"ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ’ሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡንብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። እቶም፡ ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት’ቲኦም ብጹኣን’ዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡ’ውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣብ 2ይቲ ወይ 3ይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸም’ዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮት’ቲኦም ብጹኣን’ዮም።" ሉቃ 12፡36-38።
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተምህሮን ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ ነብያትን’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 4 ክሳዕ ታሕሳስ 6 ዘሎ ንኡስ ዘመን፡ "ደብረ ዘይት" ይብሃል። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ ክልተ ናይ ደብረ ዘይት ንኡሳን ዘመናት ኣለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ዀይና፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ናይ ዓብዪ ጾም ሓምሸይቲ ሰንበትን ሰሙንን’የን። ደብረ ዘይት፡ ጐይታና ኣዝዩ ዜዘውትሮ፡ ጥቓ ኢየሩሳሌም ብሸነኽ ምብራቕ ዚርከብ ከረን’ዩ (ሉቃ 22፡39)። ካብ’ቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም ተደኲናትሉ ዘላ ኸረን ብ 75 ሜትሮ ዚብርኽ ከረን’ዩ። እቲ "ደብረ ዘይት" ዚብል ስሙ፡ ኣእዋም ኣውልዕ ብብዝሒ ዚርከቦ ኸረን ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ዝተዋህቦ’ዩ። ኦም ኣውልዕ፡ እቲ ዝበለጸ ዘይቲ ዚጽመቖ ፍረ ስለ ዜፍርይ (ዘይቲ ኣውልዕ) (Olive oil; Olio Oliva)፡ እቲ ኸረን "ከረን ዘይቲ (ደብረ-ዘይት)" ተሰምየ። እዚ ኸረን’ዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ኣሎ (2ሳሙ 15፡30፣ህዝ 11፡23፣ዘካ 14፡4)። ጐይታና ኻብ ምድሪ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝመጻሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ ብመዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኪምህር ውዒሉ፡ ብለይቲ ኣብ’ዚ ኸረን’ዚ ኺጽልይ ይሓድር ነበረ (ሉቃ 21፡37፣11፡1፣9፡18,28፣6፡12፣5፡16፣ማር 6፡46፣1፡35፣ማቴ 14፡23፣3፡21)። ጐይታና ኣብ መዓልቲ ሆሳእና ኻብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኣተወ፡ ካብ ደብረ ዘይት ተበጊሱ’ዩ (ማቴ 21፡1)። ናብ ዓርቢ-ስቕለት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ’ውን ኪጽልይ ሓዲሩ፡ ኣብ’ዚ ኸረን’ዚ ኣብ ዚርከብ ጌተሰማነ’ዩ ብኣይሁድ ዝተታሕዘ (ማቴ 26፡30-36)። ኪዓርግ ከሎ’ውን ካብ ደብረ ዘይት ናብ ሰማይ ዓረገ (ሉቃ 24፡51,52፣ግብ 1፡10-12)። ብመሰረት’ቲ ኣብ ዘካ 14፡4 ተነጊሩ ዘሎ ትንቢት ድማ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸ፡ ኣብ ደብረ ዘይት ከም ዚቐውም ይእመን።
