S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብቕድስናኹም ቀድስዎ!! ቊ.30 (22 ለካቲት 2026 ፈ | የካቲት 15, 2018 ግዕዝ)

"ከም’ቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ። . . . ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘሰማዕናልኩምን ናይ’ዚ ዅሉ ነገራት’ዚ ፈዳይ ሕነ (ባዕሉ) ኣምላኽ’ዩ። (ምኽንያቱ) ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር’ዩ ጸዊዑና። 1ተሰ 4፡5-7ካ.ት

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ኻልኣይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብዪ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ "ቅድስት" ይብሃል። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ ክልተ ናይ ዘመነ-ቅድስት ንኡሳን ዘመናት’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ እታ ናይ ዘመነ ነብያት ቀዳመይቲ ሰንበትን ሰሙንን (ሕዳር13-ሕዳር19) ክትከውን ከላ፡ ካልኣይቲ ድማ እዛ ዘለናያ ቕንያት’ያ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር-ሰንበት፡ "ግነዩ ለእግዚአብሔር" ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ኣብ ማቴ 6፡ 19-21፣ቈሎ 3፡1-3፣መዝ 105፡1,2፣ማር 2፡27,28 መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ መዝሙር’ዩ። ትርጕሙ ድማ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ። 

“ንእግዚአብሔር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፡ ግብርታቱ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ኣውርዩ። ንስሙ ኽብሪ ሃቡ። ሰንበት ኣኽብሩ፡ ጽድቂ ግበሩ፡ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፡ ኣብ ሰማይ መዝገብ ግበሩ። ድልዋት ኴንኩም ንበሩ፡ ነቲ ክርስቶስ ዘለዎ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ። 

 ሰንበት ቅድስቲ’ያ። ካብ ኵለን ዕለታት፡ ሰንበት ትዓብይ። ሰንበት ምእንቲ ሰብ ተፈጥረት፡ ናይ ሰናብቲ ሰንበት ንደቂ ሰብ መድኃኒት’ያ። ጽዮን ቅድስትን ሰላማዊትን ከም መብራህቲ ካብ ርሑቕ ‘ትርኣይን (ተንጸባርቕን)’ያ።”

"ቅድስት" ተባሂላ ዘላ እዛ ’ንጾማ ዘለና ጾም’ያ። ካብ’ዚ መዝሙርና ተገንዚብናዮ ኸም ዘለና ድማ፡ ንሰንበትን ንኢየሩሳሌምን (ንጽዮንን)’ውን "ቅድስት" ኢልወን ኣሎ። ጾም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቅዱስ ዚኸውን፡ እቲ ዚጸውም ዘሎ ውልቀ ሰብን ህዝብን ብቕድስና ዚነብር ምስ ዚኸውን’ዩ። ንርእስኻ ብሓጢኣት እናተራኸስካስ፡ ንበይኑ ፈሊኻ ነቲ ጾምካ ቕዱስ ክትገብሮ ኣይክኣልን’ዩ። ቃል እግዚአብሔር "ካብ ክፉኣት ክፉእ ይወጽእ" ከም ዚብል፡ ቅዱስ ተግባር’ውን ካብ ቅዱሳት ሰባት’ዩ ዚወጽእ (1ሳሙ 24፡14)። እግዚአብሔር ንጾምና ኺመዝኖ ኸሎ ድማ፡ ንትሕዝቶ ኸስዐና ወይ’ውን ንናይ ገጽና ወዝን ንናይ ስጋና ስብሕን ኣይኰነን ዚርእይ። ነቲ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ብምርኣይ’ዩ ንጾምና ዚቕበሎን ዚነጽጎን። እቲ ኣብ ኢሳ 58፡1-12 ዘሎ እግዚአብሔር ብዛዕባ ጾም ናይ እስራኤላውያን ዝተዛረቦ ቓል፡ ነዚ ዝበልናዮ ሓቂ’ዩ ዜረጋግጸልና። እቶም ጸወምቲ ብኸስዐኦምን ብስጋኦምን ንጾሞም ኪመዝንዎ ኸለዉ፡ እግዚአብሔር ግን ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶም ዚገብርዎ ግፍዕን ባእስን ክርክርን ይመዝን ነበረ። እታ፡ "ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም ’ትገብሩ ዘለኹም" ትብል ቃል፡ ጸገም ናይ’ቶም ጸወምቲ ኣበይ ምዃኑ ’ተብርሃልና’ያ (ኢሳ 58፡13)። ንኣምላኽ ኢሉ ዚጸውም ሰብ፡ ተግባር ኣምላኽ ኪገብር’ዩ ዚግብኦ። ተግባር ሰብ፡ ዓመጽን ሓጢኣትን’ዩ። ተግባር ኣምላኽ ግን፡ ጽድቅን ፍትሕን’ዩ። ብዘይ ተግባር ኣምላኽ ዚግበር ጾም፡ ናይ ስጋ ናይ ከስዐ ጸወታ’ምበር፡ ምስ ጾም ኪስራዕ ፍጹም ዘይግብኦ’ዩ። ነቲ ገባሪኡን ነቶም ዚዕዘብዎ ሰባትን ይጥብሮም ይኸውን’ምበር፡ ንኣምላኽ ኣይምስጦን’ዩ። ህዝቢ ነነዌ፡ ንኣምላኽ ዘይፈልጥ፡ ጣኦታት ዜምልኽ ኣረማዊ ህዝቢ’ዩ ዝነበረ። እግዚአብሔር ከም ዚድምስሶም ብነብዪ ዮናስ ገይሩ ምስ ተዛረቦም ግን፡ ካብ ንጉስ ክሳዕ ተራ ሰብ፡ ካብ ሽማግለ ኽሳዕ ህጻን፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ጾሙ። ሰቡን እንስሳኡን ናብ እግዚአብሔር ዓዕ በለ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን  ነዚ ጾም’ዚ ኪእውጁ ኸለዉ፡ ምስጢር ናይ ዕዉት ጾም እንታይ ምዃኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸሎም፦ 

"ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ፡ ካብ እኩይ መገዱን ካብ’ቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን (ብንስሓ) ይመለስ"። ኢሎም ኣወጁ (ዮና 3፡8)። ብድሕሪ’ዚ እግዚአብሔር ንምንታይ ንጾሞም ከም ዝተቐበሎን ምሕረት ከም ዝሃበን፦ 

"ኣምላኽ ከኣ፡ ካብ እኩይ መገዶም ከም ዝተመልሱ ግብሮም ረኣየ፡ ኣምላኽ’ውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ ዝተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፡ ኣይገበሮን ከኣ።"ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ (ዮና 3፡10)። ካብ’ዚ ዚበልጽ ናይ ጾም ግብራዊ መግለጺ ኽንረክብ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ጾም ዚቕደስ በቲ ’ነዘውትሮ ግብርን ’ንነብሮ ናብራን’ምበር፡ ብኽብደት ናይ ጥምየትናን ብምሕሳእ ናይ ሰብነትናን ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ዝምድናታትና፡ ኣብ ዓይኒ እግዚአብሔር ብኽብሪ ዚጥመት ህይወትን ናብራን ከም ዘሎና ኸነረጋግጽ ይግባእ። ጾምና ናብ ቅድስና ንምብጻሕ ዚሕግዘና መንፈሳዊ ጥበብ’ምበር (Means)፡ ንርእሱ ሸቶ ወይ ዕላማ ኣይኰነን። ዕዉት ጾም ንጸውም ምህላውናን ዘይምህላውናን ኸነረጋግጽ ምስ ’ንደልይ፡ ነቲ ናይ ህይወትና መንፈሳዊ ፍረ ኢና ’ንፍትሽ። እናሓጣእካ ምስ ርኽሰትካ ምጻም፡ ድርብ ወጽዓ’ዩ። ስለ’ዚ በካይዳና ንጾምና ቕዱስን ቅቡልን ንግበሮ። ነዚ ጐይታናን ኵሎም ቅዱሳኑን ዝተዓወቱሉ ክቡር ናይ ጾም ስነ ምግባር፡ ኣባና በጺሑ ኸይሓስር፡ ኣብ ክንዲ ምሕረት መዓት ከይወልደልና፡ ንኽብሩ ብዚምጥን ኣገባብ ንፈጽሞ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ቲ ናይ 1ተሰ 4፡1-12 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።

