"ስለ’ዚ እቲ ምእንትኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። በዚ መገዲ’ዚ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕልናኦም’ውን እናኣቝስልኩም። ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም።" 1ቈረ 8፡11,12
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሓምሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምቲ’ዩ። ነዚ ሰንበት’ዚ ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እቲ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝተጻሕፈ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቀዳማይ መልእኽቲ ሓደ’ዩ። እቲ ሎሚ ሓቢርና ዘንበብናዮ ዓስራይ ምዕራፍ ናይ’ዚ መልእኽቲ፡ ብዙሕ ምስጢራት ዝሓቘፉ ብርክት ዝበሉ ኣርእስትታት ኣለዉዎ። ምስ 1ቈረ 8፡ 11,12 ተዛማዱ ንሎሚ ተመሪጹልና ዘሎ ኣርእስቲ ኸኣ፡ እዚ "ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም!!" ዚብል ኣገዳሲ ኣርእስቲ’ዩ። ንክርስቶስ ምብዳል ኣዝዩ ሓደገኛን ዓሻን ተግባር’ዩ። ንፈጣሪኻ፡ ንመድሓኒኻ፡ ንጓሳኻ፡ ንመራሒኻ በዲልካ ኣበይ ኪእተው’ዩ፧ ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ኸኣ ነቲ ፈራዲኻ ምብዳል’ዩ። እቲ ሎሚ እንብድሎ ዘለና ክርስቶስ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ምጽኣቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ዚፈርደናን ዘለኣለማዊ መጻኢና ዚውስነልናን ንሱ ባዕሉ’ዩ። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣብ እነሕልፎ ማሕበራዊ ህይወት፡ ክንገብሮ ዘይንደፍር በደል እንተ’ልዩ፡ ንዳኛ ምብዳል’ዩ። ጐይታና ባዕሉ’ውን፡ እቲ ዚፈርድ እግዚአብሔር ወልድ ንሱ ምዃኑ ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ።
"ኵሉ ሰብ ከም’ቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ “ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሃቦ’ምበር፡ ኣቦ ንሓደ’ኳ ኣይፈርድን’ዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ፡ ነቲ ዘለኣኾ ኣቦ’ውን ኣየኽብሮን’ዩ። . . . ወዲ ሰብ’ዩ’ሞ ኺፈርድ ስልጣን ሃቦ።" ዮሃ 5፡22,23,27
"ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ’ዩ’ሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ’ዩ።" ማቴ 16፡27
