S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንምእማን ኣይደኸመን (መበል 49 ሰንበት: ቊ.፵፱/49)

"እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን’ሞ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ።" እብ 11፡13 (ሮሜ 4፡18-20)

እዚ ዕለት’ዚ ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምትን ካልኣይ ሰንበት ናይ ጾመ ፍልሰታን’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ  ካብ ነሓሰ 8 ክሳዕ ነሓሰ 14 ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ “ዛቲ ይእቲ ማርያም” ዘርእስቱ’ዩ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ ናይ ሉቃ 1፡35-45 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ብስራት ቅዱስ ገብርኤልን፡ ብዛዕባ ምስክርነት ንግስቲ ኤልሳቤጥን ዚገልጽ’ዩ። እዚ ንባብ’ዚ በቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብልሳን ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ገይሩ፡ “ስለ ዝኣመንኪ ብጽእቲ ኢኺ” ኢሉ ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝሃቦ ምስክርነት’ዩ ተዛዚሙ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ ናይ እብ 11፡8-16 ንባብ ድማ፡ ብዛዕባ እምነት ናይ ርእሲ-ኣቦታት ኣብርሃምን ካልኦትን ዜስተምህር’ዩ። ጐይታና “ወዲ ኣብርሃም” ዝተባህለ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጓል ኣብርሃም ስለ ዝዀነት’ዩ (ማቴ 1፡1)። ጐይታ ኻብ ዘርኢ ሰብኣይ ስለ ዘይተወልደ፡ ኵሉ ዝርዝር ወለዶታት ናይ ጐይታና ናይ ቅድስቲ ወላዲቱ ወለዶታት’ዩ (ማቴ 1፡1-17 ፣ ሉቃ 3፡23-38)። ከም’ቲ ንሳ ባዕላ’ውን ኣብ ጸሎታ፦

"ከም’ቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።"

ዝበለቶ፡ ብርግጽ ጓል ኣብርሃም’ያ (ሉቃ 1፡55)። ብስጋ ጥራሕ ዘይኰነ ግን፡ ብመንፈስ’ውን ጓሉን ዘርኡን ስለ ዝዀነት፡ እቲ ናይ ኣቦኣ ኣብርሃም እምነት ኣብኣ ተረኽበ። እምበኣር ንሕና’ውን በዚ ኣብ ቅዱሳንና ዝተራእየ ኣብነታዊ እምነት ክንነብር’ዩ ዚግባእ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ድማ ነዚ ብዛዕባ ኣቦና ኣብርሃም ዝተነግረ ቓል ናይ መሪሕ ጥቕስና፡ ምስ’ቲ ብዛዕባ እምነት ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ሮሜ 4፡18-20 ተጻሒፉ ዘሎ ቓል ብምዝማድ፡ ብእምነት ንኽንብርትዕ’ምበር ንኸይንደክም እንታይ ክንገብር ከም ዚግበኣና ዚገልጽ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ዚ ሃዋርያዊ ቓሉ’ዚ ኣብ መንጎ ትንሳኤ ሙታንን እምነትን ዘሎ ዝምድናን ረቂቕ ምስጢርን ገሊጹልና ኣሎ።

 ንእምነት ከም እትብርትዕ’ምበር ከም ዘይትደክም ዚገብራ ተስፋ ትንሳኤ’ዩ። ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስን ብዛዕባ ናቱ ትንሳኤን ምሉእ እምነት ዘለዎ ሰብ፡ እምነቱ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ከቶ ኣይትደክምን’ያ። ምኽንያቱ ትንሳኤ ርእሲ ዅሉ ተኣምራት’ዩ። ንሚእቲ ኺሎ ዝኽብደቱ ኣቕሓ ብቐሊሉ ኼልዕሎ ንዝረኣኻዮ ሰብ፡ ንዓሰርተ ኺሎ ዝኽብደቱ ኣቕሓ ንምልዓል ኪጽገም’ዩ ኢልካ ኣይትሓስብን ኢኻ። ምናልባት እንተ ሓሲብካ ግና፡ ነቲ ብገዛእ ዓይንኻ ዝረኣካዮ ሓቂ ኽሒድካዮ ኣለኻ ማለት’ዩ። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣብ እነሕልፎ ማሕበራዊ ናብራ፡ ኣዝዮም ብዙሓት እምነት ዚጠልቡ ኵነታት የጋጥሙና’ዮም። ሰብ ጐደሎ እምነት ስለ ዝዀንና ድማ፡ ንኣምላኽናን ንጸሎትናን ክንጠራጠሮ ንነብር። ስለ’ዚ ኸኣ ጸገምና ኸይተፈትሐ፡ ንኣምላኽ ከኣ ብእምነትና ኸየኽበርናዮ ንሓልፍ ኣለና። 

