S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከይትጠልሙ መንፈስኩም ሓልው ቊ.27 (25 ጥሪ 2026 ፈ | ጥር 17, 2018 ግዕዝ)

"‘ምፍታሕን ንኽዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን (ሰብ) እጸልእ ኣለኹ። ስለ’ዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሓልዉ’ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።" ሚል2፡16 (ዮሃ2፡1,2)

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ቐዳማይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ጥሪ 11 (በዓለ ጥምቀት) ክሳዕ ቅበላ ዓብይ ጾም ዘሎ ቕንያት፡ "ዘመነ ኣስተርእዮ" ይብሃል። "ኣስተርእዮ" ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም "ምግላጽ ወይ ግልጸት" (Revelation) ማለት’ዩ። እዚ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዚ፡ ነቲ ጐይታና ኻብ’ታ ዝተጠመቐላ ዕለት ጀሚሩ ኽሳዕ’ታ ሞይቱ ዝተቐብረላ ዕለት ዘሎ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ ዚውክል’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ጥሪ 12 (ቃና ዘገሊላ) ኽሳዕ ጥሪ 18 ዘሎ ንኡስ ዘመን፡ "ዘመነ ከብካብ" ይብሃል። እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ኣብ’ታ "ቃና" ’ትብሃል ናይ ኣውራጃ ገሊላ ዓዲ ኣብ ሓደ መርዓ ጐይታና ዝፈጸሞ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ንምዝካር ዝተሰርዐ’ዩ። ተኣምራት፡ ሓደ ኻብ’ቶም ናይ ጐይታና ናይ ኣስተርእዮ ግብርታቱ’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፦

"ንስኻ ዓብይን ተኣምራት ’ትገብርን ኢኻ’ሞ፡ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ።" ከም ዝበለ፡ ተኣምራት ግብሪ-መለኮት’ዩ (መዝ 86፡10)። ንጉስ ሰለሞንን ሊቀ መዘምራን ኣሳፍን’ውን፦ "ተኣምራት ’ትገብር ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፡ ንሓይልኻ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣፍለጥካዮ።"

"እቲ በይኑ ተኣምራት ዚገብር እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ።" ብምባል ነዚ ሓቂ’ዚ ኣጽኒዖምልና ኣለዉ (መዝ 72፡18፣77፡14)። ስለ’ዚ ጐይታና ዝፈጸሞ ዅሉ ተኣምራት፡ ናይ መለኮትነቱ ኣስተርእዮ’ዩ። ነቲ ቐዳማይ ተኣምሩ ኣብ ናይ መርዓ ዳስን ጽንብልን ብምፍጻሙ ድማ፡ ንምስጢረ ተክሊል ዓብይ ክብሪ ኣጐናጺፍዎ’ዩ። ነዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር "ሖረ ኢየሱስ" (ኢየሱስ ከደ) ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦ “ኢየሱስ ብሓጐስ ናብ መርዓ ኸደ። ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ተኣምርን መንክርን እናገበረ ኸደ። ንደቀ መዝሙሩ ኽብረቱ ኣርኣዮም፡ ንሳቶም ድማ ብእኡ ኣመኑ። "ማይ ቀዲሕኩም ነቲ ኣጋንእ ክሳዕ ኣፉ ምልእዎ" በሎም። እቲ ኣቦ ዳስ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ በረኸት ጥዒሙ ተደነቐ። ወዲ ኣምላኽ ተበጃዊናን ተስፋናን’ዩ። ነቲ ማይ’ውን  ናብ ወይኒ ለወጦ።   

ጻዕዳ ዑፍ፡ ኣንበሳ ንጉስ፡ በጽሒ መንእሰይ ብማይ ተጠምቀ። ሰላም ተዛረቦም ኣዝዩ ድማ ኣፍቀሮም።” ዚብል’ዩ። ንሰማይን ምድርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን፡ ንኣዳምን ሄዋንን ዝፈጠረ፡ እግዚአብሔር ወልድ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ (ዮሃ 1፡3,10፣1ቈረ 8፡6፣ቈሎ 1፡16፣ እብ 1፡2)። ንምስጢረ ተክሊል፡ ነቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝተፈጸመ በዅሪ ምስጢር ዝፈጠረን ዝሰርዐን’ውን ባዕሉ’ዩ። ኣብ’ቲ በዅሪ ምስጢር ዚጽንበለሉ ኸብካብ፡ በዅሪ ተኣምሩ ኺፍጽም ምምራጹ፡ ብወዝቢ ዝተፈጸመ ኸም ዘይኰነ ከቶ ዘየማትእ ብሩህ ሓቂ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ ቐዳማይ ተኣምር’ዚ፡ ኣብ’ቲ ብብዝሒ መርዓ ዚግበረሉ ወቕቲ ኪኸውን ምስራዓ’ውን፡ ዓብይ መንፈሳዊ መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያኑን ንተክሊል ዘለዎም ክብሪ እምብዛ ዕዙዝ’ዩ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ኪዳን ዝሞተሉ፡ ዝሙትን ምንዝርናን ዝነገሰሉ ናይ ርኽሰት ዘመን’ዚ፡ ቤተ ክርስትያንን ህዝባን ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ተክሊልን ከብካብን ዘለዎ ኽብሪ ኺሕልውዎ ዝለዓለ ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ዘመነ ከብካብ’ዚ ብዛዕባ ኽብርን ቅድስናን ናይ ምስጢረ ተክሊል ብብቕዓት ከነስተምህር ከም ዚግባእ ንኼዘኻኽረና’ምበር፡ ናይ ተክሊል ትምህርቲ ኣብ’ዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ጥራሕ ኸም ዚውሃብ ንኼመልክተና ዝተሰርዐ ኣይኰነን። ብዘይካ ኣብ ናይ ጾም ዘመናት፡ መርዓ ዓመት ምሉእ’ዩ ዚፍጸም። ከም’ቲ ጐይታና ነቲ ኸብካብ ብተኣምራቱ ዘኽበሮ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልታን ድማ፡ ንኸብካብ ብቑዕ ናይ ምስጢረ ተክሊል ትምህርቲ ብምሃብ’ዮም ዜኽብርዎ። ኣብ ሰናብቲ ዝሃነጽናዮ ቓል ኪዳን፡ ሰኑየ ሰሉስ ይፈርስ እንተ’ልዩ፡ ወይ’ውን እቶም ሰብ ኪዳን ብዝሙት ኪዳኖም የራኽሱ እንተ’ልዮም፡ ዕዮናን ህንጻናን ከም ዘይጠዓየ፡ ኣብ ከውሒ ገዲፍና ኣብ ሑጻ ንስርት ከም ዘለና የቃልዓና’ሎ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ነዚ ጐይታና መለኮትነቱ ብምስትርኣይ ዘኽበሮ ኸብካብ፡ እቶም ኣገልገልቲ ብኣፈጻጽማና፡ እቶም ሰብ ኪዳን ድማ ብኣተሓሕዛና ነዋርዶን ነሕስሮን ከይንህልው ክንፈርህን ክንጥንቀቕን ይግብኣና። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ቲ ናይ ዮሃ2፡1-11 ንባብና ዝተወስደን ምስ’ቲ ናይ ሚል2፡13-16 ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተዛመደን’ዩ።

 

ኣብ’ዚ ናይ ከብካብ ንኡስ ዘመን’ዚ፡ ብዛዕባ ጥልመትን ፍትሕን ክንምሃር ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ጥልመትን ፍትሕን ሓለፋ ዅሉ ሕሉፍ ዘመናት እምብዛ ገኒኑ ኸም ዘሎ ንርእዮ ኣለና። ኣብ ቤተ ክርስትያን ዚፍጸም ናይ ቃል ኪዳን ስርዓት፡ "ምስጢረ ተክሊል" ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ምስጢረ ተክሊል፡ ቅድሚ ውድቀት ኣዳምን ምትእትታው ሓጢኣትን ብኣምላኽ ዝተሰርዐ፡ ናይ ኵሉ ምስጢራት በዅሪ’ዩ። ምስጢረ ተክሊል፡ ህላወን ቀጻልነትን ናይ ዘርኢ ኣዳም ዘውሓሰ ኣዝዩ ዓብይ ምስጢር’ዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን ናብ ናይ ዝሙትን ምንዝርናን ሓጢኣት ከይንወድቕ ዝተሰርዓልና ቕዱስ ምስጢር’ዩ። ካልእ ኵሉ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ግን፡ ካብ ናይ ሓጢኣት ውድቀትን ሳዕቤናቱን ንኼድሕነና ዝተሰርዐ’ዩ። 