ሰብሲ ኸመይ ገይሩ’ዩ ንኣምላኽ ዚቕድሶ፧ ብመሰረቱኸ ንእግዚኣብሄር ኪቕደስ የድልዮ ድዩ፧ ብርግጽ እግዚኣብሄር ብቕድስናኡ ኣበር ዘይወጾ ፍጹም’ዩ። ብቕድስናኡ ኺዳረጎን ኪመዓራረዮን ዚኽእል  ሓደ’ኳ የልቦን። ቅድስናኡ ይትረፍ ኪብጻሕ፡ ክትርድኦን ክትገልጾን’ውን ዚክእል ኣይኰነን (ዘጸ 15፡11፣1ሳሙ 2፡2፣ራእ 15፡4)። ካልእ "ቅዱስ" ኪብሃል ዚኽእል ፍጥረት እንተ’ልዩ፡ እግዚኣብሄር ዝቐደሶን ካብ ቅድስና ኣምላኽ ዝተማቐለን ጥራሕ’ዩ። ድሕሪ ኣምላኽ እቲ ዝለዓለ ናይ ፍጡራት ቅድስና ኺህልዎም ዚኽእል፡ እቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ቘይሞም፡ ብዘይ ምቍራጽ ለይትን መዓልትን "ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ" እናበሉ ኺውድስዎን ኬኽብርዎን ዚነብሩ ኪሩቤልን ሱራፌልን’ዮም። (ብንጽል "ኪሩብ፣ ሱራፊም" ኺብሃሉ ኸለዉ፡ ብብዙሕ ድማ "ሱራፊል፣ ኪሩቤል"‘ዮም ዚብሃሉ።) መጽሓፍ ቅዱስና ሽዱሽተ ኣኽናፍ ከም ዘለዎም’ዩ ዚነግረና (ኢሳ 6፡2፣ራእ4፡8)። ኣብ ቅድሚ ቕድስናኡ ኪቘሙ ስለ ዘይክእሉ፡ በቲ ኽልተ ኽንፊ ገጾም፡ በቲ ኽልተ ኽንፊ ድማ ኣእጋሮም ሸፊኖም’ዮም ዚውድሱን ዜገልግሉን። ስለ’ዚ ቕድስና ኣምላኽ እምብዛ ፍጹም ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ይትረፍ ሰብ እዚ ርኹስ ፍጥረት ኪውስኸሉ፡ ባዕሉ እግዚኣብሄር’ውን ንቕድስናኡ ኺውስኸሉ ኣየድልዮን’ዩ።

ከምኡ ኻብ ኰነ፡ "ንምንታይ ደኣ’ዩ ‘ንኣምላኽ ቀድስዎ’ ዚብሃለና ዘሎ፧" ዚብል ሕቶ ኪቕጀለና ባህርያውን ጽቡይን’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ምስ ተፈጥሮናን መንነትናን ዝተዛመደ ምስጢር ዘለዎ’ዩ። ናብኡ ቕድሚ ምስጋርና ግን፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ በቶም ልኡኻቱን ልሳኑን ዝዀኑ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ገይሩ፡ "ንእግዚኣብሄር ቀድስዎ" ኸም ዝበለና ኽንርእይ ኣድላዪ’ዩ። ክልቲኡ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተዘርበ ቓል’ዩ።

"ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ንእኡ ቐድስዎ። ንሱ ፍርሃትኩም ይኹን። ንሱ ሰንባድኩም ይኹን፡ ንሱ ኸኣ መቕደስ ኪኸውን’ዩ፡ ነተን ክልተ ቤት እስራኤል ግና እምኒ ምዕንቃፍን ከውሒ ምንስታትን፡ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩ’ውን መድፈና መፈንጠራን ኪዀኖም’ዩ። ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ ኪዕንቀፉን ኪወድቁን ኪስበሩን ኪፍንጠሩን ኪትሓዙን’ዮም።" ኢሳ 8፡13-15

"ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ’ምበር፡ ብዛዕባ’ታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሓትተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ ዝተዳለኹም ኩኑ . . . ።" 1ጴጥ 3፡14,15

