S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ወለዶኹም ድሓኑ (መበል 48 ሰንበት: ቊ.፵፰/48)

"ሽዑ (ብዙሓት) ካብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ 'መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርእይ ንደልይ ኣለና፡' በልዎ። ንሱ ግና፡ 'ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደልይ፡ ብዘይካ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይውሃቦን`ዩ' በሎም። . . . 'ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስ`ውን ክትቅበሉ ኢኹም፡' በሎም። 'ካብ`ዚ ቄናን ወለዶ`ዚ ድሓኑ' እናበለ ኸኣ፡ ብዙሓት ካልእ ቃል መስከረሎምን መዓዶምን።" ማቴ12፡38,39 (ግብ2፡38,40)

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት`ዩ። ኣብ`ቲ "መብረቅ፡ ነጐድጓድ፡ በረድ፡ ባሕር፡ ኣፍላግ" ዚተሰምየ፡ ካብ ሓምለ 16 ኽሳዕ ነሓሰ 9 ዚዝርጋሕ ካልኣይ ንኡስ ዘመን ናይ ዘመነ ክረምት ኢና ዘለና። ካብ ባሕቲ ነሓሰ ጀሚርና ድማ፡ እንሆ ኣብ ጾመ ፍልሰታ ተጸሚድና ኣለና። እዚ ጾም`ዚ ሓደ ኻብ`ቶም ዓበይቲ ኣጽዋማት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና`ዩ። ብመሰረት ትውፊት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነሓሰ 16 ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናብ ሰማይ ዝዓረገትሉ ዕለት`ዩ። እቲ ካብ ነሓሰ 1-15 ዚጽወም ጾም ድማ ወለዳ፡ ኢያቄምን ሃናን፡ ብዛዕባ`ቲ ብመብጽዓ ዚውለድ ህንጻ ፍቓድ እግዚኣብሄር ንምፍላጥ ዝኣተውዎ ክልተ ሱባኤ`ዩ። "ሱባኤ" ማለት "ሾብዓተ" ማለት`ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንንና ካብ ባሕቲ ነሓሰ ኽሳዕ ነሓሰ 7 ዘሎ መዓልታት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዳሴ ያሬድ፡ "ዮም ንወድሳ ለማርያም" ዘርእስቱ`ዩ። እዚ ብመሰረት`ዚ መዝሙር`ዚ ዝተሰርዐ ቐዳማይ ናይ ገላ 4፡1-11 ንባብ፡ ነቲ ብምስጢረ ስጋዌ ዝረኸብናዮ ድሕነትን ውልድነትን ዚገልጽ፡- 

"ጊዜኡ ምስ በጽሐ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ (ሞት ተፈሪድዎም) ዝነበሩ ምእንቲ ኼድሕን፡ ንሕና`ውን ናይ ውልድነት ስልጣን (መሰል) ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነቲ (ብዘይ ሰብኣይ) ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ`ውን ዝሓደረ ወዱ ለኣኾ፡" ዚብል ሃዋርያዊ ቓል ሰፊሩልና ኣሎ (ገላ 4፡4,5 ካ.ት)። እቲ "ኻብ ሰበይቲ" ዚብል ቃል፡ ነዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም ዜመልክት`ዩ። እዚ ኸኣ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ባዕሉን ብቕዱሳን ነብያቱን ዝገለጾ`ዩ። እቲ እግዚኣብሄር ንተመን (ንድያብሎስ)፡ ዘርኢ ናይ`ታ ሰበይቲ ርእሱ ኸም ዚጭፍልቕ ዝነገሮ ቓል፡ ብዛዕባ`ቲ ኻብ ቅድስቲ ድንግል ተወሊዱ ንሰይጣን ዜጭፍልቕ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተነግረ ትንቢታዊ ቓል`ዩ (ዘፍ 3፡15)። ብነብዪ ኢሳይያስ`ውን ድንግል ከም `ትጠንስን ከም `ትወልድን፡ እቲ ዚውለድ ድማ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑን ዚገልጽ ትንቢት ተነጊሩ`ዩ (ኢሳ 7፡14፣9፡6,7)። እቲ ናይ 1ጴጥ1፡6-12 ንባብ ድማ፡ ነቲ ቕዱሳን ነብያት ብዛዕባ`ቲ ብጐይታና ዝተፈጸመ ድሕነት ዝነበሮም ኣገልግሎትን፡ ብዛዕባኡ ኣዕሚቖም ይምርምሩ ኸም ዝነበሩን ገሊጹልና ኣሎ (1ጴጥ 1፡10,11)። ኣብ`ቲ ናይ ግብ 1፡12-15 ንባብና፡ ድሕሪ ዕርገት ጐይታና፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ`ቲ ላዕላይ ደርቢ ኣብ ዘይበኵር ሓባራዊ ጸሎት ተጸሚዳ ኸም ዝነበረት ገሊጹልና ኣሎ (ግብ 1፡14)። ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ናይ ማቴ 12፡38-50 ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ድማ፡ ኣብ ክልተ ነጥብታት ዘተኰረ`ዩ። እቲ ቐዳማይ ብዛዕባ`ቲ ሽዑ ዝነበረ ወለዶ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ መሰረታዊ መብርሂ ኪኸውን ከሎ፡ (12፡38-45)፡ እቲ ኻልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋሉ ድማ፡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኬዛርብዎ ይደልዩ ኸም ዘለዉ ምስ ተነግሮ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ኣመልኪቱ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ዚጠቅስ ክፍሊ`ዩ (12፡46-50)። ክልቲኡ ኽፍልታት ድማ ተመላላኢ መልእኽቲ ዘለዎ`ዩ። ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ትምህርትና ድማ ካብ`ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል`ዚ ዝተወስደ`ዩ። ንወለዶ ዜበላሽዎን ንወለዶ ዚፍውሶን እንታይ ምዃኑ ዜነጽረልና`ዩ። ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ንባብና ዜመሓላልፈልና መልእኽቲ ኸም ዚግባእ ንኽንርድኦ፡ ምልስ ኢልና ነቲ ምዕራፍ ካብ መጀመርታኡ ኸነንብቦን ከነገናዝቦን ኣዝዩ ጠቓሚ`ዩ።

ጐይታና ንምንታይ`ዩ ብዛዕባ ወለዶ ኺዛረብ መሪጹ፧ ትእምርቲ ምድላይን ምሕታትን ሓጢኣት ድዩ፧ ንምዃኑኸ ትእምርቲ እንታይ ማለት`ዩ፧ ትእምርት" ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም "ምልክት" (Sign) ማለት`ዩ (እዮ 21፡29፣መዝ86፡17፣ኢሳ 55፡13፣ማር16፡17 ካ.ት፣1ቈረ1፡22)። ግእዝ መበቈል ናይ ትግርኛ ኸም ምዃኑ መጠን ከኣ "ትእምርቲ" ብምባል፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስና ተዘውቲሩ ኣሎ። ትእምርቲ ዀይኑ ዜመልክት፡ ተኣምራዊ ፍጻመ ኪኸውን ወይ ዘይኪኸውን ይኽእል`ዩ። ኵሉ ተኣምራት፡ ትእምርቲ`ዩ። ናይ እግዚኣብሄር ናይ ከኣልነቱ፡ ናይ ሕያውነቱ፡ ናይ ልኡላውነቱ ወዘተ ትእምርቲ ዀይኑ የገልግል`ዩ። ኵሉ ትእምርቲ ግን ናይ ግድን ተኣምራት ኣይኰነን። ንኣብነት ንናይ ምጽኣት ጐይታና ትእምርትታት እንተ ረኣናዮም፡ ገሊኣቶም ተኣምራውያን ናይ መዓት ትእምርትታት`ዮም። ከም`ኒ ብርቱዕ ጥምየትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን፡ ምጽልማት ጸሓይን ወርሕን፡ ምውዳቕ ከዋኽብትን ዝኣመሰሉ ፍጻመታት፡ ዘይጥዑምን ኣዕናውን ደኣ ይኹን`ምበር፡ ተኣምራዊ ፍጻመ`ዩ። ምብዛሕ ሓሰውቲ ነብያትን መሲሓትን፡ ናይ ብዙሕ ህዝቢ ምስሓትን ምዕንቃፍን፡ ኣሕሊፍካ ምውህሃብ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታትን መንግስታትን ዚለዓል ውግኣትን ናዕብታትን፡ ብዝሒ ኽፍኣት፡ ምዝሕታል ፍቕሪ ዝኣመሰሉ ፍጻመታት ከኣ ተኣምራውያን ኣይኰነን። እንተ ዀይኑ ኸኣ ናይ ሰይጣን ተኣምራት`ዩ ዚኸውን። ገሊኡ ትእምርትታት ድማ ስርዓታትን በዓላትን ኪኸውን ይኽእል`ዩ። ንኣብነት እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ ጕድለት ዘይብሉ ንጹህ ገንሸል ኪስውኡ፡ ደሙ ኣብ ልዳት ቤቶም ኪለኽይዎን ዝተዋህቦም ካልእ ኵሉ ትእዛዝን፡ ናይ`ቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ገንሸል ኣምላኽ ኰይኑ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚፍጸም ግብሪ ምድሓን ትእምርቲ`ዩ (ዘጸ12፡1-20 ፣ ዮሃ 1፡29፣ 1ቈረ 5፡7,8)። በዓል ሰሙናት (በዓል ሰዊት)፡ ናይ በዓል መንፈስ ቅዱስ ትእምርቲ`ዩ ዝነበረ (ዘሌ 23፡15-21፣ግብ2፡1-4)

