"ኣምላኽናስ ኣብ ሰማይ ኣሎ፡ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር’ዩ። ...እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፡ ኣብ ባሕርን መዓሙቝን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር’ዩ።" መዝ 115፡3 ፣ 135፡6።
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተምህሮ’ዩ። ካብ ጽባሕ ጀሚርና ድማ ናብ ዘመነ ነብያት ክንኣትውን ጾመ ነብያት ክንጅምርን ኢና። እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ዘመነ ጾም ይግበረልና። ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዘመነ ኣስተምህሮ ካብ ሕዳር 6 ኽሳዕ ታሕሳስ 11 ዀይኑ፡ ናይ 36 መዓልታት ዘመን’ዩ። እዚ ንኣትዎ ዘለና ዘመነ ነብያት (ጾመ ነብያት) ድማ ካብ ሕዳር 15 ክሳዕ ታሕሳስ 28 ዚዝርጋሕ ናይ 44 መዓልታት ዘመን’ዩ። ዘመነ ነብያት ብንኡስ ዘመናት ዝተኸፋፈለ ዘመን ኰይኑ፡ ሸሞንተ ንኡሳን ዘመናት ኣለውዎ። ቀዳማይ ንኡስ ዘመን ካብ ሕዳር 13 ኽሳዕ ሕዳር 19 ዀይኑ፡ "ቅድስት" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ ክልተ "ዘመነ ቅድስት"’ዩ ዘሎና። ንሱ ኸኣ፡ ናይ ዘመነ ነብያት ቀዳማይ ሰሙንን (ሕዳር 13-19) ናይ ዓብይ ጾም ካልኣይ ሰንበትን ሰሙንን’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብ’ቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ ናይ ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትን መሠረት ዝተሰረተት ስለ ዝዀነት፡ ኣብ’ቲ ናታቶም ናይ ጾምን ጸሎትን ገድሊ ምእንቲ ኽትሓብርን ኣርኣያኦም ምእንቲ ኽትስዕብን በብስሞም ዓበይቲ ኣጽዋማት ሰሪዓ ትርከብ (ጾመ ነብያት፡ ዓብይ ጾም (ጾመ ኢየሱስ)፡ ጾመ ሓዋርያት)። ኣብ’ቲ ናይ’ቶም ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘገልገሉ ቕዱሳን ነብያት ናይ ጾም ገድሊ ምእንቲ ኽትሓብር፡ ቅድሚ በዓለ-ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜ፡ ጾመ-ነብያት ሰርዐት።
እዚ በብስሙ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ ጾም ዘመናት፡ ንሰብነትና ብጾም ንኸነሕስኣሉ ጥራሕ ዝተሰርዐ ኣይኰነን። ንመንፈስና ኽንምግበሉን ክንሃንጸሉን’ውን ስለ ዝተሰርዐ፡ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዚውሃበሉ ጊዜ ምዃኑ’ውን ኪዝንጋዕ ዘይግብኦ’ዩ። ንኣብነት ኣብ’ዚ ዘለናዮ ናይ ጾመ ነብያት ጊዜ፡ ብዓብዩ ብዛዕባ ጾም፡ ብዛዕባ ነብያት (ማለት ጽውዓኦም፡ ታሪኽ ህይወቶም፡ ዝሃብዎ ትምህርቲ፡ ግብራዊ ኣርኣያኦም፡ ኣማውታኦም (ፍጻመ ህይወቶም)፡ ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣገልግሎትን ውህበትን ናይ ትንቢት ’ንምሃረሉ ኣገዳሲ ወቕቲ’ዩ። ቅዱሳን ነብያት፡ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ልደትን ኣገልግሎትን ሞትን ትንሣኤን ዕርገትን ምጽኣትን፡ ብትንቢቶም ብዙሕን ዓበይትን ምስጢራት ገሊጾም’ዮም። