S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ኣምላኽ ዜርሕቕ ልቢ (መበል 50 ሰንበት: ቊ.፶/50)

"እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ’ዩ ዚመጽእ’ሞ፡ ንሱ’ዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ’ዩ’ሞ፡ እዚ’ዩ ንሰብ ዜርክሶ’ምበር፡ ብዘይተሓጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን።" ማቴ 15፡18-20 (እብ 3፡12,13) 

 

እዚ ዕለት’ዚ ሻምናይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምቲ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ማሕበር (ነሓሰ 10) ክሳዕ ኣብርሃም (ነሓሰ 28) ዘሎ ቕንያት፡ "ዕጒለ ቋዓት ደስያት ዓይነ ኵሉ" ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ነዚ ሰንበት’ዚ ዝተሰርዐ መዝሙር ድማ “ንዒ ርግብየ ሠናይት” ዘርእስቱ’ዩ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ ናይ ማቴ 15፡6-20 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከኣ ብዛዕባ’ቲ ኻብ ልብና ዚፍልፍል’ሞ ንህይወትና ዜርክስ ኣበሳታት ዚገልጽ’ዩ። እዚ ኣበሳታት’ዚ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዀነ ኣብ’ታ ‘ትመጽእ ዓለም ካብ እግዚኣብሄር ዜርሕቐና’ዩ። ምኽንያቱ፡ እግዚኣብሄር ምስ ሓጢኣት ሕብረት የብሉን። ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዜርሕቕ ልቢ ዚምልከት ግሩም መልእኽቲ ሂቡና’ሎ። "ኣቱም ኣሕዋተየ፡ …… ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተመዓዓዱ’ምበር፡ ካባኻትኩም ሓደ’ኳ ሓጢኣት እና’ዐሸዎ ኸይተርር’ሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህልው፡ ተጠንቀቑ።" እብ 3፡12,13

"ልቢ" ዚብል ቃል፡ ነታ ኣብ ኣፍ ልብና ዀይና ደም እትጭንጕዕን፡ ዑደት ደም እተውሕስን ኣካልና ዚምልከት ኣይኰነን። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም "ልቢ" ዚብል ቃል፡ ንሕልና፡ ነእምሮ ነተሓሳስባ ዚምልከት’ዩ። እዚ ልቢ’ዚ’ዩ ንሰብ ካብ ኣምላኽ ዜርሕቖ ወይ’ውን ናብ ኣምላኽ ዜቕርቦ። እዚ ዝጠቐስናዮ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል ከኣ፡ ካብ ኣምላኽ ዜርሕቕ ልቢ ኸይህልወና ዜጠንቅቐና’ዩ። ምኽንያቱ ልቢ ኻብ ኣምላኽ እንተ ርሒቑ፡ ኵሉ ኣካላትናን ሰብነትናን ኣጽዋር ዓመጻን ግፍዕን መሳርሒ ርኽሰትን ኰይኑ፡ ኵሉ ፍሪኡ ሓጢኣት’ዩ ዚኸውን (ሮሜ 6፡12-14,19)። መወዳእታኡ ጥፍኣት ስለ ዝዀነ ኸኣ ፡ ኸም’ዚ ዝዓይነቱ ልቢ ሒዝካ ምንባር ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ። ካብ’ዚ ዘለኣለማዊ ሓደጋ ንኼድሕነና ኸኣ’ዩ፡ እዚ ሃዋርያዊ ምሕጽንታን ትእዛዝን’ዚ ተዋሂቡና ዘሎ። ስለ’ዚ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዜርሕቐና ልብና ተለዊጡ፡ ናብ ኣምላኽ ዜቕርብ ልቢ ኽሳዕ ዚኸውን ክንቀስንን ሸለል ክንብልን ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ገና ብኣካለ-ስጋ ህያዋን ከለና ልብናን ሰብነትናን ካብ ኣምላኽ እንተ ርሒቑ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ኣብ ዘሎ ናይ ፍርዲ ዘመን ድማ ንዘለኣለም ካብ ኣምላኽ ርሒቕና ኽንነብር ኢና። እዚ ርሕቀት’ዚ ግና ናይ ቦታ (ጂኦግራፍያዊ) ርሕቀት ጥራሕ  ኪመስለና ኣይግባእን። ጐይታና ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸ ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን ዜዘውትራ መራር ቃል እንተ’ልያ፡ "ካባይ ርሓቑ" እትብል’ያ (ማቴ 7፡23፣ ማቴ 25፡41፣ ሉቃ 13፡27)። እዛ "ኪድ ርሓቕ" እትብል ቃል፡ ንሰይጣን እትብሃል ቃል’ያ (ማቴ 4፡10፣ ሉቃ 4፡8)። ነቶም ብሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ናብ ሰይጣን ኪቐርቡ ዝመረጹ፡ ጐይታና ብኽብሩ ምስ ተገልጸ፡ እታ ንሰይጣን ዝበሎ ቓል፡ ንኣታቶም’ውን ኪብሎም’ዩ። ኣብ ምድሪ ኸለዉ ኵሉ ባህጎም ካብኡ ምርሓቕ ስለ ዝነበረ፡ ንዅሉ ኸከም ግብሩን ምርጫኡን ኪህቦ ብስልጣኑ ምስ ተገልጸ፡ ነቲ ምድራዊ ምርጫኦም ዘለኣለማዊ ገይሩ ኼጽድቐሎም’ዩ፡ ንዘለኣለም ከኣ ካብኡ ርሒቖም ኪነብሩ’ዮም።

