S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዜጽድቕ ሕድገት- ቊ.18 (16 ሕዳር 2025 ፈ | ሕዳር 7, 2018 ግዕዝ)

 "እምበኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እዚ ዚንገረኩም ዘሎ መልእኽቲ፡ "ሕድገት ሓጢኣት ብኢየሱስ’ዩ" ዚብል ከም ዝዀነ ፍለጡ። እቲ ብሕጊ ሙሴ ኺጸድቕ ዘይተኻእሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ብኢየሱስ ዚኣምን ዘበለ ይጸድቕ።" ግብ 13፡38,39 ካ.ት

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዘመነ ኣስተምህሮ ቐዳማይ ሰንበት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 6 ኽሳዕ ታሕሳስ 6 ዘሎ ቕንያት "ዘመነ ኣስተምህሮ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ዘመን’ዚ ርእሱ ዝኸኣለ ዓብዪ ዘመን’ዩ። ዚጅምረሉ ዕለት ቀዋሚ’ኳ እንተ ዀነ፡ ዚውድኣሉ ዕለት ግን፡ ይለዋወጥ’ዩ። እዚ ድማ፡ ብምንዋሕን ምሕጻርን ናይ’ቲ ምስ’ዚ ዘመን’ዚ ቐጥታዊ ርክብ ዘለዎ ዘመነ ስብከት ዚውሰን’ዩ። ዘመነ ስብከት ካብ ታሕሳስ 7 ኽሳዕ ታሕሳስ 13 ዚዝርጋሕ ናይ ሾብዓተ መዓልታት ዘመን’ዩ። በብዓመቱ ድማ፡ ንውሓት ዘመኑ ይለዋወጥ’ዩ። ካብ ሾብዓተ መዓልታት ብዝሓጸረ መጠን፡ እቲ ዝተረፈ መዓልታት ብዘመነ ኣስተምህሮ’ዩ ዚትካእ። ዘመነ ኣስተምህሮን ዘመነ ስብከትን ናይ ሓደ ዓመተ - ግእዝ ክንደይ ምዃኑ ዚውሰን ድማ፡ ብበዓለ ኤልያስ (ታሕሳስ 1) ከምኡ’ውን ታሕሳስ 13 ብዚውዕለሉ መዓልቲ’ዩ። ነቲ ዝርዝር መግለጺ በዚ ዚስዕብ ሰሌዳ ብቐሊሉ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ብመሰረት’ዚ ሰሌዳ’ዚ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዘመነ ኣስተምህሮ ካብ ሕዳር 6 ኽሳዕ ታሕሳስ’ዩ።

ተ.ቁ

በዓል ኤልያስ

ታሕ.1

ታሕ.13

ዘመነ ስብከት

መዓልቲ

ዕለት

ዘመነ ኣስተምህሮ

1.

ሰሉስ

ሰንበት

ሰንበት

ታሕ. 13

ሕዳ.6-ታሕ.12

2.

ረቡዕ

ሰኑይ

ሰንበት-ሰኑይ

ታሕ. 12-13

ሕዳ.6-ታሕ.11

3.

ሓሙስ 

ሰሉስ

ሰንበት - ሰሉስ

ታሕ. 11-13

ሕዳ.6-ታሕ.10

4.

ዓርቢ

ረቡዕ

ሰንበት - ረቡዕ

ታሕ. 10-13

ሕዳ.6-ታሕ.9

5.

ዓርቢ 

ሓሙስ

ሰንበት - ሓሙስ

ታሕ. 9-13

ሕዳ.6-ታሕ.8

6.

ሰንበት

ዓርቢ

ሰንበት - ዓርቢ

ታሕ. 8-13

ሕዳ.6-ታሕ.7

7.

ሰኑይ

ቀዳም

ሰንበት - ቀዳም

ታሕ. 7-13

ሕዳ.6-ታሕ.6

 

"ዘመነ ኣስተምህሮ፡ ዚበዝሕ ኻብ’ቲ መዓልታቱ፡ ካብ 22 ኽሳዕ 28 መዓልታት ዚኣክል፡ ምስ ዘመነ ነብያት (ጾመ ነብያት) ዝተደራረበ’ዩ። ስፍሕ ዝበለ ምድርራብ ደኣ ይሃልዎ’ምበር፡ ንሓድሕዱ ኺወሓሓጥ ግን፡ ኣይግባእን’ዩ። እቲ ሓደ ዘመን በቲ ኻልእ ዘመን ከይተዓብለለ፡ ንኽልቲኡ እቲ ዘዚግብኦ ኣቓልቦን ሸፈነን ኪውሃቦ ይግባእ።

