S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ህይወት ዜስዕብ ሞት (መበል 44 ሰንበት: ቊ.፵፬/44, 2025 | 2017 ግዕዝ

 ገለ ሰብ ግና፡ምዉታት ከመይ ኢሎምዮም ዚትንስኡ፧ ከመይ ዝበለ ሰብነትከ ኺህልዎም፧ዚብል ይህክው ይኸውን። ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብንዩ። . . . ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይናትነብር፡ እንተ ሞተት ግና ብዙሕ ፍረ ኸም `ትፈርይ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።1ቈረ 1535,36 ዮሃ 1224 .

 እንሆ ዕለት ኻልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምትዩ። ኣካል ናይዘርእ፡ ደመና፡ ጠልዝተሰምየ ቐዳማይ ንኡስ ክፍለ ዘመን ናይ ዘለናዮ ዘመነ ክረምትዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ብዘይካ ሓምለ 5 ካብ ሓምለ 3 ኽሳዕ ሓምለ 9 ኣብ ዘሎ ቕንያት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያረድ፡ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቱዘርእስቱዩ። እዚ መዝሙርዚ፡ንዝለመኖ ዅሉ ጸሎቱ ይሰምዖን ይህቦን። ንሱ ጐይታኣ ንሰንበት፡ ኣምላኽ ምሕረት ከኣዩ። በብዓመቱ ክረምቲ ይህብ (የርሕው) ደበናታት ከኣ ንቓሉ ይሰምዑ (ይእዘዙ) ንኣና ክረምቲ ይህበና፡ ምሕረት ከኣ ይገብረልና። ምእንቲ ሰብ ኢሉ ድማ ሰንበት ሰርዐ። (ስለ) ነቲ ዝናም ዝሃበናን ሰላም ዝጸገወናን (ኣምላኽ) ንዝምርን ነመስግንን።ዚብል ንኣምላኽ ዜኽብር መዝሙርዩ። ነዚ ዕለት ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ምስባክንውን፡ ምስ ዘለናዮ ዘመነ ክረምቲ ዚሰማማዕ ትሕዝቶ ዘለዎዩ። ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ልክዕ ከም ናይ ትማሊ ሰንበት ንባብና (ሉቃ 82-2) ትሕዝቶ ዘለዎ ተመሳሳሊ ንባብ (ማቴ 131-12) እቲ ናይ ዕለት ምንጪ ኣርእስትናን ትምህርትናን ኰይኑ ዘሎ ናይ 1ቈረ 1531-44 ንባብ ድማ ንሞትን ህይወትን ምስ ዘርኢ ኣዛሚዱ ዚገልጽ ንባብዩ። እቲ ናይ ግብ 148-18 ንባብውን ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ፡

ምስናይ ኸኣ (እግዚኣብሄር) ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበኩም፡ ንልብኹም ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን (ህያው ከም ዝዀነ ኣመስከረ)” ዝበሎ ምስ ዘመንና ዚሳነይ ቃል ጠቒሱልና ኣሎ (ግብ 1417) እዚ ሃዋርያዊ ቓል እቲ ኣብ ዘመነ ክረምት እንረኽቦ ዝናምን ፍርያትን ናይ እግዚኣብሄር ናይ ህያውነቱን ሕያውነቱን መጋቢነቱን ምስክር ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ስለ ዘመን ክረምቲ ንኸሰዐና ዚመልእን ንስጋና ዜስብሕን እኽሊ ምሃብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዓብይ መንፈሳዊ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ግብሪ ኣምላኽ ምዃኑ ኢና ንርዳእ። ንሕና ግን ዑደታዊ መልክዕ ዘለዎ ጊዚኡ ሓልዩ ባዕሉ ዚኽሰት ሕጊ ተፈጥሮ ስለ ዚመስለና፡ በቲ ዝረኸብናዮ ፍረ፡ ኸብድና ብምግቢ ጁባናን ካዝናናን ድማ ብገንዘብ ምምላእ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነቲ ናይ ክረምቲ መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣይነቕልበሉን፡ ንኣምላኽውን ኣይነመስግነሉን ኢና። እዚ ጕልቡብ ክሕደት ኸኣ ኣብ ምድሪ ዀነ ኣብ ሰማይ ጽቡቕ ኣይፈድየናንዩ። ቤት እስራኤል ነቲ እግዚኣብሄር ብኽረምቲ ዘርኣዮም ሕያውነት ኣፍልጦ ኺህብዎን ንእኡ ብምፍራህ ኬኽብርዎን ከም ዘይደለዩ ምስ ረኣየ፡ ክረምቲ ብምኽላእ ኣምሪሩ ድሕሪ ምቕጽዑ፡ ከም ዚስዕብ በሎም። ንስኻትኩም ግና ኣቱም ህዝቢ (ይሁዳ) እምቢተኛታትን ዓለወኛታትን ኢኹም። ንድሕሪት ተመሊስኩም ሓዲግኩምኒ ኸድኩም። በብጊዚኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን እነ ሃብኩኹም፡ ምዱብ ሳምንታት ቀውዒውን እንተ ሰራዕኩልኩም። ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣየኽበርኩምንን። (ስለ) ኣበሳኹምን ሓጢኣትኩምን (ጸጽቡቑ ኣኽልኣኩም) ሰናይ ነገር ከም ዘይትቕበሉ ገበረኩም።ኤር 523-25 .