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሃገራት፡ ህዝብታት፡ ውልቀ ሰባት ወዘተ ዝተዛረብዎ’ሞ፡ ዝተፈጸመ ትንቢታት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ስለ’ዚ ቤተ ክርስትያን ኣብ’ዚ ዘመነ ነብያት ብዛዕባ’ዚ ዝተጠቕሰ ዅሉ ኣርእስቲ፡ ትምህርቲ ኸተዳልውን ናይ ትምህርቲ መደባት ክትሰርዕን ይግብኣ። ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን’ውን በዚ ዝተዳለወን ባዕላቶም ዜዳልውዎን ትምህርቲ ንህዝቦም ንምስትምሃርን ንምጕሳይን ኪተግሁ ይግባእ። ምእመናን’ውን ብዛዕባ ነብያትን ትንቢቶምን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርምሩን ኬጽንዑን፡ ብቤተ ክርስትያንን ኣገልገልታን ዝተዳለዉ ንነብያትን ትንቢትን ዚምልከቱ መጻሕፍቲ ኼንብቡ፡ ኣብ ዘመነ ነብያት ዚውሃብ ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ብልዑል ግዳሰን ተመስጦን ኪከታተሉ ሓላፍነት ኣለዎም። ነቲ ብኸም’ዚ ዝበለ ኣገባብ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ትምህርቲ ድማ፡ ከም ኣርእስቲ ናይ ጾምናን ጸሎትናን ጌርና ኽንጥቀመሉን ኣብ ናብራና ኽንትግብሮን ይግባእ።
ንጾመ ነብያት ኰነ ንኻልእ ኵሉ ኣጽዋማት ብኸም’ዚ ዘበለ ረዚን መንፈሳዊ ኣገባብ እንተ ጾምናዮ’ዩ ኣብ ኣምላኽ ክብርን ተቐባልነትን ዚረክብ’ምበር፡ ናይ ብልዖት ምግቢ እንተ ተሓሰምና፡ ወይ’ውን ኵሉ ዓይነት ምግቢ ኸይለኸፍና ጾምና ስለ ዝወዓልና ጥራሕ እግዚአብሔር ኪሕጐሰልና እንተ ተጸበና፡ ከንቱ ትጽቢት ኰይኑ’ዩ ዚተርፍ። "ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ" ኢሉ እናጐሃየልናስ፡ ካብ ምግቢ ብልዖት ብዝኸበደ መገዲ፡ ንፍልጠት ናይ ቃል ኣምላኽ’ውን እንተ ተሓሲምናዮ፡ ንሓጐሱ ዘይኰነስ ንጓሂኡ ነዕብዮ ምህላውና ኣይንዘንግዕ።
ዘመነ ቅድስት፡ ብዛዕባ ቅድስና ህይወትናን ብዛዕባ ቅድስና ናይ’ቲ ’ንጾሞ ጾምን ’ንምሃረሉን ’ነስተንትነሉን ርእስና ’ንምርምረሉን ንኡስ ዘመን’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር-ሰንበት "ሎቱ ስብሐት" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦ “ነቲ ንሰንበት ዝቐደሳ (ኢየሱስ) ንእኡ ኽብሪ፡ ንእኡ’ውን ምስጋና ይኹን። እቲ ንሰብ በርኣያኡ ዝፈጠሮ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ፡ ዘይነበረሉ ጊዜ ኣይነበረን። ኵሉ ኣብ ኢዱ’ዩ፡ ንሰማያትን ምድርን ከኣ፡ ይፈርድ። (ኢየሱስ) ፍቓዱ ዚገብር ኣምላኽ፡ ወዲ ኣምላኽ’ዩ።
ቃሉ ጽድቂ’ዩ፡ ኣብ መንግሥቱ ብጽድቂ ይፈርድ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን። ብነቢይ ገይሩ "ሰላመይ እህበኩም፡ ደብሪ መቕደሰይ ክትወርሱ፡ ንሰናብተይ ብጽድቂ ኣኽብሩ" በለ።” ማለት’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ዚ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተመደበልና ኽልተ ኣማራጺ ምስባክ ማለት ካብ መዝ11፡53፣135፡6 ዝተወስደ’ዩ።
