
“ከም ዝተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም’ሞ፡ ሕጂ ግና ናብ’ቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን (ዝዀነ ኢየሱስ) ተመሊስኩም ኣለኹም። . . . ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም’ሞ፡ ክርስቶስ ከኣ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።" 1ጴጥ2፡25,21
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ነብያት’ዩ። ጾመ ነብያት ካብ ‘ንጅምር፡ እንሆ ሎሚ መበል 42 መዓልትና’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 21 ክሳዕ ታሕሳስ 27 ዘሎ ቕንያት፡ "ዘመነ ኖላዊ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። "ኖላዊ" ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም "ጓሳ" ማለት’ዩ። "ኖላዊ" ዚብሃል ዘሎ ድማ፡ እቲ ንድሕነትና ኺብል ነዚ ድኹም ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ዝዀነ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ጓሳና ኸም ዝዀነ ጐይታና ባዕሉ ብልሳኑ፡ ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝዀነ ዮሃ 10፡1-21 ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ቅድሚ ብስጋ ምግላጹ ብቕዱሳን ነብያቱ (ዮሃ 8፡12፣ ዮሃ 1:4)፡ ድሕሪ ዕርገቱ ድማ ብቕዱሳን ሃዋርያቱ ገይሩ (መዝ 23:1፣ 80:1፣ ኢሳ 40:11፣ ኤር 31:10፣ ህዝ 34:12)፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኣጽንዖትን ደጋጊሙን ኣረጋጊጹልና’ዩ። እዚ "ኖላዊ" ዝተሰምየ ንኡስ ዘመን፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ’ቲ ብኣምላኽ ዚግበረልና ጕስነት፡ ብፍላይ ከኣ፡ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ጕስነት ’ንምሃረሉን ’ነስተንትነሉን ጊዜ’ዩ። ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ብዛዕባ ናይ ጐይታና ጕስነት ግቡእ ትምህርቲ ኸም ዝሃቡ፡ እዛ ሕጂ ኣብ መሰረቶም ተሃኒጻ ዘላ ቤተ ክርስትያን’ውን ብዛዕባ’ዚ ዘመንን ኣርእስትን’ዚ ኽትምህር ሃዋርያዊ ሓላፍነታ’ዩ።
ጐይታና ብሞቱን ብደሙን ዚናብይ ፍሉይ ጓሳ’ዩ (እብ 13:20፣ 1ጴጥ 2:25)። ንሱ ባዕሉ’ውን በጃ ኣባጊዑ ህይወቱ ኣሕሊፉ ብምሃብ ከም ዚጓስይ ተኣሚኑ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ’ተገልግለሎም ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ኣብ’ዚ ናይ ጐይታና ብደሙ ዚገብረልና ጕስነት መሰረት ዝገበረ’ዩ። ናይ’ቶም በዚ ምስጢራት’ዚ ዜገልግሉ ጓሶት ቤተ ክርስትያን ሓለቓ ድማ፡ ጐይታና ባዕሉ’ዩ (እብ 13፡20,21 ፣1ጴጥ 5፡2-4)። ብቕዱስ ወንጌል ዚግበር ኵሉ ኣገልግሎት፡ ነቶም ካብ ኣምላኾም ብምርሓቕ ጥፉኣት ኣባጊዕ ኰይኖም ዘለዉ ዅሎም ሰባት፡ ናብ ጓሳኦምን ደምበኦምን ከም ዚምለሱ ምግባር፡ ነቶም ገና ኣብ ትሕቲ ጕስነቱ ዘለዉ ዅሎም ድማ፡ ኣብኡ ጸኒዖም ፈረይቲ ዀይኖም ከም ዚነብሩ ምግባር’ዩ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "ኖላዊ ዘመጽአ" ዘርእስቱ’ዩ። ትሕዝቶኡ ድማ፦ “እቲ ናብ ዓለም ዝመጸ ጓሳ፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ወዱን ቃሉን’ዩ። እቲ ባዕሉ (ብፍቓዱ) ካብ ላዕሊ ዝወረደ ክርስቶስ፡ ጐይታኣ ንሰንበት’ዩ።
እግዚኣብሔር ኣቦ ንወዱ "ወደየ፡ ኣብ የማነይ ንበር" በሎ። ኦ ክቡር ሕያዋይ ጓሳ፡ መን’ዩ ኸማኻ። ሰላምካ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ፈንው። ንህዝብኻ ምእንቲ ኽትብጀው፡ ብትእዛዝ ኣቦኻ ካብ ሰማይ ወረድካ። ንዕረፍቲ ድማ ሰንበት ሰራዕካ፡፡” ዚብል’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ ኰነ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ ብዛዕባ’ዚ ጕስነት’ዚ ዚገልጹ’ዮም። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ ካብ’ዚ ናይ 1ጴጥ2፡21-25 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ጕስነት፡ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ናይ’ዚ ናይ ጕስነት ኣምር’ዚ መሰረትከ እንታይ’ዩ፧ ዋላ ሰፊሕ መግለጺ እንተ ዘይውሃብ’ኳ፡ እግዚኣብሄር ንርእሱ ኸም ጓሳ፡ ንህዝቡ ድማ ኸም መጓሰ ኣባጊዕ ገይሩ ብምግላጹ ጥራሕ፡ ጒስነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ምዃኑ ንምርዳእ እኹልን ብቑዕን’ዩ። እግዚኣብሄር ገና ኻብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ፡ ብቕዱሳን ነብያቱ ገይሩ ንሱ ጓሳ ብዛዕባ ምዃኑ ደጋጊሙ ገሊጹ’ዩ። ንሳቶም ድማ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ተኣምኖኦምን ምስክርነቶምን ምስጋናኦምን ብተደጋጋሚ ገሊጾምዎ ኣለዉ (ዘፍ48፡15 ፣ መዝ23፡1 ፣ 28፡9 ፣ 78፡ 52,71 ፣ 80፡1 ፣ ኢሳ 40፡11 ፣ ኤር23፡4 ፣ 31፡10 ፣ ህዝ34፡12-31)።
"እግዚኣብሄር ጓሳይየይ’ዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።" መዝ23፡1,2
"ንህዝቡ ግና ከም ኣባጊዕ ኣንቀሎም፡ ኣብ በረኻ’ውን ከም መጓሰ መርሖም። ከይፈርሁስ ብደሓን መርሖም፡ . . . ኣብ ድንኳውንቶም ኣሕደሮም።" መዝ78፡52-55
"ንሱ ኣምላኽና’ዩ፡ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሲኡ፡ ኢዱ ’ትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና . . . " መዝ 95፡7 (100፡3)
"ኣቱም ኣባጊዐይ፡ ኣባጊዕ መውፈረይ፡ ንስኻትኩም ሰብ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም’የ" ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።" ህዝ34፡31
