“ገለ ሰብ ግና፡ ‘ምዉታት ከመይ ኢሎም’ዮም ዚትንስኡ፧ ከመይ ዝበለ ሰብነትከ’ዩ ኺህልዎም፧” ዚብል ይህክው ይኸውን። ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን’ዩ። . . . ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይና’ያ ‘ትነብር፡ እንተ ሞተት ግና ብዙሕ ፍረ ኸም `ትፈርይ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”1ቈረ 15፡35,36 ፣ ዮሃ 12፡24 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ኻልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ኣካል ናይ’ቲ “ዘርእ፡ ደመና፡ ጠል” ዝተሰምየ ቐዳማይ ንኡስ ክፍለ ዘመን ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ብዘይካ ሓምለ 5፡ ካብ ሓምለ 3 ኽሳዕ ሓምለ 9 ኣብ ዘሎ ቕንያት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያረድ፡ “ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቱ” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ፡ “ንዝለመኖ ዅሉ ጸሎቱ ይሰምዖን ይህቦን። ንሱ ጐይታኣ ንሰንበት፡ ኣምላኽ ምሕረት ከኣ’ዩ። በብዓመቱ ክረምቲ ይህብ (የርሕው)። ደበናታት ከኣ ንቓሉ ይሰምዑ (ይእዘዙ)። ንኣና ክረምቲ ይህበና፡ ምሕረት ከኣ ይገብረልና። ምእንቲ ሰብ ኢሉ ድማ ሰንበት ሰርዐ። (ስለ’ዚ) ነቲ ዝናም ዝሃበናን ሰላም ዝጸገወናን (ኣምላኽ) ንዝምርን ነመስግንን።” ዚብል ንኣምላኽ ዜኽብር መዝሙር’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ምስባክን’ውን፡ ምስ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ክረምቲ ዚሰማማዕ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ልክዕ ከም ናይ ትማሊ ሰንበት ንባብና (ሉቃ 8፡2-2) ትሕዝቶ ዘለዎ ተመሳሳሊ ንባብ’ዩ (ማቴ 13፡1-12)። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምንጪ ኣርእስትናን ትምህርትናን ኰይኑ ዘሎ ናይ 1ቈረ 15፡31-44 ንባብ ድማ ንሞትን ህይወትን ምስ ዘርኢ ኣዛሚዱ ዚገልጽ ንባብ’ዩ። እቲ ናይ ግብ 14፡8-18 ንባብ’ውን ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ፡
“ምስናይ’ዚ ኸኣ (እግዚኣብሄር) ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበኩም፡ ንልብኹም ብመብልዕን ሓጐስን እና’ጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን (ህያው ከም ዝዀነ ኣመስከረ)።” ዝበሎ ምስ’ዚ ዘመንና ዚሳነይ ቃል ጠቒሱልና ኣሎ (ግብ 14፡17)። እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ እቲ ኣብ ዘመነ ክረምት እንረኽቦ ዝናምን ፍርያትን ናይ እግዚኣብሄር ናይ ህያውነቱን ሕያውነቱን መጋቢነቱን ምስክር ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ስለ’ዚ ዘመን ክረምቲ ንኸሰዐና ዚመልእን ንስጋና ዜስብሕን እኽሊ ምሃብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዓብይ መንፈሳዊ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ግብሪ ኣምላኽ ምዃኑ ኢና ንርዳእ። ንሕና ግን ዑደታዊ መልክዕ ዘለዎ ጊዚኡ ሓልዩ ባዕሉ ዚኽሰት ሕጊ ተፈጥሮ ስለ ዚመስለና፡ በቲ ዝረኸብናዮ ፍረ፡ ኸብድና ብምግቢ ጁባናን ካዝናናን ድማ ብገንዘብ ምምላእ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነቲ ናይ ክረምቲ መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣይነቕልበሉን፡ ንኣምላኽ’ውን ኣይነመስግነሉን ኢና። እዚ ጕልቡብ ክሕደት’ዚ ኸኣ ኣብ ምድሪ ዀነ ኣብ ሰማይ ጽቡቕ ኣይፈድየናን’ዩ። ቤት እስራኤል ነቲ እግዚኣብሄር ብኽረምቲ ዘርኣዮም ሕያውነት ኣፍልጦ ኺህብዎን ንእኡ ብምፍራህ ኬኽብርዎን ከም ዘይደለዩ ምስ ረኣየ፡ ክረምቲ ብምኽላእ ኣምሪሩ ድሕሪ ምቕጽዑ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ በሎም። “ንስኻትኩም ግና ኣቱም ህዝቢ (ይሁዳ)፡ እምቢተኛታትን ዓለወኛታትን ኢኹም። ንድሕሪት ተመሊስኩም ሓዲግኩምኒ ኸድኩም። በብጊዚኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን’ኳ እነ ሃብኩኹም፡ ምዱብ ሳምንታት ቀውዒ’ውን እንተ ሰራዕኩልኩም። ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣየኽበርኩምንን። (ስለ’ዚ) ኣበሳኹምን ሓጢኣትኩምን (ጸጽቡቑ ኣኽልኣኩም) ሰናይ ነገር ከም ዘይትቕበሉ ገበረኩም።” ኤር 5፡23-25 ካ.ት
ሳዕቤን ናይ’ዚ ኸም መቕጻዕቲ ዝወረዶም ዜሰክሕ ደርቂ ድማ ኣብ ኤር 14፡1-22 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። እግዚኣብሄር ነቶም ንእኡ ዘይፈርሁን ዘይእዘዙን ህዝቢ እንታይ ከም ዚገብሮም፡ ብነብዪ ሙሴ ኣነጺሩ ገሊጹ’ዩ።
“ድሕሪ’ዚ ዅሉ ድማ ገና እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ (ብሰሪ) ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም’የ። ነቲ ደረቐኛ ትዕቢትኩም ክሰብሮ’የ። ሰማይኩም ዝናም ከም ዘይህብ፡ ምድርኹም’ውን ንቑጽ ከም ዚኸውን ክገብር’የ። ምድርኹም እኽላ ኣይክትህብን፡ ኦም ሃገር ከኣ ፍሪኣ ኣይክትህብን’ያ’ሞ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ኺውዳእ’ዩ።” ዘሌ 26፡18-20 ካ.ት
“እግዚኣብሄር ብዜማስን ሕማምን ብዓሶን ብረስንን ብሃሩርን፡ ብነቕጽን (ብደርቅን) ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓኩም’ዩ፡ ክሳዕ ‘ትበርሱ ድማ እዚ ጥፍኣት’ዚ ኺስዕበኩም’ዩ። ኣብ ልዕሊ ርእስኹም ዘሎ ሰማይ ከም ኣስራዚ፡ ኣብ ትሕቴኹም ዘላ ምድሪ ኸኣ ከም ሓጺን ክትከውን’ያ። እግዚኣብሄር ንዝናም ምድርኹም ተጐጓን (ደሮናን) ሓመድን ኪገብሮ’ዩ። (እዚ ዅሉ) ኽሳዕ ‘ትጠፍኡ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደኩም’ዩ።” ዘዳ 28፡22-24 ካ.ት
መገድና ምስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዘይተኻኸልና፡ ዋላ ጥሉል ክራማት እንተ ረኸብና’ውን “ተባሪኽና ኢና፡ ሓጢኣትና ኣየርከበናን” ኢልና ኽንሓስብ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ርኢኻ ምስኣን’ውን ኣሎ። እቲ ደም ዝረሃጽካሉ ጻዕርኻን ፍርያትካን ብኣንበጣ፡ ብበረድ፡ ጊዚኡ ብዘይ ሓለወ ዝናም፡ ብውግእን ሕንፍሽፍሽን ካብ ኢድካ መሊቑ ኺጠፍእ ይኽእል’ዩ (ዘዳ 28፡38-41 ፣ ኢሳ 16፡19 ፣ 17፡10,11 ፣ ዮኤ 1፡4-7,17-20 ፣ 2፡3)። ምእኩት ምህርቲ ረኺብና ብሰላም ናብ ቆፎና ኣእቲናዮ ማለት፡ ካብ መዓት ናይ’ቲ ዝተበኣስናዮ ኣምላኽ ኣምሊጥና ኢና ማለት ኣይኰነን። ኣብ ቤትናን ኣብ ከብድናን’ውን ስልጣን ከም ዘለዎ ኣይንረስዕ። ብጽጉብካ ብጥምየት፡ ብኽዱንካ`ውን ብዕርቃን ኪቐጽዕ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ንዘኽር (ሚክ 6፡13-15፣ ሃጌ 1፡5,6)። እቶም ኣብ ከተማ `ንነብርን ብሕርሻ ዘይንመሓደርን ሰባት፡ እዚ መርገም ኰነ እዚ በረኸት ንኣና ዘይምልከትን ብዙሕ ዘይጸልወናን ይመስለና ይኸውን። ኣብ ሕርሻ ገጠራት እኽሊ ኺጠፍእ ከሎ፡ ናብ ከተማ ዕዳጋታትና እንታይ ከም ዚዀኑ ግን ጽቡቕ ጌርና ንፈልጥ ኢና። ኣሽንኳይ ብመሰረቱ እኽሊ ተሳኢኑ፡ ብምኽንያት ውግእ ናይ ዕዳጋ ልውውጥ ምስ ዚዕንቀፍ ጥራሕ`ኳ፡ ዕዳጋታት ዘይልከፍ ሓዊ ኸም ዚኸውን፡ ይትረፍ ኣብ ጀበናን ቦርሳናን ዘሎ፡ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳባትና ዘሎ ገንዘብ`ውን ዘይጾሮ መዓት ከም ዚወርደና ንፈልጥ ኢና። ስለ`ዚ ነቲ እግዚኣብሄር በቲ ዝሰርዖ ወቕትታት ገይሩ ዚገብረልና ዘሎ ሕያውነት ነስተውዕሎ፡ ኣፍልጦ ኸኣ ንሃቦ፡ ልባዊ ምስጋና ነቕርበሉ፡ ብዛዕባ መጻኢና`ውን ኣብ ኣምላኽ ጽኑዕ ትውክልቲ ይሃልወና። ብገዛእ ሓጢኣትና ንገዛእ ናብራና ኣይንሃውኮን ኣይንገላብጦን። ብጽድቅን ፍትሕን ብምንባር ንህይወትና ንናብራና ዀነ ንምድርና ርግኣትን በረኸትን ሰላምን ነውሕስ። እዚ ግኡዝ ክረምቲ ዜመሓላልፈልና ህያው መልእኽቲ `ምበኣር ነዚ`ዩ ዚመስል።
ሞት ከመይ ኢሉ`ዩ ህይወት ዜስዕብ፧ ሞት ብቐንዱ ናይ ህይወት መኸተምታ ማለትዶ ኣይኰነን፧ ብዛዕባ`ንታይ ዝዓይነቱ ሞት ኢናኸ `ንዛረብ ዘለና፧ ብዘይ ቓል-ዓለም፡ በዚ ተራ ማሕበራዊ ኣተሓሳስባ፡ “ንሞትሲ ህይወት ይስዕቦ`ዩ፡ ካብ ሞትሲ ህይወት ይፈርይ`ዩ” ኢልካ ኽትሓስብን ክትኣምንን ቀሊል ኣይኰነን። ምኽንያቱ ሰብን እንስሳን ድሕሪ ሙማቶም በስቢሶም ኪፈርሱን፡ ኣስከሬኖምን ገለ ቝሩብ ሓመድን ኪሓድጉ ኢና ንርእይ`ምበር፡ ዳግማይ ህይወት ለቢሶም ኪምለሱና ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና። ዝዘራእናዮ ዘርኢ ሓመድ ምስ ደበዮ`ሞ ማይ ምስ ረኸበ፡ ርኢኻ ዘይጽገብ ብቝልን ፍረን ኣፍርዩ ኸም ዚቕልበና ኢና `ንፈልጥ`ምበር፡ ይሙት ይስረር፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሓመድ እንታይ ምስጢር ከም ዚካየድ ንፈልጥ የብልናን። ንኣና ንሰባት ናይ ስነ ህይወትን ናይ ስነ ሕርሻን ሳይንስ ማዕቢሉ ነዚ ሓቂ`ዚ ንኽንርድኦ ማእለያ ዘይብሉ ዓመታትን ዘመናትን`ዩ ሓቲቱና። ነቲ ፈጣር ኵሉ ዓለምን ፈጣር ህይወትን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን፡ ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ እዚ ፍልጠት`ዚ ንእኡ እምብዛ መባእታውን ኢምንትን`ዩ። ንቕዱሳን ሃዋርያት ከኣ ነዚ ምስጢር`ዚ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸሎም ተረዲኦምዎስ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ንምግላጽ ከም መረዳእታ ተጠቕሙሉ። ኣብ ስነ-ህይወት (ባዮሎጂ) ኸም `ንመሃሮ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዘርኢ ዚበዛሕ ኣትክልቲ፡ ብጾታዊ ተፋርዮ (Sexual Reproduction) ኣብ ውሽጢ’ቲ ዘርኢ ዚፍጠር ድቂ (Embryo) ኣሎ። እቲ ዘርኢ ናብ መሬት ወዲቑ ማይ ምስ ረኸበ፡ እቲ ስጋ ናይ’ቲ ዘርኢ ሞይቱ ይብስብስ፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝጸንሐ ህይወታዊ ደቂ በቝሉ ይዓብይ’ሞ ብዓሰርተታት ዕጽፍታት ተባዚሑ ይፈርይ። እቲ መስርሕ ህይወትን ተፋርዮን ግን ብሞት ናይ’ቲ ዘርኢ’ዩ ዚጅምር።
ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ ዘልዓሎ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ሓሳብ ከም ዚግባእ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ምስ’ቲ ጐይታና ብዛዕባ ሞቱ ኺገልጽ ኢሉ ኣብ ዮሃ 12፡24 ዝተዛረቦ ቓል ኣዛሚድና ኽንርእዮ ኣዝዩ ኣገዳስን ሓጋዝን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብሰማያዊ ስጋ ምእንቲ ኽንትንስእ፡ ምድራዊ ስጋና ኺመውት ናይ ግድን ከም ዝዀነ ይነግረና ኣሎ። ጐይታና ድማ ንስጋኡ ብፍረ ስርናይ ብምምሳል፡ ብዙሓት ምእንቲ ኺፈርይ ብስጋ ኺመውት ናይ ግድን ከም ዝዀነ ይነግረና ኣሎ። ካብ’ዚ ኽልቲኡ ሓሳባት፡ ሞት ህይወት ኣብ ምርካብ ዘለዎ ግድነታዊ ኣገዳስነት ክንርዳእ የኽእለና’ዩ። እዚ ሞት’ዚ ግና ብዛዕባ ጻድቕ ሞት’ምበር ብዛዕባ ሓጥእ ሞት ከም ዘይኰነ ክንስሕቶ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ብሓጥእ ሞት፡ ሞት’ዩ ዚባዛሕ። ብጻድቕ ሞት ግን፡ ህይወት’ዩ ዚባዛሕ። እዚ ትምህርቲ’ዚ ኣብ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ብዕምቈት ‘ንመሃሮ’ዩ።
እዚ ‘ንዛረበሉ ዘለና ኣርእስቲ ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት ሞት ከም ዘይኰነ ኣቐዲምና ጠቒስና ኣለና። ስለ’ዚ ነየናይ ሞት ኣመልኪትና ንዛረብ ከም ዘለና ንኽንፈልጥ፡ ኣቐዲምና እቶም ሰብ ኪሞቶም ዚኽእል ዓይነታት-ሞት ክንፈልጥ የድልየና ማለት’ዩ። ሰብ ኪሞቶም ዚኽእል ኣርባዕተ ዓይነት ሞት’ዮም ዘለው። ንሳቶም ከኣ እዞም ዚስዕቡ’ዮም።
1. ብሓጢኣት ሙማት (ሓጥእ ሞት)፦ እዚ ሞት’ዚ ሓጢኣት ስለ ዝገበርና እንሞቶ ቅጽበታዊ መንፈሳዊ ሞት’ዩ። ንሰብ ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ገነት ኤደን ዘጋጠሞ ሞት’ዩ። እዚ ሞት’ዚ ብባህርዩ መንፈሳዊ ሞት’ዩ። ኣካላዊ ሞት ኣይኰነን፡ ግን ከኣ ብኣካላዊ ሞት ኪስነይ ይኽእል’ዩ። ጻድቕ ይኹን ሓጥእ ከይፈለየ፡ ሓጢኣት ዝገበረ ዅሉ ዚሞቶ ሞት’ዩ። ብውህሉል ግብሪ ጽድቂ ዘይክወልን ዘይድምሰስን ሞት’ዩ (ህዝ 18፡20,23፣33፡12,13)።
2. ካብ ሓጢኣት ሙማት (ጻድቕ ሞት)፦ እዚ ሞት’ዚ ሓጢኣት ብዘይ ምግባርን ሓጢኣት ንዘይምግራርን እንሞቶ ጻድቕ መንፈሳዊ ሞት’ዩ። እዚ ሞት’ዚ ምስ’ቲ ናይ ጐይታና ናይ መስቀል ሞትን ትንሳኤን ዜሕብረና ሞት’ዩ (ሮሜ 6፡1-11፣7፡4፣ገላ 2፡19፣6፡14፣1ጴጥ 2፡24)። ካብ ሓጢኣት ሙማት ማለት፡ “ሓጢኣት ከይትገብር ምእባይ፡ ሓጢኣት ምግባር ዘይኰነልካ ምዃን” ማለት’ዩ። ካብ ሓጢኣት ሙማት፡ ብምስጢረ ጥምቀት ዚጅምር፡ ሓጢኣት ብዘይ ምግባርን ካብ ዝፈጸምካዮ ሓጢኣት ብምንሳሕን ክሳዕ ዕለተ ሞትካ ዚቕጽል መንፈሳዊ ሞት’ዩ።
3. ኣካላዊ ሞት (ሞት-ስጋ)፦ እዚ ሞት’ዚ ዅሉ ሰብ፡ ጻድቕ ይኹን ሓጥእ፡ ዚሞቶ ሞት’ዩ። ኣካላዊ ሞት ንሓጥእ ሰብ ፍርዱን መርገሙን’ዩ። ምኽንያቱ ዘመን ንስሓኡን ምሕረቱን ብወግዒ ዜብቅዓሉ፡ ናይ’ቲ ዚጽበዮ ዘለኣለማዊ ሞት መጀመርታ’ዩ። ንጻድቕ ሰብ ግና ካብዛ ዓለም’ዚኣን ካብ ኵሉ-ጸበባኣን ዜምልጠሉን ዚገላገለሉን፡ ናይ በረኸትን ዕረፍትን ናይ ምንጋፍን ሞት’ዩ። ከም ድቃስ’ምበር፡ ከም ሞት ኣይግለጽን’ዩ (ኢሳ 57:1; ሉቃ 2:29; 16:22; ግብ 7:14; 9:37; 20:24; ሮሜ 14:8; 2ቈረ 5:1; ፊል 1:21; እብ 11:13; 11:21–22; ራእ 14:13.)። ናይ ጐይታና ናይ ሓይሊ ትንሳኤኡ ምስጢርን ተኣምርን ኣብ ገዛእ ስጋና እነስተማቕረሉ ክቡር ሞት’ዩ።
4. ዘለኣለማዊ ሞት (ካልኣይ ሞት)፦ እዚ ሞት’ዚ ናይ ሓጥኣን ሞት ጥራሕ’ዩ። ድሕሪ ምጽኣት ጐይታ ብትንሳኤ ሙታን ነፍሶምን ስጋኦምን ህያው ኰይኑ ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ (ገሃነም እሳት) ንዘለኣለም ዕረፍቲ ዘይብሉ ስቓይ እናተሳቐዩ ዚነብርዎ ስቓያዊ ሞት’ዩ (ራእ 20፡13-15፣21፡8፣22፡15፣14፡9-11፣2ተሰ 1፡8-10፣ማር 9፡43-48፣ማቴ 25፡41,46፣13፡38-42)።
