S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናብ ተስፋኹም ህደሙ!! ቊ.49 (4 ሓምለ 2026 ፈ | ሰነ 28, 2018 ግዕዝ)

 

"በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይክኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር (ተስፋኡን ማሕላኡን) ጌርና፡ ንሕና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና።" እብ6፡18

 

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ ዘመነ ሓዋርያትን ቀዳማይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምትን’ዩ። እግዚአብሔር ዝተባረኸ ዘመነ ክረምት ይግበረልና። ዘመነ ክረምት ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 26 ክሳዕ መስከረም 25 ዚዝርጋሕ ብብዙሕ ንኡሳን ዘመናት ዝተኸፋፈለ ዓብይ ዘመን’ዩ። እቲ ቐዳማይ ንኡስ ዘመን ካብ ሰነ 26 ኽሳዕ ሓምለ 16 ዚዝርጋሕ ናይ 21 መዓልታት ንኡስ ዘመን ኰይኑ፡ "ዘርእ፡ ደመና፡ ጠል" ይብሃል። ንርእሱ’ዚ 1ይ ንኡስ ዘመን’ዚ፡ ኣብ ሰለስተ ኽፍልታት ዝተኸፍለ’ዩ። እቲ ቐዳማይ፡ ካብ ሰነ 26 ክሳዕ ሓምለ 2 ዘሎ ቕንያት ኰይኑ "ዘመነ ዝናም (ዘመነ ጠል)" ይብሃል። እዚ ዕለታት’ዚ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ "ደምፀ እገሪሁ ለዝናም" (እግሪ ዝናም ኣድመጸ) ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦ “ዝናም ምእንቲ ኺዘንምን ድኻታት ምእንቲ ኺሕጐሱን፡ ጥሙያት ምእንቲ ኺጸግቡን፡ እግሪ ዝናም ኣጽመፀ። ንሰብ ዕረፍቲ (ኽትከውን) ሰንበት ሰርዐ። እግሪ ዝናም ኣድመፀ፡ እግሪ ዝናም ኣድመፀ፡፡ 

ብቓል ትእዛዝካ ዝናም ንኸተውርድ ሙሴን ኣሮንን የኽብሩኻ። ቃልካ (ፍርድኻ) ድማ፡ ጽድቂ’ዩ። ንዕረፍቲ ሰንበት ሰራዕካ።” ማለት’ዩ። ንዝናም እግሪ የብሉን። ሰብ ወይ እንስሳ ኪቐርበካ ኸሎ ድምጺ ኣእጋሩ ኸም ’ትሰምዖ፡ ዝናም ዚዘንመሉ ጊዜ ኪቐርብ ከሎ ድማ፡ ዚስምዑ ድምጽታት ኣለዉ። ስለ’ዚ እዚ መዝሙርና፡ ድምጺ ዝናም ’ንሰምዓሉ ጊዜ ኸም ዝቐረበ የበስረና ኣሎ። ድምጺ ዝናም፡ ድኻታት ኪሕጐሱ ዚገብር’ዩ። ፍሪኡ ድማ፡ ጥሙያት ኪጸግቡ ዚገብር’ዩ። እቶም ረብሓ ዝናም ዘስተውዓሉ ሰባት ድምጺ ዝናም፡ ማለት ነጐዳ ኺሰምዑ ኸለዉ፡ "ድምጽኻ ኣይተሓባእ" ዚብሉሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ስለ’ዚ እግሪ ዝናም "እመጽእ ኣለኹ" ኪብለና ኸሎ፡ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ ፍጥረት ብስራት’ዩ ዚዀኖ። ኣእዋም ገና ኸይዘነሞም ከሎ፡ ተስፋ ገይሮም ኣቝጽልቲ ኼውጽኡ (ኺጥጥዑ) ይጅምሩ። ድምጺ ዝናም ኪርሕቕ ከሎ ግን፡ ኣቝጽልቶም ኣርጊፎም ኣስከሬን’ዮም ዚመስሉ። እንስሳታት ብስእነት ሳዕሪ ተሰኒፎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ርሑቕ ቦታ ናይ ሓሬት ሽታ ኺሽትቶም ከሎ፡ ርእሶም ኣልዒሎም የሽትትዎ’ሞ፡ ነቲ ባህርያዊ ድምጾም እና’ስምዑ፡ ሓጐሶምን ተስፋኦምን ይገልጹ። እቲ ጥሪቱ ኸይሞታኦ ኺሰግእ ዝጸንሐ ሓረስታይ’ውን ተስፋ ይገብር። ክረምቲ ቕድሚ ምጅማሩ ዘሎ ሰሙናት፡ ሓረስታይ ብዛዕባ ገዛእ ህይወቱ ዀነ ብዛዕባ ጥሪቱ ዚሰግኣሉ ቕንያት’ዩ። ነዚ ስግኣት’ዚ ዚገልጽ፡ "ኣይትመካሕ ብዓል ኣሓ፡ ሰነ ኸላ ብነዋሓ" ዚብል ምስላ’ውን ኣሎና። ስለ’ዚ "ድምጺ ዝናምሲ፡ ናይ ህይወት፡ ናይ ህላወ ተስፋ’ዩ" ኽንብል ንኽእል ኢና።

ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክና’ውን ንሰማያት ብደበና ኸም ዜጐልብቦ፡ ንምድሪ ዝናም ከም ዜዳልወላ፡ ኣብ ኣኽራን ሳዕሪ ኸም ዜብቍል ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ናይ ሉቃ 8፡1-21 ንባብና ብዛዕባ’ቲ ብዝናም ክራማት በቚሉ ፍረ ዚህብ ዘርኢ ዚገልጽ ናይ "ምስላ ዘርእን ዘራእን" ንባብ’ዩ። እቲ ናይ ያእ 5፡12-20 ንባብና፡ እግዚአብሔር ጸሎት ቅዱሳኑ ሰሚዑ ዝናም ከም ዚህብን ከም ዚኸልእን፡ ንነብዪ ኤልያስ ኣብነት ብምግባር ዓብዪ መረዳእታ ሂቡና ኣሎ። እቲ ናይ እብ 6፡7-20 ንባብና ድማ፡ ንዝናም ጸጋን ፍርያትን ኣዛሚዱ፡ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ’ቲ ዝተቐበልናዮ ዝናምን ኣብ’ቲ ዘፍረናዮ ፍረን ከም ዚምርኰስ ኣብሪሁልና’ሎ። ስለ’ዚ እዚ ኣቲናዮ ዘለና ዘመነ ክረምት ዀነ ቐዳማይ ንኡስ ዘመን፡ ንስጋና ዚኸውን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንመንፈስና’ውን ዜዐንግል ዓሚቝ መንፈሳዊ ትምህርቲ ሓዚሉ ኸም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግባእ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ቲ ናይ እብ6፡7-20 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።

 

ተስፋ ግን ንምንታይ’ያ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ኣገዳሲት ትኸውን፧ ተስፋናኸ እንታይ’ያ፧ ተስፋ፡ ናይ እምነትና፡ ናይ ጽድቅና፡ ናይ ድሕነትና፡ ናይ ዕለታዊ ናብራና መሰረት’ያ። ተስፋ እንተ ዘይትህልው፡ እምነት ክርስትና ፈጺሙ ኣይምሃለወን ነይሩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ እግዚኣብሄር ቅድሚ ዅሉ ነገር ተስፋ ዚህብ። ነታ ተስፋ’ዚኣ ኣጽኒዑ ዝሓዘ ሰብ’ዩ፡ ነቲ ወሃብ ተስፋ ዝዀነ ኣምላኽ ኬኽብሮ፡ ነቲ ጸላኢና ዝዀነ ድያብሎስን ነታ ንሱ ዜመሓድራ ዓለምን ነቲ ኣጽዋሩ ዝዀነ ሓጢኣትን ኪስዕሮ፡ ንነፍሱ ድማ ኣዝዩ ኺጥንቀቐላ፡ ንስጋኡ ድማ ኪመልኮን ንኣምላኽ ኬግዝኦን ዚኽእል። እቲ ሃዋርያዊ ሰረተ-እምነትና፡ ጽድቅን ድሕነትን ብእምነት ከም ዚርከብ’ዩ ዚገልጸልና (ግብ15፡9 ፣ ሮሜ1፡17 ፣ 3፡26 ፣ 4፡3 ፣ ገላ2፡16 ፣ 3፡6,11,24 ፣ 9፡33 ፣ 10፡9 ፣ ኤፌ1፡12,15 ፣ 2፡8 ፣ ቈሎ1፡4)። ክንኣምን ’ንኽእል ግን፡ ኪእመን ዚኽእል ተስፋ ምስ ዚውሃበና ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ "ብእምነት ኢና ’ንድሕን" ማለት ብኻልእ ኣዘራርባ፡ "ብተስፋ ኢና ’ንድሕን" ማለት ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ካብ’ቶም ንዝምድና ተስፋን እምነትን ደጋጊሞም ብኣጽንዖት ዝገለጹ ቕዱሳን ሃዋርያት ሓደን ቀዳማይን’ዩ። ኣብ መልእኽታቱ ድማ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

"እምነት ግና፡ ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይ’ቲ ዘይርኣይ ነገር ምርዳእ’ያ። ነቶም ዓበይቲ ብኣኣ’ዩ ዝተመስከረሎም። . . . ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይክኣልን’ዩ።" እብ 11፡1,2,6

"ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘለና’ሞ ነቲ ዚርኣይ ተስፋ ምግባር፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና።" ሮሜ 8፡24,25

ስለ’ዚ እታ ብኣምላኽ ዝተዋህበትና’ሞ፡ ኣጽኒዕና ኽንሕዛ ዚግብኣና ተስፋ፡ መሰረት ናይ ድሕነትናን ጽድቅናን’ያ።

ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዘይ’ዛ ሰማያዊት ተስፋ’ዚኣ ዚነብር ክርስትያን፡ ኣዝዩ መደንገጽ ምዃኑ ገሊጹልና’ዩ (1ቈረ15፡19)። ተስፋ-ኣልቦ ምዃን፡ ሓዘንተኛ ኸም ዚገብር፡ እቲ ሓዘንና ድማ ደበስን ምጽንናዕን ዘይብሉ መሪር ሓዘን ምዃኑ’ውን ኣብሪሁልና ኣሎ (1ተሰ5፡13,18)። መሪሕ ጥቕስና ኣብሪሁ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ብተስፋና ’ንረኽቦ ምጽንናዕ፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ (ነቕ ዘይብል ምጽንናዕ)’ዩ። እቲ ’ንረኽቦ ምጽንናዕ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኺብርትዕ ዘድለዮ፡ እቲ ተስፋ ዘይብልካ ምዃን ዚፈጥሮ ጓህን ሓዘንን’ውን ከቢድ’ምበር፡ ቀሊል ከም ዘይኰነ ዜመልክተና’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ኸም ዚግባእ ዝተረድአ ክርስትያን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነትን ዕብየትን ናይ ተስፋ፡ ምሉእ ርድኢትን ጽኑዕ መትከልን’ዩ ዚህልዎ።

ተስፋና፡ እታ ብትንሳኤ ሙታን ’ትርከብ ዘለኣለማዊት ህይወት’ያ። ንክርስትያን ካብ’ዛ ህይወት’ዚኣ ዚዓብይ ካልእ ተስፋ የብሉን። እቲ ኻልእ ኵሉ ተስፋታት፡ ኣብ’ዛ ዓባይ ተስፋ’ዚኣ ጥቕሉል’ዩ። እቲ ዝተዋህበና ናይ ክብሪ፡ ሓጐስ፡ ዕረፍቲ፡ ወዘተ ተስፋ፡ ናብ’ዛ ዘለኣለማዊት ህይወት’ዚኣ እንተ ኣቲና ጥራሕ’ዩ ዚርከብ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍላይ ግን ነቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ፡ ንዘለኣለማዊ ህይወት ኣመልኪቱ ዝተነግረ ቓል-ተስፋ ንዅሉ እንተ ዘይፈሊጥናዮን ኣብ ልብና እንተ ዘይዓቚርናዮን ብእኡ ንህይወትና እንተ ዘየማእዚንናን፡ ዜደንግጹን ወትሩ ሕዙናትን ኴንና ምንባርና ከቶ ዘይተርፍ’ዩ። ኣብ’ዚ ሓጺር ጽሑፍናን ሓጺር ስብከትናን ንዅሉ ጥቕስታት ከነንብቦን ክንገልጾን ኣይክኣልን’ዩ። ብዘይ’ዚ ተስፋ’ዚ ምዃን፡ ኣዝዩ ኸቢድ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ምስ ተነግረናን ድሕሪ ምፍላጥና ግን፡ ነዚ ተስፋ’ዚ ንምሓዝ ፍሉይ ግዳሰን ትግሃትን እንተ ኣርኣና፡ ሰብ-ተስፋ ናይ ምዃንና መረጋገጺ’ዩ።

