S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፡ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ጽድቁ ገለጸ። ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፡ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽ ረኣየ።" መዝ98፡2,3

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ጥሪ 26 ክሳዕ ለካቲት 2 ዘሎ ንኡስ ዘመን "ዘመነ ህይወት" ይብሃል። ኣብ’ዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ከኣ፡  "ተወልደ ኢየሱስ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦“ኢየሱስ ኣብ ቤት ልሄም ናይ ይሁዳ ተወልደ። ኢየሱስ ብመለኮታዊ ተድላ ተወልደ። ብልደቱ ምእንቲ ኽንሕጐስ፡ ብኣስተርእዮኡ’ውን ባህ ምእንቲ ኺብለና፡ ተወልደ፡ ተወልደ፡ ተወልደ፡ ተጠምቀ። ንክርስቶስ ካብ ድንግል ምውላዱ ከም’ዚ ዝበለ’ዩ።

ብፍስሃን ሰላምን ሰንበት ሰርዐ። ኣብ ዮርዳኖስ ከኣ፡ ንህይወት ተጠምቀ።” ዚብል’ዩ። እዚ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ መዝሙር’ዚ፡ እቲ ብጥምቀት ዝጀመረ ኣስተርእዮኡ ዝተፈጸመሉ ዕላማ "ንህይወት" ምዃኑ ኣብሪሁልና ኣሎ። እቲ ናይ መዝ 98፡2,3 ምስባክ ድማ፡ "ኣርኣየ እግዚአብሔር ኣድኅኖቶ (እግዚአብሔር ምድሓኑ ኣርኣየ)" ዚብል’ዩ። ኣድኀኖ (ምድሓን) ማለት ከኣ፡ ካብ ሞት ተናጊፍካስ ህይወት ምርካብ ማለት’ዩ። እቲ ናይ 1ጴጥ 1፡13-22 ንባብና፡ ነዚ ምድሓንን ህይወትን’ዚ ብኽቡር ደም ክርስቶስ’ምበር፡ ብሓላፊ ወርቅን ብሩርን ከም ዘይረኸብናዮ፡ ነዚ ህይወት’ዚ ኸኣ፡ ካብ ጠፋኢ (ካብ መዋቲ) ዘይኰነስ፡ በቲ ዘለኣለማውን ህያውን ቃል ኣምላኽ፡ ካብ ዘይጠፍእ (ካብ ዘይመውት) ዘርኢ ናይ ኣምላኽ፡ ንዘለኣለማዊ ህይወት ከም ብሓድሽ ከም ዝተወለድና ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ጴጥ 1፡18,19,22,23)። ጐይታና ብማይ ኰነ ብመከራን ብሞትን ዝተጠምቀ፡ ንሱ ንርእሱ ህይወት ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ ኣይኰነን (ሉቃ 12፡50፣ ማር 10፡38)። ምኽንያቱ ንሱ ናይ ህይወት ፈጣርን ምንጭን’ምበር፡ ከማና ምስጢራት ብምፍጻም ህይወት ዚረክብ ኣይኰነን። ንሱ ንርእሱ "ናይ ዘለኣለም ህይወት"’ዩ (ዮሃ 1፡4፣5፡26፣11፡25፣14፡6፣ግብ 3፡15፣እብ 7፡16፣1ዮሃ 1፡1,2፣5፡20፣ራእ 1፡18)። ስለ’ዚ "ንህይወት ተጠምቀ" ኺብሃል ከሎ ምእንታና፡ ንሕና ብእኡ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ዝፈጸሞ ምዃኑ ኺርድኣና ይግባእ (ዮሃ 3፡15,16,36፣6፡40፣5፡40)። እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ "ዘመነ ህይወት" ዝተሰምየሉ ዕላማ፡ ብዛዕባ’ዚ ኻብኡን ብእኡን ዚርከብ ህይወት ምእንቲ ኽንምሃርን ከነስተንትንን፡ ነታ ብመሪር መከራን ሞትን ናይ ስቕለቱ ዝረኸብናያ ህይወት ብኸመይ ብግቡእ ክንነብራን ክንዕቅባን ከም ዚግብኣና ምእንቲ ኽንፈልጥ’ዩ። እግዚአብሔር ብምሕረቱን ብሕያውነቱን ተደሪኹ፡ ህይወት ሂቡና’ዩ። ንሕና ነዛ ህይወት’ዚኣ ምእንቲ ኽንረክብ፡ እግዚአብሔር ባዕሉ ደኣ መሪርን ከቢድን ዋጋ ኸፊሉ’ምበር፡ ብኣና ወገን ዝተኸፍለ ነገር የለን። ነዛ ኽብርቲ ህይወት’ዚኣ ፈቲኻ ክትቅበላን ክትነብራን ፍቓደኛ ዘይምዃን፡ ከቢድ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ዜስዕበሉ ምኽንያት ከኣ፡ ንሱ’ዩ። ካብ ልደቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ሞቱ ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ዝሃቦ ትምህርቲ፡ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ነዛ ህይወት’ዚኣ ምእንቲ ኼርእየናን ኪህበናን’ዩ። ትንሳኤኡን ዕርገቱን’ውን፡ ነዛ ህይወት’ዚኣ ምእንቲ ኽንረኽባ ዝተፈጸመ’ዩ። ብዓብዩ ኻልኣይ ምጽኣቱ ኸይተረፈ፡ ነታ ብእምነት ዝተቐበልና’ያ ብተስፋ’ውን ዝተጸበናያ ህይወት ብምልኣት ምእንቲ ኽንረኽባ ዚፍጽሞ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ኣገዳስነት ናይ’ዛ ህይወት’ዚኣን፡ እዛ ህይወት’ዚኣ ኸኣ ኣባና ኸም ዘላን ንኸነረጋግጽ ዝተሰርዓልና ኣገዳሲ ዘመን’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ቲ ናይ መዝሙረ ዳዊት ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ ዝዀነ መዝ98፡2,3 ዝተወስደ’ዩ።