 

"በቲ ምግላጽ ጐይታና ኢየሱስ፡ . . . ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም’ዩ። እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተኣሚኑ’ዩ’ሞ፡ ኢየሱስ በታ መዓልቲ’ቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብ’ቶም ዝኣመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታናን ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም ክቕጽዑ’ዮም።" 1ተሰ 1፡6-10

እምበኣር ኣብ’ዛ ጊዝያዊት ዓለም ካብ ኣምላኽ ክንርሕቕ መሪጽና ማለት፡ ናብ’ቲ ብመቕጻዕቲ ዚንበር ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ክንኣትው ኣብሂጉና ማለት ምዃኑ ኺርድኣና ይግባእ።

 

ካብ ኣምላኽ ምርሓቕ እንታይ ማለት’ዩ፧ ነዚ "ምርሓቕ" ዚብል ቃል፡ በቲ ንሰባት ዘለዎ ምድራዊ ትርጕም ክንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ "ምርሓቕ" ማለት ሰፊሕ ናይ ቦታ ፍልልይ ዘለካ ምዃን ማለት ጥራሕ’ዩ። ንኣምላኽ ኣመልኪትና ኽንዛረብ ከለና ግን ናይ ቦታ ፍልልይ ኬስምዕ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ብህልውናኡ ንዅሉ ስለ ዚመልእን ኣብ ኵሉ ስለ ዚርከብን፡ ንሓንቲ ስድሪ’ኳ ኻብ ኣምላኽ ኪርሕቕ ዚኽእል ኣካል የልቦን። ቅዱስ ዳዊት’ኮ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣዝዩ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ።

 

"ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፡ ካብ ገጽካ ናበይ ክሃድም’የ፧ ንሰማይ እንተ ደየብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ’ለኻ፡ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ እንሆ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፡ የማነይቲ ኢድካ’ውን ክትሕዘኒ’ያ። “ጸልማት ይኸውለኒ፡ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፡” እንተ በልኩ፡ ንኣኻስ ጸልማት’ኳ ኣይጽልምተካን፡ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፡ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ’ዮም።" መዝ 139፡7-12

 