እቲ ናይ ነብዪ ኢሳይያስ መሲሓዎ ትንቢት ቃል፡ ኣምላኽነት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ካብ ዜረጋግጹልና ኣገደስቲ ጥቕስታት ሓደ’ዩ። ንእኡ ብምፍራህ ከም ‘ንቕድሶ ድማ ገሊጹልና ኣሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ብዛዕባ ‘ንቕበሎ ሓሳረ መከራ ብዘይምፍራህን ብዛዕባ ተስፋና መልሲ ንምሃብ ድሉዋት ብምዃንን ከም ‘ንቕድሶ ኣብሪሁልና ኣሎ። ኣብ ዘሁ 20፡2-13 ተገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ህዝቢ እስራኤል ብሰሪ ስእነት ማይ ምስ ኣጕረምረመ፡ እግዚኣብሄር ንነብዪ ሙሴን ሊቀ ካህናት ኣሮንን ነቲ ኸውሒ ኺዛረብዎ ኣዚዙ፡ እቲ ኸውሒ ማይ ከም ዚህቦም ኣረጋገጸሎም። ነዚ ናይ ኣምላኽ ዘረባ ግና ሙሴን ኣሮንን’ኳ ኣይኣመንዎን። ከም ናይ ዘይምእማኖም መርኣያ ድማ፡ "ካብ’ዚ ኸውሒ’ዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧" እናበለ፡ ሙሴ ነቲ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ኣፍሪሱ፡ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ። እግዚኣብሄር በዚ ተግባሮም’ዚ ኣዝዩ ጐሃየ’ሞ፦

"ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩም፡ ስለ’ዚ ነዚ ማሕበር’ዚ ናብ’ቲ ዝሃብክዎም ምድሪ ኣይከተእትውዎን ኢኹም።"

ኢሉ ፈረዶም (ዘሁ 20፡12)። በዚ ፍርዱ’ዚ ድማ ብዙሕ ተለሚኑ’ኳ ምሕረት ኪገብር ኣይፈተወን (ዘዳ 3፡23-27)። እግዚኣብሄር ብዛዕባ’ቶም ዘይቅድስዎ ሰዓብቱ ኣዝዩ ኸም ዚጕህይን ብዘይ ምሕረት ከም ዚፈርድን ዜርእየና ጒሉሕ ኣብነት’ዩ። እግዚኣብሄር፡ ካብ ሙሴ ኣብሊጹ ዚርእዮ ሰብ ከም ዘይብሉ፡ ባዕሉ ተኣሚኑ’ዩ (ዘሁ 12፡1-9)። ነቲ ኸውሒ ብእንጽርጽሮት ብምህራም ዘይኰነ፡ ብእምነት ብምዝራብ ገይርዎ እንተ ዚኸውን፡ ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዘይኣማንን መጕረምረምን ህዝቢ ምቐደሶ’ሞ፡ እግዚኣብሄር ምተሓጐሰ፡ ሙሴ’ውን ናብ’ታ ምድሪ ተስፋ ብምእታውን ነቲ ህዝቢ ኣውሪሱን ኣዝዩ ዓብይ ክብሪ ምረኸበ ነይሩ። ስለ’ዚ ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ዀነ ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎትና፡ ብጻድቕ ባህርያት ክንዋሳእን ከነገልግልን ከለና፡ ንእግዚኣብሄር ንቕድሶ ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና።

