S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 "ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ’ላ፡ ኢልኩም ስበኹ። ማቴ 10:7

ንስኻ ግና ብዅሉ ተጠንቀቕ፡ መከራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ። 2ጢሞ 4:5 

 ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ሓምለ 5 ዘመነ ሓዋርያት (ጾመ ሓዋርያት) ዜብቅዓሉ “በዓለ ሐዋርያት” ዝተሰምየ ቅዱስ ዕለት’ዩ። ርሑስ በዓለ ሐዋርያት ይግበረልና። ካብ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ጀሚርና፡ ኣብ “ጾመ ሓዋርያት” ኢና ተጸሚድና ጸኒሕና። እግዚአብሔር በቲ ዜኽእል ጸጋኡ ደጊፉ ነዚ ጾም’ዚ ብዓወት ስለ ዘፈጸመና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን። ብመሠረት ትውፊት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ቅዱሳን ናይ ጐይታና ደቀ መዝሙር፡ ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምቕባሎም፡ ንሓደ ሰሙን ዚኣክል ጸንቢሎም፡ ብድሕሪኡ ንኣስታት 40 መዓልታት ከም ዝጾሙ ይእመን። ብረድኤትን ምርሒትን ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስትያን ዝሃነጽዋ ድማ፡ ቅዱሳን ሓዋርያት’ዮም። መንፈስ ቅዱስ ንቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ’ቲ ጐይታና ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሠረት ነብያትን ሓዋርያትን’ዩ ሃኒጽዋ (ኤፌ 2፡19,20)። ስለ’ዚ ኸኣ፡ እዛ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስትያንና፡ ኣሰርን ኣርኣያን ናይ ቅዱሳን ሐዋርያት ክንስዕብ ዜኽእለና ጸጋ ምእንቲ ኽንቅበልን፡ ኣብ’ቲ ሓዋርያዊ ገድሎም ብእምነት ምእንቲ ኽንሓብርን፡ ነዚ ዘመነ ጾም’ዚ ሰርዓትልና።

እዚ ዕለት’ዚ ብሓፈሻ ናይ ኵሎም ሓዋርያት ሰማእትነት ዚዝከረሉን ዚኸብረሉን ዕለት’ዩ። ብፍሉይ ከኣ፡ ናይ’ቶም ክልተ ምርኡያት ሓዋርያት ሰማእትነት ዚዝከረሉ ዕለት ስለ ዝዀነ “ጴጥሮስ ወጳውሎስ” ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሰ-ሓዋርያት ኰይኑ ዝተሾመ’ዩ (ማቴ 16፡15-19)። ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት፡ ስሙ ዚጥቀስ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ’ዩ። ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ናብ ምሉእ ዓለም እናዞረ ኪሰብኽ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ሮማ ተታሒዙ፡ ብስቕለት ኪመውት ብቔሳር ኔሮ ተበየነሉ። ንጐይታኡ ኽብሪ ንምሃብ ድማ፡ ከም ጐይታና ዘይኰነ ቍልቍል ኣፉ ኺስቀል ብምሕታት ኣብ 67 ዓ.ም ሰማእት ኰነ።

ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ሕሱምን ጨካንን ኣሳዳዲ ናይ ቤተ ክርስትያን ኰይኑ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ብስብከት ናይ ሰባት ዘይኰነ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብጸዳል ብርሃኑ ተገሊጹ፡ ኣብ ቅድሚ ኣይሁድን ኣህዛብን፡ ኣብ ቅድሚ ነገስታትን መኳንንትን ቈይሙ ዜኽብሮ ሕሩይ ኣቕሓኡ ምዃኑ ዝመስከረሉ ዓብይ ሃዋርያ’ዩ (ግብ 9፡11-16)። ነቲ ብዛዕባኡ ብጐይታ ዝተነግረ ዅሉ ድማ፡ ተግበሮ። ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይኑ ኸኣ፡ መሠረት ቤተ ክርስቲያን ዝሰረተ ሃዋርያ’ዩ (1ቈረ 3፡10,11)። ናይ ግብሪ ሓዋርያት 57 ሚእታዊት ብዛዕባ ኣገልግሎት ቅዱስ ጳውሎስ’ዩ ዚትርኽ። ብብዝሒ መልእኽታት እንተ ርኢናዮ፡ 64 ሚእታዊት ናይ መልእኽታት ሓድሽ ኪዳን ብቕዱስ ጳውሎስ ዝተጻሕፈ’ዩ። ብብዝሒ ገጻት እንተ ርኢናዮ ድማ፡ ኣስታት 70 ሚእታዊት ናይ መልእኽታት ሓድሽ ኪዳን ብቕዱስ ጳውሎስ ዝተጻሕፈ’ዩ። ብድሕሪ’ዚ ሰፊሕ ኣገልግሎቱ ድማ፡ ኣብ’ቲ ኻልኣይ ናይ ሮማ ማእሰርቱ ኣብ ዘመነ ቄሳር ኔሮ ኣብ 67 ዓ.ም ተሰዪፉ ሰማእት ኰነ።

ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ከም’ዚ ዝበለ ድሙቕ ናይ ሰማእትነት ኣርኣያ ገዲፎምልና’ዮም ሓሊፎም። ነዚ ኣርኣያ’ዚ እዞም ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ዘለና ኣገልገልትን ምእመናንን ብትብዓትን ብሓጐስን ክንስዕቦ ይግብኣና’ዩ። ኣቦታትና ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ነዚ ኣብ ቅድሚኦም ዚጽበዮም ዘሎ ዓብይ ሰማያዊ ኽብሪ፡ ብዓይኒ እምነት ኣማዕድዮም ስለ ዝረኣይዎ’ዮም፡ ነዚ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ መከራን ውርደትን ከም ክብሪ ቘጺሮም ብልዑል ሓጐስ ዝተቐበልዎ። ናይ ብሓቂ ኣብ ሓዋርያዊ መሰረቱ ጸኒዑ ዝቘመ ክርስትያን ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ዓይነት መከራ፡ ብትብዓትን ጽንዓትን ደው ኢሉ ንኣምላኹ ናይ ምኽባርን፡ እሙን ሰማእት (ምስክር) ኰይኑ ናይ ምሕላፍን ሓላፍነት ኣብ ዝባኑ ኣሎ። ኣብ ኣፍ ደገ ናይ መወዳእታ ዓለምን ምጽኣት ጐይታናን ኢና ዘለና። እዚ ናይ መወዳእታ ዘመን ድማ፡ ብዜሰክሕ መከራ ዚልለይ ዘመን’ዩ። እምበኣር እዚ ናይ ኣቦታትና ቕዱሳን ሓዋርያት ናይ ሰማእትነት ታሪኽ፡ ሓለፋ ዝሓለፈ ዅሉ ዘመናት፡ ዕዙዝ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። ናይ ሰማእትነት በዓል እና’ብዓልካስ፡ ንሰማእትነት ድሉው ዘይምዃን፡ ናብ ትዕዝብትን ፍርድን ናይ ኣምላኽ ዜእትወና ግብዝ ምርጫ’ዩ።

 

ነዚ ኽቡር ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “አሠርገዎሙ ለሓዋርያት በሰማያት” ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦ “ንሓዋርያት ኣብ ሰማያት ኣማዕረጎም። ወንጌል መንግሥቲ’ውን ኣረከቦም። ንዕረፍቲ ሰንበተ-ክርስቲያን ሠርዓሎም። ከም ወርቂ ብሓዊ ፈተኖም። ከም መሥዋዕቲ ጽንሃህ (ዕጣን) ተቐበሎም። ንሐዋርያት ኣብ ሰማያት ኣማዕረጎም።

ኣብ ውሽጢ ጸበባ’ኳ ዘይትጠፍእ ሃይማኖት ወሲኖም ሰርዑ። ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ "ወርቅን ብሩርን ክቡር ክዳውንትን ኣይትሓዙ፡ ካብ ምምጽዋት ብፍቕርን ብሰላምን ምንባር ይኃይሽ፡" (በሎም)።”     

