S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቶም ዓቢይ ኦርቶዶክሳዊ ሊቅ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ዓሪፎም

ሕጂ ድማ እቶም ዓቢይ ኦርቶዶክሳዊ ሊቅ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ ዓሪፎም ዝብል መርድእ ይስማዕ ኣሎ። ሓቂ ንኸይከውን እዝንና ዓጺናን ዓይንና ዓሚትናን ከነሕልፎ እንተ ንኽእል ክንደይኮን ደስ ምበለና!! ከም ትምኒትና ክኾነልና ግን ዝኽእል ኣይኮነን። እቶም ዓቢይ ሊቅ ሓሊፎም እዮም። ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዘሎ ህልው ኵነታት ክጻወርዎ ስለዘይከኣሉ፡ ገዲፎሞ ክኸዱ መሪጾም።

እዚ መርድእ’ዚ ክዳን ዘቕድድን ርእሲ ዘንጽን መሪር መርድእ እዩ። እቲ ደምበ ተዋህዶና ብሞት መም. ዓምደብርሃን ዝወረዶ ሓዘን ገና ከይተጸናንንዐ ከሎ፡ ሕጂ ድማ እንሆ እቶም መተካእታ ዘይተረኽቦም ሊቀ-ሊቃውንቲ ዝኾኑ መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ መባእ ዓሪፎም ተባሂሉ ይንገረና ኣሎ። ዋይ! ዋይ! እናበልና ከነልቅስ እንተ ዘይኮንና፡ ክግበር ዝከኣል ነገር የልቦን። ቤተ ክርስቲያንና ግን ክልተ ብሉጻትን ምሩጻትን ደቃ ስለዘጥፍአት መጸናንዒ ዘይርከቦ መሪር ሓዘን እዩ። ናይ ክልቲኦም ሞት ምግጣሙ ድማ ነቲ ሓዘን መሪርን ከቢድን ይገብሮ። ከምዚ ዝመሰለ ክርከብ ከሎ ድማ’ዩ ‘’ንበዓል ነጎዳ ብሓዊ ተኩሶ’’ ዝበሃል። ምጽንናዕ ዘይብሉ ሓዘን’ዩ እንተ ተባህለ’ውን ምግናን ኣይኮነን።  ብዝተረፈ ሰብ ከም ሰብ መጠን ኵሉ ሓደ’ዩ እኳ እንተ ተባህለ፡ ኣብ ዓይነት መጺእካ ክዝረብ ከሎ ግን፡ ኵሉ ሰብ ሓደ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ ‘‘ካብ ሰብ ኣውራ ካብ ዑፍ ጉራ’’ ኣይምተባህለን። ብዓይነት ዝምረጹ ዓቢይ ሊቅ ስለዝጠፍኡና ከኣ ኢና፡ ቁስልና ተጎዲእና ንቝንዞን ንሳቐን ዘሎና። ብዝተረፈ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ሞይቶም ምባል፡ ነቲ ብምኽንያት ሞቶም ዝኽተል ሳዕቤን ምሉእ ብምሉእ ዘይገልጾ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ’ውን ዓንዲ ፈሪሱ!! ወይ ኮኸብ ወዲቑ!! ኢልካ ክግለጽ ምግናን ኣይኮነን።

መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ መወዳድርቲ ዘይነበሮም፡ መወዳድርቲ’ውን ዘይርከቦም ዓቢይ ሊቅ ከምዝነበሩ ዘይፈልጥ ውሉደ-ክህነት የልቦን። ትርጉምን ምሥጢራት ቅዱሳት መጻሕፍትን ብምፍላጥ’ውን ቅድሚኦም ክስራዕ ዝኽእል ዋላ ሓደ ኣይነበረን። መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ፡ ተቐዲሑ ከምዘይነጽፍ ቀላይን ተነቢቡ ከምዘይውዳእ መጽሓፍን ስለዝነበሩ፡ ዋላ ሓደ ክትክኦ ይኽእል’ዩ ዘይበሃል ሃጓፍ ቦታ ሓዲጎም’ዮም ዝኸዱ ዘለዉ። እዚ ሓዘን’ዚ ከኣ ነቶም ሰብ ግዜ ኮይኖም ዘሽካዕልሉ ዘለዉ ደኣ ኣይግድሶምን ይኸውን እምበር፡ ንደምበ-ተዋህዶናስ መጸናንዒ ዘይርከቦ ሓዘን እዩ።

