S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ (መበል 51 ሰንበት: ቊ.፶፩/51)

 "ከም’ቲ ንሕና ዝተተስፈናዮ ዘይኰነ ኸኣ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገዛእ ርእሶም ወፈዩ።" 2ቈረ 8፡5 ካ.ት (ሮሜ 6፡12-14) 

እዚ ዕለት’ዚ ታሽዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምቲ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ነሓሰ 22 ክሳዕ ነሓሰ 26 ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር-ሰንበት “ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ” ይኸውን። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ሉቃ 12፡13-26 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ኸመይ ገይሩ ንዅሉ ሰብን እንስሳን ኸም ዚምግብ ዚገልጽ’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ ንባብ’ዚ ጐይታና መሲልዎ ዘሎ ምስላ፡ እግዚኣብሄር ኣብ’ቲ ግቡእ ጊዚኡ ግቡእ መጠን ዝናም እናሃበ፡ ግራውትና ኸም ዚቐድወልና ኸም ዚገብር፡ በዚ ግብሩ’ዚ ድማ ንሰብን ንእንስሳን ከም ዚምግብ ዚገልጽ’ዩ። ምስኡ ኣተሓሒዙ ድማ ብዛዕባ ‘ንምገቦን ‘ንኽደኖን ክንጭነቕ ከም ዘይግብኣና ንልቢ ዜዕርፍ ትምህርቲ ሂቡና ኣሎ። ንኳኳት’ኳ ከየጥመየን ብዘይ ዝዀነ ጻዕርን ዚምግብ ኣምላኽ ካብ ኰነ፡ ነቲ ብመልክዑን ምስሉን፡ ዝፈጠሮ ኽቡር ሰብ ግዳ ክንደይ ኣብሊጹ ኸም ዚምግብ ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ክልተ ናይ ምስባክ ኣማራጺታት’ውን፡ ንጨቓዊት ኳዃትን (ዕጓለ ቋዓት) ንዅሉ ኻልእ ፍጥረትን ከም ዚምግብ ዜረጋግጸልና’ዩ (መዝ 145፡15,16 ፣ 147፡9,10)።

እቲ ናይ 2ቈረ 8፡1-15 ንባብ’ውን ነዚ ጐይታ ዝበሎ ቓል ብግብራዊ መገዲ ዜረጋግጸልና’ዩ። እዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ ዝተጻሕፈሉ እዋን፡ ኣብ እስራኤልን ከባቢኣን ብርቱዕ ጥምየት ተኸሲቱ ነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ንሃዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ከባቢ መቄዶንያን ሮማን የገልግል ነበረ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ንዘለዉ ብክርስቶስ ኣሕዋቶም ንዝዀኑ ክርስትያን ኪረድእዎም የነቓቕሖም ነበረ (ሮሜ 15፡22-29 ፣ 1ቈረ 16፡1-4 ፣ 2ቈረ 8፡1-24 ፣ 9፡1-15)። እቶም ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ንርእሶም ሕሱም ድኽነት ዝነበሮም ሰባት ከይተረፉ፡ ነቶም ዝተሸገሩ ኣሕዋቶም ንምርዳእ ተወፈዩ። እቶም ርኹባት ድማ ብዓቕሞም ብዙሕ ኣበርኪቶም ማለት’ዩ። እዚ ተግባር’ዚ ብወንጌል ዝተደረኸ ግብሪ ሕያውነት ስለ ዝዀነ፡ ናይ እግዚኣብሄር ናይ መጋቢነት ተግባር’ዩ። እዞም ድኻታት’ዚኣቶም ንምንታይ ነሕዋቶም ንምርዳእ ከም ዝተወፈዩ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቅስና ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