ማለት’ዩ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ ዅሉ ንባባት፡ ንሃዋርያዊ ኣገልግሎቶምን ሰማእትነቶምን ዜመልክት’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት ምስባክ ድማ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ዝተነግረ ትንቢታዊ ቓል’ዩ (መዝ 18(19)፡3,4)። ብዛዕባ ሓዋርያት ዝተነግረ ትንቢት ምዃኑ ኣብ ሮሜ 10፡18 ተገሊጹልና ኣሎ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ኸኣ ምስ’ቲ ናይ 2ይ ጢሞ 4፡5ን ናይ ማቴ 10፡7 ንባብና ዝተዛመደ ትምህርቲ’ዩ።

 

ክርስቶስ፡ ቀዳማይ ኣርኣያና ሰባኺ ወንጌል ብዛዕባ ምስባኽ ወንጌልን መከራን ብኸመይ ሓለፈ፧ እንታይ’ከ በለ፧

ካብቲ ጐይታ ኢየሱስ ናብ ምድሪ፡ ስጋና ለቢሱ ዝመጸሉ ዕላማ፡ እቲ ዝዓበየ፡ ሰባት ንምድሓን’ዩ። ንዝጠፍኡ ዚደልይ ሕያዋይ ጓሳ፡ ኣብ ጸልማት ንዚነብሩ ብርሃን ኰይኑ፡ ንዝረሓቑ ኬቕርብ፡ ናይ እምኒ ልቢ ናብ ናይ ስጋ ልቢ ኪልውጥ፡ ኣብ ክንዲ ጸላእቱ ኺመውት፡ ነቶም ብሞቱ ምስኡ ኺሓብሩ እተቐበልዎ ዘበሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦ ኺርኣየሎም፡ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ሓጢኣት ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ ናይ ጽድቅን ቅድስናን መንፈሳዊ ኣነባብራን መራሕ ጐደና ዀይኑ፡ ብዅሉ ንብረቱ ሰብ ኰይኑ ብዘይ ሓጢኣት ብዅሉ ኸምዚ ኸማና ተፈቲኑ፡ ኣብዚ ምድሪ ዝጸንሓለን ዓመታቱ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ብምልኣት ፈጺሙ ተመላለሰ።

እንተዀነ፡ እቶም ካብ ብርሃንሲ ኣብ ጸልማት ኪነብሩ ዚመረጹ፡ ደቂ ኣዳም፡ ንሕና’ውን ኣብ ሕቖኦም ምስታቶም ኴንና፡ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ቃሉ ኸም ዝበሎ "...ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ’ዩ’ሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ’ዩ’ሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ’ዩ’ሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን’ዩ ዚመጽእ።" (ዮሃ 3፡19-21) ልቦም ስለ ዘትረሩ፡ ጸረፍዎ፡ ኣሳደድዎ፡ ካብ ኣፉ ዘረባ ቘጠፋ ደልዮም ፈተንዎ፡ ንሞት ኪፈርድዎ አረ ክሳብ ትንሳኤኡ ንምድዋን ኪሓባብሉ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣተንስኡሉ፡ ብዅሉ ሓይሎምን ብዅሉ ሓሳቦምን ፍቓዶምን ክሳብ ብስቕለት ሞት ኣሕሊፎም ዚህብዎ ኸኣ ተቓወምዎ። ንሱ ግና መሪር መከራ መስቀል እና’ሕለፈ፡ ካብ ኣፉ መርገም ከየውሰአ፡ ካብ ብትሕትና ምስትምሃርን ቅኑዕ መልሲ ምምላስን፡ እኳ ድኣ ናብቲ ዝለመኖ ሓንቲ እኳ ዘይከልኦ ዝለኣኾ ኣቦኡ፡ "ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን’ዮም’ሞ፡ ሕደገሎም፡" (ሉቃ 23፡34) ኢሉ’ዩ፡ ብዛዕባ’ቶም ካብ ፍጥረት ኣዳም ኣትሒዙ ኽሳብ እቲ ንሱ ዳግም ንፍርዲ ዚግለጸሉ ኣብ’ዛ ምድሪ ንዝነብሩ ዘበሉ ዅላቶም ሰባት ፍቕሩን ይቕሬታኡን ዝገለጸ። ምስናይ’ቲ "ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ።" (ዮሃ 6:38) ኪብል ፍቓድ ናይቲ ዝለኣኾ ኣቦኡ ኺፍጽም ዝመጽኣሉ ዕላማ፡ እቲ ኺበጽሖ ዘለዎ ፈተና፡ በቲ ልዑልን ዘለኣለማውን ፍልጠቱ ተረዲኡ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጌተሰማኔ፡ "...ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። " ኢሉ (ማቴ 26፡39) ምርረትን ክብደትን ፈተናኡ ብዚገልጽ መገዲ ጻዕረ-ሞት ሒዝዎ፡ ርሃጹ ኸም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ እናነጠበ ናብ’ቲ ዓብይ ናይ ምድሓን ተልእኾ ዝሃቦ ኣቦኡ ዝጸለዮ ጸሎት’ዩ (ሉቃ 22፡44)። 