ንመድሓኒኻ ምብዳል ከቢድ ግፍዒ’ዩ። እቲ ናይ ሎሚ መድሓኒኻ፡ ናይ ጽባሕ ፈራዲኻ ምዃኑ ምዝንጋዕ ከኣ እቲ ዝኸፍአ ዕሽነት’ዩ። እቲ ሓቂ ኸም’ዚ ካብ ኰነ’ምበኣር፡ ነቲ መድሓንን ፈራድን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቐጥታዊ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ ንዘይምብዳሉ፡ ኣዝዩ ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብር ይግብኣና። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ዝረኣዮ ሰፊሕ ራእይ (ራእይ ዮሃንስ) ንክርስቶስ ናይ ምብዳል ዕሽነት ብጋህዲ ተራእዩ ኣሎ። "እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ ኣሎ። ኵሎም ሰባት፡ እቶም ዝወግእዎ’ውን ከይተረፉ፡ ኪርእይዎ’ዮም። ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪ ድማ ብእኡ ኺበኽዩ’ዮም። እወ፡ ኣሜን።" ራእ 1፡7 ካ.ት
"(እቲ ዚፈርድ ገንሸል ምስ ተገልጸ። ነገስታት ምድርን መሳፍንትን ኣዘዝቲ ወተሃደራትን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ መንጎ ኣኻውሕ እምባታትን ተሓብኡ። ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ከም’ዚ በልዎም፦ “ካብ ገጽ’ቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ’ቲ ገንሸልን ኣብ ልዕሊና ወዲቕኩም ከውሉና፡ ከመይ እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም መጺኣ’ያ። መንከ’ዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧" ራእ 6፡16,17 ካ.ት
እቶም ጐይታ ኺመጽእ ከሎ ርእዮም ብራዕዲ ተዋሒጦም ዚበኽዩን ዚሕብኡን፡ እቶም ህላውኡ’ኳ ከይኣመኑሉ ብዙሕ ጊዜን ብብዙሕ መገድን ዝበደልዎ ጥራሕ’ዮም። እቶም ብቐጥታ ዀነ ብተዘዋዋሪ መገዲ ንእኡ ንዘይምብዳል ኣዝዮም ዝተጠንቀቑ፡ ነቲ ንእኡ ዜሐጕስ ጥራይ ዝሓረዩ ግን፡ ጐይታ ምምጽኡ ምስ ረኣዩ፡ ድሕነቶም ምልኣት ዚረኽበሉ ጊዜ ስለ ዝዀነ፡ ዚሕብኡሉ ዘይኰነስ፡ ቅንዕ ዚብሉሉን ርእሶም ዜልዕሉሉ ጊዜ’ዩ (ሉቃ 21፡27,28፣ ሮሜ 8፡23፣ እብ 9፡27,28)። ስለ’ዚ ነቲ ምዕሩግን ግሩምን ጐይታ ርእስና ኣልዒልና ቅንዕ ኢልና ንምጥማቱን ኣብ የማኑ ንምቛምን ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ኣብ’ዛ ናይ ግሽነት ዕድመና፡ ብሓሳብ፡ ብስምዒት፡ ብቓላት ኰነ ብግብሪ ንክርስቶስ ንዘይምብዳል ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ይግብኣና። በደል ምፍጻም ብቐጥታዊ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ፡ ወጽዓ ጥራሕ’ምበር ፈጺሙ ረብሓ የብሉን።