"ኣሕዋተየ ብዛዕባ’ቲ ንኣብያተ ክርስትያን መቄዶንያ ዝተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ክትፈልጡ ንደሊ ኣለና። ብብዙሕ ጸበባ ተፈቲኖም ሓሊፎም’ዮም። እንተ ዀነ ሕጉሳት ስለ ዝዀኑ፡ ኣዝዮም ድኻታት’ኳ እንተ ዀኑ ኣዝዮም ለጋሳት’ዮም። ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዓቕሞም፡ አረ ሓለፋ ዓቕሞም ከም ዝለገሱ እምስክረሎም ኣለኹ። ኣብ ኣገልግሎት ቅዱሳን’ውን ኪሳተፉ ግደ ኪወሃቦም ኣበርቲዖም ለመኑና። ከም’ቲ ንሕና ዝተተሰፈናዮ (ጥራሕ) ዘይኰነ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና (ነሕዋቶም) ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገዛእ ርእሶም ወፈዩ።" 2ቈረ 8፡1-5 ካ.ት

ጐይታና ብዛዕባ’ቲ ብእኡ ዚፍጸም ትንሳኤ ሙታን ኬስተምህር ከሎ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉና’ሎ።

"ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋን’ውን ከም ዚገብሮም፡ (ወልድ) ድማ ኸምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም’ዩ። ……. ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም (ምዉታት) ድምጺ  (ናይ ወዲ ኣምላኽ) ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ’ያ። ሰናይ ዝገብሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ (ትንሳኤ ሞት) ኪወጹ’ዮም’ሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።" ዮሃ 5፡21,28,29

“ገዛእ ርእስኻ ወፊኻ፡” ማለት ንሰብ ኰነ ንኣምላኽ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ተወፊኻ ማለት’ዩ። ጐይታና ድማ ነቶም ሰናይ ግብሪ ዚገብሩ ጥራሕ ከም ዚደልዮም ገሊጹ ስለ ዘሎ፡ ብሰናይ ግብሪ ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይ ማለት፡ ንርእስኻ ትንሳኤ ህይወት ዝዓስባ ብኣምላኽ እትድለይ ክብርቲ ነፍሲ ምግባር ማለት’ዩ።

ንምንታይ’ዩ ሰናይ ግብሪ ብእግዚአብሔር ተደለይቲ ሰባት ዚገብረና፧ እቲ ምኽንያት ንጹር’ዩ። ብመሰረቱ ወዲ ሰብ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኺፍጠር ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ብንጹር ኣፍሊጡና ኣሎ። 

"ፍጡራቱ ኢና’ሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ (ክንገብሮ) ኢሉ ቀደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተፈጠርና ኢና።" (ቀ.ት)

"ከመይ ንሕና ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘዳለወልና ሰናይ ተግባር እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝፈጠረና ፍጡራት ኣምላኽ ኢና።" (ካ.ት) ኤፌ 2፡10

እምበኣር ዘይተደለይቲ ዚገብረና፡ ነዚ ዝተፈጠርናሉ ሰናይ ግብሪ ናይ ምግባር ዕላማ ዘይምፍጻምና’ዩ። ሓደ ዝዓደግካዮ ወይ ዝሰራሕካዮ ኣቕሓ፡ ነቲ ዝደለኻዮ ዕለማ ዘይጠቅም ምስ ዚኸውን ክትጕሕፎ ትግደድ ኢኻ። ፍረ ኼፍርየልካ ዝተኸልካዮ ኦም ምስ ዘየፍርየልካ፡ ወይ’ውን ዘይትደልዮ ኽፉእ ፍረ ምስ ዚህበካ ቘሪጽካ ድራር ሓዊ ክትገብሮ ናይ ግድን’ዩ። ሰናይ ግብሪ ንኺገብር ተፈጢሩ ኼብቅዕ ንሰናይ ግብሪ ዘይጠቅም ኰይኑ ዝተረኽበ ሰብ ድማ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ተቘሪጹ ናብ’ቲ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺድርበይ’ምበኣር፡ ቅኑዕን ፍትሓውን ውሳነ’ዩ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ሰናይ ግብሪ ዘይምግባር ክሕደታዊ (ጥልመታዊ) ተግባር ምዃኑ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ስለ’ዚ ሰናይ ግብሪ ምዝውታር ግዴታዊ ኣድላይነት ከም ዘለዎ ብኣጽንዖት ገሊጹልና ኣሎ።

"ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕላቶም ይብሉ፡ ፍንፋናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙ ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ’ለዉ።" ቲቶ 1፡16

". . .ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ፡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደልይ ኣለኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን’ዩ። . . . እቶም ናትና’ውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድልይ ነገር (ማለት) ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይመሃሩ።" ቲቶ 3፡8,14

