
“ነቲ ብእኡ ዚኣምን ኣይኪፍረዶን’ዩ፡ ነቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና ብሓደ ወዱ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ’ዩ። እቲ ፍርዲ ኸኣ እዚ’ዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ምኽንያቱ እቲ ኽፉእ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለጽ ብርሃን ይጸልእ’ምበር፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን’ዩ። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ከም ትእዛዝ ኣምላኽ ስለ ዝገበረ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ ናብ ብርሃን’ዩ ዚመጽእ።” ዮሃ 3፡18-21 ካ.ት
“ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከኣ ጐይታና ናይ’ቶም ገላዉ መጺኡ ምሳኣቶም ኪጸባጸብ ጀመረ፡ እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ኸኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሃብካኒ፡ እንሆ ድማ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ’ እናበለ ኻልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽአ፡ ጐይታኡ ድማ፡ ‘ጽቡቕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ’የ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተው።’ በሎ።” ማቴ 25፡19-21 ካ.ት (መዝ 12፡1)
“ሓደ’ኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ‘ኣነ ክርስቶስ’የ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጽ’ዮም፡ ንብዙሓት’ውን ኬስሕቱ’ዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ኣስተውዕሉ፡ (ግናኸ) ኣይትሰምብዱ። እዚ ዅሉ ኪኸውን ናይ ግድን’ዩ። እንተ ዀነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኰነን። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ’ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺለዓል’ዩ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ከኣ (ጥምየትን ፌራን) ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን’ዩ። እዚ ዅሉ መጀመርታ ቕልውላው’ዩ።” ማቴ 24፡4-8 ካ.ት
“እምበኣርስ ንኣምላኽ ተገዝእዎ፡ ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ’ሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም’ዩ።"ያእ 4፡7።
“ንድኻ ዚሓልየሉ ሰብ ብጹእ’ዩ። እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሄር ይሕልዎ፡ ብህይወት’ውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን፡ ናብ ፍቓድ ጸላእቱ (ኣሕሊፉ ኣይህቦን’ዩ)። ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ይድግፎ፡ ንስኻ (ኣብ ጊዜ) ሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። ‘ጐይታየ፡ በዲለካ’የ’ሞ፡ ምሓረኒ፡ ንነፍሰይ ኣሕውያ’ በልኩ።” መዝ 41፡1-4
“ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ምንዝርናን ኽትርሕቁን’ዩ። ከም’ቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ (ኣረማውያን) ኣህዛብ ድማ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ። . . . ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘስማዕናኩምን፡ ናይ’ዚ ዅሉ ነገራት’ዚ ፈዳይ ሕነ ኣምላኽ’ዩ። (ምኽንያቱ) ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር’ዩ ጸዊዑና። እምበኣር እቲ ነዚ ዘይቅበል፡ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዚህበኩም ኣምላኽ’ምበርን ንሰብ ኣይኰነን ምቕባል ዚኣብይ ዘሎ።” 1ተሰ 4፡3,5-8 ካ.ት
“ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር፡ ርስቶስ ሓራ ኣውጺኡና’ዩ። ስለ’ዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ’ውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። . . . ኣሕዋተይ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም። እንተ ዀነ ንሓድሕድኩም ደኣ ብፍቕሪ ተገዛዝኡ’ምበር፡ ነዚ ሓርነትኩምሲ ንሓጢኣት ምኽንያት ኣይትግበርዎ።”ገላ 5፡1,13 ካ.ት
“ (ክርስቶስ) ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ተሓርየ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኻትኩም ተገልጸ። ንስኻትኩም እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ (ንክርስቶስ) ካብ ምውታት ዘተንስኦ፡ ክብሪ’ውን ዝሃቦ ኣምላኽ ኣመንኩም።”1ጴጥ 1፡20,21 ካ.ት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