ኣስተምህሮ፡ ብእግዚአብሔር ልዑል ኣድህቦን ክብርን ዚውሃቦ ኣገልግሎት’ዩ። ምኽንያቱ መምህርነት ወይ ምስትምሃር፡ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይን ግብርን’ዩ (ኢሳ 54፡13፣ዮሃ 6፡45፣ዮሃ 14፡26፣ነህ 9፡20)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓብዩ ድማ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዝተራእየ ዝዓበየን ዝሓየለን መምህር’ዩ። ስለ’ዚ ድማ፡ ኵሉ ሰብ "መምህር" እናበለ ይጽውዖ ነበረ (ማቴ 23፡8፣ማቴ 26፡25,49 ፣ ማር 9፡5 ፣ 10፡51 ፣ ዮሃ 1፡38,49 ፣ 3፡2,26፣13፡13-15፣20፡16)። ቅዱሳት ወንጌላት ከኣ፡ ይምህርን ይሰብኽን ከም ዝነበረ ብተደጋጋሚ መስኪሮምሉ’ዮም (ማቴ 4፡23 ፣ 9፡35 ፣ 13፡54 ፣ ማር 1፡21 ፣ ሉቃ 4፡15 ፣ ዮሃ 6፡59 ፣ 18፡20)። ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ፡ ኣሰር ጐይታኦም ስዒቦም፡ ንህዝቦም ኣብ ምስትምሃር ይተግሁ ነበሩ (ግብ 5፡42 ፣ 9፡27,28 ፣ 18፡11,25 ፣ 20፡20,21,26,17 ፣ 28፡31 ፣ ቈሎ 1፡28)። ናይ ቅዱሳን ነብያትን ካህናትን ኣገልግሎት’ውን፡ ምስትምሃር’ዩ ዝነበረ (ዘጸ 18:20 ፣ ዘሌ 10:11 ፣ ዘዳ 4:5,9 ፣ 5:1 ፣ 6:1,7 ፣ 11:19 ፣ 31:19 ፣ 1ሳሙ 12:23 ፣ 2ነገ 17:27)። ናይ’ዛ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዘላ ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎት’ውን ካብ ናይ ጐይታኣን መርዓዊኣን ክርስቶስ፡ ከምኡ’ውን ካብ ናይ’ቶም ዝሰረትዋን ዝሃነጽዋን ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትን ዝተፈልየ ኪኸውን ስለ ዘይግብኦ፡ ንኣስተምህሮ ቐዳማይን ርእሲ ዅሉን ኣገልግሎታ ኽትገብሮ’ዩ ዚግባእ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ኣገልግሎታ ኣብ ምፍጻም ክትዕወት ’ትኽእል፡ ኣስተምህሮ ኺረክብ ዚጸምእን ዚተግህን ህዝቢ ምስ ዚህልዋ ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ሓፋሽ ምእመን’ውን ግቡእ ግዲኡ ኺፍጽም፡ ብኣምላኽ ተሓታትነት ዜስዕብ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኺፈልጥ ይግባእ።

ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር "ኢተዘኪሮ" ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦ “ንኣበሳና ኣይዘከሮን ብሓጢኣትና ፈጺምና ኽንጠፍእ ኣይሓደገናን። እቲ ሕያዋይ እግዚአብሔር ነቶም ሕዝቢ ንሰንበት ብጽድቂ ኬኽብርዋ ብሙሴ ኣዘዞም። ኦ ጐይታኣ ንሰንበት ኣቦኣ ንምሕረት ዝዀንካ ኢየሱስ ነታ ኻባኻ ዝዀነት ሰናይትካ ፈጽመልና። ኦ ዕርድናን ኃይልናን ምሳና ኹን። ኦ ጐይታ ኣብ ጊዜ ጸበባና ረዳኢ ኹነና።

"ኣርዑተርይ ፈኲስ ጾረይ’ውን ቀሊል’ዩ፡ ኣቱም ጾር ዝኸበደኩም ናባይ ንዑ፡ ሕገይ ሓልዉ፡ ንሰናብተይ ኣኽብሩ" ይብል እግዚአብሔር። ክምሕሮ ንዝደለኹ እምሕሮ፡ ንዝደለኹ’ውን እሓድገሉ። ምሕረት ኣብ ኢደይ’ዩ ዘሎ።