ንእግዚኣብሄር ክንቅድሶ ዜኽእለና፡ ምስ ተፈጥሮናን መንነትናን ዝተዛመደ ምስጢር እንታይ’ዩ፧ ምልስ ኢልና ናብ’ቲ ዝተፈጠርናሉ ዘመን እንተ ርኢና፡ ሰብ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ ኢና ‘ንግንዘብ (ዘፍ 1፡26,27፣ 5፡1፣ 9፡6፣ 8፡5 ፣ 82፡6 ፣ 89፡6 ፣ 1ቈረ11፡7 ፣ 2ቈረ 4፡4 ፣ ቈሎ 1፡15 ፣ 3፡10 ፣ ኤፌ 4፡24 ፣ ያእ3፡9)። እዚ ኽብሪ’ዚ ንወዲ ሰብ ጥራሕ ዝተዋህበ ፍሉይ ትዕድልቲ’ዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዜረጋግጹልና፡ መላእኽቲ’ኳ ነዚ ኽብሪ’ዚ ኣይተዓደልዎን። ብሓጢኣት ምስ ወደቕናን ካብኡ ምስ ረሓቕናን በቲ ሓደ ወዱ ገይሩ ንኼድሕነና ዝፈቐደሉ መሰረታዊ ምኽንያት ድማ፡ እዚ ፍሉይ ትዕድልትና’ዩ። ንዝወደቑ መላእኽቲ ዘየልዓለስ፡ ንኣና ንዝወደቕና ደቂ ኣዳም ግን ኬልዕለና ፈቐደ (እብ 2፡14)። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ኸም’ቲ ኻብ መልክዑን ምስሉን ዘካፈለና፡ እቲ መድሓኒ ወዱ ስጋና ብምልባስ ንኣና ኸም ዚመስል ብምግባር ነቲ ምምስሳልና ዕጽፍን ድርብን ገበሮ። ስለ’ዚ ሰብ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዝተጋህደን ንኣምላኽ ዚውክልን እንኮ ኣካል ኰነ። ኵሉ’ቲ ተወራሲ ባህርያቱ ሂቡ ዝፈጠረና፡ ብዅለንተናና ናይ ኣምላኽ ኣካል ኢና። ነቲ ዝወረስናዮ ባህርያት እንተ ኣንጸባረቕና፡ እቲ ዝገበርናዮ ንኣና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣምላኽ ዚውክል’ዩ ዚኸውን። እንተ ሓጣእና’ውን ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከይተረፈ ኢና ’ንሓጥእ። ስለ’ዚ ዅሉ ቕኑዕን ጻድቕን ተግባርና ንኣምላኽ ይቕድሶ፡ ኵሉ ሓጥእ ባህርይን ተግባርን ድማ ንኣምላኽ ናይ ምርካስ እኩይ ሃቐናን ተግባርን’ዩ። ምኽንያቱ በቲ ዘውረሰና ባህርያቱ፡ ባዕሉ እግዚኣብሄር ኣባና ኣሎ። ንሕና ናይ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣምላኽ፡ ምድራውያን ወኪላቱ ኢና። ስለ’ዚ ብኣና ይኸብርን ይቕደስን፡ ወይ ከኣ ብኣና ይጽረፍን ይንዓቕን ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ብዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋግሚ ዝተረጋገጸ’ዩ።

"እምበኣርሲ ኣታ ንኻልኣ ’ትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ ‘‘ኣይትስረቑ’’ ኢልካ ’ትሰብኽ፡ ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ ‘‘ኣይትዘምው’’  ’ትብል፡ ባዕልኻዶ ትዝምው፡ . . . ከም’ቲ ‘‘ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ’ዩ።’’ ዚብል ተጻሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ ’ትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣለኻ፧" ሮሜ 2፡21-24

"(ንእስራኤላውያን ብሰሪ ሓጢኣቶም) ነድሪ ቝጥዓይ ከዓኹሎም።. . . ናብ ማእከል ህዝብታት ዘረውክዎም፡ ናብ ሃገራት ከኣ ፋሕ ኣበልክዎም። ኣብ’ቲ ዝኣተውዎ (ሃገራት) ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ፡ ‘እዚኣቶም ይኣይ ህዝቢ እግዚኣብሄር’ዮም፡ ግናኸ ካብ’ታ ዓዱ ኺወጹ (ተፈርዱ)’  በልዎም። በዚ ኸም’ዚ ኸኣ ንቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ። እስራኤላውያን ኣብ ዝኣተውዎ ዅሉ ሃገር ንቕዱስ ስመይ ስለ ዘርከስዎ፡ (ብዛዕባ) ቕዱስ ስመይ ከም ዝግደስ ገበሩኒ። . . . ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዘርከስኩምዎ ዓብይ ስመይ ቅዱስ ከም ዝዀነ ነህዛብ ምስ ኣርኣኽዎም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ’ዮም። . . . ብኣኻትኩም ገይረ ኣነ ቕዱስ ምዃነይ ነህዛብ ከርእዮም’የ።" ህዝ 36፡18-23 ካ.ት

ካብ’ቲ ብዙሕ ኣብነታት፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ንምብራህ "እዚ ጥቕስታት’ዚ እኹልን ስእላውን’ዩ" ኺብሃል ይክኣል’ዩ። ኣብ’ቲ ሰባት ዚገብርዎ ኣበሳ፡ እግዚኣብሄር ኢድ ዘይብሉ ንጹህ ክነሱ ዚጽረፈሉን ስሙ ዚረኽሰሉን ምኽንያት፡ ብምኽንያት’ቲ ኻብኡ ዝወረስናዮ መልክዕን ምስልን፡ ምስኡ ኣካልነት ስለ ዘሎና’ዩ። ንሕና ናይ ኣምላኽ ባህርይን ግብርን ኣብ’ዛ ናይ ሓጢኣት ዓለም’ዚኣ ብምንጽብራቕ፡ ንእኡ ኸነኽብር ዝተፈጠርና ኢና (ኤፌ2፡10 ፣ ኢሳ43፡6,7)። ስለ’ዚ ድማ፦ "እንተ በላዕኩም፡ እንተ ሰተኹም ወይ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።"  

