S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓጢኣት ዜርሕቕ ኰኾብ ቊ.25 (4 ጥሪ(ር) 2026 ፈ | ታሕሳስ 26, 2018 ግዕዝ)

" . . . እንሆ ሰብ ጥበብ፡ "እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰኾቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና’ሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና" እናበሉ . . . መጹ። . . . ከም’ቲ ጽሑፍ ‘ተበጃዊ ኻብ ጽዮን ኪመጽእ’ዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲእነት ኬርሕቕ’ዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ፡ ኪዳነይ ምስኣቶም እዚ ኪኸውን’ዩ’ ዚብሎ፡ ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን’ዩ።" ማቴ2፡1,2 ፣ ሮሜ11፡26,27

ንዅላትና ርሑስ ዘመነ ልደት ይግበረልና። ብረድኤት ኣምላኽ ትማሊ ረቡዕ በዓለ ልደት ብጽቡቕ ኸም ዘብዓልና ዚዝከር’ዩ። እግዚአብሔር ነዚ ኽቡር ናይ ጾመ ነብያት ዘመን ብዓወት ኣሳጊሩ፡ ነዚ ዓብዪ በዓል’ዚ ንኸነኽብር፡ ብልደቱ ዝገበረልና ምሕረትን ሕያውነትን ንኸነስተንትን፡ ብልደቱ ንዝሃበና ዕዙዝ ናይ ትሕትና ኣርኣያ ንኸነቕልበሉን ንኽንስዕቦን፡ ክሳዕ’ዛ ዕለት’ዚኣ ብጥዕናን ብህይወትን ስለ ዝዓቘረና፡ እቲ ቕዱስን ክቡርን ስሙ ይመስገን፡ ልዕል ይበል። እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዘመነ ልደት ሰንበት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ ታሕሳስ 29 (በዓለ ልደት) ክሳዕ ጥሪ 5 ዘሎ ቕንያት "ዘመነ ልደት" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጐይታና ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ዝተወልደ፡ በቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ ምስጢረ ስጋዌ ወይ ምስጢረ ተዋህዶ’ዩ። እቲ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እግዚአብሔር ወልድ፡ ብስራሕ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ብሓይሊ እግዚአብሔር ኣቦን፡ ኣብ ማህጸን ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም ስጋ ለቢሱ፡ ምስ’ቲ ዝለበሶ ስጋ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምዃን፡ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነሉ ምስጢረ ተዋህዶ’ዩ፡ ነዚ በዓለ ልደት’ዚ ኽዉን ዝገበረ። ንሕና ኸኣ፡ ነዚ ብስራሕ ቅድስት ስላሴ ዝተፈጸመ ተዋህዶ ኢና እምነትናን ሃይማኖትናን ጌርናዮ ዘለና። ስለ’ዚ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ "በዓለ ልደት፡ ሃይማኖትና ዝተወልደሉ ዕለት’ዩ" ኽንብል ንኽእል ኢና። ኵላቶም ኣብ ክርስቶስን ብክርስቶስን ዝተገብሩ ፍጻመታትን ምስጢራትን፡ መሰረቶም እዚ ብልደት ዝተጋህደ "ቃል ስጋ ኰነ" ዝተባህለሉ ናይ ተዋህዶ ምስጢር’ዩ (ዮሃ 1፡14)። ጐይታና ስግው መለኮት (ስጋ ዝለበሰ መለኮት) ኰይኑ ዝተወልደሉ ዕላማ፡ ብቓሉ መምህር፡ ብግብሩ ኸኣ ኣርኣያ ኪዀነልና፡ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሞትና ሞይቱ፡ ብመስዋእቱ ኺብጀወና፡ ብኽቡር ደሙ ኺዕድገና፡ ብኽህነቱ ምስ እግዚአብሔር ኣቦ ኼተዓርቐና፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ምእንቲ ኺገብረና’ዩ (1ጴጥ 2፡9,10)። ነዚ ኽንዲ’ዚ ዚኣክል ክቡርን ቅዱስን በዓል’ዚ፡ ብብልዕን መስተን፡ ብጨርቅን ወርቅን፡ ብሳዕስዒትን ዳንኬራን፡ ብስኽራንን ዕብዳንን ኣብዒልና ኸነሕስሮ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዓብይን ረቂቕን መንፈሳዊ መልእኽቱ ኣስተውዒልና፡ ንኽብሪ ናይ’ቲ በዓል ብዚምጥን፡ ንኣምላኽ ድማ ብዜሐጕሶ ኣገባብ ከነብዕሎ ይግባእ። 