ጐይታናን  መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ካብ ሞት ዝተንስአ፡ ንዅላትና ኸኣ ትንሳኤ-ሙታን ከም ዘሎ ዚኣምን ሓቀኛ ኣማኒ ግን፡ ብጕድለት እምነት ኪሽገር ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ነቲ ዝኸበደን ዝዓበየን ተኣምራት፡ ንትንሳኤ ኣሚኑሉስ፡ ነቲ ንኣሽቱ ጕዳያት ብዛዕባ ዜድልይ ተኣምራት ኪጠራጠር ስለ ዘይግባእ’ዩ። ኣብ’ዚ ዚስዕብ ጥቅሲ ናይ ሮሜ ትንሳኤን እምነትን ዜዛምድ ኣገዳሲ ሓሳብ ሰፊሩልና ኣሎ።

". . . ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና’ዩ። እዚ ድማ፡ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ’የ” ዚብል (ቃል) ተጻሒፉ ስለ ዘሎ’ዩ። ኣብርሃም ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝኣመኖ ኣምላኽ፡ ኣቦና (ኣቦ ዅላትና)’ዩ። እዚ ኣምላኽ’ዚ ንዝሞቱ ህይወት ዚህብ (ዜተንስእ)፡ ንዘየለዉ’ውን ናብ ህላወ ዚጽውዕ’ዩ። ከም’ቲ “ዘርእኻ ከምኡ ኪኸውን’ዩ” ዚብል (ተስፋ) ዝተነግሮ፡ ኣብርሃም ኣብ’ቲ ተስፋ ዘይብሉ (ዅነታት) ተስፋ ብምግባር፡ ኣቦ ብዙሓት ከም ዚኸውን ኣመነ። ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ስለ ዝነበረ፡ (ንሱ) ኪወልድ ከም ዘይክእልን ሳራ’ውን ማህጸና ከም ዝሞተ እናረኣየ’ኳ እምነቱ ኣይደኸመን። . . . ስለ’ዚ ድማ፡ “እምነቱ ንጽድቂ ተቘጸረትሉ”። ግና እቲ “ንጽድቂ ተቘጽረሉ” ዚብል፡ ንኣብርሃም ጥራሕ ኣይተጻሕፈን። ንኣና’ውን’ዩ። ንኣና በቲ ንኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንእንኣምን ከኣ ኪቝጸረልና’ዩ።" ሮሜ 4፡16-19,22-24 ካ.ት

ኣብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ናይ ትንሳኤን እምነትን ሓይሊ ዝምድና ብዜገርም ጥበብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣቦና ኣብርሃም ብእምነቱ ኺጸድቕ ዝኸኣለ፡ እግዚአብሔር ነቶም ዝሞቱን ካብ ህላወ ዝጠፍኡን ኵሎም፡ ትንሳኤን ህይወትን ኪህብ ከም ዚኽእል ስለ ዝኣመነ’ዩ (ሮሜ 4፡1-12,21,22 ዘፍ 15፡6 ፣ ገላ 3፡5,6 ፣ ። ናይ ካልእ ኵሉ ዘርኣዮ እምነት ምንጪ፡ እዛ ናይ ትንሳኤ እምነት’ዚኣ’ያ። ብሞት ንዝበስበሰን ንዝፈረሰን ሰብ ኬተንስኦ ከም ዚኽእል ስለ ዝኣመነ፡ ገና ብህይወቱ ኸሎ ናይ ምፍራይ ዓቕሙ ንዝሞተ ሰብነቱን ሰብነት ሰበይቱን ፈራዪ ኺገብሮ ኸም ዚኽእል ኣይተጠራጠረን። ሳይንስን ማሕበራዊ ትዕዝብትናን ተመክሮናን ከም ዜረጋግጸልና፡ ዝዀነት ኣንስተይቲ ኣብ ንጽፈ-ጽግያት (Menopause) እንተ በጺሓ፡ ፍርያምነታ (ማህጸና) ሞይቱ’ዩ። ኣብርሃም ብውላድ ከም ዚባረኽ ኪንገሮ ኸሎ፡ ንሱ ወዲ 75 ዓመት፡ ሳራ ድማ ጓል 65 ዓመት’ዮም ዝነበሩ። ኣብርሃም ገና ኺወልድ ይኽእል’ኳ እንተ ነበረ፡ ፍርያምነት ሳራ ሞይቱ ስለ ዝነበረ፡ ኪወልዱ ተኽእሎ ኣይነበሮምን። ንምውላድ ኪኣምኑ እንተ ዀይኖም፡ እግዚአብሔር ንምዉታት ህይወትን ትንሳኤን ዚህብ፡ ፈጺሞም ንዘየለዉን ንዘይነበሩን ከኣ ናብ ህላወ ኺጽውዕ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ኺኣምኑ ይግብኦም። እምነት ኣቦና ኣብርሃም ብተስፋ ትንሳኤ ዝቘመትን ዝተሃጸንትን ምንባራ ታሪኽ ህይወቱን ምስክርነት ቅዱሳን ሃዋርያትን ጽቡቕ ገይሩ ኣረጋጊጹልና’ዩ። ተስፋ ትንሳኤ ውሉድ ኣብ ምርካብ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ብዙሕ ነገር’ዩ ሓጊዝዎም።

1. ናብራ ትንሳኤ ኺነብሩ ኣኽኢልዎም’ዩ፦ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ቲ ናብ እብራውያን ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ ኣቦና ኣብርሃም ብተስፋ ትንሳኤ ተደሪኹ ናብራ ትንሳኤ ይነብር ከም ዝነበረ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

"ኣብርሃም ናብ’ቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠ’ውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝስራሒኣን፡ መሰረት ዘለዎ ኸተማ ይጽበይ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብ’ታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ’ሞ ምስ’ቶም ነዛ ተስፋ’ዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።" እብ 11፡8-10

ናይ ምድራዊ ርስቲ ተስፋ ተዋሂብዎ ብእምነት እንተ ወጸ’ኳ መዋቲ ምዃኑን ድሕሪ ትንሳኤ ድማ ናብ’ታ ብኢድ ሰብ ዘይኰነ ብኢድ ኣምላኽ ዝተሃንጸት ሰማያዊት ከተማ ኪግዕዝ ምዃኑ ልዑል እምነት ነበሮ። ስለ’ዚ ኣብ’ታ ዝተዋህበቶ  ምድሪ ተስፋ መሰረት ዘለዎ ገዛ ንምስራሕ ኪሃልኽ ኣይመረጸን። ነዛ ተስፋኡ’ዚኣ ኸኣ ብቐሊሉ ኣብ ዚቕንጠጥን ዚግዕዝን ድንኳን (Tent) ብምንባር ይገልጻ ነበረ። ኣቦና ኣብርሃም ምድሪ ኺጾረን ዘይክእል መጠን ጥሪት (እንስሳ) ዝነበሮ ኣዝዩ ሃብታም ሰብ’ዩ ዝነበረ። ስለ’ዚ ብዕጨ እምኒ ገይሩ መሰረት ዘለዎ ገዛ ኺሰርሕ ንእኡ ኣዝዩ ቐሊል’ኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ተስፋ ትንሳኤ ግን ኣይፈቐደሉን። ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎ ስለ ዝዀነ፡ ምስ ወዲ ሓዉ ምስ ሎጥ ብምኽንያት መጋሃጫ ኺበኣስ ኣይመረጸን። ንርእሱ ወጺዑ ድማ ንሎጥ ናይ ምምራጽ ቀዳምነት ሃቦ። ናብራ ትንሳኤ ይብሉኻ ከም’ዚ’ዩ። ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሰብ እንተ ዚኸውን ግን ናብራኡ ጽቡቕ ምስክርነት ዘይብሉ ዀይኑ ኣዝዩ ምተበላሸወ ነይሩ። ናትና ህይወት ብሓጢኣት ኪበላሽውን፡ ኵሉ ዝምድናታትና ኺበታተኸን ኪፈርስን ዚገብር ዘሎ፡ ተስፋ ትንሳኤ ዘይብልና ምዃንና፡ ብዘይካ’ዛ ሕጂ ንነብረላ ዘለና ዓለም ካልእ ዘይንጽበይ ምዃንና’ዩ።