ተባሂልና ተኣዚዝና ኣለና (1ቈረ10፡31)። ዝዀነ ነገር እንተ ገበርና፡ ንኣና ንበይንና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብቐጥታ ንእግዚኣብሄር ዚምልከትን ዚጸልውን ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግባእ። ብቕድስና ኽንመላለስ ከለና፡ ኣብ’ዛ ርኽስቲ ናይ ሓጢኣት ዓለም፡ ኣብ ክንድኡ ዄንና ቅድስና ኣምላኽ ነንጸባርቕ ኣለና። ብኣንጻሩ ብርኽሰት ክንመላለስ ከለና ድማ፡ እግዚኣብሄር ርኹስ ምዃኑ፡ ብግብርና ብምግላጽ ዘይናቱ ባህርይ ሂብና ነዋርዶን ነሕስሮን ማለት’ዩ። ሓቂ ኽንዛረብ ከለና፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓቅነት፡ ኣብ’ዛ ናይ ሓሶት ዓለም ነንጸባርቖ ኣለና። ሓሶት እንተ ተዛረብና ግን፡ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ሓሳዊ ንገብሮ። ነቲ ዓብይ መንነቱ ኽንልውጦ ኣይንኽእልን ኢና፡ ኣባና ኣብ’ቲ ውልቃዊ ህይወትና ግን፡ ንኣምላኽ ሓሳዊ ንገብሮ ማለት’ዩ።

"(ንሕና) ‘‘ሓጢኣት ኣይገበርናን’’ እንተ በልና፡ (ንኣምላኽ) ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉ’ውን ኣባና የሎን።"  1ዮሃ1፡10

". . . እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ (ንኣምላኽ) ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ።" 1ዮሃ5፡10

ብባህርዩ ሓቀኛ ኽነሱ፡ ብሰሪ ዘይምእማንናን ሓጢኣትና ብምኽሓድናን ግን፡ ኣባና ሓሳዊ ንገብሮ ኣለና። እቲ ንሕና ‘ንገብሮ ንእኡ ኸም ዚምልከቶ፡ እቲ ናቱ ባህርይን ግብርን ድማ ብቐጥታ ንኣና ኸም ዚምልከተና ንኺገልጽ፡ ደጋጊሙ፦ "ኣነ ቕዱስ’የ’ሞ፡ (ንስኻትኩም’ውን) ቅዱሳን ኩኑ።" ኢሉና ኣሎ (እብ12፡14)።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ግን፡ ነቲ ናትና ቕዱሳን ናይ ምዃን ሓላፍነትና ክሳዕ ክንዲ’ዚ ብኣጽንዖት ይዛረበሉ ድዩ፧ ናይ ቅድስናና ጕዳይ፡ ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስቲ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ብዘይ ቅድስና ገጽ እግዚኣብሄር ኪርእይ ዚኽእል ሓደ’ኳ የልቦን (ዘሌ11፡44,20፡7,26 ፣ 1ጴጥ1፡15,16)። እዚ ዅሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዝርዝር ትእዛዛት፡ ናብ ቅድስና ኼእትወናን ኣብኡ ጸኒዕና ኽንነብር ንኬኽእለናን ዝተኣዘዘ’ዩ። ንሓንቲ ንእሽቶ ‘ትመስል ትእዛዝ ከነፍርስ ከለና፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ቅድስናናን ኣብ ልዕሊ ቅድስና ኣምላኽናን ብድፍረት ንለዓል ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ።

". . . ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺእኩም ንጽድቂ ስለ ዝተገዛእኩም፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። . . . ከም’ቲ ንርኽሰትን እናገደደ ንዚኸይድ ክፍኣትን ኪግዛእ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ናብ ቅድስና ንዜብጽሕ ጽድቂ ኺግዛእ ኣካላትኩም ወፍዩ። . . . ባሮት ሓጢኣት ኣብ ዝነበርኩምሉ (ዘመን)፡ ‘‘ጽድቂ ኽንገብር ይግብኣና’ዩ’’ ዚብል ስኽፍታ ኣይነበረኩምን። . . . ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺእኩም ንጽድቂ ስለ ዝተገዛእኩም፡ ቅድስና ፈሪኹም ኣለኹም። ሮሜ6፡17-19,20,22 ካ.ት

