"እቲ ኣብ መወዳእታ ዚሰዓር ጸላኢ’ውን ሞት’ዩ፡ . . . እቶም ውሉድ ስጋን ደምን ዝለበሱ ስለ ዝዀኑ፡ ኢየሱስ’ውን ከምኣቶም ሰብ ኰነ፡ እዚ (ሰብ ምዃኑ) ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ድያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮት ኰይኖም ዝነበሩ (ዅሎም ሰባት) ከኣ ሓራ ምእንቲ ኼውጽእ ኢሉ’ዩ።" 1ቈረ 15፡26 ቀ.ት ፣ እብ 2፡14,15ካ.ት
"እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ሻብዓይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዓብይ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ "ኒቆዲሞስ" ይብሃል። እዚ ዘመነ ኒቆዲሞስ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ’ንረኽቦ ዳግማይ ልደት ’ንምሃረሉ ስለ ዝዀነ፡ "ዘመነ ዳግም ልደት" ድማ’ዩ።
". . . ነታ ኣምላኽ ዚመጻላ መዓልቲ እናተጸበኹምን እና’ቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ህይወትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ክትነብሩ’ዩ ዚግብኣኩም።. . . ስለ’ዚ ድማ ኣቱም ፍቁራተይ፡ [ንምጽኣቱ] እናተጸበኹምሲ፡ ብዘይ መንቅብን ብዘይ ነውርን ምስኡ ሰላም ዘሎኩም ኴንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ።" 2ጴጥ3፡11,12,14 ካ.ት

""እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ፡ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ’ያ፡ ጐይታ’ውን ኬተንስኦ’ዩ። . . . ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ’ያ። . . . እዚ (ሕማም’ዚ) ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ። ንሱ ኸኣ ‘‘ሓይለይ ብድኻም’ዩ ዚፍጸም’ሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ’’ በለኒ። ስለ’ዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሓድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ (ብሕማመይ) ክምካሕ’የ።"
ያእ5፡15,16 ፣ 2ቈረ 12፡8,9

"እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብዪ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ "ምኵራብ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። "ምኵራብ" ማለት "ቤት ጸሎት ኣይሁድ" ማለት’ዩ። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ ክልተ "ዘመነ ምኵራብ" (ዘመነ መቅደስ)’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ ኣብ ዘመነ ነብያት ኣብ ካልኣይ ሰንበት ’ትርከብ (ሕዳር 20-ሕዳር 26) ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ፡ እዛ ዘለናያ ዘመነ ምኵራብ’ያ። ክልቲኡ ዘመነ ምኵራብ ደኣ ይኹን’ምበር፡ ብመዝሙሩን ንባባቱን ግን፡ ፍልልያት ከም ዘለዎ ኽንግንዘብ ይግባእ። ነዚ ናይ ዓብዪ ጾም ዘመነ ምኵራብ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር "ቦአ ኢየሱስ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ።

"ከም’ቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ። . . . ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘሰማዕናልኩምን ናይ’ዚ ዅሉ ነገራት’ዚ ፈዳይ ሕነ (ባዕሉ) ኣምላኽ’ዩ። (ምኽንያቱ) ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር’ዩ ጸዊዑና። 1ተሰ 4፡5-7ካ.ት
"ደጊም ክርስቶስ (ብስጋኡ) ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ (እቲ) ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ ክርስትያን፡ (ንሱ) ንሓጢኣት ሓዲግዎ’ዩ’ሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ (ዘመንኩም) ንፍቓድ ኣምላኽ’ምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩም’ውን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመሰተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸለኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል።" ጴጥ 4፡1-3
"እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፡ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ጽድቁ ገለጸ። ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፡ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽ ረኣየ።" መዝ98፡2,3
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