እዚ ኣርእስቲ’ዚ ንምንታይ ኣድለየ፧ ዝደለዮ ዚገብር ኣምላኽ ምዃኑ ምፍላጥና እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧ ንሕና ዝደለናዮ እንተ ገበረልና’ምበር፡ ንሱ ዝደለዮ ዚገብር ምዃኑ ንምንታይ’ዩ ኣገዳሲ ዚኸውን፧ እቲ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን፡ "ዘመነ ቅድስት" ስለ ዝዀነ ደኣ፡ መእተው ስብከትና ናብኡ ኣድሂቡ’ምበር፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙርና፡ ምስባክና ዀነ ንባባትና፡ ናብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ዘድሃበ መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪትዎ ኸም ዘሎ፡ ተዋሂቡና ዘሎ ኽልቲኡ ኣማራጺታት ናይ ምስባክ "ኵሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚኣብሄር" (ዝደለዮ (ዝፈቐዶ) ዅሉ ይገብር) ዚብል ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ’ውን "ገብረ በከመ ፈቀደ፡ ኣምላክ ወልደ እግዚኣብሄር" (ንሱ) ፍቓዱ (ከም ዝደለዮ) ዚገብር ኣምላኽ፡ ወዲ ኣምላኽ’ዩ) ዚብል ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዮሃ 5፡17-27 ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ውን፡ "ወልድ ድማ ኸምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም’ዩ" ብምባል ዝፈቐዶን ዝደለዮን ዚገብር፡ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 5፡2)። ኣብ’ቲ ናይ ቈሎ 1፡21-29 ንባብና’ውን፡ እግዚኣብሄር ኬፍልጦም ንዝደለዮም ሰባት ጥራሕ ምስጢሩ ኸም ዚገልጸሎም ተነጊሩና ኣሎ (ቈሎ 1፡27፣ማቴ 11፡25-27፣13፡11)። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ናይ ዘመነ ነብያት ቀዳማይ ንኡስ ዘመን ብዛዕባ’ዚ ዝተጠቕሰ ኣርእስቲ’ዚ ብዕምቈትን ብልዑል ተገዳስነትን ኽንሓስብን ክንምርምርን ከነስተንትንን፡ ቅዱሳን ኣቦታትና ብመንፈስ ቅዱስ ሰሪዖምልና ኣለዉ።
እዚ "ዝደለዮ (ዝፈቐዶ) ዚገብር ኣምላኽ" ምዃኑ ዚገልጽ ኵሉ ቓላት፡ ናብ ክልተ ኣገደስቲ ባህርያት ናይ እግዚኣብሄር ዜመልክተና’ዩ። ንሱ ኸኣ ልኡላውነትን (Sovereignty) ኵሉ ኸኣልነትን (Omnipotence) ናይ እግዚኣብሄር ዚገልጽ’ዩ። ልኡላውነት ማለት ተሓታትነት ዘይብሉ ዝለዓለ (Supreme) ስልጣን ከም ዘለዎ ዚገልጽ ቃል’ዩ። ናይ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ናይ ሓጢኣትን ውድቀትን ጠንቂ ድማ፡ ነዚ ልኡላዊ ባህርዩ’ዚ ዘይምፍላጥናን ኣፍልጦ ዘይምሃብናን ክንግዝኦ ዘይምድላይናን’ዩ። ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ዝለዓለ ኣገዳስነት ከም ዚህልዎ ዚገብር ከኣ፡ እዚ ድኻምና’ዚ’ዩ። ንዅሉ ኸኣልነቱ ኣፍልጦ ዘይምሃብናን ዘይምግዛእናን ድማ፡ ብእምነት እምብዛ ድኹማት ዚገብረናን ብጭንቀት ኰነ ብተስፋ ኣልቦነት ዜበላሽወናን ዜዋርደናን ሕሱም ድኽመትና’ዩ። ነዚ ኽልቲኡ ኣገዳሲ ባህርያት’ዚ በቲ ኽንፈልጦ ዚግብኣና መጠን እንተ ንፈልጦ’ሞ፡ ናይ ብሓቂ ድማ ብግብሪ እንተ ንግዝኦ፡ ናብ መንፈሳዊ ፍጹምነት ንምብጻሕ ኣይምኸበደናን ነይሩ። ሰኣን ከምኡ ምግባርና ግን፡ ካብ ነቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠረና ኣምላኽ ንላዕሊ፡ ነቲ ጸረ ኣምላኽን ጸላኢናን ዝዀነ ሰይጣን ክንመስል ይገብረና ኣሎ። እዚ ድኻምናን ሕማምናን’ዚ ኽሳዕ ዘይተፈወሰ ድማ፡ መንፈሳዊ ጥዕናን ዕብየትን ክንረክብ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ።