ናይ እግዚኣብሄር ጒስነት፡ ኣዝዩ ኣድማሳዊ’ዩ (Universal)። እዚ ኸኣ ኣብ’ቲ ብመልክዑን ኣምሳሉን ዝፈጠሮ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ኵሉ ፍጥረት እንስሳን ኣብ ኣትክልትን ኣብ ኵሉ ህይወት ዘይብሉ ግኡዝ ፍጥረትን ዝተጋህደ’ዩ። ነዚ ኣድማሳዊ ጕስነቱ’ዚ ዝገለጾ ድማ፡ በቲ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ዝፈጸሞ ታሪኽ’ዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ ትእምርታዊ ጒስነት፡ ናይ’ቲ ብስሙ ንዝኣመኑ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዚገብሮ ፍጹም ጕስነት ጽላሎት’ዩ ዝነበረ።
ነዚ ናይ እግዚኣብሄር ጒስነት ጽቡቕ ጌርና ንኽንርድኦን ናይ ኣድላይነቱ መሰረት ንኽንፈልጥን፡ እዚ ንሕና ሰባት ኣብ’ተን ዝርካበን እንስሳታትና ’ንፍጽሞ ጕስነት ብቑዕን እኹልን መረዳእታ ኪዀነልና ይኽእል’ዩ። ነተን ዘለዋና መጓሰታት፡ ካብ ደምበአን ኣውጺእና፡ ብዘይ ጓሳ ፈኒና፡ ርእሰን መጊበን፡ ምድሪ ምስ ዓረበን ድማ ባዕላተን ናብ ደምበአን ኪምለሳ እንተ ንሓድገን፡ "ካብ’ተን ዘፋነናየን ክንደይ ሚእታዊት ብህይወት ምተመልሳና" ኢልና ንሕሰብ። መብዛሕትአን ብኣራዊት መሮር ተበሊዐን ምጠፍኣ። እቲ ዝኸፍአ ኣራዊት ድማ፡ እቲ ኽልተ ዝእግሩ ሰብ’ዩ። ሓላዊ ዘይብለን ምዃነን ምስ ረኣየ፡ ሰሪቑ ወሲዱ ሓሪዱ ይበልዐን፡ ወይ ናቱ ጥሪት ይገብረን፡ ወይ ከኣ ሸይጡ ናብ ገንዘብ ምለወጠን። ዋላ በጋጣሚ ኸምኡ እንተ ዘየጓነፈን’ኳ፡ ኣብ’ቲ ጽምጽም በረኻ ዚሓድራ’ምበር፡ ናብ ደምቢአን ዚምለሳ ኣዝየን ምወሓዳ። ጽቡቕ መጋሃጫ (ዚብላዕ ሳዕሪ) ዘለዎ ቦታ ስለ ዘይፈልጣ፡ ጽቡቕ ተዓንጊለን ናይ ምምላስ ተኽእሎአን፡ ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ። ኪኣትዋኦ ናብ ዘይግባእ ናይ ሕርሻ ቦታ ኣትየን፡ ካብ ዋጋአን ዚኸብር ዕንወት መስዓባ።
እዛ ዘለናያ ዓለም ድማ፡ በዚ "ኣምላኽን ገዛእን ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ" ዝተሰምየ ድያብሎስ እትመሓዳር ዓለም ስለ ዝዀነት፡ ንኣና ንሰባት ናይ ኣራዊት ዓለም’ያ (ዮሃ 14፡30 16፡11 2ቈረ4፡4)። ብኣዝዩ ብዙሕ ዜስሕትን ዜስድዕን መፈንጠራታት ዝተመልአት’ያ። ሰይጣን ድማ፡ ሓያል ኣራዊት’ዩ (1ጴጥ5፡8)። ጐይታ ኸም ዝገለጾ፡ ቀታል ነፍስን ሰራቕን’ዩ (ዮሃ8፡44፣10፡10)። ብዘይካ ምሕራድን ምጥፋእን፡ ዝዀነ ኻልእ ባህግን ቍም ነገርን የብሉን። ማእለያ ዘይብሎም ናይ ኣጋንንትን ናይ ሰባትን ሰራዊት ዘለውዎ ኽፉእን እኩይን ጸላኢ’ዩ (ማቴ13፡19,38፣ 6፡13፣ ዮሃ17፡15፣ ኤፌ6፡16፣ 2ተሰ3፡3፣ 1ዮሃ2፡13,14፣ 3፡12፣5፡18,19)። ንሕና ምስ’ዚ ሊቀ መላእኽቲ ዝነበረ ኪሩብ’ዚ ገጢምና ርእስና ኸነድሕን ዓቕሚ ኸም ዘይብልና፡ ኣብ ገነት ኤደን ዝተረጋገጸ ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ ኻብ ኢዱ ኣምሊጥና ኣብ ደምበናን ኣብ ኢድ ፈጣሪናን ክንነብር እንተ ዄንና፡ ናይ ግድን’ዩ ጓሳ ዜድልየና። ንሱ ኸኣ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ጐይታና፡ ጕስነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘረጋገጸሉ ኻልእ መገዲ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ናይ ጕስነት ውህበት-ጸጋ ንቤተ ክርስትያን ምዕዳሉ’ዩ (ኤፌ4፡11-13)። ናይ’ዞም ጓሶት’ዚኣቶም ሓለቓ (ሊቀ ኖላውያን) ድማ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ (1ጴጥ5፡2-4)።