ጐይታና ብዛዕባ ምጽኣቱ ብስፍሓት ዝገለጸን ዘስተምሃረን ኣብ ከረን-ዘይቲ’ዩ። ስለ’ዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ነዚ ብዛዕባ ምጽኣቱ ኽንምሃረሉ ዝሰርዓቶ ንኡስ ዘመን፡ "ደብረ ዘይት" ኢላ ሰመየቶ። እምበኣር፡ ነዚ ናይ ደብረ ዘይት ንኡስ ዘመን፡ ብስም ናይ ቦታ ዘይኰነስ በቲ ኣርእስቱ ኽንሰምዮ እንተ ዄንና፡ "ዘመነ ምጽኣት"’ዩ ዚብሃል።
ምጽኣት ጐይታና፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና ኣበይ ከም ዚኸውን ዚውስን ናይ መወዳእታ ፍጻመ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ንህይወቱ ብመንጽር ምጽኣት ዘየማእዝን ሰብ፡ ንርእሱ ኸም ክርስትያን ኪቘጽር ከቶ ዘይግባእ’ዩ። እቲ ሓቂ ንሱ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ተስፋ ምጽኣት ዘይብሉ፡ ብምድራዊ ተስፋ ጥራሕ ዚናበር ክርስትያን፡ ኣዝዩ ዜደንግጽ ፍጥረት ምዃኑ ገለጸልና (1ቈረ 15፡19)። ናይ ጐይታና ዅሉ ትምህርትን ተግባራትን፡ ናብ ምጽኣቱ ዝዓለመ ነበረ (ማቴ 24፡1-5፣ሉቃ 13፡25፣18፡8፣21፡36 )። ናይ’ቶም ንእኡ ተኪኦም ዘገልገሉ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ሸቶን ዕላማን’ውን፡ ምጽኣት ጐይታና ነበረ። ኣብ ኵሉ መልእኽቶም፡ ኣብ’ታ መዓልቲ ጐይታ፡ መንቅብ ዘይርከበና ምሉኣትን ድሉዋትን ክርስትያን ኴንና ኽንርከብ ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ተማሕጺኖምና ኣለዉ (91ተሰ 4፡13-18፣2ጢሞ 4፡8፣እብ 9፡27,28፣2ጴጥ 3፡10)። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን’ውን፡ ኣብ’ቲ ጐይታና ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ናይ ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትን ከም ዝተሃንጸት ሰብነት ክርስቶስ መጠን፡ ኣርኣያ ጐይታኣን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ክትስዕብ ስለ ዚግብኣ፡ ምስጢረ-ምጽኣት እንምሃረሉ ንኡስ ዘመናት ሰሪዓትልና ትርከብ። ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ብዛዕባ ምጽኣት ብስፍሓትን ብዕምቈትን ዜስተምህር፡ ሓደ ኻብ’ቶም ኣዕማደ ምስጢር ዜቝሙ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን’ዩ።
ነዚ ናይ ዘመነ ነብያት ደብረ ዘይት ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን፡ ካብ’ቲ ናይ ዓብዪ ጾም ደብረ ዘይት ፍልይ ዝበለ’ዩ። ዕላማን መልእኽትን ናይ ትሕዝቶኡ ግን ሓደ’ዩ። ነዚ ዘመነ ነብያት ዝተሰርዐ መዝሙር፡ "ሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦
“ኣብ ሰማይን ምድርን ንዘሎ፡ ኣብ ባሕርን የብስን ንዘሎ፡ ነቦታትና ነብያትን ሓዋርያትን፡ ንጳጳሳትን ቀሳውስትን፡ ንድያቆናትን መነኮሳትን፡ ንጻድቃንን ኀጥኣንን፡ ንምዉታትን ህያዋንን ንዕረፍቲ-ሰብ ሰንበት ሰርዐ። ሰንበተ-ክርስቶስ፡ ነቲ ልዑል (ኣቦ) ማሕደር ስሙ’ያ።
ሓደ’ኳ ኣየስሕትኩም፡ ኵሉ ጊዜ ድልዋት ኴንኩም ንበሩ፡ ንሰንበት ድማ ብጽድቅን ብሰላምን ኣኽብሩ።”