እዚ ምስባክ’ዚ ኸም ኣርእስቲ ትምህርትና ዝተመርጸሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ምስ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ኣስተርእዮኸ ብኸመይ’ዩ ዚዛመድ፧ ኣብ መጀመርታ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ኣስተርእዮ ኸም ዝተገልጸልና፡ "ኣስተርእዮ" ማለት "ምግላጽ"ወይ "ግልጸት" (Revelation) ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ "ኣፍልጦ ወይ ፍልጠት" ምርካብ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ነርእስትና በቲ ተሃኒጹሉ ዘሎ ቓላት ምስ ‘ንመዝኖ፡ ናይ ኣስተርእዮ ኣርእስቲ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ኣስተርእዮኡ፡ ንኣና ንፍጡራቱ ኺገልጸልና (ኣስተርእዮ ኺህበና) ዝደለየ ኽልተ ኣገደስቲ ምስጢራት ድማ፡ ብዛዕባ ድሕነትን ጽድቅን’የን። ምሉእ ናይ ክርስትና ትምህርትን እምነትን፡ ኣብ’ዘን ክልተ ኣርእስቲ’ዩ ዚጠቓለል። ኵሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣትን ናብ ጽድቅን ኢና ‘ንድሕን። ሓደ ሰብ፡ "ድሕነት ረኺቡ" ዚብሃል፡ ካብ ሓጢኣት ኣምሊጡ ናብ ጽድቂ ምስ ዚበጽሕ’ዩ። እዚ ዅሉ ድማ ብክርስቶስ’ዩ ዚርከብ። በቲ ኽቡር መስዋእቱን ደሙን ዋጋ ሓጢኣትና ኸፊሉ ኻብ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዜድሕነና፡ ጐይታና’ዩ። ካብ ሓጢኣት ጥራሕ ምድሓን፡ ፍርቂ ድሕነት’ዩ። ነዛ ድሕነት’ዚኣ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ብሙማት ፈጺሙልና’ዩ። ኢየሱስ ሞይቱ ኸይተንስአ እንተ ዚተርፍ ግን፡ ካብ’ዛ ደረጃ ድሕነት’ዚኣ ኽንሓልፍ ኣይምኸኣልና ኔርና። ካብ ሓጢኣትና ኻብ ምድሓን ሓሊፍና፡ ናብ ጽድቂ ምእንቲ ኽንበጽሕ ግን፡ ምእንታና ተንስአ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ ምልእቲ ድሕነት’ዚኣ ብኸመይ ኸም ዝረኸብናያ ንኼብርሃልና፦