 

ብዝተረፈ መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ ብኽብሪ ክተሓዙ ዝግብኦም ዓቢይ ሊቅ እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ብዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝምራሕ ዘሎ ሊቃውንቲ ዝሓሰሩሉ ደምበ ግን፡ ብዛዕብኦም ክግደስ ዝተራእየሉ ግዜ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ንመጋቤ-ምሥጢር ቁውም-ነገር ኢሉ’ውን ዝሓሰቦም ኣይነበረን። ካልእ ይትረፍ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያረክ ብብዝሒ መካይን ተጻቢቡ እናተራእየ ከሎ፡ እሞኸኣ ዋላ ሓንቲ ሞያ ይዓብሱ’ዮም ዘይበሃሉ ሰባት፡ ማኪናን መራሕ-ማኪናን ተመዲቡሎም እናሃለወ ከሎ፡ እቶም ዓቢይ መምህር ግን፡ ምስቲ ኵሉ ሊቅነቶም ዝዝክሮም ኮነ ኣብ ግምት ዘእትዎም ኣይተረኽበን። ተመሪሖም ዝኸዱ ዓይነ-ስዉርን ብዋሕዲ ጥዕና ዝተሃስየ ሰውነትን እኳ እንተነበሮም፡ እቶም ኣብቲ ደምበ ዘለዉ ፈሪሳውያን ግን፡ ብዛዕባ ጥዕና’ቶም ዓቢይን ክቡርን ሊቅ ሓሲቦሞ’ውን ኣይፈልጡን።

 

 

መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ ቃል-ወንጌል ክሰብኩ ከለዉ፡ እጹብ ድንቂ ዘብል ጸጋ ክእለት’ዩ ነይርዎም። እቲ ዝገልጽዎ ምሥጢርን ጣዕሚ ቃላቶ’ውን ተሰሚዑ ዝጽገብ ኣይነበረን። እግዚኣብሔር ኣማሊኡ ስለ ዝሃቦም’ውን እቲ ካብ ኣንደበቶም ዝወጽእ ቃላት፡ ከም መዓር-ወለላ ተበሊዑ ዝጽገብ ኣይነበረን። እንተኾነ ምስቲ ዅሉ ዝነበሮም ሊቅነት ርእሶም ኣትሒቶም ብትሕትና ዝመላለሱ ደኣምበር ፡ መጠን ሊቅነቶም ክጥመቱ ተመንዮም እውን ኣይፈልጡን። ብቀለሞም ጥራይ ዘይኮነ ብተግባር’ውን ብኣብነት ዝጥቀሱ መምህር እዮም ነይሮም። ብልቦናን ብትሕትናን ዝፍለጥ ወረጃ ጠባይን ባህርያትን ከም ዝነበሮም’ዩ ከኣ እቲ ብዛዕባኦም ክንገር ዝኽእል።

 

 

ንመጋቤ-ምሥጢር ብቐረባ ክፈልጥዎም ዕድል ካብ ዝገበሩ ሓደ ኣነ’የ። ምስኦም ሰሪሐ ምስኦም’ውን ኣዕሊለ። ተማሃራዮም ክኸውን ዘይበቅዕ ክነሰይ ኣብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ኮሚተታት ሓቢረዮም ሰሪሐ እየ። ናይቲ ኵሉ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያንና ዝነበሮም ቃንዛን ስቓይን’ውን ምስኦም ተኻፋሊ ነይረ እየ። መጋቤ-ምሥጢር ብጉዳይ ሃይማኖት ተዋህዶ ዝነበሮም ሓዘንን ጓህን ብዙሕ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ቃንዛ ይውሕጥዎ እምበር የተንፍስዎ ኣይነበሩን። ብጸሎት ደኣ ምስ እግዚኣብሔር ንዛረብ እምበር፡ ንሰብ ምጥማት ፍታሕ ኣየምጽእን እዩ ዝብል እምነት’ዩ ነይርዎም። ኣብ ፈርሲ ዓዕ! ከምዝበሃል ደኣ ኮይኑ እምበር፡ ብዛዕባ መጋቤ-ምሥጢር ክዛረቡ ካብ ዝኽእሉስ ሓደ ኣነየ።