ቅዱሳን ሃዋርያቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ጐይታና ባዕሉ’ውን ደጋጊሙ ኸም ዝገለጸልና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ባዕሉ ኢየሱስ’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ወንጌሉ ዀነ ኣብ መልእኽቱ፦

"ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓል’ውን ኣምላኽ ነበረ። . . . ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።"

"ንሕና ኣብ’ቲ ሓቂ ዝዀነ፡ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኢና ዘለና፡ (ኢየሱስ) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን’ዩ።"ብምባል ነቲ ሓቂ ኣግሂዱልና ኣሎ (ዮሃ1፡1,4 ፣ 1ዮሃ5፡20)። ጐይታና ባዕሉ’ውን፡ "መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ’የ፡" ኣስዒቡ’ውን፦ 

"ትንሳኤን ህይወትን ኣነ’የ፡ እቲ ብኣይ ዝኣመነስ፡ እንተ ሞተ’ኳ ብህይወት ኪነብር’ዩ።" ብምባል፡ ህይወት ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ብዘየወላውል መገዲ ኣዊጁልና’ዩ (ዮሃ14፡6 ፣ 11፡25)። ጐይታና ኻብ ሰማያት ዝወረደን ኣብ መስቀል ዝሞተን፡ ንሕና ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ’ዩ (ዮሃ3፡15,16)። ጐይታና፡ ስቕ ኢሉ ተራ ህይወት ዘይኰነ፡ ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኽንረክብ’ዩ ዝመጻልና (ዮሃ10፡10)። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ብዘየማትእ መገዲ፦

"ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና፡ እቲ ምስክር እዚ’ዩ’ሞ፡ እዛ ህይወት’ዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። እቲ (ወልድ) ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት የብሉን። ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ ’ትኣምኑ ዘለኹም ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ’የ እዚ ጽሒፈልኩም ዘለኹ።" ብምባል፡ ህይወትና ኢየሱስ ምዃኑ ተገሊጹልና’ዩ (1ዮሃ5፡11-13)። ተስፋና ኢየሱስ’ዩ፡ ህይወትና’ውን ኢየሱስ’ዩ። ካብ ኢየሱስ ዚንእስ ተስፋ፡ ፈጺሙ ተስፋ ኣይኰነን። ካብ ኢየሱስ ንዚንእስ ተስፋ ክትሕዝ ኢልካ ምጒያይን ምህዳምን ድማ፡ ትርጒም-ኣልቦ ከንቱ ሃልኪ’ዩ። 

 

ንተስፋና ግን ብኸመይን ብምንታይ ኢና ኽንሕዛ፧ እታ ተስፋ እንታይ ምዃና ምፍላጥና ጥራሕ፡ ከም ጽቡቕ ምሓዝ ይቝጸር ድዩ፧ ተስፋና እንታይን መንን ምዃኑ ብንጹር ፈሊጥና ኣለና። ተስፋና ኢየሱስ ካብ ኰነ፡ ኢየሱስ ኣባና ይነብር፡ ንሕና’ውን ኣብኡ ንነብር እንተ’ሊና፡ ነታ ተስፋ ብርግጽ ሒዝናያ ኣለና ማለት’ዩ። ኢየሱስ ዘለዎን ዘይብሉን ሰብ፡ ዓብይ ናይ ህይወት ፍልልይ’ዩ ዘለዎም። ነቲ ፍልልይ ከተመሳስሎን ከተተዓርቖን ፈጺምካ ዘይክኣል’ዩ። እቲ ኢየሱስ ዘለዎ’ሞ ንህይወት ዝረኸባ ሰብ፡ ንጊዚኡ ኣብ ምድሪ ዚነብር ዘሎ፡ ናይ ሰማይ ሰብ’ዩ። ኣብ’ዛ ምድራዊትን ስጋዊትን ህይወቱ፡ ሓያል መንፈሳውነት ዝሃነጸን ዜንጸባርቕን ሰብ’ዩ ዚኸውን። ብናይ ኣምላኽ ኰነ ብናይ ሰብ ትዕዝብቲ፡ ንሱ ንዘለኣለም ህይወት ግርም ገይሩ ሒዝዋ፡ ንሳ’ውን ንብረታ ገይራ ሒዛቶ ኸም ዘላ ብግህዶ’ዩ ዚንጸባረቕ። እዚ ነጸብራቕ’ዚ፡ ዋላ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን’ውን ግሁድ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ግዝኣቶም ሓያልን ሓደገኛን ፍጥረት ኣትዩ ኸም ዘሎ ስለ ዜመልክቶም፡ ከቶ ኣይቀስኑን ኣየዕርፉን ድማ’ዮም። እቲ ንዘለኣለም ህይወት ዘይረኸባን ዘይሓዛን ምስሉይ ክርስትያን ግን፡ ህይወቱ ብዓለማውን ስጋውን ዝዀነ ባህርያትን ተግባራትን ዝጋዕዘየ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ናይ መንፈስ ወዱ ንጢሞቴዎስ፡ ብዛዕባ ኣታሕዛ ናይ’ዛ ተስፋ’ዚኣ ግሩም ገይሩ ገሊጹሉ’ዩ። ኣብ 1 ጢሞ 6፡3-12፦