"(ኢየሱስ) ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ (ሞተ)፡ ስለ ጽድቅና’ውን ተንስአ።" ኢሉ ጸሓፈልና (ሮሜ4፡25)። ዋጋ ሓጢኣትና ድሕሪ ምኽፋሉ፡ "ባዕላትኩም ጽደቑ" ኢሉ እንተ ዚሓድገና፡ ናብ ጽድቂ ዚበጽሕ ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ ኣይምተረኽበናን ነይሩ። ንሱ ግን ንዓስቢ ሓጢኣትና ባዕሉ ወሲዱን ከፊሉን፡ ንኣና ግን ናቱ ጽድቂ ብምሃብ፡ ዘለኣለማዊ ድሕነት ኣጐናጸፈና። ሓደ ክርስትያን "ኣስተርእዮ ረኺቡ" ዚብሃል፡ እዚ ምስጢር ድሕነት’ዚ ብምልኣት ምስ ዚግለጸሉን ምስ ዚርድኦን ምስ ዚቕበሎን’ዩ። ነዚ ምስጢር’ዚ ቕዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ።

"እምበኣር ከም’ቲ ብሓንቲ ሓጢኣት (ናይ ኣዳም) ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ (ናይ ክርስቶስ)፡ ንዅሉ ሰብ ህይወት እትህብ ጽድቂ መጸት። (ምኽንያቱ) እቶም ብዙሓት ብዘይ ምእዛዝ ናይ’ቲ ሓደ (ኣዳም) ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ ናይ’ቲ ሓደ (ክርስቶስ) ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ’ዮም።"ሮሜ 5፡18,19 ካ.ት

እግዚኣብሄር ብናትና ብናይ ገዛእ ርእስና ምእዛዝ ጥራሕ ክንድሕን ከም ዘይንኽእል ስለ ዝፈለጠ፡ ብናይ’ቲ ሓደ ወዱ ምእዛዝ ኬጽድቐና፡ ጽድቂ ወዱ ንኣና ኺህበናን ኬልብሰናን ብሕያውነቱ ፈቐደ። ቅዱሳን ሃዋርያት "ብግብርኹም ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም" ኪብሉ ዝደረኾም፡ እዚ ኣስተርእዮ’ዚ ስለ ዝረኸቡን፡ ናይ’ዚ ኣስተርእዮ’ዚ ኣገልገልቲ ስለ ዝዀኑን’ዩ። እዚ ምስባክናን መሪሕ ጥቕስናን ድማ ነዚ ምስጢር ድሕነት’ዚ ዚምልከት ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ። እቲ "ጽድቁ ገለጸ" ዚብል ቃል፡ "ንሱ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኣርኣየ" ማለት ኣይኰነን። ናቱ ጽድቂ ንህዝቡ ኸም ዝሃበ ዜመልክት’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝተነግረ ትንቢት ምዃኑ ዜረጋግጸልና፡ እቲ "ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽ ረኣየ" ዚብል ቃል’ዩ። ምድሓን ኣምላኽ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝበጽሐ ብክርስቶስ ጥራሕ’ዩ (ማቴ 28፡19,20 ፣ ማር16፡15 ፣ ግብ 1፡8 ፣ 13፡26,27 ፣ 15፡7)። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ምድሓን ኣምላኽ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ጥራሕ ዝተደረተ’ዩ ነበረ። እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝገበሮ ምድሓን ድማ፡ ናብ’ቶም ኣብ ከባቢ እስራኤል ዝነበሩ ኣህዛብዶ ዀን ብወረ በጺሑ ይኸውን’ምበር፡ ናብ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ኣይበጽሐን። እግዚኣብሄር ገዛእ ጽድቁ ብምሃብ ከም ዜጽድቐና ገና ኻብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ብትንቢታዊ ቓላት ኣአንፊቱልና’ዩ። 

"ንሱስ በረኸት ካብ እግዚኣብሄር፡ ጽድቂ’ውን ካብ ናይ ምድሓኑ ኣምላኽ ኪቕበል’ዩ።" መዝ 24፡5

"ዘርኢ እስራኤል ኵሉ ብእግዚኣብሄር ኪጸድቕን ኪሕበንን’ዩ።" ኢሳ 45፡25

"ጽድቀይ አቕርብ ኣለኹ፡ ንሱ ርሑቕ ኣይኰነን፡ ምድሓነይ ከኣ ኣይድንጕን፡ ምድሓን ኣብ ጽዮን፡ ክብረይ’ውን ንእስራኤል ክህብ’የ።" ኢሳ 46፡13

