“ኦ ኣቦ! ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ከም’ቲ ንስኻ ኣባይ ዘለኻ፡ ኣነ’ውን ኣባኻ፡ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና (ሓደ)ኣ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን ኣለኹ። ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ንሳቶም’ውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነቲ ዝሃብካኒ ሃብክዎም። እዚ (ዝገበርኩ) ድማ፡ ከም’ቲ ኣነ ኣብኣቶም ንስኻ’ውን ኣባይ ዝዀንካ፡ ንሳቶም’ውን ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኪዀኑ . . .’ዩ።” ዮሃ 17፡21-23 ካ.ት
“ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኺረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ’ዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፡15,16
“ኣነ’ኳ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ ግዲ የብለይን። ንገዛእ ርእሰይ’ውን ኣይፈርድን’የ። ሕልናይ ኣይወቕሰንን’ዩ፡ በዚ ግና ጻድቕ’የ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዚፈርደኒ ኣምላኽ’ዩ።” 1ቈረ 4፡3,4 ካ.ት
“ስለ’ዚ ኸም’ቲ ኣካላዊ ሞት ብሓደ ሰብ [ብኣዳም] ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ሙታን [ብክርስቶስ] ብሓደ ሰብ’ዩ ዝመጸ። ከም’ቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ’ዮም። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ’ዩ፡ ቅድም ክርስቶስ፡ ደሓር ከኣ ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ፡ እቶም ናይ ክርስቶስ [ዝዀኑ ክርስትያን]።” 1ቈረ 15፡21-23 ካ.ት
“ሕጂ ድማ፡ ኦ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም’ቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶም’ውን ሓወዩ።” ግብ 4፡29,30 ፣ 5፡12,16
“ሕጂ ድማ፡ ኦ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም’ቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶም’ውን ሓወዩ።” ግብ 4፡29,30 ፣ 5፡12,16
“ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። .... እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ፡ ንሱ ኸኣ ካባኻትኩም ኪሃድም’ዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ’ውን ኪቐርበኩም’ዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ’ውን ልብኹም ኣንጽሁ።” ያእ 4፡6-8 ካ.ት
“እቶም ግቡዛት፡ ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ’ዮም’ሞ፡ ክትጾሙ ኸሎኹም ከምኣቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ።” ማቴ 6፡16 ካ.ት።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