S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ውድቀት ውጉዝ ዮፍታሄን ሰዓብቱን ዘመስከረ ታሪኻዊ ጉዕዞ ግብጺ!

ንልዕልና ሕግን ሓቅን ዝተሓሰመ ሰብ ቀንዲ መሳርሒኡ ሓይልን ሓሶትን ጥራይ እየን። ጎነጻዊ ሓይልን ሓሶትን ዝተዓጥቀ ሰብ ከኣ መወዳእትኡ ውድቀትን 

ሕፍረትን ደኣ እምበር ዝበጽሖ ዓወት ፈጺሙ የሎን። ምኽንያቱ ሓቂ ብሓሶት ተሳዒራ ስለ ዘይትፈልጥ።

እቲ እዋኑ ሂብዎ፥ ንሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ማሕዩር ብምእታው “ዋና ኣማሓዳሪ ተዋህዶ ኣነ እየ” ዝበለ ውጉዝ ዮፍታሄን፥ እቶም ብፍርሒ እሺ ኣማሓድረና ዝበሉ ሰዓብቱን ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ከቢድ ዓዘቕትን ዕንወትን ኣብጺሖማ ከም ዘለዉ በጀካ እቶም እናረኣዩ ምእማን ዝኣበዩ እንተ ዘይኮይኖም፥ ዝኾነ ዘስተውዕል ልቢ ንዘለዎ ኩሉ ሰብ ከም ፀሓይ ቀት በሪሁ ዘሎ ጉዳይ እዩ።

ውጉዝ ዮፍታሄን ሰዓብቱን “ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ስም ቅድስት ሥላሴ” ብትሪ ተወጊዞም እኳ እንተኾኑ ከምቲ “ሓይል ካለ ሥርዓት ምን ባቱ” ማለት “ሓይሊ እንተሎካ፥ እንታይ ሥርዓት ኣድለየካ” ብዝብል ድርቅና ሓዋርያውን መንፈሳውን ሕጊ ጥሒሶም፥ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሓሶት ከሲሶም፥ ንሊቃውንቲ ተዋህዶ ብጭካነ ኣእሲሮም፥ ንቅኑዓት ኣመንቲ ተዋህዶ ብጽልእን ጸለመን እናኣወንጀሉ፥ ኣብ ወጻኢ ንዝሞተ ኦርቶዶክሳዊ ኣብ ዓዱ ከፍታሕን ከይቅበርን እናኸልከሉ፥ ምስ ኣምላኽን ሰብን ተባኢሶም፥ “ግብጺ ኣይትእውደና፥ ኢትዮጵያ ኣይትፈልጠና” ኢሎም ብምፍካር ካብ ሕብረት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ተነጺሎም ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ንበይኖም ብመገዲ ጸጋም እዮም ዝጓዓዙ ዘለዉ። 

ይኹን እምበር “ኣምላኽ ዘኽበሮ፡ ክቡር፥ ኣምላኽ ዘሕሰሮ ድማ ሕሱር” ኮይኑ ክነብር ግድን ስለ ዝኾነ፡ እቶም ሓዋርያዊ ሕግን መገዲ ሓቅን ዝሓዙ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም ዘለዉ ሰዓብቶምን ብእግዚኣብሔር ክምጎሱ ከለዉ፥ እቶም ብትዕቢትን ሓሶትን ዝተላዕሉ ጉጅለ ዮፍታሄን ሰዓብቱን ኣማኸርቱን ድማ ኣብ ውድቀትን ሕፍረትን በጺሖም ንርእዮም ኣሎና።

ናይዚ ህያው ምስክር ድማ እቲ ኣብ መበል 118 ምርጫ ፓትርያርክ እስክንድርያ ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምርሑ ኣቦታት ካህናት ወከልቲ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከለይ ምብራቕን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ዓቢይ ታሪኻውን መንፈሳውን ጉባኤ ዓወት እዩ። እዚ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ልኡኽ ጉባኤ ካህናት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ሲኖዶስን ዓቃቤ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጳኹሚስን ብዝቐረበሉ ወግዓዊ ዕድመ መሠረት እዩ ኣብቲ መስርሕ መንፈሳዊ ምርጫ ፓትርያርክ ዝሳተፉ ዘለዉ። በዚ ድማ ነቲ ንግፉዕ ዘጽንዕ፥ ንቅኑዕ ዝረድእ እሙንን ፍትሓውን ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹን።

ውጉዝ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2012 ኣ.ፈ ኣብ ሥነ-ሥርዓት ቀብሪ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ከይተጸውዐን ከይተዓደመን 3ተ ጳጳሳትን ኣማኻሪኡን ኣኸቲሉ ናብ ግብጺ ከም ዝኸደ ዝዝከር እዩ። እዚ ግና ነቲ ልሙድ ናይ ምትላልን ምድንጋርን ናይ ወረ ስርሓቱ ክጥቀመሉ ደኣ እምበር ብሞት ፖፕ ሺኖዳ ሓዚኑ ከም ዘይኮነ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ባዕሉ ዮፍታሄን ኣቦታት ግብጻውያንን ኣጸቢቖም ይፈልጥዎን ይርድእዎን እዮም። ግናኸ ከምቲ “ገመል ሰሪቕካስ፥ ጉምብሕ ጉምብሕ” ዝበሃል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ሰብን ሓዋርያዊ ሕጊ ኣፍሪስካስ ከም ቅኑዕን ንጹህን ላዕልን ታሕትን ምባል ድርብ ክሳራ እምበር ዝኾነ ረብሓ ዝርከቦ ኣይኮነን።

እምበኣርከስ እዞም ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ሕርያ ፓትርያርክ ግብጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ብብፁ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምርሑ ኣቦታት ካህናትን ንሶም ዝውክልዎ ኣሕጉረ ስብከታትን ምእመናን ኩሎም፡ ምእንቲ ተዋህዶ ሃይማኖት ብዙሕ ፈተናን መከራን ክወርዶም ዝጸንሑ እዮም። ይኹን እምበር ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ንሓቂ ሓዝዋ፥ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” (ዮሓ 8፡31) ዝበሎ ንሓቅን ሕግን ሒዞም ኣሰር ኢየሱስ ክርስቶስን ኣቡነ እንጦንዮስ ስለ ዝሰዓቡ እዮም፡ ኣብ ምርጫ ግብጽን ኣብ ሕብረት ጉባኤ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ልዑል ክብርን መንፈሳዊ መንበር ተዋሂብዎም ዘሎ። እዚ ጉዕዞ’ዚ ከኣ ንውጉዝ ዮፍታሄን ሰዓብቱ ጳጳሳትን ኣማኸርቱ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ኣብ ከቢድ ውግዘትን ዓቢ ውድቀትን ኣትዮም ከም ዘለዉ ዘረጋግጽ ንጹር መልእኽቲ እዩ።

ብዝተረፈ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብዚ ሕጋዊ መስርሕ ምርጫ ፓትርያርክ ግብጺ ብዙሕ ሓዋያዊ ሕግን ሥነ-ሥርዓትን ከምኡውን ኣገዳሲ ተሞክሮ ቀሲማ ኣብ መጻኢ መንፈሳዊ ጉዕዞኣ ብዙሕ ክትረብሓሉን ክትነቕሓሉን ዝግብኦም ጉዳያት ከም ዘለዉ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ልዕሊ ኩሉ ግና ነታ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬሥምርዎ ኣይከኣልን እዩ” ( ዕብ 11፡6 ) ትብል ቃል ወንጌል ቀዳምነት ክንሰርዓ ዝግባእ እዩ። ነቲ ብቀዳማይ ፓትርያርክ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስን ፖፕ ሺኖዳን 3ይ ዝተፈረመ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያ ግብጺ ዘሎና ፕሮቶኮላዊ ስምምዕን መንፈሳዊ ሕብረትን ድማ ክልተኣዊ ረብሓና ተረዲእና ንመጻኢ ወለዶታት ከነመሓላልፎ ጻዕርን ጸሎትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ሓጋዚ ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ክብርን ምስጋናን ንልዑለ ባሕርይ እግዚኣብሔር ይኹን!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div