 

 

ብዝተፈልየ ኣብ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃንን መጽሔት ብሥራተ ግዕዛንን ሓቢርና ሰሪሕና ኢና። ልቢ ይጹሮ ክበሃል እንተዘይኮይኑ፡ ብኽንደይ ፈተና ዘይተሓልፈ። ኣብቲ ኵሉ ጸበባን መከራን መጋቤ-ምሥጢር ነይሮም እዮም። ክመሻኸኑ ወይ ጎይታይ እምበይተይ ክብሉ ግን ተሰሚዖም ኣይፈልጡን። ትብዓት ዝመልኦ ረዚን ልቢ ስለዝነበሮም፡ ንዘረባ ዝህወኹ ዓይነት ሰብ ኣይነበሩን። ስለዝኾነ’ውን ነቲ በብግዚኡ ዘጋጥም ዝነበረ ፈተናታት ንምስጋር፡ ናይ መጋቤ-ምሥጢር ተሳትፎ ኣገዳስን ወሳንን እዩ ነይሩ።

 

 

ስለዝኾነ’ውን መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ በቲ ዝነበሮም ናይ ሊቅነት ሞያ፡ ልዕሊ ኵሉን ቅድሚ ኵሉን ክሥርዑ ዝግብኦም ሊቅ ምዃኖም ክንነግረሎም ብሕሊና ትሑዛት ኢና። ብዝተረፈ ኣብ ዝኾነ ንሶም ዝርከብዎ ጉባኤ፡ መጽሓፍ-ቅዱስ ምውካስ ዘድልዮ ጉዳይ ክርከብ ከሎ ኮምፒዩተር ምጥቃም የድሊ ኣይነበረን። ከመይሲ መጋቤ-ምሥጢር ባዕሎም ኮምፒዩተር እዮም ኔሮም። ኣብ ዝኾነ ግዜ ምዕራፍን ቍጽርን ክድለ ከሎ፡ ኣበይ ከምዝርከብ ቅድሚ መጋቤ-ምሥጢር ክዛረብ ዝኽእል ኣይነበረን። ብሉይን ሓዲስን መጻሕፍቲ ትውፊትን ኣብ ልቦም ዝተጻሕፉን ኣብ ርእሶም ዝተቐመጡን እዮም ነይሮም ክበሃል ይከኣል።

 

 

መጋቤ-ምሥጢር ከም መርዓት-ዓይኒ ብብዙሕ ጥንቃቐን ክንክንን ክተሓዙ ዝግብኦም ሊቅ እዮም ኔሮም። ኣብቲ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ዝነገሠሉ ሊቃውንቲ ዘይከብሩሉ ደምበ ግን፡ ሓደ ተራ ሰብ‘ዮም ነይሮም ክበሃል ይከኣል። ደፊኦም ደፊኦም’ውን ወሰን ከምዝሰፍሩ ጌሮሞም። ብዝተረፈ መጋቤ-ምሥጢር ብሕዱር ሕማም ካብ ዝሳቐዩ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ብሕሳብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ሃገር ከይዶም እንተተሓከሙ’ውን ዘይግብኦም ኣይነበረን። ከመይሲ ንዝኾነ ሞያ ይዓብሱ’ዮም ዘይበሃሉ ሰባት፡ ምሕካም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሆቴላት ኤውሮጳ መጺኦም፡ ጠንቀላላዕ ክብሉ ዝተራእይሉ ግዜ ውሑድ ኣይኮነን። ንመጋቤ-ምሥጢር ግን እዚ ዅሉ ከምዘይምልከቶም’ዩ ተወሲዱ።