ትእምርቲ ምሃብ፡ መለኮታዊ ባህርይን ኣሰራርሓን`ዩ። ነቲ ዝተዋህበካ ትእምርቲ ምልላይን ብእኡ ክትምራሕ ምፍቃድን ከኣ ሰብኣዊ ግድን ሓላፍነትን`ዩ። ትእምርቲ ምልማን ግን ንእግዚኣብሄር ዘይኣምኑ ሰባትን ህብታትን ዜዘውትርዎ፡ ናይ መንፈሳዊ ድኻም ምልክት`ዩ። ምኽንያቱ እምነት ካብ ምርኣይ ዘይኰነትሲ፡ ካብ ምስማዕ`ያ (ሮሜ 10፡17፣8፡24፣ 2ቈረ 4፡18፣5፡7፣ ዮሃ 4፡47,48፣20፡25-29) እግዚኣብሄር ነቲ ናይ ዘይምእማን ድኻምና ደጊፉ ናብ እምነት ንኼብጽሓና፡ ዝለመንናዮ ዀነ ዘይለመንናዮ ትእምርቲ ኺህበናን ኬርእየናን ይኽእል`ዩ። ንኣብነት ንነብዪ ሙሴ ኺግለጸሉን ኪልእኮን ምስ ደለየ ተደጋጋሚ ተኣምራዊ ትእምርትታት ኣርኣዮ (ዘጸ 4፡1-9)። ጊዴዎን ድማ ብኣምላኽ ተስፋ ቘሪጹ እምነቱ ዘጥፍአ ሰብ ነበረ። እግዚኣብሄር መራሕ እስራኤል ኰይኑ ካብ ኢድ ሚድያናውያን ኬድሕኖም ምስ ለኣኾ ግና፡ ንእምነቱ ዚድግፍ ትእምርትታት ኬርእዮ ለመኖ`ሞ፡ እግዚኣብሄር ንጸሎቱ ሰሚዑ ገበረሉ (መሳ 6፡11-24,36-40)። እስራኤላውያን (ኣይሁድ) ትእምርቲ ምልማን ዜብዝሑ ህዝቢ ነበሩ (1ቈረ1፡22)። ግን ከኣ ትእምርቲ እንተ ተዋህቦም፡ ተኣምራት እንተ ተገብረሎም`ውን ምእማን ዜጸግሞም፡ ተሪር ዝልቦም ንኣምላኽ ላሕ ዘበልዎ ህዝቢ ነበሩ። ንጐይታና ድማ "ትእምርቲ ኣርእየና" እናበሉ የሸግርዎ ነበሩ (ማቴ16፡3፣ዮሃ2፡18፣6፡30)። ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ዀነ ትምህርትና፡ እዚ "ትእምርቲ ኣርእየና" ዚብል ጥዕና ዘይብሉ ልመናኦም`ዩ። ጐይታና ድማ ትእምርቲ ዜለምኖምን ንዝተዋህቦም ትእምርቲ ኸይኣምኑ ዚዕንቅፎምን ጸገሞም እንታይ ምዃኑ ኼፍልጦም ስለ ዝደለየ፡ ነቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ፡ ናይ ማቴ12፡39 ቃል ተዛረቦም ንኽትኣምን ኢልካ ትእምርትን ተኣምራትን ክትርእይ ናይ ምድላይን ናይ ምልማንን ባህርይ፡ ናይ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ባህርይ ምዃኑ ምስናይ መድሃኒቱ ነገሮም። እቲ ዘይምእማን ዝመበቈሉ ትእምርቲ ናይ ምድላይ ባህርይ፡ ናይ ውልቀ ሰብ ዘይኰነ ናይ ወለዶ መልክዕ ሒዙ ስለ ዝነበረ፡ ጐይታና ናብ`ቲ መበቈላዊ ጠንቂ ኼመልክቶም ስለ ዝደለየ፡ ንሳቶም ብዛዕባ ትእምርቲ ኺዛረቡ ኸለው፡ ንሱ ኸኣ ብዛዕባ ወለዶ ተዛረቦም።

