሉ ጊዜ ድማ ሳኦል ሓደ መዓልቲ ኣብ ኢድ ዳዊት ወደቐ፡ ግናኸ ንጉሥ ዳዊት ሥልጣን ሃሪፉ ቂም ኣሕዲሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅቡእ እግዚኣብሔር ኢዱ ኣየልዓለን። የግዳስ ሳኦል ኣብ ኢዱ ወዲቑ ከምዝነበረ ግን ገለ’ኳ ከም ዘይገበሮ ቅዱስ ጽሑፍ ብከምዚ ዝስዕብ የረድኣና።

‘’ሽዑ ሳኦል ካብ ብዘሎ እስራኤል እተሓርዩ ሠለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወሲዱ ንዳዊትን ሰቡን ኣብ ኣኻውሕ ጤለበዱ ኪደልዩ ከዱ። ናብቲ ጥቓ መገዲ ዝነበረ ደምቤታት ኣባጊዕ ድማ መጸ። ኣብኡ ከኣ በዓቲ ነበረ። ሳኦል ድማ እግሩ ኪኸድን ኣተወ። ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ። ሽዑ እቶም ሰብ፡ ዳዊት እታ እግዚኣብሔር ነቲ ጸላኢኻ ጽቡቕ ኮይኑ እተራእየካ ክትገብሮ እንሆ ኣነ ኣብ ኢድካ ክህበካ እየ’’ ዝብለካ መዓልቲ እንሃ ሎሚ እያ በልዎ። ዳዊት ድማ ተንሢኡ ቀስ ኢሉ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቆረጸ። ድሕሪ እዚ ግና ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለዝቖረጸ ልቡ ወቕሶ።ንሰብ ድማ ንሱ ቅቡእ እግዚኣብሔር እዩ እሞ ንጎይታይ ነቲ ቅቡእ እግዚኣብሔር ኢደይ ናብኡ ዘርጊሐ እዚ ነገር እዚ ምግባርሲ እግዚኣብሔር ካበይ የርሕቆ በሎም። …… ሳኦል ከኣ ካብቲ በዓቲ ተንሢኡ መገዱ ከደ።

ድሕሪ እዚ ዳዊት ተንሢኡ ካብቲ በዓቲ ወጸ። ዎ! ጎይታይ ንጉሥ ኢሉ ድማ ደድሕሪ ሳኦል ጸውዐ ሳኦል ከኣ ንድሕሪኡ ግልጽ በለ እሞ ……. ዳዊት ንሳኦል በሎ፥ ‘’ስለምእታይ ኢኻ ዘረባ እቶም እንሆ ዳዊት ንኽፋእካ እዩ ዝደሊ ዝብሉኻ ሰባት እትሰምዕ? እግዚኣብሔር ሎሚ ኣብቲ በዓቲ ንዓኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ከም ዝሃበኒ ኣዒንትኻ ርእየን እየን። ክቐትለካ ድማ መኸሩኒ። ኣነ ግና ንሱ ቅቡእ እግዚኣብሔር እዩ’ሞ ኢደይ ናብ ጎይታይ ኣይዝርግሕን ኢለ ንሓፍኩኻ። ኣቦየ! ርኤ፡ እወ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎ ርአ። ጫፍ ክዳንካ ክቖርጽ ከሎኹ ንዓኻ ብዘይምቕታለይ ኣብ ኢደይ ክፍኣት ኮነ በደል ከም ዘየልቦ ፍለጥን ርአን’’ (1 ሳሙ 24፡3-12) ዳዊት ክንድዚ ዝኣክል ትዕግሥትን ትሕትናን ብምግባሩ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክብርን ሞገስን ረኸበ። እንተ ብዛዕባ እቶም ሰሲዖም ንሕጊ እግዚኣብሔር ዝጥሕሱ፡ ዝረኽብዎ ውርደትን ሓሳርን እሞ ካብ ናይ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን ዝበልጽ ኣብነት ምጥቃስ ዘድሊ ኣይመሰለናን።

ብዝኾነ እዚ ዘቕረብክዎ ክልተ ኣብነታት ጥራይ እኳ ብቑዕ እንተኾነ ሕጂ እውን ሕግን ትእዛዝን እግዚኣብሔር ንዘኽብር ሕዝቢ ምድራውን ሰማያውን ጸጋን በረኸትን ከም ዝወሃቦ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋት እንረኽቦ ዘይሕሶ ቃል ኣምላኽ እዩ’ሞ ሕግን ትእዛዝን እግዚኣብሔር ተኸቲልና ንንበር።ስለዚ ‘’ኣንቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ንዑ እቲ ካብ ምምሥራት ዓለም ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ውረሱ’’ ብዝብል ምስጋና ብጎይታ ምእንቲ ክንምስገንን መንግሥቱ ክንወርስ ትእዛዙን መገዱን ንሓሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div