ዚብል’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ሉቃ 12፡35-48 ንባብ፡ ምስ’ቲ ናይ ማቴ 24፡42-51 ንባብ፡ ሓደ ዓይነት’ዩ። ጐይታና ንምጽኣቱ ኣመልኪቱ ኣብ ደብረ-ዘይት ዝሃቦ ትምህርቲ ዝሓዘ’ዩ። እቲ ናይ 1ቈረ 15፡19-32 ንባብና ኸኣ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ምጽኣት ጐይታና ዚፍጸም ትንሳኤ ሙታን መሰረት ዜትሕዝ ሃዋርያዊ ቓል’ዩ። እቲ ናይ 2ጴጥ 3፡10-18 ንባብና’ውን፡ ምጽኣት ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዚኽሰት ድሕሪ ምግላጽ፡ ብቕዱስ ናብራን ብፍርሃት እግዚኣብሔርን እናተጸበና ንምጽኣቱ ኸነቀላጥፎ ዚምዕድ ሓያል ንባብ’ዩ። እቲ ናይ ግብ 26፡1-11 ንባብና ኸኣ፡ ነቲ ቕዱስ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ነገስታትን መሳፍንትን ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ሙታን ዝሃቦ ቓል-ምስክር ዚገልጽ’ዩ። እዚ ዝረኣናዮ መዝሙርን ንባባትን ናይ’ዚ ንኡስ ዘመን፡ "ዘመነ ደብረ ዘይት" ብርግጽ "ዘመነ ምጽኣት" ምዃኑ ብኣጽንዖት ዜረጋግጸልና’ዩ። ስለ’ዚ ነዚ ኣብ ማእከሉ ዘለና ድርብ ዘመናት (ዘመነ ኣስተምህሮን ዘመነ ነብያትን)፡ ብዛዕባ’ቲ ተስፋ ጻድቃን ዝዀነ ምጽኣት ጐይታናን ብእኡ ዚፍጸም ትንሳኤ ሙታንን ክንምሃር፡ ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን’ሞ፡ ነዚ ምጽኣት’ዚ ብቑዓት ኴንና ብምርካብ ከነኽብሮ ይግባእ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ዚ ናይ ሉቃ 12፡36-38 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ዀይኑስ፡ ንምንታይ’ዩ ትጽቢት ብጽእና ኼጐናጽፍ ዚኽእል፡ ናይ’ቲ ንምጽኣት ጐይታ ’ንገብሮ ትጽቢት ፍሉይነትከ እንታይ’ዩ፧ ትጽቢት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት፡ ናይ’ቲ ሓቀኛን ልባውን እምነት ግብራዊ መግለጺ ስለ ዝዀነ’ዩ። ነቲ ኢየሱስ ተመሊሱ ኸም ዚመጽእ ዚገልጽ ኵሉ ቓል ናይ ብሓቂ ኸም ዝኣመንናዮ ’ነረጋግጸሉ መገዲ፡ ኣምላኽ ኣፍልጦ ብዚህቦን ብዜኽብሮን ኣገባብ ብምጽባይ’ዩ። እግዚኣብሄር ንእኡ ንዚጽበይዎ ዜፍቅርን ዜኽብርን ኣምላኽ’ዩ። ካብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዘግሃዶ ባህርዩ ድማ’ዩ። ነቶም ብምጽባይ ዜኽብርዎ ዅሎም፡ ብትጽቢቶም የሐብኖም’ምበር፡ ኣየሕፍሮምን’ዩ (መዝ25፡3፣ ኢሳ 25፡9 ፣ 49፡23)። ከይሕለሉ ድማ ንሓይሎም ከም ናይ ንስሪ ይሕድሶ፡ ከይደኽሙን ከይሕለሉን ይሕልዎም (ኢሳ 40፡29-31)። ቅዱሳን ነብያት፡ እግዚኣብሄር ነቶም እሙናት ኰይኖም ዚጽበይዎ ማዕረ ኽንደይ ሰናይ ምዃኑ ተኣሚኖም’ዮም።
"እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ ’ትደልዮ ነፍሲ ሰናይ’ዩ። . . . ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ’ዩ።" ደጕ 3፡25,26
"ነቶም ዚጽበይዎ ኸም’ቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዚገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን። ኣብ እዝኒ ኣይተዘነየን፡ ዓይኒ’ውን ከቶ ኣይረኣየቶን። ነቲ ተሓጕሱ ጽድቂ ዚገብር፡ ነቶም ኣብ መገድኻ ዚዝኽሩኻ ትቀባበሎም፡ . . . ።" ኢሳ 64፡4,5