ሰናይ ግብሪ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳስን ግዴታ’ውን ዚገብሮ ኻልእ ዝዓበየ ምኽንያት ከኣ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ንሕና ሰናይ ግብሪ ምእንቲ ኸነፍቅርን ከነዘውትርን ኢሉ ጐይታና ህይወቱ በጃና ምሕላፉ’ዩ። ምኽንያቱ ብደም ክርስቶስ ተሓጺቡ ኣብ ዘይነጽሀ ሕልና፡ ምዉት (እኩይ) ግብሪ’ምበር ሰናይ ግብሪ ኣይርከብን’ዩ።

"ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ዓመጻ ዘበለ ሓራ ምእንቲ ኺውጽኣና፡ ንርእሱ’ውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።" ቲቶ 2፡14

"ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘየቕረበ ግዳ፡ ንስኻትኩም (ብሰናይ ግብሪ) ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ፡ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕልናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዚየንጽሆ፧" እብ 9፡14

ሰናይ ግብሪ ዘይምግባር፡ ክሕደታዊ (ጥልመታዊ) ተግባር ዚዀነሉ ምኽንያት’ምበኣር ድርብን ብሩህን’ዩ። ብመሰረቱ ንሰናይ ግብሪ ተፈጢርካ ኸተብቅዕ ሰናይ ዘይምግባር፡ እቲ ቐዳማይ ጥልመት’ዩ። እቲ ኻልኣይ ጥልመት ድማ፡ ሰናይ ግብሪ ምእንቲ ኽትገብር ክርስቶስ ነቲ መሪር ሞት ናይ መስቀል ሞይቱልካ ኼብቅዕ ሰናይ ግብሪ ተሓሲምካ ምንባር’ዩ። 

ካብ’ዚ ድርብ ክሕደት ርእሱ ኼድሕንን ሰናይ ግብሪ ኼዘውትርን ዚኽእል ሰብ ግና መን’ዩ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ናብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ዜእትወና’ዩ። መልሱ ድማ እቲ "ርእሱ ንኣምላኽ ዝወፈየ ሰብ’ዩ" ዚብል’ዩ። ሰናይ ግብሪ ናይቶም ርእሶም ንኣምላኽ ዝወፈዩ ሰባት ፍረን ባህርይን’ዩ። ናይ’ቲ ርእሱ ንእግዚአብሔር ዘይወፈየ ሰብ ፍረ ግና፡ ሓጢኣትን ርኽሰትን ጥራሕ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ 

"እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንግሰ። ትሕቲ ጸጋ’ምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን’ዩ’ሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ’ምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።" 

ብምባል ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ሓጢኣት ኣብ ህይወት ናይቶም ርእሶም ንኣምላኽ ዘይወፈዩ ሰባት’ዩ ዚነግስን ዚመልኽን። ነቲ ኣካላቶም (ሰብነቶም) ድማ ኣጽዋር-ዓመጻ ይገብሮ። ኣጽዋር ዓመጻ ምዃን ማለት ከኣ ኣጽዋር ሰይጣን ምዃን ማለት’ዩ። ሰብ በቲ ዝዓጠቖ ኣጽዋር ገይሩ ኸም ዚዋጋእ፡ ሰይጣን ድማ በቶም ኣጽዋሩ ዝዀኑ ሰባት ገይሩ’ዩ ንኣምላኽን ንሰራዊቱን ዚዋግኦም። ብኣንጻሩ እቶም ርእሶም ንኣምላኽ ዝወፈዩ ድማ፡ ናይ ኣምላኽ ኣጽዋር’ዮም። ኣምላኽ ከኣ ኣጽዋር ጽድቂ ገይሩ ይጥቀመሎም። ብዘይካ ግብሪ ጽድቅን ሰናይ ግብርን ድማ ካልእ ኪገብሩ ኣይኰነሎምን’ዩ። እቶም ንኣካላቶም ኣጽዋር ዓመጻ ኪኸውን ንሰይጣን ዝወፈይዎ ድማ ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ኣይኰነሎምን’ዩ። ነቲ እኩይ ግብሪ ዋላ እናጸልእዎ’ውን ኪገድፍዎ ኣይከኣሎምን’ዩ። ምኽንያቱ እንታይ ከም እትገብር ዚውስነልካ፡ እቲ ኸም ኣጽዋር ዓጢቑካ ዘሎ ኣካል’ዩ። ቋንቋ ናይ’ቶም ርእሶም ንኣምላኽ ዘይወፈዩ ሰባት፦ "(ሰናይ ናይ ምግባር) ፍቓድሲ ኣሎኒ፡ ምግባር ሰናይ ግን ስኢነዮ’ለኹ’ሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣለኹ’ምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። ስለ’ዚ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ (ሰናይ) ካብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት’ዩ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።"