እግዚኣብሄር ልኡላውን ከኣል-ኵሉን ስለ ዝዀነ ጥራሕ፡ ነዚ ባህርዩ’ዚ ብሃውሪ ደስ ከም ዝበሎን ቅኑዕ ኰይኑ ኸም ዝተራእዮን ድዩ ዚገብር፧ ንምንታይ’ዩ’ዚ ባህርዩ’ዚ ኣብ ሰባት ስክፍታን ስግኣትን ዚፈጥር፧ ከም’ዚ ዝበለ ኣጕል ስክፍታን ስግኣትን ካብ’ቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና እምብዛ ትሑት ኣፍልጦን ካብ’ቲ ሓጥእ ባህርይናን ኣተሓሳስባናን ዚበቍል’ዩ። እዚ ድኻም’ዚ ንኣምላኽ ልክዕ ከማና፡ ኸም ሓጥኣን ሰባት፡ ጌርና ኽንርእዮን ከነዋርዶን’ዩ ዚገብረና። እግዚኣብሄር ከማና ናይ ባህርይን ናይ መንነትን ቅልውላው የብሉን። ሰብ፡ ዝደለዮ ናይ ምግባር ነጻነትን ስልጣንን ዘለዎ ዀይኑ ኺስምዖ ኸሎ፡ ናብ ሕሉፍ ስድነትን ናብ ኣራዊትነትን’ዩ ዚድረኽ። ምኽንያቱ ንኸም’ዚ ዝበለ ነጻነትን ስልጣንን ኬመሓድር ዜኽእሎ ናይ ባህርይ ቍመና የብሉን። እግዚኣብሄር ግን ኵሉ ዚፈልጥ፡ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ሰናይ፡ ሕያዋይ፡ ጻድቕ፡ ፍትሓዊ ኣምላኽ’ዩ። እቲ ልኡላውን ከኣል ኵሉን ምዃኑ፡ ምስ’ዚ ዝዘርዘርናዮ ዅሉ ኻልእ ባህርያቱ ተሳንዩን ተመጣጢኑን ስለ ዚኸይድ፡ በዚ ልኡላውን ከኣል-ኵሉን ባህርዩ፡ ዝዀነ ይኹን መንቅብ ዘይርከቦ ፍጹም ኣምላኽ’ዩ። ንኣና ንደቂ ሰባት እዚ ዝተዘርዘረ ዅሉ ተወራስን ዘይተወራስን ባህርያት (attributes) ናይ ኣምላኽ ናብ ምሉእ ዕረፍትን ቅሳነትን ህድኣትን እምነትን ተኣዛዝነትን ኣምልኾን ኬእትወና’ዩ ዚግባእ። እዚ ብሓጢኣት ዝተበከለ ውድቕ ኣእምሮና ግን፡ ነዚ መስተንክርን ፍሉይን ኣምላኽ ናይ ምስትውዓል ዓቕሚ የብሉን። ዋላ’ቲ ብክርስቶስ ዝተሓደሰ ኣእምሮ’ውን፡ ካብ’ቲ ሓጥእ ኣእምሮ ኣዝዩ ዝሓሸ ኣእምሮ ደኣ ይኹን’ምበር፡ ንዅሉ ይፈልጥን የስተውዕልን’ዩ ማለት ኣይኰነን። ከም’ቲ ቕዱስ ጳውሎስ ተኣሚንዎ ዘሎ፡ ገለ ሒደት ምቃል ናይ’ቲ ምሉእ ሓቂ ጥራሕ ኢና ንፈልጥ። እቲ ምልኣት ብዘይ ተረፍ ምስ ተገልጸ፡ ሽዑ እቲ ዝርካቡ ምቃል (ጐደሎ) ፍልጠትና ኺሰዓርን ከም ዘየለ ኪኸውንን’ዩ። ብምጽኣት ጐይታና ዘመን ምልኣት ምስ ኣኸለ፡ ካብ ኣእምሮና ጀሚሩ ኵሉ’ዚ ናይ ውርደት ስጋና፡ ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ምስ ተለወጠ፡ ሽዑ ኢና ንመንነትን ባህርያትን ናይ ኣምላኽ ብምልኣት ክንርድኦን ክንፈልጦን ‘ንኽእል (ፊል 3፡20,21)።
"ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ጐደሎ (እቲ ምቃል) ኪሰዓር’ዩ። . . . ሕጅስ ከም ብመስትያት ዋግዋጎ (Poor Reflection) ንርእዮ ኣለና፡ ሽዑ (እቲ ምልኣት ምስ መጸ) ግና ገጽ ንገጽ ክንርእይ ኢና። ሕጂ ፍልጠተይ ጐደሎ (ወይ ምቃል)’ዩ። ሽዑ ግና፡ ከም’ቲ ኣምላኽ ንኣይ (ብምልኣት) ዚፈልጠኒ፡ ፍልጠተይ ምሉእ ኪኸውን’ዩ።" 1ቈረ 13፡12 ካ.ት
