“እዚ ናይ ልግሲ ኣገልግሎትኩም፡ ጐደሎ ናይቶም ቅዱሳን ምምላእ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሰብ ንእግዚአብሔር ዝዓዘዘ ምስጋና ኸም ዜቕርብ ይገብር’ዩ።” 2ቈረ 9፡12 ካ.ት
እዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምቲ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 26 ክሳዕ ሓምለ 15 (ቂርቆስ) ዘሎ ንኡስ ዘመን ናይ ዘመነ ክረምቲ፡ “ዘርእ፡ ደመና፡ ጠል” ይብሃል። ሓደ ኻብ’ቶም፡ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተስርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን እቲ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ፡ ኣብ ናይ ልግሲ ጸጋ ዘተኰረ ኣገዳሲ ምዕራፍ’ዩ። ኣብ’ዚ ምዕራፍ’ዚ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ናይ ሰብ ቈረንቶስ ናይ ልግሲ ጸጋ ኣብ ምዕዛዝ ዚሕግዝ ሓያል መልእኽቲ’ዩ ጽሒፍሎም። እዚ ኻብ ምዕራፍ ሸሞንተ ዝጀመረ መልእኽቲ፡ ነቶም ኣብ እስራኤል፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣውራጃ ይሁዳን ከተማ ኢየሩሳሌምን ዝነበሩ፡ በቲ ዘመን’ቲ ተኸሲቱ ብዝነበረ ደርቅን ጥምየትን ኣብ ቍጠባዊ ሽግር ወዲቖም ዝነበሩ ናይ’ቲ ቐዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ምእመናንን ኣገልገልትን ንምርዳእ፡ ሰብ ቈረንቶስ ንረድኤት ዚኸውን ናይ ገንዘብ ልግሲ ኺገብሩ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ’ዩ።
ኣብ ግብ 11፡27-30 ተዘንትዩ ኸም ዘሎ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ (ናይ ሶርያ) ነብያት ወሪዶም ነበሩ። ካብ’ቶም ነብያት፡ ኣጋቦስ ዝስሙ ሓደ ነብዩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ፡ ኣብ ኵላ ዓለም ጥምየት ከም ዚኸውን ተነበየ። እዚ ብርቱዕ ጥምየት’ዚ በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጾ መሰረት፡ ኣብ ዘመን ቄሳር ቅላውዲዎስ ተፈጸመ። ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ርእሰ ሓያላን ካብ ዝነበራ ሃገራት ሓንቲ፡ መንግስቲ ሮማ ነበረት። ናይ መንግስቲ ሮማ መራሒ ድማ “ቄሳር” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ቅላውዴዎስ ድማ ሓደ ኻብ’ቶም ንሮማ ዝመርሑ ቄሳራት’ዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣንጾክያ ዝሓሸ ዅነታት ስለ ዝነበረ፡ እቲ ትንቢት ተፈጺሙስ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ኣማኒ ህዝቢ ተሸጊሩ ኸም ዘሎ ምስ ስምዑ፡ መራሕቲ ናይ’ታ ቤተ ክርስትያን እቲ ጕባኤ ምእመናንን መኺሮም፡ ናብ ኢየሩሳሌም ረድኤት ኪሰድዱ መደቡ። ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ገንዘብ ኣዋጺኡ ምስ ተኣከበ ድማ፡ ብኢድ’ቶም ክልተ ሃዋርያት፡ በርናባስን ሳውልን (ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስን) ገይሮም ሰደድዎ።