"ሰማይ ዝፋነይ’ዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይዶ ኣይኰነን" ይብል እግዚአብሔር። ኣብኡ (ኣብ ኣምላኽ) ዓመጻ የልቦን። እግዚአብሔር ነቦና ኣዳም ምስ ፈጠሮ "ሰናብተይ ኣኽብር" በሎ። ሰንበትሲ ምእንቲ ሰብ’ያ ተፈጢራ። (እቲ) ብርሃንን ወሃብ ሰላምን (ዝዀነ ኣምላኽ) ኣብ ልዑላን’ዩ ዚሓድር፡ ኣብ ኣርያም ድማ፡ ይምስገን።” ዚብል’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ምስባክ ክልተ ኣማራጺ መዝሙራት’ውን፡ እግዚአብሔር ሓጢኣትና ኸይዝክር ዚምሕጸኑን ብዘይ ምዝካሩ ዜመስግኑን’ዮም። እቲ ናይ ማቴ 6፡1-15 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ "በደልና ሕደገልና" ዚብል ጸሎት ዘለዎን ሓጢኣት ንመን ከም ዚሕደገሉ ዜስተምህርን’ዩ። ናይ ሮሜ 5፡10-21 ንባብና ኸኣ፡ እግዚአብሔር ብኸመይ ብክርስቶስ ገይሩ ንሓጢኣትና ኣርሒቑ ጽድቁ ኸም ዜልብሰናን ከም ዜውርሰናን ዜስተምህረና’ዩ። እቲ ናይ 1ዮሃ 5፡13-21 ንባብና’ውን፡ ብዛዕባ ናብ ሞት ዘየብጽሕ (ስርየት ዚረክብ) ሓጢኣትን፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ (ስርየት ዘይብሉ) ሓጢኣትን ዚገልጽ’ዩ። እቲ ናይ ግብ 13፡38-43 ንባብ ከኣ፡ ሕድገት ሓጢኣት ብክርስቶስ ጥራሕ ከም ዚርከብ ዚገልጽ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያዊ ቓል ኣስፊሩልና ኣሎ። ስለ’ዚ ኻብ’ዚ ዅሉ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ እዚ ቐዳማይ ንኡስ ዘመን ናይ ዘመነ ኣስተምህሮ (ሕዳር 6 - ሕዳር 12) ንንስሓን ስርየት ኣበሳን ኣመልኪቱ ዝተሰርዐ "ዘመነ ስርየት" ምዃኑ ኽንግንዘብ ይግባእ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ዚ ናይ ግብ 13፡38-43 ዝተወስደ’ዩ። 

ቅዱስ ጳውሎስ፡ በዚ መሪሕ ጥቕስና ጌርናዮ ዘለና ቓሉ ኼመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ እንታይ’ዩ፧ ጽድቅን ሕድገት ሓጢኣትን ብኸመይ’ዩ ዚዛመድ፧ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ መልእኽቱ’ዚ ነቶም ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጵሲድያ (ቱርኪ) ዝነበሩ ኣይሁድ ኣብ ቤት ጸሎቶም ዝተዛረቦ’ዩ። ኵላትና ኸም ’ንፈልጦ ኸኣ፡ ሃይማኖት ኣይሁድ በቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝሃቦም ሕጊ ኦሪት ዚምራሕ’ዩ። እዚ ሕጊ’ዚ ይትረፍ ብዘይ ተረፍ ተኣዚዝካ ኽትጸድቀሉ፡ ነዛ ሓንሳእ ብንባብ ሕልፍ ክትብሎ’ኳ ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ቕዱስ ጴጥሮስ ኣብ’ቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተኻየደ ቀዳማይ ጉባኤ ሃዋርያት ብንጹር ተኣሚኑሉ’ዩ።

"እምበኣርስኸ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጾሮ ዘይክኣለና ኣርዑት (ወይ ሕጊ ኦሪት) ኣብ ክሳድ ደቀ መዝሙር ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ ’ትፍትንዎ፡ ንሕና (ኣይሁድ) ከምኣቶም (ከም ኣህዛብ) ደኣ ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ከም ’ንድሕን ንኣምን ኣለና።" ግብ 15፡10,11

ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ሕጊ ኦሪት ሰብ ኪጾሮ (ኪትግብሮ) ዘይክእል ሕጊ ምዃኑ ኣብ ምግላጽ ጥራሕ ኣይተደረተን። "ሕጊ ኦሪት ብምፍጻም’ዩ ዚጽደቕ" ኢልካ ምምሃርን፡ "ሕጊ ብምፍጻም ብግብረይ’የ ዝጸድቕ" ኢልካ ምእማንን፡ ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ምፍታን ምዃኑ ኣግሂድዎ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ባዕሉ ብሕጊ ሙሴ ኽንጸድቕ ከም ዘይንኽእል ፈሊጡ፡ ብእኡ ምእንቲ ኼጽድቐና፡ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ኪዀነና ኢሉ ኣሕሊፉ ሂቡና’ዩ። ነዚ ንድሕነትና ኺብል ብእግዚኣብሄር ኣቦን በቲ ቕዱስ ወዱን ዝተኸፍለ መሪርን ከቢድን ዋጋ ንዒቕካ፡ "ኣይፋለይን፡ ሕጊ ኦሪት ብምፍጻም’ምበር፡ በዚ መስዋእቲ’ዚ ኽድሕን ኣይደልን’የ፡"፡ ምባል፡ ንኣምላኽ ምፍታን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካልእ ዝኸበደ ቓል ኪርከበቡሉ ዚግባእ ኣበሳ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን እዚ ሕጊ ኦሪት’ዚ ብሰሪ ሓጢኣት ዝተወሰኸ ቐጻዒ ሕጊ’ምበር፡ ንኼጽድቕ ከም ዘይተዋህበ ገሊጹ ኣሎ።

"ሕጊ ደኣ ንምንታይ መጸ፡ እቲ ተስፋ ዝተዋህቦ ዘርኢ (ማለት ኢየሱስ) ክሳዕ ዚመጽእ፡ ሓጢኣት እንታይ ከም ዝዀነ ኺገልጽ ዝተወሰኸ’ዩ። . . . እምበኣር ሕጊ፡ ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበ ተስፋዶ መጻርርቱ’ዩ፧ ያእ ኣይፋሉን፡ ህያው ኪገብር ዚኽእል ሕጊ ተዋሂቡ ነይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ብርግጽ ጽድቂ ብሕጊ ምዀነ ነይሩ፡ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዚርከብ (ናይ ጽድቂ) ተስፋ፡ ነቶም ዚኣምኑ ጥራይ ምእንቲ ኺውሃብ፡ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ኵሉ ዓለም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሓጢኣት ከም ዝዀነ (ብሕጊ ገይሩ) ገለጸ። እዛ እምነት’ዚኣ ቕድሚ ምምጻኣ፡ ንሳ ኽሳዕ ’ትገሃድ እናተጸበና፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተዓጺና ንሕለው ነበርና።" ገላ 3፡19,21-23 ካ.ት

ኣቐዲሙ’ውን እግዚኣብሄር ብኣፍ ነብዪ ህዝቅኤል ባርያኡ ገይሩ፡ "ምስናይ’ዚ ኣነ’ውን ጽቡቕ ዘይኰነ ትእዛዛት፡ ብህይወት ኪነብሩሉ (ወይ ኪጸድቁሉ) ዘይክኣሎም ፍርድታት (ትእዛዛት) ሃብክዎም።" ብምባል ገሊጹ’ዩ (ህዝ 20፡25 ፣ 2ተሰ 2፡11,12)። ኣይሁድ ብፍሉይ፡ ኵሉ ሰብ’ውን ብሓፈሻ፡ ትእዛዛት ናይ ምሕላው ፍቓድን ዓቕምን ዘይብሉ ኽነሱ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝቐረበሉ ዝቐለለ ፍታሕ ገዲፉን ንዒቑን፡ ነቲ ኺጾሮ ዘይክኣሎ ሕጊ’ዩ ዚመርጽ (ሆሴ 5፡11 ፣ ኣሞ 4፡5)። ናይ’ዚ ድርኺት’ዚ ጠንቂ ድማ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ሓጥእ ባህርይ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ሕግን ሓጢኣትን ከም ተመላላእትን መዓይይትን ኰይኖም’ዮም ዚሰርሑ።

"ኣሕዋተየ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈርይ፡ ንኻልእ፡ (ማለት) ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንአ (ክርስቶስ) ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብ’ቲ ሕጊ ሞትኩም። ኣብ ንብረት ስጋ ኸለና፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ ብሕጊ ተነቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይይ ነበረ። ሕጂ ግና ብኣረጊት ናይ ጽሑፍ ሕጊ ኣነባብራ ዘይኰነስ፡ ብሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት ከነገልግል፡ ካብ’ቲ ኣሲሩና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና፡ እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት’ዩ፡ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊ "ዘይገንዘብካ ኣይትተምነይ" እንተ ዘይብል፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ፡ ሓጢኣት፡ ብዘይ ሕጊ ምዉት’ዩ፡ ሓጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ (ከም ምኽንያት እናተጠቕመ)፡ (ኵሉ) ኽፉእ ትምኒት ኣለዓዓለለይ። ቀደም (ሕጊ ኸይተዋህበ ኸሎ) ኣነ ህያው ነበርኩ፡ ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። እቲ ህይወት ኬምጽእ ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ንኣይ ሞት ኰነኒ። (ምኽንያቱ) ሓጢኣት ምኽንያት ረኸቡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ፡ ብእኡ’ውን ቀተለኒ። . . . ሓጢኣት፡ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኺግለጽ፡ በቲ ሰናይ (ሕጊ) ገይሩ ሞት ኣምጽኣለይ፡ በዚ (ተግባሩ’ዚ) ኸኣ፡ እቲ ሓጢኣት፡ ብምኽንያት’ቲ ትእዛዝ ፍጹም ሓጢኣት ከም ዝዀነ ምእንቲ ኺግለጽ’ዩ።" ሮሜ 7፡4-13 ካ.ት

