S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ኦርቶዶክስዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ- ኣድማሳዊ ሕብረት ኣህጉረ ስብከታት

መልሲ ነቲ ኣብ ኣሥመራ ብዝነብሩ ጳጳሳት ኤርትራ ዝተዋህበ ውሳኔ፡

እስከ ትበጽሕ ለሞት ተበአስ በእንተ ጽድቅ፥ ወእግዚኣብሔር አምላክከ ይትበአስ በእንቲአከ።”|“ምእንቲ ሓቂ [ጽድቂ] ክሳብ ሞት ተቓለስ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ድማ ምእንታኻ ክቃለስ እዩ።ሲራክ 4:28፡፡

ሒደት ጳጳሳትን ልኡኻት መንግሥትን ዝመሃዝዎ፥ ካብ ጥሪ ፲፱፻፺፯ |January 2005 ዓ. ምሕረት፥ ዝጀመረ ግህሰት ቤተ ክርስቲያን፥ ካብ ምእሳር ካህናት፥ መነኮሳት ሕሉፍ ሓሊፉ ክሳብ ሞት ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ስደት ምእመናንን ካህናትን፥ ዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎ መከራን፥ ካብ ዓይኒ ኩሉ ሕዝቢ ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ኩነታት ካብ ዝጀመረሉ፥ ዓገብ ክንብልን፥ ብዝከኣለና ኣብ ስደት ዘሎ ሕዝብና ከነጸናንዕን ክንጓስን ጸኒሕና ኢና፡፡

ጎድኒ ጎድኑ ድማ፥ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፥ ቤተ ክርስቲያን ንፖለቲካዊ መሳርሒ ኣሕሊፎም ዝሃቡ ውሉደ ክህነት፥ ምእንቲ ናጽነት ቤተ ክርስቲያኖም ደው ክብሉን፥ መሳርሒ ፖለቲካ ካብ ምዃን ኢዶም ክስሕቡን፥ ቤተ ክርስቲያን እትሓቶ ኣምላኻዊ ሕቶ፥ድኻ ተበደለ ፍትሒ ጎደለ፥ ቢሎም ኣብ ጎድኒ ሕዝቦም ደው ክብሉ፥ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍና ዚብሎ፥ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ከኣ ንስኻትኩም'ውን፥ ኣብቲ ሥጋ ከም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም።" ዕብ 13:3 ዝበሎ ቅዱስ ቃል ጽሑፍ ክዝክሩ፥ ኩላትና'ውን ብሓድነት ንሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓቂ ደው ኢልና ክንዓዪ፥ ብዘይምሕላል ክንልምንን ክንጽውዕን ጸኒሕናን ኣሎናን። ንሕና ሰበኽቲ ሰላም፥ ሰብ ደገ-ሰላም ብምዃንና ሰኺንና ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ደገ-ሰላምና ኮፍ ኢልና ጉዳይና ክንፈትሕ፥ ጉዳይ መጓሰና ክንገብር፥ ብተደጋጋሚ ሓቲትና፥ መንጎኛታት ሸምገልቲ ኣቀራረብት'ውን ከይተረፉ ብምልኣኽ ፈቲንናን ጽዒርናን ኢና። እንተኾነ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብግበር ኣይትግበር ትእዛዝ መንግሥቲ ዘተግብሩ እምበር፥ ብነፃነት ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ኪፍጽሙ ዝተብዑ ኣቦታት ኣይተዓደልናን። ኣብ ክንዲ ንልዝብን ንሰላምን ምጽዓርን ምብጋስን፥ ኣብ ኣሥመራ ዝርከቡ ጳጳሳትን፥ ኣብ መላእ ዓለም ፍልልይን ህውከትን ንምዝራእ ዝተዋፈሩ ሰዓብቶምን፤ ብኣንጻሩ መናፍቓን፥ ተሓድሶ፥ ጸላእቲ ሃገር፥ ጸረ መንግሥቲ፥ ዕሱባት፥ መንካዕ ወዘተ ብዝብል ዘጸይፍ ቃላት ብምጥቃም ንሕቶታትና ክነጽጉ ጸኒሖምን ኣለዉን።

መላእ ሕዝብና ክፈልጦ ግልጺ ክኸውንን ድማ ኣብዚ ሰዓት እዚ፥ ብንጹርን ግልጽን ብዝኾነ መንገዲ፥ ንኹሉ ዕርቅን ሰላምን ጸዋዒት ምንጻጎም ከይኣክል፥ ናይ መወዳእታ መፈላለዪ ዝበልዎ፥ እዚ ዚስዕብ ኣዝዩ ኣጸያፊ ውሳኔታት ኣሕሊፎም ኣለዉ።