"ኣስኣሰር ጓሳኹም ስዓቡ" ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ ንምባል’ዩ፧ ከም’ቲ ንሱ ጓሳ ዝዀነ፡ ንሕና’ውን ጓሶት ክንከውን ይግብኣና ማለት ድዩ፧ ብርግጽ፡ እዚ ቓል’ዚ ድርብ መልእኽቲ’ዩ ዘለዎ። ቀዳማይ መልእኽቱ፡ ነቶም ጓሶት ዝዀኑ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን፡ ናይ ጒስነት ኣገባቦም ልክዕ ከም’ቲ ናይ ሓለቓኦም ኢየሱስ ኪኸውን ከም ዚግብኦ ዚገልጽ’ዩ። ግን ከኣ እዞም ኣገልገልቲ ንርእሶም’ውን፡ ኣባጊዕ ናይ ክርስቶስ’ዮም። ስለ’ዚ ንኣገልገልቲ ዀነ ነቲ ሓፋሽ ምእመን ዜመሓላልፎ መልእኽቲ’ውን ኣለዎ። ነቲ ጓሳና ዚገብሮ ኽንገብር፡ ንሱ ናብ ዚኸዶ ኽንከይድ፡ ንሱ ዚሓስቦ ኽንሓስብ፡ ንሱ ዚዛረቦ ኽንዛረብ ከም ዚግብኣና፡ እቲ ቐንድን ካልኣይን መልእኽቱ’ዩ።
ናይ ሃገርና ናይ ጕስነት ኣገባብ፡ ካብ’ቲ ናይ እስራኤላውያን፡ ብሓፈሻ’ውን ካብ’ቲ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈልየ’ዩ። ንሕና ብበትሪ እናደሰቕና ብድሕሪአን ኴንና ኢና ንጓስየን። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ግን፡ እቲ ጓሳ ብቕድሚት ኰይኑ’ዩ ዚመርሕ። እቲ በትሪ ነቶም ኪዘምቱ ዝመጹ ኣራዊትን ሰረቕትን’ምበር፡ ነተን መጓሰ ኣይኰነን። እተን መጓሰ’ውን ደድሕሪ ጓሳአን ምኻድ ዝተማህራን ዝተዓለማን’የን። ስለ’ዚ እቲ ጓሳአን በካይዳኡን ብድምጹን’ዩ ዚጓስየን (ዮሃ10፡3-5,27)። ጐይታና ኸም ዝገለጾ፡ እተን ኣባጊዕ ጓና ድምጺ ኺሰምዓ ኸለዋ፡ ካብኡ ይሃድማን ይጋልባን’ምበር፡ ኣይስዕባኦን’የን። እቲ ጓሳ ድማ ህይወቱ በጃአን ክሳዕ ዜሕልፍ ብፍቕርን ብሕያውነትን’ዩ ዚጓስየን (ዮሃ10፡11,15)። ስለ’ዚ ንሕና’ውን ኣባጊዕ ጐይታ ኸም ምዃንና መጠን፡ ኣስኣሰር ናይ’ቲ ዋናናን ጓሳናን ዝዀነ ጐይታ ኽንስዕብ ይግብኣና ማለት’ዩ። እተን ኣባጊዕ ነቲ ጓሳአን እናረኣያን ንድምጹ እናሰምዓን ከም ዚስዕባኦ ኻብ ገለጸ፡ እታ ኽንገብራ ዚግብኣና ንሳ’ያ። እታ ኻብ እግሪ ጓሳኣ ዝተረፈት፡ ንሱ ናብ ዘይከዶ ዘላገሰት ዓሻ በጊዕ፡ ድራር ሕሱማት ኣራዊት ኰይና’ያ ’ትጠፍእ። ነተን ደድሕሪ ጓሳአን ዚስዕባ እሙናት ኣባጊዕ፡ ኣራዊትን ጕሒላን ኣይረኽበንን’ዩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ንቑሕ ሓላዊ ዝዀነ ጓሳአን ግን፡ ንህይወቱ ናብ ሓደጋ ኣእትዩ፡ ምስ’ቲ ኣራዊት ገጢሙ የናግፈንን የድሕነንን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ጐይታና፦ "እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ’የ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። እቲ ጓሳ ዘይኰነ፡ እተን ኣባጊዕ’ውን ዘይጥሪቱ (ዝዀና) ብዓል ዓስቢ (ጓሳ ዓሰባ) ግና፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ፡ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን፡ ፋሕ’ውን የብለን። ብዓል ዓስቢ’ዩ’ሞ፡ ይሃድም፡ ግዲ ናይ’ተን ኣባጊዕ’ውን የብሉን።"