ስለ’ዚ ኻብ ኣምላኽ ምርሓቕ፡ መንፈሳዊ ኵነተ-ህላወ (Condition or state)’ምበር፡ ኣካላዊ ወይ ጂኦግራፍያዊ ኣይኰነን ማለት’ዩ። ሓድሓደ ጊዜ ግን ነብያትን ሃዋርያትን ከይተረፉ ነዚ ሓቂ’ዚ ኺርስዕዎ ይረኣዩ’ዮም። ነብዪ ዮናስ፡ ንእግዚአብሔር ከይለኣኾን ከይእዘዞን ምስ ወሰነ፡ ካብ እግዚአብሔር ኪሕባእ ያኢ፡ ገንዘብ ከፊሉ ብመርከብ ኪሃድም ተበገሰ። እቲ ንዅሉ ዚመልኽን ኣብ ኵሉ ዚርከብን ኣምላኽ ድማ ንባሕሪ ብማዕበል ኣናዊጹ፡ ብህያው መርከብ (ብዓሳ ኣንበሪ) ገይሩ ናብ’ታ ኪኸዳ ዚግብኦ ምድሪ ኣብጽሖ (ዮና 1፡1-16፣ 2፡1-11)። ሃዋርያ ይሁዳ፡ ናይታ ኢየሱስ ዝመራሒኣ ማሕበር ሃዋርያት፡ ተሓዝ ገንዘብን ናይ ፋይናንስ ሓላፍን’ዩ ዝነበረ። ኣብ ጐኒ ጐይታኡ ኮፍ ኢሉ ኸሎ ግና፡ በቲ ኣብ ልቡ ዝሓደረ ኽቱር ፍቕሪ ገንዘብ ካብ ጐይታ ኣዝዩ ዝረሓቐ ሰብ ነበረ። ሊቀ ካህናት ኤሊን እቶም ክልተ ኻህናት ደቁን፡ ኣብ ቅድስትን ቅድስተ ቅዱሳንን ኣትዮም ዜገልግሉ፡ ምስ ኣምላኽ ጥቡቕ ኣካላዊ ቕርበት ዝነበሮም ሰባት’ዮም ዝነበሩ። ብመንፈሳዊ ዅነታቶም ግና ካብ ኣረማውያን ኣህዛብ ንላዕሊ ኣዝዩም ርሑቓት ሰባት ነበሩ። ስለ’ዚ ምስ ኣምላኽ ዘለና ቕርበትን ርሕቀትን ኣብ ቤተ ክርስትያን ብምህላውና፡ ብመንፈሳዊ ንጥፈታትና፡ ብመንፈሳዊ ማዕርግናን ኣገልግሎትናን ከም ዘይልካዕ ብሩህ ኪዀነልና ይግባእ።

ብቦታ ኻብ ዘይኰነ፡ ብምንታይ ኢና ኻብ ኣምላክ እንርሕቕ፧ እቲ መሪሕ ጥቕስና’ውን ብንጹር ኣመልኪቱና’ዩ "ሓጢኣት እናኣዐሽዎ ኸይተርር" ዚብል ቃል፡ ንሰብ ካብ ኣምላኽ ዘርሕቖ ሓጢኣት ምዃኑ ዜመልክተና’ዩ። እዚ ድማ ካብ ገነት ኤደን ጀሚሩ ዝተረጋገጸ’ዩ። ኣዳም ሄዋንን ሓጢኣት ምስ ፈጸሙ ዝገበርዋ ቐዳመይቲ ስጕምቲ፡ ካብ እግዚአብሔር ምሕባእ’ያ። ብግብሪ ስለ ዝረሓቑ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ብኣካል’ውን ኪርሕቁ ኣዕሚቖም ተሓብኡ። ንሰብን ንኣምላኽን ዚፈላልዮምን ዜረሓሕቖምን ሓጢኣት ምዃኑ እግዚአብሔር ብነብዩ ኢሳይያስ ገይሩ ኣፍሊጡና’ዩ። 

 

"ግናኸ ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን፡ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይዛረብ ኣሎ’ሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዚፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም’ዩ። ከይሰምዓኩም ከኣ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም’ዩ። ብጽድቂ ዚጠርዕ ሓደ’ኳ የልቦን፡ ብሓቂ ዚምጕት ሓደ’ኳ የልቦን። ኣብ ከንቱነት ይውከሉ፡ ሓሶት ይዛረቡ፡ እከይ ይጠንሱ፡ ሓጢኣት’ውን ይወልዱ ኣለዉ።" ኢሳ 59፡2-4

 

እምበኣር ንኣምላኽን ንኣናን ዜረሓሕቐና ሓጢኣት ካብ ኰነ፡ እንተ ፈቲና ብፍላጥ፡ እንተ ኸየስተውዓልና ብወዝቢ ናብ ሓጢኣት ክንወድቕ ከለና፡ ክንዲ ዘለኣለም ዚኸውን ርሕቀት ካብ ኣምላኽ ንርሕቕ ኣለና ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ናይ’ቲ ድምር ሓጢኣትና ዘይኰነስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዓስቢ ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ። ዘለኣለማዊ ሞት ከኣ ነቶም ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ዚቕጽዑ ዚወሃብ ፍትሓዊ ዓስቢ’ዩ። ብሓጢኣት ስለ እንርሕቕ’ዩ እግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ንሓጥኣን "ተመለሱ" ኢሉ ዚጽውዕ። ኣርሒቑ ንዝኸደ ኢና "ተመለስ" እንብሎ። እቲ "ተመለሱ" ዚብል ናይ ምሕረት ጽውዓ፡ ርሒቕና ናይ ምጽናሕና ጭቡጥ መረጋገጺ’ዩ።

