S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"(ኢየሱስ) ናብ’ታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከም’ቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኬንብብ’ውን ተንስአ። . . . ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ኣጸቢቕካ ትጋህ። እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገር’ዚ ዅለንትናኻ ወፍይ።" ሉቃ4፡16፣ 1ጢሞ4፡15 ካ.ት.

"‘ምፍታሕን ንኽዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን (ሰብ) እጸልእ ኣለኹ። ስለ’ዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሓልዉ’ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።" ሚል2፡16 (ዮሃ2፡1,2)

"ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ’ያ’ሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን።" ሮሜ13፡12,13

"ንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ዘመነ ስብከትን ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ነብያትን’ዩ። "ዘመነ ስብከት" ኣብ ውሽጢ ዘመነ ነብያት ስለ ዚርከብ፡ ናይ ዘመነ ነብያት ንኡስ ዘመን ከም ዝዀነ ኺመስለና ኣይግባእን። ርእሱ ዝኸኣለ ዘመን’ዩ። ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዘመነ ስብከት ካብ ታሕሳስ 12 ኽሳዕ ታሕሳስ 13 ዀይኑ፡ ናይ 2 መዓልታት ዘመን’ዩ። ስብከት፡ ኣብ እምነት ክርስትና ቐዳማይን ዓብይን ገልግሎት’ዩ። ነቶም ኣብ እምነት ዘየለዉ ሰባት፡ ብስብከት ኢና ’ንበጽሖም።

"እንሆ ኸኣ፡ "ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ’ሞ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብ’ዚ መጻእካ፧" እናበሉ ጨርሑ። . . . እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ "ኸተውጽኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብ’ዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣትው ፍቐደልና።" ኢሎም ለመንዎ።" ማቴ 8፡29።

"ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸብበናን’ዩ፡ ’ንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና። ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግን ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይጠፍእን ኢና።" 

2ቈረ 4፡8,9 (ዘካ 9፡12)

"ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ’ሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡንብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። እቶም፡ ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት’ቲኦም ብጹኣን’ዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡ’ውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣብ 2ይቲ ወይ 3ይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸም’ዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮት’ቲኦም ብጹኣን’ዮም።" ሉቃ 12፡36-38

 "ኣምላኽናስ ኣብ ሰማይ ኣሎ፡ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር’ዩ። ...እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፡ ኣብ ባሕርን መዓሙቝን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር’ዩ።" መዝ 115፡3 ፣ 135፡6

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div