S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 “..ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይክድንጒን ድማ እዩ፡ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ…”(እንባቆም 2፡3) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ 10ይ ዓመታዊ ጉባኤ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን-ኤርትራ፣ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ከተማ ስያትል ካብ ሓሙስ 10 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 13 ሓምለ 2008 ዓ.ም ተኻይዱ።

መጽሓፍ ሕይወት፡- ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ጥራይ ዝርከብ መጽሓፍ፡ ኣስማት ናይቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝመላለሱን ሕጉን ትእዛዙን ኣኽቢሮም ምድራዊ ጉዕዝኦም ዝፍጽሙን ሰባት ዝሓዘ ሰማያዊ መዝገብ እዩ።

ኦ ቅድስቲ ምልእተ ጸጋ፡ ኩሉ ግዜ ድንግል ዝኮንኪ፡ ወላዲተ ኣምላኽ፡ ኣደ ክርስቶስ፡ ሰላም ንብለኪ።

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ነሐሴ 17 ንዘሎ ዕለት ኣብ ሰንበት እተዊዒሉ “አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት። ጥዕምት በቃላ ወሠናይት፡ በምግባራ። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ ወትባርክ ነቢያተ ወሐዋርያተ።አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ ወትባርክ ጻድቃነ ወሰማዕተ።አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ በህየ ትባርክ ነገሥተ ወነጋሥያተ። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡” ። ማለት “መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ፡ ብልሳና ጥዕምቲ፡ ብምግባራ ሰናይ ኢያ ። ንነባያትን ሓዋርያትን ትባርኮም። ንጻድቃንን ሰማዕታትን ትባርኮም። በዚውን ንነገሥታትን ንንጉሥን ትባርኮም።መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ።መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ” ተባሂሉ አብ ቤተ ክርስትያን ዝዝመር መዝሙር ምስጋና እዩ።እዚ ሰንበት እዚ (ነሓሰ 17, 2012) ሓደ ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዘሎ ዓበይቲ በዓላት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕርገታ ብዓል እዩ። ስለዚ ኣብ ህይወት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘተዀረ ተአዛዝነት አምላኽ ዘተኮረ ሓሳባት ክንኻፈል ኢና።

6ይ ሰንበት ናይ ክረምት
ኣብዚ ዕለት'ዚ ዝንበብ ወንጌል

እቲ ንዕለት 27 መስከረም 2008 (17 መስከረም 2001 ግእዝ) ካብ ሰዓት 5፡00 – 10፡00 ድ.ቀ. ዝተኻየደ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ትሕዝቶ ሓቚፉ ኔሩ፤ ብዙሕ ህዝቢ ከኣ ተኸታቲልዎ። እቲ መደብ ብምህለላ፡ ጸሎተ ወንጌልን ስብከትን’ዩ ተኸፍቱ፡ ብድሕሬኡ ብሞያውያን ደቂ ቤተክርስትያን ኣብ እዋናዊ ንመነባብሮ ምእመናን ዝትንክፍ ጉዳያት፡- ኣሰራርሓ ቀረጽ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ፡ መሰል ጡሮታን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ነገራትን ብዝርዝር ቀሪቡ።

+መንፈሱ ርጉእን ሰላም ዘሎዎን ይኸዉን።

+ጎይታ ይባርኾ።

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ነሐሴ 8 ክሳዕ ነሐሴ 14 ንዘሎ ቕንያት “ዛቲ ይእቲ ማርያም” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ማለት “ዛቲ ይእቲ ማርያም። ማኅደረ መለኮት እንተ ተሰምየት፡ ሰንበተ ክርስቲያን። በከመ ይቤ ዳዊት በመዝሙር፡ አንሣእኩ አዕንቲየ መንገለ አድባር። አድባረ ድኁኃን ተሰምየት ዛቲ ይእቲ ቅድስት ድንግል። ተዓቢ እምኵሉ ፍጥረት፡ ኢያውዓያ እሳተ መለኮት።” ትርጉሙ ከአ ንሳ ማርያም እያ። መሕደሪ መለኮት ዝተባህለት ሰንበት ናይ ክርስቲያን። ከምቲ ዳዊት አብ መዝሙሩ ዝበሎ “ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ።” መዕቆቢት ኸረን ድሑናት ዝተባህለት ንሳ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።

መባእታዊ ድሕረ ባይታ፡ ዓለም ከም ሓንቲ ደምበ ኮይና ኣብ ክልተ ጫፍ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ተራኺቦም: ኣብ ሓንቲ ህሞት ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ሓቢሮም ክዝትዩ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነት በጺሕና ኣለና። እዚ ዘይተኣደነ ክስተት'ዚ ኣብ መንፈሳዊን ስነ ፍልጠታዊን መኣዲ ኮይኖም ፍልጠቶምን ዓቕሞምን ከወሃህዱ ንብዙሓት ኣህዛብ ኣኽኢልዎም እዩ።

ገዳም ደብረ ሊባኖስ ሓደ ካብቶም  ኣብ ምድሪ ሓበሻ (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ብጥንታዉነቶም ዝፍለጡ ገዳማት

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div