"ሓደ’ኳ፡ . . . በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን በቲ (መንፈሳውነት) ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡ ንሱ ብኽትዕን ብዜባእስ ዘረባን ሓሚሙ’ዩ እምበር፡ ሓንቲ’ኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ’ዩ፡ ካብ’ዚ’ዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር ናይ’ቶም ሓሳቦም ዝጠፍአን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዚመጽእ። ካብ ከም’ዚኣቶም ዘመሰሉ (ሰባት) ርሓቕ። እዚኣቶም (መንፈሳውነት) መገባብሮ ረብሓ ዝዀነ’ዩ ዚመስሎም። . . . እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና፡ ኣብ ፈተናን መፈንጠራን ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ፡ ናይ ዕሽነትን ጒድኣትን ትምኒት’ዮም ዚወድቁ። ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ናይ ኵሉ ኽፍኣት’ዩ’ሞ፡ ገሊኦም ናብኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘንበሉ፡ ናብ ርእሶም’ውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግን ካብ’ዚ ህደም’ሞ፡ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ (መንፈሳውነት)፡ እምነት ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ስዓብ። ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ ዝተጸዋዕካላ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር’ውን ጽቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ፡ ህይወት ዘለኣለም ሓዛ።" 

ኢሉና’ሎ። ካብ’ዚ ሓያል ሃዋርያዊ ምሕጽንታ’ዚ ኸም ’ንርድኦ እምበኣር፡ እቶም ነታ ተስፋ ዘይሓዝዋ ሰባት "እኩይ ገድሊ ኽሕደት" እዮም ዚጋደሉ። እቶም ንተስፋኦም ዝረኸብዋን ዝሓዝዋን ናይ ኣምላኽ ሰባት ግን፡ ገድሎም "ጽቡቕ ገድሊ እምነት"’ዩ ዚኸውን። እቶም ሰብ እኩይ ገድሊ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረን ካልእ ብዙሕን ኣነዋርን ሓጢኣት’ዮም ዚፈርዩ። እቶም ሰብ ጽቡቕ ገድሊ ግን፡ ነዚ ፍረ ናይ እኩይ ገድሊ ይሃድሙሉ ይርሕቅዎ’ምበር፡ ፈጺሞም ኪዕገስዎ ኣይክእሉን’ዮም።