ሳዕቤን ናይ ኸም መቕጻዕቲ ዝወረዶም ዜሰክሕ ደርቂ ድማ ኣብ ኤር 141-22 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። እግዚኣብሄር ነቶም ንእኡ ዘይፈርሁን ዘይእዘዙን ህዝቢ እንታይ ከም ዚገብሮም፡ ብነብዪ ሙሴ ኣነጺሩ ገሊጹዩ።

ድሕሪ ዅሉ ድማ ገና እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ (ብሰሪ) ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩምየ። ነቲ ደረቐኛ ትዕቢትኩም ክሰብሮየ። ሰማይኩም ዝናም ከም ዘይህብ፡ ምድርኹምውን ንቑጽ ከም ዚኸውን ክገብርየ። ምድርኹም እኽላ ኣይክትህብን፡ ኦም ሃገር ከኣ ፍሪኣ ኣይክትህብንሞ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ኺውዳእዩ።ዘሌ 2618-20 .

እግዚኣብሄር ብዜማስን ሕማምን ብዓሶን ብረስንን ብሃሩርን፡ ብነቕጽን (ብደርቅን) ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓኩምዩ፡ ክሳዕትበርሱ ድማ እዚ ጥፍኣት ኺስዕበኩምዩ። ኣብ ልዕሊ ርእስኹም ዘሎ ሰማይ ከም ኣስራዚ፡ ኣብ ትሕቴኹም ዘላ ምድሪ ኸኣ ከም ሓጺን ክትከውንያ። እግዚኣብሄር ንዝናም ምድርኹም ተጐጓን (ደሮናን) ሓመድን ኪገብሮዩ። (እዚ ዅሉ) ኽሳዕትጠፍኡ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደኩምዩ።” ዘዳ 2822-24 .

መገድና ምስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዘይተኻኸልና፡ ዋላ ጥሉል ክራማት እንተ ረኸብናውንተባሪኽና ኢና፡ ሓጢኣትና ኣየርከበናንኢልና ኽንሓስብ ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ ርኢኻ ምስኣንውን ኣሎ። እቲ ደም ዝረሃጽካሉ ጻዕርኻን ፍርያትካን ብኣንበጣ፡ ብበረድ፡ ጊዚኡ ብዘይ ሓለወ ዝናም፡ ብውግእን ሕንፍሽፍሽን ካብ ኢድካ መሊቑ ኺጠፍእ ይኽእል (ዘዳ 2838-41 ኢሳ 1619 1710,11 ዮኤ 14-7,17-20 23) ምእኩት ምህርቲ ረኺብና ብሰላም ናብ ቆፎና ኣእቲናዮ ማለት፡ ካብ መዓት ናይ ዝተበኣስናዮ ኣምላኽ ኣምሊጥና ኢና ማለት ኣይኰነን። ኣብ ቤትናን ኣብ ከብድናንውን ስልጣን ከም ዘለዎ ኣይንረስዕ። ብጽጉብካ ብጥምየት፡ ብኽዱንካ`ውን ብዕርቃን ኪቐጽዕ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ንዘኽር (ሚክ 613-15 ሃጌ 15,6) እቶም ኣብ ከተማ `ንነብርን ብሕርሻ ዘይንመሓደርን ሰባት፡ እዚ መርገም ኰነ እዚ በረኸት ንኣና ዘይምልከትን ብዙሕ ዘይጸልወናን ይመስለና ይኸውን። ኣብ ሕርሻ ገጠራት እኽሊ ኺጠፍእ ከሎ፡ ናብ ከተማ ዕዳጋታትና እንታይ ከም ዚዀኑ ግን ጽቡቕ ጌርና ንፈልጥ ኢና። ኣሽንኳይ ብመሰረቱ እኽሊ ተሳኢኑ፡ ብምኽንያት ውግእ ናይ ዕዳጋ ልውውጥ ምስ ዚዕንቀፍ ጥራሕ`ኳ፡ ዕዳጋታት ዘይልከፍ ሓዊ ኸም ዚኸውን፡ ይትረፍ ኣብ ጀበናን ቦርሳናን ዘሎ፡ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳባትና ዘሎ ገንዘብ`ውን ዘይጾሮ መዓት ከም ዚወርደና ንፈልጥ ኢና። ስለ` ነቲ እግዚኣብሄር በቲ ዝሰርዖ ወቕትታት ገይሩ ዚገብረልና ዘሎ ሕያውነት ነስተውዕሎ፡ ኣፍልጦ ኸኣ ንሃቦ፡ ልባዊ ምስጋና ነቕርበሉ፡ ብዛዕባ መጻኢና`ውን ኣብ ኣምላኽ ጽኑዕ ትውክልቲ ይሃልወና። ብገዛእ ሓጢኣትና ንገዛእ ናብራና ኣይንሃውኮን ኣይንገላብጦን። ብጽድቅን ፍትሕን ብምንባር ንህይወትና ንናብራና ዀነ ንምድርና ርግኣትን በረኸትን ሰላምን ነውሕስ። እዚ ግኡዝ ክረምቲ ዜመሓላልፈልና ህያው መልእኽቲ `ምበኣር ነዚ` ዚመስል።

