S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸረ ፍትወት ተዓጠቑ ቊ.29 (15 ለካቲት 2026 ፈ | የካቲት 8, 2018 ግዕዝ)

"ደጊም ክርስቶስ (ብስጋኡ) ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ (እቲ) ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ ክርስትያን፡ (ንሱ) ንሓጢኣት ሓዲግዎ’ዩ’ሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ (ዘመንኩም) ንፍቓድ ኣምላኽ’ምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩም’ውን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመሰተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸለኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል።" ጴጥ 4፡1-3

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮን፡ ቀዳማይ ሰንበት ናይ’ዚ ንኣትዎ ዘለና ዘመነ ጾምን’ዩ። እዚ ኽቡር ኣምላኽ ንዘመነ ኣስተርእዮ ብሰላም ኣስጊሩ፡ ናብ’ዚ ቐዳማይን ዝዓበየን ጾም ስለ ዘብጽሓና፡ ምስጋናን ስብሓትን ንእኡ ንበይኑ ይኹን። እግዚአብሔር፡ ዝተባረኸ ዘመነ ጾም ይግበረልና። ንኣምላኽ ዜኽብር፡ ንኣና’ውን ምሕረትን በረኸትን ዜውርድ ጾም ክንጸውም ብመንፈሱ ይምርሓናን ይደግፈናን። እዚ ዘመነ ጾም’ዚ ሸሞንተ ሰናብትን 55 መዓልታትን ዜጠቓልል ዓብዪ ጾም’ዩ። እተን 15 መዓልታት እተን ሾብዓተ ሰናብትን ሸሞንተ ቐዳማትን’የን። እቲ ዝተረፈ 40 መዓልታት ድማ፡ ነቲ ኻብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ዘሎ መዓልታት ዜጠቓልል’ዩ። ጐይታና ነርብዓ መዓልታት ዚኣክል እንጌራ ኸይለኸፈ ማይ ከይጠዓመ ስለ ዝጾመ፡ "ጾመ ኢየሱስ፡ ጾመ’ርብዓ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጾመ ስለ ዝዀነ ድማ፡ "ርእሰ ኣጽዋማት፡ ዓብዪ ጾም" ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። "ጾመ’ርብዓ" ዚስመየሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ ካብ’ተን 55 መዓልታት፡ ነተን 40 መዓልታት ጥራሕ ቅዳሴ ኽሳዕ ዚውዳእ ምግቢ ኸይለኸፍና ስለ ’ንጾመን፡ ነተን ዝተረፋ 15 ናይ   ቀዳመ-ሰናብቲ መዓልታት ግን፡ ናይ ጥልላት (ናይ ብልዖት) ምግቢ ኻብ ምምጋብ ደኣ ንጸውም’ምበር ከይተመገብና ጾምና ስለ ዘይንውዕል’ዩ። 

እዚ ዓብዪ ዘመነ ጾም’ዚ፡ ኣብ ሸሞንተ ንኡሳን ዘመናት ዝተኸፋፈለ’ዩ። ንነፍሲ ወከፍ ንኡስ ዘመን ድማ፡ ነናቱ መጸውዒ ስም ኣለዎ። እቲ ስማት ከኣ፡ እዚ ዚስዕብ’ዩ።