ነዚ ኽቡር ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተደርሰ መዝሙር፡ "ይሠርቅ ኮከብ" ዘርእስቱ’ዩ። "ይሰርቅ" ዚብል ናይ ግእዝ ቃል፡ ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም፡ "ይወጽእ" ማለት’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ዘሁ 24 17-19፣ኢሳ 59፡20,21፣ኤር 31፡33፣ሮሜ 11፡26,27፣መዝ 89፡27,28፣ሉቃ 2፡10-13 መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ’ዩ። ትሕዝቶኡ ድማ፦“ካብ ያእቆብ ኰኾብ ይወፅእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ፡ ሓጢኣት የርሕቕ። ኣነ ኸኣ፡ በዅረይ ክገብሮ’የ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ዝለዓለ’ዩ። ንዅሉ ምድሪ መጸግዒ ይኸውን። ካብ’ቶም ዓበይቲ  ርእሲ ኣኽራን፡ ኣብ ኵሉ ምድሪ ጸግዒ ይኸውን። ሎሚ ሰራዊት መላእኽቲ ኣብ ሰማያት ይተሓጐሱ፡ ኣነ’ውን  በዅረይ ክገብሮ’የ፡ ኣነ’ውን በዅረይ ክገብሮ’የ። ሎሚ ጐይታን መድሓንን (ዝዀነ ኢየሱስ) ብሰላምን ብሓጐስን ተወልደ።” ዚብል’ዩ። 

ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ማቴ 2፡1-12 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ’ቶም ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት ብትንቢት ዝተነግረሎም ሰብ ጥበብን ነገስታትን ናብ ጐይታና መጺኦም ብስግደት ዝገበርዎ ግብረ ኣምልኾን ዝሃብዎ ገጸ በረኸትን ዚትርኸልና’ዩ (መዝ 72፡10፣ኢሳ 60፡6)። እቲ ናይ ሮሜ 11፡25-36 ንባብና ድማ፡ ነቲ ናይ ኢሳ 59፡20,21፣ኤር 31፡33 ትንቢታዊ ተስፋ ብምጥቃስ፡ እቲ ኻብ ጽዮን ዚመጽእ መድሓንን ተበጃውን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑን፡ ሓጢኣት ቤት ያእቆብን ሓጢኣት ኣህዛብን ከም ዜርሕቕን ዚገልጽ’ዩ። እቲ ናይ 1ዮሃ 4፡1-9 ንባብና ድማ፡ ልደት ጐይታና፡ መናፍቕነትን ሓቀኛ እምነትን ኣየናይ ምዃኑ ንምልላይን ንምፍላይን ዜገልግል ምዃኑ ዜብርሃልና’ዩ። ኢየሱስ ሰብ ኰይኑ ኸም ዝመጸ ዘይኣምን ሃይማኖት ስሑት እምነት ምዃኑ፡ ብኣንጻሩ እቲ ኢየሱስ ሰብ ኰይኑ ኸም ዝመጸ ዚኣምንን ዚእመንን ሃይማኖት ከኣ፡ ካብ ኣምላኽ ዝዀነ ሓቀኛ እምነት ምዃኑ ዚገልጸልና’ዩ (1ዮሃ 4፡2,3፣ 2፡18,22,23፣ 5፡1፣ 2ዮሃ 7-9)። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ቲ ናይ ማቴ 2፡1-12 ከምኡ’ውን ካብ’ቲ ናይ ሮሜ11፡25-36 ንባባትና ዝተወስደ ትምህርቲ’ዩ።

 

ኰኾብን ምርሓቕ ሓጢኣትን እንታይ ኣራኸቦ፡ ኰኾብከ ኸመይ ገይሩ’ዩ ሓጢኣት ኬርሕቕ ዚኽእል፧ እዞም ከም መሪሕ ጥቕስታትና ዀይኖም ተመሪጾም ዘለዉ ናይ ንባባትና ጥቕስታት፡ ብዛዕባ’ቲ ልደቱ ነብዕልን ንዝክርን ዘለና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጻሕፉ ቓላት’ዮም። ኣብ’ቲ መእተዊ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣርእስቲ መዝሙርና "ይሰርቅ ኮከብ" (ኰኾብ ይወጽእ) ዚብል’ዩ። ናይ’ዚ መዝሙር’ዚ ቐንዲ መሰረት፡ እቲ ኻብ ዓሌት ኣህዛብ (ሚድያናዊ) ዝነበረ ነብዪ በልዓም ብዛዕባ እስራኤል ኣማዕድዩ ብርሑቕ ዝረኣዮን ዝተዛረቦን ትንቢት’ዩ።

