"ኣብርሃም ናብ`ቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ። ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠ`ውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ (ናይ ሰማይ) ከተማ ይጽበይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ`ታ ምድሪ ተስፋ (እናነበረ ኸሎ)፡ ኣብ ምድሪ ጓና (ይነብር ከም ዘሎ) ዀይኑ ብእምነት ተቐመጠ`ሞ፡ ምስ`ቶም ናይ`ዛ ተስፋ`ዚኣ መዋርስቱ (ዝዀኑ) ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። . . . እዚኦም ኵላቶም . . . ኣብ`ዛ ምድሪ`ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ።" እብ11፡8-10,13
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት`ዩ። ነቲ ቐዳማይ ንኡስ ዘመን ወዲእና፡ ናብ`ቲ "መብረቅ፡ ነጐድጓድ፡ በረድ፡ ባሕር፡ ኣፍላግ፡ ቀላያት" ዚብሃል ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሓምለ 16 ክሳዕ ነሓሰ 9 ዚዝርጋሕ ካልኣይ ንኡስ ዘመነ ሰጊርና ኣለና። እዚ ንኡስ ዘመን`ዚ፡ ሓይሊ ናይ`ቲ ኽረምቲ ዚረኣየሉ ወቕቲ ስለ ዝዀነ፡ "ሕምብርቲ ናይ`ቲ ዘመን" ኪበሃል ዚኽእል`ዩ። ዝናብ ምስ ዚድንጕይ ወይ`ውን ቀልጢፉ ምስ ዜቋርጽ፡ ናይ`ቶም ኣብ ክልቲኡ ጫፍ ዘለው ንኡሳን ዘመናት ክረምትን ዳርጋ ኣይረኣየካን`ዩ። "ኵሉ ጊዜ"`ኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ሓይሊ ኽረምቲ ዚረኣይ ኣብ`ዚ ኣቲናዮ ዘለና ኻልኣይ ንኡስ ዘመን`ዩ። እቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ስም ንርእሱ ኣማቲ`ዩ። በርቅን ነጐዳን ዚበዝሕሉ፡ ናይ በረድ ሓደጋታት ዚኽሰተሉ፡ ኣፍላጋት ኪስገሩ ኽሳዕ ዘይክእሉ ዚብርትዑሉ፡ ባህርያዊ ቀላያት ኰነ ሰብ-ሰርሖ ዲጋታት፡ ክሳዕ ኣፎም ዚመልኡሉ ወቕቲ`ዩ። ኣቦታትና "ሓያል ክረምትን ሓያል መምህርን ሓድጎም ኣይጠፍእን`ዩ" ኸም ዚብሉ፡ እቲ ዜስግእ ሓደጋኡ ገዲፍካ፡ ናይ ሓያል ክረምቲ በረኸት ብቐሊሉ ዚሃስስን ዚርሳዕን ኣይኰነን። ብምኽንያት ናይ ሰብ ኣዕናዊ ምትእትታውን ብከላን ግን፡ ናይ ዓለምና ወቕትታትን ስርዓተ ክሊማን ቅልውላው ኣትይዎ፡ ዘይንቡርን ኣስጋእን ለውጥታት ይኽሰት ኣሎ። ስሰዐ ሰብ እናዓረገ ምስ ምኻደን፡ ዘመን ምጽኣት እናቐረቦ ምስ ምምጻኡን፡ ዓለምና ክትነብረላ ናብ ዘይምረጸሉን ናብ ዘይከኣለሉን ደረጃ ገጻ ትምዕብል ከም ዘላ ግሁድ ይኸውን ኣሎ። ስለ`ዚ ኣብ`ቲ ገባር ኵሉን ከኣል ኵሉን ዝዀነ ልዑል ኣምላኽ ዘሎና ትውክልትን ምሕጽንታን ኣዝዩ ኺሕይል ኣብ ዚግብኦ ሕሱምን ሓደገኛን ዘመን ኢና `ንነብር ዘለና። እዚ እናኸፍአ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለምና፡ "እዛ ዓለም`ዚኣስ ምድሪ ግሽነትና`ምበር፡ እንኳዕ ናይ ዘለኣለም ቤትና ኣይኰነት" ዜብል`ዩ። ሓጢኣት ሰብ እናበዝሐን እናኸፍአን ኪኸይድ ከሎ። እግዚኣብሄር በቲ ብእኡ ገይሩ ኺናብየካ ኢሉ ዝፈጠሮ ሰናይ ነገር ገይሩ`ዩ ዜጥፍኣካ። ዝናምልሲ ንበረኸት`ዩ ተፈጢሩ። ንእግዚኣብሄር ብቝጥዓ ኽሳዕ ዚፈርድ እንተ ተፈታተንካዮ ግን፡ እቲ ኺምግበካ ዝተፈጥረ ዝናም፡ በላዒኻን መጥፍኢኻን ይኸውን። እዚ ሓቂ`ዚ ኸኣ ኣብ`ዚ ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ዅሉ ንባባትና ብጕሉሕ ተንጸባሪቑ ኣሎ።
ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ብቕዱስ ያሬድ እተደርሰ መዝሙር-ሰንበት፡ "ብቀዳሚ ገብረ እግዚኣብሔር" ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ሓይሊ መልእኽቱ ብዛዕባ`ቲ እግዚኣብሄር ምስ ኖህ፡ ሰባኽ ጽድቂ፡ ዝኣተዎ ኺዳን ዚምልከት`ዩ። ብመጀመርታ እግዚኣብሄር ሰማይን ምድርን ፈጢሩ፡ ኣብ ሰንበት ከም ዘዕረፈ ድህሪ ምግላጽ፡ ካብ ማይ ኣይሂ ምእንቲ ኺድሕን፡ ንኖህ መርከብ ኪሰርሕ ከም ዝኣዘዞ፡ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንዓለም ዳግማይ ብማይ ኣይሂ ኸየጥፍኣ፡ ምድሪ ኽሳዕ ዘላ ኸኣ ዘርእን ዓጺድን፡ ዛሕልን ዋዕን፡ ሓጋይን ክረምትን ከየቋረጸላ ኺዳን ከም ዝኣተወሉ ይጠቅስ። ኣብ`ቲ ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ናይ ማቴ 24፡36-51 ንባብ ምጽኣቱ ልክዕ ከም`ቲ ናይ ዘመነ ኖህ ማይ ኣይሂ ኸም ዚኸውን ጐይታና ገሊጹ ኣሎ (ማቴ 24፡38,39)። ኣብ`ቲ ናይ 2ጴጥ 2፡1-9 ንባብ ድማ፡ እግዚኣብሄር፡ ንመላእኽቲ ዀነ ንሰባት ከይፈለየ፡ ሓጥኣን ንዝዀኑ ዅሎም ናይ ፍርዲ መዓቱ ኸም ዚኽዕወሎም፡ ነታ ኖህ ዝነበረላ ቐዳመይቲ ናይ ሓጥኣን ዓለም ከይነሓፈ ብማይ ኣይሂ ኸም ዘጥፍኣ፡ ንኖህ ግን ሻምናይ ርእሱ ጥራሕ ከም ዘድሓኖ ጠቒሱልና ኣሎ (2ጴጥ 2፡4,5)። እቲ ናይ እብ 11፡1-10 ንባብ`ውን፡ ኖህ ንርእሱን ንስድራኡን ብኸመይ ከም ዘድሓነ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ (እብ 11፡7)። እዚ ናይ ኖህን ማይ ኣይህን ነገር፡ ኣብ`ዚ ዘመነ ክረምት ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይተጠቕሰ ርዱእ`ዩ። ሰለስቲኡ ንባባት፡ ብዛዕባ ምጽኣትን ብዛዕባ`ቲ ንእኡ ዜሰንዮን ምልክት ኰይኑ ዜገልግሎን ርኽሰት ዓለምን ኬዘኻኽረና ዝተጻሕፈ`ዩ። ናብ`ቲ እግዚኣብሄር ንዓለም ብማይ ኣይሂ ኼጥፍኣ ዝደረኾ ዅነታት ምልስ ኢልና እንተ ረኣና፡ እግዚኣብሄር ኪዕገሶን ኪጾሮን ዘይኰነሉ ዅነታት ሰፊኑ ነበረ። ስለ`ዚ ኸኣ ነቶም ብሓጢኣት ዚደፍርዎ ኣጥፊኡ፡ ነቶም ብጽድቂ ዚፈርህዎ ዜድሕነሉ ፍርዲ ሃበ። ብዛዕባ ድሕነትና ዀነ ጥፍኣትና እቲ ኣብ ዓለምና ዚኽሰት ዘሎ ዅነታት ዘይኰነስ፡ እቲ እንነብሮ ዓይነት ህይወት ከም ዚውስኖ ዜለብመና ታሪኽ ተፈጸመ። ማይ ኣይሂ ንዅሉ ህዝቢ ዓለም ካብ ዝሓዀርዎ እና`ውረደ ኼጥሕሎምን ኪውሕጦምን ከሎ፡ ነታ ብፍርሃት ኣምላኽ ርእሳ ብንጽህና ዝሓለወት ስድራ ቤት ግን መመሊሱ ናብ ላዕሊ የደይባ ነበረ። ዓለም ብማይ ኣይሂ ኽትጠፍእ ከላ፡ ስድራ ኖህ ድማ ብማይ ኣይሂ ካብ ጥፍኣት ደሓነት። እምበኣር ኣብ`ዚ ጥፍኣት ንዓለምና ኸም ደበና ኸቢብዋ ዘሎ ሓደገኛ ዘመን`ዚ፡ ንሕናን ስድራናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መጐስን ምሕረትን እንረኽበሉ፡ ኣብ ዘመነ ጥፍኣት ድሕነት እንጐናጸፈሉ መንፈሳዊ ጥበብ ክንመሃር የድልየና ኣሎ። ዘመነ ክረምት ኣድላይነት ምግቢ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናይ ምድሓን ጥበብ ኣድላይነት`ውን ዜዘኻኽረናን ዜለብመናን ወቕቲ`ዩ።
ንድሕነትከ ጥበብ የድልዮ ድዩ፧ ነርእስትና ምስ ድሕነት ዜዛምዶ እንታይ`ዩ፧ ዓይነት ጥበብ ደኣ ብዙሕ`ዩ`ምበር፡ ከም ድሕነት ገይሩ ጥበብ ዜድልዮ እንታይ ካልእ ቍም ነገርከ ኣሎ!! ኣብ ራእይ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣዝዩ ዜርዕድ ናይ ምጽኣት ኵነታትን ምልክታትን ኪዝርዝር ድሕሪ ምጽንሑ፡ "ጥበብ ዘለዎ ኣእምሮ ዜድልይ ኣብ`ዚ`ዩ፡" ዚብል ቃል ይደጋግም`ዩ (ራእ 17፡9፣13፡18ካ.