1ይ. ወረደ፡

2ይ. ቅድስት፡

3ይ. ምኵራብ፡

4ይ. መፃጕዕ፡

5ይ. ደብረ ዘይት

6ይ. ገብር ኄር፡

7ይ. ኒቆዲሞስ፡

8ይ. ሆሳእና

እታ ንኡስ ዘመን ኣብ መዓልቲ ሰንበት ጀሚራ ኣብ’ታ ትስዕብ ቀዳም ’ትውድእ፡ ናይ ሾብዓተ መዓልታት ዘመን’ያ። እዚ ንኡሳን ዘመናት’ዚ ብዛዕባኡ ኽንምሃረሉን ርእስና ኽንምርምረሉን ክንጽልየሉን ዝተሰርዐ’ዩ። ዓብዪ ጾም ዚጅምረሉን ዚውድኣሉን ዕለት በብዓመቱ ዚፈላለይ’ኳ እንተ ዀነ፡ ካብ 55 መዓልታት ንላዕሊ ኣይነውሕን፡ ካብኡ ንታሕቲ ኸኣ፡ ኣይሓጽርን’ዩ። ብምኽንያት ምልውዋጥ ዕለታቱ ግን፡ እቶም ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘለዉ ዘመናት ብቐጥታ ይጽለዉ’ዮም። ዓብዪ ጾም ቀልጢፉ ኣብ ዚጅምረሉ ዓመት፡ ዘመነ ኣስተርእዮ ይሓጽር፡ ዘመነ ትንሳኤን ዘመነ ዕርገትን ዘመነ ሃዋርያትን ከኣ ይነውሕ። ዓብይ ጾም ዚጅምረሉ እዋን እናደንጐየ ምስ ዚኸይድ ከኣ፡ ብኣንጻሩ ይኸውን፡ ማለት ዘመነ ኣስተርእዮ እናነውሐ፡ ዘመነ ትንሳኤን ዘመነ ዕርገትን ዘመነ ሓዋርያትን ከኣ፡ እናሓጸረ ይኸይድ ማለት’ዩ። እዚ ጾም’ዚ ዝተሰርዓሉ ዕላማ፡ ኣርኣያ ጐይታና ምእንቲ ኽንስዕብን ኣብ’ቲ ናቱ ናይ ጾምን ጸሎትን ገድሊ ብምሕባር ምስኡ ዘሎና ኣካልነት ንኽንገልጽን’ዩ።

እዛ ዕለት’ዚኣ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ናይ መወዳእታ ሰንበት ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ዋዜማ ናይ ምእታው ዓብይ ጾም (በኣተ ዓቢይ ጾም)’ውን ስለ ዝዀነት፡ መላግቦ ኽልተ ዓበይትን ኣገደስትን ዘመናት’ያ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ "ወረደ" ተባሂላ ትጽዋዕ። "ወረደ" ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ንኣና ንኼድሕንን ኣርኣያና ንኪኸውንን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ከማና ሰብ ከም ዝዀነ ኽንምሃርን ከነስተንትንን፡ ስለ’ቲ ሕያውነቱን ፍቕሩን ስለ’ቲ ዝኸፈሎ ኸቢድን መሪርን ዋጋ ድማ ከነመስግኖን’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ዮሃ 3፡10-21 ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና፡ ንሱ ኻብ ሰማይ ከም ዝወረደን ከም ዝመጸን ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 3፡13,31 ፣ 6፡38,42 ፣ እብ 4፡14 ፣ 9፡24)። እቲ ኻብ ሰማይ ከም ዝመጸ፡ ከም ዝወጸ፡ ካብ ኣቦ ኸም ዝተላእከ ዚገልጽ ኵሉ ቓላት ናይ ቅዱስ ወንጌል፡ ነዚ "ወረደ" ዚብል ሓሳብ ዜመልክተናን ዚገልጸልናን’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ሰማይ እንተ ዘይወርድ፡ እምነት ክርስትና ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣይምሃለወን። ድሕነት’ውን ኣይምተረኽበን ነይሩ። ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ኸኣ’ዩ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንምውራዱ ኣመልኪታ ርእሱ ዝኸኣለ ንኡስ ዘመን ዝሰርዓትልና። ብዛዕባ ምውራዱ ዓመት ምሉእን ዕድመና ምሉእን ኢና ኽንሓስብን ከነመስግንን ዚግባእ። እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ግና፡ ብዛዕባ ምውራዱ ተማሂርና ዝዓመቘ ፍልጠት ከነጥርየሉ፡ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ንዝተመሃርናዮ ኽንዝክረሉ ዝተሰርዓልና’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "ተቀነዩ ለእግዚአብሔር" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦ 

“ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ተገዝእዎ። ብረዓድ ከኣ፡ ተሓጐሱ። ምሕረቱ ንዘለኣለም፡ ጽድቁ ድማ ንውሉድ ወለዶ ይነብር፡ ንሕናስ ህዝቡ ኢና። ናብ ደጌታቱ ብምስጋና፡ ናብ ኣጸዱ’ውን ብኽብሪ እተዉ። ጾም ንጹም፡ ንሓድሕድና ነፍቅር፡ ንሓድሕድና’ውን ንፋቐር። ሰንበት ኣኽብሩ፡ ጽድቂ’ውን ግበሩ። ሰንበትሲ ምእንቲ ሰብ’ያ ዝተፈጥረት። ምሕረትን ፍትሕን እቕነየልካ፡ ንጹህ መገዲ አስተውዕልን እዝምርን። ምሕረቱ ንዘለኣለም፡ ጽድቁ ድማ ንውሉድ ወለዶ ይነብር፡ ንሕናስ ህዝቡ ኢና።. ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሲኡን ኢና። 

እግዚኣብሔር "ናይ ዘለኣለም ሕይወት ክትረኽቡ፡ ሰንበተይ ኣኽብሩ፡ ቃል ሰላመይ ሓልዉ" ይብል።” ዚብል’ዩ። በቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኽልተ ምስባክን ካልእ ጥቕስታትን ዝተሃንጸ መዝሙር’ዩ (መዝ 2፡10-12 ፣ 100፡3-5 ፣ ዮሃ 13፡34,35 ፣ ማቴ 22፡39 ፣ ማር፡27,28)። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ዚ ናይ 1ጴጥ 4፡1-11 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።

ኣንጻሩ ኽንዕጠቕን ክንዋጋእን ክሳዕ ዜድልየና፡ ፍትወት ጸላኢና ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ምስ ናይ መን ፍትወት ኢና ኽንዋጋእ፧ ብመሰረቱኸ ፍትወት እንታይ ማለት፧ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣብ ምእታው ዘመነ ጾም (በአተ ጾም) ንምሃሮ ብምህላውና ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ምኽንያቱ ሓይልን ጽልዋን ናይ ፍትወትና ንምቍጽጻር ካብ ’ንጥቀመሎም መንፈሳውያን ጥበባት ሓደ፡ ጾም’ዩ። ዘይተገርሐን (untamed) ዘይተመልከን ፍትወት ስጋ፡ ብሓጢኣት ዜበላሽወና ሰይጣን ዚጥቀመሉ ዝበለጸ መሳርሕን ኣጽዋርን’ዩ። ፍትወት ስጋ ማለት፡ ስጋና ኺረኽቦ፡ ኪህልዎ፡ ኬስተማቕሮ ዚደልይ ኵሉ ነገራት’ዩ። "ትምኒት ስጋ፣ ድልየት ስጋ፣ ፍቓድ ስጋ፣ ባህጊ ስጋ፣ ህርፋን ስጋ፣ ሃረርታ ስጋ፣ ወዘተ" ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ብብዝሒ ዚዝውተሩ ግን፡ "ትምኒት ስጋን ፍትወት ስጋን" ዚብሉ ቓላት’ዮም። ቅዱስ ጳውሎስ መሰረት ናይ’ቲ ኣንጻር ፍትወትን ትምኒትን ናይ ስጋና ኽንዕጠቐሉን ክንዋግኣሉን ዚግብኣና ምኽንያት እንታይ ምዃኑ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ።

"እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም (ነቲ ሰብኣዊ ባህርዮም) ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም።" ገላ 5፡24

"ስለ’ዚ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም (ስጋዊ ባህሪኹም)፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ፡ ቕተሉ።" ቈሎ 3፡5 ካ.ት

". . . ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ ያእ ኣይፋልናን!! ንሕና (ካብ’ቲ ሓጥእ ባህርይና) ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና (ኽነስና)፡ ከመይ ኢልና ሕጂ (ኣብ ሓጢኣት) ክንነብር፧. . . ሞትና ንሞቱ (ንሞት ክርስቶስ) መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዄንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና። ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ እቲ ሓጥእ ሰብነትና (ሓጥእ ባህርይና) ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። (ምኽንያቱ) እቲ (ሓጥእ ባህርዩ) ዝሞተ ሰብ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ’ዩ።" ሮሜ 6፡1,2,5-7 ቀ.ት+ካ.ት

"እምበኣርሲ ኣሕዋተይ፡ ከም ፍቓድ ስጋ ኽንነብር ነቲ ስጋና ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኩም ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ተግባራት ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።" ሮሜ 8፡12,13 ካ.ት

ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ቓላት’ዚ ኸም ’ንግንዘቦ፡ ክርስትያንን መንፈሳዊ ሰብን ምዃን ማለት፡ ንስጋዊ ባህርያትን ኵሉ ፍትወታቱን ትምኒታቱን እናቐተልካ ምንባር ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ንሕና እንተ ዘይቀተልናዮ፡ ንሱ’ዩ ዚቐትለና። ዝዀነ ዓይነት ኣጽዋር ከይዓጠቕካ ንጸላኢኻ ክትቀትሎ ስለ ዘይክኣል ድማ፡ ናይ ብሓቂ ብህይወት ክንነብር ዝመረጽና ሰባት እንተ ዄንና፡ ናይ ግድን ክንዕጠቕ የድልየና ማለት’ዩ። 

እቲ ’ንዋግኦ ፍትወት፡ ናትና ናይ ገዛእ ስጋና ፍትወት’ዩ። እዚ ውዱቕ ስጋና ብዓይነቶም ኰነ ብቝጽሮም ማእለያ ዘይብሎም ፍትወታት ኣለዉዎ። ብህይወት ክሳዕ ዘለና ኻብ ናይ ፍትወት ፈተና ኸነዕርፍ ኣይንኽእልን ኢና። ካብ ፍትወት ስጋ ’ነዕርፍ፡ ብትንሳኤ ሙታን ስጋና ነቲ ናይ ክርስቶስ ስጋ ናብ ምምሳል ምስ ዚልወጥ ጥራሕ’ዩ (ፊሊ 3፡21)። ብክርስቶስ ኣሚንና ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ክንከውን ከለና፡ እቲ ተዳኺሙን ሞይቱን ዝጸንሐ መንፈስና’ዩ ዚሕደስ። ኣብ ስጋና ግና ዝዀነ ዓይነት ናይ ባህርይ ለውጢ ኣይክሰትን’ዩ። ነዚ ዘይተለወጠን ዘይደሓነን ስጋ መሊኹን ገሪሑን፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ከም ዚግዛእ ዚገብሮ፡ እቲ ዝተሓደሰን ዝደሓነን መንፈስና’ዩ። ብህይወት ክሳዕ ዘለና ኽሳዕ ዕለተ ሞትና፡ ወይ’ውን ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ፡ እቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ ናይ ህይወት ተልእኾና፡ ነዚ ውዱቕን ሓጥእን ስጋና፡ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርካ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ’ዩ (ሮሜ 12፡1,2)። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ "ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር’ዩ" ዚብል ጽኑዕ መንፈሳዊ መትከል ብምሓዝ ኣርኣያ ዀነልና (ፊል1፡20,21)። ንኣና ድማ፡ "ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ" ብምባል ናይ ህይወት ተልእኾና እንታይ ምዃኑ ኣብረሃልና (1ቈረ 6፡19,20)። ስጋና ድሒኑ እንተ ዚኸውን፡ ሓጢኣት ኣይምተፈታተነናን፡ ኣይምገበርናን ከኣ። ምድሓን ስጋና ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ሙታን’ዩ ዚፍጸም። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ምጽኣት ኪገልጽ ከሎ፡ "ምድሓን ስጋና እናተጸበና፡ ብውሽጥና ነስቈርቍር ኣለና" ኢሉና’ሎ (ሮሜ 8፡23)። ብኸመይን መዓስን ከም ’ንልወጥ ድማ፦

