“ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዑ’ውን ድምጹ የለልያ’ሞ ይስዕባኦ፡ ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን’የን።” ዮሃ 10፡4,5።
ኣብዚ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ ጥበብ ጒስነት ናይቲ ሓለቓ ዅሎም ጓሶትን ሕያዋይ ጓሳን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ። እትጥቀመሉ ጥበብ ጒስነት ኣብ ዓይነት ናይቲ እትሃንጾ መጓሰ ዓብዪ ግደ ኸም ዘለዎ’ውን ኣብሪሁልና ኣሎ። እቲ በቲ ቕኑዕ መእተዊ ደገ ናብቲ ደምበ ኣባጊዕ ዚኣቱን ዚወጽእን፡ በብስመን ጸዊዑ ዘውፍረን፡ ብሕያውነት ዚጓሲ፡ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ዜሕልፍ፡ ነባጊዑ ኣጸቢቑ ዚፈልጠንን ዜለልየንን፡ ዝዀነ ኣራዊት ነባጊዑ ኻብ ኢዱ ኺምንዝዖ ዘይክእል ጓሳ ጥራሕ’ዩ ብቑዕን ሕያዋይን ጓሳ ኺስመ ዚበቅዕ። ካብዚ ዝተፈልየ ኣገባብ ጒስነት ዚጥቀም ጓሳ ድማ፡ ጓሳ ኺስመ ዘይበቅዕ፡ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን ዝተዓጥቀ፡ ነተን ኣባጊዑ በጅኡ ዚገብረን፡ ድራር ኣራዊት ኪዀና ኣሕሊፉ ዚህበን ሕሱም ጓሳ’ዩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ፡ ነባጊዑ ዜድሕን፡ ዜእትዎን ዜውጽኦን መጓሰዪ ዚረክብ ነባጊዑ፡ ሕይወት ምስ ተረፉ ዜጐናጽፍ’ዩ።
ኣባጊዑ ነቲ ናቱ ድምጺ ኣጸቢቐን ከም ዚፈልጣኦ ስለ ዚገብር፡ ብዝዀነ ምኽንያት እንተ ኣድሚጹ ንድምጹ ቆብ ኣቢለን የለልያኦ። ደድሕሪ’ቲ ዘለለያኦ ድምጺ’ውን ይስዕባ። ካልእ ጓና ድምጺ ናይ ሰብ እንተ ሰሚዐን፡ በርጊገን ካብኡ ይገልባን ይሃድማን እምበር ኣይስዕባኦን’የን። ምኽንያቱ ናይ ጓና ድምጺ እንተ’ልዩ ናይ ስርቅን ማሕረድን ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኸም ዘሎ’ዩ ዜመልክት። ዋላ’ቲ ብድምጹ ኺህበን ዚፍትን ዘሎ ትሕዝቶ መልእኽቲ፡ መብዛሕትኡ ከምቲ ናይ ሓቀኛ ጓሳአን ይምሰል፡ እቲ ድምጺ ዓይነቱ ኸምቲ ናይ ጓሳአን ዘይምዃኑ ጥራሕ ካብኡ ንኺሃድማ ብቑዕ ምልክት’ዩ።
እዚ ብዛዕባ ጓሳን መጓሰ ኣባጊዕን ዚዛረብ ምሳሌታት፡ ብዛዕባ’ቲ ጓሳ ሕዝቡ ዝዀነ እግዚኣብሔርን ብዛዕባና ብዛዕባቶም ኣባጊዕ መጓሲኡ ዝዀንና ደቂ ሰብ ዚዛረብ’ዩ።
“’ኣቱም ኣባጊዐይ፣ ኣባጊዕ መውፈረይ፣ ንስኻትኩም ሰብ ኢኹም፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ፣’ ይብል እግዚኣብሔር ኣምላኽ።” ህዝ 34፡31
“ንሱ ኣምላኽና እዩ፣ ንሕና ድማ ሕዝቢ መጓሴኡ፣ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ፣ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም።” መዝ 95፡7
“እግዚኣብሔርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ሕዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።” መዝ 100፡3