ብኸመይ ኢና ንሰባት ብምብዳል ንክርስቶስ እንብድሎ፧ ነዚ ሕቶ’ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ዝምድና ኸም ዚግባእ ብምፍታሽ ኢና ‘ንምልሶ። ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ብዙሕ ዝዓይነቱ ዝምድና’ዩ ዘሎ። ገለ ኻብኡ ናይ ፈጣርን ፍጡርን፡ ናይ ጐይታን ባርያን፡ ናይ ወላድን ውሉድን፡ ናይ ጓሳን መጓሰን፡ ናይ መምህርን ተማሃራይን፡ ናይ ንጉስን ህዝብን፡ ናይ ፈራድን ተፈራድን ወዘተ ዝምድና ዜጠቃልል’ዩ። እዚ ብዙሕ ዝዓይነቱ ዝምድናታት ድማ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ከማና ሰባት ዘሎና ዝምደናታት፡ ብዙሕ ተሓታትነት የስዕበልና’ዩ። በጊዑ ዝወቓዕካሉ ጓሳ፡ ህዝቡ ዝገፋዕካሉ ንጉስ፡ ተመሃራዩ ዘጋገኻሉ መምህር፡ ሕጉ ዘፍረስካሉ ዳኛ፡ ውላዱ ዝቐተልካሉ ወላዲ፡ "ንእኡ ኣይበደልካዮን" ኪበሃል ይከኣልዶ፧ ግደ ሓቂ እቲ ዝዓበየ ተበዳሊ ንሱ’ዩ። ነቲ ጓሳ እንተ ዘይትንዕቆ፡ ነቲ በጊዕ ኣይምወቓዕካያን። እታ በጊዕ ስለ ዝተሰብረት፡ ስለ ዝተጐድአት፡ ስለ ዝሞተት ዚጕዳእ፡ እቲ ዋናኣ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ንኸምኡ ሰብ በዲሉስ፡ ንኣምላኽ ከም ዝበደለ ዘይእመን ሰብ፡ እቲ ንናይ ኣምላኽ ህላውነትን ስልጣንን ሉኣላውነትን ወዘተን ዝኸሓደ ሰብ ጥራሕ’ዩ። እቲ በዳሊ ዀነ እቲ ተበዳሊ ዅላቶም ነፍሳት ናይ እግዚአብሔር’ዮም ባዕሉ እግዚአብሔር’ውን፦
"እንሆ፡ ኵለን ነፍሳት ናተይ’የን፡ ከም’ታ ነፍሲ’ቲ ወላዲ ኸምኡ’ውን ነፍሲ’ቲ ውሉድ ናተይ’ያ።"
ኢሉ ኣረጋጊጹልና’ዩ (ህዝ 18፡4)። ስለ’ዚ፡ ክብደትን ዓይነትን ናይ’ቲ ኣበሳ ብዘየገድስ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነት ትኹን ነፍሲ ምብዳል ማለት ኣብ ልዕሊ’ቲ ዋናኣ እግዚአብሔር ምብዳል ማለት ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግባእ። ደቂ ሰባት ብባህርይና፡ ናይ ሓያልን ተፈራህን ሰብ ንብረት፡ ጥሪት ወይ ውላድ ምትንካፍ’ኳ የፍርሃና’ዩ። ናይ’ቲ ተፈራሂ ኣምላኽ ነፍሳት ምብዳልከ ድኣ ማዕረ ኽንደይ ኬፍርሃና ዘይግባእ ንጉስ ሰለሞን’ውን፦
"ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል፡ ናብ ግራት ዘኽታማት ከኣ ኣይትእትው፡ እቲ ጠበቓኦም ብርቱዕ’ዩ’ሞ፡ ኣብ ክንዳኦም ባዕሉ ኺማጐተካ’ዩ።"
ኢሉና’ሎ (ምሳ 23፡10,11)። ቅዱስ ዳዊት’ውን፦ "ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፡ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን’ዩ።" ብምባል፡ እግዚአብሔር በየናይ ዝምድናን ስልጣንን ኣብ መንጎ በዳልን ተበዳልን ኣትዩ ኸም ዚፈርድ ኣብሪሁልና ኣሎ (መዝ 68፡5)። ስለ’ዚ ኣብ ልዕሊ ሰብ በደል ክንፍጽም ከለና፡ ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ተበደልትን ዘለዎ ስልጣንን ዝምድናን ንኽሕድን ነፍርስን ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ንመበለትን ዘኽታማትን ክንብድል ከለና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መበለታትን ዘኽታማትን ዘለዎ ኣቦነትን ጥብቅነትን ፈራድነትን ንኽሕዶን ንግህሶን ኣለና ማለት’ዩ። ልክዕ ሓጹር ፈንጢሱ ኸም ዝኣተወ ገበነኛ ንኸውን፡ እቲ ዚጠሓስ ዘሎ ሓጹር ድማ እግዚአብሔር ባዕሉ’ዩ (እዮ 1፡10፣ ዘካ 2፡4,5፣ መዝ 125፡2፣ 3፡3፣ 5፡12፣ 32፡10፣ 139፡5)። ስለ’ዚ ንሓደ ሰብ ንምብዳል ክንድፋእ ከለና፡ ነዚ ቐጽሪ (መካበብያ፡ ሓጹር፡ ዋልታ)’ዚ ቕድም ነፍርሶ ኸም ዘለና ነስተውዕል። ስለ’ዚ ቕድሚ’ቲ ሰብ፡ ኣምላኽ’ዩ ዚድፈርን ዚብደልን። ንበደል ብድፍረት ክንፍጽሞ ዚገብረና፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ናብ ደምና ክሳዕ ዚሰርጽ ኸም ዚግባእ ስለ ዘይተረዳእናዮ’ዩ። እዚ ድማ ዋላ ንሓጥእ ሰብ ዚምልከት ሓቂ’ዩ። ንሓጥእ ሰብ ስለ ዝበደልና፡ እግዚአብሔር ከም ጽድቂ ኣይቈጽረልናን’ዩ። ብናቱ ፍርድን ውሳነን ምኽንያት እንተ ዘይኰይኑ፡ ይትረፍ ጻድቕ ሓጥእ ሰብ’ኳ ኺትንከፍን ኺብደልን ኣይደልን’ዩ። ንቓየል፡ ነቲ ንጹህ ደም ናይ ሓዉ ዘፍሰሰ ክፉእን ጨካንን ሰብ’ኳ፡ ብዝዀነ ሰብ ከይትንከፍ ተኸላኺሉሉን ሓልይዎን’ዩ (ዘፍ 4፡13-15)።
ቅድሚ ሕጂ’ውን ብስፍሓት ከም ዝተመሃርናዮ፡ ዅሉ በደል ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ’ምበር ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣይፍጸምን’ዩ። ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ወይ በደል ዚወሃብ ኵሉ ፍርዲ ዘለኣለማዊ ምዃኑ፡ ናይ’ዚ ዝበልናዮ ሓቂ ዝለዓለ መረጋገጺ’ዩ። "እቲ ተበዳልን በዳልን ሓጺር ዝዕድሚኦም ሓለፍቲ ኽነሶም፡ ንምንታይ’ዩ ንኣበሳኦም ዘይሓልፍ ዘለኣለዊ ፍርዲ ዚወሃቦ፧" ኢልና ኽንሓትት ግቡእ’ዩ። እቲ መልሱ ብሩህ’ዩ።
እቲ በደል ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓላፊ ሰብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጸመ’ዩ። እቲ ሰብ ተቐባሊ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝተፈጸመ በደል’ምበር እቲ ሓቀኛ ተበዳሊ ንሱ ኣይኰነን። ነዚ ተርእዮ’ዚ ቕዱስ ዳዊት፦
". . . ጸርፊ ናይ’ቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወዲቑ’ዩ. . ."
ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (መዝ 69፡8,9)። ስለ’ዚ ንሰባት ክንጸርፍ ከለና፡ ናይ ኣምላኽ ጸርፊ ኣብ ሰባት ነውድቖ ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ንኣምላኽ ናይ ምጽራፍ ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ዘይብልና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣዝዩ ዘሕረቐና ሰብ ሓሲብና ጥራሕ ኢና ንጻረፍ። ተጻረፍቲ ሰባት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ፈጺሞም ዘይኣትውሉ፡ ዘለኣለማዊ መንበሪኦም ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ፡ ኣብ ገሃነም እሳት ዚዀነሉ ምኽንያት፡ ንኣምላኽ ስለ ዝጸረፉ’ዩ። ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ክንጸርፍ ከለና፡ ነቲ መልክዑ ኣብ ሰብ ዘሕደረ ኣምላኽ ኢና ንጸርፍ። ፈጣሪ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ብመልክዑን ምስሉን ዝተፈጥሩ ኽንብድል ከለና፡ ንፈጣርነቱን ኣምላኽነቱን ንዳፈር ኣለና። "ንሰብ ኣይትጻረፋ፡ ኣይትበድሉ" ኢሉ ዝሓገገን ዝኣዘዘን፡ ሓጋግ ሕግናን ፈራዲናን ንሱ ስለ ዝዀነ፡ ክንጻረፍን ክንብድልን ከለና፡ ንስልጣን ናይ’ቲ ሓጋግን ፈራድን ኣምላኽ ንዳፈርን ንብድልን ኣለና። ንባሮቱ ኽንብድል ከለና ንጐይትነቱ ንዳፈር፡ ንተመሃሮኡ ኽንብድል ከለና ንመምህርነቱ፡ ንመጓሴኡ ኽንብድል ከለና ንጓሳነቱ ንብድልን ንዳፈርን ኣለና ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ሰብ ክንፍጽሞ ንእንደልይ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ተግባር ቅድሚ ምግባርና፡ ኣዕሚቝና ኽንሓስበሉ ይግብኣና። ብውክልና ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዚፍጸም ተግባር ስለ ዝዀነ፡ ጽቡቕ ተግባር እንተ ዀይኑ ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርና ምእንቲ ኽንገብሮ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ንገብር ከም ዘለና ኽንዝክር ይግብኣና። እቲ ኽንገብሮ ሓሲብና ዘለና ተግባር እኩይ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ዘኪርና፡ ንሓዋሩ ኽንገድፎ፡ ስለ’ቲ ኣብ ውሽጥና ዘአንገድናዮ እኩይ ሃቐና ድማ ብሓቀኛ ንስሓ ኽንንሳሕ ይግባእ።
እዚ ሓሳብ’ዚ ኸኣ ብኣርኣያነት ናይ ቅዱስ ዳዊት ጌርና ንርኣዮ። ቅዱስ ዳዊት ክልቲኡ ጫፋት ናይ ኣተሓሳስባ ዝጠዓመ ሰብ’ዩ። ኵሉ ተግባሩ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ኣብ ዝዘከረሉ እዋን፡ ብኸመይ ካብ ሓጢኣት ከም ዝተዓቀበ፡ ብኣንጻሩ ነዛ ሓቂ’ዚኣ ፈትዩ ኣብ ዝረስዓሉ እዋን ድማ ከመይ ዝበለ ዜሰክሕ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ፡ ኣብ’ዚ ቕዱስ መጽሓፍና ብዝርዝር ተገሊጹልና ኣሎ።
1. ኣገልጋሊ ናይ ሳኦል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብንጉስ ሳኦል ኣዝዩ ተገፊዑ’ዩ። ኣዋልድ እስራኤል ካብኡ ኣብሊጸን ስለ ዝደረፋሉ ጥራሕ፡ ንጉስ ሳኦል ነቲ በዓል ውዕለቱን መኽበሪኡን ኪቐትል ብዙሕ ሳዕ ተሃንደደ። ንእኡ ንምቕታል ደድሕሪኡ ኣብ በረኻ ኰብለለን ሓደረን። እቲ ፍትሓዊ ኣምላኽ ግን ንዳዊት ካብ’ቲ ገፋዒ ሳኦል እናሰወረ፡ ንሳኦል ግና ኣብ ኢድ ዳዊት ኣሕሊፉ ይህቦ ነበረ። ሓደ እዋን ንጉስ ሳኦል እግሩ ኪኸድን (ደገ ኺውጽእ) ናብ’ቲ ዳዊት ተሓቢኡሉ ዝነበረ በዓቲ ኣተወ። ሳኦል በይኑ ስለ ዝነበረ፡ ዳዊት ብቐሊሉ ኪቐትሎ ምኸኣለ ነይሩ። እቶም ብጾቱ’ውን፡ "እታ እግዚአብሔር፡ “ነቲ ጸላኢኻ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ኽትገብሮስ፡ እንሆ ኣብ ኢድካ ኽህበካ’የ” ዝበለካ መዓልቲ፡ እንሆ ሎሚ’ያ" ኢሎም ደፋፊኦምዎ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ኣይሰምዖምን። ብዛዕባ ባህርዩ ድማ ብኸም’ዚ ተመስከረሉ።