ሞት ከመይ ኢሉ` ህይወት ዜስዕብ፧ ሞት ብቐንዱ ናይ ህይወት መኸተምታ ማለትዶ ኣይኰነን፧ ብዛዕባ`ንታይ ዝዓይነቱ ሞት ኢናኸ `ንዛረብ ዘለና፧ ብዘይ ቓል-ዓለም፡ በዚ ተራ ማሕበራዊ ኣተሓሳስባ፡ንሞትሲ ህይወት ይስዕቦ`ዩ፡ ካብ ሞትሲ ህይወት ይፈርይ`ኢልካ ኽትሓስብን ክትኣምንን ቀሊል ኣይኰነን። ምኽንያቱ ሰብን እንስሳን ድሕሪ ሙማቶም በስቢሶም ኪፈርሱን፡ ኣስከሬኖምን ገለ ቝሩብ ሓመድን ኪሓድጉ ኢና ንርእይ`ምበር፡ ዳግማይ ህይወት ለቢሶም ኪምለሱና ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና። ዝዘራእናዮ ዘርኢ ሓመድ ምስ ደበዮ` ማይ ምስ ረኸበ፡ ርኢኻ ዘይጽገብ ብቝልን ፍረን ኣፍርዩ ኸም ዚቕልበና ኢና `ንፈልጥ`ምበር፡ ይሙት ይስረር፡ ኣብ ውሽጢ ሓመድ እንታይ ምስጢር ከም ዚካየድ ንፈልጥ የብልናን። ንኣና ንሰባት ናይ ስነ ህይወትን ናይ ስነ ሕርሻን ሳይንስ ማዕቢሉ ነዚ ሓቂ` ንኽንርድኦ ማእለያ ዘይብሉ ዓመታትን ዘመናትን` ሓቲቱና። ነቲ ፈጣር ኵሉ ዓለምን ፈጣር ህይወትን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን፡ ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ እዚ ፍልጠት` ንእኡ እምብዛ መባእታውን ኢምንትን`ዩ። ንቕዱሳን ሃዋርያት ከኣ ነዚ ምስጢር` ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸሎም ተረዲኦምዎስ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ንምግላጽ ከም መረዳእታ ተጠቕሙሉ። ኣብ ስነ-ህይወት (ባዮሎጂ) ኸም `ንመሃሮ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዘርኢ ዚበዛሕ ኣትክልቲ፡ ብጾታዊ ተፋርዮ (Sexual Reproduction) ኣብ ውሽጢ ዘርኢ ዚፍጠር ድቂ (Embryo) ኣሎ። እቲ ዘርኢ ናብ መሬት ወዲቑ ማይ ምስ ረኸበ፡ እቲ ስጋ ናይ ዘርኢ ሞይቱ ይብስብስ፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝጸንሐ ህይወታዊ ደቂ በቝሉ ይዓብይ ብዓሰርተታት ዕጽፍታት ተባዚሑ ይፈርይ። እቲ መስርሕ ህይወትን ተፋርዮን ግን ብሞት ናይ ዘርኢ ዚጅምር።

ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ ዘልዓሎ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ሓሳብ ከም ዚግባእ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ምስ ጐይታና ብዛዕባ ሞቱ ኺገልጽ ኢሉ ኣብ ዮሃ 1224 ዝተዛረቦ ቓል ኣዛሚድና ኽንርእዮ ኣዝዩ ኣገዳስን ሓጋዝንዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብሰማያዊ ስጋ ምእንቲ ኽንትንስእ፡ ምድራዊ ስጋና ኺመውት ናይ ግድን ከም ዝዀነ ይነግረና ኣሎ። ጐይታና ድማ ንስጋኡ ብፍረ ስርናይ ብምምሳል፡ ብዙሓት ምእንቲ ኺፈርይ ብስጋ ኺመውት ናይ ግድን ከም ዝዀነ ይነግረና ኣሎ። ካብ ኽልቲኡ ሓሳባት፡ ሞት ህይወት ኣብ ምርካብ ዘለዎ ግድነታዊ ኣገዳስነት ክንርዳእ የኽእለናዩ። እዚ ሞት ግና ብዛዕባ ጻድቕ ሞትምበር ብዛዕባ ሓጥእ ሞት ከም ዘይኰነ ክንስሕቶ ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ ብሓጥእ ሞት፡ ሞት ዚባዛሕ። ብጻድቕ ሞት ግን፡ ህይወት ዚባዛሕ። እዚ ትምህርቲ ኣብ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ብዕምቈትንመሃሮዩ።