ኢሉ ገለጸልና (ዮሃ 10፡11-13)። ስለ’ዚ ኣስኣሰር ጐይታና ምስዓብና፡ ጥዑም ጕስነት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምሉእ ድሕነት’ውን ዜጐናጽፈና ብልሂ ምርጫ’ዩ።
በዒንትና ርኢና በእዛንና’ውን ሰሚዕና ኸይንስዕቦ ግን፡ ጐይታና ብኣካለ-ስጋ ኣብ ማእከልና የለን። ከመይ ጌርና ኢና ደኣ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ንኽእል፧ እምበርዶ’ዚ ምህሮና ግብራዊ ትምህርቲ’ዩ፧ ናይ ጐይታና ጕስነት፡ መለኮታዊ ጕስነት ምዃኑ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ። ስለ’ዚ ብዚርኣይ ኣካል ኣብ ማእከልና ስለ ዘየለስ፡ ካብ ጕስነት በዂሩ ኣሎ ማለት ኣይኰነን። ጐይታና ገና ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ከሎን፡ ኣብ’ታ ቅድሚ ዕርገት ዝነበረት ህሞትን ዝተዛረቦ ንልብና ዜዕርፍ ግሩም ቃል ኣሎ።
"ክልተ ወይ ሰለስተ (ሰባት) ኰይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም’የ . . . ።" ማቴ18፡20
"ስለ’ዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ፡ . . . ደቀ መዝሙር ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም’የ።" ማቴ 28፡19,20
እዚ ቓል ጐይታ’ዚ ናይ ቦታ፡ ናይ ጊዜ ዀነ ናይ ዓይነት ሰባት ደረት ዘይተገብሮ፡ ናይ ተስፋ ቓል’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ብህይወት ኣይጸንሑን። ዳርጋ ዅላቶም ቅድሚ 70 ዓ.ም ብሰማእትነት ሓሊፎም’ዮም። ስለ’ዚ እዚ ቓል ተስፋ’ዚ ንኣኣቶም ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ዘሎ ክርስትያን ወለዶታት ዜጠቓልል ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ዅሉ መዓልቲ ምሳና ኻብ ሃለወ፡ "ባዕሉ ይመርሓና፡ ይሕልወና፡ ይጓስየና’ውን ኣሎ" ኢልና ብርጉጽነት ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ናይ ጓሳ ሓላፍነትን ተግባርን፡ ምስ ኣባጊዑ ምዃን’ዩ። ስለ’ዚ ብናይ ስጋ ኣዒንትና ኣይረኣናዮን፡ ብናይ ስጋ ኣእዛንና ኣይስማዕናዮን ማለት፡ ምሳና ኸም ዘየለ ኣየስምዕን’ዩ። ብመንፈስ ምሳና ኻብ ሃለወ፡ ንሕና ድማ በቲ ናይ መንፈስ ኣዒንትናን ኣእዛንናን ኢና ኽንርእዮን ክንሰምዖን ንኽእል ማለት’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዑረት እንተ’ሊና ግን፡ ነቲ ጓሳና ኽንስዕቦ ኣይክኣልን’ዩ። ስለ’ዚ ጸገም ዚፍጠር ዘሎ፡ ንሱ ምሳና ስለ ዘየለ ዘይኰነስ፡ ንሕና ምስኡ ዘይምህላውና፡ ንሕና ብስጋ’ምበር ብመንፈስ ንነብርን ንመላለስን ዘይምህላውና’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሰብ ገላትያ ዝጸሓፎ ቓል ነዚ ሓቂ’ዚ ዜረጋግጸልና’ዩ።
"ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተሳኢሉ ነበረ። ንሓቂ ኸይትእዘዙ ደኣ መን ዓዘመኩም፧ ካባኻትኩም እዚ ጥራይ ኪፈልጥ እደልይ ኣለኹ። ብግብሪ ሕጊ’ዶ ወይስ ብምስማዕ እምነት ኢኹም መንፈስ ዝተቐበልኩም፧ ክሳዕ ክንዲ’ዚዶ ዓያሱ ኢኹም፧ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ ሕጂዶ ብስጋ ኽትፍጽሙ ትደልዩ ኣለኹም፧ . . . ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚስኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም ኣለኹ።" ገላ3፡1,3፣4፡19
እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ኣነጺርዎ ኸም ዘሎ፡ ሰብ ገላትያ ኢየሱስ ብኣካለ-ስጋ ምስኣቶም ከየለ’ኳ፡ ስቕለቱ ኸይተረፈ ይርኣዮም ነበረ። ኪረኣዮም ወይ ኪርእይዎ ዘኽኣሎም ምስጢር ድማ፡ ብመንፈስ ዚነብሩን ዚመላለሱን ኣመንቲ ክርስትያን ስለ ዝነበሩ ምዃኑ ኣብሪህዎ ኣሎ። ኣብ’ዚ ብዓይኒ መንፈስ ነቲ ሕያዋይ ጓሳኦም እናረኣዩ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ጊዜ፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝመጸን ዝተገልጸን ኵሉ ሓቅታት ብምልኣት ይእዘዝዎ ነበሩ። ካብ’ቲ ብመንፈስ ምንባር፡ ብስጋ ናብ ምንባር ምስ ወደቑ ግን፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ትርኢት ካብ ኣዒንቶም ተደምሰሰን ጠፍአን። ነቲ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎን ዚመልክዎን ሓቂ ዚእዘዙሉ ፍቓድን ዓቕምን ተሳእኖም። እምበኣር ነቶም ብመንፈሳውነት ዚነብሩ፡ ማለት ብመንፈስ ዚርእዩ፡ ብመንፈስ ዚሰምዑ፡ ብመንፈስ ዚሓስቡ ወዘተ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ ኢየሱስ ግሁድ’ምበር፡ ስዉር ኣይኰነን። ስለ’ዚ ንእኡ፡ ነቲ ብመንፈስ ዚነብር ሰብ፡ ኣስኣሰር ጓሳኡ ምስዓብ ዕላማኡን ሓጐሱን ክብረቱን’ዩ’ምበር፡ ጾሩን ጭንቀቱን ኣይኰነን። ስጋውነት፡ ጸላእ ክርስቶስ’ምበር፡ ሰዓብ ክርስቶስ ኣይገብረካን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብመንፈስ ናይ ምንባር ረብሓን ብስጋ ናይ ምንባር ወጽዓን ግሩም ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።
"ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ’ዮም ዚሓስቡ፡ መንፈሳውያን ግን ነቲ ናይ መንፈስ’ዮም ዚሓስቡ። ናይ ስጋ ነገር ምሕሳብ፡ ሞት የምጽእ፡ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግን ህይወትን ሰላምን የምጽእ። ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን፡ ኪግዝኦ’ውን ኣይክእልን’ዩ። እቶም ብስጋ ዚምርሑ’ውን ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ (ኬስምርዎ) ኣይክኣሎምን’ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተ’ልዩ፡ ብመንፈስ’ምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ (ንሱ) ናይ ክርስቶስ ኣይኰነን።" ሮሜ8፡5-9 ካ.ት