ት)። እዚ ኣባህላ`ዚ፡" ጥበብ ብዝመልኦ ኣእምሮ እንተ ዘይሓሲብካን እንተ ዘይተዋሲእካን፡ ግዳይ ናይ`ቲ ዚኽሰት ዘሎ ጥፍኣት ክትከውን ኢኻ፡" ዜስምዕ መልእኽቲ`ዩ ዚህበና። ቃል እግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ብጥበብ ክንምራሕ`ዩ ዚምዕደናን ዜተባብዓናን (ምሳ 20፡18፣ 24፡6)። እቲ ዜድልየና ጥበብ ድማ እቲ ብዝገደዶ ዜጥፍኣካ ጥበብ ዓለም ዘይኰነስ፡ እቲ ዜድሕን ጥበብ ናይ ኣምላኽ`ዩ (ያእ 3፡15-17፣1ቈረ 1፡20 ፣ 2፡4-7፣3፡18-20)። ብዘይ`ዚ መንፈሳዊ ጥበብ`ዚ ምዃን መፈጸምታኻ ዜበላሽው ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኸየስተሓፈረ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ፡ "ጥበብካ ሃበኒ" ኢልካ ብኣጽንዖት ክንልምን ይግብኣና (ያእ 1፡5-8፣2ዜና 1፡7-12)።
ካብ`ቲ ንዅሉ ዓለም ዘጥፍአ ማይ ኣይሂ ንኖህ ዘድሓኖ እግዚኣብሄር ምዃኑ ርጉጽ ሓቂ`ዩ። "መርከብ ስራሕ" ኢሉ ነቲ ንዓለም ናይ ምጥፋእ መደቡ እንተ ዘይገልጸሉ፡ እቲ ምዱብ መዓት ዚጅምረሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ፡ "ናብ`ታ መርከብ እተው" ኢሉ እንተ ዘይነግሮ፡ ኖህ ፈጺሙ ኣይምደሓነን ነይሩ። ካብ`ቲ ዅሉ ህዝቢ ዓለም ግን፡ ኖህ ብዘይ ምኽንያት ንድሕነት ኣይተመርጸን። ኵሉ ህዝቢ ዓለም መገዱ ኣበላሽዩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኖህ ንበይኑ`ዩ እንታ ብዘይብሉ ጽድቂ ዝተመላለሰ (ዘፍ 6፡9-12)። ብጽድቂ ንኺመላለስ ዝተጠቕመሉ ጥበብ ከኣ፡ እታ "መጀመርታ ጥበብ" ዝተሰምየት ፍርሃት እግዚኣብሄር`ያ (ምሳ 1፡7፣8፡13፣ 9፡10፣ 14፡16፣ 16፡16,17፣ 15፡33፣ እዮ28፡28፣ መዝ111፡10)። ኖህ በዛ መንፈሳዊት ጥበብ`ዚኣ ካብ`ቲ ንዓለም ዘበላሸወን ንጥፍኣት ዝመጠወን ርኽሰት ርእሱ እንተ ዘየንጽህ፡ እግዚኣብሄር ኣይመድሓኖን ነይሩ። ስለ`ዚ ሰብ ህይወቱ ኣብ ምድሓን ኣዝዩ ዓብይ ግደን ሓላፍነትን ከም ዘለዎ ርዱእ`ዩ። ሰብ ግን ካብ ባዶ ተላዒሉ፡ ጥበበናን መስተውዓልን ኪኸውን ኣይክእልን`ዩ። ከምኡ ምዃን ብቐሊሉ ዚከኣል እንተ ዚኸውን፡ ካብ ህዝቢ ዓለም እቲ ዚበዝሕ ጥበብን ምስትውዓልን ምተረኽቦ ነይሩ። ብፍርሃት እግዚኣብሄር ተደሪኽካ ብጽድቂ ምንባር፡ ኣብ ውሽጥኻ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ግብራዊ ለውጢ ይጠልብ`ዩ። ብጽድቅን ብቕድስናን ምንባር ንኣምላኽካ ምእዛዝን ምኽባርን ዳርጋ ዅሉ ሰብ ዚደልዮን ዚምነዮን`ዩ። ይትረፍ ብምልኣት ኪገብሮ፡ ናብኡ ገጹ ዚቐርብ ህይወት ግን የብሉን።
ንምንታይ`ዩ ከምኡ ዚኸውን፧ ነቲ ድልየትናን ባህግናን ከይንገብሮ ዚዕንቅፈና እንታይ`ዩ፧ ናይ`ዚ ሕቶ`ዚ መልሲ ኣብ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ሰፊሩ ኣሎ። ናይ እምነት ነገር ግብራዊ`ምበር፡ ኣብ ኣእምሮን ኣብ ልብን ጥራሕ ዚውዳእ ሓሳባዊ ጕዳይ ኣይኰነን። ንሕና `ንደልዮ፡ እግዚኣብሄር ኣብ እምነትና ኼተኵር`ዩ። እግዚኣብሄር ግና ኣብ`ቲ እምነት ዝመበቈሉ ግብርና`ዩ ዜተኵር`ዩ። እግዚኣብሄር ብግብሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብእምነታዊ ግብሪ`ዩ ዚግደስን ዚሕጐስን። እግዚኣብሄር ነቲ ግብሪ ዚግደሰሉ ምኽንያት ነታ እምነት ከም `ትረኣይ ዚገብራ፡ እቲ ግብሪ ስለ ዝዀነ`ዩ። እምነት ዘይብሉ ግብሪ፡ ኣረማዊ ግብሪ ስለ ዝዀነ ሓጢኣት`ምበር ጽድቂ ኪኸውን ኣይክእልን`ዩ። ግብሪ ዘይብላ እምነት ከኣ፡ ናይ ጥበራ ግብዝ እምነት ስለ ዝዀነት፡ ካብ ኣረማዊ ግብሪ ዝገደደት ሓጢኣት`ያ (ሮሜ14፡23)።
"ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ 'እምነት ኣላትኒ' እንተበለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ እንታይ ይጠቕሞ፧ እዛ እምነት`ዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል`ያ። . . . ሓደ ግና 'ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒ' ይብል ይኸውን። እምበኣር እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነ ድማ ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ`የ።" ያእ 2፡14,18 ካ.ት ብዓባያ ነታ ሓቀኛ እምነት ረኺብናያ ኽነስና፡ ነቲ ናታ መግለጽን መርኣይን ዝዀነ ግብሪ ኺስኣነና ዚገብር ሕቡእ ምኽንያት ግን ኣሎ። ንሱ ኸኣ እቲ ብዛዕባ ርእስና ዀነ ብዛዕባ`ዛ`ንነብረላ ዘለና ዓለም ዘሎና ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን`ዩ። መሪሕ ጥቕስና ንዅሎም ቅዱሳን ዘዐወተ ምስጢረ እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ`ዛ ዓለም`ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃኖም፡ ንልቦም ዝረትዐን ንናብራኦም ዜማእዘነን ሓቂ ነበረ። እዚ ኣባህላ`ዚ "መወትቲ ምዃኖም ይፈልጡ ነበሩ" ናብ ዚብል ንኡስ ኣተሓሳስባ ኣውሪድና ኽንርድኦ ኣይግባእን`ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ`ዛ ዓለም`ዚኣ ዚነብር`ሞ፡ መዋቲ ምዃኑ ዘይፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ`ኳ የብልናን። እንተ ዀነ እዚ ሓሳብ`ዚ ጠቒምዎስ፡ ኣብ ዓይነት ናይ ህይወቱን ናብራኡን ለውጢ ዚገብር ሰብ ይሰኣን ኣሎ። እዚ `ንዛረበሉ ዘለና ነጥቢ፡ ካብ መዋትነት ሕልፍ ዝበለ፡ ኣብ`ዛ ምድሪ`ዚኣ ብግሽነት ንነብር ከም ዘለና፡ ናይ ብሓቂ ሃገርና ዝዀነን ንዘለኣለም `ንነብረለን ካልእ ዓለም ይጽበየና ኸም ዘሎ፡ ዚገልጽ`ዩ። እዚ ርድኢት`ዚ ኸኣ፡ ኣብ ደረጃ ፍልጠት ጥራሕ ዚድረት ዘይኰነስ፡ ኣብ`ቲ ዕለታዊ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ብግብሪ ዚግለጽ`ዩ። ስለ`ዚ ብተኣዝዞ ፍጹማት ዚገብረና፡ እዚ ኣብ`ዛ ምድሪ`ዚኣ ኣጋይሽ ምዃንና፡ ከም ደቂ ዓዲ ዘይኰነስ ከም ኣጋይሽን ንነብር ምዃንና`ዩ።
እዚ ኸም ጋሻ ምሕሳብን ምንባርን፡ ነዞም ኣርኣያና ዝዀኑ ቅዱሳንና ከም ዝሓገዞም ብኸመይ`ዩ ተራእዩ፧ መሪሕ ጥቕስና፡ እዚ ናይ ግሽነት ናብራ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ገሊጹልና ኣሎ (እብ 11፡8-10)። ኣብ ጥቕሲ 13 ግና እዚ ኣተሓሳስባን ኣነባብራን`ዚ ንዅሎም ቅዱሳን ከም ዝመርሖምን ከም ዘዐወቶምን ተነጊሩና ኣሎ። እቲ መዝሙርን ኣርባዕቲኡ ንባባትናን ዝጠቐስዎ ኖህ ሰባኽ ጽድቂ፡ ሓደ ኻብ`ቶም በዚ ናይ ግሽነት ኣነባብራ ዝተዓወቱ ቕዱሳን`ዩ። እቶም ዝተረፉ ብማይ ኣይሂ ዝጠፍኡ ኻልኦት ግን፡ ብዘይካ`ዛ ዓለም`ዚኣ ኻልእ ዓለም፡ ብዘይካ`ዛ ህይወት`ዚኣ ድማ ካልእ ህይወት ከም ዘለዎም ስለ ዘይፈለጡን ስለ ዘይኣመኑን፡ ነቲ ሓጺር ብሞት ዚዛዘም ምድራዊ ዕድሚኦም ንምስትምቓር፡ ብሓጢኣት ነወሩን ተበላሸዉን። ሓጢኣቶም እምብዛ ኻብ ምብዛሑን ካብ ምኽባዱን ዝተላዕለ፡ ይትረፍ ነታ እትመጽእ ዓለም፡ ነዛ ዘለዉዋ ሓላፊት ዓለም`ኳ ናብ ዘይበቅዑሉ ደረጃ በጽሑ። እግዚኣብሄር ንሰብ ብምፍጣሩ ኽሳዕ ዚጠዓሰን፡ ንምጥፋእ ኽሳዕ ዚፈርድን ገበርዎ። ኣቦና ኖህ ግና ካብ`ቲ ንኣምላኽ ዘሰክሓ ወለዶኡ ርእሱ ዜድሕነሉ ምስትውዓልን ምርጫን ኣልዓለ። እዚ ምስትውዓል`ዚ ንልቡ ብፍርሃት ኣምላኽ መልኦ። እዚ ፍርሃት ኣምላኽ`ዚ ኸኣ ካብ`ቲ ናይ ወለዶኡ ኽፍኣት ኪርሕቕ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኸኣ ብዘይ መንቅብ ኪእዘዝ ኣኽኣሎ። "ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መጐስ ረኸበ። . . . ኖህ ጻድቕ ካብ`ቶም ብዘመኑ ዚነብሩ ዝነበሩ (ወለዶኡ) እንታ ዘይብሉ ጻድቕ ሰብ ነበረ። ኖህ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተመላለሰ (ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ይነብር ነበረ)። ኵሉ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሓጢኣት ተበላሽዩ ነበረ። ምድሪ ኸኣ ብዓመጻ መሊኣ ነበረት። ኣምላኽ ንምድሪ ረኣያ፡ ንሳ ድማ ተበላሽያ ነበረት። (ምኽንያቱ) ኵሉ ሰብ መገዱ ኣበላሽዩ ነበረ።" ዘፍ 6፡8,9,11,12 (ቀ.ት+ካ.ት)
ኖህ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብምምልላስ ናብ እንታ ዘይብሉ ጽድቂ በጺሑ ተመጐሰ። ነዛ ዓለም`ዚ ጓናን ጋሻን ምዃኑ፡ እቲ ኣካይዳኡን ናብራኡን ብግህዶ ይምስክረሉ ነበረ። ዝዀነ ሰብ ድማ ነተሓሳስባኡ`ዩ ዚመስል። ኣብ`ቲ ኣተሓሳስባኡ ነዛ ዓለም`ዚኣ ጋሻ ምዃኑ ምሉእ ርድኢትን እምነትን እንተ ዘይነብሮም ናብራ ግሽነት ኪነብር ኣይምኸኣለን ነይሩ።
ኣቦና ኣብርሃም`ውን እግዚኣብሄር ካብ`ታ መበቈል ዓዱ፡ ካብ ኵሉ ዘርኡን ዓሌቱን ተፈልዩ ኺወጽእ ምስ ኣዘዘ ዓይኑ ኸይሓስየ፡ ነግፈረግ ከይበለ ኪወጽእ ዘኽኣሎ፡ እታ ዓደቦኡ`ውን ንእኡ ዓዱ ኸም ዘይኰነት ምሉእ እምነት ስለ ዝነበሮ`ዩ። ናብ`ታ እግዚኣብሄር ርስቱ ገይሩ ኸም ዚህቦ ዘተስፈዎ ምድሪ ኸንኣን ምስ ኣተወ`ውን፡ ነቲ ናይ ግሽነት ኣተሓሳስባ ኣይደርበዮን። ስለ`ዚ ኸኣ ንዅሉ ናብርኡ ናብራ ግሽነት ገበሮ። ኣዝዩ ሃብታም ካብ ምንባሩ ዝተላዕለ፡ ሰፊሕ መሬት ገዚኡን ከሊሉን፡ ቤተ መንግስቲ ዚመስል ህንጻ ሃኒጹ ኺነብር ምኸኣለ ነይሩ። ንእኡ ገዲፉ ግን ኣብ ድንኳን (Tents) ይነብር ነበረ። ናይ`ዚ ምርጫኡ`ዚ ምኽንያት ከኣ፡ ኪነብረላ ዚደልይ ኣምላኽ ዝሃናጺኣ ናይ ሰማይ ከተማ ኸም ዘላቶ ምሉእ እምነት ስለ ዝነበሮ`ዩ።
ናይ`ዚ ግሽነትና መሰረትን ምኽንያትን እንታይ`ዩ፧ እዛ ዓለም`ዚኣኸ ንምንታይ`ያ ምድሪ ግሽነት ተባሂላ፧ ክንፍጠር ከለና ካብ ሓመድ ምድሪ ስለ ዝተፈጠርና፡ ምስ`ዛ ዓለም`ዚኣ ኣካልነት ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብ`ዛ ዓለም`ዚኣ ኽንነብር ንኬኽእለና ዝተዋህበና`ዩ። እቲ ዝዓበየን ኣብ ኵሉ መንነትናን ናብራናን ዝለዓለ ግደ ኺህልዎ ዚግባእ ኣካልነትና ግን፡ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልናዮ መንፈስና`ዩ። እንስሳ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተመቕሎ መንፈስን ባህርይን ስለ ዘይብሉ፡ ምሉእ መንነቱ ስጋውን ምድራውን`ዩ። ንሕና ሰባት ግና፡ ካብ እግዚኣብሄር ዝተኻፈልናዮ መንፈስን ባህርይን ስለ ዘሎና፡ ካብ ምድራውያን ንላዕሊ ሰማያውያን ኢና። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ ዕላማ ምፍጣርና ኣብ`ዚ ምድራዊ ስጋናን ናብራናን ነቲ ሰማያዊ መበቈልናን መንነትናን ምግላጽ`ዩ። ምድራዊ ዕድመና ኣዝዩ ሓጺር፡ እቲ ሰማያዊ ዕድመና ግን ዘለኣለማዊ ምዃኑ ንበይኑ፡ ሚዛን መንነትና ብዝያዳ ናበይ ገጹ ኺዛዝሙ ከም ዚግብኦ ብዘይ መግለጺ ዜረጋግጸልና`ዩ። ስለ`ዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ብዛዕባ`ታ ዜውርሶም ሃገር ኬፍልጦም ከሎ፡ "ምድሪ ናተይ`ያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም . . . ።" ኢሉ ኣፍለጦም (ዘሌ 25፡23)። ነዛ ዓለም`ዚኣ ጓኖት ምዃንና ብወግዒ እንተ ተነጊሩና፡ ናብራናን ኵሉ ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን ድማ ናይ ጋሻን ናይ ጓናን ኪኸውን ይግባእ ማለት`ዩ። ኣብ`ታ "ጓኖት" እትብል ቃል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ`ታ "ምሳይ እትነብሩ" ትብል ቃል`ውን ከነቕልብ ይግብኣና። ጓኖት ክነስና፡ ነዛ ናይ ግሽነት ናብራና ምስኡ ዘይንነብራ እንተ ዄንና፡ እቲ ናይ ጓንነት ናብራና ሕጋውነት የጥፍእ ኣሎ ማለት`ዩ። ምኽንያቱ እቲ ነዛ ዓለም`ዚኣ ዝፈጠረ ጐይታና፡ "እዚ ምሳይ ዘይኰነ መቐናቕንተይ`ዩ" ብምባል ነቲ መንፈሳዊ ሓቂ ገሊጹልና`ዩ (ማቴ 12፡30)። ኣብ`ዛ ዘይናትና ዓለም ምስኡ ንነብር እንተ`ሊና ኣብ`ታ ናይ ዘለኣለም ቤትናን ሃገርናን ናትናን ዝዀነት ሰማያዊት ዓለም ንዘለኣለም ምስኡ ክንነብር ኢና። እግዚኣብሄር ምሳና ዚኸውን ድማ ንሕና ምስኡ ምስ `ንኸውን`ዩ። (2ዜና 15፡2፣ መዝ73፡23)። እግዚኣብሄር ምስ መን ከም ዚኸውን ከኣ ጐይታና ብቓልን ብግብርን ኣርእዩና`ዩ።
"እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ፡ ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር`የ`ሞ፡ በይነይ ኣይሓድገንን`ዩ።" ዮሃ 8፡29፣ 16፡3 2 ግብ10፡33
እቲ ኣብ`ዛ ምድሪ`ዚኣ ጋሻን ጓናን ምዃኑ ብምሉእ ልቡ ዝተቐበሎ ሰብ፡ በቲ ዅሉ ሳዕ ዜዘውትሮ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ተግባሩ`ዩ ዚገልጾ። ቅዱስ ዳዊት፡ ካብ`ቶም ኣዘውቲሮም ነዛ ዓለም`ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃኖም ዝተኣመኑ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓደ`ዩ (1ዜና 29፡15 ፣ መዝ 39፡12,13 ፣ 119፡19)። እዚ ኣተሓሳስባኡን እምነቱን`ዚ ኸኣ፡ ዘመኑ ምሉእ ንፍቓድ ኣምላኽ ዜገልግል ሰብ ኪኸውን ኣብቅዖ (ግብ 13፡36)። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኵሉ ፍቓድ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ" ኢሉ መስከረሉ (ግብ 13፡22)።
እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝጠቐስናዮ ጓንነትና፡ ክንፍጠር ከለና ዝተረጋገጸ ጥራሕ`ዩ። ሰብ ብሓጥእ ኣካይዳኡ ነቲ ምስ`ዛ ዓለም`ዚኣ ዝነበሮ ጓንነት ኣጥፊኡ፡ ምድራዊ ዀይኑ መበቈሉን ፍጥረቱን ምስ ኣበላሸወ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ሓደ ወዱ በጃና መስዋእቲ ብምግባር፡ በቲ ኽቡር ደሙ ዓዲጉ ዳግማይ ኣጥረየና (1ቈረ 6፡19, 20፣ ገላ 3፡13,14፣ 1ጴጥ1፡8,19፣ 2ጴጥ2፡ 1ራእ5፡9,10)።
ስለ`ዚ ኸኣ ጐይታና፡ "ከም`ቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም`ውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን" ብምባል፡ ነዛ ዓለም`ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ጓኖትን ምዃንና ብወግዒ ኣረጋገጸልና (ዮሃ 17፡14,16፣15፡18,19 ፣ 8፡21,23)። እዚ ኸኣ በቲ ብእኡ ኣሚንና እንፍጽሞ ጸጋ ጥምቀት እንረኽቦ ኻልኣይ ልደት ዚረጋገጽ`ዩ (ዮሃ 3፡3,5,6፣ቲቶ 3፡5 ፣ ገላ 4፡4-7)። ስለ`ዚ እቲ ነዛ ዓለም`ዚኣ ጓኖትን ኣጋይሽን ምዃንና ብድርብ መገዲ፡ ማለት ብፍጥረትናን ብውልድነትናን ዝተረጋገጸ፡ ኪርሳዕ፡ ሸለል ኪበሃል ኰነ ኪከሓድ ዘይግብኦ መለኮታዊ ሓቂ`ዩ። እምበኣር ነዚ ድርብ መለኮታዊ መርትዖን ግብርን ሸለል ኢልና፡ ናብራ ግሽነት ገዲፍና ምድራዊ ናብራ ኽንነብር ከለና፡ ክብደትን ትርጕምን ናይ`ቲ ብግብርናን ቅዲ ናብራናን እነመሓላልፎ መልእኽቲ ማዕረ ኽንደይ ክፉእን ክሕደታውን ምዃኑ፡ መብርሂ ኽሳዕ ዘየድልዮ እምብዛ ግሁድ`ዩ።