ግን ብዛዕባ ውልቀ ሰብ ገዲፍካ፡ ኣሕፊሽካ (Generalize) ጌርካ ብዛዕባ ህዝቢ ወይ ብዛዕባ ወለዶ ምዝራብ፡ ልክዕነት ዘለዎ ቕኑዕ ኣዘራርባ ድዩ፧ ልክዕነት ናይ`ቲ ኣዘራርባ፡ በቲ ዚዛረቦ ዘሎ ኣካል ዚውስን`ዩ። ነዚ ዘረባ`ዚ ኸም ኵላትና ሓደ ተራ ዝዀነ ሰብ ተዛሪብዎ እንተ ዚኸውን፡ ብዛዕባ ልክዕነቱ ምሉእ ዘይጐዱል ጥርጣረ ዜድልዮ`ዩ። ዋላ በዚ ዓለምና `ትጥቀመሉ ምርምራዊ መጽናዕቲ ተጠቒምና`ውን፡ ሓርፋፍ ስእሊ ደኣ ንረክብ`ምበር፡ ዝተማልአ ልክዕነት ናብ ዘለዎ መደምደምታ ኼብጽሓና ኣይክእልን`ዩ። እቲ ዚዛረብ ዘሎ ኣካል፡ ኵሉ ዚምርምርን ኵሉ ዚፈልጥን መለኮታዊ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግን፡ ኣረሚን ሰብ እንተ ዘይኴንካ፡ ንምንታይ`ሞ ኽትጠራጠሮ ኢኻ፧ ብመሰረቱ ኣብ ሓደ ዘመን ኣብ ሓደ ዓይነት ኵነታት ዚነብር ዘሎ ህዝቢ በተሓሳስባኡ ዀነ ብባህርዩ ልዑል ተመሳሳልነት ኣለዎ። ብዛዕባ ህዝብና ዀነ ብዛዕባ ኣብ ከባቢና ዘሎ ህዝቢ፡ ዋላ ኣብ ርሑቕ ብዛዕባ ዘሎ ህዝቢ ዚፍለጥ ባህርያት ኣሎ። ቍጡዕ፡ ቀልጢፉ ዚሓርቕን ዚበኣስን፡ ዓውዓው ዚብል፡ ማሕበራውን ስጋውን ዝምድናታቱ ዜኽብር፡ ለጋስ ተሓጋጋዚ ህዝቢ ኣሎ። ናይ`ዚ ኣንጻር ብዝዀነ ባህርይ ዚልለዩ ኻልኦት ህዝብታት ከኣ ኣለዉ። እዚ ሕጂ ኣብ ዘመንና ዘሎ መንእሰይ፡ ምስ`ቲ ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ 60ታት ዝነበረ መንእሰይ ወለዶ እንተ ነነጻጽሮ፡ ኪልለዩሉ ዚኽእሉ ኣዝዩ ጕሉሕ ፍልልያት ከም ዘለዎም ዘይከሓድ`ዩ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ኵሉ ዚኽእል፡ ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ይትረፍ ብዛዕባ`ቲ ሕጂ ዘሎ፡ ብዛዕባ`ቶም ኣብ መጻኢ ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት ዚፍጠሩ ወለዶታት`ውን ብዚርዝር ዚፈልጥ ብልክዕነት ኪዛረብ ዚኽእልን`ዩ። ከም`ቲ ቕዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ነቲ ዘየለ`ኳ ኸም ህልዊ ኺዛረበሉ ዚኽእል`ዩ (ሮሜ4፡17)። ብመሰረቱ ኸኣ እቲ ስሉስ ቅዱስ እግዚኣብሄር (Godhead) ብወለዶ`ዩ ዚሓስብን ዚሰርሕን። ኵሉ ነገር ኪገብር ከሎ ብመንጽር ወለዶታት`ዩ ዚገብሮ። ኪዳን ኪኣትው፡ ኪምሕር፡ ኪቐጽዕ፡ ኪፈርድ፡ ኪባርኽ ከሎ፡ ብደረጃ ወለዶታት`ዩ ዚምድቦን ዚገብሮን። ምኽንያቱ ነቲ ዝሓለፈን ዘሎን ነቲ ብሕጂ ዚውለድን ወለዶታት፡ ከም ሓደ ኣካል ከም ሓደ ሰብ ገይሩ`ዩ ዚርእዮም። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ወደቑ፡ እቲ ፍርዲ ኣብኣቶም ጥራሕ ከይደረተ ንዅሉ ወለዶታት ሰብ`ዩ ፈሪድዎ (ዘፍ 3:17 ዘጸ 32:21; 32:30; ዘሁ 20:12 ፡ ማቴ 14:4; 18:32; 25:26; ማር 6:18; ሉቃ 3:19; 23:39–40; ግብ 2:23; 7:52; 2ጴጥ 2:16.)። ምስ ኣቦና ኣብርሃም፡ ይስሃቕ፡ ያእቆብ፡ ዳዊት ኪዳን ኪኣትው ከሎ፡ ምስ ዘርኦም ከይተረፈ`ዩ ኺዳን ዝኣተወ (ዘዳ 1፡8 ፣ 4፡37)። ብዛዕባ ገዛእ ባህርዩ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኺእውጅ ከሎ`ውን፡ "ኣነ እግዚኣብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንዅራ ደንጓዩ፡ ብዓል ዓብይ ፍቕርን ሓቅን፡ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ፍቕረይ (ጸጋይ) ዝሕልው፡ ዓመጽን ምፍራስ ሕግን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል`የ። ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጻዕኩ ዘይሓድጎ፡ እኳ ድኣ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቅን ኣብ ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ`የ" ብምባል፡ ባህርዩ ዀነ ኣሰራርሓኡ ወለዶኣዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ (ዘጸ34፡6,7 ካ.ት)። ማዕረ ኽንደይ ሕያዋይ ኣምላኽ ምዃኑ ዜርእየና ግን ፍቕሩ ንሽሕ ወለዶ ዓቂቡ፡ ቅጽዓቱ ግን ካብ ራብዓይ ወለዶ ዘይሓልፍ ገይሩ ምድራቱ`ዩ። ኣብ ኵሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኻትን ጥቕስታትን እንተ ረኣና`ውን፡ ነዚ ወለዶኣዊ ኣሰራርሓ ናይ እግዚኣብሄር ጐሊሑ ኢና`ንረኽቦ። እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ኪፈልጦን ኪዳን ኪኣትወሉን ከሎ፡ ገና መኻን ክነሱ ንእኡን ንዘርኡን እናበለ`ምበር፡ ንበይኑ ንኣብርሃም ፈልዩ ተዛሪቡሉ ኣይፈልጥን`ዩ ዘፍ 12፡2,3, 15፡13-16፣18፡17-19፣22፡17,18)። ዋላ ነቶም ብሓጢኣቶም ዘትከኽዎ ኣበሰኛታት`ውን ዋላ ንወለዶታቶም ይፍደዮም ነበረ (1ሳሙ፡21፡27-36፣3፡11-14፣1ነገ14፡7-11፣16፡1-13)። ጐይታና`ውን ካብ`ዚ መለኮታዊ ባህርዩ`ዚ ተበጊሱ`ዩ ብዛዕባ ወለዶ ዚዛረብን ዚፈርድን። ብዘይካ ኣብ`ዚ መሪሕ ጥቕስና፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት`ውን ወለዶ-ጠቀሰ መልእኽትታት ሂቡና ኣሎ። ነቲ ሕማም ምንፍርፋር ዝነበሮ ወዲ ኺፍውስ ከሎ፡ ካብ ኣቦኡ ዀነ ካብ`ቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ህዝቢ እምነትን ቅንዕናን ስለ ዘይረኸበ፦"ኣታ እምነት ዘይብሉ ቄናን ወለዶ፡ ክሳዕ መዓስ ምሳኻትኩም ክነብር`የ፡ ክሳዕ መዓስከ ኽዕገሰኩም`የ"ብምባል ገሰጾ (ሉቃ 9፡37-42፣ማር9፡14-27፣ማቴ17፡14-18 ካ.ት)። ብዛዕባ`ቲ ኣብ 70 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምን ህዝባን ዚወርድ መዓት ኪገልጽ ከሎ ድማ፦ 

"እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ ክሳብ ደም ናይ`ቲ ኣብ መንጎ ቤት መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፡ ሕነ ናይ`ቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ`ዩ። እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ`ዚ ኸም ዚበጽሖ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።" ብምባል ኣበሳ ዀነ ፍርዲ ብደረጃ ወለዶ ኸም ዚፍጸም ኣረጋገጸልና (ማቴ 23፡35,36 ካ.ት)። ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ ኪዛረብ ከሎ`ውን፡ "ንሰብ ናይ`ዚ ወለዶ`ዚ ብምንታይ ክምስሎም`የ፧ ንመንሲ ይመስሉ" ኢሉ ኣሎ (ሉቃ 7፡31፣ማቴ 11፡16)።

ሕራይ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ብወለዶ ይሓስብን ይሰርሕን፡ ንሕና ሰባትከ ብኸመይ ኢና ኽንሓስብን ክንሰርሕን ዚግብኣና፧ ካልእ ኣማራጺ የብልናን፡ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጠርና፡ ብዅሉ ነገርና ንእኡ ኽንመስል`ዩ ዚግባእ። እንስሳ ጥራሕ`ዩ ብዛዕባ ወለዶኡ ኺሓስብ ዓቕሚ ዘይብሉ፡ ትጽቢት`ውን ዘይግብረሉ። ናይ`ቶም ንኣና ዝፈረዩ ወለዶታት ኣበሳን ጽድቅን ንሕና`ውን `ንፍደዮ እንተ`ሊና፡ እቲ ናትና`ውን ነቶም ንሕና `ንፈርዮም ወለዶታት ኪበጽሖም`ዩ። እቲ ዘለናዮ ወለዶ`ውን ነቲ ናትና ዕጫ ብቐጥታ ይጸልዎ`ዩ። ስለ`ዚ ንሕና`ውን ናይ`ቲ ንወለዶና ዚገጥሞ በረኸትን መርገምን ተረባሕቲ ወይ ከኣ ተጐዳእቲ ስለ `ንኸውን፡ ናይ ግድነት ብዛዕባ`ቲ ዘለናዮ ወለዶ ኽንሓስብን ክንጥንቀቕን ይግባኣና`ዩ። ወለዶና ብጽድቅን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚመላለስ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ኣሰሩን ምስኡን ክንጐዓዝ ይግብኣና። ብኣንጻሩ ወለዶና ብርኽሰት ይቈማጣዕ መዓት ይዕድምን እንተ`ልዩ ግና፡ ካብ`ቲ ገዛእ ወለዶና ርእስና ኸነድሕነሉ ብዛዕባ `ንኽእል መገዲ ኽንሓስብን ክንሰርሕን፡ ናይ ሓደ ጥዑይን ምሉእን ሰብ፡ ሰብኣዊ ግዴታ`ዩ። እንተ ዘይኰነ። ካብ`ቲ ደምሳሲ ናይ መዓት ወሓይዝ ናብ `ነምልጦ ኣይኪህልወናን`ዩ። ስለ`ዚ ብዛዕባ ሕሉፍን ህልውን መጻእን ወለዶታትና እናሓሰብናን እናመርመርናን። እቲ ዚጠቅም እናገበርናን ክንመላለስ ይግብኣና። ኣብ ዘመን ነብዪ ህዝቅኤል ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል፡ ናቱ ግብሪ ነቶም ዚፈርዮም ወለዶታት ከም ዚወርዶም ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ነበረ። ዓለወኛን ሕሱምን ህዝቢ ስለ ዝነበረ ግና "ንደቅና`ምበር፡ ንኣና ዚወርደና ነገር የለን" ዚብል ሰይጣናዊ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢሎም ከም ድላዮም ይሓጥኡን ይንውሩን ነበሩ። ሕሉፍ ሓሊፍዎም፡ "ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ`ሞ፡ ነስናን ናይ`ቶም ውሉዶም ኰኸወ፡" ዚብል ምስላ መሲሎም የዘውትርዎ ነበሩ (ህዝ፡18፡2)። እግዚኣብሄር ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳኦም ምስ ተዓዘበ፡ ነዚ ተንኰሎም`ዚ ንምቕጻዕ ዓስቢ ዓመጻኦም ኣብ ርእሶም ኬውርደሎም ምስ ጀመረ፡ "እዚ እግዚኣብሄር ዚገብሮ ዘሎ ቕኑዕ ኣይኰነን፡ ስለምንታይ`ዩ እቲ ውሉድ (ሓጢኣት ኣቦኡ ዘይጸውር) ብሓጢኣት ኣቦኡ ዘይቅጻዕ፧" ኢሎም ኬዕዘምዝሙ ጀመሩ (ህዝ 18፡19,26)። እዝስ ብመልክዕ ኣምላኽ ናይ ዝተፈጥረ ሰብ ኣተሓሳስባ`ዩ ኺበሃል ይከኣልዶ፧ ንጉስ ህዝቅያስ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክነሱ፡ ነዚ ዜሕፍር ኣተሓሳስባ`ዚ ኻብ ዘንጸባረቑ ሰባት ሓደ ነበረ (ኢሳ 39፡5-8)። እቲ ልክዕ ከም ፈጣሪኡ ብወለዶ ዚሓስብ ሰብ ግን፡ ብዛዕባ በደል ኣቦታቱ ቅኑዕ ንስሓ ይኣትው (ነህ 1፡6 ፣ ኢሳ 59፡12 ኤር 5:3; 7:11; ድጕ 3:60; ህዝ 8:12; ኣሞ 9:8; ዘካ 4:10;)፡ ካብ`ቲ ናይ ገዛእ ወለዶኡ ሓጢኣት ይጥንቀቕ፡ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ወለዶታቱ ዕጫ`ውን ይግደስን ይጥንቀቕን። ኣይሓጥእን፡ እንተ ሓጥእ ድማ ቀልጢፉ ይንሳሕ፡ ንወለዶታቱ ዓስቢ ሓጢኣቱ ኸይወርዶም ድማ ይጽልይ።