ሰብ ካብ ዝሓጥኣሉ ዘመን ጀሚሩ፡ ፍትሕን ጥልመትን ኣዝዩ ዝውቱር ኣበሳ’ዩ’ሞ፡ ከም’ዚ ዘለናዮ ዘመን ግን ኣይኰነን። ቤተ ክርስትያን ብስም ቅድስት ስላሴ ዝሃነጸቶ ተክሊልን ሓዳርን፡ በቲ ናይ ድያብሎስ ምስጢር ዝዀነ ፍትሕ ይፈርስ ኣሎ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝተፈጸመ ተክሊልን ካብ ዝተመስረተ ሓዳርን፡ ኣስታት ሰብዓ ሚእታዊት (70%) ብፍትሕ ይፈርስ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ፡ ንፍትሕ ከም ዓይኑ ዘፍጠጠ ጥልመትን ዓመጽን ዘይኰነስ፡ ከም ቅቡልን ፍትሓውን ፍታሕ ተወሲዱ፡ ናብ ንቡር ተርእዮ ምልዋጡ’ዩ። ፍትሕ፡ ብዘይካ’ቲ ዚፈጥሮ መንፈሳዊ ቕልውላውን ዘለኣለማዊ ጥፍኣትን፡ ኣብ’ቶም ተፋታሕቲ፡ ኣብ’ቶም ዝፈረይዎም ደቅን ኣብ’ተን ዝተዋሰባ ስድራ ቤታትን፡ ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ኰነ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ከይተረፈ ኸቢድ ማሕበረ-ልቦናውን ማሕበረ-ቝጠባውን ቅልውላው ይፈጥር ምህላዉ፡ ነቲ ጸገም ብዕጽፍታት ዝኸበደ ይገብሮ ኣሎ። ፍትሕ፡ ዘይሓውይ መንፈሳውን ማሕበራውን መንሽሮ’ዩ። ናይ’ቶም ዚፋትሑ ዘለው ኽልተ ተጻመድቲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ምሉእ ስድራ ቤትን ሕብረተ ሰብን ቤተ ክርስትያንን መንሽሮ’ዩ። 

ፍትሕ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኣጸያፊ ኣበሳ ዚዀነሉ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ፧ እግዚኣብሄር ንምንታይ’ዩ ኣምሪሩ ዚጸልኦ፧ ብኣገልገልቲ ዀነ ብተዋሰብቲ ዚዝንጋዕ ዘሎ መሰረታዊ ሓቂ፡ ቃል ኪዳን ስሉሳዊ’ምበር፡ ክልተኣዊ ኺዳን ዘይምዃኑ’ዩ። ብዘይካ ነቶም ዚዋሰቡ ዘለዉ ኽልተ ሰባት፡ ኣብ’ቲ ኪዳን ዝለዓለ ኣካል ንዝዀነ ኣምላኽ ግን ንርስዖ ኣለና። ቅድሚ ዅሉ፡ ንመውስቦ ኸም ‘ንበቅዕ ገይሩ ተባዕታይን ኣንስታይን ጾታ ሂቡ ዝፈጠረና ባዕሉ ኣምላኽ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ዘይግብኦ’ዩ (ዘፍ1፡27)። ካብኡ ንላዕሊ ድማ፡ ’ንዋሰበሉ ምስጢረ ተክሊል ዝሰርዓልና ባዕሉ ኣምላኽ’ዩ። ኣምላኽ እንተ ዘየለ፡ ኪዳን የለን። መውስቦ ድማ እንስሳዊ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። ኵሉ’ቲ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዚበጽሕ ጸሎት፡ እግዚኣብሄር እቲ ቐዳማይን ዝዓበየን ኣካል ናይ’ቲ ኪዳን ምዃኑ ዜመልክተና’ዩ። ጐይታና እቶም ዚፍትንዎ ኣይሁድ ብዛዕባ ፍትሕ ኬፈንጥርዎ ምስ መጹ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፦ "ደጊም ሓደ ስጋ እዮም’ምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን።

ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ሰብ ኣይፍለዮ።" ብምባል፡ ነቲ ግደ ናይ ኣምላኽ ዜጕልሕ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ19፡6)። ስለ’ዚ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ምግጣምን ሓደ ስጋ ምዃንን ብኣምላኽን ኣብ ኣምላኽን’ምበር፡ ኣብ መደቀሲ ዓራት ኣይኰነን ዚፍጸም። ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣምላኽን ኣብ ትሕቲ’ዚ ቕዱስ ምስጢርን’ዚ ዄንና ‘ንፍጽሞ ጾታዊ ርክብ ቅዱስ ዚዀነሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ "መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ መደቀሲ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ (ቅዱስ) ይኹን።" ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (እብ13፡4)።

ስለ’ዚ ሰብ ኪዳን ኪፋቐሩ ኸለዉ ዀነ ኺብኣሱ ኸለዉ፡ ቅድሚ ዅሉ ኺዝከር ዚግብኦ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓቂ’ዩ። ይትረፍ ፍትሕ ዚኣክል እኩይ ምርጫን ከቢድ ገበንን ክንፍጽም ከለና፡ ዋላ ብሰላምን ብፍቕርን ንቡር ዘቤታዊ ንጥፈታት ክንገብር ከለና’ኳ፡ ክልቴና መዋስብቲ፡ ነቲ ቐዳማይን ዝዓበየን ኣካል ናይ ኪዳንና ዝዀነ እግዚኣብሄር እናዘከርናን፡ ንሱ ብዚፈቕዶን ንእኡ ብዜኽብሮን መገዲ ኽንገብሮ’ዩ ዚግብኣና። ንሓድሕድና ኽንዘራረብ ከለና፡ እቲ ሳልሳይ ኣካልና ምሳናን ኣብ ማእከልናን ከም ዘሎ ዘኪርና፡ በቲ ንሱ ዝኣዘዞን ዚፈቕዶን መሰረት ክንዘራረብ’ዩ ዚግብኣና። ነዚ ሓቂ’ዚ ግን ንነብሮን ንገብሮን የለናን። "ብዓልቲ ቤተይ እንታይ ኰን ይስምዓ፡ ብዓል ቤተይ እንታይ ኰን ይብለኒ፧" ዚብል’ምበር "ኣምላኽ እንታይ ኰን ይብለኒ፧" ዚብል ኣተሓሳስባን ዘረባን ሎሚ ፈጺሙ ተሪፉ’ዩ። ይትረፍ ኣብ’ቶም ዘይተሳነዩ ሰብ ኪዳን፡ ዋላ ኣብ’ቶም ብፍቕሪ ዚነብሩ ሰብ ኪዳን ከይተረፈ፡ ኣምላኽ ካብ’ቲ ኺዳን ተፈቲሑ፡ ካብ’ቲ ኪዳናዊ ናብራ ወጺኡ’ዩ ዘሎ። ነቲ መጋጠሚናን ሓደ ዝገበረናን ኣምላኽ እንድሕር ፈቲሕናዮን ኣውጺእናዮን፡ ንሕና ኸመይ ጌርና ተጋጢምናን ሓደ ዄንናን ክንነብር ንኽእል፧ ዋላ ኸይተፈላለና ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ናሕሲ እናነበርናኸ፡ ንኣምላኽ ካብ’ቲ ሓዳርናን ኪዳንናን ኣውጺእናዮን ፈቲሕናዮን ንነብር እንተ’ሊና፡ "ሰብ ኪዳን፡ መኽበርቲ ኺዳን" ክንብሃል ብቑዓት ዲና፧ መቸም ኵላትና ኸም ‘ንፈልጦ፡ ኪዳኖም ስለ ዘኽበሩ ወይ ስለ ዝተፋቐሩ ዘይኰነ፡ ንናይ ፍትሕ ማሕበራዊ ሳዕቤናት