"(ኢየሱስ) ናብ’ታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከም’ቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኬንብብ’ውን ተንስአ። . . . ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ኣጸቢቕካ ትጋህ። እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገር’ዚ ዅለንትናኻ ወፍይ።" ሉቃ4፡16፣ 1ጢሞ4፡15 ካ.ት.
እንሆ፡ ካብ ዘመነ ልደት ናብ ዘመነ ሕፅነት ሰጊርና ኣለና። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ጥሪ 6 (በዓለ ግዝረት) ክሳዕ ጥሪ 10 ዘሎ ቕንያት “ዘመነ ሕፅነት” ይብሃል። “ሕፅነት (ሕጽነት)” ናይ ግእዝ ቃል’ዩ፡ ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም ድማ፡ “ዕብየት” ማለት’ዩ። “ዘመነ ናዝሬት” ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። እዚ ዘመን’ዚ ግን፡ ብዓብዩ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚምልከት’ምበር፡ ንኸተማ ናዝሬት ዚምልከት ስለ ዘይኰነ፡ በታ ኸተማ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ጐይታና ዝተፈጸመ ኣገዳሲ ፍጻመ ኺጽዋዕ ይምረጽ። ምኽንያቱ ንናዝሬት ዘኽበራ፡ እቲ ኽቡር ጐይታ ኣብኣ ምዕባዩ ደኣ’ምበር፡ ናዝሬትሲ፡ ንጉሥ ኣሶር ብዘግዓዞም ጣኦታት ብዜምልኹ ኣህዛብ ዝተመልአት ንእሽቶን ድኻን ንዕቕትን ቍሸት’ያ ዝነበረት። ጐይታና ኣብ ቤተ ልሄም ስለ ዝተወልደ “ዘመነ ቤተ ልሔም” ዘይኰነስ “ዘመነ ልደት” ከም ዝተባህለ፡ ክርስቶስ ኣብ ናዝሬት ስለ ዝዓበየ “ዘመነ ናዝሬት” ካብ ምባል፡ “ዘመነ ሕፅነት” ኪብሃል ዝረዘነ መልእኽቲ ይህልዎ። “ናዝሬት ሕፅነት”’ውን ይብሃል’ዩ።
እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ዘመነ ሕፅነት፡ ነቲ ጐይታና 30 ዓመት መሊኡ ኣገልግሎት ክሳዕ ዚጅምር ኣብ ከተማ ናዝሬት ዝዓበየሉን ዝነበረሉን ዓመታት ዚውክል ኣገዳሲ ዘመን’ዩ። ከም’ቲ ኣብ ማቴ 2፡19-23 ተገሊጹልና ዘሎ፡ ካብ ናይ ግብጺ ስድደት ምስ ተመልሰ፡ ቃል ትንቢት ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብመሰረት ንቕዱስ ዮሴፍ ዝተዋህቦ ምርሒት፡ ናብ ምድሪ ገሊላ፡ ናብ ከተማ ናዝሬት ከይዱ ተቐመጠ። ከም ኵላትና በቲ ዅሉ ሰብ ዚሓልፎ ናይ ዕብየት ደረጃታት ሓሊፉ፡ ወዲ 30 ዓመት ክሳዕ ዚኸውን ኣብ ናዝሬት ይነብር ነበረ። ብዛዕባ’ዚ ናይ ዕብየት ዘመኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሰ ሓበሬታ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። እቲ ዝርካቡ ድማ፡ ኣብ ሉቃ 2፡21-52’ዩ ዚርከብ። ወዲ 40 መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ማህጸን ወላዲቱ ኸም ዝኸፈተ በዅሪ ውሉድ መጠን ናብ ኢየሩሳሌም ወሲዶም፡ ነቲ ኣብ ዘጸ 13፡1,2፣ዘሌ 12፡1-8 ዘሎ ስርዓት ፈጸሙሉ (ሉቃ 2፡22-24)። ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ በቲ ሕጊ ሙሴ ኣብ ዘጸ 23፡14-17፣ ዘዳ 16፡1-16 ዚእዝዞ መሰረት፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ናብ ኢየሩሳሌም ኪመላለስ ጀመረ (ሉቃ 2፡41-51)። ካብ’ዚ ተገሊጹ ዘሎ ሓቂ ኸም ’ንግንዘቦ፡ ጐይታና ዝተማልአ ኣካላውን መንፈሳውን ዕብየት ከም ዝዓበየ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ነዚ ናይ ኣስታት 30 ዓመታት ኵለንተናዊ ዕብየቱ ድማ፡ ወንጌላዊ ሉቃስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ረዚን ቃላት ጸሚቑ ኣቕሪቡልና ኣሎ።