"እርእዮ ኣለኹ፡ ሕጂ ደኣ ኣይኰነን፡ እጥምቶ ኣለኹ፡ ግናኸ ቀረባ ኣይኰነን። ካብ ያእቆብ ኰኾብ ይወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ . . . እስራኤል ከኣ ሓይሊ ኺገብር’ዩ። ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኺወጽእ’ዩ።" ዘሁ24፡17-19

እዚ ትንቢት’ዚ፡ ኣብ ቀረባ ብዛዕባ’ቲ ቐዳማይ ንጉስ ይሁዳ ዝዀነ ንጉስ ዳዊት ኬመልክት ከሎ፡ ኣብ ርሑቕ ድማ ብዛዕባ’ቲ ኻብ ነገድ ይሁዳን ካብ ዘርኢ ዳዊትን ዝዀነ ዘለኣለማዊ ንጉስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ’ዩ (2ሳሙ7፡13,16 ፣ ኢሳ9፡6,7 ፣ ሚክ5፡2-5 ፣ ሉቃ1፡31-33 ፣ ራእ5፡5)። እዚ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ትንቢት’ዚ ዚፍጸመሉ ምዱብ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ነቶም ካብ ዓሌት ኣህዛብ ዝዀኑ፡ ከዋኽብቲ ምቝጻር ዝጥበቦም ሰብኣ-ሰገል፡ ንክርስቶስ ዚውክል ናይ ሰማይ ኰኾብ ተራእዮም። እቲ ኣዝዩ ዜገርም ከኣ፡ ብዛዕባ ሓደ ሽዑ ዝተወልደ ናይ ኣይሁድ ንጉስ ይርእዩ ኸም ዘለዉ ብንጹር ኪርድኦም ምኽኣሉ’ዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ መድሓኒ ናይ ኣህዛብ’ውን ስለ ዝዀነ፡ ንሳቶም ድማ ካብ ኣምላኽ ዝዀኑ ነብያት ስለ ዘይነበርዎም፡ በቲ ዚጥቀመሉ ኣህዛባዊ ጥበብ ገይሩ፡ ልደት ክርስቶስ ኣበሰሮም። ነቲ ንጉስ መጺኦም ኪርእይዎን ኪሰግዱሉን ኣብ ልቦም ሃቐናን ሃረርታን ኣሕዲሩ ኣበገሶም። ቦታ ጠፊእዎም ከይደናበሩ ድማ፡ በቲ ዝረኣይዎ ኰኾብ ገይሩ፡ ክሳዕ’ታ ህጻን ኢየሱስ ዝነበራ ቦታ መሪሑ ኣብጽሖም። ኣብኣ ምስ በጽሐ ድማ ደው በለ። እዚ ኰኾብ’ዚ ኣብ ሰማይ ዝተንጠልጠለ ሓደ ተራ ኰኾብ’ዩ ኽትብሎ ኣጸጋሚ’ዩ። መጓዓዝያኦም መጽዓኛታት (ኣግማል፡ ኣፍራስ፡ ኣባቕልን ኣእዱግን) ካብ ምዃን ኣይሓልፉን’ዮም። ኬዕርፉን ኪድቅሱን ከለው እናተጸበየ፡ ከም ኣሳጕማኦም እናሰጐመ ኣሳለዮም። እዚ መስተንክር ምርሒት’ዚ ነቲ "ኻብ ያእቆብ ኰኾብ ይወጽእ" ዚብል ትንቢት ኣዝዩ ደሪዕዎን ኣጽኒዕዎን’ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ጐይታና ባዕሉ፡ እቲ ኰኾብ’ቲ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ዝተነግረ ሓቀኛ ትንቢት ብግብሪ ኸም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።

"ኣነ ኢየሱስ፡ ኣብ’ተን (ኣብያተ ክርስትያን) ነዚ ነገር’ዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣለኹ። ኣነ (ኢየሱስ) ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰኾብ-ጽባሕ’የ።" ራእ22፡16

እዚ ብሩህ ኰኾብ-ጽባሕ ዝዀነ ኢየሱስ ዝተወልደሉ ዕላማ እንታይ ምዃኑ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ብዛዕባ ልደቱ ኼበስሩ ኸለዉ ብግልጺ ነጊሮም’ዮም። እቲ ንቕዱስ ዮሴፍ ዝተነግረ፦

"ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እዚ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ’ዩ’ሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ’ያ። ንሱ ኸኣ፡ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም’ዩ’ሞ፡ ስሙ "ኢየሱስ" ክትሰምዮ ኢኻ።"

ዚብል ናይ መልኣኽ ብስራት፡ እቲ ዚውለድ ብሩህ ኰኾብ-ጽባሕ ሓጢኣት ኣርሒቑ ዜድሕን ኣምላኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ’ዩ (ማቴ1፡20,21)። ነቶም ኣብ መሮር (ኣብ በረኻ) ዝነበሩ ጓሶት ብመልኣኽ ዝተነግረ ብስራት’ውን፦

"እንሆ፡ ሎሚ ኣብ ዓዲ ዳዊት መድሓኒ ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ’ዩ-ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብይ ሓጐስ አበስረኩም ኣለኹ’ሞ፡ ኣይትፍርሁ" ዚብል’ዩ (ሉቃ2፡10,11)። ስለ’ዚ እቲ ኻብ ያእቆብ ዚወጽእ (ዚውለድ) ኰኾብ፡ ሓጢኣትካ ኣርሒቑ ዜድሕን ጐይታ’ዩ። 

እቲ ኻልኣይ ትንቢት ድማ ናይ ነብዪ ኢሳይያስ ትንቢት ኰይኑ፡ ብቕዱስ ጳውሎስ ትግባሪኡ ዝተገልጸ ትንቢት’ዩ። እቲ "ተበጃዊ" ዚብል ቃል፡ ነቲ ንስኻ ክትከፍሎ ዚግብኣካ ዋጋ ባዕሉ ኸፊሉ፡ ነቲ ዋጋ ባዕልኻ ኻብ ምኽፋል ዜድሕነካ ማለት’ዩ። እዚ ዚጥቀስ ዘሎ ተበጃዊ፡ ዋጋ ሓጢኣትና ባዕሉ ብምኽፋል ዚብጀው’ዩ። ዋጋ ወይ ዓስቢ ሓጢኣት፡ ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ። ዋጋ ሓጢኣቱ ባዕሉ ኸፊሉስ፡ ንሓጢኣቱ ኬርሕቕ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ የለን። ንሓጢኣት ካብ’ቶም ገበርቱ ሓጥኣን ኣርሒቑ ኼድሕን ዚኽእል እንኮ መድሓኒ፡ ኢየሱስ ጥራሕ’ዩ። ንርእሱ ኸም መስዋእቲ ሓጢኣት ገይሩ ብምውፋይ ሓጢኣት ኵላትና ጾረ። ንሓጢኣትና ጸዊሩ ድማ፡ እቲ ዘይመውት መለኮት ብስጋ ሞተ (1ጴጥ3፡18)። በዛ ሓንትን ዘይትድገምን ሞቱ፡ ናይ ኵላትና ደቂ ኣዳም ዓስቢ ሓጢኣት ከፈለ። እዛ ምሕረት’ዚኣ ኺገብረልና ምእንቲ ኪኽእል’ዩ፡ ስጋና ለቢሱ ኺውለድ ዘድለየ። ስለ’ዚ ናይ ድሕነትና መሰረት፡ ኣብ’ዚ ነብዕሎ ዘለና ልደቱ’ዩ።

ብዛዕባ ምርሓቕ ሓጢኣት ክንዛረብ ከለና፡ ካብ ኰኾብነቱ ንላዕሊ ገንሸልነቱዶ ኣይኰነን ኣዝዩ ኼገድሰና ዚግብኦ፧ ብርግጽ ገንሸል ኰይኑ ስለ ዝተሰውአ’ዩ ሓጢኣትና ኼርሕቕ ዝኸኣለ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ "እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ" ብምባል፡ ብዛዕባ ጐይታና መስከረ (ዮሃ1፡29)። ናይ’ቲ ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ዝነበረ መስዋእቲ-እንስሳ ዕላማ፡ ሓጢኣት ናይ’ቶም ዚስውኡ ሰባት ምርሓቕ’ዩ ዝነበረ። መስዋእትን ደምን ናይ እንስሳ ግን፡ ነዚ መለኮታዊ ዕዮ’ዚ ኺፍጽሞ ስለ ዘይከኣለ፡ ከም ትእምርቲ ወይ ጽላሎት ናይ መስዋእቲ ክርስቶስ ኰይኑ ጥራሕ የገልግል ነበረ (እብ 10፡1-4,11,9፡13)። እቲ ቕዱስ ገንሸል ግና ብሓንቲ መስዋእቲ ንዅሉ ሓጢኣት ደቂ ኣዳም ኣርሓቖ።