እዚንዛረበሉ ዘለና ኣርእስቲ ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት ሞት ከም ዘይኰነ ኣቐዲምና ጠቒስና ኣለና። ስለ ነየናይ ሞት ኣመልኪትና ንዛረብ ከም ዘለና ንኽንፈልጥ፡ ኣቐዲምና እቶም ሰብ ኪሞቶም ዚኽእል ዓይነታት-ሞት ክንፈልጥ የድልየና ማለትዩ። ሰብ ኪሞቶም ዚኽእል ኣርባዕተ ዓይነት ሞትዮም ዘለው። ንሳቶም ከኣ እዞም ዚስዕቡዮም።

1. ብሓጢኣት ሙማት (ሓጥእ ሞት) እዚ ሞት ሓጢኣት ስለ ዝገበርና እንሞቶ ቅጽበታዊ መንፈሳዊ ሞትዩ። ንሰብ ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ገነት ኤደን ዘጋጠሞ ሞትዩ። እዚ ሞት ብባህርዩ መንፈሳዊ ሞትዩ። ኣካላዊ ሞት ኣይኰነን፡ ግን ከኣ ብኣካላዊ ሞት ኪስነይ ይኽእልዩ። ጻድቕ ይኹን ሓጥእ ከይፈለየ፡ ሓጢኣት ዝገበረ ዅሉ ዚሞቶ ሞትዩ። ብውህሉል ግብሪ ጽድቂ ዘይክወልን ዘይድምሰስን ሞት (ህዝ 1820,233312,13)

2. ካብ ሓጢኣት ሙማት (ጻድቕ ሞት) እዚ ሞት ሓጢኣት ብዘይ ምግባርን ሓጢኣት ንዘይምግራርን እንሞቶ ጻድቕ መንፈሳዊ ሞትዩ። እዚ ሞት ምስ ናይ ጐይታና ናይ መስቀል ሞትን ትንሳኤን ዜሕብረና ሞት (ሮሜ 61-1174፣ገላ 2196141ጴጥ 224) ካብ ሓጢኣት ሙማት ማለት፡ሓጢኣት ከይትገብር ምእባይ፡ ሓጢኣት ምግባር ዘይኰነልካ ምዃንማለትዩ። ካብ ሓጢኣት ሙማት፡ ብምስጢረ ጥምቀት ዚጅምር፡ ሓጢኣት ብዘይ ምግባርን ካብ ዝፈጸምካዮ ሓጢኣት ብምንሳሕን ክሳዕ ዕለተ ሞትካ ዚቕጽል መንፈሳዊ ሞትዩ።

3. ኣካላዊ ሞት (ሞት-ስጋ) እዚ ሞት ዅሉ ሰብ፡ ጻድቕ ይኹን ሓጥእ፡ ዚሞቶ ሞትዩ። ኣካላዊ ሞት ንሓጥእ ሰብ ፍርዱን መርገሙንዩ። ምኽንያቱ ዘመን ንስሓኡን ምሕረቱን ብወግዒ ዜብቅዓሉ፡ ናይ ዚጽበዮ ዘለኣለማዊ ሞት መጀመርታዩ። ንጻድቕ ሰብ ግና ካብዛ ዓለምዚኣን ካብ ኵሉ-ጸበባኣን ዜምልጠሉን ዚገላገለሉን፡ ናይ በረኸትን ዕረፍትን ናይ ምንጋፍን ሞትዩ። ከም ድቃስምበር፡ ከም ሞት ኣይግለጽን (ኢሳ 57:1; ሉቃ 2:29; 16:22; ግብ 7:14; 9:37; 20:24; ሮሜ 14:8; 2ቈረ 5:1; ፊል 1:21; እብ 11:13; 11:21–22; ራእ 14:13.) ናይ ጐይታና ናይ ሓይሊ ትንሳኤኡ ምስጢርን ተኣምርን ኣብ ገዛእ ስጋና እነስተማቕረሉ ክቡር ሞትዩ።