እዚ ህድማ’ዚ ግን፡ ብሃውሪ ዚግበር ናይ "እግረይ ኣውጽእኒ" ተራ ህድማ ኣይኰነን። በእምሮ፡ ብምስትውዓል ዚግበር፡ ናይ ብልህታት ህድማ’ዩ። ሰብ ቈረንቶስ፡ "ካብ ምንዝርና ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ" ተባህሉ (1ቈረ6፡18 ፣ 10፡14)። ንጢሞቴዎስ፡ "ካብ ትምኒት ጒብዝና ህደም" ተባሂልዎ ኣሎ (2ጢሞ2፡22)። ብዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ፡ "ካብ ክፉእ ክንርሕቕ ክንሃድም’ዩ ዚምዕደና (እዮ28፡28 ፣ መዝ34፡14 ፣ ኢሳ1፡16 ፣ ሮሜ 12፡9 ፣ 1ቈረ10፡6 ፣ 2ቈረ13፡7 1ተሰ5፡22 ፣ 2ጢሞ2፡19)። ካብ’ዚ ዅሉ ሓቂ’ዚ ኸም ’ንርድኦ እምበኣር፡ እቶም ካብ ሓጢኣት ዚሃድሙ’ዮም፡ ናብ ተስፋኦም ዚበጽሑን ዚሕዝዋን ማለት’ዩ። ብሓንቲ ጒይያ፡ ካብ ሓጢኣት ይሃድሙ ናብ ተስፋኦም ድማ ዕለት መጸ ይቐርቡ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዘለዎም ክቱር ጽልኣት፡ ናይ’ቲ ብዛዕባ ተስፋኦም ዘለዎም ዘይጽወር ናፍቖት ነጸብራቕ’ዩ። እቲ ናፍቖት-ተስፋ ዘየሰነዮ ኣጒል ህድማ፡ ዕድመ ዘይብሉ፡ ብምሕላል ዝተሰነየ፡ ተዀላፊ ህድማ’ዩ። ድሕሪ ሓጺር ጊዜ፡ ግልብጥ ኢሉ ኻብ ተስፋኻ ናብ ምህዳም’ዩ ዚልወጥ። ተስፋ ዘሎናን ዘይብልናን፡ ነታ ተስፋና ዝሓዝናያን ዘይሓዝናያን፡ ብግብራውን ጭቡጥን መገዲ ዚርኣይ’ምበር፡ ብሓሳባዊ ናይ ኣእምሮ ጸወታ ዚግለጽ ኣይኰነን።

ተስፋ፡ ብባህርያ ግብራዊት’ያ። ኣብ ውሽጥና ድማ ግብራዊት እምነት ትወልደልና። ብእምነት ብርቱዓት ክንከውን ’ንኽእል፡ እታ ተስፋ ኣብ ውሽጥና እንተ’ልያ ጥራሕ’ዩ። ተስፋ፡ ዘየላ ኽሳዕ ’ትመስል፡ ፈጺማ ዘይትርኣይ መንፈሳዊት ንብረት’ያ። ልዕል ኢልና ኣብ ሮሜ8፡24,25 ኸም ዝረኣናዮ፡ ተስፋ ዜድልየና ነቲ ዘይርኣይ ነገር’ምበር ነቲ ዚርኣይ ኣይኰነን። ነቲ ዘይርኣይ ተስፋ ኸም ርጉጽ ጌርና ኽንርእዮን ክንርድኦን እተኽእለና፡ እምነት’ያ። ስለ’ዚ ብመሰረት’ዚ ኣርእስትና ምስ ’ንገልጾ፡ ነታ ዘይትርኣይ ተስፋ ብእምነት ኢና ኣጽኒዕና ኽንሕዛን ክንውንናን ’ንኽእል። እግዚኣብሄር ንጽድቅን ድሕነትን ብእምነት ኪኸውን ዝመኸረን ዝመረጸን በዚ ምኽንያት’ዚ’ዩ። ሰኣን መንፈሳዊ ብስለት፡ ገሌና ኻብ ምግባርሲ ምእማን ዚቐልል’ዩ ዚመስለና። ብኣንጻሩ ግን ብዓይኒ ዚርኣይ ግብሪ ስለ ዚቐልለና ኢና፡ ነቲ "ጽድቂ ብእምነት’ዩ" ዚብል ዓብይ ሃዋርያዊ ሓቂ ምርድኡ ዀነ ምቕባሉ ዚኸብደና። ሰብ ድኹም ፍጥረት ስለ ዝዀነ፡ ካብ ብዘይርኣይ ነገር፡ ብዚርኣይ ነገር ኪኣምንን ኪተኣማመንን’ዩ ዚቐልሎ። እምበኣር እምነት ነታ ዘይትርኣይ ተስፋና ’ንርእየላን ’ንሕዘላን ጥበብና’ያ (ሮሜ4፡13,14,17-22 ፣ ገላ3፡13-29)። ስለ’ዚ ነታ ጽድቅን ድሕነትን ክንረኽቦ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ርስትና’ውን ክንወርሶ እንተ ዄንና፡ ከም’ቲ ቕዱስ ጳውሎስ፡ "ንሕና ደቂ ተስፋ" ኢና ዝበለና፡ ንሕና’ውን ደቂ ተስፋ ምዃንና ኸነረጋግጽ ይግባእ (ገላ4፡23,27 ፣ ገላ5፡4,5)። ቅዱስ ወንጌል፦

"እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ ዅላቶም እስራኤላውያን ኣይኰኑን፡ . . . ። ‘‘ዘርኢ ብይስሃቅ ኪስመየልካ’ዩ’’ (ዚብል)’ምበር፡ ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ፡ ኵላቶም ውሉድ (ኣብርሃም) ኣይኰኑን። ማለት እቶም ውሉድ ተስፋ’ዮም ንዘርኢ ዚቝጸሩ’ምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን።"

ከም ዝበለ፡ እግዚኣብሄር ከም ናቱን ከም ደቁን ዚፈልጦም። ነቶም ናብ ተስፋኦም ዚሃድሙ፡ ነታ ተስፋኦም ድማ ኣጽኒዖም ብእምነት ዚሕዙ ደቂ ተስፋ’ምበር፡ ነቶም ኣብ መዛግብቲ ቤተ ክርስትያን ዝሰፈሩ እንተ ዘይኰይኑ፡ መጽሓፍ ህይወት ግን ዘይፈልጦም ስማውያን ክርስትያን ኣይኰነን (ሮሜ9፡6-8)።

 

ኵሉ ዓይነት ኣተሃድማ ቕቡል ድዩ፧ ኣተሃድማና ኸነጸብቕሲ፡ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ እንተ ሃደምና’ዩ ዚሓይሽ፧ መቸም ኣተሃድማ ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ፡ ኣተሃድማ ዕቡያት ኣሎ፡ ኣተሃድማ ግቡዛት’ውን ኣሎ። ገሊኡ ብጒይያ ገሊኡ ኸኣ እናተመጣልዐ ብሸናዕታ ይሃድም። ገሊኡ ብምሉእ ልቡ ይሃድም፡ ገሊኡ ኸኣ ልቡ ኣብ’ቲ ዚህደሞ ቦታ ሓዲጉ፡ "ይሃድሙ ኣለዉ" ኢሉ ዚሃድም ኣሎ። ሎጥ መላእኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናብ ቤቱ መጺኦም፡ "ቀልጥፍ" እናበሉ ኺሃድም ሃወኽዎ። ንሱ ንምህዳም ምስ ደንጐየ ግና፡ እቶም ልኡኻት ንምልእቲ ስድራ በእዳዋ ጐቲቶም፡ ክሳዕ ወጻኢ’ታ ኸተማ ኣህደምዋ (ዘፍ19፡12-22)። ናይ ሰይቲ ሎጥ ኣተሃድማስ፡ ምስ ምህዳም ኪቝጸር ድዩ፧ "ንድሕሪት ግልጽ ኣይትበሉ" ዚብል ንጹር መምርሒ ተዋሂብዎም ኬብቅዕ፡ "መዝገብካ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ" ዀይኑዋ፡ ናብ’ታ ዘይቀበጸታ ሰዶም ገጻ ግልጽ በለት። እግዚኣብሄር ድማ፡ ነታ ናይ ሰዶም ብጽሒታ ሰፊሩ፡ ናብ’ታ ዘላታ ቦታ ለኣኸላ (ዘፍ19፡17,26 ፣ ማቴ6፡19-21)። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣብ ዝሃደሙሉ ጊዜ፡ ገሊኦም ልቦም ኣብ ግብጺ ሓዲጎምዋ ኺሃድሙ ኸለዉ፡ ገሊኦም ድማ ንግብጺ ኣብ ልቦም ተማሊኦምዋ ሃደሙ። ስለ’ዚ ድማ እቲ ኣብ ግብጺ ዝነሓፎም መዓት፡ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ኣርኪቡ ኣጽነቶም። እቶም ልቦም ሓዲጎም ዝወጹ፡ ናብ ከንኣን ምህዳም ገዲፎም፡ ናብ ግብጺ ኺሃድሙ ብዙሕ ሳዕ ተላዕሉ። እቶም ንግብጺ ኣብ ልቦም ዝተማልእዋ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኸለዉን ናብ ከንኣን ምስ ኣተዉን፡ ነቲ ናይ ግብጺ ነውራም ናብራኦምን ልማዶምን የዘውትርዎ ነበሩ። እግዚኣብሄር ግን ብምሉእ ልቦምን ቀልጢፎምን ኪሃድሙ’ዩ ዝኣዘዞም። መንእሰይ ዮሴፍ፡ በታ ኣመንዝራ ልቢ ዝነበራ እመቤቱ፡ ኢድ ብኢድ ተታሒዙ ናብ ሓጢኣት ኪወድቕ ምስ ተኣዘዘ፡ ፈጺሙ ኣቕበጻ። ክትዕምጾ ኣብ ዝተሃንደደትሉ ድማ፡ ነቲ ዝሓዘቶ ኽዳኑ ሓዲጉላ ጥራይ ዝባኑ ሃደመ። ንጉስ ዳዊትን መስፍን ሳምሶንን ግን፡ ካብ ሓጢኣት ኣብ ክንዲ ዚሃድሙ፡ ካብ ኣምላኽ ናብ’ቲ ሓጢኣት ገጾም ሃዲሞም ስለ ዝተፈንጠሩ፡ ናብ ኸቢድ መዓት ኣትዮም፡ ንርእሶምን ንህዝቦምን ጐድኡ። እምበኣር ዕለት መጸ ኻብ ሓጢኣትና እናረሓቕና ናብ ተስፋና ገጽና ኣዚና ኽንቀርብን ክንጽጋዕን’ዩ ዚግባእ። ዓስቢ ሓጢኣት፡ ዘለኣለማዊ ሞትን ዘይጽወር ስቓይን ውርደትን’ዩ። ተስፋና ድማ ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብረትን ሓጐስን’ዩ። እዚ ኽልቲኡ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ናይ ምርጫ ጫፋት ንበይኑ’ኳ፡ ኣተሃድማና እንታይ ኪመስል ከም ዚግብኦ፡ ብብሩህ መገዲ ዜርእየና’ዩ። ንኣምላኽ ዜስምሮን ዜዕግቦን ኣተሃድማ ዚሃድሙ፡ እቶም ናይ ተስፋኦም ልዑል ናፍቖት ዘለዎምን እታ ድልድልትን ጽንዕትን መልሕቕ ዝዀነት ተስፋ ኣብ ልቦም ሓያል እምነት ዝሃነጸትሎምን ጥራሕ’ዮም።