ካብ’ዚ ኣርባዕተ ዓይነታት ሞት፡ ሓጥኣን ነቲ ሰለስተ ዓይነት (1ይ,3ይ,4ይ) ይሞትዎ። ሰለስቲኡ ኸኣ ህይወት ዘይፈርይን ዘይስዕቦን ሞት’ዩ። ካብ’ቲ ቐዳማይ ዓይነት ሞት፡ ብንስሓ እንተ ተንሲኦም ግን እቲ ሳልሳይ ኣካላዊ ሞት በረኸቶም ይኸውን፡ እቲ ራብዓይ ዘለኣለማዊ ሞት ድማ ኣይሞትዎን’ዮም። ካብ’ዚ ኣርባዕተ ዓይነታት ሞት፡ ጻድቃን ነቲ ኽልተ ጥራሕ’ዮም ዘሞትዎ (2ይ,3ይ)። ክልቲኡ ኸኣ ህይወት ዚስዕቦን ህይወት ዚፈርይን ዓይነት ሞት’ዩ። ካብ’ዚ ንደሓር ብዛዕባ’ቲ ህይወት ዚስዕቦ ሞት-ጻድቃን ጥራሕ ኢና ኽንመሃር። እግዚኣብሄር ነፍስና ሞት ጻድቃን ጥራሕ ክትመውት ብምሕረቱ ይሃበና።
ብኸመይ ኢና ኻብ ሓጢኣት፡ ንመውት፧ እዚ ሞት’ዚኸ ብኸመይ’ዩ ህይወቱ ዜስዕበልና፧ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዚግለጽ እንታይ ዝዓይነቱ ህይወትከ’ዩ ዜስዕበልና፧ ንኣካላዊ ሞትናን ንዘለኣለማዊ መጻኢናን ዜጸብቐልና ሞት፡ እዚ ኻብ ሓጢኣት ሙማት’ዩ። ናይ’ዚ ሞት’ዚ ብልጫ ኸኣ፡ ብምርጫና ፈቲና እንሞቶ ባዕላዊ ሞት ምዃኑ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ኻልኣይ ብልጫኡ ኸኣ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ እንሞቶ ሓጋዚ ዘለዎ ሞት ምዃኑ’ዩ። “ነዚ ሞት’ዚ ብዘይ ዝዀን ሓጋዚ ባዕለይ’የ ዝሞቶ” ዚብል ኣብ ገዛእ ርእሱ ዚውከል ሰብ ኪሞቶ ዘይክእል ፍሉይ ሞት’ዩ። ምኽንያቱ እዛ ኣብ ገዛእ ዓቕምኻ ምውካል፡ ካብ’ተን መርዛም ዓይነታት ሓጢኣት ሓንቲ’ያ። ብዘይ ስራሕን ደገፍን ናይ መንፈስ ቅዱስ፡ ነዚ ኽቡር ሞት’ዚ ኺሞቶ ዚኽእል፡ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ብዘይ’ቲ ዜኽእል ጸጋ ፈጺሙ ዘይከኣል ሞት’ዩ። ዝዀነ እንተ ዀነ ግን፡ ጸጋ ኣምላኽ ደጋፊ ግደ’ምበር፡ ተካኢ ግደ ኣይወስድን’ዩ። እታ “ሓጢኣት ክገብር ኣይኰነለይን’ዩ። እምብለይ ሓጢኣት ኣይገብርን፡ ዳግማይ ናብ ናይ ሓጢኣት ኣርዑት ባርነት ኣይምለስን’የ” እትብል ምርጫን ውሳነን ናትና ግደ’ያ። እዚ መንፈሳዊ ጅግንነት’ዚ፡ ናይ’ቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልደን ውልድነቱ ዘኽበረን ዝዓቀበን ክርስትያን ሰብ ባህርይ’ምበር፡ ናይ ተራ ሰብ ባህርይ ኣይኰነን። ንገሌና እዚ ጽኑዕ ውሳነ’ዚ ኸም ስጋዊ ትምክሕቲ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል’ዩ። ፈጺሙ ትምክሕቲ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ብግብሪ ዝተመስከረን ኣእላፋት ጻድቃንን ቅዱሳንን ዘፍረየን ፍቱን ውሳነ’ዩ። እዞም ኵሎም ስጋኦም ንሰይፊ፡ ንመጋዝ፡ ንኣራዊት፡ ንሃልሃልታ ሓዊ ንመሪር መከራ ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰማእታት’ኮ፡ በዚ ተባዕን ቅዱስን ውሳነ’ዚዮም ተዓዊቶም። እቲ ኣብ ብርኩ ዜተንፍስ ከም ኵሎም መሳቱኡ ብጾታዊ ፍትወት ዚቃጸል ስጋ ዝለበሰ ምልምል መንእሰይ፡ ዮሴፍ፡ ነቲ ብኣስድዖትን ብኣስገዳድን ዝቐረበሉ ናይ ምንዝርና ዕድመ’ኮ፡ በዚ ዝጠቐስናዮ ተባዕ ውሳነ’ዩ ተዓዊቱሉ (ዘፍ 39፡7-23)።
