“ኦ!ጐይታይ፡ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ኣፋንዎ። ከመይ ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ርእየናኦ’የን። እዚ (ህጻን’ዚ) ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳለኻዮ ድሕነት’ዩ። ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ንህዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ ዚገልጽ’ዩ።”ሉቃ 2፡29-32 ካ.ት
“ንስኻትኩም ግና ዕብየት (ወይ ደግነት) ናይ’ቲ ኻብ ጸልማት ናብ’ቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸዉዓኩም (ኣምላኽ) ምእንቲ ኽትነግሩ ሕሩይ ወለዶ፡ (ንጉሳውያን ካህናት) (Royal Priesthood)፡ ቅዱስ ህዝቢ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።”1ጴጥ 2፡9 ካ.ት
“ስለ’ዚ ሓቛቑ ልብኹም ተዓጠቑ፡ ከምኡ’ውን (ጥንቁቓት ኩኑ)፡ ተስፋኹም ብምሉኡ ኣብ’ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን።” 1ጴጥ 1፡13 ካ.ት
“ሕጂ ድማ ደቀየ፡ (ክርስቶስ) ኪግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ (ንሱ) ዚመጻላ መዓልቲ’ውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርሲ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ። (ክርስቶስ) ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወልደ’ውን ፍለጡ።” 1ዮሃ 2፡28-29 ካ.ት
“ኣዲኡ ኸኣ፡ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” በለቶም። ...... ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ነዚ ኣጋንእ’ዚ ማይ ምልእዎ’ በሎም (ንሳቶም ከኣ)፡ ኣፍ ንኣፍ መልእዎ።” ዮሃ 2፡5,7
“ወዲ ኽትወልድ’ያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም’ዩ’ሞ፡ ስሙ ‘ኢየሱስ’ ክትብሎ ኢኻ። እዚ ዅሉ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፦ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ’ውን ክትወልድ’ያ፡ ስሙ ኸኣ “ኣማኑኤል” ኪብልዎ’ዮም፡ ትርጕሙ ኸኣ ‘ኣምላኽ ምሳና’ ማለት’ዩ” እናበለ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኺፍጽም ኰነ።” ማቴ 1፡21-23 ካ.ት
“ኣቱም ደቀይ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ (ርኹስ) መንፈስ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ (ቅዱስ) መንፈስ ዚዓብይ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ነቶም ሓሰውቲ ነብያት ስዒርኩምዎም ኢኹም። ንሳቶም ካብ ዓለም’ዮም፡ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለም’ውን ትሰምዖም ኣላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን’ዩ፡ ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና ‘ንፈልጦ።” 1ዮሃ 4፡4-6 ካ.ት
“ሕያዋይ ጓሳ ኣነ’የ። ነባጊዐይ እፈልጠን እተን ኣባጊዐይ’ውን ይፈልጣኒ’የን።” ዮሃ 10፡14,15።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