"ንሱ (ኢየሱስ) . . . ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድልዮ’ዩ’ሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ።" እብ7፡27

". . . ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንሓጢኣት ኪስዕር ኢሉ’ዩ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ጊዜ ዝተገልጸ። . . . እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፡ ንምድሓን ናይ’ቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ’ዩ።"  እብ9፡26,28

"ካህን ዘበለ ዅሉ ኣብ ጸጽባሕ እና’ገልገለ ይቐውም’ዩ’ሞ፡ ነቲ ሓጢኣት ኬርሕቕ ከቶ ዘይክኣሎ መስዋእቲ (እንስሳ) ብዙሕ ሳዕ የቕርቦ ኣሎ። ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም (ንሓዋሩ ንሓጢኣቶም ኣርሓቖ)’ሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት . . . ኣቕረበ . . .።"እብ10፡11-14

እቲ ናይ ድሕነት መንፈሳዊ ሓቂ እዚ ኽነሱ፡ ኵሉ ሰብ ግን ነዚ ሓቂ’ዚ ኣይፈልጦን፡ ኣይቅበሎን ድማ’ዩ። ነዛ ሓቂ’ዚኣ ዜስተውዕልዋ’ሞ ዚቕበልዋ፡ እቶም ብርሃን ወንጌል (ወይ ብርሃን ክርስቶስ) ዝበርሃሎም ጥራሕ’ዮም። ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ድማ ደጋጊሙ ባዕሉ ተኣሚንዎ’ዩ (ዮሃ1፡4,5፣3፡19፣ 8፡12፣ 9፡5፣ 12፡46)። ናብ ብርሃን ዝመጸ ሰብ፡ ሓጢኣቱ ይርኣዮን ይፍለጦን፡ ስለ’ዚ ኸኣ መድሓኒ ኸም ዜድልዮ ይርድኦ። ክርስቶስ፡ ብርሃናዊ ኰኾብ ኰይኑ ዝተገልጸሉ ምኽንያት ድማ ንሱ’ዩ። ነዚ ብርሃኑ’ዚ እንተ ዘይረኺብናዮ፡ ነቲ ዜድሕን ገንሸል ምዃኑ ኽንርድኦ ዀነ ኽንቅበሎ ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ወንጌሉ፦

"እቲ ንነፍሲ ወከፍ (ሰብ) ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለም’ውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ናብ’ቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።"

ብምባል ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብሪሁልና ኣሎ (ዮሃ1፡9-11)። ስለ’ዚ በቲ ኰኾብ ከይሓለፍካ፡ ናብ’ቲ ገንሸል ኪብጻሕ ኣይክኣልን’ዩ። እቲ ብርሃን ኰይኑ ዝተገልጸ ኢየሱስ’ዩ፡ ደሓር ድማ ገንሸል ኰይኑ ዝተሰውኣልናን ዘድሓነናን። ነዚ ተመላላኢ መንነቱ’ዚ ኣገናዚብና ምስ ’ንርእዮ፡ ሽዑ ኢየሱስ እቲ ሓጢኣት ዜርሕቕ ኰኾብ ምዃኑ ኸነስተውዕሎ ኣይጽግመናን’ዩ። ነቲ ብርሃን እንተ ዘይረኺብናዮ ግን፡ ነቲ ብእኡ ዚርከብ ድሕነት ክንርድኦ፡ ክንደልዮ ዀነ ኽንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና።

"እቲ ’ንሰብኮ ወንጌል ስዉር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብ’ቶም ዚጠፍኡ ጥራሕ’ዩ ዝተሰወረ። እቲ ገዛኢ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዝዀነ ሰይጣን፡ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይርእዩ፡ ንልቢ ናይ’ቶም ዘይኣመኑ ደፈኖ። እዚ ብርሃን’ዚ ኸኣ፡ ክብሪ ናይ’ቲ ኣርኣያ (ምስሊ) ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ’ዩ።" 2ቈረ4፡3,4 ካ.ት

