ስምዒት ኣብ ደቂ ሰባት ሓደ ኣሉታዊ ባህሪ ኮይኑ፡ ንደቂ ሰባት ናብ ግዚያዊ ውሳኔን ተርባጽን ዝመርሕ
ኲነተ-ኣእምሮ እዩ። ደቂ ሰባት ብስምዒት ዝገብርዎን ዝውስንዎን ነገራት ፡ ንግዚኡ ዳኣ እምበር ብዛዕባ ንጽባሕ ከጋጥም ዝኽእል ሳዕቤናት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን፡ ብዛዕባ ትማሊ ዝሓለፈ ሕማቅ ወይ ጽቡቕ እውን ዘይሓስብ እዩ። ህድኣትን ምስትውዓልን ኣብዚ ህሞት’ዚ ፈጺመን ቦታ የብለንን። ንሕና ከም ክርስትያን መጠን ኣብ እምነትና ስምዒታውያን ዲና ርድኢታውያን ? ሓደ ካብቲ ኣዚና ከነስተብህለሉ ዝግብኣና ነገር እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ስምዒት ፍረ የብሉን፡ ስምዒታዊ ሰብ ከአ ኣብ እምነት ዘድምዖ የብሉን። እዚ ምስቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ ዘርኢ ኣብ መወዳእታ ግና ኣዕዋፍ መጺአን ዝመንጠለኦ ክንምስሎ ንኽእል፡ ከምኡ’ውን በቲ ኣብ እሾኽ ተተኺሉ እንተ ኮን ኣብ መወዳእታ በቲ እሾኽ ተሓኒቑ ብዘይ ፍረ ዝተረፈ ዘርኢ’ውን ክንምስሎ ንኽእል (ማቴ 13 )። በቲ ኢልካ በቲ፡ ብስሚዒት ዝተነድቀ ሰብ ኩሉ ሳዕ ኣብ ጌጋ እዩ ዝነብር።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ተማሃሮ፡መዘምራን፡...ወዘተ እንዳ ተባህሉ ዝጽውዑ እንተኮነ ንቃል ኣምላኽ ብግቡእ ስለ ዘየጽንዕዎ ብገለ ገለ ሰባት ዝበልዎም ዘረባ እንዳ ሰምዑ ንገለ “መናፍቕ” ፡ ነቲ ሕፍር ዝበልዎ ከኣ “ተሓድሶ” እንዳ በልካ ምጽዋዕ አብ ግዜና ዳርጋ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። እንተኮነ ጽሑፈይ ስለምንታይ ከምዚ ይብሉ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ኣብ ወንጌል “ስለ ስመይ ክጸርፍኩም ካብ ኣባይቶም እውን ከውጽኡኹምን እዮም” ዝብል ህያው ኣምላኻዊ ቃል ስለ ዘሎ (ማር 13፡9 / ዮሓ 16፡1-15)። ኣነ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ቀንዲ ነገር ግና፡ እቲ ዘሕዝን ኩነታት ስምዒት እዞም ሰባት እዩ፡ ምኽንያቱ ንነብሶም ከም ተሓለቕትን ተቃለስትን እዛ ቅድስቲ እምነት ጌሮም ስለ ዝወስድዋ እዩ። ካብ ትርጉማን ትሕዝቶ ናይዛ መናፍቕ ትብል ቃል ዝፈልጡ፡ ከድምጽዋ ጥራይ ስለ ዝህወኹ እዩ።
መናፍቕ እንብሎ ከመይ ዝበለ እዩ ? መዓስ ኢና’ከ ነዚ ክትብሎ ዘለና ፈላሊና ክነፈልጦ ኣለና (ግ.ሓ 24፡14 ርኣ)። መናፍቅ ማለት ተጠራጣሪ፡ ምሉእ እምነት ዘይብሉ ማለት እዩ። ኣብ እምነት ቅድስት ቤተክርስቲያንና ዘጠራጥር ናይ ክሕደት ምስ ዘምጽእ፡ በዚ ቅጽል ስም ንጽውዖ፡ እዚ እንብለሉ ግዜ ካኣ ብኣቦታት ቤተክርስቲያን ትምህርቱ ተረጋጊጹ ፡ትምህርቱ ጌጋ ኮይኑ ምስ ዝርከብ እሞ፡ ትምህርቱ ምስ ዝውገዝ እዩ። ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን በዚ ስም’ዚ ብዙሓት ተጸዊዖም እዮም ከም በዓል ኣርዮስ፡ መቅደንዮስ፡ ንስጥሮስ...ወዘተ። እዞም ሰባት’ዚኦም በዚ ቅጽል ክጽውዑ ዝጀመሩ ግና ትምህርቶም ተረጋጊጹ ካብ ቅድስት ቤተክርስትያን ምስ ተፈለዩን ምስ ተወገዙን ኢዩ። ክሳብ ሎሚ ድማ በዚ ስም’ዚ ይጽውዑ ኣለው።
