S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብቲ ክረምቲ ዚጅምረሉ (በኣተ ክረምት) ሰነ 25 ክሳዕ ሓመለ 15 (ቂርቆስ) “ዘርዕ ደመናተባሂሉ ዚጽዋዕ። በዚ መሰረት ድማ፡ እቶም ኣብዚ ቕንያት ዚንበቡ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን ምስ ዘርኢ ዝተታሓሓዘ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም ዚዀኑ። ስለዚ ድማ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ እቲ ጐይታ ዝመስሎ፡ምስላ ዘርእን ዘራእንምስናይ ትርጕሙ እዩ። ኣብዚ ምስላ እዚ፡ እዚ ዘራኢ ጐይታ ባዕሉን ኵሎም ልኡኻት ወንጌልን እቲ ዘርኢ ድማ እቲ ዚስበኽ ቃል ኣምላኽ እዩ። እቲ ነቲ ዘርኢ ዚቕበል ግራት ድማ ልቢ ሰብ እዩ።

በዓለ ጰራቅሊጦስ 1ይ ሰንበት [Sermon for the Pentecostal Sunday]

“ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ፡ ቃለይ ይሕልው’ዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡ’ውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።” ዮሃ 14፡23 ቅድስ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ዕለት ዝመደበትልና ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ኣባና ኣብ ድኹማት ፍጡራቱ ንዚገብሮ ግብሪ ሕያውነት ዜመልክተና እዩ። ኣብዛ ምድሪዚኣ እግዚኣብሄር ንሰብ ኪገብረሉ ዚኽእል ዝዓበየ ምሕረት፡ ነዚ መዋትን ሓጥእን ስጋና ማሕደሩ (መቕደሱ) ኺገብር ምፍቃዱ እዩ። ስለዚ ነዚ ኣርእስትና ዀነ፡ ብዓብዩ ነቲ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን መዳርግቲ-ኣልቦ ትዕድልቲ ኣቃሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእንዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ውዱቕ ሰብ ማሕደሩ ኺገብሮ ፈትዩስ፡ ነገሩ ግርምቢጥ ኰይኑ ሰብ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን ተገድሶ ዘይብሉ ዀይኑ ኺርከብ ከሎ፡ ኣዝዩ ዜሕፍርን ፍጻሜኡ ዜሰክሕን ምርጫ ዚኸውን።

ብዕለት 26-27 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም. ልኡኻት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስ ፓትርያርክ  ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣርመን ተራኺቦም።

ኣብቲ ርክብ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ካቶሊኮስ ካረኪን 2ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣርመን: ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ፓትርያርክ ወኪልን ተረኺቦም።እቲ ልኡኽ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብኣቡነ ቆሞስ ከስተ ገብረሚካኤል ተመሪሑ፡ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስን ኣባ ሰመረ ገብረ ኢየሱስን ይርከብዎ። ኣብቲ ርክብ፣ እቲ ኣብ ርእሲ ብፁዕ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ዓመጽ ብድፍኢት እቲ ተወጊዙ ግን ከኣ ብሓይሊ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኣቶ ዮፍታሄ ዲመጥሮስ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ምስ ናይ መረድኢ ጽሑፋት ንቅዱስ ፓትርያርክ ካረኪን 2ይን ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኽቡ ወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን ተገሊጹ።

ሳልሳይ ሰንበት ናይ ትንሳኤ

ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ኣቆጻጽራ ግእዝ (July 9 to October 4) ዘሎ እዋን ቤተ ክርስትያን ዘመን ክረምቲ፣ ዘመን ኣፍላግ፣ ጥሉል ወርሓት፣ ወርሓት ደበና፣ ወርሓት ነጎዳን መብረቕን ... እናበለት ትጽውዖ።

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝሐ ዓለም፡ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 1129,30) ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 221)

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ ኣብጽሓና ብማለት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን 2ይ ፓትርያክር ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከብ ምእመን ብምኽንያት በዓል ትንሣኤ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ቅድስነቶም፡ ካብ 1ይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 13-1 መወዳእታ፡ ኣምላኽ ብፍቕሪ ሰብ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኃዲሩ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ሞይቱ ብትንሣኤኡ ድማ ሓራ ኣውጺእና እዩ።

ብዓል ትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ እዩ? ትንሣኤ ክርስቶስ ፍሉይ ስለዝኾነን፡ ንሰዓብቱ ዝኾንና ክርስትያን ፍሉይ ትርጉም ስለዘዎን። ብኸመይ?

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div