"ስለ’ዚ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድኹም ክፈርደኩም’የ፡. . . ተመለሱ፡ ኣበሳኹም መዓንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፡ ካብ ኵሉ ግህሰትኩም ተመለሱ። ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግብሩ።   . . . ስለምንታይ እትሞቱ፧ ኣነ ሞት ሓደ’ኳ ኣይፈትውን’የ’ሞ፡ ተመለሱ፡ ብህይወት ከኣ ንበሩ፡. . ." ህዝ 18፡30-32

 

"....ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ’ሞ ብህይወት ኪነብር’ምበር፡ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን’ዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይከ እትሞቱ፧ ካብ’ቲ እኩይ መገደኹም ተመለሱ፡ ተመለሱ፡ ...." ህዝ 33፡11 

እንታይ ዓይነት ልቢ ምስ ዚህልወና ኢና ኻብ ኣምላኽ እንርሕቕ፧ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኻብ ኣምላኽ ከም ዜርሕቐና ነጊሩና ኣሎ። ኣብ መሪሕ ጥቕስና ድማ፡ ጐይታና ነቲ ንልቢ እኩይ ዚገብርዎ ዅሎም ኣበሳታት ዘርዚሩ ነጊሩና ኣሎ። እዚ ዝዓይነቱ ልቢ’ዚ ብሓጢኣት ዚዕሸውን ዚጥበርን’ዩ። እቲ ዕሽነቱ ድማ ካብ ኣምላኽ ንምርሓቕን ኣብ ሓጢኣት ንምንባርን ተሪር መርገጺ ብምውሳዱ’ዩ ዚፍለጥ። በታ መገዲ ጥፍኣት ዝኸዱ ዅሎም ከም ዝጠፍኡ እናረኣየ’ኳ፡ ነቲ ምርጫኡ ዳግመ ግምት ኣይገብረሉን’ዩ። ከም’ቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ "ሓጢኣት  (ናይ) ገሊኦም ሰባት ግሁድ’ዩ፡ ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም፡ ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም’ዩ።" ዝበሎ፡ ሓጢኣቱ ቐዲምዎ መሪር መቕጻዕቲ እንተ ተቐበለ’ኳ ብንስሓ ኺምለስን መገዱ ኬቕንዕን ኣይፈቅድን’ዩ (1ጢሞ 5፡24)። እስራኤላውያን ብሓጢኣት ተዓሽዮም ክሳዶምን ልቦምን ዘትረሩ ህዝቢ’ዮም ዝነበሩ።

"ህልኸኛ ምዃንካን ክሳድካ ጅማት ሓጺን፡ ግምባርካ’ውን ኣስራዚ ምዃኑን ፈሊጠ’የ።" ኢሳ 48፡4

"እቶም ህዝቢ ግና ናብ’ቲ ዝወቕዖም (ኣምላኽ) ኣይተመልሱን፡ ንእግዚአብሔር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለይዎን። . . . ስለ’ዚ ቝጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዓወሉ፡ እዚ’ውን ብኽብቡ (ብዙርያኡ) ኣንደዶ፡ ግናኸ ኣይፈለጠን፡ ሞዅ ኣበሎ፡ ግናኸ ናብ ልቡ ኣይተመልሰን።" ኢሳ 9፡13፣ 42፡25