ኣብ ዝበዝሐ ኽፋል’ቲ ንደቀመዛሙርቱ ዝመሃሮም ትምህርቱ፡ ኣሰር’ቲ ንሱ ዝኸዶ መገዲ ኪኸዱ ኼምልክቶም ከሎ፡ "ነቲ ዝለኣኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ’ዩ ዚቕበል፡" (ዮሃ 13፡20)፣ "ተመሃሪ ኸም መምህሩ፡ ጊልያውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀነ፡ ይኣኽሎ። ንብዓል ቤት ብኤል-ዜቡል ካብ በልዎ፡ ንስድራ ቤቱ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎም።" (ማቴ 10፡25)፣ "ኣብ ዓለም ጸበባ ኣለኩም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ’የ፡" (ዮሃ 16፡33)፣ "እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ።" (ማቴ 10፡16)፣ "መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን።" (ሉቃ 14፡27) ወዘተ እናበለ፡ ንትምህርቱን ንጐደና መርሓ ህይወቱን እናዘከሩ፡ መስዋእቲ ሞት’ውን እንተዀነ፡ ንዝመጾም ዘበለ ተቓውሞ ብዓወት ሓሊፎም ተልእኾኦም ኪፍጽሙ በቲ ትኹል ቃል ይስሕሎም ነበረ። እዚ ዅሉ ስሑል ትምህርቲ ድማ ነቲ ዓብዪ ተልእኾ ዝተላእኮ፡ ንሳቶም’ውን ኪቕጽልዎ መደቡ ስለ ዝገበረ፡ "ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።" ማቴ 28፡19-20 ኪብል፡ ዛዛሚ ምሕጽንታ ሂብዎም፡ ናብ ሰማይ ዓረገ።

 

ካብ ክርስቶስ ናብ ሃዋርያት ዝተሰጋገረ ጒዕዞ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ከመይ ነበረ፧