"40 እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ነበረ። . . . 52ኢየሱስ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።" ሉቃ 2፡40,52
ናይ ጐይታና ዕብየት እንታይ ከም ዚመስል ኣብ ሉቃ 2፡21-52 ተገሊጹልና ኣሎ። ኣብ’ዚ ኽፍሊ ወንጌል’ዚ ጐይታና ኣካላውን መንፈሳውን ዕብየት ከም ዝዓበየ ተጻሒፉልና ኣሎ። እቲ ኣካላዊ ዕብየቱ፡ ብዕድመን ብቝመትን ምዃኑ ብሩህ`ዩ። ኪግዘር ከሎ ወዲ ሾሞንተ መዓልታት፣ ከም በዅሪ ውሉድ መጠን ንኣምላኽ ኪቕደስ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 40 መዓልታት፣ በዓለ ፋሲካ ኼብዕል ናብ ኢየሩሳሌም ኪነግድ ከሎ ድማ ወዲ 12 ዓመት ከም ዝነበረ ተነጊሩና’ሎ። ብዘይካ’ዛ ናይ 12 ዓመቱ ፍጻመ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝተረፈ ናይ ናዝሬት ዕብየቱ ዘርዚሩ ዚገልጾ ነገር የለን። ነቲ መንፈሳዊ ዕብየቱ ግን ብመንፈስ፡ ብጥበብ፡ ብጸጋን ብምእዛዝን ከም ዝዓበየ፡ ብሓጺር ግን፡ ከኣ፡ ብዘይሃስስ ቃላት ገሊጹልና ኣሎ (ሉቃ 2፡40,51,52)። እዚ ዘመን’ዚ ዝተሰርዓልና፡ ብዛዕባ ዕብየት ጐይታና ኽንምሃርን ከነስተንትንን፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ከም ክርስትያን ህዝቢ መጠን፡ መንፈሳዊ ዕብየትና ንዕብየት ክርስቶስ ዚመስል ምዃኑ ንኸነረጋግጽ’ዩ። መንፈሳዊ ዕብየትና ኸመይ ከም ዚመስል ቅድሚ ምምርማርና ግን፡ ናይ ጐይታና ዕብየትን ናይ’ቶም ኣሰሩ ስዒቦም ዝዓበዩ ቕዱሳንን ኣተዓባብያ ኸመይ ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ ይግብኣና። ንሕና’ውን ቃል ኣምላኽ ብግቡእ ተማሂርና፡ ልክዕ ከም ጐይታና በዘን ኣገደስቲ ኣርእስቲ ዕብየት ዓቢናን ንዓብይ ምህላውናን ንኸነረጋግጽ ዝተሰርዓልና ኣገዳሲ ዘመን’ዩ።
ናይ’ዚ መስተንክር ዕብየት’ዚ ቐዳማይ ግብራዊ መረጋገጺ ድማ፡ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኢየሩሳሌም፡ ምስ ሊቃውንቲ ናይ እምነት ኣይሁድ ዝገበሮ’ሞ፡ ንዝሰምዕዎ ዅሎም በቲ ምስትውዓሉን ዚህቦ ዝነበረ መልስን ከም ዚግረሙ ምግባሩ’ዩ። ኻልኣይ ኣገዳሲ መረጋገጺ ድማ፡ ኣብ ዕድመ ቝልዕነቱ "ኣብ’ቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧" ምባሉ’ዩ። ኣብ’ቲ ናቱ ዕድመ ናይ ዘለዉ ቘልዑ ኣተሓሳስባ ኸመይ ከም ዝዀነ ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ኢና። ኣብ ጸወታ’ምበር፡ ኣብ ቍም ነገር ናይ ምርካብ ድልየቶም ኣዝዩ ትሑት’ዩ። ማዕረ ኣካላዊ ቝመቱ፡ ብጥበብን ጸጋን ዝመልአን ብመንፈስ ዝደልደለን ቘልዓ ግን፡ ኣበይ ኪኸውንን እንታይ ኪገብርን ኪዛረብን ከም ዚግብኦ ይፈልጥ’ዩ። እዚ ናይ ጐይታና ዕብየት ንደቅና ብኸመይ ከነዕብይ ከም ዚግብኣና ብግብራዊ መገዲ መምርሕን ኣርኣያን ይህበና ምህላዉ ኺዝንጋዕ ዘይግብኦ’ዩ። እቲ ሳልሳይን ዝለዓለን ናይ ዕብየት መረጋገጺኡ ድማ፡ ንዮሴፍን ነዲኡን ዝነበሮ ምሉእ ተኣዝዞ’ዩ። እዚ ኸኣ፡ ናይ ምዕባይ ሸቶን መዓልቦን፡ ንኣምላኽን ንሰብን ምእዛዝ ምዃኑ ዜረጋግጸልና ግብራዊ ትምህርቲ’ዩ። ዘመነ ሕፅነት ነዚ ወርቃዊ ኣርኣያ’ዚ ናብ ህይወትና ኼስርጽ ዝተሰርዐ ኣገዳሲ ዘመን’ዩ። ንኣምላኽን ንሰብን ናይ ምእዛዝ ዓቕምና ድኹም ምስ ዚኸውን፡ መንፈሳዊ ዕብየትና ዝተቘጽየ ቘልዑ ምዃንና’ዩ ዜቃልዓና። ገሌና መንፈሳዊ ዕብየት እንታይ ምዃኑ ንማለቱ’ኳ ኸይጠዓምናዮ፡ እርጋን ስጋ ኣርኪቡ ዘሰነፈና ኢና። ናይ’ዚ ዘለኣለማዊ መጻኢና ዜበላሽው ዘሎ መንፈሳዊ ድኻም እንኮ መድሃኒት ከኣ፡ ናይ’ቲ መስተንክር ዕብየት ዘርኣየ ክርስቶስ ኣርኣያ ምኽታል ጥራሕ’ዩ።