ፈሪሆም ወይ ጸሊኦም፡ ኣብ ሓንቲ ገዛ ጸኒዖም ዚነብሩ፡ ካብ ናይ’ቶም ዝተፋትሑ ዘይውሕድ ቍጽሪ ዘለዎም "ሰብ ኪዳን" ኣለዉ። "ሰብከ እንታይ ኪብለኒ፧ እዞም ደቀይከ እንታይ ኪዀኑ፧ ድሕሪ ፍትሕከ ነዞም ደቀይ ከመይን ብምንታይን ክናብዮም’የ፧ ተፋቲሐ መን ኪምርዓወኒ፡ እንዳ መንከ ኽኣትው’የ፧ ፈቲሐ እንተ ተመርዓኹ ከመይ ገይረ ኽልተ ስድራ ኽናብይ’የ፧" ዚብሉ ማሕበራዊ ምኽንያታት፡ ሰባት ንፍትሕ ዓይኖም ዓሚቶም ደፊሮም ከይፍጽምዎ ይዕንቅፎም’ዩ። ነዚ ስክፍታኦምን ስግኣቶምን’ዚ ዚፈትሑሉ ዕድላት እንተ ዚረኽቡ ግን፡ ንኺዳኖም ካብ ፍትሕ ከም ዘይንሕፍዎ ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግን፡ ምስ’ዚ ዅሉ ፈኲስ ማሕበራዊ ምኽንያታት’ዚ፡ "ኣምላኽከ እንታይ ኪብለኒ፧ ከመይ ገይረ ነቲ ብስም ኣምላኽ ዝኣተኽዎ ቓል ከፍርሶ፧ ከመይ ገይረ ኪዳነይ ከፍርስ፧" ዚብል ሕቶታት ክንሕውስ ዘይምፍቃድና’ዩ። ንኣምላኽ ካብ ኪዳኖም ኪፈትሕዎን ኬውጽእዎን ቍሩብ ስኽፍ ዘይበሎም መጻምድቲ፡ ንሓድሕዶም ኪጠላለሙ እንተ ጨከኑ ፈጺሙ ኼገርመና ኣይግብኦን’ዩ። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ኸም ‘ንግንዘቦ’ምበኣር፡ ድርብ’ምበር ንጽል ፍትሕ ዚብሃል የለን። እቲ ዝኸፍአን ቀዳማይን ፍትሕ ምስ ኣምላኽ ምፍታሕ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ፍትሕ ድማ እቲ ምስ መጻምድትና ‘ንገብሮ ፍትሕ’ዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ድርብ ጥልመት’ዚ ኣዝዩ ተመሪሩ እንተ ጸልኦ፡ ከም ኣዝዩ ጽዩፍ ኣበሳ እንተ ረኣዮ ኼገርመና ይግባእዶ፧ ኣዝዩ ዜገርምሲ እቶም ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርና፡ ኣምላኽ ብኺዳን ዘጋጠመና ክርስትያን ሰብ ኪዳን፡ ንፍትሕ ከም ቅቡልን ንቡርን ፍታሕ፡ ከም ዝበለጸን ዝቐለለን መዋጽኦ ጌርና ምርኣይና’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ነጥብታት፡ ፍትሕ ዚፈጥሮ እንታይ ካልእ ማሕበራዊ ዀነ መንፈሳዊ ሳዕቤናትን መፈንጠራታትን ኣሎ፧ ፍትሕ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ኸቢድ ኣበሳ ምዃኑ ኸይኣኽሎ፡ ናብ ካልእ ዝኸፍአ ኣበሳ ዚደፍኣካን ዜጽድፈካን ምዃኑ፡ ብዝገደደ ጽዩፍ ኣበሳ ይገብሮ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓያማት (ፍቱሓት) ኣንስቲ ኺዛረብ ከሎ፡ "ንሳተን፡ ነታ ቐዳመይቲ መብጽዓአን (ኪዳነን) ስለ ዝጠለማ፡ ፍርዲ ኣለወን" ኢሉና ኣሎ (1ጢሞ5፡12 ካ.ት)። ቅዱስ ወንጌል፡ ኪዳንና ብፍትሕ ድሕሪ ምፍራስና ኽሳዕ ዕለተ ሞት ከይተመርዓና (በኪ) ኽንነብር’ዩ ዚእዝዝ።