ን’ተጸውዑሉ ዕዮ ተፈልዮም፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናዘወሩን እናሃደሙን፡ "ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ’ዩ’ሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። እዚ ፈትየ እንተ ገበርክዎስ፡ ዓስቢ ኣሎኒ። ከይፈቶኹ እንተ ገበርክዎ ግና፡ እዚ መጋቢነት’ዚ ብዝዀነ ይኹን ሕድሪ ተዋሂቡኒ’ዩ።" (1ቈረ 9፡16-17) ኢሎም፡ "ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚአምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ" (ሮሜ 1፡14፣17) እናበሉ፡ ክሳዕ " [መኳንንቶምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን... ካብ ዓሌት ሊቃውንቲ ኻህናት ዘበሉ ዅሎምን...] ጸዊዖም ድማ፡ ብስም ኢየሱስ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ወይስ ከይምህሩ፡..." (ግብ 4፡18) ኢሎም እንተኣዘዝዎም’ኳ "...ንሕናስ ነቲ ዝረኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን’ዩ’ሞ፡ ካብ ንኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ፡" (ግብ 4፡19-20) እናበሉ፡ ኣብ ዘዝኸድዎ፡ ንዅሉ ሰብ "... ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ።" (ግብ 14፡7) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ " ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ’የ።  ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ። ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ፡ ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ፡ ሰለሰተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት፡ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሓዲረ ወዓልኩ። ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ከተርቲ ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት’የ ዝነበርኩ። ብዕዮን ብጻዕርን፡ ብዙሕ ጊዜ ብምንቃሕ፡ ብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙሕ ጊዜ ብጾም፡ ብቝርን ብዕርቃንን ነይረ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዅሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚጸበኒ፡ ማለት ብዛዕባ’ቲ ብዅላተን ማሕበራት ዝሓልዮ ዘለኹ ሓልዮት’ዩ። መን’ዩ ዚደክም፡ ኣነ ዘይደኽመሉ፧ መን’ዩ ዚዕንቀፍ፡ ኣነ ኸኣ ዘይነድድ፧" (ቈረ 11፡25-29) ዚብል ምምጽራይ ኪጽሕፍ ክሳብ ዚግደድ፡ ርእሱ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝወፈየ፡ ዜመስክር ህይወት ዘሕለፈ፡ ምስናይ’ቶም ኣቐዲሙ "ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፡" (መዝ 19፡4) ዝተሃህለሎም ፍጥረታት ሰማይን ምድርን ኰይኑ ኵሉ ዓይነት መከራ እናጸገበ ሓልዮት ስብከተ ወንጌል ፈጺሙ፡ ሰማእት ኰይኑ ጕዕዞኡ ዛዘመ። ነቲ ብዅሉ ናብራኡ ሰዓቢኡ ዝነበረ ኣብ ማሕበር ኤፌሶን ኬገልግል ሕድሪ ዝሃቦ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ኪምዕዶ ኸሎ’ውን ከምቲ ኣቐዲሙ እተነብበልና "...መከራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ" ኢሉ መከራን ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌልን ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ምዃኖም ብዘየወላውል መገዲ ኣዚዝዎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ነቶም ዝጸሓፈሎምን ንኣና ነዞም ዳሕረዋይ ዘመን ዘርከበናን "ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይክትወድቁን ኢኹም። በዚ ድማ ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪወሀበኩም’ዩ። ስለ’ዚ ሽሕ’ኳ እንተ ፈለጥኩምዎ፡ ኣብቲ ዘለኩም ሓቂ’ውን ጸኒዕኩም እንተ ኣለኹም፡ ነዚ ነገር’ዚ ዅሉ ጊዜ ኸዘኻኽረኩም መደብ ገይረ ኣለኹ። ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፡ እናዘኻኸርኩ ኼነቓቕሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ’ሎ፡፡" ብምባል "ኣነ ምስ ሞትኩ’ውን ነዚ ነገራት’ዚ ኽትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ እጽዕር ኣሎኹ።" (2 ጴጥ 1፡10-14 ካ.ት) ኢሉ መለኮታዊ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። ኣብ’ቲ እዞም ሎሚ ነቲ ብሰማእትነት ዝሓለፉሉ መዓልቲ እንዝክሮ ዘለና ቅዱሳት ሃዋርያት ዝሓለፍዎ መከራ እናሓበርና፡ ነቲ ዝተዳለወልና መንግስቲ’ቲ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንምውራስ ብምልኣት መታን ክወሃበና፡ ከም’ቲ ንሳቶም ኣርኣያ ጐይታኦም ዝሰዓቡ፡ ንሕና’ውን ኣሰሮም ክንስዕብ እቲ ቕድሚ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት እተጻሕፈ ግናኸ ንዘለኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ቃል እግዚኣብሔር የዘክረና’ሎ። 

 

ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ካብ ክርስቶስ ናባናኸ እንታይ ይመስል፧ ካልእ ኣማራጺ ኣሎዶ፧