2. ንኣምላኽ ብዘይ ደረት ኪእዘዞ ኣኽኢልዎ’ዩ፦ ነቲ ኣስታት ሚእት ዓመታት ተጸብዩ ዝረኸቦ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ከኣ ብፍቕሪ ዘዕበዮ ሓደ ወዱ ኺስውኣሉ እግዚአብሔር ኣብ ዝኣዘዞ እዋን፡ ዝዀነ ይኹን ምምታእ ከየርኣየ፡ ብኡንብኡ ኺእዘዝ ዘኽኣሎ፡ እቲ ንልቡ ዝመልአን ንእምነቱ ዘዕበየን ተስፋ ትንሳኤ ምዃኑ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና’ዩ።

"ኣብርሃም ምስ ተፈተነ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። ሽሕ’ኳ (ኣብርሃም) ተስፋ ተቐቢሉ እንተ ነበረ፡ ከምኡ’ውን “ብይስሃቅ ዘርኢ ኺስመየልካ’ዩ” ተባሂልዎ እንተ ነበረ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ወፈዮ። ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ኣሚኑ፡ (ኣይትሰውኣዮ ምስ ተባህለ) ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ገይሩ ንይስሃቅ መሊሱ ረኸቦ (ወሰዶ)።" እብ 11፡17-19ካ.ት

እዚ ሃዋርያዊ ቓል ኣረጋጊጹልና ኸም ዘሎ፡ ብተስፋ ትንሳኤ ስለ ዝኣመነ’ዩ፡ ነቲ እንኮን ፍቁርን ወዲ እርግናኡ ንምስዋእ ተኣዚዙ ኻራ ዘልዓለ። ካብ ዝሞተ ስጋን ማህጸንን ህያው ቈልዓ ኼፍርይ እንተ ኽኢሉ፡ ብኻራ ተሓሪዱ ብሓዊ ተቓጺሉ ኻብ ዝሓረረ ስጋ፡ ኻብ ሓመዅስቲ’ውን ህያው ሰብ ኬተንስአ (ኬውጽእ) ከም ዚኽእል ልዑል እምነት ነበሮ። ንምዉታት ኬተንስእ ዚኽእል ኣምላኽ ኪገብሮ ዘይክእል ዝዀነ ኻልእ ተኣምራት ከም ዘየለ ኽሳዕ ዜረጋግጽ፡ እምነቱ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ዓባይ ነበረት።

"ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅላትና’ዩ" ኻብ ተባህለልና’ምበኣር፡ እታ ናትና እምነት’ውን ነዛ ናይ ኣቦና እምነት ክትመስል ይግብኣ ማለት’ዩ። እምነት ዘለና ምዃንና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ተስፋ ትንሳኤ ዝመሰረታ እምነት ምዃና’ውን’ዩ ዜገድስ። ምኽንያቱ እታ ዘይትደክምን ዘይትጐድልን ህያው እምነት እታ ተስፋ ትንሳኤ ዝመሰረታ እምነት’ያ። ምሉእ ምእዛዝ እትወልድ እምነት ንሳ እያ። ናይ ስጋ ነገር ኰይኑ ንግዚኡ እንተ ደኸመት’ኳ፡ ተመሊሳ ትብርትዕ’ምበር፡ ናብ ክሕደት ኣይትምዕብልን’ያ።