"ነቶም ዝተመርዓዉ ድማ ከም’ዚ ዚስዕብ እእዝዝ ኣለኹ፡ እዚ ትእዛዝ’ዚ ግና ናይ ጐይታ’ዩ’ምበር ናተይ ኣይኰነን። እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሐት ከኣ በኪ ትንበር ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ። ሰብኣይ’ውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ።" 1 ቈረ7፡10,11 ካ.ት

ምኽንያቱ ድሕሪ ፍትሕ ደጊምካ ምምርዓው ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ድሮ ፈጺምካዮ ዘለኻ ከቢድ ናይ ፍትሕ ኣበሳ ዚፍጸም፡ ተደራቢ ናይ ዝሙት ኣበሳ’ዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ እቶም ተጻመድቲ ደኣ’ዮም ብዓመጽን ዕልወትን ነቲ ዝኣተዉዎ ቓል ኣፍሪሶም ተፈላልዮም ዘለዉ’ምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ግን እቲ ኺዳን ኣብ ቦትኡ’ዩ ዘሎ። እግዚኣብሄር፡ ንዘቘሞ ኺዳን ክሳዕ ዘለኣለም ዜጽንዕ፡ ኪዳናዊ ኣምላኽ’ዩ። እቲ ኺዳን ብኣምላኽ ተሓልዩ ስለ ዘሎ ድማ’ዩ፡ እቶም ተፈላልዮም ዝጸንሑ መጻምድቲ ተዓሪቖም ዳግማይ ሓቢሮም ኪነብሩ ዚኽእሉ። ኪዕረቑ ኸለዉ፡ ከም ብሓድሽ ኪዳን ኣይኣትዉን፡ ደጊሞም ኣይምርዓዉን’ዮም። ምኽንያቱ እቲ ኺዳን ኣብ ኣምላኽ ገና ህልዊን ህያውን’ዩ። ኪዳን ኣይድገምን’ዩ። ሓንሳእን ንሓዋሩን’ዩ ዚፍጸም።

ብፍትሕ ድሕሪ ምፍልላዮም፡ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ተደሪኹ ሓደ ኻብ’ቶም ተጻመድቲ ምስ ካልእ ሰብ ምስ ዚምርዓው ግን፡ እቲ ኺዳን ኣብ ኣምላኽ’ውን ስለ ዚፈርስ፡ ተዓሪቖም ዳግማይ ብሓደ ኺነብሩ ኣይክእሉን’ዮም (1ጢሞ5፡12 ካ.ት)። ምኽንያቱ ሕጂ ኪዳን ዚብሃል የለን። ከም ዘይሓውይን ከም ዘይትንስእን ኰይኑ ተቐቲሉ’ዩ። ጐይታና፡ ድሕሪ ፍትሕ ምምርዓው፡ ዝሙትን ምንዝርናን’ምበር፡ ኪዳን ከም ዘይኰነ ብንጹርን ብዘየማትእን መገዲ ኣዊጁ’ዩ። እዚ መለኮታዊ ሕጊ’ዚ ኻብ’ቲ ጐይታና ዝኣወጆ ሽዱሽተ ሕጋጋት ሓድሽ ኪዳን ሓደን ሳልሳይን ሕጊ’ዩ። 

"(ኣብ ሕጊ ብሉይ ኪዳን)፡ ‘‘ንሰበይቱ ዚፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሃባ’’ ተባህለ። ኣነ ግና፡ ‘‘ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ። እቲ ፍትሕቲ ዜእትው ድማ ዘመወ’’ እብለኩም ኣለኹ።" ማቴ5፡31,32 (19፡9)።

ጐይታ ኣነጺሩልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ንመጻምድቱ ዚፈትሕ ብዓል ኪዳን፡ ንርእሱ ዘማዊ ምዃኑ ኸይኣኽሎ፡ ንመጻምድቱ’ውን ዘማዊት ብምግባሩ፡ ብድርብ ናይ ዝሙት ኣበሳ ተሓታቲ ይኸውን ማለት’ዩ። እዚ ድርብ ኣበሳ’ዚ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ቐዳማይ ናይ ፍትሕ ኣበሳ ዚውሰኽ’ዩ። ሰብ ብዘይ ኪዳን ኪነብር፡ ጽቡቕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ እቲ ባህርያዊ ናይ ስጋ ፍትወቱ ስለ ዚደፍኦ፡ ከም እንስሳ ምስ ብዙሓት እናተራኸበ፡ ዕሉል ኣመንዝራ’ዩ ዚኸውን። ስለ’ዚ ምፍታሕ፡ ንገዛእ ርእስኻ ዀነ ንመጻምድትኻ ናብ ዝሙትን ምንዝርናን ምድፋእ’ዩ። ኵሉ ኸቢድ ኣበሳ ምዃኑ’ኳ እንተ ዘይተረፈ፡ ንኻልእ ሰብ መዓንቀፊ ኻብ ምዃን፡ ንርእስኻ ጥራሕ ምዕንቃፍ ብተዛማዲ ዝቐለለ ኣበሳ ምዃኑ ጐይታ ገሊጹ’ዩ።

"መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን’ዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ። ካብ’ዞም ንኣሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲ (ኻብ ዚዕንቅፍሲ)፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኺድርበይ ምሓሾ ነይሩ።" ሉቃ 17፡1,2

"ስለ’ዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ’ኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ (ተጠንቀቑ)።" ሮሜ 14፡13

"ስለ’ዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን’የ።" 1ቈረ8፡13 (10፡32)

ስለ’ዚ ብፍትሕ ንመጻምድትኻ ናብ ዝሙትን ምንዝርናን ምድፋእን ምዕንቃፍን ኣዝዩ ኸቢድ ሓጢኣት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታና ባዕሉ ዀነ ብቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ገይሩ፡ ጠለምቲ ኻብ ምዃን ክንጥንቀቕን ርእስና ኽንሕልውን ደጋጊሙ ዜሰምዓልናን ዜጠንቅቐናን ዘሎ።

ኪዝንጋዕን ሸለል ኪብሃልን ዘይግባእ ኻልእ ነጥቢ’ውን ኣሎ። ዘይተመርዓኻ ሰብ ኴንካ ዀነ ፍቱሕ ኴንካ፡ ምስ ዝተፋትሐ ሰብ ምምርዓው፡ ዝሙት’ምበር ኪዳን ኣይኰነን። ምስ ፍቱሕ ሰብ ምምርዓው ዝኸበደ ዚገብሮ ድማ፡ ንስሓ ኽትኣትወሉ ዘይትኽእል ነባሪ ምንዝርና ምዃኑ’ዩ። ምኽንያቱ ንስሓ ምእታው ማለት፡ ነቲ ዝፈጸምካዮ ሓጢኣት ኣርሒቕካ ናብ ጽድቂ ምምላስ’ዩ። ስለ’ዚ ኽትንሳሕ እንተ ዄንካ ነዚ ፍቱሕ መጻምድትኻ ክትፈትሖ ናይ ግድን’ዩ። ተነሲሕካ ናብ’ቲ ቐዳማይ መዋስብትኻ ከይትምለስ ድማ፡ ንምድሪ ኸይተረፈ’ኳ ዜርክስ ዝገደደ ሓጢኣት’ዩ (ኤር3፡1 ካ.ት፣ ዘዳ24፡1-4 ካ.ት)። ስለ’ዚ "ተነሲሐ" ኽትብል እንተ ዄንካ ኻብ ክልቲኡ ሓዳርካ ተፈሊኻ፡ ዘመንካ ምሉእ በኪ ዄንካ ኽትነብር ክትግደድ ኢኻ ማለት’ዩ። ንኽልተ ኻልኦት ሰባት ዝዓንቀፍካ ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ዋላ ንስኻ እንተ ተኣረምካ፡ እቶም ዝዓንቀፍካዮም ሰባት ኣብ’ቲ ንስኻ ዝኣለኽካዮም ጥፍኣት ይነብሩ ኺህልዉ ዚክኣል’ዩ። ስለ’ዚ ነዚ ሰራም ኣበሳ’ዚ ሓለፋ ኣምላኽ’ኳ ኽንጽየፎን ክንጸልኦን’ዩ ዚግብኣና።