እምበኣር ርእስና ንመርምር። ንምዃኑ እታ ተስፋ ኣብ ልብና ኣላዶ፧ እቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝዀነ ኢየሱስ ኣባና፡ ንሕና ኸኣ ኣብኡ ንነብር ኣለናዶ፧ ተስፋና ንምሓዝ ናብ ተስፋና ገጽናዶ ንሃድም ኣለና፡ ወይስ ሓደ ኣፊቱ ኻብ ተስፋና ንሃድም ንህልው፧ ናብ’ዛ ተስፋና’ዚኣ ኸይበጻሕና ምድሪ እንተ ዓሪቡና፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና እንታይ ከም ዚመስል ብንጹር ተነጊሩና’ዩ። ናብ ተስፋኻ ዘይምህዳም፡ መድሃኒት ዘይርከቦ ኸቢድ መንፈሳዊ ዕሽነት’ዩ። ከም ሎጥን ከም እስራኤላውያንን ንዘይምድሓን ንጥፍኣት እንመጣልዓሉ ዝዀነ ብቑዕ ምኽንያት የብልናን። ብማሕለኻ ሓጢኣት ብመቝሕ ሰይጣን ተኣሲርና፡ ንጥፍኣትና ተዀርሚና ንጽበየሉ ምኽንያት ስለ ዘየለ፡ ነቲ ዚጠብቀናን ዚተሃላለኸናን ሓጢኣት ብክርስቶስ እናበተኽና፡ ናብ ቅድሚት ናብ’ቲ ዚጽበየና ዘሎ ተስፋ ገጽና ንመጣጠርን ንህደምን!! ህድማ እቲ ዝበለጸ መንፈሳዊ ጥበብ ምዃኑ፡ ከቶ ኣይንዘንግዕ!!

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

4 ሓምለ 2026 | ሰነ 28, 2018 ግዕዝ (መበል 43 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ: ፻፵፮(፻፵፯)፡፰ "ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና። ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር። ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር።"

"ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፡ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፡ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፡" 

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 6፡7-ፍጻመ

ዲያቆን

ያእ 5፡12-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 27፡6-15

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 8፡1-21

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴዘኤጲፋንዮስ | መዝሙር፦ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div