S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እታ ናይ ጽባሕ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ርእየያ

ቤተ ክርስቲያን ምስ ዋሽንግቶን እንታይ ዘራኽብ ኣለዋ? ዝብል ሓታቲ እንተተረኽበ ዘገርም ኣይኮነን። ከምቲ ዓደቦና ‘‘ኣሉላን ዘሎ ዓዲ ተኽላይ፡ ጣልያንን ዘሎ ስግር ቀላይ’’ ዝብልዎ፡ እቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ርሕቀት ኣዝዩ ርሑቕ’ዩ።

ንመደብ እግዚኣብሔር ግን ርሕቀት ቦታ ክዓግቶ ዝኽእል ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ’ዩ እታ ግዜ ደፊኡዋ ዝጸንሐት ቤተ ክርስቲያንና፡ ርእሳ ኣቐልቂላ ኣብ ሃገር ሰሜን ኣሜሪካ ኣሎኹ ክትብል ዝኸኣለት። ብዘይ ቃለ-ኣጋንኖ ክዝረብ እንተደእኮይኑ፡ እታ ዓባይ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ ከምቲ ከነዓን ንእስራኤላውያን ምድሪ ተስፋ ዝኾነቶም፡ ዋሽንግቶን ዲሲ ድማ ንዓና ምድሪ ተስፋ ኮይናትና እያ። ብርግጽ’ውን ኣብ ዋሽንግቶን እቲ መጻኢ ኦርቶዶክሳዊ ራእይና ዝተጋህደላ መድረኽ ኮይና ስለዝረኸብናያ፡ በቲ ዝረኣናዮ ተኣምራትን መንክራትን ነቲ ዅሉ ዝገብር ኣምላኽ ኣመስጊንና ኢና። እወ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ዝተመስገነ ይኹን!!

ብዝተረፈ ንሕና ከም ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መጠን፡ ንሃይማኖትና ብዝምልከት ቅሳነት ጸኒሑና’ዩ ክንብል ንኽእል ኣይኮናን። ሕጂ’ውን ቅሳነት ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ ክብሪ ቤተ ክርስቲያን እናተጋህሰን ሥርዓት ኣምልኮኣ እናተጣሕሰን ከሎ፡ ጽቡቕ ኣሎና ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ብርግጽ’ውን እቲ ደምበ ተዋህዶና ንሓላፍነት ብቕዓት ብዘይብሉ ሲኖዶስ ይምራሕ ክሳብ ዝሃለወ ግዜ፡ ቀሲንካ ክሕደር ይከኣል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከምዝፍለጥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያና፡ ካብ 1983 ዓ.ም.ግ ከም ርእሳ ዝኸኣለት ነጻ ቤተ-ክርስቲያን መጠን፡ ሲኖዶስ ኣቝማ ሓድሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ ከምዝጀመረት ዝፍለጥ እዩ። እዚ ጉባኤ’ዚ ንሓላፍነት ብቕዓት ብዘይብሎም ሰባት ስለዝተታሕዘ ግን፡ እቲ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ንምርኣይ ዝነበረ ተስፋ፡ ገና ክብገስ ከሎ’ዩ ብንግሁኡ ጸልሚቱ ክበሃል ይከኣል። ከም ሳዕቤን እዚ ድማ እንሆ ቤተ ክርስቲያንና ንሓደጋ ተቓሊዓ ትርከብ ኣላ።

ስለዚ’ውን ህልዊ ኵነታት ቤተ ክርስቲያን ብዅሉ ሸነኻቱ ክርአ ከሎ፡ ብኣሉታ ዝግለጽ ዕንወት እንተ ዘይኮይኑ፡ ቅንጣብ ትኣክል ቁዉም-ነገር ተገይሩ ክበሃል ከምዘይከኣል፡ ብዙሕ ዝጥቀስ መረድኢ ክቐርብ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብምድግጋም ምርጫ-ፓትርያረክ ክካየድ ጸኒሑ እዩ። ኩሉ ብሕጊ ተፈጺሙ ክበሃል ግን ኣይከኣልን።