እዚ ውሳነ’ዚ ግን ንጽል ውሳነ ኣይኰነን። ካልኣይን ኣዝዩ ኣገዳስን ጽንዓት ዚህቦ ውሳነ ኣለዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ድኹም ሰብ ስለ ዝዀንኩ እንተ ሓጣእኩ ድማ፡ ከይወዓልኩ ከይሓደርኩ ብመሪር ጣዕሳን ብኽያትን፡ ሓቀኛን ዘየጣዕስን ንህይወት ዚኸውንን ንስሓ ኣትየ፡ ብደም ክርስቶስ (ብምስጢረ ቍርባን) ተሓጺበ ሕልናይን ሰብነተይን ከንጽህ’የ” ዚብል ኣገዳሲ ውሳነ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ጽኑዕ ውሳነ፡ ነዚ ኻልኣይ ውሳነ’ዚ ግብራውን ውጽኢታውን ከም ዚገብሮ፡ ኣብ ህይወት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረጋጊጹ’ዩ። ጐይታና “ክትክሕደኒ ኢኻ” እናበሎ፡ “ከቶ ኣይክሕደካን’የ” ምባሉ፡ ነታ ቐዳመይቲ ውሳኒኡ ኼጽንዓን ኪፍጽማን እንተ ዘይከኣለኳ፡ ነታ ኻልኣይቲ ኣገዳሲት ውሳነ ኣብ ምትግባር ግን ዓባይ ደገፍ’ያ ዀይናቶ። እቲ ብመሪር ብኽያት ዝኣተዎ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ፡ ይትረፍ ካብ ህይወት ኪጐድል። ካብ’ታ ናይ ርእሰ-ሃዋርያት ክብሩን ማዕርጉን ንሓንቲ መዓልቲ’ኳ ኸይጐድል ኣድሒንዎ’ዩ (ማቴ 26፡31-35,69-75፣ማር14፡66-72፣ሉቃ 22፡54-62፣ዮሃ 13፡36-38፣18፡15-18,25-27፣ዮሃ 21፡15-19፣ሉቃ22፡31-34)። ዓቕምና ድኹም ስለ ዝዀነስ፡ ውሳነና’ውን ድኹም ኪኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። “ድኹም ሰብ ስለ ዝዀንኩስ፡ ሓድሓደ ጊዜ እንተ ሓጣእኩ ንቡር’ዩ። ጸገም የብሉን” ዚብል ልኡም መርገጺ፡ ሓጢኣትካ ዜብዝሕ ነቓዕ ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ፡ ንዓይነትን ውጽኢትን ናይ ንስሓኻውን ብኣሉታ ዚጸልውን ዜዳኽምን ኣካይዳ’ዩ። ኣቋሲሉ ደኣ ይገድፈካ’ምበር፡ ካብ ሓጢኣት ክትመውት ኣየኽእለካን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ብዘይ መስፈር ብልግሲ ዚወሃበና ዘየቋርጽ ደገፍ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተወኪልና ነዚ ድርብን ጽኑዕን ውሳነ’ዚ መዓልቲ መጸን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንኽንሓጥእ ‘ንፍተነሉን ኣጋጣሚታት ክንጥቀመሉ ይግብኣና። “ብሓጢኣት ካብ ሙማት፡ ብኣካል ሙማት እመርጽ” ምባል፡ “ነቲ ኻልኣይን ዘለኣለማውን ሞት ካብ ሙማት፡ ኣካላዊ ናይ ሰማእትነት ሞት ሙማት እመርጽ” ዚብል ኣምላኽ ዚሕጐሰሉ ክቡርን ብልህን ምርጫ ናይ ጻድቃን’ዩ።
እዚ ዝዓይነቱ ባዕላዊ ሞት ክንመርጽ ከለና፡ ነታ ብክርስቶስ ‘ትርከብ ህይወት ኢና ዝመረጽና። ኣቐዲምና ኸም ዝበልናዮ፡ እዚ ኻብ ሓጢኣት ሙማት፡ ምስ ሞት ክርስቶስ ዜሕብረና’ዩ። እቲ “ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ” ዚብል ሃዋርያዊ ቓል፡ ነዚ ንዛረበሉ ዘለና “ካብ ሓጢኣት ሙማት” ዚብል ሓሳብ ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጽ ምሩጽ መንፈሳዊ ቓል’ዩ (ሮሜ 6፡1-7፣ገላ5፡24፣2፡19፣6፡14)። እቲ ጐይታና፡ “ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ እንተ’ሎ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል’ሞ ይስዓበኒ” ዝብሎ ቓል’ውን ነዚ ኻብ ሓጢኣት ሙማት ዚምልከት’ምበር፡ ኣብ ናይ ዕንጸይቲ መስቀል ተሸንኪርና ብኣካል ክንመውት ዘቕረበልና ናይ ርእሰ ቕትለት ዕድመ ኣይኰነን (ሉቃ 9፡23,24፣ማር8፡34,35፣ማቴ 16፡24,25)። እቲ ብስቕለት ክርስትያን ምስ ክርስቶስ ተሰቒሉ ኻብ ሓጢኣት ዝሞተ ሰብ፡ ምስ ክርስቶስ ህያው ይኸውን። ብጥምቀት ምስኡ ሞይትና፡ ምስኡ ኸኣ ህያዋን ስለ ‘ንኸውን፡ እቲ ዝሞትናዮ ሞት ህይወት ዜስዕብ፡ ህይወት ዜፍርይ ክቡር ሞት’ዩ። ካብ ሓጢኣት ዝሞተ ሰብ፡ ንጽድቂ ህያው’ዩ ዚኸውን (1ጴጥ 2፡24፣ሮሜ 6፡3-11)። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ “ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣለዎ” ዝተባህለ (1ዮሃ 5፡11-13፣ዮሃ3፡14-16,36)። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኰነ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብቶም ካብ ሓጢኣት ዝሞቱ ጥራሕ’ዮም ዚሓድሩ (ዮሃ 14፡15-17,21-23)። ካብ ሓጢኣት ክንመውት ንኽእል፡ ነቲ “ጽድቂ ደኣ’ምበር፡ ሓጢኣት ኣይትግበር፡” ዚብል ቃል ጐይታ ብምሕላው’ዩ። ክንኣብዮን ክንሞተሉን ዚግብኣና ዓይነታት ሓጢኣት ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርዚሩልና ኣሎ። ነቲ ቐታሊና ሓጢኣት እንተ’ርሒቕናዮ፡ እታ ብክርስቶስ ‘ንረኽባ ህይወት ብዘይ ተቓጻጺ ብምልኣት ኣባና ትገዝእ። ስለ’ዚ እቲ ኻብ ሓጢኣት ሙማትና፡ እታ ህይወት ከም ‘ትስዕብን ከም `ትገዝእን ይገብራ ኣሎ። ዓይነት ናይ’ታ ብጽድቂ ‘ትግለጽ ህይወት ከኣ፡ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋናን ስጋዊ ናብራናን ብግብሪ እትገሃድ መንፈሳዊት ህይወት’ያ።
ኣካላዊ ሞትከ ብኸመይ’ዩ ህይወት ዜስዕበልና፧ እንታይ ዓይነት ህይወት’ዩ፧ ኣበይን መዓስን ዚገሃድ ህይወትከ’ዩ ዜስዕበልና፧ እቲ ኻብ ሓጢኣት እንሞቶ መንፈሳዊ ሞት፡ መንፈሳዊ ህይወት ከም ዜስዕበልና፡ ኣካላዊ ሞት ድማ ብትንሳኤ ሙታን ኣካላዊ ህይወት’ዩ ዜስዕበልና። ነቶም በዚ መዋቲ ስጋኦም ኣብ’ዛ ሓላፊት ዓለም’ዚኣ ዘኽበርዎ ፍቁራቱ፡ ብትንሳኤ ሙታን ካብ’ታ ተቐቢሮምላ ወይ ተበቲኖምላ ዘለው ኣኪቡ ህይወት ኪህቦም’ዩ። ነቲ መዋቲ ስጋኦም ናብ ዘይመውት፡ ነቲ ሓላፊ ህይወቶም ድማ ናብ ዘይሓልፍ ህይወት ለዊጡ፡ ኣብ’ታ ንዘለኣለም እትነብር መንግስቱ ብኽብርን ሓጐስን ዕረፍትን የንብሮም። ነዚ ሓቂ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ “ትንሳኤ ሙታን’ውን ከምኡ’ዩ፡ ብዚብስብስ (ስጋ) ይዝራእ፡ ብዘይብስብስ (ስጋ) ኸኣ ይትንስእ። ብውርደት ይዝራእ ብኽብሪ ድማ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ኸኣ ይትንስእ። ባህርያዊ ሰብነት (ነፍሳዊ ስጋ) ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ሰብነት (ስጋ) ይትንስእ። . . . ከም’ቲ ምስሊ ናይ’ቲ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ከምኡ ድማ ምስሊ ናይ’ቲ ሰማያዊ (ክርስቶስ) ክንለብስ ኢና። ግናኸ ኣሕዋተየ (ባህርያዊ/ነፍሳዊ) ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ በራሲ (ሰብነት) ከኣ ነቲ ዘይበርስ (መንግስትን ህይወትን) ከም ዘይወርሶ፡ እነግረኩም ኣለኹ። እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፦ እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐት፡ ኵላትና ብሓንሳእ ከም ቅጽበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና፡ . . . እታ መለኸት ክትንፋሕ’ያ፡ እቶም (ናይ ኣምላኽ) ምውታት ድማ ብዘይበርስ (ስጋ) ኺትንስኡ’ዮም። (ምኽንያቱ) እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ ኸኣ ዘይሙማት ኪለብስ ይግብኦ’ዩ።” 1ቈረ 15፡42-44,49-53ካ.ት