እዚ ተግባሩን ባህርዩን’ዚ ድማ፡ እቶም ፈራህቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽባዮም ኪጸንዑ ዜተባብዖም’ዩ። ስለ’ዚ ድማ "ንእግዚኣብሄር ክጽበዮ’የ" ኢሎም ብትብዓት ኪዛረቡ ይድረኹ ነበሩ (መዝ25፡5 ፣ መዝ33፡20 ፣ 40፡1 ፣ 62፡1,5,6 ፣ 123፡1,2 ፣ 130፡5,6 ፣ ኢሳ 8፡17 ፣ 33፡2 ፣ 26፡8 ፣ ሚክ 7፡7 ፣ ኣን 2፡1-3)። ንሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን ክርስትያን ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ምጽባይ ትእዛዝ’ምበር፡ ኣብ ምርጫ ዚወድቕ ጒዳይ ኣይኰነን (መዝ 37፡7,34 ፣ ምሳ 20፡22 ፣ ሉቃ 24፡49 ፣ ግብ 1፡4 ፣ ያእ 5፡8)።
ምጽባይ፡ እቲ ዝለዓለ ናይ እምነትን ናይ እሙንነትን መግለጺ’ዩ። ንዘይንኣምኖ ሰብ ኰነ ኣምላኽ፡ ከመይ ጌርና ኽንጽበዮ ንኽእል፧ ነቲ ትደልዮ ዘለኻ ኪገብሮ ንዘይክእል ኣካል፡ ኪገብረልካ ኽትጽበዮ ዘይክኣል ከቢድ’ዩ። ዋላ ኺገብሮ ዚኽእል ክነሱ፡ ፍቓደኛ ዚገብሮ ሕያውነት ዘይብሉ እንተ ዀይኑ’ውን፡ ምጽባይካ ጣዕሳ ኺወልደልካ’ምበር፡ ዝዀነ ኻልእ ረብሓ ኺህልዎ ዚክኣል ኣይኰነን። እሙን እንተ ዘይኰይኑ’ውን፡ ብጥልመት ጉድ ኪገብረካ ይኽእል’ዩ። ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ኪጽበዮ ዓቕምን ፍቓድን ዚረክብ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎ ርድኢትን እምነትን ኣዝዩ ሓያል ምስ ዚኸውን’ዩ። ስለ’ዚ በቲ ትጽቢቱ ብዛዕባ መንነትን ባህርያትን ናይ ኣምላኽ ሓያል ግብራዊ ተኣምኖ ይእመን ኣሎ ማለት’ዩ። ካብ ሓደ "ኣምላኽ እሙን’ዩ" ኢሉ ዚሰብኽ ሰባኺ ንላዕሊ፡ እቲ ንኣምላኽ ብእምነት ዚጽበዮ ዘሎ ሰብ፡ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ እሙንነት ዜመሓላልፎ መልእኽቲ ዝሓየለ’ዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ ግብሪ ኻብ ቃላት ንላዕሊ ዝሓየለ መልእኽቲ ስለ ዜመሓላልፍ’ዩ። ትጽቢት፡ ግብራዊ ባህርይ’ዩ። እግዚኣብሄር ንዚጽበይዎ ሰባት ኣዝዩ ዜኽብሮም ድማ ግብራውያን ኣመንቲ ስለ ዝዀኑ’ዩ። "ብጹእ" ማለት "ምስጉን፡ ብሩኽ" ማለት’ዩ። ካብ’ቲ እሙን ተጸባዪ ንላዕሊ ብኣምላኽ ኪምስገን ዚግብኦ ኻልእ ሰብ ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ብጽእና፡ ንእሙናት ተጸበይቲ ዓስቦምን ርስቶምን’ዩ።
እግዚኣብሄር ግን ንምንታይ’ዩ ኼጸብየና ዚደልይ፧ እዚ እነምልኾ ኣምላኽ ናይ ብሓቂ ሰናይ ኣምላኽ ምዃኑ ብምሉእ ልብና ንኣምን እንተ ዄንና፡ ብሕማቕ ወይ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ኬጸብየና ኸም ዘይመርጽ፡ ብዘይ ዝዀነ ጥቕሲ ባዕላትና ኽንምልሶ ንኽእል ኢና። እግዚኣብሄር ሰንፈላል ኴንና ኽንጭነቕ፡ ዓቕሊ ኸነጽብብ፡ ክንቃዝን ደልዩ ኸም ዘየጸብየና ርዱእ’ዩ። ብኣንጻሩ ዓብይ መንፈሳዊ ረብሓ ኽንረብሕ፡ መጻኢናን መፈጸምታናን ኬጸብቕ፡ ዓስብና ኼብዝሕ፡ ክብርና ኼዕዝዝ ኢሉ’ዩ ዜጸብየና። በቲ ሓደ ወገን ትጽቢት፡ ዓብይን ሰፊሕን ዕድላት ዚህብ’ዩ። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ዝተናውሐ ምከራ’ዩ። ስለ’ዚ በቲ ሰፊሕ ዕድላቱ ኽንጥቀም ስለ ዚደልየና፡ ናይ ትጽቢት ጊዜ ይሰርዓልና ማለት’ዩ። ንኣምላኽ ክንጽበይ ከለና፡ ኢድና ኣጣሚርና ኮፍ ኢልና ሃንቀው ክንብል ንነብር ማለት ኣይኰነን። ኣብ’ቲ ዘመን ትጽቢትና ክንፍጽሞ ዚግብኣና ተልእኾ ኣሎና። ንሱ ኸኣ ኵሉ’ቲ ኣምላኽ ክንፍጽሞ ዝሃበና ትእዛዛት’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብሞት ካብ ስጋኡ ተፈልዩ፡ ነፍሱ ኣብ ሕቝፊ ኣምላኽ ክትዓርፍ ልዑል ትጽቢትን ባህግን ነበሮ። ግን ከኣ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብእኡ ብርሃን ወንጌል ኪበርሃሎም ዚግባእ ብዙሓት ኣህዛብ ከም ዘለዉ ይፈልጥ ነበረ። ነታ ዚብህጋ ሞት ኮፍ ኢሉ ኺጽበያ ኸም ዘይግብኦ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚፈልጥ፡ ኣብ መንጎ ኽልቲአን ምርጫታት ተቐርቂሩ ይነብር ከም ዝነበረ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
" . . . ንኣይ ህይወት ማለት ክርስቶስ’ዩ፡ ሙማት ከኣ ረብሓይ’ዩ። ብህይወት እንተ ደኣ (ኽጸንሕ) ኰይነ፡ ገና ፍረ ዘለዎ ዕዮ ኣሎኒ ማለት’ዩ። ነየናይ ከም ዝመርጽ ግና ኣይፈልጥን’የ። ብኽልቲኡ (ምርጫ) እጭነቕ ኣለኹ። (ንኣይ) ዜሕሸኒ ስለ ዝዀነ ግና፡ (ብውልቀይ) ካብ’ዚ (ስጋይ ብሞት) ተፈልየ ምስ ክርስቶስ (ክነብር) ሃረርታይ’ዩ። እንተ ዀነ ንኣኻትኩም ምእንቲ ኼሕሸኩም ብህይወት ምጽንሐይ (ኣድላዪ)’ዩ። ከም ዝጸንሕ ድማ ብርግጽ ፈሊጠ ኣለኹ። እዚ (ምሳኻትኩም ምጽንሐይ) ኸኣ ብእምነት ከም ’ትዓብዩን ከም ’ትሕጐሱን ኪገብረኩም’ዩ። (ካብ ማእሰርተይ ተፈቲሐ) ከም ብሓድሽ ምሳኻትኩም ምስ ኰንኩ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎኩም ህይወት ብኣይ ከም ትምክሑ ኺገብረኩም’ዩ።" ፊል1፡21-26 ካ.ት
ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ሞት ድልየቱ ኽሳዕ ዚፍጸም ኣብ ዘሎ ናይ ትጽቢት ጊዜኡ፡ "ፍረ ዘለዎ ዕዮ" ኺሰርሕ ዝተሰርዓሉ ጊዜ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ዝተረድኦ ብልሂ ሃዋርያ’ዩ። ንሕና’ውን፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ናይ ትጽቢት ጊዜ ኸም ዝተሰርዓልና ተረዲኡና፡ ኣብ’ተን ናይ ትጽቢት ዓመታትና ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ዀነ መንፈሳዊ ህይወትና "ፍረ ዘለዎ ዕዮ" ንምዕያይ ክንተግህ’ዩ ዚግባእ። እዚ ሰፊሕ ዕድል’ዚ፡ ናይ ብሓቂ ንኣምላኽን ንመንግስቱን ብቑዓት ምዃንናን ዘይምዃንናን ይምክረና (ይገብረና) ኸም ዘሎ’ውን ክንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ።
እዚ ሕጂ ‘ንዛረበሉ ዘለና ትጽቢትከ ናይ ምንታይ ትጽቢት’ዩ፧ መን ዝሰርዖ፡ ንመን ዚምልከት ትጽቢትከ’ዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ብተምሳላዊ ኣገባብ ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እቲ ’ንዛረበሉ ዘለና ትጽቢት፡ ንምጽኣት ጐይታና ዚምልከት’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ኻብ ዝተጠቕሱ ዅሎም ትጽቢታት፡ እቲ ዝዓበየን ዝኸበረን ዘለኣለማዊ መጻኢና ዚውስንን ትጽቢት’ዩ። እዚ ትጽቢት’ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኻብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ናይ መንነትና መግለጺ’ዩ። ምኽንያቱ ንክርስቶስ ዘይጽበይ ክርስትያን፡ ክርስትያን ኣይኰነን። ኵሉ’ቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ‘ንነብሮ ናብራ፡ ‘ንገብሮ ኣገልግሎት ኰነ ዘሎና ዝምድናታት ኣካልን መግለጽን ናይ’ዚ ዓብይ ትጽቢትና’ምበር፡ ንርእሶም ብውልቆም ትርጕም ዘለዎም ኣይኰኑን። ንክርስቶስ ዘይንጽበይ እንተ ዄንና፡ ህይወትናን ናብራናን