ስለ’ዚ ኻብ ሓጢኣት ዝረሓቕናላን ንጽድቂ ዝተገዛእናላን ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ፡ ናይ ቅድስና ተግባር’ያ። ብጽድቂ ናብ ቅድስና ኽንበጽሕ ከለና፡ ኣብ ሮሜ 12፡1 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ንስጋና ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርና ነቕርብ ኣለና ማለት’ዩ። "ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ" ኸም ዝተባህለልና፡ እግዚኣብሄር ካባና ዚደልዮ ነገር ንሱ’ዩ። ስጋ-ለበስ ገይሩ ዝፈጠረና፡ ንስጋና ናቱ ሕሩይ-ኣቕሓ ጌርና ብቕድስና ምእንቲ ኸነግዝኣሉ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጥእ ስጕምቲ ድማ፡ ኣምላኽ በቲ ንኽብሩ ኢሉ ዝፈጠሮ ስጋና ከም ዚዋረድ ምግባር’ዩ። "ቅድስና" ንዚብል ኣርእስቲ፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ምስ ዝሙትን ምንዝርናን፡ ብሓፈሻ ምስ ጾታዊ ጕዳያት ጥራሕ ከም ዚዛመድ ጌርና ኢና ’ንርድኦ። እዚ ድማ ብመንፈሳዊ ርድኢትና ገና ናብ ምሉእ ብርሃን ከም ዘይበጻሕና ዜቃልዓና’ዩ። ሰብ ዚገብሮ’ሞ፡ ንቕድስናኡ ዘይጐድእ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት የለን። ስለ’ዚ ኻብ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት ድማ’ምበር ካብ ጾታዊ ርኽሰት ጥራሕ ምዕቃብ ቅድስና ኸም ዘይኰነ ብንጹር ንፍለጥ። 

"እምበኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት’ዚ ኻብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብ’ቲ ንስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ፡ ርእስና ነንጽህ።" 2 ቈረ7፡1

እግዚኣብሄር ቅድሚ ምስራት ዓለም ብክርስቶስ ገይሩ ዝሓረየና ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ምእንቲ ኽንኰነሉ’ዩ (ኤፌ1፡4)። ጐይታና ምእንታና ርእሱ በጃ ገይሩ ዝወፈየ ምእንቲ ኪቕደስና፡ ርስሓት ኰነ ዕጣር ዘይብልና፡ ብዘይ መንቅብ ቅዱሳት ምእንቲ ኽንኰነሉ ኢሉ’ዩ (ኤፌ5፡27)። ካብ’ቲ ዝተሓንጸጸልና መገድን ዕላማን የማነ ጸጋም ከነላግስ ከለና ዚቐጽዓና’ውን፡ ናብ’ታ ቕድስናኡ ምእንቲ ኽንምለስ’ምበር፡ ብስቓይ ሰብ ስለ ዚሕጐስ ኣይኰነን (እብ12፡10)። ብሓጢኣትና ኣባና ምስ ኣርከስናዮ፡ ንሱ ድማ ብመቕጻዕቲ ኣባና ይቕደስ ማለት’ዩ (ህዝ36፡23 ፣ 39፡27,28)። እግዚኣብሄር ነቲ ብኣናን ኣባናን ዚፍጸም ኵሉ ግብርታት፡ ምስ ቅድስናናን ቅድስናኡን ኣዛሚዱ’ዩ ዚርእዮ። ሓደ ክርስትያን ብቕድስና ኣብ ምንባር ኺዕወት ዚኽእል ድማ፡ ነዛ መንፈሳዊት ምስጢር’ዚኣ ብምልኣት ምስ ዚርድኣን ብምሉእ ሓይሉ ምስ ዚውፈየላን’ዩ።