"(ዳዊት ነቶም ሰቡ)፡ “ንሱ ቕቡእ እግዚአብሔር’ዩ’ሞ፡ ንጐይታይ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚአብሔር፡ ኢደይ ናብኡ ዘርጊሐ እዚ ነገር’ዚ ምግባርሲ ካባይ የርሕቆ” በሎም። ዳዊት ነቶም ሰቡ ብዘረባኡ ዓገቶም፡ ኣብ ሳኦል ኪትንስኡ ድማ ኣይፈቐደሎምን።" 1ሳሙ 24፡7,8
እቲ ዝቐብኦ መንፈስ ቅዱስ ተፈልይዎስ፡ ብርኹስ መንፈስ ይሳቐይ ከም ዝነበረ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ሳኦል ምእንቲ ኸይሓጥእ ግና፡ ነቲ ንሳኦል ዝቐብአ እግዚአብሔር ዘከረ። ንሳኦል ምብዳል ማለት ነቲ ዝሓረዮ ኣምላኽ ምብዳል ምዃኑ ተረዲእዎ ነበረ። ይትረፍ ኪቐትሎ ንምልክት ክትኰኖ ኢሉ ካብ ጫፍ ክዳን ሳኦል፡ ንእሽቶ ስለ ዝቘረጸ ጥራሕ ልቡ ወቕዖ (ነቐፎ)።
ካልኣይ ጊዜ ደቂሱ ምስ ረኸቦ ድማ፡ ንምልክት ኪዀኖ ኲናትን ርኰት (ብራሾ) ማይን ናይ ሳኦል ወሰደ’ምበር፡ ክፋእ ኣይገበሮን። ኣቢሳይ ዝተባህለ ወተሃደሩ፦
"ሎሚ ኣምላኽ ንጸላኢኻ ኣብ ኢዱ ኣሓሊፋ ሂቡካ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ከይደገምኩስ ሓንሳእ ብዂናት ምስ ምድሪ ኸላግቦ ሕደገኒ።" ኢሉ እንተ ለመኖ’ኳ፡ ዳዊት ግና፦
"ኢዱ ናብ ቅቡእ እግዚአብሔር ዘርጊሑስ በደል ዘይኰኖ መን ኣሎ፧ ስለ’ዚ ኣይትቕተሎ፡ ህያው እግዚአብሔር’ዩ (ባዕሉ) እግዚአብሔር ኪቐትሎ’ዩ፡ ወይ ከኣ መዓልቱ በጺሓ ይመውት፡ ወይ ድማ ኣብ ውግእ ወሪዱ ይጠፍእ። ኢደይ ናብ’ቲ ቕቡእ እግዚአብሔር ምዝርጋሕሲ እግዚእብሄር ካበይ የርሕቆ።"
ኢሉ መለሰሉን ከልከሎን (1ሳሙ 26፡8-11)። ነዚ ብነድኢ ናይ ርኹስ መንፈስ ዚምራሕ ጸላኢኡ ምእንቲ ኸይብድል፡ ነቲ ሕሉፍ ታሪኹ እናዘከረ፡ "ቅቡእ እግዚአብሔር" ከም ዝዀነ ገይሩ ይጽውዖ ነበረ። ሳኦል ኬጓንፎ ኸሎ፡ ንሳኦል ንበይኑ ዘይኰነስ፡ ንእግዚአብሔር’ውን ምስኡ ኣሕቢሩ ብዓይኒ መንፈስ ይርእዮ ነበረ። ስለ’ዚ ባዕሉ ሕነ ኸይፈደየ፡ ነቲ ፈዳይ ሕነ እግዚአብሔር ጕዳዩ ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ካብ’ዘን ነእዳው ብደም ኬርክሰለን ዚኽእል ዝነበረ ኽልተ ምሹኣት ኣጋጣሚታት፡ ብንጹሁ ወጸ። ንእግዚአብሔር ረሲዑ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ ሕሱም ጸላኢኡ ጥራሕ ርእዩ እንተ ዚኸውን ግን፡ ኢዱ ዕዳ ብዝዀኖ ደም ጸዪቑ ምወጸ ነይሩ። ስለ’ዚ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ምውሳእና፡ ነቲ ኣብ ሰባት ክንገብሮ ዝሓሰብና ግብሪ፡ ቅድም ብዓይኒ እግዚአብሔር ክንርእዮ ኸም ዚግብኣና ኽንመሃር ይግባእ። እዚ እንተ ገበርና፡ እግዚአብሔር ብኽፋእ ግብሪ ስለ ዘይከብር፡ ነቲ ኽፋእ ግብሪ ኣይክንውዕሎን ኢና። በዚ ኣካይዳ’ዚ ድማ ናብ ፍጽምና ኽንዓብይ ኢና። ዋላ ነቲ ሰናይ ግብርና’ውን ንእግዚአብሔር እናሓሰብናን እናዘከርናን ክንገብሮ’ዩ ዚግባእ። ከምኡ እንተ ገበርና፡ ነቲ ሰናይ ግብርና ንእግዚአብሔር ብዚምጥን ብቕዓት ክንገብሮ ኺሕግዘና’ዩ።