"እቲ ዜጽድቐኒ ቐረባ’ዩ፡ መን’ዩ ዚማጐተኒ፧ ብሓደ ንቑም። መንከ’ዩ ተጻራርየይ፧ ይቕረበኒ። እንሆ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ፡ ዚዅንነኒ ደኣ መን’ዩ፧ ኢሳ 50፡8,9 (ሮሜ 8፡33,34)

". . . እዚ’ዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆም’ውን ካባይ’ዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።" ኢሳ 54፡17

እዚ ትንቢታዊ መልእኽታት’ዚ፡ ኣብ ምዱብ ጊዜኡ ብጐይታና ኢየሱስ ተፈጺሙ ኣሎ።

ነዚ ብክርስቶስ ዚውሃብ ምድሓንን ጽድቅን፡ ብኸመይ ኢና ኽንረኽቦን ክንቅበሎን ንኽእል፧ንኣና ኺህልወና ዚድለይ ዘሎ ጽድቂ ናይ ሰብ ጽድቂ ጥራሕ እንተ ዚኸውን፡ ግብሪ ጽድቂ ብምግባር ጥራሕ ክንረኽቦ ምኸኣልና ኔርና። ጽድቂ-ሰብ ግን፡ ናብ ዜብጽሓና የብሉን። ምኽንያቱ ጽድቂ ሰብ ንእግዚኣብሄር ኣይምስጦን ኣየዕግቦን’ዩ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብኣንጻሩ እግዚኣብሄር ንጽድቂ-ሰብ ይጽየፎ’ዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ጽድቂ ሰብ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር "ከም ጽዩቕ ጨርቂ፡ ከም ጨርቂ መርገም’ዩ።" እቲ ምኽንያት ድማ፡ ካብ ጽድቅና ንላዕሊ ሓጢኣትና ስለ ዚበዝሕ’ዩ። ልክዕ ከም እኽሊ ሓንፈጽ’ዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዝቐምሰለ’ሞ ብንፋስ ዚብቈጽ ቈጽሊ ኢና (ኢሳ 64፡6)። ነብዪ ኢሳይያስሲ ንእግዚኣብሄር ኣብ ናይ ክብሪ ዝፋኑ ምስ ኵሎም ሱራፌሉን ኪሩቤሉን ዝረኣየ ሕሩይ ነብዪ’ዩ። ንእግዚኣብሄር በዒንቱ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጐሊሑ ዝተራእዮ ነገር እንተ ነይሩ ግን፡ ርኽሰቱን ሓጢኣቱን ደኣ’ምበር ጽድቁ ኣይነበረን። ሽዑ፦

"ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ’የ፡ ኣብ ማእከል’ቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር ኣለኹ’ሞ ወይለይ!! ኣዒንተይ ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየን እየን’ሞ፡ ጠፋእኩ።"

ኢሉ ኣእወየ (ኢሳ 6፡5)። ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ’ቲ ጻድቕ ኣምላኽ ምስ ቈመ፡ ካብ ጽድቁ ንላዕሊ ሓጢኣቱ ዚበዝሕ ሰብ ምዃኑ ከም ስእሊ ዀይኑ ስለ ዝተራእዮ’ዩ። ሓደ ኻብ’ቶም ሱራፌል ቀልጢፉ እንተ ዘይረድኦ ኢዱ፡ እግሩ፡ ኣዒንቱ ወዘተ ኸይተረፈ ኵሉ ርኹስ ምዃኑ እናተኣመነ ኣውያቱ ምቐጸለ ነይሩ። ካብ’ቲ መሰውኢ ብዝወሰዶ ሓዊ ገይሩ ነቲ ሓጢኣት ኣቃጺሉ ኣበሳ ዘይብሉ ጻድቕ ሰብ ገበሮ። ጻድቕ ምዃን ማለት ሓጢኣት ዘይብልካ ንጹህ ሰብ ምዃን ስለ ዝዀነ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኣልቢሱ ጻድቕ ገበሮ። ስለ’ዚ በቲ ዝተዋህቦ ጽድቂ ኣምላኽ ትብዓት ስለ ዝረኸበ ድማ፡ "እኔኹ ልኣኸኒ" ኺብል በቕዐ (ኢሳ6፡6-8)።