4. ዘለኣለማዊ ሞት (ካልኣይ ሞት) እዚ ሞት ናይ ሓጥኣን ሞት ጥራሕዩ። ድሕሪ ምጽኣት ጐይታ ብትንሳኤ ሙታን ነፍሶምን ስጋኦምን ህያው ኰይኑ ኣብ ቐላይ ሓዊ (ገሃነም እሳት) ንዘለኣለም ዕረፍቲ ዘይብሉ ስቓይ እናተሳቐዩ ዚነብርዎ ስቓያዊ ሞት (ራእ 2013-152182215149-112ተሰ 18-10፣ማር 943-48፣ማቴ 2541,461338-42)

ካብ ኣርባዕተ ዓይነታት ሞት፡ ሓጥኣን ነቲ ሰለስተ ዓይነት (1,3,4) ይሞትዎ። ሰለስቲኡ ኸኣ ህይወት ዘይፈርይን ዘይስዕቦን ሞትዩ። ካብ ቐዳማይ ዓይነት ሞት፡ ብንስሓ እንተ ተንሲኦም ግን እቲ ሳልሳይ ኣካላዊ ሞት በረኸቶም ይኸውን፡ እቲ ራብዓይ ዘለኣለማዊ ሞት ድማ ኣይሞትዎንዮም። ካብ ኣርባዕተ ዓይነታት ሞት፡ ጻድቃን ነቲ ኽልተ ጥራሕዮም ዘሞትዎ (2,3) ክልቲኡ ኸኣ ህይወት ዚስዕቦን ህይወት ዚፈርይን ዓይነት ሞትዩ። ካብ ንደሓር ብዛዕባ ህይወት ዚስዕቦ ሞት-ጻድቃን ጥራሕ ኢና ኽንመሃር። እግዚኣብሄር ነፍስና ሞት ጻድቃን ጥራሕ ክትመውት ብምሕረቱ ይሃበና።

ብኸመይ ኢና ኻብ ሓጢኣት፡ ንመውት፧ እዚ ሞትዚኸ ብኸመይ ህይወቱ ዜስዕበልና፧ ኣብ ምድሪዚኣ ዚግለጽ እንታይ ዝዓይነቱ ህይወትከ ዜስዕበልና፧ ንኣካላዊ ሞትናን ንዘለኣለማዊ መጻኢናን ዜጸብቐልና ሞት፡ እዚ ኻብ ሓጢኣት ሙማትዩ። ናይ ሞት ብልጫ ኸኣ፡ ብምርጫና ፈቲና እንሞቶ ባዕላዊ ሞት ምዃኑዩ። እቲ ዝዓበየ ኻልኣይ ብልጫኡ ኸኣ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ እንሞቶ ሓጋዚ ዘለዎ ሞት ምዃኑዩ።ነዚ ሞት ብዘይ ዝዀን ሓጋዚ ባዕለይ ዝሞቶዚብል ኣብ ገዛእ ርእሱ ዚውከል ሰብ ኪሞቶ ዘይክእል ፍሉይ ሞትዩ። ምኽንያቱ እዛ ኣብ ገዛእ ዓቕምኻ ምውካል፡ ካብተን መርዛም ዓይነታት ሓጢኣት ሓንቲያ። ብዘይ ስራሕን ደገፍን ናይ መንፈስ ቅዱስ፡ ነዚ ኽቡር ሞት ኺሞቶ ዚኽእል፡ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ብዘይ ዜኽእል ጸጋ ፈጺሙ ዘይከኣል ሞትዩ። ዝዀነ እንተ ዀነ ግን፡ ጸጋ ኣምላኽ ደጋፊ ግደምበር፡ ተካኢ ግደ ኣይወስድንዩ። እታሓጢኣት ክገብር ኣይኰነለይንዩ። እምብለይ ሓጢኣት ኣይገብርን፡ ዳግማይ ናብ ናይ ሓጢኣት ኣርዑት ባርነት ኣይምለስንእትብል ምርጫን ውሳነን ናትና ግደያ። እዚ መንፈሳዊ ጅግንነትዚ፡ ናይ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልደን ውልድነቱ ዘኽበረን ዝዓቀበን ክርስትያን ሰብ ባህርይምበር፡ ናይ ተራ ሰብ ባህርይ ኣይኰነን። ንገሌና እዚ ጽኑዕ ውሳነ ኸም ስጋዊ ትምክሕቲ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእልዩ። ፈጺሙ ትምክሕቲ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ብግብሪ ዝተመስከረን ኣእላፋት ጻድቃንን ቅዱሳንን ዘፍረየን ፍቱን ውሳነዩ። እዞም ኵሎም ስጋኦም ንሰይፊ፡ ንመጋዝ፡ ንኣራዊት፡ ንሃልሃልታ ሓዊ ንመሪር መከራ ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰማእታትኮ፡ በዚ ተባዕን ቅዱስን ውሳነዚዮም ተዓዊቶም። እቲ ኣብ ብርኩ ዜተንፍስ ከም ኵሎም መሳቱኡ ብጾታዊ ፍትወት ዚቃጸል ስጋ ዝለበሰ ምልምል መንእሰይ፡ ዮሴፍ፡ ነቲ ብኣስድዖትን ብኣስገዳድን ዝቐረበሉ ናይ ምንዝርና ዕድመኮ፡ በዚ ዝጠቐስናዮ ተባዕ ውሳነ ተዓዊቱሉ (ዘፍ 397-23)