2. ቅዱስ ዳዊት ነዛ "ዝኸም ልበይ" ዘስመየቶ ጥበብ ዝረስዓሉ ዜሕዝን ኣጋጣሚታት’ውን ኣሕሊፉ’ዩ። ንሳኦል ነቲ በዳሊኡ ንዘይምብዳል ዘኪርዎስ፡ ነቶም ንጽሃት ባትሴባን ኡርያን ንዘይምብዳል ግን ኣይዘከራን። ስለ’ዚ ነታ ንጽህቲ በዓልቲ ኺዳን ንጉሳዊ ስልጣኑ ተጠቒሙ ብጾታዊ ዓመጽ በደላ። ኣበሳኡ ንምሽፋን ድማ ነቲ እሙንን ንጹህን ወተሃደሩ ብረቂቕ ተንኰል ብሰይፊ ጸላእቱ ኸም ዚመውት ገበሮ። እዚ ዅሉ ኽፋእ ግብሪ ኺፍጽም ከሎ፡ ንእግዚአብሔር ፈትዩ፡ ኰነ ኢሉ ረስዖ’ምበር ኣይዘከሮን። ኡርያ፡ ዓሌቱ ኻብ’ቶም እግዚአብሔር ዚጸልኦም ከንኣናውያን ኰይኑ ሔታዊ’ዩ ዝነበረ። እግዚአብሔር ግና ብኣድልዎ ዘይፈርድ ፍትሓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብፍትሓዊ ብይን ንዳዊት ኣምሪሩ ቐጽዖ። ንሱ ንሓደ ጓና ሔታዊ ንኡርያ’ዩ ዝቐተለ፡ ንእኡ ግና ሰለስተ ደቁ ብሰይፊ ኣሕዋቶም ብምቕታል ሕነ ፈደዮ። ንሱ ብስዉር ንሓንቲ ሰበይቲ’ዩ ዓሚጹ። ድንግል ጓሉን ኵለን ኣንስቲ ወሰኑን ግና ብቕሉዕ ብገዛእ ደቁ ተዓመጻ። እግዚአብሔር ጻድቕ ፈራዲ’ዩ። ዳዊት፡ ንኡርያን ንሰበይቱን ጥራሕ ዝነዓቐ መሲልዎ ነበረ። እግዚአብሔር ግና፡ “ንዓይ ስለ ዝነዓቕካኒ፡ ንቓለይ ስለ ዝነዓቕካ” ኢሉ’ዩ ዝገንሖን ዝቐጽዖን (2ሳሙ 12፡9,10)። ንሰብ ጥራሕ ዝበደለ እናመሰሎ፡ እግዚአብሔር ተበዳሊ ባዕሉ ምዃኑ ነገሮ። እዛ ሓቂ’ዚኣ ኣጸቢቓ ስለ እተሰቈረቶ ድማ፡ ኣብ’ቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ጸሎተ ንስሓኣ ገይራቶ ዘላ ንስሓኡ፡
"ብዘረባኻ ጻድቕ፡ ብፍርድኻ’ውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፡ ኣነ ንኣኻ ጥራሕ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።"
ብምባል ተኣመነ (መዝ 51፡4)። እምበኣር ምስ’ቲ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ኸማና ሰብ ክንዋሳእ ከለና፡ ብቐጥታ ምስ ኣምላኽ’ውን ንዋሳእ ከም ዘለና፡ ብወዝቢ ሳሕቲ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ጊዜ ብልቦና ኽንዝክሮ ይግባእ። ነዚ ሓቂ’ዚ ፈቲና እንተ ረሳዕናዮ፡ ዕድሜና ምሉእ ነቲ ኣብ ዓብይን ጻዕዳን ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ እግዚአብሔር እናበደልና ኽንነብርን፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና ኸነበላሽውን ከነጸልምትን ኢና። እግዚአብሔር ንታሪኽ ኵላቶም ቅዱሳን ኣቦታትና፡ ምስናይ ሓጢኣቶም ዘርዚሩ ዝጸሓፈልና። ንቕዱሳኑ ኼዋርድ ደልዩ ዘይኰነስ፡ ንኣና መለበሚ ምእንቲ ኺህበና’ዩ (ሮሜ 15፡4፣ 1ቈረ 10፡6,11)። ኣብ ታሪኽ ህይወት ቅዱስ ዳዊት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሙ ገሊጹልና’ዩ። እቲ ሃዋርያዊ ቓል ውን፦ "እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ፡ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም’ዩ።"