1. ዝኾነ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን በዞም ኣቦታት ጳጳሳት ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ዝመርሕዎም ካህናት ዝፍጸም ኩሉ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ቅቡል ከይከውን።

2. ዝተፈጸመ ምሥጢራት፥ ጥምቀት፥ ሜሮን፥ ተክሊል፥ ክህነት ኩሉ ዳግማይ ክድገም።

3. ዝድገሙ ምሥጢራት ንስሓ፥ ቁርባን፥ ቀንዲል፥ ዝተፈጸመሉ ክሕደት ከም ዝፈጸሙ ተሓሲቡ፥ ዳግማይ ብንስሓ ክሕደስን ክድገምን።

4. ናይ ደገ ኣገልግሎታት፥ ጸሎተ ሕጸ፥ ቡራኬ ቤት፥ ጸሎተ ሓራስ፥ ጸሎተ ሕሙማን፥ ዝምልከት ዝተፈጸመሎም፥ ከም ክሕደት ክርአ ዳግማይ ክድገም። 

5. ዝሞተ ረይሳ ሰብ ኣብ ዝተወለደሉ ርስቲ ዓደቡኡ ኣትዩ ከይቅበርን፥ብሕይወት ዘሎውን ኣብ ሃገር ኣትዩ ዝኾነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከይረክብን ከይፍጸመሉን። ዳስ መርዓን ሓጎስን ኣብ ደምበ ወለዱ ከይትከል፡፡ ዝብል ንምስምዑን ንምዝራቡን ዘስደምምን ዘሕፍርን ውሳኔታት ኣሕሊፎም ኣለዉ። 

ኣበው ክምስሉ፥ሕሱም ሰጓጒ ኣብ ግልጽ ኣብጽሐዝበልዎ፥ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ክኸፋፈል ኣዝዩ ዘጉህየና እኳ እንተኾነ፥ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ጊዜ ለኩሉዝብሎ ዘመን ዓመጻን ምስጓግን ስደትን ተወዲኡ፡ ዘመን ፍትሒ ክሳብ ዝመጽእ፡ ኣብ ዓድና ንጊዜኡ ባይታ እንተ ተነፈገና፡ ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ዝሰፈነሉ ሃገራት ኮይንና፡ አብ ሓዋርያዊ እምነትናን መገድናን ጸኒዕና፡ ነቲ ሰአን መራሕን አላይን ዝበታተን ዘሎ ሕዝብና ከም እንጓሲ ንምእመናንና ነፍልጥ።

ሕጂውን ምእንቲ እቲ ዝተሠየምናሉ መዓርግን፥ ዝተዋሃብናዮ ህያብ መንፈስ ቅዱስን፥ ሓለዋ ምእመናናን ክንብል፥ ማእከላዊ ምምሕዳር መንበረ ጵጵስና ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ሓድነቱ ኣጽኒዑ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕጋ፥ ሥርዓታት፥ ቀኖናኣን ዶግማኣን ብምኽታል፥ ካብ ቀዳሞት ኣቦታትና ዝተቐበልናዮ ትውፊት ኣጽኒዕና፥ መንፈሳዊ ኣገልግሎትና ኣበርቲዕና ክንቅጽል ምዃንና እናበርና፡ ኣብዚ ምፍልላይን ምምቕቓል ኢድ ዘለዎ መንግሥቲ ኤርትራ፥ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብኤምባሲታቱን ልኡኻቱን ኣቢሉ ዝገብሮ ምትእትታው ሕቡእ ስለዘይኮነ ኢዱ ከውጽእ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጸዋዒትና ነቕርብ።

ኣብ ኣሥመራ ዝነብሩ ጳጳሳት፥ ዓለም ዝፈልጦ ከቢድ ግህሰት ቀኖናን ንሱ ዘስዓቦ ቁስልን ምፍፍላይን አብ ሕዝብን ውሉደ ክህነትን ብዕርቅን ይቕረታን አብ ክንዲ ምዕራፍ፡ ንሰላምን ሓድነትን ብቐጻሊ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ነጺጎም፥ ካህናትን ምእመናንን ኣሳጒጎም፥ ሣልሳይ ጌጋ ንምፍጻም፥ ፓትርያርክ ንምሥያም፥ ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ ኣለዉ።ብወገንና፥ ክህነትና፥ ምሥጢራትና፥ ምስ ዝተጸየፈ፥ ዝመጽአ ይምጻእ ፓትርያርክን ጳጳስን፥ ብዝኾነ ይኹን ዕቀኒ ከም ኣቦ ከም ዘይንፈልጦን፥ ብእኡ ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ከም ዘይንቕበልን፥ ኣቐዲምና ንኹሉ ኣማኒ ክንኅብር ንፈቱ።