ዚብል’ዩ (ሮሜ 7፡18-20)። ስለ’ዚ ሰናይ ግብሪ ምግባር ደስ እናበለና ኸሎ ምግባሩ እንተ ኣብዩና፡ ርእስና ንኣምላኽ ከም ዘይወፈና ንጹር ምልክት’ዩ። ካብ ኣጽዋር ዓመጻ ናብ ኣጽዋር ጽድቂ ኣይተለወጥናን ኣለና ማለት’ዩ። ብኻራ ክትሓርድ ክትቈርጽ’ምበር ካልእ ክትገብር ኣይከኣልን’ዩ። እንታይ ዓይነት ተግባር ከም እትገብር ዚውስነልካ፡ እንታይ ዓይነት ኣቕሓ ምዃንካ’ዩ። እቲ ርእስኻ ዝወፈኻሉ ጐይታ ድማ’ዩ እንታይ ዓይነት ኣጽዋር ከም እትኸውን ዝውስነልካ። ሓደ ሓጺን ንዓቀይታይ እንተ ሂብካዮ ካብኡ ሰይፊ፡ ኲናት፡ ፍላጻ፡ ቀስቲ ይሰርሕ። ሓደ ዓይነት ሓጺን ንሓረስታይ እንተ ሂብካዮ ድማ፡ ካብኡ ማሕረሻ፡ ማዕጺድ፡ መስአ፡ ምሳር ይስርሕ። ንሕና ድማ ርእስና ንሰይጣን እንተ ወፊና ንሱ ኣጽዋር ዓመጻ ገይሩ ይሰርሓና። ብኣንጻሩ ርእስና ንኣምላኽ እንተ ወፊና ድማ ኣጽዋር ጽድቂ ገይሩ ይሰርሓና። እምበኣር እቲ ሰናይ ግብሪ ኼዘውትርን ኬብዝሕን ዚደልይ ሰብ፡ ሓሳብ ልቡ ዜስምረሉ እንኮ ጥበቡ፡ ርእሱ ንኣምላኽ ምውፋይ ጥራሕ’ዩ። ነዚ ሓሳብ’ዚ ንምብራህ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ኸም’ዚ ዚስዕብ ኢልዎም ኣሎ፦ ". . . ንሓጢኣት እንተ ተኣዘዝኩም ናብ ሞት ኪመርሓኩም’ዩ፡ ንእግዚአብሔር እንተ ተኣዛዝኩም ግና ናብ ጽድቂ ኺመርሓኩም’ዩ። ቀደም ባሮት ሓጢኣት’ኳ እንተ ነበርኩም፡ ነቲ ብሕድሪ ዝተዋህበኩም ትምህርቲ ካብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺእኩም ንጽድቂ ስለ ዝተገዛእኩም፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። . . . ከም’ቲ ንርኽሰትን እናገደደ ንዚኸይድ ክፍኣትን ንኺግዛእ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ናብ ቅድስና ንዜብጽሕ ጽድቂ (ኺግዛእ) ኣካላትኩም ወፍዩ። ባሮት ሓጢኣት ኣብ ዝነበርኩምሉ፡ “ጽድቂ ኽንገብር ይግብኣና’ዩ” ዚብል ስኽፍታ (ሓሳብ ወይ ድልየት) ኣይነበረኩምን። . . . ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺእኩም፡ ንኣምላኽ ስለ ዝተገዛእኩም ቅድስና ፈሪኹም ኣለኹም። መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ።" ሮሜ 6፡16-22 ካ.ት