ስለዚ እቶም ጓሶት ቤተ ክርስቲያን፡ በቲ ናይ ክርስቶስ ጥበብ ኪጓስዩ፡ እተን ኣባጊዕ ድማ ከም ኣባጊዕ ክርስቶስ ኰይነን ኪጓሰያ ይግብአን። ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ሎሚ ብዛዕባ’ተን መጓሰ-ኣባጊዕ፡ ብዛዕባ ግደ ምእመናን ኢና ኽንመሃር። ኣብቲ ጐይታ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ እታ ፍርዲ ዝተዛረበሉ ምስላ፡ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን ተዛሪቡ ኣሎ።
“ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲ’ውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣሕዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ “ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን።” ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚአ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዓሪቐ፡ ከደንኩምኒ። ሓሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ።’” ማቴ 25፡31-36
ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኽፍሊ ጽሑፍ ነንብቦ ኸም ዘለና፡ እተን ድምጹ ሰሚዐን ዚበሃላ ዘለዋ ኣባጊዕ፡ ብምንታይ ከም ዚፍለጣን ከም ዚልለያን ነጊሩና ኣሎ። ዓስቢ ናይቲ ድምጹ ሰሚዐን ምስዓበን ድማ ዓለም ከይተፈጥረት ከላ ዝተዳለወለን መንግስቲ ምውራስ’ዩ። ከምኣተን ካብ ምዃን ደኣ ብምሕረቱ የድሕነና’ምበር፡ እተን “ኣጣል” ተሰምየን ዘለዋ፡ ብሰሪ ንድምጹ ሰሚዐን ዘይምስዓበን፡ ንኸመይ ዝበለ ዜሰክሕ ፍርዲ ከም ዝተዋህባ ብኸምዚ ዚስዕባ ተገሊጹ ኣሎ።
“ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ “ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።” . . . ሽዑ ንሳቶም፡ “ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርአናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዓሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧” ኢሎም ይመልስሉ።” ማቴ 25፡41,46
ነዚ ምስላ መወዳእታ ፍርዲ፡ ምስዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብና ኣተሓሒዝና ምስ እንርእዮ እምበኣር፡ ድምጹ ሰሚዕካ ምስዓብን፡ ድምጹ ንኸይትሰምዕን ንጓሳኻ ከይትስዕብ ምእባይን ኣብ መንነትካ ዀነ ኣብቲ ዘለዓለማዊ ዕጫኻ እንታይ ዝዓይነቱ ፍልልይ ከም ዜምጽእ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። እዚ ምስትውዓል’ዚ ድማ ጽቡቕ ውሳነን ስጒምትን ክንወስድ ዜኽእለና’ዩ። ኣብ መንጎ ኣባጊዕን ኣጣልን ኣዝዩ ብዙሕን ጉሉሕን ፍልልያት ከም ዘሎ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ንድምጺ ጐይታኦም ሰሚዖም ብምእዛዝ ዚስዕብዎን፡ ኣብ መንጎ’ቶም ንድምጺ ጐይታኦም ጸሊኦም ንኻልእ ጓና ድምጺ ዚሰምዑን ዚስዕቡን’ውን ኣዝዩ ጉሉሕ ፍልልያት ኣሎ። ስለዚ ንኽልቲኡ ብዕምቈት ድሕሪ ምምርማርን ምስትውዓልን፡ ነቲ ዘለዓለማዊ ረብሓ ዜጐናጽፈና ምርጫ ኽንመጽ ይግብኣና።