ፈጺምና ኽንዕገሶ ዀነ ኽንጾሮ ዘይንኽእል መዋስብቲ እንተ’ጋጠመናኽ እንታይ ኢና ኽንገብር፧ ዕድመና ምሉእ ኣብ ስቓይ ክንነብር ማለት ድዩ፧ እቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ፡ ጐይታና ዝኣወጆ ሳልሳይ ሕጊ-ወንጌል፡ ብዘይካ ብምኽንያት ዝሙት፡ ብዝዀነ ኻልእ ምኽንያት ክንፋታሕን ኪዳንና ኸነፍርስን ኣይፈቅድን’ዩ። ዝሙት ናይ ፍትሕ ምኽንያት ኪኸውን ዝኸኣለ’ውን፡ ምስ ካልእ ሰብ ኣካላውን መንፈሳውን ናይ ርኽሰት ሓድነት ስለ ዝፈጠረ’ዩ (1ቈረ6፡15-18)። ዝዀነ ኻልእ ምኽንያት፡ ዋላ ኸም ዕረ ይምረር፡ ዋላ ኸም ዓረ ይኽበድ፡ ናብ ፍትሕን ናብ ዝሙትን ንምእታው ብቑዕን ቅቡልን ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ነዚ መለኮታዊ ሕጊ’ዚ ጥሒስካን ኣፍሪስካን ምኻድ፡ ካብ’ዚ እምብዛ ሓጺርን ፈኲስን ናይ ሓዳር ስቓይ ሃዲምካ፡ ናብ ዘይጽወር ዘለኣለማዊ ናይ ገሃነም (ናይ ቀላይ ሓዊ) ስቓይ ዘሊልካን ተወርዊርካን ምእታው’ዩ። ዘመውትን ኣመናዝርን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኣትዉ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብ ናይ ዘለኣለም ጸልማትን ቀላይ ሓውን ከም ዚኣትዉ፡ ቃል እግዚኣብሄር ደጋጊሙ ብኣጽንዖት ኣረጋጊጹልና’ዩ (1ቈረ6፡9-11 ፣ ገላ 5፡19-21 ፣ ኤፌ 5፡3-6 ፣ ቈሎ 3፡5-8 ፣ 2ተሰ 1፡6-10 ፣ እብ 10፡26-31 ፣ ራእ 14፡9-11 ፣ 20፡13-15 ፣ 21፡8 ፣ 22፡15)። ካብ ዝሙት ወጻኢ ዝዀነ፡ ንኺዳንና ዚፈታተን ካልእ ኵሉ ጸገማት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰርዓሉ ፍታሓት ኣለዎ። ቃል ኣምላኽን ጸጋን ብዝመልኡ ኣገልገልትን ኣማኸርትን ተደጊፍካ፡ ግቡእ መንፈሳዊ ናይ ባህርይ ለውጢ ብምግባር፡ ምእንቲ ኣምላኽካን መጻምድትኻን ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዋጋ ብምኽፋልን ናብ ኣምላኽ ብሓቀኛ ጾምን ጸሎትን ብምቕራብን ዘይፍታሕ ናይ ሓዳር ጸገም ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። 

ንሓዳር ከም ሓደ ስጋዊ ትካል’ምበር፡ ከም መንፈሳዊ ትካል ስለ ዘይንርእዮ፡ ንሓዳር ዜብቅዕ ኣካላውን ቍጠባውን ቍመና ኸም ዘሎና ጥራሕ ኢና ’ንሓትትን ’ንሕተትን። ካብ ኣካላውን ቍጠባውን ዓቕሚ ንላዕሊ፡ ንሓዳር ዜብቅዕ መንፈሳዊ ቝመና ኸም ዘሎና ኸነረጋግጽ’ዩ ዚግባእ። ንሓዳር ብዘይ መንፈሳዊ ብቕዓት ብድፍረት ህሩግ ኢልና ንኣትዎ ስለ ዘለና’ዩ፡ ንኽትዛረበሉ’ኳ ብዜሕፍር ቀንጠመንጥን ዘይጠቅምን ምኽንያት፡ ነቲ ምስ ኣምላኽን ምስ መጻምድትናን ዝኣተናዮ መንፈሳዊ ኺዳን ከነቋስሎን ጨሪስና ኸነቃብጾን ዚገብረና ዘሎ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ኣምላኽ "መንፈስኩም ሓልዉ" ዚብለና ዘሎ።

እምበኣር ካብ’ዚ ኸቢድ ማሕበራውን መንፈሳውን ዕንወት፡ ከምኡ’ውን ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዜውርድ፡ ዘማውን ኣመንዝራን ዚገብር ፍትሕን ጥልመትን ርእስና ንሓልው። ንኻልኦት’ውን ንሓልዎምን ንበጀዎምን። ልክዕ ከም’ቲ ዝፈጠረና ኣምላኽ፡ ኪዳናውያን ኴንና ንጽናዕ። ብፍትሕ፡ መዋጽኦ ናብ ዘይንረኽበሉ ጋህሲ ኣይንዝለል!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

25 ጥሪ(ር) 20265 | ጥሪ 17, 2018 ግዕዝ (መበል 20 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ:፹፫(፹፬)፡፮,፯ "እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሐውር አምኃይል ውስተ ኃይል። ወያስተርኢ አምላከ አማልክት በጽዮን።"

"ብለሰ ብኽያት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፡ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።"

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 2፡1-11

ዲያቆን

1 ዮሃ 5፡1-13

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 10፡30-39

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 2፡1-11

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ ሖረ ኢየሱስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div