ብኸመይ ኢና ገዛእ ርእስና ኻብ ወለዶና ኸነድሕን `ንኽእል፧ ርእስና ኻብ ወለዶና ኣድሒንናኸ፡ ናይ ኣየናይ ወለዶ ኣካል ኢና ኽንገብራ፧ ኣብ`ቲ ምስ መሪሕ ጥቕስና ተዛሚዱ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ግብ2፡40 ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቃል፡ እቲ መልሲ ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ወለዶ "ቄናን ወለዶ" ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኻብ`ዚ ወለዶ`ዚ ኺድሕን ዚደልይ ሰብ፡ "ቅኑዕ" ሰብ ኪኸውን ይግብኦ፡ ካብ "ክፉእን (wicked, Evil) ዘማውን ዘይኣምንን ወለዶ" ኪድሕን ዚደልይ ሰብ ድማ፡ "ጻድቕ፡ ቅዱስ፡ ኣማኒ" ሰብ ኪኸውን ይግብኦ። ነዚ ኸኣ ንስሓ ኣትዩ ሕድገት ሓጢኣት ብምርካብ፡ ብድሕሪኡ ድማ ብጽድቕን ብቕድስናን ብምምልላስ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮን ብእኡ ዚምራሕን ሰብ ብምዃን`ዩ ዚፍጸም። ናብ`ዚ ስጕምቲ`ዚ ንኽትድረኽ ግና፡ ናትካ ናይ ውልቅኻ ጥራሕ ዘይኰነ ናይ`ቲ ወለዶኻ መንፈሳውን ማሕበራውን ኣካይዳ ኽትምርምርን ክትፈልጥን ይግብኣካ። ጥዑይ ጌርካ ኽትምትምርን ክትፈልጥን እንተ ዄንካ ግን፡ እቲ ኣረኣእያኻን ኣመዛዝናኻን ልክዕ ናይ`ቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠረካ ኣምላኽ ኪመስል የድልዮ። እግዚኣብሄር ንወለዶታት እስራኤል ምስ ተዓዘቦም፡ "ደቂ ኣበሳ፡ ዘርኢ ሓሶትን ሓጥእ ዓሌት፡ በደል እተጻዕነ ህዝቢ፡ ዘርኢ ገበርቲ እከይ፣ ጥፉኣት ውሉድ፣ ሓረመኛን ቄናን ወለዶን፣ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ" ወዘተ እናበለ ይገልጾም ነበረ (ኢሳ 57፡4,5፣4፡20,1፡4, ዘዳ 32፡5,6,20)። እምብዛ ምስ መረሮ ድማ፡ "በቲ ወለዶ`ቲ ኣርብዓ ዓመት ተመነወኒ'መገደይ ዘይፈለጡ፡ ብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ`ዮም" በልኩ።" ኢሉ ኪቐጽዖም ብዅራኡ መሓለ (መዝ 95፡10,11)። መንፈሳዊ ርድኢትካን ኣተሓሳስባኻን ካብ`ቲ ናይ ወለዶኻ ዘይሓይሽ እንተ ዀይኑ ግን፡ እቲ ቔናን ቅኑዕ፡ እቲ ርኹስ ቅዱስ ኰይኑ ስለ ዚረኣየካ፡ ንእኡ ኽትመስል`ምበር፡ ካብ`ቲ ናቱ ዓይነቱ ህይወት ናይ ምድሓን ባህግን ሃቐናን ኣይርከበካን`ዩ። ከም`ቲ ንጉስ ሰለሞን፡ "ርኽሰቱ ኸይተሓጽበስ፡ 'ኣነ ንጹህ`የ' ዚብል ወለዶ ኣሎ፡" ዝበሎ`ዩ ዚኸውን (ምሳ 30፡12፣ኤር 2፡23,35፣ኢሳ65፡5-7)። ናይ ወለዶኡ ባህርይን መንነትን ጽቡቕ ገይሩ ኼስተውዕል ዚኽእል፡ እቲ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝተፈወሰን ጥዑይ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ዘለዎን ሰብ ጥራሕ`ዩ። ኣብ ጥዑይ መንፈሳዊ ቝመና ኸም ዘለና ካብ ዜረጋግጸልና ምልክታት ሓደ፡ ብደረጃ ወለዶ ኽንሓስብን ክንመዝንን ምኽኣልና`ዩ። "ከም ህዝብኻ ምዃን ጽቡቕ`ዩ" ዚብል፡ "ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት" ዝዓይነቱ ውዱቕ ኣተሓሳስባ እንተ`ልዩካ ግን፡ ከም`ቲ ነብዪ ኣሳፍ ዝበሎ፡ ብዅለንተናኻ ነቲ ወለዶኻ ኽትመስል ከም ቅቡል ጌርካ ኢኻ ትወስዶ (መዝ 73፡3-11 ካ.ት)።