ናይ’ዚ መድሓኒ ኰኾብ’ዚ ብርሃን ዘይረኸበ ዘበለ ዅሉ ሰብ፡ ናይ መወዳእታ ጽሕፍቶኡ ጥፍኣት’ምበር፡ ድሕነት ኣይኰነን።

ብመሰረቱ "ምርሓቕ ሓጢኣት" ማለት ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ እቲ ሓጢኣት ናበይ’ዩ ኺርሕቕ፧ እዚ ኰኾብና ኢየሱስከ ከመይ ገይሩ’ዩ ነቲ ሓጢኣትና ዜርሕቖ፧ ቃል እግዚኣብሄር ከም ዜረጋግጸልና፡ ሓጢኣት ናይ ምጥባቕ ባህርይ ኣለዎ። ነዚ ሓቂ’ዚ ቕዱስ ጳውሎስ፦ "እምበኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደልይ (ክነሰይ) እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ፡ ሕጊ ዀይኑ (ባህርያዊ ዀይኑ) ረኸብክዎ። . . . ምእንቲ’ዚ ንሕና ድማ፡ . . . ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ . . .።" ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ (ሮሜ 7፡21፣ እብ12፡1)። ናይ’ዚ ምጥባቕ’ዚ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓጥእ ኣዳማዊ ባህርይ፡ ወይ እቲ ኣብ ስጋና ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት’ዩ (ሮሜ7፡10,11,14-20,23)። እግዚኣብሄር ንቓኤል፦ "ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ (ዀይና) ትቃጸወካ’ላ፡ ሃረርታኣ’ውን ናባኻ’ዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ።" ኢልዎ ኣሎ (ዘፍ4፡7)። ስለ’ዚ ብዅሉ ኻልእ’ኳ እንተ ተዓወትና፡ ኣብ ገሊኡ ግን ሃረርታኣ ይሰምረላ’ሞ፡ ሓጢኣት ትጠብቀና’ያ። ስለ’ዚ ኢና "ሓጢኣት የብልናን" ክንብል ዘይንኽእል። "መድሓኒ፡ ተበጃዊ" ዘድለየና ድማ ብእኡ ምኽንያት’ዩ። ሓጢኣት ኣብ ዘለዎ፡ ናይ ግድን ዘለኣለማዊ ሞት ኣሎ (ሮሜ6፡23)። ስለ’ዚ ኻብ’ዚ ዘለኣለማዊ ሞት ክንድሕን እንተ ዄንና፡ እቲ ዝጠበቐና ሓጢኣት ናይ ግድን ኪርሕቀልና ይግባእ። ሓጢኣት ነቲ ዚግብኦ መቕጻዕቲ ኸይተቐበለ ኺተርፍ፡ እቲ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርይ ናይ ኣምላኽ ኣይፈቅድን’ዩ። ብማዕሪኡ፡ ሓጢኣት ዝገበረ ዅሉ ሰብ ብዘለኣለማዊ ሞት ኪጠፍእ ድማ፡ እቲ ሓያውን (ሕያዋይን) መሓርን ፈቃርን ባህርይ ናይ ኣምላኽ ኣይፈቅድን’ዩ። እግዚኣብሄር ሚዛናዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ መንጎ ባህርያቱ ምብልላጽ ወይ ኣድልዎ ኣይገብርን’ዩ። ስለ’ዚ በቲ ዘይምርመር ኣእምሮኡ ንሓጢኣት ቀጺዑ ንሓጥእ ዜድሕነሉ ጥበብ መኸረ። ነቲ ሓደ ናይ ባህርይ ወዱ፡ ስጋና ለቢሱ ሰብ ኪኸውን ገበረ። ንኣበሳ ዅላትና ድማ ኣብ ልዕሊኡ ጸዓኖ። ንዓስቢ ሓጢኣትና፡ ንሞት ድማ ኣብ ልዕሊኡ ፈጸሞ። ስለ’ዚ "ምርሓቕ ሓጢኣት" ኪብሃል ከሎ፡ "ንሓጢኣትና ኻባና ናብ ክርስቶስ ኣርሓቖ፡ ኣግዓዞ" ማለት’ዩ። እቲ ሓጢኣትና ናብኡ ኻብ ወደቐ፡ ዓስቢ ናይ ሓጢኣትና ዝዀነ ሞትን ስቓይን ድማ ንሱ ይቕበሎን ይኸፍሎን ማለት’ዩ። ነዚ ናይ "ምርሓቕ ሓጢኣት" ምስጢር፡ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ብንጹር ገሊጾምልና’ዮም።

"ኵላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘንበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣበሳ ዅላትና ኣብኡ ኣውደቖ። . . . ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ . . . ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕና’ውን ብስምብራቱ ሓወና። . . . ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። . . . ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር’ዩ። . . . ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።"ኢሳ53፡6,4,5,8,11,12

"ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።"1ጴጥ2፡24

ንናይ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ጥበብ፡ ኣዝዩ ፍሉይን ዓብይን ዚገብሮ ድማ እዚ’ዩ። ነቲ ሓጢኣትና ከም ሓሰር ግፍፍ ኣቢሉ ኣኪቡ፡ ናብ ዝደለዮ ቦታ ደርብዩ ዜርሕቖ እንተ ዚኸውን፡ ነቲ ግብሪ-ምድሓኑ ’ነድንቐሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይምሃለወን ነይሩ። ቅዱስ ዮሃንስ፦

"(ኢየሱስ) ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም ዝተገልጸ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡ’ውን ሓጢኣት የልቦን።"ኢሉ ኸም ዘነጸሮ፡ ሓጢኣት ዘይብሉ ንጹህ ኣምላኽ ክነሱ፡ ሓጢኣት ናይ ኵላትና ወለዶታት-ኣዳም ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ስጋና ለበሰ (1ዮሃ3፡5)። ንዅሉ ኣበሳና ጸዊሩ ድማ፡ ኣዝዩ መሪር ናይ ውርደት ሞት ሞተልና። ሕሩይ ወለዶን ቅዱስ ህዝብን ምእንቲ ኽንኰኖ፡ ካብ ባርነት ሰይጣንን ሓጢኣትን በቲ ኽቡር ደሙ ዓደገና (ራእ5፡9,10 ፣1ቈረ6፡19,20 ፣ 7፡23)።

ንኣበሳ ዅላትና ኣብ ስጋኡ ጸዊሩን ዋጋኡ ኸፊሉን ካባና ኣርሒቕዎ እንተ ዀይኑስ፡ "ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ ሰብ ድሒኑ’ዩ" ማለትና ድዩ፧ ኣብ’ቲ ናይ ሓጢኣትና ምርሓቕ ስራሕሲ "ዝዀነ ዓይነት ናትና ግደን ኣበርክቶን የለን" ኪብሃል ይክኣልዶ፧ እዚ ዝንቡዕን ግዕዙይን ርድኢት’ዚ፡ ብሚልዮናት ናይ ዚቝጸሩ ሰባት ህይወት ዜጥፍእ ዘሎ’ዩ። "ኢየሱስ ንዅሉ’ቲ ኣነ ኽገብሮ ዚግብኣኒ ስርሐይ ባዕሉ ሰሪሑ ወዲእዎ’ዩ። ብጸጋ ስለ ዝደሓንኩ፡ ጽድቂ ናይ ምግባርን ካብ ሓጢኣት ናይ ምሕራምን ሓላፍነት የብለይን" ብዚብል ምህሮ-ኣጋንንቲ ናብ ገሃነም ገጹ ዚምርሽ ዘሎ ህዝቢ ማእለያ የብሉን። ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ሃዋርያዊ ቓል (1ጴጥ2፡24)፡ ኢየሱስ ንሓጢኣትና ጸይሩ ናይ መርገም ሞት ዝሞተሉ ዕላማ፡ ንሕና "ንሓጢኣት ምዉታት ንጽድቂ ግና ህያዋን" ኴንና ምእንቲ ኽንነብር’ዩ። እዚ ማለት ድማ ሓጢኣት ዘይንገብርን ’ነርሕቕን ጽድቂ ጥራሕ ’ንገብርን ሰባት ምእንቲ ኽንከውን’ዩ ንሓጢኣትናን ዓስቡን ጸዊሩልና ማለት’ዩ። እዚ ኣጋንንታዊ ምህሮ ግና ብግልባጡ "ንሓጢኣት ህያዋን፡ ንጽድቂ ግና ምዉታት" ኴንና ኽንነብር ዜስሕት፡ ንቕዱስ ወንጌል ዜጣምምን ዘይመልክዑ ዚህብን’ዩ። 