ነብዪ ኢሳይያስ ጥራይ’ውን ኣይኰነን። ሊቀ ካህናት እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ’ውን፡ እግዚኣብሄር ዝተቐበሎን ዝሓረዮን ክቡር ናይ ኣምላኽ ሰብ ነበረ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናይ ምቛም ክብሪ ድማ ረኸበ። እቲ ብዘይካ ንሰብ ምጽራርን ምኽሳስን ካልእ ቍም ነገር ዘይብሉ ሰይጣን ድማ፡ ከም’ታ ንርእሱ ዝተደርበያ ኸሲሱ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬደርብዮ ኢሉ፡ ኣብ የማን እያሱ ቘመ። ምኽንያቱ እያሱ ረሳሕ (ጽዩቕ) ክዳውንቲ ተኸዲኑ ነበረ። እግዚኣብሄር ነቲ ተጻራሪ ሰይጣን ድሕሪ ምግናሑ ንእያሱ፡ ኸም "ካብ ሓዊ ዝተመንጠለ እያድ (ዕንጸይቲ)" ገይሩ ገለጾ። ካብ ሓዊ ዝተመንጠለ ዕንጸይቲ፡ ዚበዝሕ ክፋሉ ዝሓረረ፡ ብሓዊ ዝተበልዐ’ዩ። "ብኻ ሓሪሩ ተቓጺሉ" እትብሎ’ምበር፡ ንዝዀነ ኣቕሓ ወይ ስራሕ ‘ትምነዮ ኣይኰነን። ብእግዚኣብሄር ዝተኣዘዘ መልኣኽ ነቲ ረሳሕ ክዳውንቱ ኣልዒሉ ብሉጽ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ምስ ኣልበሶ ድማ፡ ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ "ኣበሳኻ" ኢሉ ሰመዮ። እቲ ዘልበሶ ብሉጽ ልብሲ ድማ "ጽድቂ እያሱ" ዘይኰነ "ጽድቂ ኣምላኽ’ዩ"። ናይ’ዞም ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣምላኽ ኪቘሙ ዝበቕዑ ቅዱሳን ሰባት ጽድቂ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ረሳሕ ክዳን እንተ ዀይኑ፡ ናትና ናይ’ዞም ኣብ ኵሉ ዘየለና ኽዳንከ ደኣ ኸመይ’ዩ ኪኸውን፧ ክብሪ ንምሕረቱን ንሕያውነቱን ደኣ ይኹን’ምበር፡ እግዚኣብሄር ንዅላትና ዚኸድን ጽድቂ ኣለዎ። ከም’ቲ ንነብዪ ኢሳይያስን ንሊቀ ካህናት እያሱን ጽድቁ ዘልበሶም፡ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመንና፡ ጽድቅና ንዒቕና ንጽድቂ ኣምላኽ ዘኽበርና ዅልና፡ ጽድቂ ኣምላኽ ክንለብስ፡ ብጽድቂ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ክንከውን ኢና።

ጽድቂ-ሰብ፡ ብግብሪ-ሰብ’ዩ ዚርከብ። ጽድቂ ኣምላኽ ግን ብእምነት ጥራሕ’ዩ ዚርከብ። "ወንጌል" ማለት፡ "ብስራት" ማለት’ዩ። ቅዱስ ወንጌል፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብእምነት ከም ‘ንረክብ ስለ ዝነገረና’ዩ "ብስራት" ዝተባህለ። ጽድቂ ኣምላኽ ብጻዕርና ጥራሕ ከም ‘ንረኽቦ እንተ ዚንገረና ግን፡ መርድእን መርገምን’ምበር፡ ፈጺሙ ብስራት ኣይምዀነን ነይሩ። ምኽንያቱ ብግብርናን ብጻዕርናን፡ ይትረፍ ንጽድቂ ኣምላኽ ነቲ ጽዩቕ ጽድቂ-ሰብ’ኳ ኽንበጽሖ ኣይከኣልናን። መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ብደም ክርስቶስ ተሓጺቡ ዝጻዕደወ ኽዳን ዝተኸድኑ ኣመንቲ ጥራሕ ዚኣትውዋ ኽብርቲ መንግስቲ’ያ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱሳን ሃዋርያት ብእምነት ብጸጋ ጥራሕ ከም ‘ንጸድቕ ደጋጊሞምን ብኣጽንዖትን ኣረጋጊጾምልና ኣለዉ (ግብ13፡39 ፣ ሮሜ4፡5,11 ፣ 5፡1,9፣ 8፡30,33 ፣ 9፡30 ፣ 10፡4 ፣ 1ቈረ6፡11 ፣ 2ቈረ5፡21 ፣ ገላ2፡16,21 ፣ 3፡6,11,24 ፣ 5፡4,5 ፣ ፊል3፡9 ፣ ቲቶ 3፡7 ፣ እብ 11፡7 ፣ ያእ 2፡23)።