ኣስተውዒልናዮ ኸም ዘለና፡ ዘመነ ሕፅነት፡ ኵሉ ጊዜ ጥሪ 6፡ ማለት ብበዓለ ግዝረት’ዩ ዚጅምር። እግዚአብሔር ናይ ግዝረት ኪዳን ዝሰርዐን ዝሃበን ነቦና ኣብርሃም’ዩ (ዘፍ 17፡1-14)። እዚ ኺዳን’ዚ መንፈሳውን ኣካላውን ገጽ ኣለዎ። መንፈሳዊ ገጹ "ኣነ ኣምላኽኩም ክኸውን፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝበይ ክትኰኑ" ዚብል’ዩ (ዘፍ 17፡7)። እቲ ኣካላዊ ገጽ ድማ፡ ከም ምልክት ናይ’ቲ መንፈሳዊ ገጽ ናይ’ቲ ኺዳን ኰይኑ ዜገልግል ኪኸውን ከሎ፡ ነቲ ኣብ መትሎ ተባዕታይ ዚርከብ ዕልቦ ወይ ተረፍ ቈርበት (Foreskin) ቈሪጽካ ብምስዳድ (ብምኽንሻብ) ዚፍጸም’ዩ (ዘፍ 17፡10,11)። ግዝረት ናይ ዕልቦ-ስጋ፡ ውክልናዊ ምልክት’ምበር፡ ምስ’ቲ ዕልቦ ጥራሕ ዝተዛመደ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኣብ ካልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ "ልብኹም፡ ኣዒንትኹም፡ ኣእዛንኩም ግዘሩ" ዚብል ትእዛዝ’ውን ተዋሂቡ ኣሎ (ዘዳ 30፡6፣10፡16፣ኤር 9፡25,26፣4፡3 ፣ 6፡10)። እዚ ማለት ግን፡ "ኣዒንትኹም ኣንቍሩ፡ ኣእዛንኩም ቍረጹ፡ ወዘተ" ማለት ኣይኰነን። ካብ’ዚ ኸም ’ንርድኦ’ምበኣር፡ ግዝረት ማለት፡ "ንዅሉ ሰብነትኩም ንኣምላኽ ቀድስዎ፡ ብሰብነትኩም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ" ማለት’ዩ። እዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን "ግዝረት ክርስቶስ" ብዚብል ቃል ተገሊጹ ኣሎ (ሮሜ 2፡28,29፣ቈሎ 2፡11-13፣ፊል 3፡3)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን መተካእታ ግዝረት ዀይኑ ዜገልግል ምስጢር ከኣ፡ ምስጢረ ጥምቀት’ዩ።
ንዘመነ ሕፅነት ብቕዱስ ያሬድ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር "ንጉሥኪ ጽዮን" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ። “ኦ ጽዮን፡ ንጉስኪ ንውሉድ ወለዶ ናባና መጸ። (ንሱ) ሰማይን ምድርን ዚትስፈውዎ፡ ንነገስታት ዕብየቶም፡ ነቶም ዚስዕብዎ ነገስታት ብርሃኖም’ዩ። ንሱ ኣኽሊል ሰማዕታት፡ ሰያም ካህናት፡ ንቤተ ክርስትያን ዓንዳን መሰረታን’ዩ፡ ኣብ ቤትልሄም ተወልደ፡ ኣብ ናዝሬት ዓበየ። ንኣበሳና ኣይዘከረን፡ ኣይሓደገናን ከኣ። ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ (ንኣና) ፍስሃ (ሓጐስ) ኰነ።
ኣበሳና ኣይዘከረን፡ ኣይሓደገናን ከኣ፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጐስ (ፍስሃ) ኰነ። ኢየሱስ ኣብ መዓልቲ ሰንበት፡ ናብ’ታ ዝዓበየላ ናዝሬት ኣተወ። ወልድ ካብ ሰማያት ካብ ኣቦኡ ወረደ። ካብ ማርያም ድማ ተወልደ። እቲ ንዅሉ ዓለም ፍስሃ ዚኸውን ወልድ፡ መድሓንን ክብሪ ቕዱሳንን’ዩ። በጃና፡ በጃና፡ በጃ ዅላትና’ዩ። ኣብ ማእከልና ሰላም ገበረ።”
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ቲ ናይ ሉቃ 4፡16-32 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ብምንታይ ክንዓብይ’ዩ ዚድለይ ዘሎ፧ ናይ ዘየቋርጽ ዕብየት ኣርኣያናኸ መን’ዩ፧ ንጐይታና ኸም ናይ ዘየቋርጽ ዕብየት ኣርኣያና ጌርና ኽንወስዶ ንኽእል ዲና፧ ኣብ’ዚ መእተዊ ናይ’ዚ ስብከትና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ካባና ትጽቢት ዚግበር ዕብየት እቲ ኣካላዊ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ዕብየት’ዩ። ምኽንያቱ ኣካላዊ ዕብየት ንምዕባይ ንሕና ኽንገብሮ ዚግብኣና ዳርጋ የለን ኪብሃል ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ኣካላዊ ዕብየት ባህርያዊ ኽስተት’ምበር፡ ባዕላትና ወጢንናን መዲብናን ’ንገብሮ ናይ ሰብ ስራሕን ውጽኢትን ኣይኰነን። ብርግጽ ጽቡቕ ኣመጋግባ ኣብ ቍመናናን ድልዳለናን ጥዕናናን እወታዊ ኣበርክቶ ኸም ዘለዎ ዘይክሓድ’ዩ። ናይ ሓጺር ቍመት ተወርሶ ንዘለዎ ሰብ፡ ክንዲ ዝመገብና እንተ መገብናዮ፡ ብቝመት ከም ዚነውሕ ክንገብሮ ኣይክኣልን’ዩ። ብብዙሕን ጽቡቕ ዝዀነን ትምህርቲ፡ ንሓይሊ ኣእምሮና ብዝለዓለ ደረጃ ናይ ምጥቃም ዓቕምና ኸነዕብዮ ንኽእል ንኸውን። ብጽቡቕን ጽዑቕን ስልጠና ናይ ስፖርት፡ ንሓይልን ድልዳለን ናይ ኣካላትና ኸነዕብዮ ንኽእል ኢና። ብዝተረፈ ካብ ናጽላነት ክሳዕ እርጋን ዘሎ ዕድመና፡ ነቲ ዕብየትና ኸነቀላጥፎ ዀነ ኸነደናጒዮ፡ ወይ ዝዀነ ዓይነት ለውጢ ኽንገብረሉ ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ዝሰርዖ ባህርያዊ ሕጊ’ዩ።
ኣብ መንፈሳዊ ዕብየት ግን ከምኡ ኣይኰነን። ብዓብዪ ኣብ ኣምላኽ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ኣባና ዚምርኰስ ዕብየት’ዩ። ኣምላኽ ግን ካብ’ቲ ዘሎና ጽቡቕ ፍቓድን ልዑል ግዳሰን ዕዙዝ ትግሃትን ተበጊሱ ደኣ’ዩ ዜዕብየና’ምበር፡ ንዋላ ሓደ’ኳ ብኣስገዳድ ኣየዕብዮን’ዩ። ኣብ መንፈሳውነት፡ ባህርያዊ ዕብየት ዚብሃል ነገር የለን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ "ዕበዩ፡ ወስኹ፡ ማዕብሉ" ዚብል ትእዛዝን ምዕዶን ብተደጋጋሚ ተዋሂቡና ዘሎ።
ንናይ ሰብ መንፈሳዊ ዕብየት ኣርኣያ፡ ካብ ክርስቶስ ዚበልጽ ካልእ ኣርኣያ ኺህልው ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ንሱ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ’ዩ (ቈሎ1፡10)። ኣብ’ቲ መእተዊና ተገሊጹ ኸም ዘሎ ግን፡ ናይ መንፈሳዊ ዕብየቱ ታሪኽ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ብስፍሓትን ብዝርዝርን ስለ ዘይተገልጸ፡ ክንጠቕሶ ’ንኽእል ብዙሕ ኣይኰነን። ዕብየት፡ ናይ ስጋ-ለበስ ፍጡር ባህርይ’ምበር፡ መለኮታዊ ባህርይ ኣይኰነን። ጐደሎ ዝዀነ ኣካል’ዩ ምዕባይን ምውሳኽን ዜድልዮ። ኣምላኽ ግን ካብ’ቲ መጀመርታ ዘይብሉ ጥንታዊ ህላወኡ ጀሚሩ ምሉእን ፍጹምን ስለ ዝዀነ፡ ምዕባይን ምውሳኽን ንእኡ ኣይምልከቶን’ዩ። ክርስቶስ ጐይታና ድማ ፍጹም ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ መለኮታዊ ዕብየት ኣየድልዮን’ዩ። ስግው መለኮት (ስጋ ዝለበሰ መለኮት)፡ ማለት ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ስለ ዝዀነ ግን፡ ልክዕ ከማና ኣካላውን መንፈሳውን ዕብየት ዜድልዮ ዀነ። ብምኽንያት መለኮቱ ዘይከማና፡ ሓንቲ ኻልኢት ኣብ ዘይመልእ ቅጽበት፡ ንዅሉ’ቲ ንሰብ ዜድልዮን ዚሓልፎን ዕብየት ኪዓብዮ ምኸኣለ ነይሩ። እዚ ግን ብመለኮት ዝተዓብለለ ስብእና (personality) ስለ ዚኸውን "ፍጹም ሰብ" ክንብሎ ኣይመኽኣለናን ነይሩ። ዋላ’ኳ ምስ’ቲ ዝለበሶ ስጋ ሓደ ኣካልን ሓደ ባህርይን ክሳዕ ምዃን ተዋሂዱ እንተ ዀነ፡ እቲ ዘርኣዮ ኣካላውን መንፈሳውን ዕብየት ግን፡ ዝዀነ ዓይነት መለኮታዊ ምትእትታው ኣይነበሮን። ከም’ቲ ኣብ ቅዳሴታትና ’ንእመኖ፡ ከም ኵሉ ሰብ፡ ቅደም ተኸተሉ ሓልዩ፡ በብቝሩብ ዓበየ። ኣብ ሉቃ2፡40,52 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ብጥበብን ጸጋን ብምእዛዝን ብመንፈሳውነትን ምሉእ መንፈሳዊ ዕብየት ብምዕባይ ዝለዓለ ኣርኣያና’ዩ። ብዛዕባ ዕብየት ጐይታ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይረኸብናን ማለት ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስና ዚጠቕሶም ናይ ዕብየት ኣርኣያታት የብልናን ማለት ኣይኰነን። ናይ ነፍሲ ወከፎም ዕብየት ብሓደ ደሚርና ምስ ’ንርእዮ ድማ፡ ናይ’ቲ ኽንበጽሖ ዚግብኣና መንፈሳዊ ዕብየት ምሉእ ስእሊ ይህበና’ዩ።