ንእምነት ዜድክማ እንታይ’ዩ፧ እምነት፡ መንፈሳዊ ሓይሊ’ያ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ንዜጋጥመና ፈተናታትን ግድላትን ኵሉ ጊዜ ብእምነት ኢና እንስዕሮ። እቲ ሓቂ ኸምኡ ምዃኑ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና’ሎ፦ "ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ። እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና’ያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንኢየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን’ዩ፧" 1ዮሃ 5፡4,5

እምበኣር ዓለም እትስዕረና፡ እታ ሓይልና ዝዀነት እምነትና ምስ ‘ትደክም’ዩ። ዋላ ሰናይ ግብሪ’ውን ይኹን ብእምነት ተደሪኽና ምስ ዘይንገብሮ፡ ንርእሱ ሓጢኣት’ዩ ዚዀነና።

"ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት’ዩ’ሞ እቲ እናተወላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ፡ ይዅነን።" ሮሜ 14፡23

ነዛ ተራን ሓላፊትን ብልዒ’ኳ ብእምነት እንተ ዘይበላዕናያ ዜዀንን ሓጢኣት ትዀነና እንተ ዀይና፡ እዚ ዅሉ ኻልእ ማሕበራውን መንፈሳውን ተግባራትና ዀነ ትጽቢታትና ደኣ፡ ብዘይ እምነት እንተ ገበርናዮ ኸመይ ዘየዀንነና፧ እምነትና ኸይትደክም ኣዚና ኽንጥንቀቐሉ ዚግብኣና ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ዝተዳኸመት እምነት ኲነኔ’ያ እትወልድ። ነዚ ሳዕቤን’ዚ ጽቡቕ ጌርና ስለ ዘይንፈልጦ፡ ብዛዕባ ምድካም እምነትና ዝዀነ ዚስምዓና ስግኣት የለን። ግደ ሓቂ ግና፡ ምድካም እምነትና ዘለኣለማዊ መጻኢና ስለ ዜበላሸወልና፡ ልዕሊ ዝዀነ ኻልእ ሓደጋታት ኬስግኣና ምተገብአ። ገለ ኻብ’ቶም ንእምነት ዜዳኽሙ ኸኣ እዞም ዚስዕቡ’ዮም።

ቃል እግዚአብሔር ዘይምምጋብ፦ ብመሰረቱ እምነት ካብ ቃል እግዚአብሔር’ያ እትውለድ። ብዘይ ቃል እግዚአብሔር ኣብ ልብና እምነት ኪትከል ኣይክእልን’ዩ። እቲ ሃዋርያዊ ሓቂ’ውን ንእኡ’ዩ ዜረጋግጸልና። "እምበኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ’ያ፡ ምስማዕ’ውን ብቓል ክርስቶስ’ዩ።" ሮሜ 10፡17

ኵሉ ጊዜ ብዘይ ምቍራጽ ቃል እግዚአብሔር ክንምገብ ዚግብኣና’ምበኣር፡ እምነትና ምእንቲ ኸነበርትዕን ክንሃንጽን’ዩ። ቃል እግዚአብሔር ኣብ ልብና እምነት ስለ ዚወልድ’ዩ፡ ቃል እግዚአብሔር ኪሰበኽ ምስ ስምዑ ብዙሓት ሰባት ብኣምላኽን በቲ ሓደ ወዱን ዚኣምኑ። ናብ ቤት እግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ኽንመላለስ፡ ነቲ ኣብኡ ዚወሃብ ትምህርትን ስብከትን ብምስትውዓል ክንሰምዕ፡ ኣብ ቤትና ዀነ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ቦታ መጽሓፍ ቅዱስን ሃነጽቲ መንፈሳውያን ጽሑፋትን ከነንብብ ዜድልየና፡ ንእምነትና ኻብ ምድካም ክንሕልዋን ከነበርትዓን፡ ንርእስና ድማ ካብ ዘለኣለማዊ ዂነኔ ምእንቲ ኸነድሕን’ዩ። እቲ ንቓል እግዚአብሔር ለይትን መዓልትን ዚመራምሮ ሰብ፡ ከየቋረጸ ፍረ-ጽድቂ ኺፈርይ ዚኽእል ብጹእ ሰብ’ዩ (መዝ 1፡2-3)። መኻንን ምዉትትን እምነት ሒዝና ኽንነብር ዚገብረና ዘሎ፡ ንእምነትና ቃል እግዚአብሔር እናመገብና ስለ ዘየበርታዕናያ’ዩ። 