ቃሉ ክሳብ ዘይነገረና ካልእ ኣማራጺ’ሞ ኻበይ ከንምጽኦ፧ እታ ኽንኸደላ ተደልያ ዘላ መገዲ፡ እታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃንደሳን ንሱ ዝሓለፋን፣ ብዘለዉ ኣቦታት ሃዋርያት’ውን ኣሰሩ ስዒቦም ዝሓለፍዋ፡ ንሕና ኸኣ ኣሰሮም ክንስዕብ ዝተጸዋዕናላ’ያ። ምስኡ መከራ እንተ ጸገብና፡ ምእንቲ ስሙ እንተ ተሰጐጕና፡ ኣብ ሰማይ መዝገብ ኣሎና። "እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጐምዎም’ዮም’ሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ ባህውን ይበልኩም።" (ማቴ 5፡11-12፣ 1ጴጥ 4:14) ዚብለና ቓል ተስፋ ሒዝና፡ ካብ ብኣድናቖት ነገርቲ ዛንታ ሰማእታት ቅዱሳንን ነብያትን ሃዋርያትን ጥራሕ እንኸውን፡ ኣስኣሰሮም እናሰዓብና፡ ምእንቲ ኣኽሊልና ብኽብሪ ብመከራ ኽሳብ መስዋእቲ ኽንስለም እተዳለና ንኹን! እዚ ሎሚ ኣባና በጺሑ ዘሎ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ብዘይ መከራ ኣይተተግበረን’ሞ፡ ዝጀመርናዮ ኣብ መፈጸምታ ኸየብጻሕና ድማ ኣኽሊል ስለ ዘይርከብ፡ ብትዕግስትን ጽንዓትን ኣገልግሎት ስብከተ-ወንጌል ንመልእ! ነቲ ዝተዋህበና ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣብ ምዕራፉ ኸነብጽሖ፡ ኣስኣሰር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሃዋርያትን እንተ ስዒብና፡ ነቲ ዝገጥመና ተጻብኦ ብትዕግስትን ብትብዓትን እንተ ገጠምናዮ፡ ከምቲ ንኣኣቶም ንኣናውን፡ "ከምቲ ኣነ’ውን ዝሰዐርኩ’ሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ ዝተቐመጥኩ፡ ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ’የ።" (ራእ 3፡21) ዝተሃህለልና ቓል ተስፋ ስለ ዘሎና፡ እቲ "...ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሃዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነ’ውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ’የ።" (ራእ 2፡10) ዝበለና እሙን ስለ ዝዀነ፡ ከም’ቶም "እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን’ዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ’ዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።" (ማቴ 24፡45-47) ኢሉ ኸም ዚምጕሶም ቃል ትንቢት ንባሮቱ ኣተስፍዩና ዘሎ ኪፍጽሞ’ዩ’ሞ፡ ሃየ ድኣ ዕጥቕና ንዕጠቕ፡ እቲ ንዅሉ ሰብ ዘይተርፎ ዕጻ ሞት ብሞቱ፡ ሰማእትነት፡ ክቡር ሞት’ዩ’ሞ፡ ክብሪ ብዘለዎ ሞት፡ ካብ’ዚ ናይ ውርደት ስጋና ኽንግዓዝ ድሉዋት ንኹን! 

 