 

 

ርግጽ’ዩ ኵነታት ጥዕና መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ፡ ንዮፍታሔን ነቲ ንሱ ዝመርሖ ሲኖዶስን ዝግድሶም ኣይነበረን። ንብዙሓት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ግና ከተሓሳስቦም ጸኒሑ እዩ። ከመይሲ እቲ ኵሉ ፍልጠቶም ዝወርሶ ስኢኑ ተማሊኦሞ ከይከዱ፡ ፍርሂ ኣይጸንሓን ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ’ውን መጻሕፍቲ ክጽሕፉ ብዙሕ’ዩ ትጽቢት ተገይሩሎም። ዮፍታሔን ሲኖዶሱን ግን መጻሕፍቲ ይጸሓፍ ኣይጸሓፍ ዝግድሶም ኣይኮነን።

 

 

እቲ ደምበ መንበረ-ፓትርያረክ ንቁውም-ነገር ተስፋ ዝግበሮ እኳ እንተዘይነበረ፡ ብናቶም ተበግሶ መጋቤ-ምሥጢር ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ንመጀመርታ ግዜ፡ ‘‘ኣንድም’’ ኢሎም ሓዲስ-ኪዳን ክትርጉሙ ክኢሎም እዮም። እዚ ትርጉም’ዚ ከኣ ንቤተ ክርስቲያንና ዓቢይ ዓወት እዩ ነይሩ። ተሓቲሙ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ብምባል’ውን ነቲ ብዮፍታሔ ዝምራሕ ሲኖዶስ ከም ዝቐረበሉ ይፍለጥ። እቲ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘይውክል ሲኖዶስ ግን፡ ነቲ መጽሓፍ ከሕትሞ ፍቓደኛ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ንኸይበጽሕ ዝተኣገደ መጻሕፍቲ ግና፡ ብዙሕ ገንዘብ ንብላሽ ከምዝባኽን ተገይሩ እዩ። ዒራ ሓታቲ ዘይብሉ ገንዘብ ቤተ ክርስቲያን!!

 

 

ስለዝኾነ ድማ መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ፡ እቲ ኵሉ ተቐዲሑ ዘይውዳእ ፍልጠቶም፡ ብምልኡን ብሕቱሙን ተማሊኦሞ ምኻዶም ክዝከር ከሎ፡ ዋይ! ኢልካ ዘየብክን ዘየንብዕን ኣይኮነን። ብብኽያትን ልቕሶን ግን ዝምለስ ነገር የልቦን። መጋቤ-ምሥጢር ክንበቡ ዝግብኦም መጽሓፍ እዮም ነይሮም። ሳላ ዮፍታሔ ግን ኵሉ ኣይተረኽበን። ስለዝኾነውን እቶም ኣብ ብምልኡ ደምበ ተዋህዶባ ዝጸንሑ እንኮ ሊቅ ንሶም እዮም ነይሮም። መጻሕፍቲ ከይጸሓፉን ደቀ-መዛሙርቲ ከይተክኡን ምኻዶም ግና፡ ንቤተ ክርስቲያንና ከም ዘይወለደት መኻን ዝገብራ ዘሕዝን ፍጻሜ እዩ።

መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ ብጀካ ሰባኽ-ወንጌል ብምዃን ክፍጽምዎ ዝጸንሑ ኣገልግሎት ንጉባኤ ሊቃውንቲ’ውን ብሊቀ-መንበርነት ክመርሑ ጸኒሖም እዮም። ንሶም ዘይተሳተፍዎ መንፈሳዊ ኮሚቴታት’ውን ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ብዙሕ ዓበይትን ኣገደስትን ጉዳያት’ውን ቅድሚ መጋቤ-ምሥጢር ሓሳቡ ክህብ ዝጽዋዕ ካልእ ሰብ ኣይነበረን። ሕጂ ግና ከተመ ኮይኑ ኵሉ ተወዲኡ። መብራህትና’ውን የሎኹን ኣቢሎም። እንታይ’ሲ ይገበር ሊቃውንቲ ዘይከብሩሉ ደምበ!!