ከምቲ ኣብ ምስላ ትግርኛ ‘‘እቲ ኣፈይን ስቕ ኢሉ፡ እቲ ኢደይን ይኮላለስሉ’’ ዝበሃል እዚ ኵሉ ክኸውን ዝኸኣለ ብዘይ ኣፍልጦን ምስምማዕን ሕዝቢ ተዋህዶ ምዃኑ ክዝከር ከሎ፡ እቲ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ሲኖዶስ፡ ክሳብ ክንደይ ብሓላፍነት ከሕትት ኣብ ዝኽእል ገበን ኣትዩ ከምዝጸንሐ ዘረድእ  እዩ። ልዕሊ ሕጊ ኮይኖም ድማ ብዕድል ቤተ ክርስቲያን ይጻወቱ ኣለዉ። ከምኡ እንተ ዘይኮይኑ  ነይሮም፡ ኣብቲ መንበረ ፓትርያረክ ሓደ ተራ ዘይተማህረ ጭዋ ከም ዝቕመጥ ኣይምገበሩን። ‘ዒራ ዘይኩርምትኻ ሕጻ ሓይኸሉ‘’ ከም ዝበሃል ስለዝኾነ ግን፡ ብቡራኼ ሲኖዶስ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ብዕድል ቤተ ክርስቲያን ይጻወት ኣሎ።

ርግጽ እዩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን 1989 ዓ.ም.ግ (1997) ብወግዒ ዝተኣወጀ ሕጊ ምህላው ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሕጊ’ዚ ግን ተኣዊጁ እምበር ክትግበር ኣይተራእየን። ስለዚ ከኣ’ዩ ሕጊ ዝብሎ ዘይኮነስ ጳጳሳት ዝደለይዎ ክፍጸም ዝርአ ዘሎ። ስለዚ’ውን እንሆ ብዘይ ሕጊ ፓትርያርክ ይስዕሩ፡ ብዘይ ሕጊ’ውን ፓትርያረክ ይሾሙ። ሕሉፍ ሓሊፎም’ውን ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ሠራዕን መላኽን ጌሮም ሓደ ጭዋ ኣቐሚጦም ዘለዉ።

ቤተ ክርስቲያንና ነጻን ልኡላዊነትን ዘለዋ ኮይና ካብ እትቐውም 18 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ዝተባህለ ዓመታት ግን፡ ዕንወት እንተዘይኮይኑ ዝተገብረ ምዕባሌ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከምዝፍለጥ ብዙሓት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ንትንሣኤን ዕብየትን እቲ ሃይማኖት ኢሎም፡ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክገብሩ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። እቲ ኵሉ ጻዕሪ ግን ክዕወት ኣይከኣለን። ብጀካ ዮፍታሔን ንሱ ዝጸሓፈሎም ዘንብቡ ጳጳሳትን ከኣ፡ ካልእ ዕንቅፋት ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ክበሃል ዝኽእል ብዙሕ’ዩ። ክዱን ብኣፈ-ሥላሴ ኢልካ ክሕለፍ እንተ ዘይኮይኑ፡ ተዛሪብካን ጽሒፍካን ዝውዳእ’ውን ኣይኮነን።

ንኣብነት እዚ ሕጂ ዘሎ ሲኖዶስ ብውክልና ማሕበረ-ምእመናን’ዩ ኣብ ሥልጣን ተቐሚጡ ዘሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ሲኖዶስ ሕጋዊ እንድሕሪ ዘይኮይኑ ድማ፡ ናይቲ ንሳቶም ኣብ መንበር ዘቐመጥዎ ዮፍታሔ ሓላፍነት ሕጋዊ ዝኾነሉ ምኽንያት የልቦን። ብኻልእ ኣዘራርባ ፓትርያርክነት ኣባ ዲዮስቆሮስ’ውን ሕጋዊነት የብሉን። ልዕሊ ኵሉ ድማ እቲ ሲኖዶስ ኮነ እቶም ዘይወግዓዊ ፓትርያርክ ብሥልጣን ሥሉስ-ቅዱስ ተወጊዞም እዮም። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ክርከቡ ሕጋዊ ባይታ የብሎምን። ስለዚ’ዩ እውን ፓትርያረክነት ኣባ ዲዮስቆሮስ ካብ ብሎኮ-ጎዳይፍ ሓሊፉ ኣፍልጦ ክረክብ ዘይከኣለ።