ብዘይ መከራ፡ ወንጌል ኪስበኽ ዘይከኣለሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧

እምበኣርከስ ካብ’ቲ ሎሚ ኽንመሃረሉ ወሲድናዮ ዘለና ጥቕስታት (ማቴ 10፡7፣ 2ጢሞ 4፡5)፡ ካብ’ቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱሳት ሃዋርያትን ዝሓደጉልና ኣሰርን ብዛዕባ’ቲ ንዅልና ዝተዋህበ ሕድሪ ስብከተ-ወንጌልን መሳንይቱ መከራን እንታይ ክንብል ኢና፧ እንታይ መደምደምታ’ኸ ክንህብ ኢና፧ ኣገልግሎት ስብከተ-ወንጌል፡ ንብዘሎ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚስዕብ፡ ብስሙ ኸኣ ክርስቲያን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዘበለ ዚምልከቶ’ምበር "እዚ ንዅስቶ ጥራይ ዚምልከት’ዩ፡ ንኣይ ኣይምልከትን’ዩ" እንብሎ ኣገልግሎት ኣይኰነን። እዚ ኣገልግሎት’ዚ ኸኣ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዜርእይን ብዜንጸባርቕን መገዲ ዘየባትኽ ህላወ ይጠልብ፡ ኣሰር’ቲ ሃብታም ክነሱ፡ ካብ ኵሉ ገዛእ ርእሱ ዘድኸየ (ፊል 2፡6-11)፣ ንዅሉ ብስልጣኑ ኺእዝዝ እናኸኣለ፡ ርእሱ ንምእዛዝ ኣቦኡ ዝወፈየ፣ በዚ ኸኣ ከም’ቲ ፍጥረቱ ኺፈጥር ከሎ ብቓሉ ዝፈጠሮ፡ ናይ ምድሓንና ዕዮ ኺፍጽም ከሎ ድማ ብቓሉ ኺገብሮ ይኽእል ክነሱ ብመከራ ኺሕምሸሽ ዝፈተወ ጐይታና ኢየሱስ ክንስዕብ ስለ ዝተጸዋዕና’ዩ። እዚ ቐዳማይ ምኽንያት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ስብከተ-ወንጌል፡ ነፍሳት ካብ ማእሰርትን ሓይልን ሓጢኣት፡ ዓለማውነትን ሰይጣንን ምድሓን ስለ ዝዀነ፡ ወንጌል ክንሰብኽ ከለና ብስጋን ዓለምን ሰይጣንን ተቓውሞ ኺገጥመና ኽንቅይሮ ዘይንኽእል መጐታዊ ጕዳይ ስለ ዝዀነ’ዩ (ማቴ 10፡10-11)። ሳልሳይ ኣገልግሎት ስብከተ-ወንጌል ምስ መከራ ዚኸደሉ ምኽንያት ከኣ ከምኡ ዝበለ ዓብይ ሰማያዊ ዕዮ፡ ብምድራዊ መዐቀኒ ዓቂንና፡ ክብረት ገዛእ ርእስና ኣብ ክንዲ ኻብ’ቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ካብ ሰባትን ዓለምን ምእንቲ ኸይንደልይ’ዩ። "እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ’ምበር፡ እቲ ንርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዚወጽእ። ስለ’ዚ እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ።" (2ቈረ 10፡17) ከም ዝበለና፡ ንእዶና ኻብ እግዚኣብሄር ጥራይ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣገልግሎት ስብከተ-ወንጌል፡ ከመዮ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ "ግብሪ ወንጌላዊ ግበር" ዝበሎ፡ ከነገልግል ከለና መከራ እናጸገብና ኸነገልግል ከም ዘለና’ዩ ቓል እግዚኣብሄር ዚምህረናን ዚምዕደናን’ሞ፡ መከራ ኸይፈራህና፡ እኳ ደኣ እናጸገብና፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተቢዕና፡ እቲ ጥዑም ዜና ዝዀነ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንብዘሎ ፍጥረት ንንገርን ነበስርን ንስበኽን! ዓስብና ኸኣ ካብ እግዚኣብሄር ምሉእ ኪኸውን’ዩ።

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትና ይኹን፡ ኣሜን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

11 ሓምለ 2026 ሓምለ 5, 2018 ግዕዝ (መበል 44 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ: ፲፰(፲፱)፡፫,፬ "ኣልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተስምዐ ቃሎሙ። ውስተ ኵሉ ምድር ወፅአ ነገሮሙ። ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦሙ።"

"ዘረባ የልቦን፡ ምዝርራብ የልቦን፡ ድምጾም’ውን ኣይስማዕን’ዩ። ገመዶም ናብ ኲሉ ምድሪ፡ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፡ ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም።"

ንባባት

ኣንባቢ

2ጢሞ 4፡5-ፍጻመ

ዲያቆን

2ጴጥ 1፡10-18

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 14፡1-13

ንፍቅ ካህን

ማቴ 10፡1-15

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴዘሐዋርያት | መዝሙር፦ አሠርገዎሙ ለሐዋርያት በሰማያት

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div