“ድምጺ ምስማዕ” ዚብል ቃል፡ ትርጒሙ ድምጹ ኣብ እዝንና ብዛዕባ ምእታዉ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ነቲ ዝሰማዕካዮ ምእዛዝ ማለት’ውን’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ድምጸይ ስምዑ፡ ድምጸይ ኣይሰማዕኩምን” ኪብል ከሎ “ተኣዘዙኒ፡ ኣይተኣዘዝኩምንን” ማለቱ’ዩ። ነዚ ሓሳብ’ዚ ብንጹር ካብ እንርድኣሎም ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ፡ እቲ ብሊቀ መዘምራን ኣሳፍ እተዘመረ መዝሙር’ዩ።
“ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፣ እስራኤል ድማ እሺ ኣይበለንን። ብምኽሪ ርእሶም ኺመላለሱስ፣ አብ ጽንዓት ልቦም ሓደግክዎም። ኣየ፣ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ፣ እስራኤልሲ ብመገደይ እንተ ዚኸይድ። ንጸላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፣ ኢደይውን ናብ ተጻረርቶም ምመለስኩ። ንእግዚአብሄር ጸላእቱ ምተገዝእዎ ነይሮም፣ ዘመኖም ከኣ ንዘለአለም ምዀነ። ስብሒ ስርናይ መብላዕኩኻ፣ ካብ ከውሕስ መዓር መጽገብኩኻ ነይረ።” መዝ 81፡11-16
ካብዚ መልእኽቲ’ዚ ኸም እንርድኦ፡ እቲ ዘይምስማዕን እሺ ዘይምባልን፡ በቲ “ብምኽርን ፍቓድን ናይ ርእስኻ ምምልላስ፡ ነቲ ናትካ ሓሳብ ጥራሕ ምግባር” ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ስለዚ ንሕና ኸም ክርስቲያን ሕዝቢ መጠን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኴንና ስብከትን ትምህርትን ናይ ወንጌል በእዛንና ስለ ዝሰማዕናዮ ጥራሕ፡ “ንድምጹ ሰሚዐዮ’የ ወይ ኣዘውቲረ እሰምዖ’የ” ክንብል ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር “ሰሚዖምኒ” ኢሉ ብኣና ዚሕጐስ፡ ኣካይዳና ለዊጥና በቲ ዝሰማዕናዮ ቓል መሰረት ክንመላለስን ከነተግብሮን ምስ እንርከብ’ዩ። ከምቲ ኣብ ፍቕዲ 13 ተገሊጹ ዘሎ ድምጹ ሰሚዕና፡ ብመገዱ እንተ ኼድና፡ ሽዑ ንቓል እግዚኣብሔር በእዛንና ምስማዕናን ምንባብናን ጠቒሙናን ኣቕኒዑናን ኣሎ ማለት’ዩ። ረብሓ ናይ ምስማዕናን ምእዛዝናን ድማ ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ። ቀዳማይ፡ እግዚኣብሔር ነቶም ዚቃወሙና ጸላእትና ኢዱ ዘርጊሑ ምወቕዓልናን ካብ ኢዶም መድሓነናን ነይሩ። እቲ ኻልኣይ ኣዝዩ ዝበለጸ ረብሓ ግና ንእግዚኣብሔርሲ ጸላእቱ ኺግዝእዎ ምኽኣሎም’ዩ። ንሕና ሳላ ዝተኣዘዝና’ሞ ውጽኢት ምእዛዝና ንዅሉ ፈታውን ጸላእን ምስ ተጋህደ፡ እቶም ብዘይ ምእዛዞም ጸላእቱ ዀይኖም ዝጸንሑ ረብሓ ምእዛዝ ኣስተውዒሎም፡ ንእግዚኣብሔር ኪግዝእዎን ኪእዘዝዎን ይድረኹ ማለት’ዩ። እቲ ብሳልሳይ ደረጃ እንርእዮ ረብሓ ድማ ብበረኸቱ ምጽጋብ’ዩ። ብስብሒ ስርናይን ብመዓርን ምጽጋብ ንሓደ ስጋ ዝለበሰ፡ ብረሃጽ ገጹ ስጋኡ ንዚዕንግል ሰብ እንታይ ትርጒም ከም ዘለዎ፡ ምትንታን ዜድልዮ’ውን ኣይኰነን። እግዚኣብሔር ነቶም ዚእዘዝዎ ብኸመይ ዓይነት በረኸት ከም ዚባርኽ ነቶም ዘይእዘዝዎ ድማ ብኸመይ ዝበለ መርገም ከም ዚቐጽዕ፡ ኣብ ኦሪት ዘዳግም ምዕራፍ 28 ብዜደንቕ መገዲ ተዘርዚሩልና ኣሎ። ነብዪ ኢሳይያስ’ውን ንረብሓ ምስማዕን ምእዛዝን ብዜደንቕ ኣገላልጻ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ጽሒፉልና ኣሎ።
“እግዚኣብሔር፡ እቲ ተበጃዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል፡ “ነቲ ዚጠቕም ዝምህረካን፡ በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ እየ።” ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ፡ ዘርእኻ ኸም ሑጻ፡ ፍረ ኸርስኻውን፡ ከም ድበቱ ምዀነ። ስሙ ከቶ ኣይምጠፍአን፡ ካብ ቅድመይ ድማ ኣይምተደምሰሰን ነይሩ።” ኢሳ 48፡17-19
ነቶም ንድምጹ ብምእዛዝ ዘስመርዎ ቅድሚ ዅሉ ዜጸግዎምን ዚጻምዎምን፡ እቲ መንፈሳዊ በረኸት’ዩ። እዚ ዘንበብናዮ ጥቕሲ ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ እቲ እግዚኣብሔር ንእዙዛት ዘዳለዎ ቐዳማይ ጻማ ኸኣ፡ ሰላምን ጽድቅን’ዩ። ሰላምካ ከም ወሓዚ ዚፈስስ ሰብ ኴንካ ኣብዛ ብስእነት ልባውን ከባብያውን ሰላም እትሳቐ ዘላ ዓለም ምንባር እቲ ዝለዓለ ጸጋ’ዩ። ኣብ ውሽጡ ሰላም-ኣምላኽ ዘይነገሰ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ምስ ዘሎ ዚቐርቦን ዚርሕቆን ሰብ ብሰላም ኪነብር ኣይክእልን’ዩ። ብጽጉቡ ኸም ጥሙይ፡ ብኽዱኑ ኸም ዕሩቕ ኰይኑ’ዩ ዚነብር። ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ኢሳ 57፡20,21
“እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪዮም፡ ኪሃድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ። እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።”
ብምባል ገሊጽዎ ኸም ዘሎ ድማ፡ እቲ ስእነት ሰላም ንሓጢኣትካን ኣበሳኻን መሊሱ’ዩ ዜብዝሖ። ሓጢኣትካ እንተ በዚሑ ድማ ጽድቂ ኻባኻ መመሊሳ ስለ እትርሕቕ ሰላምካ ብዝበኣሰ እናጠፍአ ይኸይድ። ሰላምን ጽድቅን ኵሉ ጊዜ መጻምድትን መኻይድትን’የን። ክልቲአን ድማ ኣብቲ ምእዛዝ ዝጥበቡን ዝምርጫኡን ሰብ’የን ዚርከባ1። ጐይታ ነቶም ዚእዘዝዎ ዅሎም ሰላሙ ዚህቦምን ዜብዝሓሎምን ከኣ፡ ንጽድቆም ምእንቲ ኼዕዝዞ’ዩ2። እቲ ብምእዛዙ ፍጹም ዝዀነ ሰብ፡ መጀመርታኡ ዀነ መፈጸምታኡ ብሰላም