በዚ ናይ ልግሲ ጸጋ’ዚ ቤተ ክርስትያን ኣንጾክያን ህዝባን ኪህብትሙ ዝገበሩ፡ እዞም ክልተ ሃዋርያት ምዃኖም ዘየጠራጥር’ዩ። ከምኡ ዜብለና ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ (ሳውል) ነቲ ኣብ ኣንጾክያ ዝጀመሮ ናይ ልግሲ ጸጋ ናይ ምዕዛዝ ተልእኾ ኣብ ናይ ሮማን ቈረንቶስን ኣብ ካልኦት ስመን ዘይተረቝሓ ከተማታት ዚርከባ ኣብያት ክርስትያንን፡ ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ስለ ዝቐጸሎ’ዩ (ሮሜ 15፡24-29፣ 1ቈረ 16፡1-4)። ኣብ’ዚ ኽፍልታት መልእኽቱ’ዚ ኣብ’ቲ መቄዶንያን ገላትያን ኣካይያን ዚበሃል ክፍልታት ኣውሮጳን ንኡስ እስያን (Ania minon) ኣብ ዘለዋ ዅላተን ኣብያተ ክርስትያን ነዚ ናይ ልግሲ ጸጋ ናይ ምዕዛዝ ኣገልግሎቱ ይተግሃሉ ኸም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። ከተማ ቈረንቶስ ኣብ’ቲ ኣካይያ ዚበሃል ዞባ (ኣውራጃ) እትርከብ ነበረት። ኣብ’ቲ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፎ ቐዳማይ መልእኽቱ ድማ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ይርከብ።
“ብዛዕባ’ቲ ነቶም ኣመንቲ ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከም’ቲ ንኣብያተ ክርስትያን ገላትያ ዝስራዕክዎ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። እቲ ምውጻእ ገንዘብ፡ ኣነ ምስ መጻእኩ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ክእለቱ ኣዋህሊሉ የቐምጥ። ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ ነቲ ህያብኩም ናብ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ኼብጽሑ፡ ነቶም ዝሓረኹምዎም ሰባት መልእኽቲ ኣትሒዘ ኽሰድዶም’የ። ኣነ ክኸይድ ዜድልይ እንተ ዀይኑ ድማ ምሳይ ይኸዱ።” 1ቈረ 16፡4 ካ.ት
እታ ኣብ ኵላተን ኣብያተ ክርስትያን ዘተኣታተዋን ዝሰርዓን ኣሰራርሓ ድማ፡ ንረድኤት ዚኸውን ገንዘብ ክትልግስ ምስ ተሓተትካ ዘይኰነስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ’ታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ንረድኤት ዚኸውን ገንዘብ፡ ባዕልኻ ፈሊኻ ምቕማጥ’ዩ። እቲ ምውጻእ ድማ ከከም ዓቕምኻ’ዩ። እቲ ኣብ ቕድሜና ተነቢሩልና ዘሎ ሃዋርያዊ ኣርኣያ ነዚ’ዩ ዚመስል። ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ወይ ኣብ ሓደ ክርስትያን ውልቀ ሰብ “ናይ ልግሲ ጸጋ ኣሎ” ኺበሃል እንተ ዀይኑ፡ እዚ ሃዋርያዊ ኣርኣያ’ዚ ኣብ’ቲ ውልቀ ሰብን ኣብ’ታ ቤተ ክርስትያንን ግብራዊ ኪኸውን ኣለዎ። ነዚ ዓብይ ተግባር’ዚ ኺገብር ዚኽእል እቲ ነቶም ድኻታት ወገናቱ ኪበልዕን ኪሰትይን፡ ኪኣትውን ኪወጽእን፡ ኪድቅስን ኪትንስእን ከሎ ዚሓስቦም ሰብ ጥራሕ’ዩ። እቲ ብወዝቢ ጎፍ ምስ በልዎ ወይ’ውን ምስ ተሓተተ ጥራሕ ዚዝክሮምን ኢዱ ወስ ዘብልን ግን “ናይ ልግሲ ጸጋ ኣለኒ” ኢሉ ኺሓስብን ኪዛረብን ኣይግብኦን’ዩ። እቲ ሰሙናዊ ይኹን መዓልታዊ ኸነዋጽኦ እንኽእል ገንዘብ፡ ዋላ ኻብ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ሳንቲም ከይበዝሕውን ይኽእል’ዩ። እግዚአብሔር ግና ነቲ ትሕዝቶና ዘይኰነ ነቲ ፍቓድ ልብና ኸም ዚርእን ከም ዚመዝንን ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ነቲ ጐይታና ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ዝተዛረቦ ቓል ወርትግ ንዘክር፡
“ቍሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብ’ቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረኣየ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን (ሳንቲም) ከተውድቕ ከላ ረኣየ’ሞ፡ ‘ካብ ኵላቶም (መጽወት’ቲ) እዛ ድኻ መበለት’ዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እዚኣቶም ኵላቶምሲ ካብ ተረፎም’ዮም መባእ ዘውደቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ’ያ ዘውደቐት’ በለ።” ሉቃ 21፡1-4
ስለ’ዚ ኣብ መጠን ናይ’ቲ እነቐምጦ ወይ እነበርክቶ ልግሲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ምዕዛዝ ናይ’ቲ ናይ ልግሲ ጸጋ ኸነድህብ ይግብኣና። ክንልግሶ እንኽእል ሓንቲ ሳንቲም እንተ ሰኣንና’ኳ፡ እቲ ናይ ምልጋስ ጸጋ ኣብ ውሽጥና እንተ’ዩ፡ እቲ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ልቢ ዚደልያ ኣምላኽ፡ ከም ለገስቲ ከም ዚቘጽረና ፈጺምና ኣይንጠራጠር።
ግደ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምዕዛዝ ጸጋ-ልግሲ ማዕረ ኽንደይ’ዩ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝኣንፈትናዮ፡ ግደ ናይ መራሕትን ኣገልገልትን ቤተ ክርስትያን ኣብ ምዕዛዝ ልግሲ ኣዝዩ ልዑል’ዩ። እዚ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣሰራርሓ ድማ ርኡይን ዘይሃስስን ኣርኣያ’ዩ። ናይ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ኣርኣያ፡ እዚ ድሮ ዝተጠቕሰ ኣብ ቦታኡ ሃልዩ፡ ናይ ሰብ ቈረንቶስ ልግሲ ንምዕዛዝ ተወሳኺ ጻዕርታት’ውን ይገብር ነበረ። ነዚ ጻዕሩ’ዚ ድማ ኣብ’ቲ መልእኽትታቱ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ስለ’ዚ ንቲቶስ፡ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝነበረ፡ ነዚ ናይ ልግስኹም ጸጋ ኣብ ፍጻሜ ኼብጽሖ ምዒድናዮ ኣለና። . . . ነቲ ኣነ ብዛዕባኹም ዘሎኒ ሓልዮት ኣብ ልቢ ቲቶስ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ከመይ ቲቶስ ዘረባይ ሰሚዑ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብገዛእ ፍቓዱ ብርቱዕ ድላይ ገይሩ’ዩ ናባኻትኩም ዚመጽእ ዘሎ። ምስኡ’ውን ነቲ ብኣገልግሎት ወንጌል ብዅላተን ኣብያተ ክርስትያን ዝተናእደ ሓው ሰዲድና ኣለና። . . . ንሱ ንኽብሪ እግዚአብሔርን ነቲ ዘሎና ሓልዮትን ከነርእይ ኢልና ናይ ልግሲ ጸጋ ኸነመሓደር ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ ኼሰንየና ኣብያተ ክርስትያን ዝሓረያኦ (ሰብ)’ዩ። . . . ሕጂ’ውን እምብዛ ትጉህ ከም ዝዀነ፡ ብዙሕ ጊዜን ብብዙሕ ነገርን መርሚርና ዝፈለጥናዮ ሓደ ኻልእ ሓው ምስኣቶም ንሰድደልኩም ኣለና።” 2ቈረ 8፡16-19,22 ካ.ት
“እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝተሓበንናዮ (ሓበን) በዚ ተግባር’ዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና ከም’ቲ ዝበልክዎ። ተዳሊኹም ክትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣለኹ። . . . ስለ’ዚ ነቲ ኽትልግስዎ ዘተስፈኹምዎ ህያብ፡ ኣቐዲሞም ምእንቲ ዄዳልው ነቶም ኣሕዋት ቀቅድመይ ናባኻትኩም ኪኸዱ ደፋፋእክዎም። እዚ ኸኣ ፈቲኹም’ምበር ተገዲድኩም ከም ዘይገበርኩምዎ ኼረድእ’ዩ።” 2ቈረ 9፡3,5 ካ.ት
ካብ’ዚ መልእኽቲ’ዚ ኸም እንርድኦ፡ ንሱ ብኣካል ምሳታቶም ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ከይተረፈ፡ ደብዳቤ ብምጽሓፍን፡ ብሉጻት ሰባት መሪጹ ብምልኣኽን፡ ነቲ ልግሶም ኬዕዝዞ ይጋደል ነበረ። ነዚ ጸጋ’ዚ ኼዕዝዙን ኬመሓድሩን ዚምረጹ ሰባት ድማ፡ ብወንጌል ዝተናእዱ፡ እምብዛ ትጉሃት ዝዀኑ፡ ናይ ስሰዐ ባህርይ ዘይብሎም፡ ጥንቁቓት ሰባት ኪዀኑ ኸም ዚግባእ’ውን ብግብሪ ኣመልኪቱና ኣሎ። እምበኣር ሃዋርያዊት ምዃና እትእመን ዝዀነት ትኹን ቤተ ክርስትያንን መራሕታን፡ ካብ’ዚ ኣርኣያ’ዚ ብስድሪ’ኳ ኽትጐድል ኣይግባእን’ዩ። ኣብ’ቲ ተዘርጊሑን ንመሃሮን ዘለና “ፍኖተ ህይወት” ዝተባህለ ናይ መሰረት እምነት መጽሓፍና፡ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስትና’ዚ “ግብረ-ውህበት” ከምኡ’ውን “ግብረ ሰናይ” ብዚብል ምዕራፋት ብዝርዝር ተገሊጹልና ኣሎ።
ዕዙዝ ናይ ልግሲ ጸጋ ኸም ዘሎ ዜረጋግጹልና ምልክታት እንታይ እንታይ’ዮም፧
