
“ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ’ምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዛዝኩምዋን፡ ግብዝና ንዜይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ።” 1ጴጥ 1፡22,23(ገላ 5፡7,8)
“ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ “ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደልይ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል’ሞ ይስዓበኒ። ንህይወቱ ኼድሕና ዚደልይ ኼጥፍኣ’ዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና’ዩ።” (ማር 8፡34,35) 2ቈረ 5፡15
“እምበኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብ’ውን ይዕገስ’ዩ። ንስኻትኩም ከኣ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ’ዩ’ሞ ተዓገሱ፡ ልብኹም’ውን ኣጽንዑ።” ያእ 5፡7,8
“ንጽባሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ . . . ደው ኢሉ ነበረ፡ ንኢየሱስ ኪሓልፍ ከሎ ረኣዮ’ሞ፡ ‘እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ’ በለ። እቶም (ክልተ) ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ (መምህሮም) እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንኢየሱስ ሰዓብዎ። ኢየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ይስዕብዎ ኸም ዘለዉ ርእዩ፡ ‘እንታይ ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘መምህር፡ ኣበይ’ዩ ሰፈርካ፧’ በልዎ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ንዑ ርኣዮ” በሎም። ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዓብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሕው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ።” ዮሃ 1፡35-39
“ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ድሮ ትፈልጥዎ ኢኹም፡ እምበኣር፡ ብስሕተት ናይ’ቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብ’ቲ ጽኑዕ መሰረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ። ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን (ፍልጠትን) ግና ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ፡ ኣሜን።” 2ጴጥ 3፡17,18 ካ.ት
““ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ’ታ ቝመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ፡ ንምንታይ ደኣ ብኻልእ እትጭነቑ፧” ሉቃ 12፡25-26
“ነቲ ኽብሪ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ’ዩ (ኣምላኽ) ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም፡ ደጊም ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ’ሞ፡ ነቲ ብቓልና ወይ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርቲ ሓዝዎ።” 2ተሰ 2፡14,15
“
ስለ’ዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብግህዶ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣረጋገጸሎም። እምበኣር ንሕና በዘነ ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፡ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፡ ኣምላኽ ከኣ ብኣኣተን ኪሕስው ዘይከኣሎ፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ (ሃዲምና) ናብኡ ተማዕቍብና ዘለና፡ ነቕ ዘይብል (ብርቱዕ) ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። እዛ ተስፋ’ዚኣ ናይ ህይወትና መልሕቕ’ያ። (ተስፋና) ድልድልትን ጽንዕትን’ያ። ብመጋረጃ ሓሊፉ ኸኣ ናብ’ታ ውሽጣዊት መቕደስ እተብጽሕ’ያ። ኢየሱስ ድማ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ሊቀ ካህናት ብምዃን፡ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ’ዩ። እብ 6፡17-20 ካ.ት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