"ሕጂ ግና ከም’ቲ ሕግን ነብያትን ዝመስከርዎ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብሕጊ ሙሴ ዘይኰነ ብኻልእ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። ኵሎም’ቶም ዚኣምኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚጸድቁ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን’ዩ። ኣብ’ዚ ሌላን ጉሌላን የልቦን። ምኽንያቱ ዅሎም ስለ ዝሓጥኡን ካብ ክብሪ ኣምላኽ ስለ ዝረሓቑን፡ በቲ ብኢየሱስ ዚርከብ ድሕነት (በጃነት) ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ . . . ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ዚገልጾ ዘሎ ኸኣ፡ ንሱ (ኣምላኽ) ጻድቕ ስለ ዝዀነ ነቲ ብኢየሱስ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ’ውን (ባዕሉ ኣምላኽ) ከም ዜጽድቖ ምእንቲ ኼርእይ’ዩ።" ሮሜ3፡21-26 ካ.ት

"(እስራኤላውያን) ነቲ ብኣምላኽ ዚመጽእ ጽድቂ ሰኣን ምፍላጦም፡ ጽድቂ ርእሶም ኬቝሙ (ኪተኽሉ) ብምድላዮም፡ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ምእንቲ ኺጸድቕ፡ ክርስቶስ መደምደምታ (ፈጻሚ) ሕጊ ሙሴ’ዩ።" ሮሜ10፡3,4 ካ.ት

እዚ ጥቕስታት’ዚ ካብ’ቲ ማእለያ ዘይብሉ ጥቕስታት፡ ወካሊ ምእንቲ ኪዀነልና’ዩ ተመሪጹልና’ምበር፡ ንዅሉ’ዚ ኣብ እግሪ ተዋሂቡና ዘሎ ጥቕስታት ኸነንብቦን ክንርድኦን ብግዲ የድልየና’ዩ። ምኽንያቱ ነዚ ምስጢር’ዚ ብዕምቈት እንተ ዘይተረዲእናዮን እንተ ዘይተቐቢልናዮን፡ ነቲ ዝበሃግናዮ ጽድቂ ኸይረኽብናዮ ጸሓይ ኪዓርበና፡ ዕድመና ምሉእ ምስ ጽድቂ ሕቘን ከብድን ኴንና ተፈላሊና ኽንነብር ኢና። ኣይሁድ ካብ’ታ ክርስቶስ ኣብ ማእከሎም ዝነበረላ ጊዜ ጀሚሮም ክሳዕ ሕጂ ስለ ዘይተቐበልዎ፡ ደቂ ጥፍኣት ኰይኖም፡ ካብ መሰረት ኣቦኦም ኣብርሃም ተነቒሎም ይነብሩ ኣለዉ (ሮሜ 9፡6-8,30-33 ፣ 10፡1,2 ፣ 11፡19-24)። ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ-ኣምላኽ ምቕባል ኣብዩ፡ ብግብሩ ጥራሕ ኪድሕን ዝመረጸ ሰብ፡ ንጽድቁ ኻብ ጽድቂ ኣምላኽ ንላዕሊ ዜዕብይ ትዕቢተኛ፡ ምስጢር ድሕነት ዘይተገልጸሉ፡ ብመንፈሳዊ ዑረትን ድንቍርናን ዝተጠቕዐ ውጹዕ ሰብ’ዩ። ብግብርና ኽንጸድቕ ከም ዘይንኽእል ካብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዝተጋህደ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ ብድምቀት ዝተገልጸ መለኮታውን ሰብኣውን ሓቂ’ዩ (እዮ9፡2,20 ፣ 25፡4 ፣ 32፡2 ፣ መዝ 143፡2 ፣ ምሳ 20፡9 ፣ መክ 7፡20 ፣ ኤር 2፡22,23,35 ፣ ህዝ 18፡24 33፡12 ፣ ማቴ 5፡20 7፡22,23 ፣ 19፡20 ፣ ዮሃ 6፡28,29 ፣ ሮሜ 3፡20 ፣ 4፡2 ፣ 9፡32 ፣ 11፡6 ፣ ገላ 2፡16 ፣ 3፡11 ፣ 5፡4,5 ፣ ኤፌ 2፡8,9 ፣ 2ጢሞ 1፡9 ፣ ቲቶ 3፡4,5)።