1. ብግዲ ዘይኰነስ ብፍታው ምሃብ፦ ብርግጽ ካብ’ቲ እግዚአብሔር ፈትዩ ዝሃበካ ትሕዝቶ፡ ኣገዲዱ ኸም እትልግስ ኪገብረካ ዚኽእል ዝዀነ ኣካል የልቦን። ንዛረበሉ ዘለና ኣርእስቲ ኸኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ (እምነታዊ) ልግሲ፡ ማለት ንቓል እግዚአብሔር ተኣዚዝና ብዛዕባ እንገብሮ ልግሲ ስለ ዝዀነ፡ ብኣስገዳድ ዚግበር ዘይምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። “ዘይሃበ ኸይብሉኒ” ወይ’ውን “ኣውሒዱ ኸይብሉኒ” ዚብል ስክፍታዊ ሓሳብ ግና ንኽንልግስ ኬገድደና ይኽእል’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ሽግር፡ ኣብ’ቶም ንሰብ’ምበር ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ዝውቱር’ዩ። እቲ ብኸም’ዚ ዝበለ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዚህብ ሰብ፡ ብምሃቡ ኺሕጐስ ኣይክእልን’ዩ። ነቲ ዝሃቦ ህያብ ኪርስዖ የጸግሞ፡ ከም ዝተኸትረ ኸም ዝተሰርቀ’ምበር ከም ዝለገስ ዀይኑ ኣይስምዖን’ዩ። እዚ ኣተሓሳስባን ስምዒትን’ዚ ሓጥእ ስለ ዝዀነ፡ ከይሃብካ ስቕ ምባል ዜሕሸሉ’ዩ። ህያብካ ንእግዚአብሔር ዝተቐደሰ ዚኸውን፡ ፈቲኻ ኽትህብ ከለኻ ጥራሕ’ዩ።
“ብብዙሕ ጸበባ ተፈቲኖም ሓሊፎም’ዮም። እንተ ዀነ (ብዛዕባ ጸበባኦም) ሕጉሳት ስለ ዝዀኑ፡ ኣዝዮም ድኻታት (ክነሶም) ኣዝዮም ለጋሳት’ዮም። ባዕላቶም ፈትዮም፡ ከም ዓቕሞም፡ አረ ሓለፋ ዓቕሞም፡ ከም ዝለገሱ እምስክረሎም ኣለኹ። . . . ንምሃብ ድልየት (ፍታው) እንተ ደኣ ኣልዩ፡ እቲ ውህበት ቅቡል’ዩ። . . . " 2ቈረ 8፡2,3,12 ካ.ት
“ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ’ዩ ዚፈትው’ሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይ ብግዲ ዘይኰነ፡ ከም’ቲ ብልቡ ዝሓለኖ (ብፍታው) ይሃብ።” 2ቈረ 9፡7 ካ.ት
“ወርቂ ንዜድልይ ኻብ ወርቂ፡ ብሩር ንዜድልይ ድማ ካብ ብሩር፡ አረ ብኢድ ብልሓተኛ ንዚግበር ዘበለ ዅሉ ስራሕ ከኣ እህብ ኣለኹ። ሎሚ ኢዱ ብፍታው መሊኡ ንእግዚአብሔር ዚህብ መን ኣሎ፧ ሽዑ’ቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ነገዳት እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስቶም ሓላቑ እቲ ስራሕ ንጉስን ብፍታው ሃቡ። . . . ንእግዚአብሔር ብፍጹም ልቢ ፈትዮም ስለ ዝሃብዎ፡ እቲ ህዝቢ በቲ ብምፍታው ምሃቦም ተሓጐሰ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ዓብዪ ሓጐስ ተሓጐሰ።” 1ዜና 29፡5,6,9
2. ውሑድ ዘይኰነስ ብዙሕ ምሃብ (ብቝጠባ ዘይኰነስ ብበረኸት ምሃብ)፦ ካብ’ቲ ዘይብልካ ዘይኰነስ ካብ’ቲ ዘሎካ፡ ብብዝሒ ምሃብ፡ እግዚአብሔር ዚሰምሮ ቅቡል መስዋእቲ’ዩ። ዓሰርተ ኺህብ እናኸኣለ፡ ሓሙሽተ ወይ ሓደ ጥራሕ ዚህብ ሰብ ፡ “ናይ ልግሲ ጸጋ ኣለዎ” ኺበሃል ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ዓቕምኻ ዚፈቕዶ ዝለዓለ መጠን ናይ ህያብ ክትልግስ እንተ ኽኢልካ፡ ናይ ልግሲ ጸጋ ኣባኻ ዓሲሉ ኣሎ ማለት’ዩ። እግዚአብሔር ብብዝሒ ለጊሱልና ኼብቕዕ፡ ንሕና ብቝጠባ (ብብቅቂ) እንተ ሂብና፡ እቲ ኣብ ኢድና ዚተርፍ፡ ገንዘብ-ዓመጻ’ዩ ዚኸውን። ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ናይ ሉቃ 21፡1-4 ዛንታ፡ እቶም ሃብታማት ካብ’ቲ ተረፎም’ዮም ዝሃቡ። እታ ድኻ መበለት ግና፡ ኵሉ ምግባ ኸይተረፈ’ያ ዝሃበት። ስለ’ዚ ኸኣ እንተ ናታ ኽልተ ሳንቲም ካብ ናይ’ቶም ሃብታማት ዝበዝሐ ዀይኑ ተቘጽረላ።