ነቲ ኸም እግዚኣብሄር ብወለዶታት ናይ ምሕሳብ መንፈሳዊ ዓቕሚ ምስ በጻሕካዮ እቲ ወለዶኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ዚብድልን ዜጕህይን ኣካይዳ ኸም ዘለዎ ምስ ተገንዘብካ ኽትወስዶ ዚግባእ ስጕምቲ፡ ካብ`ቲ ንእኡ ዘበላሸወ ሕሱር ኣካይዳ ርእስኻ ምንጻህን ምሕላውን`ዩ። ምኽንያቱ እቲ ንወለዶኻ ሓጥእ ዓሌት፡ በደል እተጻዕነ ህዝቢ፡ ኽፉእን ዘማውን ቄናንን ሓረመኛን ዓለወኛን ወለዶ ዝገበረ ዅሉ መጋብር ኣባኻ`ውን ዚርከብ እንተ ዀይኑ፡ ኣንጻር ኣምላኽ ተዓጢቕካ እትዋጋእ ቀንዲ ጸላኢ ኢኻ ማለት`ዩ። በተሓሳስባናን ብዓይነት ህይወትናን ኢና ኻብ ወለዶና ንፍለይ`ምበር፡ ብኣካል ኣይኰነን። ከም`ቲ ህዝብና ዝገበሮን ዚገብሮ ዘሎን፡ ካብ ሃገርናን ህዝብናን ኣርሒቕና ናብ ምዕራብ ናብ ደቡብ ናብ ምብራቕ ገጽና እንተ ተሰደድና`ኳ ኣብኡ ዚነብሩ ኻብ`ቲ ዘምለጥናሉ ወለዶ ንላዕሊ ዝረኸሱን ዝተበላሸውን ወለዶታት ኪጸንሑና`ዮም። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ፡ ነቲ ናይ ኢሳ 52፡11 ቓል መሰረት ብምግባር፡ ከም`ዚ ዚስዕብ ኢሉና`ሎ። 

"ምስ`ቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ (ኣርዑት) ኣይትቈረኑ፡ ጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ዜራኽብ ኣለዎም፧ ወይ ከኣ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧ ክርስቶስ ምስ ድያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ ኣምላኽ 'ምስኣቶም ክነብር፡ ኣብ መንጎኦም`ውን ክመላለስ`የ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን`የ፡ ንሳቶም`ውን ህዝበይ ኪዀኑ`ዮም' ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤት መቕደስ ናይ ህያው ኣምላኽ ኢና'ስለ`ዚ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን' ይብል እግዚኣብሄር፡ 'ርኹስ ኣይትተንክዩ (ርኽሰት ኣይሃሉኹም)፡ ኣነ`ውን ክቕበለኩም`የ፡ ኣቦ ክዀነኩም`የ፡ ንስኻትኩም`ውን ኣወዳትን ኣዋልድን (ደቀይ) ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል`ቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር።" 2ቈረ6፡14-18 ካ.ት።

እዚ ብነብዪ ኢሳይያስ ዝተባህለ ብሃዋርያ ጳውሎስ`ውን ዝተደግመ፡ "ውጹን ተፈለዩን" ዚብል ኣምላኻዊ ትእዛዝ፡ ኣካላዊ ናይ ቦታ ምፍላይ ኣየስምዕን`ዩ። ብዓይነት ህይወትካን ብዅለንተናዊ ኣካይዳኻን ዚግበር ምፍላይ ጥራሕ`ዩ። ጐይታና ብዛዕባ ቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣቦኡ ኣብ ዘዕረጎ ጸሎት፡

"ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፡ ከም`ቲ ኣነ ናይ ዓለም ዘይኰንኩ ንሳቶም`ውን ናይ ዓለም ኣይኰኑን`ሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም፡ ካብ`ቲ ኽፉእ (ድያብሎስ) ክትሕልዎም`ምበር፡ ካብ ዓለም ክትወስዶም (ከተውጽኦም) ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ"

ብምባል እቲ ምፍላይ፡ ኣብ ዓለም እናሃለኻስ ናይ ዓለምን ናይ ድያብሎስን ዘይምዃን`ምበር፡ ካብ ወለዶኻ ዀነ ኻብ ዓለም ጠቕሊልካ ብኣካል ምርሓቕ ከም ዘየመልክት ኣነጺሩልና ኣሎ (ዮሃ 17፡14,15 ካ.ት)። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ዓለምን ኣብ ማእከል ወለዶኻን እናነበካስ፡ ናይ እግዚኣብሄር ምዃን`ዩ። ንእግዚኣብሄር ከም ኣምላኽካን ከም ኣቦኻን ተቐቢልካ፡ ንኣምላኽነቱ ዀነ ንኣቦነቱ ዚምጥንን ዚበቅዕን ህይወት ምንባር ማለት`ዩ። ካብ`ቲ ብልሽው ወለዶና ርእስና ኣድሒንና፡ ከም`ቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝበሎ፡ ኣካል ናይ`ቲ ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ቅዱስን ሕሩይን ወለዶ ኽንገብራ ይግብኣና ማለት`ዩ። " ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ምሑራት ኢኹም።" 1ጴጥ 2፡9,10 ከምኡ እንተ ገበርና፡ ኣብ`ታ ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ዚግለጸላ ናይ ምጽኣቱ ብርኽቲ መዓልቲ ከም`ቶም ናይ ዓለም ኰይኖም ዕድሚኦም ዘብለዩ ሰባት፡ ነኽራንን ንዀረቢትን "ከውሉና፡ ካብ ገጽ ናይ`ቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ ናይ`ቲ ገንሸልን ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና" ዚብሉ ዘይኰነስ፡ ምስ`ቶም ቅንዕ ኢሎም ርእሶም ዜልዕሉን መዝሙር ናይ`ቲ ገንሸል እናዘመሩ ብኽብርን ብሓጐስን ዚቕበልዎን ምስኡ ብደበና ናብ ሰማይ ዚዓርጉ ቕዱሳን ክንስራዕ ኢና (ራእ6፡15,16፣15፡2-4፣ሉቃ 21፡28)።

ካብ ወለዶኻ ምድሓን ግን ብዓቕሚ ድኹም ሰብ ጥራሕ ኪትግበር ዘይከኣል ተልእኾ ህይወት`ዩ። ከም`ዚ ዝዓይነቱ ቅዱስን ተባዕን ዝዀነ ምርጫን ውሳነን ከነልዕል ከለና፡ ንበይንና ኸም ዘየለና ርግጸኛታት ንኹን። ብዘሎ ምልኣት ኣምላኽ ሰለስቲኦም ኣካላት ቅድስት ስላሴ፡ ኣብ ውሽጥና ማሕደሮም ጌሮም ንረድኤትና ነቒሖምን ተጊሆምን ደው ከም ዚብሉ ፈጺምና ኣይንጠራጠር (ዮሃ14፡15-17,23,ፊል 4፡13,2ጢሞ 4፡17,1ጴጥ5፡10)። ሰብ፡ እዚ ድኹም ፍጥረት፡ እሙን ኰይኑስ፡ እግዚኣብሄር ኪጠልምን ኬግድዕን`ዩ ኢልካ ፈጺምካ ኪሕሰብ ዘይግብኦ`ዩ። እቲ ዝተፈለናዮ ወለዶን ሰይጣንን ዓለም ጽቡቕ ከም ዘይፈድዩና ርዱእን ቅቡልን`ዩ። እቲ ዝኣመንናዮን ዝተኣመንናዮን ኣምላኽ ከም ዘየሕፍረና ድማ ካብኡ ንላዕሊ ኣዝዩ ርዱእ ሓቂ`ዩ። ናይ`ቲ ንእግዚኣብሄር ዝተጸየፈን ብዓብዪ ኸኣ እግዚኣብሄር ተጸየፎን ክፉእ፡ ቄናን፡ ዘማዊ፡ ሓረመኛ፡ ገባር እከይ፡ በደል ዝተጻዕነ፡ ዘርኢ ሓሶት፡ ሓጥእ ዓሌት ዝዀነ ወለዶ ምልክታት ኣባና ኸይርከብ ጥራሕ ንጠንቀቕ። ካብ ወለዶና ርእስና ነድሕን!!

 ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

10  2025 |  4, 2016 ግዕዝ (መበል 48 ሰንበት: ቊ.፵፰/48)

ምስባክ

መዝ፹፮(፹፯)፡፭ "እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ። ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ። ወውእቱ ልዑል ሣረራ።"

"ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡ እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶም፡ ኪበሃል’ዩ፡ እቲ ልዑልውን ባዕሉ ኼጽንዓ’ዩ።

ንባባት

ኣንባቢ

ገላ 4፡1-11

ዲያቆን

1ጴጥ 1፡6-12

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 1፡12-15

ንፍቅ ካህን

ማቴ 12፡38-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ መዝሙር፦ ዮም ንወድሳ ለማርያም

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div