ስለ’ዚ ሕጊ፡ መንነት ናይ ሓጢኣት ኪገልጽ’ምበር፡ ኬጽድቕ ዝተዋህበ ስለ ዘይኰነ፡ ዘይተዋህቦ ነገር ኪገብረልና ኽንጽበዮ ኣይግባእን’ዩ። ሕጊ ኼጽድቕ ዚኽእል ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ እቶም ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ዅሎም ቅዱሳን፡ ድሕሪ ሞቶም ክርስቶስ መጺኡ ሓራ ኽሳዕ ዜውጽኦም፡ ኣብ ሲኦል ኣይምተሳቐዩን ነይሮም።

ሕጊ ኼጽድቐና ዘይክእል እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ክርስቶስከ ብኸመይ’ዩ ኼጽድቐና ዚኽእል፧ ሕጊ፡ ነቲ ሓቀኛ መልክዕን ሳዕቤንን ናይ ሓጢኣት ብምቕላዕ፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ኣድላይነት ከም ዜጕልሖ፡ ኣብ’ዚ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ጥቕሲ በሪሁልና ኣሎ (ብፍላይ ኣብ ጥ.13)። ሕሰምን ብዝሕን ናይ ሓጢኣቱ ዝተራእዮ ሰብ፡ ነዚ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ኸቢድ ዕንቅፋት፡ ብዘይ ረዳኢ ብዘይ መድሓኒ ኺሰግሮን ኪድሕንን ከም ዘይክእል ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ዚርኣዮ። ካብ’ዚ ቕብጸትን ጭንቀትን’ዚ ኼናግፎ ዚኽእል ተስፋ እንተ ዘይረኺቡ፡ ከም ይሁዳ መንፈሳውን ኣካላውን ርእሰ ቕትለት ናብ ምፍጻም’ዩ ዚድረኽ። እቲ ኣቐዲሙ ቕድሚ ምስራት ዓለም ነዚ ጸገምናን ጸበባናን’ዚ ዝተረድአ ኣምላኽ ድማ፡ ካብ’ታ ኣዳምን ሄዋንን ናብ ሓጢኣት ዝወደቑላ ዕለት ጀሚሩ፡ ዘይጥለም ናይ ድሕነትን ጽድቅን ተስፋታት ይህብ ነበረ (8ዘፍ3፡15፣፣12፡3፣ 49፡10፣ዘዳ 18፡15፣ኢሳ 7፡14፣25፡8፣ ኢሳ 53፡2፣61፡1 ፣ ኤር 23፡5፣ ሚል 3፡1)።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኬድሕነና ዝኸኣለ፡ በጃና ብምዃን ምእንታና ብሙማት’ዩ። ኢየሱስ፡ ስግው መለኮት (ስጋ ዝለበሰ መለኮት)’ዩ። ስለ’ዚ ኽብሪ ሞቱ፡ ማዕረ ኽብሪ ኣምላኽነቱ’ዩ። ካብ ኣዳም ካብ’ቲ ቐዳማይ ሰብ ጀሚሩ ኽሳዕ’ቲ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚውለድ ናይ መወዳእታ ሰብ፡ ናይ ኵላትና ዘለኣለማዊ ሞት ተደሚሩ፡ ይትረፍ ክንዲ’ተን ኢየሱስ ዝሞተለን ሰለስተ መዓልታት ኪኸውንሲ፡ ክንዲ ሓንቲ ነጥቢ ማይ ካብ ውቅያኖስ’ኳ ኣይከውንን’ዩ። ክብሪ ንሕያውነቱ ይኹን፡ ኢየሱስ ንኣና ንኼድሕን ልዕሊ ዚግባእ ዋጋ’ዩ ኸፊሉ። ኢየሱስ ካብ ሓጢኣትን ዓስቡን ንኼድሕነካ ኸም ዝሞተ፡ ስለ’ዚ ኸኣ ካብ ዓስቢ ሓጢኣት፡ ካብ ዘለኣለማዊ ሞት፡ ብክርስቶስ ሓራ ኸም ዝወጻእካ ምእማን፡ እታ ’ንድሕነላ እንኮ ምስጢርን መዋጽኦን’ያ። እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ንመስዋእቲ ቕዱስ ወዱ ብኽብሪ ተቐቢሉ፡ ነቶም ዚኣምኑ ዅሎም ሕድገት ሓጢኣት ከም ዝሃበ ምስ ’ንኣምን፡ እቲ ክርስቶስ ዝሞቶ ሞት፡ ዋጋ ናይ ሓጢኣትና ይዀነልና ማለት’ዩ። ድሕነት ሰብ፡ ብሕድገት ሓጢኣት ጥራሕ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ ድማ፡ ሕድገት ሓጢኣት ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ። ጽድቅናን ድሕነትናን ኣብ’ቲ ብክርስቶስ ዚርከብ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚምርኰስ ብዕምቈት ንኽንርዳእ ነዞም ዚስዕቡ ጥቕስታት ብትዕግስትን ብምስትውዓልን ነንብቦም።