ኣብ’ቲ ናትና ብቕድስናና ንእግዚኣብሄር ናይ ምቕዳስ ናይ ህይወት ተልእኾና፡ ናቱ ናይ እግዚኣብሄር ግደን ተራንከ እንታይ’ዩ፧ ሓንቲ ፈጺምና ኽንርስዓ ዘይግብኣና ሓቂ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ተግባርና፡ ኵሉ ጊዜ እቲ ዝለዓለ ግደ ዘለዎ እግዚኣብሄር ምዃኑ’ዩ። ንሕና ሳላ’ቲ ሓጢኣት ዝፈጠረልና ኸቢድ ድኻምን መልመስትን፡ ነዛ ስጕምትና ኸነቕንዕ’ኳ ዓቕሚ ዘይብልና ድኹማት ፍጥረት ኢና (20 ኤር 10፡23፣ምሳ 3፡5-7 ፣ 20፡24)። ብዓብዩ’ውን ጐይታና "ብዘይካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም" ኢሉና ኣሎ (ዮሃ15፡5)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ብሓይሊ ጸጋኡ ኸኣልቲ ዚገብረና ኣምላኽ ባዕሉ ምዃኑ ተኣሚኑ’ዩ (1ቈረ 3፡5,6)። እዚ ድማ ይትረፍ ብዛዕባ ቕድስና ዚኣክል ዓብይ ጕዳይ፡ ዋላ ኣብ’ቲ ዅሉ ተራ ማሕበራዊ ንጥፈታትና’ውን ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ደጋጊሙ "ቀዳሲኹም ኣነ’የ" ኢሉ ተዛረቡ ኣሎ (ዘጸ31፡13 ፣ ዘሌ 11፡44 ፣ 20፡8 ፣ 21፡8 ፣ ህዝ 37፡18)። ስለ’ዚ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ፦ "ገሌኹም ከኣ ከምኣቶም (ዓመጽቲ/ ሓጥኣን) ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።" ኢሉና ኣሎ (1ቈረ6፡9-11)። እምብኣር ቅድስናና ብኣና ዘይኰነ፡ ብኣምላኽ’ዩ ዚጅምር። ንሱ ምስ ቀደሰና፡ ሽዑ ንሕና ነቲ ኣባና ዝገለጾ ቕድስናኡ ብግብሪ ንነብሮ። ንሱ ጀማሪ ጥራሕ ዘይኰነ ፈጻሚ’ውን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣባና ዝጀመሮ ግብሪ ቕድስና ኽሳዕ መወዳእታ’ዩ ዚቕጽሎ (ፊል1፡5,6)። ብዘይ ቅድስና ኽንነብር ዝዀነ ዓይነት ብቑዕ ምኽንያት ከይህልወና ዚገብረና ድማ ንሱ’ዩ። "ኣነ ብቕድስና ኽነብር ኣይክእልን’የ" ካብ ምባል፡ ኣግሂድካ "እግዚኣብሄር ንኣይ ናይ ምቕዳስ ዓቕሚ የብሉን" ምባል’ዩ ዚቐልል። ብዘይ እግዚኣብሄር ብቕድስና ኽትነብር ፈጺምካ ኣይክኣልን’ዩ። እግዚኣብሄር ኣባኻ ግዲኡ እናገበረ፡ ንእኡ ከንቱ ጌርካ ብርኽሰት ምንባር ድማ፡ ኣቦኡ ዘፍለጠ ግሁድ ዓለወኛነትን ሕሱም ትርሪ ልብን’ዩ። 

እምበኣር ነቲ ቐዳሲና ኣምላኽ፡ ብቕድስናና ኣብ ገዛእ ህይወትናን ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣን ንቐድሶ። ናይ እግዚኣብሄር ኣካል ምዃንና፡ ናይ ምፍጣርናን ናይ ምንባርናን ዕላማ፡ ኣብ’ዛ ርኽስቲ ዓለምን ኣብ’ዛ ድኽምቲ ህይወትናን ንኣምላኽ ምቕዳስ ምዃኑ ወርትግ ንዘክር!!

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

22 ለካቲት 2026 | ካቲት 15, 2018 ግዕዝ (መበል 24 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ: ፺፭(፺፭)፡፭,፮ "እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ። አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።"

ዓዲ፡ መዝ.፻፬(፻፭)፡፩-፪ "ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ። ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ። ሰብሑ ወዘምሩ ሎቱ።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ተሰ 4፡1-12

ዲያቆን

1ጴጥ 1፡13-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 3፡17-29

ንፍቅ ካህን

ማቴ 6፡16-24

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ መዝሙር፦ ግነዩ ለእግዚአብሔር

   

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div