እዚ ውሳነ ግን ንጽል ውሳነ ኣይኰነን። ካልኣይን ኣዝዩ ኣገዳስን ጽንዓት ዚህቦ ውሳነ ኣለዎ። ንሱ ኸኣ፡ድኹም ሰብ ስለ ዝዀንኩ እንተ ሓጣእኩ ድማ፡ ከይወዓልኩ ከይሓደርኩ ብመሪር ጣዕሳን ብኽያትን፡ ሓቀኛን ዘየጣዕስን ንህይወት ዚኸውንን ንስሓ ኣትየ፡ ብደም ክርስቶስ (ብምስጢረ ቍርባን) ተሓጺበ ሕልናይን ሰብነተይን ከንጽህዚብል ኣገዳሲ ውሳነዩ። እቲ ቐዳማይ ጽኑዕ ውሳነ፡ ነዚ ኻልኣይ ውሳነ ግብራውን ውጽኢታውን ከም ዚገብሮ፡ ኣብ ህይወት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረጋጊጹዩ። ጐይታናክትክሕደኒ ኢኻእናበሎ፡ከቶ ኣይክሕደካንምባሉ፡ ነታ ቐዳመይቲ ውሳኒኡ ኼጽንዓን ኪፍጽማን እንተ ዘይከኣለኳ፡ ነታ ኻልኣይቲ ኣገዳሲት ውሳነ ኣብ ምትግባር ግን ዓባይ ደገፍ ዀይናቶ። እቲ ብመሪር ብኽያት ዝኣተዎ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ፡ ይትረፍ ካብ ህይወት ኪጐድል። ካብ ናይ ርእሰ-ሃዋርያት ክብሩን ማዕርጉን ንሓንቲ መዓልቲ ኸይጐድል ኣድሒንዎ (ማቴ 2631-35,69-75፣ማር1466-72፣ሉቃ 2254-62፣ዮሃ 1336-381815-18,25-27፣ዮሃ 2115-19፣ሉቃ2231-34) ዓቕምና ድኹም ስለ ዝዀነስ፡ ውሳነናውን ድኹም ኪኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን።ድኹም ሰብ ስለ ዝዀንኩስ፡ ሓድሓደ ጊዜ እንተ ሓጣእኩ ንቡርዩ። ጸገም የብሉንዚብል ልኡም መርገጺ፡ ሓጢኣትካ ዜብዝሕ ነቓዕ ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ፡ ንዓይነትን ውጽኢትን ናይ ንስሓኻውን ብኣሉታ ዚጸልውን ዜዳኽምን ኣካይዳዩ። ኣቋሲሉ ደኣ ይገድፈካምበር፡ ካብ ሓጢኣት ክትመውት ኣየኽእለካንዩ። ስለ ኣብ ብዘይ መስፈር ብልግሲ ዚወሃበና ዘየቋርጽ ደገፍ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተወኪልና ነዚ ድርብን ጽኑዕን ውሳነ መዓልቲ መጸን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንኽንሓጥእንፍተነሉን ኣጋጣሚታት ክንጥቀመሉ ይግብኣና።ብሓጢኣት ካብ ሙማት፡ ብኣካል ሙማት እመርጽምባል፡ነቲ ኻልኣይን ዘለኣለማውን ሞት ካብ ሙማት፡ ኣካላዊ ናይ ሰማእትነት ሞት ሙማት እመርጽዚብል ኣምላኽ ዚሕጐሰሉ ክቡርን ብልህን ምርጫ ናይ ጻድቃንዩ።

እዚ ዝዓይነቱ ባዕላዊ ሞት ክንመርጽ ከለና፡ ነታ ብክርስቶስትርከብ ህይወት ኢና ዝመረጽና። ኣቐዲምና ኸም ዝበልናዮ፡ እዚ ኻብ ሓጢኣት ሙማት፡ ምስ ሞት ክርስቶስ ዜሕብረናዩ። እቲምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩዚብል ሃዋርያዊ ቓል፡ ነዚ ንዛረበሉ ዘለናካብ ሓጢኣት ሙማትዚብል ሓሳብ ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጽ ምሩጽ መንፈሳዊ ቓል (ሮሜ 61-7፣ገላ524219614) እቲ ጐይታና፡ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ እንተ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል ይስዓበኒዝብሎ ቓልውን ነዚ ኻብ ሓጢኣት ሙማት ዚምልከትምበር፡ ኣብ ናይ ዕንጸይቲ መስቀል ተሸንኪርና ብኣካል ክንመውት ዘቕረበልና ናይ ርእሰ ቕትለት ዕድመ ኣይኰነን (ሉቃ 923,24፣ማር834,35፣ማቴ 1624,25) እቲ ብስቕለት ክርስትያን ምስ ክርስቶስ ተሰቒሉ ኻብ ሓጢኣት ዝሞተ ሰብ፡ ምስ ክርስቶስ ህያው ይኸውን። ብጥምቀት ምስኡ ሞይትና፡ ምስኡ ኸኣ ህያዋን ስለንኸውን፡ እቲ ዝሞትናዮ ሞት ህይወት ዜስዕብ፡ ህይወት ዜፍርይ ክቡር ሞትዩ። ካብ ሓጢኣት ዝሞተ ሰብ፡ ንጽድቂ ህያው ዚኸውን (1ጴጥ 224፣ሮሜ 63-11) ስለ ኸኣወዲ ዘለዎ ህይወት ኣለዎዝተባህለ (1ዮሃ 511-13፣ዮሃ314-16,36) ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኰነ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብቶም ካብ ሓጢኣት ዝሞቱ ጥራሕዮም ዚሓድሩ (ዮሃ 1415-17,21-23) ካብ ሓጢኣት ክንመውት ንኽእል፡ ነቲጽድቂ ደኣምበር፡ ሓጢኣት ኣይትግበር፡ዚብል ቃል ጐይታ ብምሕላውዩ። ክንኣብዮን ክንሞተሉን ዚግብኣና ዓይነታት ሓጢኣት ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርዚሩልና ኣሎ። ነቲ ቐታሊና ሓጢኣት እንተርሒቕናዮ፡ እታ ብክርስቶስንረኽባ ህይወት ብዘይ ተቓጻጺ ብምልኣት ኣባና ትገዝእ። ስለ እቲ ኻብ ሓጢኣት ሙማትና፡ እታ ህይወት ከምትስዕብን ከም `ትገዝእን ይገብራ ኣሎ። ዓይነት ናይ ብጽድቂትግለጽ ህይወት ከኣ፡ ኣብ መዋቲ ስጋናን ስጋዊ ናብራናን ብግብሪ እትገሃድ መንፈሳዊት ህይወትያ።

ኣካላዊ ሞትከ ብኸመይ ህይወት ዜስዕበልና፧ እንታይ ዓይነት ህይወትዩ፧ ኣበይን መዓስን ዚገሃድ ህይወትከ ዜስዕበልና፧ እቲ ኻብ ሓጢኣት እንሞቶ መንፈሳዊ ሞት፡ መንፈሳዊ ህይወት ከም ዜስዕበልና፡ ኣካላዊ ሞት ድማ ብትንሳኤ ሙታን ኣካላዊ ህይወት ዜስዕበልና። ነቶም በዚ መዋቲ ስጋኦም ኣብ ሓላፊት ዓለምዚኣ ዘኽበርዎ ፍቁራቱ፡ ብትንሳኤ ሙታን ካብ ተቐቢሮምላ ወይ ተበቲኖምላ ዘለው ኣኪቡ ህይወት ኪህቦምዩ። ነቲ መዋቲ ስጋኦም ናብ ዘይመውት፡ ነቲ ሓላፊ ህይወቶም ድማ ናብ ዘይሓልፍ ህይወት ለዊጡ፡ ኣብ ንዘለኣለም እትነብር መንግስቱ ብኽብርን ሓጐስን ዕረፍትን የንብሮም። ነዚ ሓቂ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎትንሳኤ ሙታንውን ከምኡዩ፡ ብዚብስብስ (ስጋ) ይዝራእ፡ ብዘይብስብስ (ስጋ) ኸኣ ይትንስእ። ብውርደት ይዝራእ ብኽብሪ ድማ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ኸኣ ይትንስእ። ባህርያዊ ሰብነት (ነፍሳዊ ስጋ) ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ሰብነት (ስጋ) ይትንስእ። . . . ከም ምስሊ ናይ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ከምኡ ድማ ምስሊ ናይ ሰማያዊ (ክርስቶስ) ክንለብስ ኢና። ግናኸ ኣሕዋተየ (ባህርያዊ/ነፍሳዊ) ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ በራሲ (ሰብነት) ከኣ ነቲ ዘይበርስ (መንግስትን ህይወትን) ከም ዘይወርሶ፡ እነግረኩም ኣለኹ። እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፦ እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐት፡ ኵላትና ብሓንሳእ ከም ቅጽበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና፡ . . . እታ መለኸት ክትንፋሕያ፡ እቶም (ናይ ኣምላኽ) ምውታት ድማ ብዘይበርስ (ስጋ) ኺትንስኡዮም። (ምኽንያቱ) እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ ኸኣ ዘይሙማት ኪለብስ ይግብኦዩ።” 1ቈረ 1542-44,49-53.