ንሓጢኣት ከም መጻወቲ፡ መዛነዪ ከም ረብሓን መንፍዓትን ቈጺርና ኸነዘውትሮ እንተ ጀሚርና፡ ከይተረድኣና ልብና እናተረረ ይኸይድ። ብዘይ ሓጢኣት ኪንበር ዘይከኣል ኰይኑ ኽሳዕ ዚስምዓና ኣእምሮና ይጽልምት። ብድሕሪኡ፡ "ተመለስ፡ ተነሳሕ፡ መገድኻ ኣቕንዕ" ዚብል ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ኣጓነፈና ምሒር ንቝጣዕ። ኣብ ልዕሌና ገበን ዝተዘርበን ዝተገብረን ኰይኑ ይስምዓና። ኵነታት እንተ ፈቒዱልናን ነታ መገድና መኻይድቲ እንተ ረኺብናላን፡ ነቲ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኰይኑ ዝመዓደናን ዝገንሓናን ሰብ፡ ክንቀትሎን ክንገፍዖን ንህንደድ። ኵሎም ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ኵላቶም ሰበኽቲ ወንጌልን ሰማእታት ኰይኖም ዝሓለፉ፡ ገበን ስለ ዝፈጸሙ ዘይኰነስ፡ እቶም ብሓጢኣት ልቦም ዘትረሩን ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑን ሰባት ስለ ዝጸልእዎም’ዩ። ልቢ እንተ ኸኒቡን እንተ ተሪሩን ነገር ተበላሽዩ እዩ። ስለ’ዚ’ዩ ንልብና ኣዚና ኽንጥንቀቐሉን ክንሕልዎን ዚግብኣና። ንጉስ ሰለሞን’ኳ፦ "ህይወት ካብኡ’ያ እትፍልፍል’ሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።" ብምባል ምዒዱና ኣሎ (ምሳ 4፡23)። ልብና ንኣምላኽን ንጽድቁን ጥራሕ ዚደልይ እንተ ዀይኑ፡ ብርግጽ ህይወት ይፍልፍል ኣሎ ማለት’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ ህይወት ቀዳምነታትና፡ ኣምላኽን መገድታቱን ድሕሪ ዅሉ እንተ ተሰሪዑ፡ ወይ’ውን ብመሰረቱ ኣብ’ቲ ዝርዝር እንድሕር ዘይሰፊሩ ግና፡ ሽዑ ገዛእ ልብና ሞት ይወልደና ኸም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቅዱስ ዳዊት፦  "ዝኸም ልበይ" ዚብል ማዕርግ ዝተቐበለ ንኣምላኽ ዚደልይ ልቢ ስለ ዘጥረየ’ዩ። "ልበይ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ፡ “ንገጸይ ድለይዎ” ይብለኒ ኣሎ። ዎ እግዚአብሔር፡ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።" መዝ 27፡8

 

"ግናኸ ኣነ ዅሉ ጊዜ ምሳኻ’የ፡ . . . ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ (ካልእ) የብለይን። ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ’ኳ፡ ኣምላኽ ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን’ዩ። እንሆ፡ (እቶም) ካባኻ ዚርሕቁ ኺጠፍኡ’ዮም’ሞ፡ ካባኻ ብምንዝርና ዚዓልዉ ዚዘሉ ተጽንቶም። ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሽኒ፡ ንዅሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንትዎስ፡ እምንቶይ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ገበርኩ።" መዝ 73፡23-28

 

ልቢ ዳዊት፡ ንዳዊት ዘይኰነስ ንኣምላኽ እትውክል ልቢ’ያ ዝነበረት። ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኰይና፡ "ንገጸይ ድለይዎ" ዚብል ናይ ኣምላኽ ጽውዓን ትእዛዝን ለይትን ቀትርን ትደጋግመሉ ነበረት። ሰብ ንልቡ ስለ ዚመስል ድማ፡ ቅዱስ ዳዊት ብዘይ ምቍራጽ ገጽ ኣምላኽ ዚደልይ ሰብ ኰነ። እግዚአብሔር ከየቋረጸ፦

 

"ወደየ ልብኻ ሃበኒ፡ ኣዒንትኻ ድማ ብመገደይ ደስ ይበለን።" ዚብለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ከም ቅዱስ ዳዊት ክንኰነሉ ስለ ዚደልይ’ዩ (ምሳ 23፡26)። ብኣፍ ቅዱስ ባርያኡ ነብዪ ኤርምያስ’ውን፦