"ከም’ቲ ምስሊ ናይ’ቲ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ምስሊ ናይ’ቲ ሰማያዊ (ክርስቶስ) ድማ ክንለብስ ኢና። . . . ብሓንሳእ ብቕጽበት ዓይኒ፡ . . . እቲ መለኸት ኪንፋሕ’ዩ’ሞ፡ እቶም ምዉታት ብዘይሓልፍ ኪትንስኡ’ዮም፡ ንሕና’ውን ክንልወጥ ኢና።" ብዚብል ቃል ተገሊጹልና’ሎ (1ቈረ 15፡49,52)። ስለ’ዚ ናይ ህይወት ገድልናን ተልእኾናን በቲ ዝደሓነን ዝተለወጠን መንፈስና ጌርና፡ ነዚ ዘይደሓነ ስጋና መሊኽና ንኽብሪ ኣምላኽ ከም ዚግዛእ ምግባር’ዩ። ነዚ ኸኣ ኵሉ መንፈሳዊ ኣጽዋር ዓጢቕና፡ ነቲ ንስጋና ዜስሕቶን ዜጋዕዝዮን ፍትወትን ትምኒትን ናይ ስጋና፡ መዓልቲ መጸ ብምስቃልን ብምቕታልን ’ንፍጽሞ’ዩ።

ናይ ስጋና ፍትወትን ትምኒትን ብኸመይ’ዩ ዚዋግኣናን ዚዕወተልናን፧ ብኸመይ’ዩኸ ብቐሊሉ ዚመልከናን ዚገዝኣናን፧ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ስጋን መንፈስን ንሓድሕዶም መጻርርቲ’ዮም። እዚ ድማ ኣብ ውሽጥና ኺዕረቕ ዘይክእል መንነታዊ ቕልውላው ፈጢሩልና’ዩ። መንፈስ ናይ’ቲ ብክርስቶስ ዘይኣምንን ዘይግዛእን ዓለማዊ ሰብ ምዉት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ስጋኡ’ዩ ብዘይ ዝዀነ ዕንቅፋት ዝደለዮ ዚገብር። እቲ ብክርስቶስ ሳላ ዝኣመነ መንፈሱ ካብ ሞት ተንሲኡ ህያው ዝዀነ ክርስትያን ግን፡ ንፍቓድ ስጋ ስለ ዘይግዛእ፡ ምስ ስጋን ፍትወታቱን ኣብ ቀጻሊ ’ውግእ’ዩ ዚነብር። እቲ ኻብ ሓጥእ ባህርዩ ዘይደሓነ ስጋና ድማ፡ ንፍቓድ መንፈስናን ንፍቓድ ኣምላኽን ጥሒሱ፡ በቲ ዝለመዶ ሓጢኣት ኬጋዕዝየና’ዩ ዚደልይ።

"ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነይ፡ መንፈስ’ውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር’ዩ ዚምነይ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም (ክልቲኦም) መጻርርቲ’ዮም።" ገላ 5፡17

"ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ’ዮም ዚሓስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ’ዮም ዚሓስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዞኦን ኣይኰነሉን ድማ’ዩ። እቲ ሓሳብ ስጋ፡ ሞት’ዩ። እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና፡ ህይወትን ሰላምን’ዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ (ኼሐጕስዎ) ኣይኰነሎምን’ዩ።" ሮሜ 8፡5-8

ስለ’ዚ ስጋና ምስ መንፈስናን ምስ ኣምላኽን ጽልኢ ስለ ዘለዎ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ከም ’ንጸልኦን ከም ዘይንእዘዞን’ዩ ዚገብረና። ነዚ ኸኣ ብመገዲ ፍትወት ስጋ’ዩ ዚገብሮ። ንፍትወትና እንተ ተኣዘዝና ሓጐስን ክብረትን ከም ዚስምዓና ብምግባር፡ ኣብ ውሽጥና ዓለወኛ ባህርይ ይሃንጽ ማለት’ዩ። ንፍትወት ስጋ እንተ ተገዛእና ሞትን ጥፍኣትን ከም ዜውርደልና ኽንሓስብን ክንኣምነሉን ኣይደልይን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ "ሓሳብ ስጋ ሞት’ዩ" ኸም ዝበለ፡ ደጊሙ’ውን ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉና’ሎ።

"ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኺዓጽዶ’ዩ’ሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሸውን’ዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ፡ ካብ’ቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ’ዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና፡ ካብ’ቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ’ዩ።" ገላ 6፡7,8