ሓደ ሰብ ብምንታይ ብምንታይ እንተ ዓበየ’ዩ፡ "መንፈሳዊ ዕብየት ዓብዩ" ኽንብሎ ’ንኽእል፧ መንፈሳዊ ህይወት ኣዝዩ ሰፊሕን ብዙሕን ገጻት ዘለዎ ህይወት’ዩ። ናይ ትሕዝቶ፡ ናይ ባህርይ፡ ናይ ዕዮ፡ ናይ ፍረ፡ ናይ ዝምድናታት ወዘተ ገጻት ኣለውዎ። ነዞም ምድባት’ዚኣቶምን፡ ነቶም ኣብ ውሽጦም ዘለዉ ነፍሲ ወከፍ ነጥብታትን ዘርዚርና ኽንርእዮም፡ እዚ ንእሽቶ ወረቐትናን እዚ ሓጺር ናይ ስብከት ጊዜናን ኣየፍቅደልናን’ዩ። ስለ’ዚ ሓፈሻዊ መግለጺ ጥራሕ’ዩ ኺውሃብ ዚኽእል።
መንፈሳዊ ዕብየት፡ ብዘይ ብቑዕን እኹልን መንፈሳዊ ትሕዝቶ ኪብጻሕ ኣይክእልን’ዩ። ንኣብነት ብዓብዩ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ’ቲ ጸላኢና ድያብሎስ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ማእከሎም ’ንነብር ሰባት ኰነ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እናዓበና ዚኸይድ ፍልጠት ኪህልወና ይግባእ። ፍልጠትና እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ መንፈሳዊ ህይወት እናዓበየን እናጸፈፈን’ዩ ዚኸይድ። ፍልጠት መናገፊ’ዩ’ሞ፡ ካብ ብዙሕ ጒድኣትን ጥፍኣትን ናይ ምንጋፍ ዕድል ንረክብ (ምሳ11፡9)። ሰኣን ፍልጠት ምጥፋእ ድማ ኣሎ (ሆሴ4፡1,6)።
መጠን ሓይልኻ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትካ ወሳኒ ግደ ስለ ዘለዎ፡ ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ እናዓበና እንተ ዘይኬድና፡ ብዅሉ ዓይነት ፈተና ብቐሊሉ ንስዓር፡ ናብ’ቲ ዝተመደበልና ኸይበጻሕና ተሓሊልና ንዅለፍ (መዝ84፡7፣ ኢሳ40፡30,31)።
ብመንፈሳዊ ባህርይና፡ ማለት ብፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና ወዘተ ኽንዓብይ’ውን ኣድላዩ’ዩ። ካብ ምልኣት ፍቕሪ ብዝጐደልና መጠን፡ በቲ ኣሉታዊ ናይ ጽልኢ ባህርይ ንዓብይ ኣለና ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ብዅላቶም ተወረስቲ ኣምላኻውያን ባህርያት እናዓበና ናብ ፍጹምነት ገጽና ኽንዓብይ የድልየና። እቲ ባህርያት ድማ ንሓድሕዱ ተዛሚዱ ብማዕረ’ዩ ኺዓብይ ዚግብኦ። ምኽንያቱ ንሓድሕዶም ተተሓሒዞም ዚዓብዩ ተመላላእቲ ባህርያት’ዮም። ብፍቕሪ ዓቢኻ ብትዕግስቲ እንተ ጐደልካ፡ ንትዕግስትኻ ዚፈታተን በደላት ብዝበጽሓካ መጠን፡ ፍቕርኻ ምስባራን ምጥፋኣን ዘይተርፍ’ዩ ዚኸውን። ስለ’ዚ ብሓንቲ ንጽል ባህርይ ጥራሕ ፍሉይ ዕብየት ዘሎካ ምዃን፡ ጥዕና ዘይብሉ፡ ዘየተኣማምን ሰንኮፍ ዕብየት’ዩ።
ዝምድናታት ኣብ ምፍጣርን ኣብ ምህናጽን ኣብ ምዕቃብን ዝተማልአ ዕብየት እንተ ዘይኣርኢና፡ ስዉር ይኹን ግሁድ፡ መንፈሳዊ ስንክልና ኸም ዘለና ዘይክሓድ ሓቂ’ዩ። ጥዑይ ዝምድና ድማ፡ ናይ መንፈሳዊ ዕብየት ዝበለጸ መለክዒ’ዩ። እግዚኣብሄር "ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧" ኢሉ ዚሓትተሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ዘፍ4፡9)። ምስላ ሕያዋይ ሳምራዊ ብጻያዊ ዝምድና ብኸመይ ከም ዚህነጽ ዚምህረና ሓያል መልእኽቲ’ዩ (ሉቃ10፡30)። ሰብኣዊ ዝምድናታትና፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድና ኸይተረፈ ኸም ዚገልጾን ከም ዚጸልዎን ተነጊሩና’ዩ (1ዮሃ5፡11-12)።
ዘይዓበየ ተኽሊ ኸም ዘይፈርይ፡ ፈራዪነት ካብ’ቶም መንፈሳዊ ዕብየትና ዜረጋግጹ ረቛሒታት ሓደ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ዘይግብኦ’ዩ። እቲ ሚእቲ ዚፈርይ፡ ካብ’ቲ ሱሳ ጥራሕ ዚፈርይ፡ ርኡይ ናይ መንፈሳዊ ዕብየት ሓለፋ ወይ ብልጫ ኸም ዘለዎ ትንተና’ኳ ዘየድልዮ ርዱእ ሓቂ’ዩ (ማቴ13፡18-23፣ 7፡16,20)። ልዕል ኢልና ኸም ዝገለጽናዮ፡ ንዅሉ ዓይነት ዕብየት ኣብ’ዚ ኽንዝርዝሮን ክንገልጾን ኣይንኽእልን ኢና። ከም መደምደምታ ግን፡ ዕብየት ዘይምልከቶ ናይ ህይወት ክፍሊ ኸም ዘይብልና ኸነስተውዕል ይግባእ።