ስለ’ዚ እቲ ጽድቅን ቅድስናን ኪፈርይ ዚደልይ ኵሉ ሰብ፡ ኣካላቱ ንኣምላኽ ኪወፍይ ይግብኦ።

እቲ ርእሱ ንኣምላኽ ኪውፍይ ዚኽእል መን’ዩ፧ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሕቶ’ዚ ብንጹር መሊስዎ ኣሎ። እቲ ሞይቱ ዝተንስአ ሰብ’ዩ ርእሱ ንኣምላኽ ኪውፍይ ዚኽእል። ምኽንያቱ "ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ" ተባሂሉልና ኣሎ። ሞይቱ ዘይተንስአ ሰብ ርእሱ ኺውፍይ ኣይክእልን’ዩ። ብስጋ (ብኣካል) ዝሞተ ማለት ከም ዘይኰነ ግን ርዱእ’ዩ። ስለ’ዚ ንሓጢኣት ምዉት ኴንካ፡ ንጽድቂ ዝተንሳእካ ምዃን ማለት’ዩ (ሮሜ 6፡1-9)።

"ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ (ንጽድቂ) ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቈጸሩ።" ሮሜ 6፡11

"ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።" 1ጴጥ 2፡24

ስለ’ዚ እቲ ርእሱ ንኣምላኽ ኪውፍይ ዚኽእል፡ እቲ ኻብ ሓጢኣት ሞይቱ ንጽድቂ ዝተንስአ ሰብ’ዩ። ከም’ቲ ቃል ኪዳን ብሞት ጥራሕ ዚፈርስ፡ ምስ ሰይጣንን ሓጢኣትን ዝነበረና ኪዳን ዚፈርስ ድማ ካብ ሓጢኣት እንተ ሞይትና ጥራሕ’ዩ። ምስ ሓጢኣትን ሰይጣንን ብሞት ምስ ተፈላለና ድማ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ህይወት ረኺብና፡ ምስ ኣምላኽ ናይ ጽድቂ ኪዳን ንኣትው። ምስ ሰይጣን ዝነበረና ኪዳን ብሞት ከየፍረስና ምስ ኣምላኽ ኪዳን ከነቕውም፡ ርእስና ንኣምላኽ ክንውፍይ ኣይንኽእልን ኢና። ዋላ እንተ ደለናዮ’ውን ኣምላኽ ኣይቅበለናን’ዩ (ሮሜ 7፡1-6)።

ብኸመይ ኢና ርእስና ንኣምላኽ ክንውፍይ እንኽእል፧ ወይ ከኣ ምውፋይናን ዘይምውፋይናን ብኸመይ ኢና እነረጋግጽ፧ ነቲ ዝተፈጠርናሉ ዕላማ ንምትግባር ብቘራጽነት ክንተግህ ከሎናን፡ ከምኡ ድማ ናይ ሰይጣን ዕላማ ንዘይምግልጋል ብቘራጽነት ክንኣብይ ከለናን’ዩ። ዝተፈጠርናሉ ዕላማ፡ ሰናይ ግብሪ ምግባር ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ’ቲ ኣብ ቃል እግዚአብሔር ተዘርዚሩ ዘሎ ሰናይ ግብሪ ንፍጽሞ ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግባእ። ሰናይ ግብሪ ዚበሃል ብዙሕ’ዩ። ፍረ-መንፈስ ዝዀነ ዅሉ፡ ሰናይ ግብሪ’ዩ። ካብ ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ፍቕሪ፡ ይኣኽለኒ ምባል፡ ህድኣት፡ ለውሃት እምነት ወዘተ ካብ ህይወትና ዚፈርይ ሰናይ ግብሪ’ዩ። ንዝተጸገሙ ሰባት፡ ማለት ንዝጠመዩ፡ ዝዓረቑ ዝሓመሙ ዝሸምገሉ፡ ዝሓዘኑ ዝተሰደዱ፡ ዝዘኽተሙ፡ ዝሰንከሉ ወዘተ እትገብሮ ዅሉ ግብሪ ሕያውነት’ውን ሰናይ ግብሪ’ዩ። ስለ’ዚ ብሓቂ ርእስና ንኣምላኽ ዝወፈና ሰባት እንተ ዄንና፡ ናይ’ቶም ክንፍጽሞም ዚግብኣና ሰናይ ግብሪ ዝርዝር (list) ሒዝና፡ ንገብሮ ምህላውናን ዘይምህላውናን ርእስና ኽንምርምር ይግብኣና።