ዝተመልአ’ዩ3። ነብዪ ኢሳይያስ ገሊጽዎ ዘሎ ኻልኣይን ዓብይን ረብሓ ናይ ምእዛዝ፡ ኣብቶም እትወልዶም ዘርእኻ ዚህልዎ በረኸት’ዩ። ዘርእኻ ኣብ ርእሲ ምብዛሑ፡ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘይርሕቕን ስሙ ከቶ ዘይጠፍእን ዘይድምሰስን ዘርኢ’ዩ ዚኸውን። እዚ ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብዛ ምድሪ ዚነብር ሰብ ባህጊ’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ንድምጺ ኣምላኽ ምስማዕን ምእዛዝን፡ ካብ ርእስኻ ሓሊፉ ነቶም ንስኻ ዘይተርኽበሎምን ዘይትርእዮምን ወለዶታትካ ኸይተረፈ ይባርኽ ማለት’ዩ4።
ሰይጣን ንእግዚኣብሔር ናይ ምስማዕን ምእዛዝን ረብሓ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚፈልጥ፡ ናብኡ ንኸይንበጽሕ ብዘለዎ ዅሉ ዓቕሚ’ዩ ዚዋግኣና። ቀዳማይ ምርጫኡ፡ እቲ ኺስማዕ ዘለዎ ቓል ፈጺሙ ኣብ ኣእዛንና ኸም ዘይበጽሕ ምግባር’ዩ። ስለዚ ናብቲ ቓል እግዚኣብሔር ዚንገረሉ ቦታ ገጽና ንኸይንቕልቀል ጽልኢ ቓል እግዚኣብሔር ጽልኢ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልገልታን ኣብ ልብና ኸም ዚሓድር ይገብር። ይትረፍ ከነንብቦ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድናን ኣብ ቤትናን ከም ዘይህሉ ይገብር። እንተ ተኻኢልዎ ድማ ነቶም ቃል እግዚኣብሔር ዚነግሩ ሓዋርያዊ ግቡኦም ኪፍጽሙ ዚጋደሉ ኣገልገልቲ ኽንቃወሞም፡ ክንቀትሎም’ውን ከይተረፈ ይደፋፋኣና። ኵላቶም ነብያትን ሓዋርያትን ብኸምዚ ዝበለ ሰይጣናዊ ድፍኢት’ዮም ሰማእታት ኰይኖም ዝሓለፉ። ንጐይታና’ውን ኣብ መስቀል ሰቒሎም ዝቐተልዎ፡ ቃል እግዚኣብሔር ስለ ዝሰበኸ’ምበር ገበን ኪፍጽም ስለ ዝረኸብዎ ኣይነበረን5።
እቲ ቓሉ ብዘበለ ኣቢሉ ኣብ ኣእዛንና እንተ በጽሓ ድማ ካብ ልብና ይምንጥሎ። ከምኡ ኺገብር እንተ ዘይከኣለ፡ ንቓሉ ኸይንእዘዝ ንልብና ኸም ከውሒ የትርሮ። ኣብ ልብና እሾዅ ዘሪኡ ድማ እቲ ኣብ ልብና እተዘርአ ቃላት ተሓኒቑ ከም ዘይፈሪ ይገብሮ። ነዚ ሓቂ’ዚ ጐይታና ብምስላኡ ብንጹር ገሊጹልና’ሎ6። እቶም ነዚ ዅሉ ፈተና ብዓወት ዝሓለፉ ኸም ጽቡቕ ግራት ዝዀነ ልቢ ዘለዎም ሰባት ግና፡ ነቲ ቓል ተኣዚዞም ብዙሕ ፍረ ይፈርዩ’ሞ ንኣምላኽ የኽብርዎ። ንርእሶም ድማ ኻብ ፍርዲን ጥፋኣትን ኣድሒኖም ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት የብቅዑ።
ከም ኣባጊዕ እንተ ዄንና ድምጾም ዜስምዑና፡ ከም ግራት እንተ ዄንና ድማ ዘርኦም ዚዘርኡልና ኽልተ ኣካላት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ክርስቶስ፡ እቲ ንእኡ ዚጻረር ክፉእ ዲያብሎስን’ዮም። እተን ሓቀኛታት ኣባጊዕ ድምጺ ናይቲ ክፉእ ጓሳ ኺሰምዓ ኸለዋ ኻብኡ ይገልባን ይሃድማን፡ ምኽንያቱ በቲ ኽፉእ ድምጹ ኣታሊሉ፡ ናብቲ ናይ ጥፍኣት ደምበ ኺሰርቀን ኣብ መወዳእታ ድማ ሓሪዱ ብኽፉእ ኬጥፍእን’ዩ ዚደሊ7። እቲ ሰይጣን ዜስምዐን ድምጺ ድማ ሓጢኣት