ስጋና ዅሉ ጊዜ ምሳና ስለ ዚነብር፡ ኣብ’ዛ ስጋዊትን ሰይጣናዊትን ዓለም’ውን ንነብር ስለ ዘለና፡ እቲ ፈተና መዓልትን ለይትን ከምኡ’ውን ምሉእ ዕድመና ኣይፍለየናን’ዩ። እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝወረስናዮ መንፈስና ግን፡ ርክቡ ምስ’ቲ መንፈሳዊ ዓለም’ምበር፡ ምስ’ዛ ዓለም’ዚኣ ስለ ዘይኰነ፡ ኵሉ ጊዜ ግዱዕ’ዩ (at a disadvantage)። ካብ’ዚ ግድዓትን ዝኽትምናን’ዚ ዜናግፎ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ’ዩ (ዮሃ 14፡18፣ሮሜ 8፡14-16)። መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉን ነቲ ዝሓደሮ መንፈስ ቅዱስ ዘይግዛእን ክርስትያን ግን፡ ኵሉ ጊዜ ባርያ ናይ ፍትወት ስጋ ዀይኑ’ዩ ዚነብር። ክርስትያን ብፍትወት ስጋን ብፍትወት ዓለምን ኪስዓር ምርኣይ፡ ኣዝዩ ዜሕፍር ውርደትን ጥፍኣትን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ከም’ቲ ቕዱስ ዮሃንስ፦ 

"ካብ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዓብይ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎ ኣለኹም።" ኢሉና ዘሎ፡ ክንስዓር ኣይግባእን’ዩ (1ዮሃ 4፡4፣ 5፡4፣ 2፡13,14፣ሮሜ 8፡37-39)። ስለ’ዚ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉ ሰብ፡ ንፍትወት ስጋኡ ባርያ ምዃን ደኣ’ ምበር፡ ንፍትወት ስጋኡ ዚስዕረሉን ዚመልከሉን ተኽእሎ የብሉን።

እቲ ኣንጻር ፍትወት ስጋና ኽንዓጥቆ ዚግብኣና ኣጽዋርን ሓይልንከ እንታይ’ዩ፧ እቲ ዝዓበየን ብቐዳምነት ዚስራዕን ሓይልናን ዕጥቅናን፡ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣቐዲምና ጠቒስና ኣለና። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ ድማ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ኣጽዋር’ውን የድልየና’ዩ። ሓሳብ ስጋ ዚሓስብ ሰብ፡ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ቍም ነገር ኪገብር ኣይክእልን’ዩ። ግብሪ ስጋ እንታይ ምዃኑ ኣብ ገላ 5፡19-21 ብዝርዝር ተገሊጹልና ኣሎ። ሓሳብ መንፈስ ግን ጽድቅን ሰላምን’ዩ፡ ናይ መወዳእታ ፍሪኡ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ (ሮሜ8፡5-8)። ብምሕዳስ ሓሳቡ ዝተለወጠ ክርስትያን፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ጽኑዕ መርገጺ ስለ ዘለዎ፡ ንሓጢኣት ከም ኣማራጺ ኺወስዶን ኪገብሮን ኣይኰነሉን’ዩ። እዚ መርገጽን መትከልን’ዚ፡ ኣብ’ቲ ምስ ፍትወት ስጋን ምስ ሓጢኣትን ’ንገብሮ ገድሊ፡ ፍርቂ ዓወት ዜጐናጽፈና’ዩ (እዮ 27፡4-6፣መዝ 101፡3,4፣ምሳ 8፡13)።