3. ብጓሂ ዘይኰነስ ብሓጐስ ምሃብ፡- ስጋና፡ ምሃብ ኣይፈትውን’ዩ። ስለ’ዚ ብምሃብ ኪሕጐስ ኣይክእልን’ዩ። ብምሃብ ኪሕጐስ ዚኽእል፡ እቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ብምሃብ ኽንሕጐስ ዚግብኣና ብሰለስተ ምኽንያት’ዩ።
ቀዳማይ፡- ንትእዛዛት ኣምላኽ ክንእዘዝ ብምኽኣልና ኪኸውን ከሎ፡
ካልኣይ፦ ከኣ ንዝተጸገሙ ሰባት ስለ ዘርሃናሎም፡ ተኻፈልቲ ጸበባኦም ክንከውን ብምኽኣልና’ዩ።
ሳልሳይ፦ ድማ ኪምቀል ዚኽእል ትሕዝቶ ኽንረክብ ብምኽኣልናን ባህርይን ብግብርን ናይ ኣምላኽ ከነንጸባርቕ ብምክኣልና’ዩ። ካብ’ቲ ናይ እግዚአብሔር ናይ መጋቢነት ባህርይ ተኻፊልካ፡ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኴንካ ንሰባት ክትረድእ ኣዝዩ ዓብዪ መንፈሳዊ ኽብሪ’ዩ። እግዚአብሔር ኪካፈል ዚኽእል ትሕዝቶ ዚህበና፡ ገንዘብ ክቡር ህያብ ኰይኑ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ኽቡር መጋቢነቱ ኣካፊሉ ኬኽብረና ስለ ዚደልይ’ዩ። እቲ ገንዘብ ረኺቡስ ልግሲ ዚጽየፍ ሰብ፡ እቲ ንሓላፊ ገንዘብ ካብ’ቲ ኽቡርን ነባርን ናይ መጋቢነት ባህርይ ንላዕሊ ኣኽቢሩ ዚርእይ ሕሱር ሰብ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ መርኣያ መጋቢነት ዝዀነ ልግሲ ኽንፍጽም ከለና ዕዙዝ መንፈሳዊ ሓጐስ ኪስምዓና ይግባእ።
ናይ ልግሲ ናይ መወዳእታን ዝዓበየን ዕላማ እንታይ’ዩ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ናብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት ኣርእስቲ ትምህርትና ዚመርሓና’ዩ። ምድራዊ ዕላማ ናይ ልግሲ፡ ጐደሎ ናይቶም ብስጋ ዝተጸገሙ ሰባት ምምላእ’ዩ። እዚ ዕላማ’ዚ ኣድላዪ’ኳ እንተ ዀነ፡ ካልኣዊ ዕላማ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ዕላማኡ ግና፡ ንእግዚአብሔር ዚኸውን ምስጋና ምዕዛዝ’ዩ። ኣብ ምድሪ ናይ ዚፍጸም ዝዀነ ይኹን ሰናይ ግብሪ ዕላማ፡ ንእግዚአብሔር ዚኸውን ምስጋናን ክብርን ምዕዛዝ’ዩ። ጐይታናን፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ብዛዕባ’ዚ ኺገልጹ ኸለዉ ኸም’ዚ ዚስዕብ ኢሎም ኣለዉ፦
“ከምኡ ከኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ማቴ 5፡16
“እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለዉ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።” 1ጴጥ 2፡12