መዝሙርና ዀነ መጽሓፍ ቅዱስና ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኣምላኽ በደል ወይ ዓመጻ የልቦን (መዝ 92፡15፣ እዮ 8፡3፣ 34፡10,12፣ 36፡23፣ ሮሜ3፡5፣ 9፡14)። እግዚኣብሄር ጕድለት ወይ፡ ስሕተት ዘይብሉ ፍጹም ኣምላኽ’ዩ (ዘዳ32፡4፣ 2ሳሙ22፡31፣ 2ዜና19፡7፣ እዮ34፡10፣ መዝ18፡30፣ መክ3፡14፣ ዘካ 9፡17፣ ማቴ 5፡48)። ስለ’ዚ በቲ ልኡላዊ ስልጣኑን ብዅሉ ኸኣልነቱን ብዚገብሮ ዅሉ፡ ዝዀነ ፍርሃትን ጥርጥርን ስክፍታን ስግኣትን ኪስምዓና ኣይግባእን’ዩ። እንተ ተሰሚዑና ድማ ኵሉ ዘይምኽኑይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘይተደላይን ዘይቅኑዕን ግብራዊ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ’ዩ ዚኸውን። ሓጢኣት ማለት ከኣ ንሱ’ዩ።
ህዝቢ እስራኤል ብሓፈሻ ዀነ ብዙሓት መንፈሳውያን ውልቀ ሰባት ከይተረፉ፡ ኣብ ልዕሊ ሰናይን ልኡላውን ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር ዘርኣይዎ ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ንእግዚኣብሄር ብዙሕ ከም ዝፈተኖን ንትዕግስቱ ኸም ዝጸንቀቖን፡ መጽሓፍ ቅዱስና ግሩም ገይሩ ተሪኹልና ኣሎ። እግዚኣብሄር ብደረጃ ህዝቢ ዀነ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ወይ ውልቀ-ስድራ፡ ብልኡላዊ ባህርዩ ተደሪኹ ገለ ነገር ኪገብር ወይ ብገለ ዅነታት ኬሕልፍ ከሎ፡ ገዛእ ርእሱ፡ ባህርዩ፡ ኣሰራርሓኡ፡ መደቡ፡ ወዘተ ኺገልጽ ኢሉ ዚገብሮ’ዩ። ናቱ ኣድህቦን ተገድሶን ኣብ’ቲ ንጥፈታት ወይ ኣብ’ቲ ፍጻመ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ሰብን ዘሎ ዝምድና’ዩ። ንኣብነት ብጥምየትን ብጽምኣትን ተሸጊርና ኺንሓልፍ ዚፈቅድ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ ሓልዮቱ፡ መጋቢነቱ፡ ከኣልነቱ ወዘተ ምግላጽ ወይ ርድኢት ረኺቡ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ኪበጽሕ’ሞ፡ ቀረባኡ ዀይኑ ብእምነት፡ ብፍርሃት ኣምላኽ፡ ብጽድቂ፡ ብኣምልኾ ምእንቲ ኺነብር’ዩ። እግዚኣብሄር ስለ ዝጠመና፡ ስለ ዝጸማእና ወይ ስለ ዝሓመምና ኣይሕጐስን’ዩ። ምኽንያቱ ሰናይ ኣምላኽ’ዩ። በዚ ፈታኒ ዅነታት ሓሊፍና ብዛዕባ ልኡላዊ ስልጣኑ፡ መጋብነቱ (Providence) ወዘተ ዘሎና ርድኢት ዓዚዙ፡ እና’ጒረምረምና ዘይኰነስ ንእኡ ኽብሪ እናሃብና ብህድኣትን ብትዕግስትን ክንሓልፍ ኪርእየና ኸሎ ግን፡ ኣዝዩ ይሕጐስን ይኸብርን። ንህዝቢ እስራኤል ብነብዪ ሙሴ ገይሩ ኣብ ዘዳ 8፡1-20 ገሊጽዎ ዘሎ መልእኽቲ ነዚ ሓቂ’ዚ ዜረጋገጸልና’ዩ። እቲ ህዝቢ ንሓሳቡ ምርዳእ ስኢንዎ፡ ኣብ’ቲ ዜጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ጥራሕ ተዋሒጡ ኼጕረምርምን ኼማርርን ምስ ጀመረ፡ ደጋጊሙ ዚብሎ ቓል፦ "እዚ ህዝቢ’ዚ ኽሳዕ መዓስ’ዩ ዚንዕቀኒ፧ ክሳዕ መዓስከ’ዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፡" ዚብል’ዩ (ዘሁ 14፡11,12,20-23 ፣ 11፡20 ፣ 16፡28-30)። እዚ ኣዘራርባኡ’ዚ፡ ብዛዕባ’ቲ ዚሓልፍዎ ዘለዉ ዅነታት ዘይኰነ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ኽፉእ ሃለዋት ኰይኖም፡ ብዛዕባኡ ዘንጸባረቕዎ ግብረ-መልሲ ኸም ዝተገደሰ ዜረጋግጸልና’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ‘ንሓልፎ ዘለና ሓላፊ ዅነታት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ክንሓስብ’ዩ ዚደልየና። ዘዝመጸ ሓላፊ ዅነታት፡ ንዅሉ ቐልብና ኻብ’ቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ዜግዕዞን ዚሰርቆን እንተ ዀይኑ፡ ዜጋጥመና ዅነታት ማእለያ ዘይብሉ ስለ ዝዀነ፡ ካብ’ቲ ነባሪ ኣምላኽ ምሉእ ዕድመና ተፈሊና ንነብር ማለት’ዩ።
ኣብ’ዛ ሓጻር ዕድመና፡ ብዛዕባ’ዚ ልኡላዊ ስልጣንን ኣሰራርሓን ናይ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያን እንታይ ዓይነት ግብረ-መልስን ኪህልወና’ዩ ዚግባእ፧ ዳርጋ ንመብዛሕትኡ ሓሳብ ኣብ መልሲ ናይ’ዚ ዝሓለፈ ሕቶ ዳህሲስናዮ ኢና። ብዝያዳ ግብራዊ ምእንቲ ኪዀነልና ግን፡ ምስ’ቲ ኽልቲኡ ጫፋት ናይ ህይወት ዝጠዓመን ንኣምላኹ ዘስመረን ፍጹም ሰብ፡ ምስ ኣቦና እዮብ እና’ገናዘብና እንተ ረኣናዮ ሃናጺ ኪዀነልና’ዩ። እግዚኣብሄር ፍጹምነት ናይ እዮብ ምእንቲ ኼግህድ፡ ብሰይጣን ኪፍተን ንፍቓድ ሰይጣን ኣሕሊፉ ምስ ሃቦ፡ ካብ’ቲ ዝለዓለ ናይ በረኸት ናብራ፡ ናብ’ቲ ዝተሓተ ናይ ድኽነትን ሓዘንን ሕማምን ናብራ’ዩ ብሃንደበት ኣውሪድዎ። ዓሰርተ ደቁ ኸም ዝሞትዎ ጌርና ጥራሕ ኢና ንርድኦ። ኪተዓዳደሙ ኸለዉ መምስ መጻምድቶምን ደቆምን ድማ’ምበር፡ ንውልቆም ጥራሕ ኪተዓዳደሙ ኣይክእሉን’ዮም። ስለ’ዚ እቲ ሞት ናይ ዓሰርተታት ዘርኦም ድማ’ምበር፡ ናይ ዓሰርተ ደቁ ጥራሕ ከም ዘይኰነ ኽንስሕቶ ኣይግባእን’ዩ። እዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ጕድኣትን ሓዘንን’ዚ፡ እዞም ብሞት ሓደ ሰብ ጥራሕ ክንዲ ጒድ እንናወጽ ሰባት፡ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ኽንስሕቶ ኣይንኽእልን ኢና። እታ ምስኡ ዀይና ነታ ስድራ ዝሃነጸት ብዓልቲ ኺዳኑ’ኳ፡ ካብ ክቱር ሓዘንን ተስፋ ምቝራጽን ዝተላዕለ "ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር ኣለኻ፡ ንኣምላኽ ግዳ ኽሓዶ’ሞ ሙት" ኽሳዕ ምባል በጺሓ’ያ። ንሱ እዮብ ጥራሕ’ዩ ተሪፍዋ ነይሩ፡ ስቓዩ እምብዛ መሪሩ ምስ ረኣየቶ ግን፡ "ካብ ኣምላኽ ምሕረት ካብ ተቐብጸስ ብሞት እንተ ዓረፈ ይሓይሽ" ናብ ዚብል፡ ካብ ዝቐበጸን፡ ዝነቐጸን ልቢ ናብ ዚወጽእ መደምደምታ’ያ በጺሓ’ምበር፡ ናይ’ቲ ፍጹም ብዓል ኪዳና ሞት ኣብሂግዋ ኣይነበረን። ነቦና እዮብ ኣብ ፍጹምነቱ ጸኒዑ ኪቕጽል ዘኽኣሎ ምስጢር ግን፡ ንልኡላውነት ናይ ኣምላኽ ዝነበሮ ኣዝዩ ልዑል ክብሪ’ዩ። ንናብራኡን ህይወቱን በቲ ዝወረዶ ጸበባ ዘይኰነስ፡ ብመንጽር እግዚኣብሄር ኬማእዝኖ መረጸ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ከም ሰብ መጠን፡ ነቲ ዝተሰምዖ ሓዘን፡ ክዳኑ ብምቕዳድን ርእሱ ብምልጻይን ድሕሪ ምግላጹ፦
"ጥራየይ’የ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ’የ፡ እግዚኣብሄር ሃበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፡ ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡" ኢሉ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ነቲ ዝደለዮ ዚገብር ኣምላኽ ሰገደሉ (እዮ 1፡20-21)።