ጽድቅን ድሕነትን ብኣምላኽ ጥራሕ እንተ ዀይኑ፡ ግብርና ዘየጽድቐናን ዘየድሕነናን እንተ ዀይኑ፡ ግብሪ ጽድቂ ምግባር ፈጺሙ ኣየድልን ማለት ድዩ፧ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ’ሞ፡ ካብ’ቲ "ብግብረይ’የ ዝጸድቕ" ዚብል ትምክሕተኛ ኣተሓሳስባ፡ ኣዝዩ ዝኸፍአን ዝገደደን ውዱቕ ኣተሓሳስባ’ዩ። ናብ’ዚ ሕሱር ኣተሓሳስባ’ዚ እንተ ወዲቕና፡ እቲ "ብኣምላኽ ምጽዳቕ" ዚብል መንፈሳዊ ኣምር፡ ብመሰረቱ ኸም ዘይተረዳእናዮ ዜቃልዓና’ዩ። ዋላ ብግጉይ ርድኢት ይኹን፡ እቶም ብኣምላኽ ዘይጸደቑ ሓጥኣን’ኳ፡ ናይ ግብሪ ጽድቂ ኣገዳስነት እናተራእዮምሲ፡ እቶም ብቕኑዕ ርድኢት ብኣምላኽ ዝጸደቑ ሓጥኣን እንታይ ኰይኑ’ዩ ናይ ግብሪ ጽድቂ ኣድላይነት ዘይርኣዮም፧ እስኪ ብምሳልያዊ ኣገባብ ክንርድኦ ንፈትን። እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ "ናይ ወይኒ ፍረ ብምፍራይ፡ ናብ ተኽሊ ወይኒ ኽልወጥ እኽእል’የ" እናበለስ፡ እቲ ናይ ብሓቂ ተኽሊ ወይኒ ግን፡ "ሓንሳእ ተኽሊ ወይኒ ምዃነይ ስለ ዝተረጋገጸስ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ናይ ወይኒ ፍረ ናይ ምፍራይ ግዴታ የብለይን" እንተ በለ፡ ስግንጢርን ግርምቢጥን ባህርይዶ ኣይኰነን፧ እግዚኣብሄር ነቲ ሓደ ወዱ በጃና ሰዊኡ ጽድቁ ዝሃበሉን ዘልበሰሉን ዕላማ፡ ጸዲቕናስ ጽድቂ ምእንቲ ኽንፈርይዶ ኣይኰነን፧ እቲ ጐይታና፦

"ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ’የ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ’ዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ኵሉ ጨንፈር (ኣቦይ) የርሕቖ፡ ነቲ (ኣባይ ዘሎ) ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ፡ የጽርዮ።" ዝበሎ ቓል ፈጺሙ ኺዝንጋዕ ዘይግብኦ’ዩ (ዮሃ15፡1,2)። ናይ’ዚ ጥቕሲ’ዚ ኽልተ መፍትሕ ቃላት፡ እቲ "ኣባይ ዘሎ" ዚብልን እቲ "ፍረ" ዚብልን’ዮም። ዝለዓለ ኣገዳስነትን ቀዳምነትን ዚውሃቦ ግን፡ እቲ "ኣባይ ዘሎ" ዚብል’ዩ። ጨንፈሩ ዄንካ ኣብ’ቲ ጕንዲ እንተ ዘየሊኻ፡ ቦታኻ ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ’ዩ (15፡6)። "ኣባይ ዘሎ" ዚብሃል ዘሎ፡ እቲ ብክርስቶስ ኣሚኑ ዝጸደቐን ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነን ክርስትያን’ዩ።