ግብሪ ኣምላኽ ዘይምዝካርን ዘይምስትንታንን፦ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ግብርታት ኣምላኽ ስፍርን ቍጽርን ዘይብሉ’ዩ። ብጽሑፍ ኪወሃበናን ዘድለየሉ ምኽንያት ንእኡ ብምስትንታን እምነትና ምእንቲ ኽንሃንጽ’ዩ። እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ዘመናት ንርእሱ ብዘይ ምስክር ስለ ዘይሓድግ፡ ኣባናን ኣብ ከባቢና ኣብ ዘለዉ ሰባትን፡ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን፡ ኣዝዩ ብዙሕን ህያውን ግብርታት ይገብር’ዩ (ግብ 14፡17)። እንተ ዀነ ዚበዝሕ ጊዜ ነቲ ዝተገብረልና ኣይነለልዮን ኣይንፈልጦን ኢና። አረ ገሊኡስ ንሱ ዘይኰነስ ንሕና ባዕላትና ዝገበርናዮ’ዩ ዚመስለና። ነቲ እግዚአብሔር ብመጋቢቱ ዝሃበና ናይ ዕለት እንጌራ’ኳ፡ ብጕልበትናን ረሃጽናን ዝተመገብናዮ’ምበር፡ ናይ ኣምላኽ ግብሪ ሕያውነት ምዃኑ ኣይንእመነሉን ኢና። ካብ ሕማምና እንተ ሓወና ንጻዕርናን ጻዕሪ ሓኻይምናን’ምበር፡ ንእግዚአብሔር ክብሪ ኣይንህበሉን ኢና። (መዝ 104፡27,28፣ 136፡25፣ 144፡15,16፣ ግብ 17፡24-28)። ካልእ ብዙሕ ተኣምራት’ውን ይገብረልና ኽነሱ፡ ከም ዝገበረልና ኣይንፈልጦን፡ እንተ ፈለጥናዮ’ውን ኣይነስተንትኖን ኢና። እምነት ኽትደክም ምኽንያት ካብ ዝዀንዋ ነጥብታት ሓደ ኸኣ ንሱ’ዩ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ ከንኣን ዚበጽሑ ኣዝዩ ብዙሕን ከበድታትን ተኣምራት ገይሩሎም ኬብቅዕ፡ ንእኡ ስለ ዘይሓስብዎን ዘየስተዋደይዎን ኵሉ ጊዜ እምነቶም ድኹምን ምዉትን ይኸውን ነበረ (መዝ 78፡1-43)። እግዚአብሔር ንግብርታቱ ኸነስተንትኖን ከይንርስዖን ደጋጊሙ ዘጠንቅቐሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ዘዳ 4፡9፣ ዘሁ 14፡21)። እቶም ዝኸም ልቡ ዝዀኑ ሰባት ግን ንግብርታቱ ኵሉ ጊዜ’ዮም ዚሓስብዎን ዜስተንትንዎን (መዝ 77፡11,12፣ 143፡5፣ 22፡4-6)። እግዚአብሔር ነቶም ንግብሩ ዘየስተንትኑ እንታይ ከም ዚገብሮም ብንጹር ተነጊሩና’ዩ።

"ንግብርታት እግዚአብሔርን ንተግባር ኣእዳዉን ኣየስተንትንዎን’ዮም’ሞ (እግዚአብሔር ባዕሉ) ኬፍርሶም ኣይኪሃንጾምን ድማ’ዩ።" መዝ 28፡5