"እዚ (ወይኒ’ዚ) ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ’ዩ፡ ካብ’ዚ ዅልኹም ስተዩ።" ማቴ 26፡28

"ኣታ ህጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዱ ኸተቕንዕ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ፡ . . . " ሉቃ 1፡76,77

"ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ ጽሑፍ’ዩ።" ሉቃ 24፡47

"እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን . . .  ’ዩ ዝተዋህበ’ሞ ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ . . . ።" ግብ 2፡38,39

"እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም . . . ነቲ ቕደም ንኣኻትኩም ዝተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።" ግብ 3፡19-20

"ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ፡ ኣምላኽ (ንክርስቶስ) ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ።" ግብ 5፡3

"ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረክብ፡ ኵሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለው።" ግብ 10፡43

". . . ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ’ሞ፡ በደሎም ኣይሓዘሎምን፡ . . . " 2ቈረ 5፡19

"ብእኡ ብደሙ፡ ምድሓን፡ ማለት ከም’ቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና።" ኤፌ 1፡7 (ቈሎ 1፡14)።

"ከም’ቲ ሕጊ (ዚብሎ)፡ ኵሉ (ሓጢኣት) ብደም’ዩ ዚጸርይ። ብዘይ ምፍሳስ ደም’ውን ይቕሬታ (ሕድገት ሓጢኣት) ኣይከውንን’ዩ።  . . . ኣብ’ቲ ሕድገት ሓጢኣት ዘለዎ ድማ፡ ምእንቲ ሓጢኣት ዚቐርብ (ካልእ) መስዋእቲ ኣየድልን’ዩ።" እብ 9፡22 ፣ 10፡18

እዚ ዅሉ ጥቕስታት ዚድርደረልና ዘሎ፡ ድሕነትናን ጽድቅናን ኣብ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚምርኰስ፡ ብዕምቈት ምእንቲ ኽንርዳእ’ዩ።

ቅዱሳን ሃዋርያት "ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ ብክርስቶስ ኢና ’ንጸድቕ" ኪብሉ ኸለው እንታይ ማለቶም’ዩ፧ ኤፌ 2፡5,8 ፣ ገላ 2፡16 ፣ ግብ 15፡11 ፣ ሮሜ 3፡24 ነዚ ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት መልእኽቲ ንኽንርዳእ፡ ቅድም "ጸጋ" ከምኡ’ውን "ጽድቂ" እንታይ ማለት ምዃኑ ኽንፈልጦ ይግባእ። "ጸጋ" ዚብሃል፡ ፍሉይ መንፈሳዊ ነገር ወይ ንብረት የለን። ጸጋ፡ ተገቢኡና ወይ ብናትና ኣበርክቶ ዘይንረኽቦ፡ እግዚኣብሄር ግን ብገዛእ ፍቓዱ ተደሪኹ ዚህበና ወይ ዚገብረልና ዅሉ ነገር’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እግዚኣብሄር ንሰብ ዚገብረሉን ዚህቦን ኵሉ፡ ጸጋ’ዩ። ሓይሊ፡ ጥዕና፡ ኣሳልጦ፡ ሃብቲ ወዘተ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልናዮ ምስ ዚኸውን፡ ጸጋ’ዩ። ምሕረት ወይ ሕድገት ሓጢኣት’ውን ናይ ኣምላኽ ጸጋ’ዩ። ንሕና ሕድገት ሓጢኣት ክንረክብ ዚግብኣና ሰባት ኣይኰንናን። ሕድገት ሓጢኣት ንኺህበና ዜድልይ ኵሉ ዋጋ፡ እግዚኣብሄር’ዩ ኸፊልዎ’ምበር፡ ንሕና ዘበርከትናዮ ነገር የለን። ሰናይን ሕያዋይን ኣምላኽ፡ ሞትናን ጥፍኣትናን ኪርእይ ዘይደልይ፡ ኣዝዩ ዜፍቅረናን ዚድንግጸልናን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ግን፡ ብሞትን ደምን ናይ ቅዱስ ወዱ ኻብ ጥፍኣት ኪብጀወና ፈቐደ። ስለ’ዚ ክርስቶስ ሰብ ኰይኑ ምውላዱ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ሙማቱ፡ ብሞቱ ድማ ሕድገት ሓጢኣት ምርካብና፡ እዚ ዅሉ ንኣና ጸጋ’ዩ። ስለ’ዚ "ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም ኪብሃል ከሎ፡ ነዚ ዝበልናዮ ዅሉ ዜጠቓልል’ዩ። ናይ’ቲ ነዊሕን ሰፊሕን መለኮታዊ መስርሕ፡ ብሓጺር ቃል ጥቕልል ኣቢልና ’ንገልጸሉ ኣበሃህላ’ዩ።