እቲ ዝዓበየ ስራሕ ደኣ ብክርስቶስ ተፈጺሙ ኣሎ’ምበር፡ እቲ መስርሕ ድሕነት ግን ገና ኣይተወድአን። እቲ ብኣቦን ብወልድን ዚግበር ኵሉ ተወዲኡ’ዩ። እቲ ግናይ ተኽሊ (ሓጥእ) ዝነበረ ሰብ፡ ጨንፈር ወይኒ (ጻድቕ) ኰይኑ ኣብ’ቲ ግቡእ ቦትኡ (ኣብ ክርስቶስ) ተተኺሉ’ዩ። ኵሉ’ቲ ኣካለ መሰሉ በቲ ጕንዲ ወይንን በቲ ተኻሊ ኣቦን ኪማልኣሉ’ዩ። ድሕሪ’ዚ ዚተርፍ ናይ’ቲ ዝጸደቐ ጨንፈር ግደ፡ ንሱ ኸኣ ፍረ ወይኒ ምፍራይ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግን፡ ኣካል ናይ’ቲ ጕንዲ ወይኒ ኽሳዕ ምዃን ዓብይ ሓለፋን ክብርን ረኺቡ ኼብቅዕ፡ ኪጋገይን ኪበላሸውን ዚመርጽ ዓሻን በለጸኛን ጨንፈር’ውን ኣሎ። "እንኳዕ ደኣ ጨንፈር ናብ ምዃን በቓዕኩ’ምበር፡ ናይ ወይኒ ፍረ ንምፍራይ ዜህልኽ ምኽንያት የብለይን" ብዚብል ግጉይ ርድኢትን እምነትን ነቲ ተኻሊ ዀነ ነቲ ጸዋርን መጋብን ጕንዲ፡ ነቲ ኻብኡ ዚጽበይዎን ዚግብኦምን ፍረ ይኸልኦም። ሽዑ እቲ ተኻሊ ምስ ቀበጸ፡ ማሕጸ (ፋስ) ኣልዒሉ ይቘርጾ’ሞ፡ ናብ ሓዊ ይድርብዮ። እቲ ጻድቕ ኣቦ ነቲ ሓደ ወዱ ዝኸፈለ፡ እቲ ጻድቕ ወልድ ድማ ህይወቱ ዝኸፈለ፡ ጽድቂ ዚፈርይ ጻድቕ ወለዶ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ምእንቲ ኺረኽቡ’ዩ (1ጴጥ2፡9 ፣ ቲቶ 2፡11-14)። ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ፡ ካብ’ቶም "ብግብርና ኢና ‘ንጸድቕ" ዚብሉ ሰባት ንላዕሊ፡ እቶም ሳላ ደም ክርስቶስ ጽድቂ ኣምላኽ ብእምነት ተቐቢሎም ኬብቅዑ፡ ጽድቂ ዘይፈርዩ ሰባት፡ ኣዝዮም ዝኸፍኡን ዝገደደ ፍርዲ ዚጽበዮምን’ዮም።

እምበኣር፡ እንሆ ኣምላኽ ብወዱ ብኢየሱስ ምድሓኑ ኣፍሊጡና፡ ጽድቁ ድማ ገሊጹልና ኣሎ። ነቶም ብወልድ ዋህድ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንኣምን ድማ፡ ብኸምኡ ብጸጋኡ ነቲ ኽቡር ጽድቁ ሂቡናን ኣልቢሱናን እንሆ። ሕጂ ግደናን ብጽሒትናን ጥራሕ’ዩ ዚተርፍ። ጽድቂ ኣምላኽ ከም ዝተቐበልናን በቲ ዝተቐበልናዮ ጽድቁ ድማ ግብሪ ጽድቂ እናፈረናን ንነብር ምህላውና ነረጋግጽ። ነቲ ብጽድቁን ብደም ወዱን ዘኽበረና ኣምላኽ፡ ጽድቂ ብምፍራይ ነኽብሮ። ነቲ መዳርግቲ ኣልቦ ሕያውነቱ ዚምጥን ግብራዊ ሞሳ ንምለሰሉ!!

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

8 ለካቲት 2026 | ካቲት 1, 2018 ግዕዝ (መበል 22 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ:፺፯(፺፰)፡፪-፫ "አርአየ እግዚአብሔር አድኅኖቶ።ወበቅድመ አሕዛብ ከሠተ ኪዳኖ።ወተዘከረ ሣህሎ ለያዕቆብ።"

ዓዲ፡ መዝ.፵፯(፵፰)፡፰ "በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ።በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ።እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።"

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 1፡1-12

ዲያቆን

1 ጴጥ 1፡13-22

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 19፡1-10

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 2፡36-40

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ ሖረ ኢየሱስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div