ኪገብራ ዚዕድምን ዚደፋፍእን ድምጺ’ዩ። ሓጢኣት፡ ምቁር መርዚ’ዩ። ክትምንዝር፡ ንፍትወትካ ዜለዓዕል ስእለ-ጽዩፍ ክትዕዘብ፡ ኽትሰክር ክትዓብድ ከለኻ ስጋኻ ባህ ከም ዚብሎን ጥዑም ከም ዚስምዓካን ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። ቀታሊ መርዚ ስለ ዝዀነ ግን ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ዘለዓለማዊ ሞትን ስቓይን’ዩ። ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራሕ እትርኢ ዕዉር ሰብ እንተ ዘይኴንካ፡ ብጊዝያዊ ባህታ ተታሊልካ ዘለዓለማዊ ጥፍኣት እትመርጸሉ ምኽንያት የልቦን። ንድምጺ ናይቲ ሓቀኛ ጐይታ ሓዲግካ፡ ንድምጺ ናይቲ ኣቦ ሓሶት ዝዀነ ዲያብሎስ ክትእዘዝን ክትስዕብን እንተ መሪጽካ፡ ንክርስቶስ ከም ዘይእመን ሓሳዊ ጌርካ ብምርጫኻ ትጸርፎን ትኽሕዶን ስለ ዘለኻ፡ ኣበሳኻን ሳዕቤናቱን ተደራራቢ’ዩ ዚዀነካ። ስለዚ ነቲ ምርጫኻ ናይ ግድን ብብልህነት ክትመርጾ’ዩ ዚግባእ።
ንድምጺ ጓሳኻ ግና ብኸመይ ኢኻ እተለልዮ፧ ንሱኸ ብኸመይ’ዩ ዚዛረበካ፧ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ብብዙሕ መገዲ’ዩ ዚዛረብ። በቲ ጽሑፍ ቃሉ፡ በቶም ዚሰብኩ ልኡኻቱ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብዜጋጥሙኻ ኵነታት፡ በቲ ኣብ ልብኻ ዝሓደረ መንፈሱ፡ ሰባት ብዜቕርቡልካ ምኽሪ ወይ ጠለብ ወዘተ ኺዛረበካ ይኽእል’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድምጺ ናይ ኣምላኽ’ዩ። ስለዚ’ዩ ዅሉ ጊዜ ኸነንብቦ፡ ከነስተንትኖ፡ ብዛዕባኡ ድማ ኽንዛረብ እግዚኣብሔር ዝኣዘዘና8። ቃል እግዚኣብሔር፡ “እቲ ዜንብብ የስተውዕል’ዩ” ዚብለና9። እቲ ሓቀኛ ኣንባቢ ሓንሳብ ጥራሕ ዘይኰነ ክልተ ጊዜ’ዩ ዜንብብ። እቲ ቐዳማይ ንባቡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ንባቡ ድማ ብመንጽር’ቲ ዘንበቦ ቓል እግዚኣብሔር ንሕይወቱ ምንባብ (ምምርማር)’ዩ። እዚ ዳሕራይ ናይ ሕይወትካ ንባብ፡ ንድምጺ ጓሳኻ ከም ዝሰማዕካን ንለውጢ ትብገስ ከም ዘለኻን ዜረጋግጽ’ዩ። ስብከትን ትምህርትን ናይ ወንጌል ዝሰምዐ ዅሉ’ውን እናሰምዐ ኸሎን ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ጊዜን ብመንጽር’ቲ ዝሰምዖ ቓል ንሕይወቱ እንተ ዘይመርሚሩን መገዲ እንተ ዘየቕኒዑን፡ እቲ እኩይ ድያብሎስ ብልቡ ሓሊፉስ ንዅለን’ተን ዝሰምዐን ቃላት ለቒሙ ኸም ዝወሰደሉ ርጉጽ ነገር’ዩ።
እግዚኣብሔር ብመንፈሱ ኣብ ውሽጢ ልብና’ውን ይዛረበና’ዩ። እቲ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ጽቡቕ ክንገብር ዚዛረበና ሕማቕ ከይንገብር ድማ ዚዓግተና፡ ክንጋገ ከለና ድማ ዚወቅሰና፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሔር ድምጺ’ዩ። ገለ ሰብ ምስ በደለካ፡ እቲ “ጽልኣዮ፡ ሕነ ፍደዮ” ዚብል ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ዚህውኸና ድምጺ ናይቲ ጸላኢና ድምጺ’ዩ። እቲ “ተዓገሶ፡ ኣፍቅሮ፡ ሰናይ ግበረሉ” ዚብል ድምጺ ድማ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳና ድምጺ’ዩ። ኣባጊዕ ዲና ኣጣል ዚረጋገጽ ድማ በቲ እንሰምዖን እንእዘዞን ድምጺ’ዩ። ቃኤል ብሓዉ ኣቤል ምስ ቀንአ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘስምዖ ድምጺ ንዒቑ፡ ነቲ “ቅተሎ” ዚብል ሰይጣን ኪሰምዕ ምስ መረጸ፡ ቀታል ሓዉን ወዲ መርገምን ኰይኑ ድማ ተረፈ። ኣብ ሕይወትና ዜጋጥሙና ጽቡቕን ሕማቕን ኵነታት’ውን መልእኽትን ድምጽን ናይ ኣምላኽ ኰይኖም ዜገልግሉና’ዮም። ሕማም፡ ሞት፡ ሓዘን፡ ድኽነት፡ ባእሲ፡ ውግእ፡ ደርቂ ዝኣመሰሉ ሕሱማት ኵነታትን፡ ጥዕና፡ ሃብቲ፡ ውሉድ ምርካብ፡ ዕዙዝ ሰላም ወዘተ ዝኣመሰሉ ጥዑማት ኵነታት’ውን ትእዛዝን መልእኽትን ናይ ኣምላኽ ዜስምዑና ዅነታት’ዮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ንሕና በቲ ሕማቕ ኵነታት ዚመጽእ መልእኽቲ ጥራሕ እምበር፡ ነቲ ብጽቡቕ ዚመጽእ መልእኽቲ ኣይነድህበሉን ኢና። እቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ውሁብ ኵነታቱ ንድምጺ ኣምላኽ ኪሰምዖን ኬስተውዕሎን ኪእዘዞን ዝኸኣለ ሰብ፡ ብዅሉ ዅነታቱ ዕውትን ጻድቕን ኰይኑ ይወጽእ። እቲ ዘይሰምዕን ዘየስተውዕልን ሰብ ግና፡ ብተመሳሳሊ ዅነታት ዝበኣስ ወዲ ገሃነም ኰይኑ ይወጽእ።
እምበኣር ነቲ ኸየቛረጸ ብዝተፈላለየ መገድታት ድምጹን መልእኽቱን ሰሚዕና ብምእዛዝ ናይ ብሓቂ ኣባጊዑ ምዃንና ኸነረጋግጽ ይግብኣና። ነቲ ንድምጹ ብዘይ ምስማዕና ንጐይታና ዝበደልናሉ መዓልታት ብሓቀኛ ንስሓ ነሕውዮ። ካብዚ ዕለት’ዚ ጀሚርና ድማ ንድምጹ ተጠንቂቕና ብምልላይ ብተኣዝዞ ነኽብሮ። እግዚኣብሔር ከኣ ኣብታ ምድብቲ መዓልቲ ምጽኣት፡ በቲ ንሓደን ቅዱስን ወዱ ዘኽበረሉ ኽብሪ ኬኽብረና’ዩ!!
እቲ ወዲ ዘለዎ ሕይወት አላቶ። ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ታሕሳስ 25, 2013 ግዕዝ (3 ጥሪ 2021) - መበል 17 ሰንበት: ቊ.20(፳)0(፳) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል፡ |
ቅዳሴ፡ |
እብ 13፡16-ፍጻ |
1ጴጥ 2፡21-ፍጻ |
ግብ 11፡22-ፍጻ |
ዮሓ 10፡1-22 |
ዘእግዚእነ (ነአኵተከ) |
መዝ 79(80)፡1 “ኖላዊሆሙ ለእስራኤል አጽምዕ ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ” “ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።” |
1መዝ 85፡8-10 2ዮሃ 14፡26,27: 3መዝ 37፡37 4መዝ 112፡1,2፣ ኢሳ 61፡9፣ 66፡22፣ 55፡12: 5ማቴ 23፡29-39፣ ዮሃ 7፡14-19፣ 8፡37-47 6ማቴ 13፡1-23 7ዮሃ 10፡1,8,10: 8ዘዳ 6፡6-9 9ማቴ 24፡15
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