ተግባራትናን ዝደለዮ ዓይነት እንተ ዀነ፡ ዜምጽኦ ዝዀነ ይኹን ለውጢ የለን። ኵሉ ተግባርናን ህይወትናን ኪጽብቕ ዜድልየሉ ምኽንያት፡ እታ ቐንዲ ትጽቢትና ቕብልቲ’ምበር፡ ከንቱ ዀይና ምእንቲ ኸይትርከብ’ዩ። ዓይነት ናብራናን ህይወትናን ኣብ ትጽቢትና ዝዀነ ጽልዋ ዘይህልዎ እንተ ዚኸውን፡ ብዛዕባ ህይወትናን ናብራናን ዝዀነ ዓይነት ጥንቃቐ ክንገብር ኣይመድለየናን ነይሩ። ስለ’ዚ ነዚ ብእግዚኣብሄር ኣቦ ዝተሰርዓልና፡ ጐይታ ባዕሉ ዘተስፈወና፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ዜዘኻክረና ትጽቢት’ዚ እቲ ቐንዲ ንምድራዊ ህይወትና ዀነ ንዘለኣለማዊ መጻኢና ዚውስን መንፈሳዊ ረቛሒ ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግባእን።
ንምንታይ’ዩ’ሞ ናይ ግድን ክንጽበይ ዜድልየና፧ ንሕና ስቕ ኢልና ጒዳይ ናብራና እናገበርና፡ ንእኡ ምጽባይ ከየድለየና ንሱ ኣብ’ቲ ዝጠዓሞን ዝፈቐዶን ጊዜ እንተ መጸ እንታይ ጸገም ኣለዎ፧ ብክርስቶስ ምእማን፡ ክርስትያን ምዃን ማለት፡ ንክርስቶስ ምጽባይ ማለት ጥራሕ’ዩ። እታ ቐንዲ ናይ ህይወት ተልእኾና ንሳ’ያ፡ ካልእ ዕማም የብልናን። እቲ ምእዛዝ ምግልጋል ወዘተ ዅሉ፡ ነቲ ትጽቢትና ምሉእን ፍጹምን ንምግባር ዝተወሰኸ ጠቓሚ ረቛሒታት’ምበር፡ እቲ ቐንዲ ጒዳይ ኣይኰነን። ኣገልግሎትና ኽቡርን ቅቡልን ዚኸውን፡ በቲ ንክርስቶስ ዘሎና ትጽቢት ዝተደረኸን ዝተማእዘነን እንተ ዀይኑ ጥራሕ’ዩ። ኵሉ’ቲ ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ‘ንገብሮ ብምሉኡ’ውን ብመንጽር’ቲ ንምጽኣት ጐይታ ዘሎና ትጽቢት’ዩ ዚምዘን።
ንህይወትና፡ ናብራና ዀነ ኣገልግሎትና መንፈሳዊ ጥዕና ዚጐደሎ ዘሎ፡ እቲ "ንምጽኣት ጐይታ ምጽባይ" ዚብል ቀንድን ኣገዳስን ረቛሒ ስለ ዝጐደሎ ምዃኑ፡ ጐይታና ኣብ ምህሮኡ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ማቴ24፡45-51 ኣስፊሩልና ኸም ዘሎ፡ እቲ "ጐይታይ ቀልጢፉ ኺመጽእ’ዩ" ዚብል ትጽቢት ዝነበሮ መስተውዓሊ መጋቢ፡ ንስድራ ቤት ናይ ጐይታኡ እቲ ግቡእ ምግቢ ኣብ ግቡእ ጊዜ እናሃበ፡ ንፍቓድ ጐይታኡ ኣገልገለን ኣዕገበን። ጐይታኡ ምስ መጸ ድማ "እሙን፡ ኣስተውዓሊ፡ ብጹእ" ኢሉ ነኣዶ። ናብ ዝዓበየ ሓላፍነት ድማ ሸሞ። እቲ ሓደ ብጻዩ ግና፡ "ጐይታይ ኪድንጒይ’ዩ" ብምባል ነቲ ምጽባይ ስለ ዝገደፎ፡ "ክፉእ" ባርያ ናብ ምዃን ተለወጠ። ነቶም ብሕድሪ ዝተቐበሎም ናይ ጐይታኡ ስድራ ቤት ምቕላብ ገዲፉ፡ ክሳዕ ዚሰክር ምብላዕን ምስታይን ተተሓሓዞ፡ ነቶም መዓይይቱ ባሮት ድማ ኪገፍዖም ጀመረ። ካብ’ዚ ምህሮ ጐይታ ንርድኦ ኸም ዘለና፡ ተጸባዪ ምዃንን ዘይምዃንን ኣብ ዓይነት ህይወትካን ኣገልግሎትካን መሰረታዊ ለውጢ ኼምጽእ ዚኽእል’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብንጹር መገዲ ኣርእዩና ኣሎ።
"ከም’ቲ ብዛዕባኦም (ብዛዕባ’ቶም ዘይጽበዩ) ብዙሕ ሳዕ ዝበልኩኹም፡ ሕጂ’ውን እናበኸኹ እብል ኣለኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ (ኣለዉ)፡ መወዳእታኦም ጥፍኣት’ዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም’ዩ፡ ክብረቶም’ውን ኣብ ነውሮም’ዩ። ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ’ዩ።
ንሕና (ተጸበይቲ) ግና፡ ሃገርና ኣብ ሰማያት’ያ፡ ካብኣ’ውን መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበይ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚክኣሎ ሓይሉ (ገይሩ)፡ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ’ዩ።" ፊል3፡18-21
እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ብባህርዩ ንጽጽራዊ ምዃኑ ጽቡቕ ጌርና ነቕልበሉ። እቶም ተጸበይቲ፡ ሰማያውያን’ምበር፡ ምድራውን ዜጋታት ኣይኰኑን። ኣብ ዘይሃገሮም ኣብ ምድሪ ጓና ይነብሩ ኸም ዘለዉ፡ ዚፈልጡ’ዮም። ናይ መንነት ኰነ ናይ ባህርይ ቅልውላው የብሎምን። ንመስቀል ክርስቶስ ዜገልግሉ፡ ንርእሶም ስቑላት ዝዀኑ ክርስትያን’ዮም (ሮሜ 6፡6,7፣ገላ 5፡24፣6፡14,15፣ሉቃ 9፡23)። እቶም ናይ ሰማይ ሃገርን መድሓንን ዘይጽበዩ ግን፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዚነብሩን ዜገልግሉን፡ "ክርስትያን" ዚስመዩ እዮም። በቲ ተዋሂብዎም ዘሎ መግለጺ ግን ካብ "ክርስትያን" ክትብሎም "ኣጋንንቲ" ኽትብሎም ዚቐልለካ’ዮም። ምድራውያን ስለ ዝዀኑ፡ ሓሳቦም ናይ ምድሪ ጥራሕ’ዩ። ከም’ቲ ጐይታና ዝጠቐሶ ኽፉእ መጋቢ፡ ኣምላኾም ከብዶም’ዩ፡ ረብሓ-ስጋ ጥራሕ’ዮም ዚደልዩ ነቲ ነውራም ሓጢኣቶም ከም ክብረቶምን ብልጫኦምን ዚቘጽርዎ’ዮም። ብዘይካ ጥፍኣት ድማ ካልእ ዕጫ የብሎምን። ንምጽኣት ጐይታ ምጽባይን ዘይምጽባይን ‘ምበኣር፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ዘይዕረቕ ፍልልያት’ዩ ዜምጽእ።
ምጽባይን ዘይምጽባይን ብኸመይ’ዩ ኽሳዕ ኽንዲ’ዚ ዓብይ ፍልልይ ኬምጽእ ዚኽእል፧ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት፡ ካብ ዓለማውነት ናብ ክርስትና ዚመጽእ፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኺጽበይ ምዃኑ፡ ግን ድማ ባዶን ከንቱን ፍረ-ኣልቦን ትጽቢት ከም ዘይኰነ ኣብሪሁልና ኣሎ።
"ነቲ ህያው ዝዀነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከተገልግሉ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ነቲ ኻብ’ቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜድሕነና ወዱ ኢየሱስ ካብ ሰማያት ክትጽበዪ ኽትብሉ፡ ከመይ ጌርኩም ንጣኦታት ሓዲግኩም ናብ ኣምላኽ ከም ዝተመለስኩም . . . ባዕላቶም ይምስክሩ’ዮም።" 1 ተሰ1፡9,10 ካ.ት
ናይ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ መፍትሕ-ቃላት እተን "ከተገልግሉን ክትጽበዩን" ዚብላ’የን። ስለ’ዚ ኽትጽበይ ከለኻ፡ "እና’ገልገልካ ምጽባይ" እዩ’ምበር፡ ባኺንካ ቝም-ነገር ዘይብልካ ኾፍ ኢልካ ምጽባይ ጥራሕ ኣይኰነን። እዚ ምግልጋል’ዚ ግን ኵላትና ሃዋርያት፡ ነብያት ካህናት ወዘተ ኽንከውን ዚጠልብ ኣይኰነን። ኵላትና ነቲ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ጥራሕ ብምግባር፡ ኣገልገልቲ-ፍቓዱ ምዃን’ዩ ዚጠልበና። ቅዱስ ዳዊት፡ ደመኛ ተዋጋእን ሃገር ዚመርሕ ፖለቲከኛን ክነሱ፡ ብኣምላኽ "ዝኸም ልበይ" ዝተሰምየ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ ዜገልግል ሰብ ስለ ዝነበረ’ዩ (ግብ13፡22,36)። ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምግባር ጽቡቕ ፍቓድን ዓቕምን ዚስኣነና ዘሎ፡ ነቲ ኺህልወና ዚግብኦ ትጽቢት ስለ ዝደርበናዮ’ዩ። ክቡር ጋሻ ኺመጻና ንጽበይ እንተ’ሊና፡ ንእኡ ንምቕባል ገዛናን ንብረትናን ኣካላትናን ብኸመይ ከም ‘ነጽርይ፡ ንእኡ ንምሕጓስ እንታይ ዓይነት ትሕዝቶ ኸም ’ነዳልው፡ ብኸመይ ከኣ ኸም ነገልግሎ፡ ሳላ ማሕበራዊ ተመክሮና ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ኢና። ትጽቢት ኣብ ዘይገበርናሉ እዋን ብሃንደበት ምስ ዚመጻና ኸመይ ከም ’ንሓፍርን ደንበርበር ከም ’ንብልን ፍሉጥ ነገር’ዩ። ስለ’ዚ ምጽባይ፡ ጥንቁቕን ንቑሕን ትጉህን ኣገልጋሊ ዚገብር ኣዝዩ ጠቓሚ ረቓሒ’ዩ። ጐይታና ነቲ ንሱ ዚመጻሉ ዕለት ክንፈልጦ ዘይፈቐደሉ ምኽንያት’ምበኣር፡ ነዚ ናይ ባህርይ ጸጋ’ዚ ኣብ ህይወትና ኺሃንጽ ስለ ዝደለየ ጥራሕ’ዩ።
ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ኣስፊርዎ ዘሎ ተምሳላዊ ኣገላልጻ ንርእሱ ገላጺ’ዩ። እቶም ዚጽበይዎ ዘለዉ፡ ባሮቱ ወይ ኣገልገልቱ’ዮም። እቲ ዚጽውዑሉ "ባሮት" ዚብል ስሞም ንርእሱ እንታይ እናገበሩ ኺጽበዩ ኸም ዚግብኦም ብንጹር ዜረድእ’ዩ። ዜገልግል’ምበር፡ ዚድቅስን ዚዘናጋዕን ሰብ ሕቘኡ ኣይዕጠቕን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ነቶም ተዓጢቖም እና’ገልገሉ ዚጽበይዎ፡ "ብጹኣን" ዚብል መንፈሳዊ ማዕርግ ዝሰየሞም። ኣብኡ ጥራሕ ግን ኣይተደረተን፡ መርዓቱ ሒዙ ዝተመልሰ ሓድሽ መርዓዊ ኽነሱ፡ ነቶም ኣገልገልቱ ኼገልገል ንሱ’ውን ሕቘኡ ተዓጥቀ። ኣብ መኣዲ ኣቐሚጡ ድማ ብልዑል ሓጐስ ብኽብሪ ኣገልገሎም። ብጐይታኦም፡ ብንጉሶም፡ ብመርዓዊኦም ዚግልገሉ ባሮት ክሳዕ ምዃን ከበሩ። "ብጽእና ዜጐናጽፍ ትጽቢት" ይብሉኻ ኸም’ዚ’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ዓስቢ፡ ኣብ ሕጊ ሰማይ ጥራሕ’ምበር፡ ኣብ ሕጊ ናይ’ዛ ዓመጸኛን ገፋዒትን ዓለም ከቶ ኣይርከብን’ዩ።
ተጸባዪ ምጻኣቱ ምዃን ማለት፡ መኽበር ጐይትኡ ምዃን ማለት’ዩ። ብቐጥታዊ ዘይኰነ ብተዘዋዋሪ መገዲ’ውን፡ ንገዛእ ርእስኻ ምኽባር’ዩ ዚዀነልካ። ብባሮቱ ኻብ ዝተገልገለ ጐይታ ንላዕሊ፡ እቶም ብጐይታኦም ዝተገልገሉ ባሮት ዝረኸብዎ ክብሪ፡ ኣዝዩ ዝዓበየ ምዃኑ ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። እምበኣር ብሰሪ ዕሽነትናን ሸለልትነትናን ነዚ መዳርግቲ ኣልቦ ኽብሪ’ዚ ኸይንኸስሮ ንጠንቀቕ። ዘይምጽባይና፡ ጸላእቲ መስቀል’ዩ ዚገብረና፡ ንኸብድና ’ነምልኽ፡ ነውራም ክብረት ዜብህገና ደቂ ጥፍኣት ንኸውን። ስለ’ዚ ንዘለኣለም ብኣምላኽ ምእንቲ ኽንከብር፡ ብትጽቢት ምጽኣቱ ኽሳዕ ብጽእና ንዕበይ። ብግብራዊ ትጽቢት፡ ንኣምላኽናን ንርእስናን ነኽብር!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
14 ታሕሳስ 2025 | ታሕሳስ 5, 2018 ግዕዝ (መበል 14 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: 131(132)፡15-16 "ወለነዳያኒሃኒ አጸግቦሙ እክለ። ወለካህናቲሃኒ አለብሶሙ ሕይወተ። ወጻድቃኒሃኒ ትፍሥሕተ ይትፌሥሑ።" ዓዲ፡ መዝ.36(37)፡18 "ያፀንዖሙ እግዚአብሔር ለጻድቃን። ወየአምር እግዚአብሔር ፍኖተ ንጹሐን። ወለዓለም ውእቱ ርስቶሙ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| 1ቈረ 15-19-32 |
ዲያቆን |
|
| 2ጴጥ 3፡10-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 26፡1-11 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ሉቃ 12፡32-48 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ ሠርዐ ሰንበተ ለስብእ ዕረፍተ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