ብዝተረፈ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ፓትርያርኽነት ኣባ ዲዮስቆሮስ፡ ብወጻኢ ዓለም ተፈላጥነት ከምዝረክብ ንምግባር፡ ከንቱ ፈተነ ክገብር ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም ግን ብቐሊል ክዕሾ ዝኽእል ዓለም ኣይኮነን። ብሕዝቢ ተዋህዶ ዝተነጽገ ፓትርያርክነት ተቐባልነት ክረክብ ኢልካ ዝግበር ከንቱ ጻዕሪ’ውን፡ ሰማዒ ከምዘይረክብ ምርዳእ ልቦና ዝሓትት እዩ። ዮፍታሔን ሲኖዶስን ግን ነዚ መሪር ሓቂ’ዚ ክርድእዎ ዝኸኣሉ ኣይመስሉን።

ብዝኾነ ካብዚ ዝተባህለ ኵሉ ብምብጋስ፡ መጻኢ ዕድል ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ቀረባ ዝርአ ተስፋ ከምዘይብሉ ጌሮም ዝገመቱ ብዙሓት እዮም። ኣነ ብውልቂ’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ግምት ጸኒሑኒ እዩ ክብል ኣይክእልን። እዚ ግምት’ዚ ግን ልክዕ ከምዘይኮነ ሕጂ ግልጺ ኮይኑ ይርአ ኣሎ። ከምዝፍለጥ ነቢይ ኤልያስ ተስፋ ምስ ቆረጸ ’’……ነቢያትካ ተቐቲሎም!ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ….’’(1 ነገስት 19:17-18) ብምባል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣውያት ምስ ገበረ ‘‘…. በይንኻ ኣይኾንካን፡ ሸውዓተ ሺሕ ሰባት  ኣትሪፈ ኣሎኹ ... ዝብል መልሲ እዩ መጺኡዎ።

ብመንጽር’ዚ ኣብ ደምበ ተዋህዶና’ውን፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ብንብዓት ዝተሰነየ ኣውያት ክግበር ጸኒሑ እዩ። ኦ ጎይታ ሕግኻ ተጋሂሱ፡ ቤት መቕደስካ’ውን ይድፈር ኣሎ። ክሳብ መዓስ ኢኻኸ ንመለኮታዊ ክብርኻ ክፈታተንዎ ትዕገሶም? …. እናተባህለ ድምጺ ቃንዛን እህህታን ክስማዕ ጸኒሑ እዩ። እግዚኣብሔር ከኣ ብቓል ዘይኮነስ ብግብሪ ክምልስ ንርኢ ኣሎና። ካብዚ ኣብ መበል 11 ዓመታዊ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝረኣናዮ ዝዓቢ፡ ካልእ ተኣምር ኣሎ ክንብል ከኣ ኣይንኽእልን። ክብርን ውዳሴን ምስጋናን ንዕኡ ንኣምላኽና ይኹን!!

እወ ኣብ ሰሜን-ኣሜሪካ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ክነድድ፡ ብእኡ ኣቢሉ’ውን ትንሣኤ ተዋህዶ ክብሰር ንርኢ ኣሎና። እዚ ከኣ ድንቂ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሥራሕ ኢልካ ክግለጽ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ መግለጺ ክወሃቦ ዝሰማማዕ ኣይመስልን። ከመይሲ እቶም ኣብቲ ዓውደ-ምሕረት ወንጌል ክሰብኩን ያሬዳዊ ዜማ ከዚሙን ዝረኣናዮም፡ ብመንገዲ ዩኒቨርሲቲ ዝሓለፉ ካህናትን ዲያቆናትን ምኻኖም እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግና፡ ዶክተርን ፕሮፌሶርን ዝብል መዓርግ ኣቐሚጦም፡ ካህናትን ዲያቆናትን ተባሂሎም ክጽውዑ ምምራጾም እዩ። እዚኣቶም ከኣ ሓደን ክልተን ዘይኮኑ ብቑጽሮም ብዙሓት፡ ብሞያ ድማ ብሱላት ኮይኖም ኢና ዝረኣናዮም።