ካብ`ዚ ኽሕደት`ዚ ድሒንና ናብራ ግሽነት ንምንባር እንታይ ኽንገብር`ዩ ዚፍለይ ዘሎ፡ ንዓለም መኒንና ኽንምንኵስ ዲና `ንሕተት ዘለና፧ ኣይፋልናን። ከም`ቲ ጐይታ "ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ" ዝበሎ፡ ብድንግልና ኽንነብር ጽውዓናን ምርጫናን እንተ ዀይኑ፡ ብኸምኡ እንተ ነበርና ሰናይ`ዩ (ማቴ 19፡10-13)። እዛ "ናብራ ግሽነት" ግን ንመርዓው ንመንኵስ፡ ዝደለናዮ ዓይነት ህይወት ንምረጽ ብዘየገድስ፡ ካብ ዝባንና ዘይትወርድ ኣካል መንነትናን ናይ ህይወት ተልእኾናን ዝዀነት ትእዛዝ`ያ። እዞም ዝጠቐስናዮም ቅዱሳን ኣቦታትና ዅሎም ሰብ ሓዳር`ዮም ነይሮም። ሓዳሮም ግን ኣይዓንቀፎምን፡ ካብ`ቲ መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ድማ ኣየብኰሮምን። ስለ`ዚ ኸም ሰብ-ሓዳር ኰይኖም ነታ ሓዳሮም ብናብራ ግሽነት ነቢሮምዋ ማለት`ዩ። ኵሉ`ቲ ኸባቢኦም ዝነበረ ህዝብን ባህልን ናብራ ዓለም ኪነብሩ ተጽዕኖ ዚገብር`ዩ ነይሩ። ንሳቶም ግና፡ ነታ ሓዳሮም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብጽድቂ ኪነብርዋ ዝጨከኑን ዝቘረጹን ሰባት ነበሩ። እግዚኣብሄር ነቦና ኣብርሃም ካብ ዓሌቱን ሃገሩን ተፈልዩ ኺወጽእ ምስ ኣዘዞ፡ "ናበይ ኢኻ ትወስደኒ ዘለኻ፧" ኢሉ`ውን ኣይሓተተን። ንኣምላኹ ብእምነት ተኣዚዙ ወጸ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ሎጥ ወዲ ሓዉን ናይ መጓሰዪ ቦታ ጸብበት ተፈጢሩ፡ እታ ምድሪ ንብዝሒ ጥሪቶም ምጻር ምስ ሰኣነቶ፡ "ኣነ`የ ዓብይ" ከይበለ፡ "ንርእሰይ ይጥዓመኒ" ከይበለ፡ ቦታ ናይ ምምራጽ ቀዳምነት ንሎጥ ሂቡ ዜደንቕ ኣርኣያ ሓደገልና (ዘፍ 13፡5-13)። ናብራ ግሽነት ይብሉኻ ከም`ዚ`ዩ። ከምኡ እንተ ዘይመርጽ ምስ ወዲ ሓዉ ናብ ጐነጻዊ ስጕምትን ናብ ምክላስን ምኣተዉ፡ ናይ ኣብርሃም ምስክርነት (Repatation) ከኣ ምተደወነ ነይሩ። ነቲ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ዝወለዶ ሓደ ወዱ "ሰውኣለይ" ምስ ተባህለ፡ ዓይኑ ኸይሓሰየ፡ ነግፈረግ ከይበለ፡ ልዕሊ 110 ዓመት ዝዕድሚኡ ሽማግለ ኽነሱ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዒዙ፡ ንወዱ ኣጋዲሙ ኺስውኦ ድልውነቱ ኣመስከረ። እዚ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ ገረሞን ኣሐጐሶን (ዘፍ 22፡15-19)።
ንሕና`ውን ነፍሲ ወከፍ እነርእያ ናይ ጽድቂ ሃቐና ዀነ ወስታ (Gesture)፡ ናይ ግሽነትና መርኣያ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓጢኣት ሃቐናን ወስታን ድማ፡ ግሽነቱ ናይ ዝኸሓደ ዓለማዊ ህይወት መርኣያ`ዩ። ንሓሶትን ሓቅን ከም ኣብነት ወሲድና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ሓሶት፡ ምድራውን ስጋውን ሰይጣናውን ጥበብ`ያ፡ ሓቂ ድማ ሰማያውን መንፈሳውን መለኮታውን ጥበብ`ያ (ያእ 3፡14-17)። ስለ`ዚ እቲ ሓቂ ዚዛረብ ሰብ፡ ነቲ ሰማያዊ ባህርይ ኣብ`ዚ ምድራዊ ህይወቱ ዜንጸባርቕ፡ ግሽነቱ ዝዓቀበ፡ ነቲ ሰማያዊ መንነቱ ዘኽበረ ስድደተኛ`ዩ። እቲ ብዚጠቅምን ብዘይጠቅምን ምኽንያት ብምሕሳው ዚንውር ሰብ ግን፡ ግሽነቱ ዝኸሓደ፡ ምስ`ቲ ኣቦ ሓሶት ብርኽሰት ዝተዛመደ ዓለማውን ስጋውን ሰብ`ዩ። ብዛዕባ ነፍስ ወከፍ ሓጢኣትን ጽድቅን እቲ ሓቂ ከምኡ`ዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኪእዝዘና ኸሎ፡ ብናይ ግሽነት መንፈስ ክንቅበሎን ክንእዘዞን`ዩ ትጽቢት ዚግበረልና። ስለ`ዚ ኸኣ ቅዱስ ጴጥሮስ፦
"ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ስለ ዝዀንኩም፡ 'ካብ`ቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ፡' እናበልኩ እመኽረኩም ኣለኹ እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለው፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ፍርዲ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስንግዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።"
"ኣነ ቕዱስ`የ`ሞ፡ ቅዱሳን ኩኑ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም`ውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳን ኩኑ። እቲ ንስኻትኩም ኣብ ጸሎት 'ኣቦ' ኢኹም እትጽውዕዎ ስለ ዚፈርድ፡ ኣብ`ዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ኣምላኽ ንበሩ።"ብምባል፡ ናብራ ግሽነት ብኸመይ ከም `ትንበር ነጊሩና ኣሎ (1ጴጥ2፡11,12፣1፡15-17ካ.ት)። ነዛ ምድሪ`ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ኴንና ብዓወት እንተ ነበርና። ነታ እትመጽእ ዓለም ደቂ ዓዲ፡ ሰብ ርስቲ ኽንከውን ኢና። ብኣንጻሩ ነዛ ዓለም`ዚኣ ከም ሃገርናን ርስትናን ጌርና እንተ ርኢናያን ብኸምኡ ንነብራ እንተ`ሊና ግን፡ ጐይታና "ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጠኩምን`የ፡ ካባይ ርሓቑ ኢሉ ዚሰጕጐና ናይ`ታ ሰማያዊት ሃገር ጓኖት ኴንና፡ ኣብ`ቲ ዝመረጽናዮ ቐላይ ሓዊ ብስቓይ ክንጥጠቕ ክንነብር ኢና። ቃል እግዚኣብሄር ግን ምርጫና ኸነጸብቕ፡ ነቲ ጊዝያዊ ዘይኰነ ነቲ ዘለኣለማዊ ኽንመርጽ፡ ብተግባርና ዀነ በተሓሳስባና ኣብ`ዛ ምድሪ`ዚኣ ናይ ግሽነት ናብራ ኽንነብር ምዒዱናን ኣጠንቂቑናን ኣሎ። ንመለበሚ ኪዀነልና፡ እቲ ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ልቦናን ምስትውዓልን ግብራዊ ናብራኦምን ብዝርዝር ተገሊጹልና ኣሎ። ህይወት ኵሉ ጊዜ ብምርጫን ብውሳነን`ያ `ትንበር። ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ፍጻመን ድማ ናይ ምርጫ ዕድል የቕርበልና፡ ኣሎ። ስለ`ዚ ብልቦናን ብብልህነትን ምርጫ ቅዱሳንና ንምረጽ። ኣብ ዘመን ግሽነትናስ፡ ናብራ ግሽነት ደኣ ንንበር!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
27 ሓምለ 2025 | ሓምለ 20, 2016 ግዕዝ (መበል 46 ሰንበት: ቊ.፵፮/46) |
||
ምስባክ መዝ.፷፬(፷፭)፡፱ "ሐወፅካ ለምድር ወአርወይካ። ወአብዛኅኮ ለብዕላ።ፈለገ እግዚአብሔር ምሉእ ማያተ።" ዓዲ፡ መዝ.፻፵፮(፻፵፯)፡፰-፱ "ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር። ወሐመልማለ ለቅኔ ዕጓለ እመሕያው። ዘይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 11፡1-10 |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 2፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 17፡21-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 24፡36-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቶ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