"መን’ሞ’ዩ ናባይ ኪቐርብ ኢሉስ ንልቡ ትሕጃ ዚህብ፧ ኣነ ደኣ’የ ዘቕርቦ፡ ንሱ’ውን ኪቐርበኒ’ዩ። ....' ብምባል፡ ልብኻ ምሕላውን ንእኡ ምሃብን ማዕረ ኽንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብሪሁልና ኣሎ (ኤር 39፡21)። ብናይ እግዚአብሔር ኣገላልጻ፡ እቲ ንእግዚአብሔር ዚደልይን ናብኡ ዚቐርብን ልቢ፡ "ናይ ስጋ ልቢ"፡ ብኣንጻሩ እቲ ንእግዚአብሔር ዚጸልኦን ዚርሕቆን ልቢ ኸኣ "ናይ እምኒ ልቢ" ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ (ህዝ 11፡19,20፣ 36፡26)። ነቶም ገጾም ናብኡ ዝመለሱ ምእንቲ ኽረድኦም ኢሉ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ናይ እምኒ ልቢ ካብ ውሽጦም ኣውጺኡ፡ ናይ ስጋ ልቢ’ዩ ዚህቦም። እግዚአብሔር ከምኡ ምእንቲ ኺገብረልና፡ ናብኡ ኣዚና ኽንቀርብን ክንጠብቕን ይግብኣና። ስለ’ዚ ልብና ኸመይ ከም ዘሎ ዅሉ ጊዜ ኽንፍትሽ ይግብኣና። ሓደ ኻብ’ቶም ኣዕሩኽ ኣቦና እዮብ፡ ሓደ እዋን፡ "ልብኻ ናባይ ኣቢሉ ይስሕበካ ኣሎ፧" ዚብል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ሓቲትዎ ኣሎ (እዮ 15፡12)። ንሕና ግና መዓልቲ መጸ እዚ ሕቶ’ዚ ንገዛእ ርእስና ኽንሓትታ ይግብኣና። ልብና ወይ ናብ ኣምላኽ ገጹ ኺስሕበና’ዩ፡ ወይ ከኣ ብኣንጻሩ፡ ካብ ኣምላኽ ኣርሒቑ ናብ ዓለም ገጹ ኺስሕበና’ዩ። ሎሚ መዓልቲ ብዝተጠበረ ልቢ ደድሕሪ ዓለም ክንስዕብ እንተ ውዒልና፡ ጽባሕ ግና ኺድገም የብሉን። እግዚአብሔር ብመንፈሱ ኺረድኣና ብመሪር ብኽያት ብገዓር ክንምሕጸኖን ክንልምኖን ይግብኣና። ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይተፈጸመ ዄንና ብእኣ በታ መገዲ’ቲኣ እንተ ቐጺልና’ሞ፡ ልብና ናይ እምኒ ልቢ ኽሳዕ ምዃን ኪተርር እንተ ሓዲግናዮ ግና፡ ጥፍኣት ኣወናዊኑናን ተበሩሁናን ኣሎ ማለት’ዩ። 

 

ደሓር ከኣ ፈጺምና ኽንዝንግዓ ዘይብልና መሰረታዊት ሓቂ ኣላ። ንዝተወሰነ ጊዜ፡ ጽዋእ ዓመጻና መሊኡ ኽሳዕ ዚፈስስ፡ ንሕና ኽንርሕቕ ከለና ንኺመልሰና ኢሉ እግዚአብሔር ይስዕበና’ዩ። ዘመን ንስሓን ምሕረትን ምስ ተወድአ ግና፡ ንሕና ጥራሕ ዘይኰነ እግዚአብሔር ባዕሉ’ውን ኪርሕቀና ኸም ዚጅምር ንፍለጥ። ኣብ’ዛ ደረጃ’ዚኣ እንተ በጺሕና፡ ተሰፋ ምድሓንና ኣብቂዑ’ዩ። እግዚአብሔር፡ ሉኣላውን ፈራድን ኣምላኽ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ንሱ እንተ ተፈልዩናን እንተ ርሒቑናን ከኣ ከቶ ዘይጽወር’ዩ ዚኸውን። 