“ኣሕዋተይ፡ ንኣይ ምሰሉ፡ . . . ምኽንያቱ ኸም’ቲ ብዙሕ ጊዜ ዝነገርኩኹም፡ ሕጂ’ውን እናነባዕኩ ዝነግረኩም ዘለኹ፡ ብዙሓት (ሰባት ሓጢኣት ብምዝውታር) ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይነብሩ ኣለው። መወዳእታኦም ጥፍኣት’ዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም’ዩ፡ ክብረቶም’ውን ኣብ ነውሮም’ዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ምድራዊ’ዩ። ንሕና (እዞም ካብ ሓጢኣት ዝሞትና) ግና፡ ሃገርና ኣብ ሰማያት’ያ። ካብኣ ድማ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበይ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሉ፡ ነዚ ናይ ውርደት ሰብነትና ለዊጡ፡ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኼምስሎ’ዩ።” ፊል 3፡17-21ካ.ት
ነዚ ናይ ውርደት ሰብነትና ለዊጡ፡ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኼምስሎ’ዩ። እዚ ሃዋርያዊ ናይ ተስፋ ቓል’ዚ እዚ ኣካላዊ ሞትና እንታይ ዝዓይነቱ ህይወት ከም ዜስዕበልና ዘርዚሩን ኣነጺሩን ገሊጹልና ኣሎ። ብትንሳኤ ሙታን ከይተንስአ ዚተርፍ ሓደ’ኳ የልቦን። እቶም ብገዛእ ሓጢኣቶም ናይ መርገም ሞት ዝሞቱ ዅሎም ሓጥኣን’ውን። ናይ ግድን ኪትንስኡ’ዮም። ትንሳኤኦም ግን መወዳእታ ዘይብሉ ዝኸፍአ ሞት (ካልኣይ ሞት) ደኣ’ዩ ዜስዕበሎም’ምበር፡ ህይወት ኣይኰነን። እቶም ካብ ሓጢኣት ብሙማት ነቲ ኣካላዊ ሞትና ናይ ጻድቃን ሞት ዝገበርናዮ ግን፡ ነዚ ዝተነግረና ቓል ተስፋ ኽንወርሶ ኢና። ኣካላዊ ሞትና ብዘይ መውትን ዘይበርስን፡ ውርደትን ድኻምን ዘይብሉ መንፈሳዊ ስጋ እንነብሮ ዘለኣለማዊ ህይወት ኬስዕበልና’ዩ። ዓይነት ናይ’ቲ ምድራዊ ህይወትና፡ ኣብ ዓይነት ናይ’ቲ ኣካላዊ ሞትና ዓብይ ጽልዋ ኣለዎ። ዓይነት ኣካላዊ ሞትና ድማ ኣብ ዓይነት ናይ’ቲ ዚስዕበና ህይወት ወሳኒ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ ዅሉ ኸኣ በቲ ብዛዕባ ጽድቅን ሓጢኣትን ዘለና ኣረኣእያን ኣተገባብራን’ዩ ዚውሰን። ስለ’ዚ ናብራ ጻድቃን ነቢርና፡ ሞት ጻድቃን ከም ‘ንመውት ርግጸኛታት ንኹን። ይትረፍ ንህይወትና፡ ንሞትና’ውን ኣይንኽሰሮ። ብዝዀነ ይኹን መገዲ፡ ብዘበልና ኣቢልና፡ ዝገበርና ጌርና ህይወት’ምበር፡ ሞት ዘይስዕቦም ብልህታት ክርስትያን ንኹን። ሞትን ህይወትን ናይ ምርጫ ጕዳይ ምዃኑ ፈጺምና ኣይንረስዕ (ዘዳ 30፡15,19)። ንሕና ህይወት እንተመሪጽና፡ ኣብ ልዕሌና ሞት ኬስገድድ ዚኽእል ሰይጣን የለን። ሞት እንተ መሪጽና ኸኣ፡ ኣገዲዱ ህይወት ዜጥብቐልና ኣምላኽ የለን። ስለ’ዚ ብልቦና ብምስትውዓል ብዘይዕጸፍ ውሳነ፡ ህይወት ንምረጽ’ሞ፡ ህይወት ዜስዕብ ሞት ንሙት!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
13 ሓምለ 2025 | ሓምለ 6, 2016 ግዕዝ (መበል 44 ሰንበት: ቊ.፵፬/44) |
||
ምስባክ መዝ.፷፬(፷፭)፡፲,፲፩ “አርውዮ ለትለሚሃ። ወአሥምሮ ለማእረራ። ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሐ።” “ንነግሕታታ ተስትዮ፡ ንድንኵላታ ትምድምዶ፡ ብዝናም ተለምልማ፡ ንብቚላ ትባርኾ። ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፡ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡31-44 |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 2፡17-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 14፡8-18 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 13፡1-12 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቶ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