3.ንዅነታት ምጥማት፦ ዚበዝሕ ጊዜ ኻብ ምእማን ዜድክመና፡ እቲ በዒንትና እንዕዘቦ ተስፋ ዚኸልእ ኵነታት’ዩ። ንኣብነት ነቦና ኣብርሃምን ነዴና ሳራን፡ ነቲ ናይ ኣካላቶም ኵነታት ብዕምቈት ምስ ኣቕለቡሉ፡ እምነቶም ተዳኺማ፡ በቲ ናይ እግዚአብሔር ዘረባ ምጽጸታዊ ስሓቕ ክሳዕ ምስሓቕ ኣብጺሕዎም ነይሩ’ዩ (ዘፍ 18፡9-15፣ 17፡15-22)። ማርያምን ማርታን ሓወን ኣልኣዛር ሞይቱ ራብዕቲ ምስ ገበረ፡ ንትንሳኤ ኺኣምና ኣጸጊምወን ነበረ (ዮሃ 11፡20-40)። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ብእምነት ኣብ ልዕሊ ቀጢን ማያት ብእግሩ ኪኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ ማዕበል ማይ ተገቲሩ ናብኡ ኺውርወር ምስ ረኣየ ግና፡ እምነቱ ደኺማን ጐዲላን ኪጥሕል ጀመረ (ማቴ 14፡22-23)። ካብ’ዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምስክርነታት’ዚ ኸም እንርእዮ’ምበኣር፡ ነድህቦኻ ካብ ኣምላኽ ኣሊኻ ናብ’ቲ ዅነታት እንተ ጌርካዮ፡ እምነትካ ብኡንብኡ’ያ ትመውት። ንዅሉ ኸኣልነቱ ትጠራጠሮን ትንዕቆን። እዚ ድማ ንጸገምካ ኣይፈትሖን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ዜዀንን ሓጢኣት’ውን ይዀነካ። ስለ’ዚ እምነትና ምእንቲ ኽትጸንዓልናን ክትብርትዓልናን፡ ኣብ’ቲ ዚረኣይ ኵነታት ዘይኰነስ ኣብ’ቲ ዘይረኣይ ከኣልነቱ ኽነድህብ ይግብኣና። ንጉስ ሰለሙን፦ "ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዓጽድን’ዩ።" ብምባል፡ ኵነታት ብኸመይ ንህይወትናን ንተግባርናን ከም ዚጸልዎ ኣመልኪቱና’ሎ (መክ 11፡4)። ነብዪ ኤልሳእ ሰለስተ ነገስታት ምስናይ ሰራዊቶም ብጽምኢ ማይ ተሸጊሮም ምስ መጹዎ፡ ብዘይ ንፋስን ብዘይ ዝናምን እግዚአብሔር ማይ ከም ዚህቦም ነገሮም።

"እግዚአብሔር ከም’ዚ ይብል ኣሎ፡ 'ኣብ’ዚ ርባ’ዚ ጐዳጕዲ ኣብ ርእስ ጐዳጕዲ ዀዓቱ። ንፋስ ኣይትርእዩን፡ ዝናም’ውን ኣይትርእዩን፡ እዚ ርባ ባዕሉ ማይ ይመልእ’ሞ፡ ንስኻትኩምን እንስሳኹምን ከብትኹምን ኽትሰትዩ ኢኹም እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቀሊል’ዩ . . ." 2ነገ 3፡17,18