"ኣቲ ኢየሩሳሌም፡ ነፍሰይ ካባኺ ከይትፍለይ’ሞ ሰብ ዘይነብረላ ምድረ-በዳ ኸይገብረክስ፡ ተቐጽዒ (ተመለሲ)።" ኤር 6፡8

". . . እወ ኣነ ኻባታቶም ዝርሕቕ ወይለኦም!!" ሆሴ 9፡12

ካብ ኣምላኽ ንኸይንርሕቕ ክንገብሮ ዚግብኣናኸ እንታይ’ዩ፧ ቅዱስ ጳውሎስ "ንሓድሕድኩም ተመዓዓዱ" ኢሉና’ሎ። ንሓድሕድና ኽንመዓዓድ እንተ ዄንና፡ ንሓድሕድና ኽንተሓላለው ክንተኣላለይ ኣለና ማለት’ዩ። ከምኡ ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ኵላትና ኣካላት ሓደ ሰብነት ስለ ዝዀንና’ዩ። ካብ ስጋና ሓደ ኣካል ተቘሪጹ ኪኸይድ መሽም ኣይንደልን ኢና። ካብ’ታ መንፈሳዊት ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ሓደ ኣካል ተቘሪጹ ኪኸደና’ውን ከነፍቅድ ኣይግባእን’ዩ። ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ንሓድሕዱ ኺተሓላለው ሕገ-ተፈጥሮ ዚእዝዞ’ዩ። ገለ ኽፍሊ ኣካላትና ኺሓምም ወይ ኪጕዳእ ከሎ፡ ቀልጢፍና ረድኤት ብምሃብ ንኸነሕውዮ ኢና እንጓየይ። ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነ ሓደ ምእመን ወይ ኣገልጋሊ ብመንፈሳዊ ኣካይዳኡ ኻብ ኣምላኽ ኪርሕቕ ምስ ረኣናዮ፡ ንኽንመልሶን ንኸነሕውዮን ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር’ዩ ዚግባእ። እቲ ሃዋርያዊ ቓል’ውን ከምኡ’ዩ ዚእዝዘና።

 

"ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ሓደ ካብኻትኩም ካብ ሓቂ (ካብ ኣምላኽ) እንተ ረሓቐ፡ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡ እቲ ነቲ ሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡ ካብ ዘለኣለዊ ሞት ከም ዘድሓኖ፡ ብዙሕ ሓጢኣት’ውን ኪሕደግ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።" ያእ 5፡19,20 ካ.ት

 

"ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ሓደ ሰብ ኣብ በደል እንተ ተረኽበ፡ ንስኻትኩም እዞም መንፈሳውያን ዝዀንኩም፡ ነዚ ኸም’ዚ ዝበለ ሰብ፡ ብናይ ለውሃት መንፈስ ኣርምዎ። ንስኻትኩም’ውን ንገዛእ ርእስኹም ከይትፍተኑ ተጠንቀቑ። ጾር ሓድሕድ ጹሩ፡ በዚ ኸኣ ሕጊ ክርስቶስ ፈጺሙ።" ገላ 6፡1,2 ካ.ት 

ነዚ ኽገብረሉ እንኽእል መገዲ ድማ ንሓድሕድና ብምምዕዓድ’ዩ። ከም’ቲ ንሰብ ሮሜ፦ ". . . ብሰናይ ነገርን ብፍልጠትን ዘበለ፡ ዅሉ ኸም ዝመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም’ውን ምምዓድ ከም እትኽእሉ፡ ኣነ ባዕለይ ተረዲአዮ’ለኹ።" ተባሂሉ ዝተመስከረሎም፡ ንሕና’ውን ናብ’ዚ ጽቡቕ ምስክርነት ገጽና ኽንዓብይን፡ ንሓድሕድና ብምምዓድ ክንተሓላለውን ይግባእ (ሮሜ 15፡14 ካ.ት)።

እምበኣር ለልብና ንመርምር። ልብና ናበይ ገጹ ዀን ይስሕበና ይህልው፧ ብናይ ስጋና ልቢዶ ብናይ እምኒ ልቢ ንመላለስ ኣለና፧ ልብና ብሓጢኣት ተጠቢሩ ኸይተርር’ሞ፡ ካብ’ቲ ህያው ኣምላኽ ኣርሒቑ ናብ ዘለኣለማዊ ሞት ከየብጽሓና፡ ንልብና ነቒሕና ንሓልው፡ ንሓድሕድና ብምትሕልላው ከኣ ሕጊ ክርስቶስ ንፈጽም!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 

25  2025 |  18, 2016 ግዕዝ (መበል 50 ሰንበት: ቊ.፶/50)

ምስባክ

መዝ.2(2)፣12 "አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዓዕ እግዚአብሔር። ወኢትትኀጐሉ እምፍኖተ ጽድቅ። ሶበ ነደት ፍጡነ መዓቱ።"

"ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ’ዩ’ሞ፡ ከይዅሪ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፡ ንወዱ ሰዓምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን’ዮም።"

ንባባት

ኣንባቢ

ፊል 1፡1-11

ዲያቆን

ያእ 5፡1-6

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 26፡1-8

ንፍቅ ካህን

ማቴ 15፡12-25

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦  ዘእግዝእትነ ዓዲ ዘ፫፻ት መዝሙር፦ ንዒ ርግብየ ሠናይት

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div