ምስ ርኹሳት መናፍስቲ ዀነ ምስ ፍትወት ስጋ ንምውጋእ ክንዓጥቆ ዚግብኣና ኣጽዋር እንታይ ምዃኑ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኤፌ 6፡11-18 ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። "ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ" ድሕሪ ምባሉ፡ ንገለ ኻብ’ቶም ክንዓጥቆም ዚግብኣና ኣጽዋር፡ "ሓቂ፡ ጽድቂ፡ ወንጌል ሰላም፡ እምነት፡ ድሕነት፡ ቃል ኣምላኽ፡ ጸሎት፡ ትዕግስቲ (ምጽማም)" ብምባል ዘርዚሩልና ኣሎ። ኣብ 1ተሰ 5፡8 ድማ፡ ተስፋን ፍቕርን ከም ኣጽዋር ክንዓጥቆም ከም ዚግብኣና ነጊሩና ኣሎ። ኣንጻር ፍትወት ስጋ ብሰይፍን ብብረትን ኣይኰንናን ’ንዋጋእ። ኣንጻር ስሰዐ ኺዋጋእ ዚደልይ ሰብ፡ ስሰዐ ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ "ይኣኽለኒ" ዜብል፡ በቲ ዘሎካ ዕጉብን ሕጉስን ዚገብር መንፈሳዊ ባህርይ ኪሃንጽን ኪለማመድን’ዩ ዚግብኦ። ዝረኣዮ ዅሉ ዜብህጎን ዜወናውኖን፡ ነቲ ባህግታቱ ኼዕፍሮ ዚውዕል ሰብ ግን፡ ካልእ ዝኸፍአ ናይ ስርቂ፡ ቅንኢ ወዘተ ኣበሳታት እናወሰኸ ብዝኸፍአ ይስይጥን’ምበር፡ ንፍትወቱ ናይ ምስዓር ዕድል ኣይህልዎን’ዩ። ንጽልኢ ብፍቕሪ፡ ንባእሲ ብሰላምን ትዕግስትን፡ ንኻልእ ኵሉ ግናይ ፍትወታት ድማ ንእኡ ብዚስዕር ቅዱስ ባህርያት ገይሩ’ዩ ኺዕወተሉ ዚኽእል። ብናይ ዝሙትን ምንዝርናን ፍትወት ዚፍተን ሰብ፡ ናይ ቅድስና ባህርይ ወሪሱን ኣስሪጹን እንተ ዘይጸኒሑ፡ ብቐሊሉ ኸም ዚስዓርን ብሓጢኣት ከም ዚንውርን ጥርጥር የልቦን።

ንፍትወት ንስዕረሉ መንፈሳዊ ሓይልን ባህርይን ምህናጽ፡ ኣብ መብዛሕትና ንውሕ ዝበለ ናይ ውረድ ደይብ መስርሕ ይሓልፍ’ዩ። ውሑዳት ዝዀኑ ዕዉታት ሰብ ጸጋ ግን፡ ሓንሳእ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ኣትዮም ንፍትወት ስጋ ዝባኖም ምስ ሃቡ፡ ኵሉ ጊዜ እናተዓወቱን እናደመቑን ዚነብሩ’ዮም። ናይ ኵላትና ህይወት’ውን ከምኡ ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። ብዛዕባ ፍትወት ስጋን ፍሪኡን ቈራጽ’ምበር፡ ልኡም መርገጺ ኺህልወና ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ፍትወት ስጋና፡ ናባና ጥራሕ ዘይኰነ ናብ ኣምላኽ’ውን ዘድሃበ ጕድኣት’ዩ ዜውርድ። ንፍትወት ስጋና ንግዝኦ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ብምንዓቕን ብምርጋጽን’ዩ። ሰለ’ዚ ፍትወትና ናይ ምግታእ ሓያል መንፈሳዊ ዓቕሚ ናብ ምውናን ገጽና ኽንዓብይ’ዩ ዚግባእ። ፍትወት ኣብ ልዕሊ ስጋና ኸም ዝደለዮ ዚፈልሕን ዚግንፍልን እንተ ዀይኑ፡ መንፈሳዊ ህይወት ከም ዘይብልና፡ ናይ ኣምላኽ ሰባት ዘይምዃንና ዜረጋግጽ ዜሕፍርን ዜስግእን ምልክት’ዩ። 