ስብከት ቅዱስ ወንጌል ኵሉ ጊዜ ብንስሓ’ዩ ዚጅምር። እቲ ናይ ጐይታና ጸራግ መገዲ ዀይኑ ዝተገልጸ ነብዪ ዮሃንስ፡ ስብከቱን መኽፈት ኣፉን ንስሓ’ያ ዝነበረት (ማቴ3፡1,2)። ዘመነ ኣስተርእዮኡ ምስ ኣኸለ’ሞ፡ ጐይታና ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ ድማ፡ "ተነስሑ" እናበለ’ዩ ዝሰበኸ (ማቴ4፡17)። ቅዱሳን ሃዋርያት ብጐይታ ተሓርዮም ምስ ተላእኩ ሰብ ኪንሳሕ’ዮም ዝሰበኹ (ማር6፡12 ፣ ግብ2፡38,39 ፣ 3፡19,20 ፣ 5፡30,31 ፣ 17፡30,31 ፣ ሉቃ24፡47)። ስለ’ዚ ኣብ ምርሓቕ ሓጢኣት፡ ብጽሒት ናይ ሰብ፡ ሓቀኛ ንስሓ’ዩ። ዘይተነስሐ ሰብ ሓጢኣቱ ኣይሕደገሉን፡ ኣይርሕቀሉን ድማ’ዩ። ንኢየሱስ ኣብ መስቀል ዝቐተሎ ሓጢኣትና’ምበር፡ ሰይፍን ምስማርን ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኻብ’ታ ንክርስቶስ ዝኣመንናላ ጊዜ ጀሚርና ኽሳዕ ዕለተ ሞትና፡ ብዛዕባ’ቲ ዝጠበቐና ሓጢኣት እናተነሳሕና ኢና ንነብር። ዘይንሳሕ ሰብ፡ ፍቕሪ ሓጢኣት ስለ ዘለዎ፡ ውሉድ ሞትን ጥፍኣትን`ዩ። 

ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኰነን። ንስሓ፡ ከም ዝደለናዮ ናይ ምሕጣእ ነጻነት ኣይሃበናን። ነቲ ኸይፈለጥናን ከይፈተናን ዝጠበቐና ሓጢኣት’ምበር፡ ነቲ ዀነ ኢልና ፈቲናን ደፊርናን ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ንስሓን ሕድገትን ከም ዘይተሰርዓሉ፡ ብሉይ ኪዳን ከይተረፈ ዘረጋገጾ ሓቂ’ዩ (ዘሌ4፡22,27 ፣ 5፡1-5,15,17 ፣ እብ10፡26-29 ፣ 1ዮሃ5፡16,17)። ጸጋ ኣምላኽ ድማ፡ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንሓጢኣት ኽንጽየፎን ክንሕሰሞን፡ ንጽድቂ ድማ ኸነፍቅሮን ክንግዝኦን ዜኽእለና ሓይሊ ሂቡና’ዩ። 

"እቲ ምድሓን ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ፡ ንዅሉ ሰብ ተገሊጹ’ዩ። እዚ (ጸጋ’ዚ) ንኽሕደትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና፡ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ገዛእ ርእስና ብምግታእን ብጽድቅን ብመንፈሳውነትን ክንነብር ይምህረና’ዩ። ከም’ዚ ኢልና (እናነበርና) ነቲ ብሩኽ ተስፋን ናይ’ቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽን ክብርን ንጽበይ ኣለና። (ኢየሱስ) ካብ ሓጢኣት ዘበለ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኣና፡ ንሰናይ ግብሪ ዚቐንኡን ንእኡ ዚዀንዎን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ፡ ገዛእ ርእሱ በጃና ኣሕለፈ። እዚ ብዅሉ ስልጣን ንገርን ምዓድን ግናሕን። ሓደ’ኳ ኣይንዓቕካ።" ቲቶ2፡11-15

እምበኣር፡ ብዛዕባ’ቲ ኢየሱስ ንሓጢኣትና ኼርሕቕ ዝገበሮ ግብሪ ምድሓን ምሉእ እምነት ይሃልወና። ነቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ብጽሒትና ድማ፡ ብግቡእ ንፈጽም። ብኸም’ዚ እንተ ነበርና፡ ብልደት ናይ’ቲ ሓጢኣት ዜርሕቕ ኰኾብ ወርትግ ክንረብሕ ኢና። እዚ ኽቡርን ቅዱስን ልደት’ዚ ንድሕነትና’ዩ ዝተፈጸመ’ሞ፡ ብእኡ ወርትግ ንተሓጐስ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 

11 ጥሪ(ር) 20265 | ጥሪ 3, 2018 ግዕዝ (መበል 24 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ:88(89)፡27-28 "ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ። ወልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር። ወለዓለም አዐቅብ ሎቱ ሣህልየ።"

"ኣነ’ውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ’የ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ’የ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ’ዩ።"

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 11፡25-ፍጻመ

ዲያቆን

1ዮሃ 4፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 7፡12-22

ንፍቅ ካህን

ማቴ 2፡1-12

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ ይሠርቅ ኰኾብ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div