"ጻድቕ፡ ጸደቐ" ኺብሃል ከሎ ድማ፡ "ሓጢኣት ዘይብሉ ወይ ካብ ሓጢኣት ሓራ ዀነ" ማለት’ዩ። ነዚ ምጽዳቕ’ዚ ንሕና "ሓጢኣት ብዘይምግባር" ጥራሕ ክንበጽሖ ኣይክኣልን’ዩ። "ሓጢኣት የብልናን" ምባል ንኣና ንርእስና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ጻድቕ ኣምላኽ ከይተረፈ ሓሳዊ ናይ ምግባር ሰይጣናዊ ሃቐና ኸም ዝዀነ ብኣጽንዖትን ብተደጋጋምን ተገሊጹልና’ዩ (1ዮሃ1፡8፣ያእ 3፡2፣ሮሜ 3፡9-19፣ኤር 2፡35፣ምሳ 20፡9፣መክ 7፡20፣1ነገ 8፡46)። ስለ’ዚ ሰብ ኪጸድቀላ ዚኽእል እንኮ ተኽእሎ፡ እግዚኣብሄር ብሕድገት-ሓጢኣት ንሓጢኣቱ እንተ ኣርሒቑሉ ጥራሕ’ዩ። እዚ ኸኣ ብመስዋእትን ደምን ናይ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ ዚርከብ (11ሮሜ 3፡24,25፣ገላ 2፡16፣ ኤፌ 2፡5-8፣ዮሃ 1፡14,16,17፣ሮሜ 4፡16፣5፡2፣6፡14፣11፡5፣2ቈረ 12፡9፣ኤፌ 4፡7፣ቲቶ 2፡11፣እብ 4፡16)። በቲ ብክርስቶስ ’ንረኽቦ ሕድገት ሓጢኣት ጥራሕ ስለ ’ንጸድቕ’ዮም ቅዱሳን ሃዋርያት "ድሕነትን ጽድቅን ሳላ ምሕረት ኣምላኽ ’ንረኽቦ ጸጋ’ምበር፡ ባዕላትና ኸነምጽኦን ክንረኽቦን ከም ዘይንኽእል ንኼብርሁልና’ዮም፡ ብክርስቶስ ከም ’ንጸድቕ ደጋጊሞም ዝገለጹልና።

ኣይሁዳውያን እዛ ሓቂ’ዚኣ ስለ ዘይበርሃትሎም፡ ምስ’ቲ ኼድሕኖም ዝመጸ ጐይታ ብህልኽ ገጠሙ። ዋላ’ቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ናብ ቤተ ክርስትያን ዝተጸንበሩ’ውን፡ እዚ ዘዕበዮም ኣተሓሳስባ’ዚ በጨቕ እናበለ የሸግሮምን፡ ንቤተ ክርስትያን የሸግሩን ነበሩ። ነቲ ክርስቶስ ብሕድገት ሓጢኣት ዚህቦም ናይ ኣምላኽ ጽድቂ ንዒቖም፡ ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ፡ ንጽድቂ ሰሪሖም ኬጥርይዎ ኺጋደሉ መረጹ (ሮሜ 9፡30-33 ፣ 10፡3,4)። ሕራይ ሕጅስ ፈጺሞም ኣይሕጥኡ ንበል። ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዝፈጸምዎ ሓጢኣትከ ብኸመይ’ዮም ኬርሕቕዎ፧ ዋጋ ናይ ሓጢኣቶምከ መን’ዩ ኪኸፍለሎም፧ እዚ ድርቅና’ዚ፡ ብርሃን ወንጌል ዘይበርሃሉ ልቢ ዚወልዶ፡ ሰይጣናዊ ባህርይ’ዩ።