እቲ ታሪኽ ከም ዜረጋጸልና፡ እቲ ማይ ንጽምኣቶም ኣርውዩሎም ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንዓወቶምን ንጥፍኣት ጸላእቶምን ምኽንያት ኰነ። እቶም ነገስታት ንቓል ኤልሳእ ኣሚኖም ጕድጓድ ኣብ ርእሱ ጕድጓድ እንተ ዘይኵዕቱ፡ እቲ ዝነዓቕዎ ኣምላኽ እታ ጽምእቲ ምድሪ ንደሞም ከም ትጸግቦ ምገበረ ነይሩ። ካብ ነቲ ናይ ኣምላኽ ነብዩ፡ ንንፋስን ንደበናን እንተ ዚኣምኑ፡ ብዘይ ውግእ ምተሳዕሩን ምጸነቱን ነይሮም። እምበኣር ንሕና’ውን፡ ንኣምላኽን ንኸኣልነቱን ብዅነታት ከይንመዝኖን ከይነስተናዕቖን ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ናብ ኵነታት ቀልባዕባዕ ክንብል እንተ መሪጽና፡ ብገዛእ ምርጫና ንእምነትና ከነዳኽማን ክንቀትላን ኣንቂድና ኣለና ማለት’ዩ። ነቲ ዚመስሎ ዘይብሉ መዳርግቲ ኣልቦ ኣምላኽ ምስ’ዚ ተራን ምድራውን ኵነታት እና’ነጻጸርና ንኣምላኽ ኣይነዋርዶ። ዘይምእማን ንኣምላኽ ናይ ምውራድ እኩይ ሃቐና’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ኲነኔ ዚወልድ።

ኵነታት ብኣምላኽ ንኸይንኣምን ኪደፋፍኡናን ኪፈታተኑናን ከለዉ፡ ኵሉ ጊዜ ትንሳኤ ንዘክር። ብሞት ንዝበስበሰን ንዝፈረሰን ሰብነት ዳግማይ ህይወት ሰዂዑ ኬቑሞ ዚኽእል ምዃኑ እንተ ዘኪርና፡ ከም ነብዩ ኤልሳእ፡ "እዚ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቀሊል’ዩ" እናበልና ልዕሊ’ቶም ዚኸብዱና ዅነታት ብእምነትን ብዓወትን ክንመላለስ ኢና። ተስፋ ትንሳኤ ብዛዕባ ጕዳያትና ብእምነት ደው ክንብል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብተኣዝዞን ብቕድስናን ክንመላለስ’ውን የኽእለና’ዩ። ኣብ’ዛ ርባርባ ድነ ሞት ዝዀነት ዓለም ናብራ ትንሳኤ ኽንነብር ኬኽእለና’ዩ። ንዓለም ብእምነትና ኽንስዕራ ኢና። እምነት ንድኹም ሓይሊ እትህብ ንስኑፍ ብርታዐ እትውስኽ ናይ ኣምላኽ ጸጋ’ያ። ስለ’ዚ ኬድና ዘይንደክም ጐዪና ዘይንሕለል፡ ኣንጻር ስሕበት ምድሪ ከም በኽናፍ ንስሪ ናብ ሰማያት ምእንቲ ኽንድይብ፡ ንምእማን ንበርትዕ’ምበር ንምእማን ኣይንድከም (ኢሳ 40፡29-31)። እምበኣር፡ "ኣብ እምነት እንተ’ሊኹም፡ ርእሱኹም መርምሩ" ተባሂልና ኢና’ሞ። እምነትና ኸመይ ከም ዘላ ኣጸቢቕና ንፈትሻ። ንምብርታዓ፡ ንዘይምድካማ ድማ ዚከኣለና ዅሉ ንግበር (2ቈረ 13፡5)!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 

17  2025 |  11, 2016 ግዕዝ (መበል 49 ሰንበት: ቊ.፵፱/49)

ምስባክ

መዝ፻፴፩(፻፴፪)፡፲፫-፲፬

"እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ለጽዮን። ወአብደራ ከመ ትኩኖ ማኅደሮ። ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም።"

ዓዲ፡ መዝ.፻፳(፻፳፩)፡፩-፪"አንሣእኩ አዕይንትየ መንገለ አድባር። እምአይቴ ይምጻእ ረድኤትየ። ረድኤትየሰ እምኀበ  እግዚአብሔር።"

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 11፡8-16

ዲያቆን

2ዮሃ 1፡1-7

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 27፡39-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 1፡35-45

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ መዝሙር፦ ዛቲ ይእቲ ማርያም

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div