ንናይ ሰይጣን ዕላማ ዘይምግልጋልና ርግጸኛታት ክንከውን’ውን ናይ ግድን’ዩ። ናይ ሰይጣን ዕላማ ሓጢኣት ምብዛሕን ምንጋስን’ዩ። ሰናይ ግብሪ ኻብ ምግባር ክንበኵር ከለና ናይ ግድን ሓጢኣት ኢና እንፍጽም። ሓጢኣት ክንፍጽም ከለና ንኣምላኽ ንዋግኦ፡ ንሰይጣን ከኣ ነገልግሎ ኸም ዘለና ኽንፈልጥ ይግባእ። ስለ’ዚ ዅሉ ጊዜ ንእግዚአብሔር ብስጋናን ኣብ ስጋናን ነኽብሮ ምህላውና ርግጸኛታት ክንከውን ግቡእና’ዩ (1ቈረ 6፡19,20፣ ፊሊ 1፡20,21)። ኣቦና እዮብ ናብ ፍጹምነት ዝበጽሐ ብኸም’ዚ ዝበለ ተወፋይነት ስለ ዝነበረ’ዩ።

"እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽ’ውን (ኣብ ልበይ) ክሳዕ ዘሎ፡ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይ’ውን ሓሶት ኣይከተውስእን’ያ። . . . ክሳዕ ሞተይ ካብ’ታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰድዶን፡ ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ’ኳ ኣይነቕፈንን።" እዮ 27፡3-6

"ንሱ ግና (ኣነ) በየነይቲ መገዲ ከም ዝኸይድ ይፈልጥ’ዩ፡ ይፈትነኒ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ’የ። ኣእጋረይ ኣሰሩ ሒዘን፡ ተጠንቂቐ’ውን ካብ መገዱ ኣየግለስኩን። ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይዘንበልኩን፡ ካብ መዝገበይ (ካብ ሃብተይ) ኣብሊጸ ንቓል ኣፉ ሓለኽዎ።" እዮ 23፡10-12

እምበኣር፡ ምልስ ኢልና ህይወትና ንመርምር። ርእስና ንመን ወፊናያ ኸም ዘለና ኸኣ ነረጋግጽ። ካብ’ቶም ክርስቶስ ኬተንስኦም’ሞ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ኬእትዎም ዚደልዮም ምዃንና ነረጋግጽ። እዘን ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ምድራዊ ህይወትና ንኣምላኽ እንተ ተወፍየን፡ መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኼብቅዓና’የን። ስለ’ዚ ርእስና ንሰይጣን ወፊና ብሓጢኣት ዝነበርናሉ ዘመን ኣብቂዑ፡ ርእስና ንኣምላኽ ብዘየጣዕሰ መገዲ ንምውፋይ ቈራጻት ንኹን። ኣብ’ታ መዓልቲ ምጽኣትን ፍርድን፡ "ኣቱም ብሩኻት ንዑ ውረሱ" እምበር፡ "ኣቱም ርጉማት ካባይ ርሓቑ" ኸም ዘይንበሃል ኵሉ ጊዜ ነረጋግጽ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 

31  2025 |  25, 2016 ግዕዝ (መበል 51 ሰንበት: ቊ.፶፩/51)

ምስባክ

መዝ: ፻፵፬(፻፵፭)፡ ፲፭,፲፮ "ዐይነ ኵሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ። አንተ ትሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ። ትሰፍሕ የማነከ ወታጸግብ ለኵሉ እንስሳ ዘበሥርዓትከ።"

ዓዲ፡ መዝ.፻፵፮(፻፵፯)፡፱-፲ "ዘይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ። ወለዕጕለ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ። ኢይፈቅድ ኃይለ ፈረስ።"

ንባባት

ኣንባቢ

2ቈረ 8፡1-15

ዲያቆን

ያእ 1፡17-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 22፡6-22

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 12፡13-26

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦  ዘኤጲፋንዮስ መዝሙር፦ ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ

   



Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div