ኣብዛ ዓባይ ዝኾነት ሃገር እዚኣ፡ ብዙሕ ዘደንቕ ነገራት ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ ዘየሎ ሥልጣኔ’ውን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ግዳስ ኵሉ ነገራት’ኳ ኣሎ እንተተባህለ፡ ነታ ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተስፋ ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ግን፡ ኣብ ኣሜሪካ ይህልዉ‘ዮም ኢሉ ዝሓስብ ኣይነበረን። ኣድራሻ ክህነትን ዲቁናንከ ኣብ ኣሜሪካ ክኸውን መን ክሓስቦ ይኽእል?! ንመደብን ውሳኔን እግዚኣብሔር ግን ክዓግቶ ዝኽእል የልቦን።

እቶም ካህናት ኮኑ እቶም ዲያቆናት፡ ኣብ ማህሌት ምስ ጸናጽልን ከበሮን ርኢናዮም። ‘’ኣሓዱ ኣብ’’ ኢሎም ክቅድሱ’ውን ሰሚዕናዮም። ብስብከተ ወንጌል እንተኮነ’ውን ዕግበት ተሰሚዑና። ብዘይ ቃል-ዓለም’ውን ዓይኒ-ኣባይኩም ይደፈን ኢልና ሠናይን ሰላምን ተመኒናሎም። ርኢና ኣይጸገብናዮምን። ሰሚዕና’ውን ኣይመነናዮምን። ስለዚ ከኣ ኢና እታ ናይ ጽባሕ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወሽንግቶን ዲሲ ርኢናያ ክንብል ዝኸኣልና።

ምናልባት ንዘይኣምን ክርድኦ ኣይክእልን ይኸውን። ንሕና ግን ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝግበር ተኣምራት ርኢና ኢና። ብዙሓት መንእሰያት ንክህነትን ዲቁናን ክዳለዉ ካብ ምርኣይ ዝዓቢ ካልእ ተኣምራት ኣሎ ኣይንብልን። ንቤተ እግዚኣብሔር ቅዱስ ቅንኣት ዘለዎ ወለዶ ክትንሥእ እንሆ ንርኢ ኣሎና። እቲ ዝጠፍአ መሊሱ ክርኣየና ዝጸንሐ ሓዊ መንፈስ-ቅዱስ’ውን፡ ብዘገርም ኵነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክባራዕ ይርአ ኣሎ። ነቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ኣምላኽ ኣቦታትና ከኣ ምስጋና ይኹኖ!።

እወ እቲ ናይ ጽባሕ ተስፋ ጋህዲ ኮይኑ ይርአ ኣሎ። ድሕሪ ደጊም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና ናብ ዝጎተትዋ እትኸይድ ኮይና ክትቅጽል ከምዘይተፍቅድ፡ እዚ መበል 11 ዓመታዊ ጉባኤ ዋሽንግቶን ብዝግባእ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ካብዚ ዝዓቢ ክንገረና ዝኽእል ካልእ ብሥራት ኣሎ ከኣ ኣይንብልን። ከመይሲ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲ ነቲ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጽንሐ ተስፋ ኣንጸባሪቕዎ ኣሎ። ብዝተረፈ እቲ ደምበ ተዋህዶና ነቲ ኵሉ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሕጊ ክጻወሮ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዝኾነ’ውን ከምቲ ንፈርዖን "…..ሕዝበይ ከገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ….’’ (ዘጸ 8.1) ተባሂሉ ዝተነግሮ ቃል፡ ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ሲኖዶስ ይንገሮ ኣሎ’ሞ፡ እቶም ኣብ ዘይግብኦም መንበርን ሓላፍነትን ተቐሚጦም ዘለዉ ኵሎም፡ ንኽርድእዎ ዘስተውዕል ልቦናን ኣእምሮን ይዓድሎም።

ዲያቆን ተኽለማርያም ምርካጽዮን
ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div