አብ ኩለን ገዳማት እትርከቡ አቦታት መነኮሳት፡ ቤተ ክርስቲያን ቀኖ ኣጽኒዓ፡ ነጻነታ ሓልያ፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ኪትጉዓዝ ዝኸፈልክምዎ ዋጋን ዝተቀበልክምዎ ጸዋትወ መከራን እናሞገስና ሕጂውን ብኣምላኽን ብታሪኽን ዘሕትት ጌጋ አብ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ንምፍጻም ይውጠን አሎ፡ ድምጽኹም ከተስምዑ ንጽውዕ።

ኣኃት ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ኣብ ርእሴና ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ምስጓጒን ተረዲኤን፥ ልሙድ ሃይማኖታዊን ሕውነታውን ምትብባሮም ከይፍለየና፥ በዚ ጽሑፍ እዚ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ብር።

ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ፥ እዚ ዝበጽሓና ዘሎ ከቢድ ዝኾነ ፈተናታት፥ ብሰንኪ ምትእትታው፥ መንግሥቲ ኤርትራ፥ ናይ ደገ መንፈሳዊያን ዝመስሉ ማኅበራትን ከም ዝኾነ እምበር ኣብ ሃይማኖትና ይኹን ኣብ እምነትና፥ ኩለን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ዝኣምንኦ እምነት፥ ቅዱሳን ኣቦታትናን፥ ቅዱሳን መጻሕፍትናን ዓቂበምዎ ዝጸንሑ እምነትን ሥርዓትን እምበር ካልእ ዝኾነ እምነት ከም ዘይብልናን፥ ንኹሉ ኣማኒ ክበርሃሉ ንፈቱ።

ከም ኤርትራውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን፥ ፍትሒ ጎደለ፥ ድኻ ተበደለ፥ ኢልና ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ደው ክንብል፥ ምርጫና ጥራይ ዘይኮነስ ሓዋርያዊ ግዴታን ተልእኾናን እዩ፡፡ ስለዚ ኣብ መንጎ ሕዝብና ዝግበር ዘሎ ጽልኢ፥ ዝንዛሕ ወረን ምፍልላይ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ መንጎ ደቂ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ክሳብ ብጭካነ ምቅትታል በጺሑ ዘሎ፥ ሓደገኛ ከይዲ፥ ደው ክብልን፥ ዕርቅን ምርድዳእን ክፍጠር፥ ናይ ለይትን መዓልትን ጸሎትናን ተጊህና እንጎየሉ ተልእኾናን ምዃኑ ክንብር ንፈቱ። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ምፍልላይን ጭካነን አብ ዓድና ንኹልና ብማዕረ ዝዳ ግዝኣተ ሕጊ ስለዝቦኸረ እምበር ኣብ ሕዝቢ ክሳብ ደም ምፍሳስ ዘብጽሕ ጽልኢ ስለዘሎ ኣይኮነን፡ ነዚ ተረዲኦም መንእሰያትና ክልብሙን ኪከኣኣሉን ንጽውዕ።

አብ መላእ ዓለም ዘሎዉ ሕዝብና አብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎዋ ገዳማትናን ኣድባራትናን፡ ኩሎም ፍትሓውያን ዜጋታትን ምእንቲ ሓድነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ሕዝባን፥ ለይትን መዓልትን ብጾምን ጸሎትን፥ ብጉልበትን ብንዋትን፥ ብምኽርን ማዕዳን፥ ካብ ናእሽቱ ክሳብ ሽማግለታት፥ ዝደኸምክምዎ ድኻምን ጻዕርን መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ዋጋኹም ይሃብኩም፥ ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈሌኹም እናበልና፡ ክሳብ ፍትሕን ዕርቅን ዝነግስ መንፈሳዊ ገድልኹም ከተሐይሉ ንጽውዕ።

እግዚኣብሔር ብደሙ ዘጥረያ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ይሓሉ።

ሰላምን ርግኣትን ንቅድስት ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርና ኤርትራን።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኅብረት ኣህጉረ ስብከታትን ንኡሳን ኣህጉረ ስብከታትን ኣብ መላእ ዓለም።

  1. ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፥
  2. ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፥
  3. ንኡስ ሃገረ ስብከት ማእከላይ ምብራቕ፡
  4. ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣውስትራያልያን ኒውዝላንድን፡

ግንቦት ፳፮ ፳፻፲፮ |3 June 2024 ዓ.ም

ቅዳሕ-

1. ንገዳማት ኤርትራ

2. ንኣኃት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያናት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div