ብፍትወት ስጋ ኽንግዳዕን ክንሰዓርን ዚገብረና ሰንኰፍ ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ፍትወት ስጋ ከም ባህርያውን ንቡርን ነገር ጌርካ ምውሳድ’ዩ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ንርእሱ፡ ናይ ፍትወት ስጋ ኣተሓሳስባ’ዩ። ፍትወት ስጋ ንቡርን ባህርያውን እንተ ዚኸውን’ሞ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ "ቅተልዎ፡ ስቐልዎ" ዚብል ዘይክውንነታዊ ትእዛዝ ኣይምሃበናን ነይሩ። ከም ንቡር ጌርና ምውሳድና፡ ንሓጢኣት ብቐሊሉ የሳጥሓና ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ንንስሓና’ውን ብግብዝነት ዝተመልአ፡ ካብ ክሳድ ንላዕልን ዘይልባውን ገይሩ፡ ንምድራዊ ህይወትና የበላሽዎን ንዘለኣለማዊ መጻኢና የጸልምቶን ኣሎ።

"እምበኣርከ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም ከም’ቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝዀነ ሓሳባት ዚነብሩ ዝነበሩ ኸይትነብሩ ብጐይታ እነግረኩምን አሰምዓልኩምን ኣለኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትርሪ ልቦምን ብሰሪ’ቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም’ዮም። ንሳቶም ደንዚዞም፡ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ሰለ ዝሰስዑ፡ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦም’ዮም (ብስስዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁ)። ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከም’ዚ ጌርኩም ኣይተምሃርኩምዎን።. . . ነቲ ቐደም ’ትነብሩሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነት (ሓጥእ ባህርይ) ቀንጥጥዎ፡ በተሓሳስባኹም’ውን ተሓደሱ። ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር፡ ብጽድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ (ሓድሽ ክርስቶሳዊ ባህርይ) ልበስዎ።" ኤፌ 4፡17-24 ካ.ት

ስለ’ዚ ንፍትወት ስጋ ኸም ንቡርን ባህርያውን ገይሩ ዚርእይ ኣተሓሳስባ ካብ ዝጸልመተ ኣእምሮ ዚፍልፍል ሰንካም ኣተሓሳስባ’ዩ። ብኽፉእ ትምኒት ኣጋዕዝዩ፡ ናብ ዝርጋንን ዕብዳንን ዚነቝተና’ዩ።

እምበኣር ናብ ርእስና ተመሊስና፡ ንህይወትና ብደቂቕን ብዝርዝርን ንመርምር። ነቶም ንመንፈሳውነትና ዚርምሱ ዘለዉ ኽፉኣት ፍትወታትን ትምኒታትን ብንጹር ነለልዮም። ከም’ቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኣዘዘና ድማ፡ ብዘይ ንሕስያ መዓልቲ መጸ ንስቀሎምን ንቕተሎምን። ቅትለት ቅቡል ዚኽውን፡ ኣብ ሰብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ ፍትወት ክንፍጽሞ ኸለና’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ "ብመንፈስ ንበሩ (ተመላለሱ)’ሞ፡ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም" ኢሉና ኸም ዘሎ፡ ብመንፈስን ብመንፈሳውነትን ንንበር (ገላ 5፡16፣ይሁ ፡18)። ናይ’ዚ ዓብይ ጾም’ዚ ቐዳማይ ዕላማና፡ ንስጋዊ ባህርይና ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ምስ ክርስቶስ ምስቃል ይኹን። ነዚ ንምግባር ድማ ኣንጻር ፍትወትና ንተዓጠቕን ቅዱስ ገድሊ እምነት ንጋደልን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

15 ለካቲት 2026 | ካቲት 8, 2018 ግዕዝ (መበል 23 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ: .፪፡፲-፲፪ "ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት። ወተኃሠዩ ሎቱ በረዓድ። አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዓዕ እግዚአብሔር።"

ዓዲ፡ መዝ.፺፱(፻)፡፫-፭"ንሕነሰ ሕዝቡ ወአባግዐ መርዔቱ።ባኡ ውስተ አናቅጺሁ በተጋንዮ። ወውስተ አዕፃዲሁ በስብሐት እመንዎ።"

ንባባት

ኣንባቢ

ገላ 5፡13-ፍጻመ

ዲያቆን

1ጴጥ 4፡1-11

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 15፡25-35

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 3፡10-21

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ መዝሙር፦ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር

   

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div