መጋቤ-ምሥጢር ሓሚሞም ከምዝሞቱ’ዩ ዝንገር ዘሎ። ሕማሞም ግን ሕማም ቤተ- ክርስቲያን እምበር፡ ካልእ ሕማም ኣይኮነን። በቲ ብቐጻሊ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት ሕጊ፡ እህህ……? ብምባል ክሳቐዩ ምጽንሖም ንፈልጥ ኢና። እዚ ጓሂ’ዚ ዝፈጠሮ ሕዱር ሕማም ከኣ’ዩ ክሳብ ሞት ከብጽሖም ዝኸኣለ። ብርግጽ‘ውን እቲ ብልሽው ኣሰራርሓ ዝጽየፍ ባህርያቶም፡ ነቲ ሕጊ ጥሒስካን ሕጊ ረጊጽካን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ክፍጸም ዝጸንሐ ዕንወት ክጻወሮ ከምዘይከኣለ ንፈልጥ ኢና። ብዝተፈልየ እቲ ቤተ-ክርስቲያን ብሓደ ተራ ጭዋ ክትምራሕ ዝገበረ ውሳኔ ጳጳሳት፡ ኣኺሉ ክሳብ ዝተርፍ ከምዝሳቐዮም ኣረጋጊጽና ንፈልጥ ኢና። ናይ ሕማሞም ኮነ ናይ ሞቶም ጠንቂ’ውን እዚ እዩ።

ብዝተረፈ መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ ኣብ ዓለም እናነበሩ፡ ካብ ዓለም ዝተፈልየ ብቅድስና ዝተመርሐ ሕይወት’ዩ ነይርዎም። ከመይሲ ወንጌል ይሰብኩዎ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ይነብርዎ’ዮም ነይሮም ክበሃል ይከኣል። ብኣብነት ዝጥቀሱ ዓቢይ መምህር ምንባሮም’ውን ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ስለዝኾነ’ውን እቲ ደምበ-ተዋህዶና ክንዲ መጋቤ-ምሥጢር ዝኣኽሉ ኸቢድን ረዚንን መምህር ከጥፍእ ከሎ፡ ሓደ መተካእታ ዘይብሉ ክቡር ቅርሲ’ዩ ዘጠፍእ ዘሎ’ሞ፡ ነቲ ሓዘን ካብ ዘኽብዶ ምኽንያት ሓደ እዚ’ዩ።

 ክቡር መጋቤ ምሥጢር!

ካብ ሞት ከነትርፈኩም ንኽእል እንተ ንኸውንሲ፡ ምእንታኹም ክንደይ ዋጋ ዘይምኸፈልና። ወርቅን ብሩርን ግን ዋጋ ሞት ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ’ውን ብንብዓት ካብ ምፍናው ሓሊፍና ክንገብሮ ንኽእል ነገር የልቦን። ይኹን እምበር እቲ እግዚኣብሔር ክሰምዖ ዝደሊ ቋንቋ፡ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ንስኹም ስለትፈልጥዎ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣይጠዓማን ዘሎ ኢልኩም ክትነግሩ ሓደራ ትበሃሉ ኣሎኹም። ብዝተረፈ በዓል ኣባ ተኽለማርያም ተስፋልደት, መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ ገብረሚካኤል, መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያም ቀዲሞሙኹም ኣብኡ ስለዘለዉ፡ እቲ ስቓይን ቃንዛን ገና ይቕጽል ከምዘሎ ንገርዎም ኢኹም። ጸሎትኩም የድልየና ኣሎ ድማ በልዎም። ንስኹም’ውን ኣብ ጸሎትኩም ዘክሩና። ብዝተረፈ እግዚኣብሔር ኣብ መንግሥቱ ከምዝቕበለኩም እምነትና እዩ። ንኽብርቲ በዓልቲ ቤትኩም ድማ ጽንዓቱ ይሃበን።

ዲያቆን ተኽለማርያም ምርካጽዮን
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div