እሞ እዞም ናይ ሎሚ ተማሃሮ ቤተክርስትያን ኣብ’ዚ ዘይክርስቲያናዊ መንገዲ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎ ጣልቃ እንዳ ኣተዉ። ንሓደ መናፍቅ፡ ንሓደ ተሃድሶ እንዳበሉ ዘጸልሙ፡ ኣብ ምንጎ ምእመናን ኦርቶዶክስ ሓድነትን ፍቅርን ተሪፉ ነንሓድሓዱ ክርሓሓቅ ዝገብሩ ዘለው ስለምንታይ እዩ? እቲ መልሲ ንጹር እዩ። ብሓቂ እዞም ሰባት እዚኦም ስምዒታውያን ምዃኖም እዩ ዘነጽረልና። እቲ ኣዝዩ ዝገርመኒ ከኣ ኣብ ገለ እዋን ሕልፍ ዝበለ ተርእዮ ክፍጽሙ ክርእዮም ከለኹ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም መንፈሳዊ ህይወቶም ኣብ ክንዲ ብርድኢትን ብምስትውዓልን ንቃል ኣምላኽ ዝሰብኩን ንህይወቶም ዘለማምዱን፡ ብስሚዒት ጥራሕ ስለ ዝምርሑ ኢዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ብኦሬንታል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተወገዘ ትምህርቲ እንዳ መሃሩ፡፡ ነቶም እዚ ጌጋ ትምህርቲ እዩ ኢሎም ንዝቃወምዎም ደቂ ቤተክርስትያን ድማ ተመሊሶም “ተሃድሶ” ኢሎም ክጸርፍዎም ከለው ኢዩ። እዚ ግን ንዘስተውዕል ሓደ ካብቲ መምዘኒ ጉድለት ኣብ መንፈሳዊ ህይቶም እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ብኣቦታት ቤተክርስቲያን ዝተወገዘ ትምህርቲ እንዳ መሃሩን፡ ናይ መናፍቅነት (ክሕደት) ትምህርቲ እንዳ ሰዓቡን፡ ንኻልእ ወዲ ቤተክርስቲያን ድማ መናፍቅ ወይ ተሃድሶ ክብሉ ፈጺሙ መሰል የብሎምን፡ እቲ ምንታይ’ሲ ናይ ሓዎም ሰርወ ከውጽኡ ቅድም ኣብ ዓይኖም ዘሎ ጉንዲ ከውጽኡ መንፈሳዊ ግዴታኦም ስለ ዝኾነ (ሉቃ 6፡42/ማቴ 7፡4)።
ብምስትውዓል እንተ ደኣ ተመልኪትና ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝለዓል ሕቶ ኣሎ። ንሱ ድማ እዚ ኩሉ ዘመተን፡ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ዝግበር ዘሎ ምግሃስን ፡ ስለምታይ እዩ ብብዝሒ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጋጥም ዘሎ ? ዝብል ሕቶ ንኩልና መልሲ ዘድልዮ ሕቶ እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ መንእሰያት ቅድስት ቤተክርስትያን (ኤርትራ) ዝእክቦም ሲኢኖም ካብ እምነት ዝወጹ፡ ገለውን እቲ ዝግበር ባእስን ዕግርግርን ርእዮም ካብ ኣብ ቤተክርስትያን ምውዓል ገዛ ምውዓል ዝመርጹ፡ ገለ ገለ ከኣ ተስፋ ሰኒቖም መንፈሳዊ ሕይወቶም ከይመርሑ ፡በዚ ኣብ ልዕሊ ቅድስት ቤተክርስቲያን ዝግበር ዘሎ ዘይመንፈሳዊ ምሕደራ ተሰናቢዶም ተስፋ ዝቆርጹ፡ ብቁጽሪ እንዳ በዝሑ ይመጽሉ ዘለውሉ እዋን እዩ (ኤር 23፡1-8 ኣንብብ)። እቲ ሓባራዊ መልሲ ኮይኑ ንረኽቦ ግና እታ ቀንዲ ንኣምላኽ ክንፈልጠላ፡ ህያው ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ክንመሃረላ፡ መንፈሳዊ ህይወትና ከነዕብየላ፡ ምስ ቅዱሳን ሕብረት ክንፈጥረላ ኢሎም ዝተጸግዕዋ ቤተክርስቲያን፡ ኣንፈታ ስሒታ ሕቖኣ ብምሃብ ብጽረ ሃይማኖት ዝኾኑ መራሕቲ ትመሓደር ምህላዋ እዩ። እዞም ጽረ ሃይማኖት መራሕቲ ንቅዱስ ንዋያታ ዝብትኑን ዘበላሽውን፡ ንመጻሕፍታ ብግህዶ ኣብ ቅድሚ ገለ ብስምዒት እምበር ብርድኢት ዘይጓዓዙ ስዓብቶም ዘቃጽሉን ዝብትኑን እዮም። ኣነ ኣብ ህይወተይ ከለኹ ካብ ዝሰማዕኩዎ፡ ንጉስ ዲድልቅሊጥያኖስ ንመጽሓፍ ቅዱስ የቃጽል ከም ዝነበረ እየ ተማሂረ ነይረ። ሕጂ ግን ብዓይነይ እቲ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ርኹስ መጽሓፍ እዩ እንዳ ተባህለ ክቃጸል ብምርኣየይ፡ ሓደ ካብቲ ዘሕዝነኒ ፍጻሜ እዩ።
ክርስትያን ተስፋ ኣይቆርጽን እዩ! ኢዩ ዝብለና እቲ ቅዱስ መጽሓፍ። በቲ ሓደ ወገን ርእይ እንተ ኣበልናዮ ግና እዚ ኩሉ መከራ ስለምንታይ ኢዩ፧ የብለና። ኣብ መወዳእታ ግና ንሓደ ካብ ቃላት ጎይታ የዘኻኽረና “ዓለም ንዓይ ጸሊኣትኒ እያ ስለዚ ነቲ ንዓይ ዝስዕብ’ውን ክትጸልኦ እያ” (ዮሓ 17፡1-)። ኣስተውዕል እዚ ኩሉ መከራ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ “እዚ ቀልጢፉ ዝሓልፍ ፈኲስ ዝኾነ ጸበባ ፤ ካብ ኩሉ ዝበልጽን መዘና ዜብሉን ዘለዓለማዊ ክብሪ የጥርየልና ኣሎ (2 ቆሮ 4፡17)” ስለዚ ኣብ ሓቀኛ እምነት ብምህላውና እዚ ኩሉ መከራ ክበጽሓና ይኽእል እዩ (ብግዳም እኳ እንተ ማህመንና ብውሽጥስ ኣብ ጸጽባሕ ኢና ንሕደስ 2 ቆሮ 4፡16)። እቲ ዝገርም ግን እታ ካብ እዋን ንጉስ ኔሮን ጀሚራ ክሳብ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለው ጸረ-ሃይማኖት መራሕቲ (ኮሙኒስታውያን) ትግፋዕ ዘላ ቅድስት ቤተክርስትያን ክሳብ ምጽኣት ክርስቶስ እምንቲ ኮይና ክትርከብ ሙኻና ምንም ጥርጥር የብልናን። ነዚ ጉዳይ’ዚ መሪር ዝገብሮ እንተ ሃልዩ ግና ሎሚ ቅድስት ቤተክርስትያን በቶም ስምዒታውታውያን ዝኾኑ ደቃ ትፍተን ምህላዋ እዩ።
መደምደምታ
ክቡራት ህዝበ ክርስትያን ንሕና ዝተጸዋዕና ንቃል ክርስቶስ ብርድኢትን ብምስትውዓልን ደኣ እምበር ብስምዒት ክንስዕብ ኣይተጸዋዕናን፡ ኣብ ጉዕዞ ክርስትና እንታይ ክንገብር? ንመን ንስዕብ፡ ብኸመይ? ነዚ ኩሉ ክድግፈና ክመርሓና ዝኽእል ጸጋን ሓይልን ካበይ ንረኽቦ ? መሚና ክንፈልጥ ግዴታና እዩ። ስለዚ ንኹሉ ሕቶና መልሲ ዝህብ፡ ታሪኽ ህይወትና ቀይሩ ኣብ ቤቱ ብምሕረቱ ከንብረና ዝኽእል፡ ካብ ጸጋኡ ተኻፈልቲ ብሙኻን ሰማያዊ ርስቲ ክንወርስ መሰል ዝሃበና፡ ንዝመጸና ኩሉ እኩይ ብስሙ ክንስዕሮ: ሓይልን ስልጣንን ዝዓደለና ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ: ብርድኢት ክንስዕቦ እንተ ደኣ ኮይና፡ በቲ ዝሃበና ቃሉ ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ክንምራሕ ይግባኣና። እሞ በሉ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከም ክርስቲያን መጠን ነተግብረን ዶ?
ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ......
“መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና ኣምላኽ ንዓና ይዛረበና ፡ ክንጽሊ ከለና ድማ ንሕና ንኣምላኽ ንዛረቦ”
1. እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ምዕራፍ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ ዶ ?
2. መንፈሳዊ መጻሕፍትን ስነ-ጽሑፍትን ነንብብ ዶ ?
3. ናብ ዝተፈላለዩ ቅዱሳት ቦታታት ( ገዳማት ) ብምኻድ ነቦታት ብምሕታት ንምሃር ዶ ?
4. ዝጀመርናዮ ግላዊ ጸሎት ፡ ናይ ስድራቤት ጸሎት ፡ ሓባራዊ ጸሎት ንቅጽሎ ዶ ?
5. ህይወትና ብንስሓ ሓጺብና ካብ ስጋን ደምን ወልደ እግዚኣብሔር ንቅበል ዶ ?
6. ከም ቅዱስ ዮሴፍ ካብ ናይ ሓጢኣት ቦታ ንእለ / ንሃድም ዶ ?
7. ንክርስትና ህይወትና ከዐንቅፈና / ክጎድኣና ካብ ዝኽእል ናይ ተለቪዥን / ኢንተርኔት መደባት ካብ ምርኣይ ንቑጠብ ዶ ?
8. ከይንዕበ እሞ ከይንወድቅ እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ዝሃበና ክእለት (ምዝማር፡ምስባኽ፡ መጻሕፍቲ ምጽሓፍ.....) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ውህብቶና ብትሕትና ዶ ንጥቀመሉ ኣሎና ?
9. ኣብ ሓጥኣት ኣብ ንወድቀሉ ግዜ ቀልጢፍና ንንሳሕ ዶ ? ካብ ዝወደቅናዮ ተጣዒስና ንሓጥኣትና ብደም ጎይታ ብምሕጻብ ፡ንኢየሱስ ክርስቶስ ምስዓብ ንቕጽሎ ዶ ?
መልስና እወ ክኸውን ግድነት ስለ ዝኾነ፡ በዚ መንገዲ’ዚ እንተ ዳኣ ተመላሊስና ፡ሃይማኖት ብስምዒት ዶ ብርድኢት ? ዝብል ሕቶና መልሱ ብርድኢት ክኸውን እዩ። ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከኣ ደጊምና ንመልከት በሉ።
1. መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይተረዲእካዮ .............................ማለት ............ሓሳብን ዕላማን ኣምላኽ ዘይምስትውዓል
2. ድሕነትን መንገድታቱን እንተዘይፈሊጥካዮ .....................ማለት............ብጸጋ ጎይታና የሱስ
3. ኣብ ህይወትካ ንሰይጣን ዕድል ትህብ እንተኮንካ.............ማለት.......... .ካብ ፍቃድ ኣምላኽ ምስትወጽእ
4. ኣብ ሓቂ ምስ ዘይትጸንዕ ................................................ማለት ....... ግዙእ ናይ ድያብሎ ምስትኸውን
5. ንዝመጸካ መንፈሳዊ ፈተና ምስዘይትዕገስ...........................ማለት.........ኣምላኽካ ምስ ትኽሕድ
6. ጣዕምን መቀረትን ናይ ኣምላኽ እንተ ዘይፈሊጥካ.............ማለት.......ዘይትንሳሕ፡ዘይትጽሊ፡ዘይተመስግን፡ዘይትቅበል.....
ናይዘን 6ተ ተጠቂሰን ዘለዋ ሰዓቢ እንተ ኮንካ/ኪ ? እግዚኣብሔር ብምሕረት ዝተመልአ ምድሓን ናይኩሉ ሰብ ዝደሊ ፈቃር ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ብንስሓ ክትምለስ፡ ንእግዚኣብሔር ድማ ብርዲኢትን ብምስትውዓልን ከተምልኾ እግዚኣብሔር ይጽውዕ ኣሎ።
እግዚኣብሔር እምነትና ብምስትውዓልን ብርድኢትን ከነምልኾ ጸጋኡን ፍቅሩን ይዓድለና።
ጸጋ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩሉኹም ይኹን !!! ኣሜን
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