ብዝበለጸ መገዲ ኣዝዩ ዜስተንክር ድማ፡ እቲ፦ "በዚ ዅሉ እዮብ ኣይበደለን፡ ንኣምላኽ’ውን ኣይነቐፎን። . . .እዮብ በዚ ዅሉ ነገር ብኸናፍሩ ኣይሓጥአን።" ዚብል፡ ብዛዕባኡ ዝተባህለ ምስክርነት’ዩ (እዮ 1፡22፣2፡10)። በዚ ዝወረዶ ዅሉ ጸበባ ኸይሓጥእ ዝሓለዎ ኣተሓሳስባኡ እንታይ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ንብዓልቲ ኺዳኑ ዝሃቦ፦ "ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣለኺ፡ ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ፧" ዚብል መልሲ ኣነጺርዎ ኣሎ (እዮ 2፡10)። ብኣዝዩ ጽኑዕ እምነትን ልዑል ክብርን ንልኡላውነት ኣምላኽ ካብ ዘይተቐበሎ ሰብ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ቓላት ኪወጽእ ፈጺሙ ኣይክኣልን’ዩ። መጽሓፍ-እዮብ፡ ናይ ድሕሪ መከራ ታሪኹ ጥራሕ ስለ ዚትርኸልና’ዩ’ምበር፡ እቲ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ልኡላዊ ስልጣን ዝነበሮ ጽኑዕ እምነት፡ ገና ቕድሚ መከራ ዝነበረ ነዊሕን ዓሚቝን መሰረት ከም ዝነበሮ፡ መብርሂ’ኳ ዘየድልዮ ርኡይ ሓቂ’ዩ። እቶም ንምኽሪ ኣምላኽ ኣጣሚሞም ብዙሕ ዝተፈታተንዎ ኣበሰኛታት ኣዕሩኹ፡ ከይተረድኦም ካብ’ዛ ጽንዕቲ መሰረቱ’ዚኣ ኺነቕልዎ ብዙሕ’ዮም ተጋዲሎም። ንሱ ግና ነታ ሰይጣን’ኳ ኺምንዝዖ ዘይከኣለ ዘይትንቀል መንፈሳዊት ንብረቱ ደጋጊሙ ይእመና ነበረ።
"እንሆ (ኣምላኽ) እንተ መንጠለ፡ መን ይኽልክሎ፡ መንከ፡ "እንታይ’ዩ’ዚ ‘ትገብሮ ዘለኻ፧" ኪብሎ ይኽእል፧ . . . እንሆ ንሱ የፍርስ፡ ከም ብሓድሽ ዚነድቕ ከኣ የልቦን፡ ንሱ ንሰብ ይዓጽዎ፡ ዚኸፍቶ ድማ የልቦን። . . . እንሆ ንቕድሚት ኣቢለ እንተ ኸድኩ፡ (ኣምላኽ) ኣብኡ የለን፡ ንድሕሪት እንተ ኸድኩ’ውን ኣይረኽቦን። ኣብ ጸጋም እንተ ሰርሐ ኣይርእዮን፡ ኣብ የማን እንተ ተሓብአ ኸኣ፡ ኣይጥምቶን’የ። ንሱ ግን (ኣነ) በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ’ዩ። ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ’የ። ኣእጋረይ ኣሰሩ ሒዘን፡ ተጠንቂቐ’ውን ካብ መገዱ ኣየግለስኩን። ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይዘንበልኩን፡ ካብ መዝገበይ (ካብ ሃብተይ) ኣብሊጸ ንቓል ኣፉ ሓለኽዎ። ግናኸ ናቱ ሓሳብ ሓደ’ዩ (ኣይልወጥን’ዩ)፡ መንከ ይኽልክሎ፡ ነፍሱ እትደልዮ’ዩ ዚገብር። ነቲ ዝመደበለይ ኪፍጽሞ’ዩ፡ ብዙሕ ከም’ዚ ዘመሰለ (መደባት) ምስኡ ኣሎ።" እዮ 9፡12 ፣ 12፡14 ፣ 23፡8-14
"ኵሉ ኸም እትኽእልን፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ።" እዮ 42፡2