ጽድቅን ድሕነትን ብሕድገት ሓጢኣት እንተ ዀይኑ፡ ግብሪ ጽድቂ ናይ ምግባር ኣገዳስነት ደኣ እንታይ’ዩ ኪኸውን፧ ሓጢኣት፡ ኣብ ትሕቲ ባርነትን ማእሰርትን ናይ ሓጢኣት ናይ ዘለዉ ሰባት ተግባር’ዩ ( ሮሜ 6፡15-18,20,22-23)። ካብ ሓጢኣት ሓራ ዝወጸ ሰብ ጥራሕ’ዩ፡ ጽድቂ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዚህልዎ። ካብ ሓጢኣት ሓራ ዚውጻእ ድማ፡ ብሕድገት ሓጢኣት’ዩ። ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ ብጸጋ ንዚነብር ሰብ፡ ሓጢኣት ኣይመልኮን’ዩ (ሮሜ 6፡12-14)። ብምኽንያት ድኻም ስጋኡ ናብ ሓጢኣት እንተ ወደቐ ድማ፡ ነታ ናይ ጸጋ ፍታሕ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚፈልጣ፡ ብቕኑዕን ሓቀኛን ንስሓ ይሓውይ። ወዲ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ዝዓበየ ግብሪ ጽድቂ፡ ንስሓ’ዩ። ኣምላኽ ኪገብረልና ዚኽእል ዝዓበየ ጸጋ ድማ፡ ሕድገት ሓጢኣት’ዩ። ምስጢረ ንስሓ፡ እቲ ዝለዓለ ናይ ድሕነትን ናይ ህይወትን ናይ ጽድቅን ምስጢር’ዩ። ንስሓ ማለት፡ ብደም ክርስቶስ ተሓጺብካ፡ ካብ’ቲ ዝጠበቐካ ሓጢኣት ምንጻህ ማለት’ዩ። ነቲ ግብዝ ፈሪሳውን ነቲ ምስኪን ተጋውን ዓብይ ፍልልይ ዘምጽኣትሎም፡ ንስሓ’ያ (ሉቃ18፡9-14)። ሳላ’ታ ዝኣተዋ ሓቀኛ ንስሓ፡ እቲ ተጋዊ ሓለፋ’ቲ ፈሪሳዊ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝተመልሰ፡ ጐይታና መስኪሩ’ዩ (ጥ.14)። ሕድገት ሓጢኣት፡ ካብ ማእሰርትና ፈቲሑ ግብሪ ጽድቂ ንምዝውታር ይሕግዘና’ምበር፡ ሓጢኣት ናይ ምግባር ነጻነት ከም ዚስምዓና ዚገብር ኣይኰነን። ንሕድገት ሓጢኣት፡ "ጸጋ" ዚገብሮ ድማ እዚ ባህርዩ’ዚ’ዩ።

እምበኣር ብሕድገት ሓጢኣት ካብ ሓጢኣትና ነጺህና ናብ ጽድቂ ክርስቶስ ንኣትውን ንጸድቕን ካብ ኰንና፡ ነዚ ጸጋ’ዚ ከይንንዕቖን ከይነባኽኖን ንጠንቀቕ። ነዚ ጸጋ’ዚ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ድማ፡ ሓቀኛ ንስሓ ብምዝውታር’ዩ። ብክርስቶስ ጻድቃን ’ንኸውን፡ ብናትና ንስሓን ብናይ ኣምላኽ ሕድገትን ምዃኑ ወርትግ ንዘክር። ንውዲት ሰይጣን ’ነፍሽለሉ፡ ንምኽሪ ኣምላኽ ’ነኽብረሉን ’ነስምረሉን ምስጢር፡ እዚ ዜጽድቕ ሕድገት’ዩ!! 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 

16 ሕዳር 2025 | ሕዳር 7, 2018 ግዕዝ (7ይ ሰንበት: ቊ.7)

ምስባክ

መዝ: ፸፰(፸፱)፡፰ "ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ።"

ዓዲ፡ መዝ.፻፪(፻፫)፡፱-፲ "ኢይቀስፍ ወትረ ወኢይትመዓዕ ዘልፈ።አኮ በከመ ኃጢአትነ ዘገብረ ለነ።ወኢፈደየነ በከመ አበሳነ።"

ንባባት

ኣንባቢ

ቈሎ 1፡1-11

ዲያቆን

ያእ 1፡1-12

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 28፡7-17

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 12፡22-34

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ መዝሙር፦ ኢተዘኪሮ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div