ኣሕዋተይ፡ ንኣይ ምሰሉ፡ . . . ምኽንያቱ ኸም ብዙሕ ጊዜ ዝነገርኩኹም፡ ሕጂውን እናነባዕኩ ዝነግረኩም ዘለኹ፡ ብዙሓት (ሰባት ሓጢኣት ብምዝውታር) ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይነብሩ ኣለው። መወዳእታኦም ጥፍኣትዩ፡ ኣምላኾም ከብዶምዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮምዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ምድራዊዩ። ንሕና (እዞም ካብ ሓጢኣት ዝሞትና) ግና፡ ሃገርና ኣብ ሰማያትያ። ካብኣ ድማ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበይ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሉ፡ ነዚ ናይ ውርደት ሰብነትና ለዊጡ፡ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኼምስሎዩ።ፊል 317-21.

ነዚ ናይ ውርደት ሰብነትና ለዊጡ፡ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኼምስሎዩ። እዚ ሃዋርያዊ ናይ ተስፋ ቓል እዚ ኣካላዊ ሞትና እንታይ ዝዓይነቱ ህይወት ከም ዜስዕበልና ዘርዚሩን ኣነጺሩን ገሊጹልና ኣሎ። ብትንሳኤ ሙታን ከይተንስአ ዚተርፍ ሓደ የልቦን። እቶም ብገዛእ ሓጢኣቶም ናይ መርገም ሞት ዝሞቱ ዅሎም ሓጥኣንውን። ናይ ግድን ኪትንስኡዮም። ትንሳኤኦም ግን መወዳእታ ዘይብሉ ዝኸፍአ ሞት (ካልኣይ ሞት) ደኣ ዜስዕበሎምምበር፡ ህይወት ኣይኰነን። እቶም ካብ ሓጢኣት ብሙማት ነቲ ኣካላዊ ሞትና ናይ ጻድቃን ሞት ዝገበርናዮ ግን፡ ነዚ ዝተነግረና ቓል ተስፋ ኽንወርሶ ኢና። ኣካላዊ ሞትና ብዘይ መውትን ዘይበርስን፡ ውርደትን ድኻምን ዘይብሉ መንፈሳዊ ስጋ እንነብሮ ዘለኣለማዊ ህይወት ኬስዕበልናዩ። ዓይነት ናይ ምድራዊ ህይወትና፡ ኣብ ዓይነት ናይ ኣካላዊ ሞትና ዓብይ ጽልዋ ኣለዎ። ዓይነት ኣካላዊ ሞትና ድማ ኣብ ዓይነት ናይ ዚስዕበና ህይወት ወሳኒ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ ዅሉ ኸኣ በቲ ብዛዕባ ጽድቅን ሓጢኣትን ዘለና ኣረኣእያን ኣተገባብራን ዚውሰን። ስለ ናብራ ጻድቃን ነቢርና፡ ሞት ጻድቃን ከምንመውት ርግጸኛታት ንኹን። ይትረፍ ንህይወትና፡ ንሞትናውን ኣይንኽሰሮ። ብዝዀነ ይኹን መገዲ፡ ብዘበልና ኣቢልና፡ ዝገበርና ጌርና ህይወትምበር፡ ሞት ዘይስዕቦም ብልህታት ክርስትያን ንኹን። ሞትን ህይወትን ናይ ምርጫ ጕዳይ ምዃኑ ፈጺምና ኣይንረስዕ (ዘዳ 3015,19) ንሕና ህይወት እንተመሪጽና፡ ኣብ ልዕሌና ሞት ኬስገድድ ዚኽእል ሰይጣን የለን። ሞት እንተ መሪጽና ኸኣ፡ ኣገዲዱ ህይወት ዜጥብቐልና ኣምላኽ የለን። ስለ ብልቦና ብምስትውዓል ብዘይዕጸፍ ውሳነ፡ ህይወት ንምረጽሞ፡ ህይወት ዜስዕብ ሞት ንሙት!!

 ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

13 ሓምለ 2025 | ሓምለ 6, 2016 ግዕዝ (መበል 44 ሰንበት: ቊ.፵፬/44)

ምስባክ

መዝ.፷፬(፷፭)፡፲,፲፩ “አርውዮ ለትለሚሃ። ወአሥምሮ ለማእረራ። ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሐ።”

“ንነግሕታታ ተስትዮ፡ ንድንኵላታ ትምድምዶ፡ ብዝናም ተለምልማ፡ ንብቚላ ትባርኾ። ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፡ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 15፡31-44

ዲያቆን

2ጴጥ 2፡17-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 14፡8-18

ንፍቅ ካህን

ማቴ 13፡1-12

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ መዝሙር፦ ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቶ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div