ስለ’ዚ ልግሲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኵሉ ሰናይ ግብሪ ንኣምላኽ ዚኸውን ምስጋና የዕዝዝ’ዩ። እቲ ንስጋ ዚኸውን ምግብን ልብስን ካልእ ኵሉ ነገርን፡ ሓላፊ’ዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ዚዓርግ ምስጋና ግን ነባሪ’ዩ። እቲ ንልግስና ኽብሪ ዜጸግዎ ድማ እዚ ምስጋና’ዚ’ዩ። ስለ’ዚ ብምግቢ ኸብዲ ድኻ ከነዐንግል፡ ብኽዳን ዝዓረቐ ዝባን ከነልብስ ከለና፡ ነቲ ብዓይኒ ስጋ ዚረኣይ ንጥፈታትና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብዓይኒ መንፈስ ዝረኣይ ዕዙዝ ምስጋና’ውን ኣጸቢቕና ኸነድህበሉ ይግባእ። ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ናይ 2ቈረ 8፡19 (ካ.ት) ጥቕሲ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ናይ ልግሲ ኻልኣይን ዝዓበየን ዕላማ ኣነጺሩ ጠቒስዎ ኣሎ።
“ንሱ፡ ኣብ’ቲ ንኽብሪ እግዚአብሔርን ነቲ ዘሎና ሓልዮትን ከነርእይ ኢልና ናይ ልግሲ ጸጋ ኸነመሓድር ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ ኼሰንየና ኣብያተ ክርስትያን ዝሓረያኦ’ዩ።”
እዚ ናይ ልግሲ ጸጋ’ምበኣር፡ ነቶም ሽጉራት ዘለና ሓልዮት ንኸነርእይ ኢልና ጥራሕ ክንገብሮ ኣይግባእን’ዩ። ቀዳማይ ዕላማኡ ኽብሪ እግዚአብሔር ምዕዛዝ’ዩ። ክብሪ እግዚአብሔር ዚዓዝዝ ድማ እቲ ናይ መጋቢነት ባህርዩ ኣባና ኺግለጽ ከሎን፡ እቶም ብልግስና ዝተገልገሉ ሰባት ድማ ንኣምላኽ ኬመስግንዎ ኸለዉን’ዩ። ንሕና ድማ ንኽብሪ እግዚአብሔር ዝተፈጠርና ፍጡራት ስለ ዝዀንና፡ ብግብሪ ኰነ ብምስጋናና ንኣምላኽ ከነኽብር ብምስሉን ኣርኣያኡን ዝተፈጠርና ኢና።
“ነቲ ብስመይ እተጸውዐ ዘበለ ዅሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን (ህዝቢ) ኣምጽኣዮ . . . እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንትው’ዩ።” ኢሳ 43፡6,7,21
ነቲ ናይ እግዚአብሔር ግብርታት ዝዀነ ሰናይ ግብሪ ኽንገብር ከለና፡ “ኣቕሓ ኽብሪ” ኢና እንኸውን፧
“እምበእርሲ ሓደ’ኳ ርእሱ ኻብ’ዚኣቶም (ካብ’ቶም ኣቕሓ ውርደት) እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ፡ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት (ንኣገልግሎት ጐይታኡ) ዚጠቕም ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን’ዩ።” 2ጢሞ 2፡21
ነቲ ናይ እግዚአብሔር መለኮታዊ ግብሪ ኣብ ምድሪ ኽንፍጽም ከለና፡ ክብሩን ባህርዩን ኢና ንገልጽ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ በቲ ሰብ ዝገበሮ ሰናይ ግብሪ፡ ኣምላኽ ዚምስገን።
ብምኽንያት’ዚ ልግሲ ንኣምላኽ ዜመስግን መን’ዩ፧
1. እቲ በቲ ልግሲ ዝተረድአ ሽጉር ሰብ፡ እቲ ቐዳማይ ኣመስጋኒ’ዩ። እግዚአብሔር ዚረድኦም ሰባት ስለ ዝለኣኸሉ፡ ንጊዚኡ ሽግሩ ስለ ዝተፈትሐ የመስግን።
2. እቲ ናይ ልግሲ ጸጋ ዝረኸበ ሰብ’ውን ንኣምላኽ የመስግን’ዩ፡፡