ብዛዕባ ልኡላውነት ኣምላኽ ከም’ዚ ዝበለ ንጹር ብርሃንን ጽኑዕ መርገጽን ዘይብሉ ሰብ፡ ሓደ ውላድ ሞይትዎ፡ ሓንቲ በጊዕ ጠፊኣቶ፡ ወይ ገለ ሕማም ሒዝዎ እንተ ተሓምሸሸን ምስክርነቱ እንተ ኣበላሸወን ፈጺሙ ኼገርመና ኣይግብኦን’ዩ። ኣቦና እዮብ ግን፡ ኣምላኽ ከም’ዚ ዝበለ ኻልእ ብዙሕ መደባት ከም ዘለዎ ተረዲኡ፡ ዋላ ብዝደለዮ ኻልእ መደባት እንተ ፈተኖ’ውን፡ ከም ወርቂ ጸርዩ፡ ተዀሊዑ፡ ረቢሑ ኸም ዚወጽእ ምሉእ ርጉጽነት ዝነበሮን ንዅሉ ዅነታት ድሉውን ዝነበረ ሰብ’ዩ። ነቲ ዝደለዮ ዚገብር ልኡላዊ ኣምላኽ ብኸም’ዚ ዝበለ ድሉውነት ዘይንጽበዮን ዘይንዋስኦን እንተ ዄንና፡ ይትረፍ ወርቂ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጺን ምዃን’ኳ ኣይንረኽቦን ኢና። ከም’ቲ ነብዪ ኤርምያስ፦ "መናፍሕ ፉፍ ይብል፡ እቲ ዓረር ብሓዊ ፈሊሑ ይውዳእ። እቲ ኽፉእ ምፍላይ ስለ ዝኣበየ፡ ድልየት ናይ’ቲ ምዅላዕ ከንቱ ዀይኑ ተረፈ። እግዚኣብሄር ወጊድዎም’ዩ’ሞ፡ "ውጉድ ብሩር" ይብሃሉ።" ዝበሎ ዄንና ኢና ‘ንተርፍ (ኤር 6፡29,30)። ኣቐዲምና ኸም ዝበልናዮ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና ዝደለዮ ዚገብር፡ ንኪዅልዓናን መፈጸምታና ንኼጸብቕን’ምበር፡ ከምኡ ናይ ምግባር ወልፊ ስለ ዘለዎ፡ ወይ ከኣ ብገዛእ ፍጥረቱ ዚጻወት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን። ንዅሉ ነገር ንኽብሩን ንረብሓናን ኢሉ’ዩ ዚገብሮ። ንልኡላዊ ኽብሩ ብልዑል ቅንኣት (Zeal) ዚሕልዎ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንምርጫ ናይ’ቲ ኣባና ዚፍጽሞ መደቡ ንኣና ኣሕሊፉ ኺህበና ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ናትና ግደ ጽሩይ ወርቂ ወይ ከኣ ውጉድ ብሩር ኴንካ ኽትወጽእ ምምራጽ ጥራሕ’ዩ። ኣዚና ተዀሊዕና ወይ ከኣ እምብዛ ተበላሺና ኽንወጽእ ምውሳን፡ ናትና ናይ ውልቅና ምርጫ’ዩ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ልኡላዊ መደቡ ኢድና ኸነወጣውጥ ወይ ኣፍና ኸነግፍሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ናትና መደባትን ምርጫን ብመንጽር ናይ ኣምላኽ መደባት ከነቃንዖ ይግብኣና። ካብ ምዅላዕና ወጻኢ ኻልእ ድልየት ስለ ዘይብሉ፡ ዝደለዮ ዚገብር ኣምላኽ ብምዃኑ ብዝበለጸ ንቕሰንን ንተሓጐስን። ነቲ ዘይልወጥ ልኡላዊ መደባቱ፡ ንኽብሩን ንጽቡቕናን ንጠቐመሉ። ከም ኣቦና እዮብ፡ ወርቂ ምዃን ንምረጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
23 ሕዳር 2025 | ሕዳር 14, 2018 ግዕዝ (8ይ ሰንበት: ቊ.8) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፻፴፬(፻፴፭)፡፮ "እስመ አነ አእመርኩ ከም ዓቢይ እግዚአብሔር። ወአምላክነሂ እምኵሉ አማልክት። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።" ዓዲ፡ መዝ.፻፲፫(፻፲፭)፣፫ "አምላክነሰ ውስተ ሰማይ ላዕለ። በሰማይኒ ወበምድርኒ። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ቈሎ 1፡21-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 1፡13-21 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 19፡27-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ዮሃ 5፡17-27 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ ሎቱ ስብሐት |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