ኢሉና ስለ ዘሎ፡ ንሰናይ ግብሪ ዝተዳለዉ ፍጹማት፡ ካብ ክፋእ ግብሪ ዚእደቡ ጻድቃን ክንከውን’ዩ’ ዚግባእ (2ጢሞ 3፡16,17)። ምስ ሰባት ብእወታ ዀነ ብኣሉታ ኽንዋሳእ ከለና፡ ንእግዚአብሔር ኣብ ቅድሜና ንግበሮ። ሽዑ ዘረባናን ተግባራትናን ኪፍወሰልና’ዩ። ኣርኣያ ቅድስ ዳዊት’ስዒብና፡ "ንእግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፡ ብየማነይ ስለ ዝዀነ ኣይክናወጽን’የ" ንበል’ምበር፡ ከምቶም፡ ንእግዚአብሔር ዝረስዕዎ’ሞ፡ ግፍዖምን ዓመጻኦምን ብመገዲ ሰብ ኣቢሎም ኣብ እግዚአብሔር ዜዝንሙ ረሲኣን ኣይንኹን (መዝ 16፡8)።
"ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፡ ዓመጽቲ’ውን ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን።" መዝ 54፡3
"ዎ ኣምላኽ፡ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፡ ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ንኣኻ’ውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን።" መዝ 86፡14
እምበኣር ነተን ብሰብ ኣቢልና ንክርስቶስ ዝበደልናለን መዓልታት ህይወትና ንመርምረን’ሞ፡ ብሓቀኛ ንስሓ ነሕውየን። ኣብ መጻኢ ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ብምብዳል ነቲ ፈጣሪኡን መድሓኒኡን ክርስቶስ ንዘይምብዳል ዘይዕጸፍ ውሳነ ንወስን። ከመይሲ እቲ ሎሚ ዚብደል ዘሎ ክርስቶስ፡ ጽባሕ ንግሆ ፈራዲ ዀይኑ ኣብ’ቲ መንበር ፍርዲ ኺጽበየና’ዩ። ንፈራዲኻን ንመድሓኒኻን ምብዳል ድማ ናይ ዓያሱ ምርጫ’ዩ’ሞ፡ ዕሽነት ንጸየፍ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
3 ነሓሰ 2025 | ሓምለ 27, 2016 ግዕዝ (መበል 47 ሰንበት: ቊ.፵፯/47) |
||
ምስባክ መዝ..፻፴፬(፻፴፭)፡፮-፯ "በባሕርኒ ወብኵሉ ቀላያት። የዓርግ ደመናተ እምአጽናፈ ምድር። ወገብረ መብረቀ ለጊዜ ዝናም።" ዓዲ፡ መዝ.፸፮(፸፯)፣፲፯-፲፰ "ቃለ ወሀቡ ደመናት አሕፃከ ይወፅኡ። ቃለ ነጐድጓድከ በሠረገላት። አስተርአየ መባርቅቲሁ ለዓለም።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 10፡1-14 |
ዲያቆን |
|
ያእ 3፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 27፡27-34 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 8፡16-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ በሰንበት ቦአ ኢየሱስ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