ሀ. እግዚአብሔር ንሰባት ኪካፈል ዚኽእል ትሕዝቶ ስለ ዝሃቦ የመስግን።
ለ. ካብ’ቲ ናይ ድንጋጸን መጋቢነትን ባህርዩ ስለ ዘካፈሎን ኪልግስ ስለ ዝደረኾን ዘኽኣሎን የመስግን።
3. እቶም ነዚ ናይ ልግሲ ጸጋ ዜመሓድሩ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎቶም ስለ ዝሰመረሎምን ኣብ ግብሪ ስለ ዝወዓለሎምን የመስግኑ። እቶም ሽጉራት ዜድልዮም ስለ ዝረኸቡ፡ እቶም ርኹባት ድማ ናይ ልግሲ ጸጋ ስለ ዝተዋህቦም የመስግኑ።
4. ካብ’ቲ ወሃብን ተቐባልን ወጻኢ ዝዀኑ፡ ነቲ ግብሪ ሕያውነት ዝረኣዩ፡ ጽቡቕ ኣርኣያ ዝረኸቡ ሰባት ከኣ ንኣምላኽ የመስግኑ።
5. እቶም ብደም ክርስቶስ ዝተዓደጉ ሰባት ግብሪ ኣምላኽ ኬዘውትሩን፡ ክብርን ግብርን ናይ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኺግለጽ ከሎ ዝረኣዩን ቕዱሳን መላእኽቲ’ውን የመስግኑ፡ ምኽንያቱ ንሳቶም ብንስሓን ሰናይ ግብርን ናይ ሰባት ኣዝዮም ከም ዚሕጐሱ ኣብ ቃሉ ተገሊጹልና ኣሎ (ሉቃ 15፡7,10)።
እምበኣር ነዚ ኽቡር ሓቂ’ዚ ድሕሪ ምፍላጥና፡ ህይወትና ምምርማር’ዩ ዚተርፈና። ናይ ልግሲ ጸጋ ዘሎናን ዘይብልናን፡ ነዚ ናይ እግዚአብሔር መጋቢነት ብግብሪ ንፍጽሞ ምህላውናን ዘይምህላውናን ነረጋግጽ። ሕቡእ ተግባር ስለ ዘይኰነ፡ ብመንጽር’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ህይወትና እንታይ ከም ዚመስል ኪስወረና ኣይክእልን’ዩ። ነቲ ልግስና፡ ብፍታው፡ ብሓጐስ፡ ብበረኸት ንገብሮ ምህላውና’ውን ርግጸኛታት ንኹን። በቲ ናይ ልግሲ ተግባርና ንርእስና ዘይኰነስ ንእግዚአብሔር ጥራሕ ነኽብር ምህላውና፡ ኵሉ ኣሰራርሓ ናይ ልግሲ ተግባርና ንኣምላኽ ብዜኽብር ኣገባብ ንገብሮ ምህላውና ኣረጋጊጽና ንግበሮ። ነቲ ዚልገስ ትሕዝቶን ናይ ልግሲ ጸጋን ዝሃበና ኣምላኽ ድማ ወርትግ ነመስግኖ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
20 ሓምለ 2025 | ሓምለ 13, 2016 ግዕዝ (መበል 45 ሰንበት: ቊ.፵፭/45) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፴፭(፻፴፮)፡፳፭-፳፮ “ዘይሁብ ሲሳየ ለኵሉ ዘሥጋ። እስመ ለዓለም ምሕረቱ። ግነዩ ለአምላከ ሰማይ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፫(፻፬)፣፲፪-፲፫ “ዘያበቍል ሣዕረ ለእንስሳ። ወሐመልማለ ለቅኔ ዕጓለ እመሕያው። ከመ ያውፅእ እክለ እምድር።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2ቈረ 9፡5-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
ያእ 3፡13-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 27፡18-26 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 7፡21-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቶ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