ዘየቋርጽ ዕብየት ኪዓብይ ዚኽእል መን’ዩ፧ ዘየቋርጽ ዕብየት ንምዕባይ ክንጽዕት ዚድርኸና ደራኺ ኣተሓሳስባ ኣሎዶ፧ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ብዘየቋርጽ ዕብየት ኪዓብይ ዚኽእል፡ እቲ ብዝበጽሖ ደረጃ ዕብየት ፈጺሙ ዘይዓግብን ገና ብዙሕ ኸም ዚተርፎ ዘስተውዓለን ክርስትያን ጥራሕ’ዩ። ንሱ ጥራሕ’ውን ኣይኰነን፡ ዘይምዕባይ ብዙሕ ሳዕቤንን ሓደጋታትን ከም ዘለዎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ’ውን ተሓታትነት ከም ዜስዕብ፡ ጽቡቕ ገይሩ ዚፈልጥ ክርስትያን፡ ካብ ዕብየት ኪዕንቀፍን ኬቋርጽን ኣይክእልን’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ዝበለጸ ኣብነት ዚዀነና፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ’ዩ። ንሰብ ፊልጲ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ኣዝዩ ሃናጺ ዝዀነ ናይ ህይወቱ ምስክርነት ሂቡና’ሎ።
"ነዚ ዅሉ (ዝጠቐስኩልኩም) ‘ድሮ ረኺበዮ’የ’ ወይ ድማ ‘ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ኰይነ’የ’ ማለተይ ኣይኰነን። ግናኸ፡ ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ፡ ኣነ ድማ ነዚ ዅሉ ናተይ ክገብሮ ኢለ እጽዕር ኣለኹ። ኣሕዋተየ፡ ናተይ ከም ዝገበርክዎ ገይረ ንርእሰይ ኣይግምትን’የ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፡ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ (ነቲ ድሮ ዝበጻሕክዎ) እናረሳዕኩ፡ ናብ’ቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ (ናብ’ቲ ዘይበጻሕክዎ) ኣቢለ እናተመጣጠርኩ፡ ናብ’ቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብ’ቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ሰማይ ጽውዓ ኣምላኽ (ገጸይ)፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ እጐይይ ኣለኹ።" ፊል3፡12-14 ካ.ት
ቅዱስ ጳውሎስሲ፡ ብመንፈስ ተነጢቑ ክሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ዝበጽሐ፡ ሰብ ኪርእዮ፡ ኪሰምዖ ዀነ ኪዛረበሉ ዘይተፈቕደ ምስጢራት ዝረኣየን ዝተገልጸሉን ሰብ’ዩ። ነዚ ሃዋርያ’ዚ ገና ዘይበጽሖ፡ ዚተርፎ ዕብየት ከም ዘለዎ ጌርካ ኽትሓስቦ ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ። ንሱ ግን ነታ ዘለዋ ዅነታት ብቕንዕና ተኣሚንዋ ኣሎ። ገና ዚተርፎ ዕብየት ከም ዘለዎ፡ ናብ’ቲ ብኣምላኽ ተሓንጺጹ ዘሎ ዕላማ ንምብጻሕ ገና ይጐይይ ከም ዘሎ ገሊጹልና ኣሎ። በቲ ዝበጽሖ ዓጊቡ ኻብ ዕብየቱ ኸይኵለፍን ካብ ጒያኡ ኸይዕንቀፍን ስለ ዝሰግአ፡ ነቲ ድሮ ዝበጽሖ ደረጃ ፈትዩ ኺርስዖ ዝወሰነ ሰብ’ዩ። ነቲ ድሮ ዝገበሮን ዝረኸቦን፡ ናቱ ኸም ዘይኰነ ገይሩ ኽሳዕ ምርኣይ በጽሐ።
ነቲ ናይ ዕብየት ጒዕዞኡ ድማ ብዘገምታ ሰለይ እናበለ ዘይኰነስ፡ እናጐየየ ይጐዓዞ ነበረ። ኣብ’ዚ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ኵሉ መልእኽቱ፡ ንዅሉ ጐዕዞኡን ኣገልግሎትን ከም ጒይያ ገይሩ ይገልጾ ነበረ (ግብ20፡24፣ 1ቈረ9፡24,26፣ ገላ2፡2፣ ፊል2፡16፣ 2ጢሞ4፡7፣ እብ12፡1)። ጒይያ ኣዝዩ ኣድካሚ’ኳ እንተ ዀነ፡ ናብ’ቲ ዝተሓንጸጸልካ መስመር ዕብየት ቀልጢፍካ ንኽትበጽሕ ዚረድእ ናይ ጒዕዞ ኣገባብ’ዩ። ኣብ ናይ ጒይያ ውድድር እቲ ዝለዓለ ሽልማትን ክብርን ዚረክብ፡ እቲ ነቲ ዝተመደበሉ ርሕቀት ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ዝወድኦ ጥራሕ’ዩ (1ቈረ9፡24-26)።
ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ክንቀስማ ዚግብኣና ዝዓበየት ጥበብን ምስጢርን ናይ ዓወት ግን "ብክርስቶስ ኢየሱስ ምጒያይ" እያ። ብክርስቶስ ዘይግበር ጕይያን ዕብየትን፡ ሕጋውነቱን ተቐባልነቱን ዘጥፍአ፡ ከንቱን ግናይን ጒይያን ዕብየትን’ዩ። ንጐይዮ ዘለና ናብ ክርስቶስ ክነሱ፡ ብዘይ ክርስቶስ እንተ ጐየናዮ ኸመይ ገይሩ ቕቡል ኪኸውን ይኽእል፧ ምኽንያቱ እቲ መገዲ ባዕሉ ኢየሱስ’ዩ። እቲ ንኣትወሉ ኣፍደገ’ውን ባዕሉ’ዩ። ነቶም ዝተዓወቱ ዚሽልሞም፡ ነቶም ዝፈሸሉ ዚፈርዶም ድማ ባዕሉ’ዩ (ዮሃ14፡6፣ 10፡1-3,7,9፣ ማቴ25፡31,32)። ብስጋ፡ ማለት ብሰብኣዊ ዓቕምን ዕላማን ግዳሰን ምጕያይ ንርእሱ፡ ናይ ኣምላኽ ጸላኢ ዚገብር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ ድማ ሞት’ዩ (ሮሜ8፡5-8፣ ገላ5፡16,17፣ 6፡7,8)። ብዘይ ክርስቶስ ዚግበር ጕይያ፡ ዋላ መንፈሳዊ እንተ መሰለ’ኳ፡ ንኣምላኽ ኰነ ነቲ ጐያዪ ዘየኽብር እኩይ ጒይያ’ዩ (ኤር22፡10)። እምበኣር እቲ ንዕብየቱ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኼብጽሖ ዚደልይ ሓቀኛ ክርስትያን፡ ነዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣርኣያ ኺስዕብ ይግብኦ።
ኣብ ዝበጽሕዎ ዘይብሎም ክነሶም፡ ኣብ ጥራይ ኢዶም ምሉእነትን ዕግበትን ኪስምዖም ዝጀመረ ግን በቲ ሓቀኛ መዛኒ ተዋሪዶም’ምበር ኣይተናእዱን። መራሒ ቤተ ክርስትያን ሎዲቅያ፡ "ሃብታምን ፈሳስን’የ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር’ኳ የብለይን" ክሳዕ ምባል ዝተጠበረ ሰብ’ዩ ዝነበረ። እቲ ሓቀኛ መዛኒ ግን "ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይፈለጥካን ኣለኻ" ኢሉ ልክዕ ሚዛኑ ነገሮ። ከም’ታ ዝበላ ሃብታምን ፈሳስን ዚዀነላ ሓቀኛ ጥበብ ድማ ገለጸሉ (ራእ3፡17,18)። ንመራሒ ቤተ ክርስትያን ሳርዴስ’ውን ተመሳሳሊ ሚዛን’ዩ ዝተዋህቦ (ራእ3፡1,2)። እዚ ንምህሮና ኪኸውን’ዩ ተጻሒፉልና’ሞ፡ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ጥበራ ርእስና ኽንሕልው ይግብኣና።
ደረጃ ዕብየትና ብኸመይ’ዩ ዚልካዕ፡ ናይ ዕብየትና ዝለዓለ ጥርዚ እንታይ’ዩ፧ ዕብየትናኸ ኣበይ’ዩ ዚውዳእ፧ ናይ ዕብየትና ዝለዓለ ጥርዚ፡ ንክርስቶስ ምምሳል’ዩ። ብመሰረቱ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጠርና ምዃንና ኺዝንጋዕ ኣይግብኦን’ዩ። ብሰሪ ሓጢኣት ነቲ ዝወረስናዮ መልክዕን ምስልን ምስ ኣጥፋእናዮ ድማ፡ ንኢየሱስ ክንመስል ተሰርዓልና። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ፦
"ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዅሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም።" ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ8፡29)። ከም’ቲ ምስሊ ናይ’ቲ መሬታዊ ኣዳም ዝለበስና፡ ምስሊ ናይ’ቲ ሰማያዊ ኣዳም ዝዀነ ኢየሱስ ክንለብስ ይግብኣና’ዩ (1ቈረ15፡49)። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ ’ንነብሮ ዅሉ ናብራ፡ ነቲ ምስሉ ኻብ ቓል ኣምላኽ ከም ብመስትያት እናረኣና፡ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ ኽንልወጥ ተመዲቡልና ኣሎ (2ቈረ3፡18)። ስለ’ዚ ደረጃ ዕብየትና፡ በቲ ንእኡ ምምሳልና’ዩ ዚልካዕ። ንኢየሱስ ምሉእ ብምሉእ (100%) ኺመስሎ ዚኽእል’ኳ እንተ ዘየለ፡ እቲ ሸቶና እቲ ዝተሓንጸጸልና ዕላማ ግን ንሱ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ብዝለዓለ ደረጃ ንኢየሱስ ዝመሰለ ክርስትያን፡ ንሱ ነቲ ዝለዓለ ናይ መንፈሳዊ ዕብየት ደረጃ ዝበጽሐ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ህይወት ተልእኾኡን ዕላማኡን ንሱ ምዃኑ፡ በቲ "ከም’ቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም’ውን ንኣይ ምሰሉ።" ዝበሎ ቓል ገሊጽዎ ኣሎ (1ቈረ 11፡1)። እቲ "ንኣይ ምሰሉ" ዚብሎ ዘሎ፡ ንሱ ነቲ ናይ ክርስቶስ ቦታ ኺወስድ ስለ ዝደለየ ዘይኰነስ፡ "ናታትኩም ዕላማ ድማ፡ ከም’ዚ ናተይ ንክርስቶስ ምምሳል ይኹን" ማለቱ’ዩ። ናይ ህይወት ዕላማኡ ነዛ ንክርስቶስ ምምሳል ዘይገበረ ክርስትያን፡ ክርስትያን ኪስመይ’ኳ ኣይብቑዕን’ዩ። ይዓብይ ድዩ ዘሎ መመሊሱ ቘልዓ’ዩ ዚኸውን ዘሎ ኺፈልጥ’ውን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብመሰረቱ እቲ ናይ ዕብየት መምዘኒ የብሉን። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስን ነቶም እብራውያን ተገልገልቱን ምስሊ ህይወቶም ምስ ረኣየ፡ "ብክርስቶስ ቈልዑ" ምዃኖም ገምገመ (1ቈረ3፡1-3 ፣ እብ5፡11-14)። ቍልዕነት ከም ዘይበለየሎም እናረኣየ፡ ንብጹሓት ዚኸውን ትምህርቲ ኺምግቦም ኣይከኣለን። መንፈሳዊ ዕብየት ዘይዓበየ ሰብ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ብቑዕን ፍቱንን ኣይኰነን። ስለ’ዚ ንህይወት ክርስትና ዘይበቅዕ ሰብ ኰይኑ ኣሎ ማለት’ዩ። ንዘይምዕባይ ኣዚና ኽንፈርሆ፡ ንምዕባይ ድማ ኣዚና ኽንሃርፎ ዚግብኣና ኸኣ ብእኡ ምኽንያት’ዩ።
እምበኣር ርእስና ንመርምር። ምስልና ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ነረጋግጽ። ነቶም ዚመስልዎ ጥራሕ ስለ ዚቕበል፡ ነቶም ንእኡ ናብ ምምሳል ዘይዓበዩ ዅሎም፡ "ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን’የ፡ ካባይ ርሓቑ" ኢሉ’ዩ ዜሰናብቶም። ስለ’ዚ ብዅለንተናና ንእኡ ንምምሳል፡ ብዘየቋርጽ ዕብየት ንዕበይ። ዘይምዕባይ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምፍራድ፡ ዘለኣለማዊ መጻኢኻ ምብልሻው’ዩ’ሞ፡ ነቲ ፈጣሪናን መድሓኒናን ንምምሳል፡ ርእስና ኸይጠበርና፡ ብምሉእ ተወፋይነት ብዘይምቍራጽ ንዕበይ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
18 ጥሪ(ር) 20265 | ጥሪ 10, 2018 ግዕዝ (መበል 19 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ:31(132)፡6,7 "ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ። ወረከብናሁ ውስተ ዖመ ገዳም። ንበውእ እንከሰ ውስተ አብያቲሁ ለእግዚአብሔር።" "እንሆ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፡ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማሕደሩ ንእቶ፡ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ሮሜ 15፡1-13 |
ዲያቆን |
|
| 1ዮሃ 4፡14-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 13፡32-43 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ሉቃ 4፡16-32 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ንጉሥኪ ጽዮን |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