"ኣነ ግና ‘ብመንፈስ ንበሩ’ሞ፡ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡’ እብለኩም ኣለኹ። ምኽንያቱ ትምኒት ስጋ ምስ መንፈስ መጻርርቲ’ዩ። መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ስጋ መጻርርቲ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ’ትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ክልቲኦም መጻርርቲ’ዮም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ሕጊ ንምፍጻም ግዱዳት ኣይኰንኩምን። . . . ብመንፈስ ህይወት ዝረኸብና እንተ ደኣ ዄንና፡ ብመንፈስ ንንበር።" ገላ5፡16-18,25 ካ.ት
እምበኣር፡ መንፈሳውነት ተሓሲምና ስጋውነት ክንመርጽን ብእኡ ኽንመላለስን ከለና፡ ካብ ጕስነት ክርስቶስ ኰብሊልናን ሸፊትናን ኣለና ማለት’ዩ። ንስጋውያን ይትረፍ ኣሰሩ፡ ክርስቶስ ብቐንዱ’ውን ኣይርኣዮምን’ዩ። ካብኡ ሓሊፎም’ውን መጻርርቱን ጸላእቱን’ዮም። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ፡ ዋላ ናብ ቤተ ክርስትያን ብንጥፈት ’ንመላለስ ክርስትያን ክነስና’ኳ ስጋውነት ብኸቢድ ኬጥቅዓና ዚኽእል ምዃኑ’ዩ። ነብያትን ገበርቲ ተኣምራትን ክሳዕ ምዃን ዝዓበዩ ኣገልገልቲ’ውን፡ ስጋውያን ኰይኖም ግብሪ ስጋ (ግብሪ ዓመጻ) እናገበሩ ኺመላለሱ ኸም ዚኽእሉ ጐይታና ባዕሉ ኣረጋጊጹልና’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ፡ "ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ካበይ ምዃንኩም ከቶ ኣይፈልጠኩምን’የ’ሞ፡ ካባይ ርሓቑ" ብምባል ከም ዚውግዶም’ውን ኣፍሊጡና ኣሎ (ማቴ7፡20-23)።
ሕራይ ብመንፈስ ’ንነብር ሰባት ኴንናኸ ነቲ ኣሰር ጓሳና ኣበይ ኢና ኽንረኽቦ፧ ቃል እግዚኣብሄር ኣነጺሩ ኸም ዚነግረና፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ማለት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ስጋ ዝለበሰ ቓል’ዩ (ዮሃ 1፡1,14 ፣ ራእ19፡11-13)። ንሱ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦ ናይ ባህርይ ቃል’ዩ። ስሙን ባህርዩን፡ "ቃል" ካብ ኰነ፡ ንኣሰሩ ድማ ኣብ’ቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ’ንረኽቦ። ኢየሱስ ዝኸዶ ዅሉ መንፈሳዊ መገዲ፡ ብኸመይ ከም ዝኸዶ፡ ናበይ ከም ዝኸደ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስእላዊ ብዝዀነ ጥበብ ሰፊሩልና ኣሎ። ምሉእ ስእሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮና ኣልዩናስ ንመገድን ኣሰርን ናይ ጐይታ ኽንርእዮ እንተ ንኽእል፡ ልክዕ ከም ካርታ (map) ናይ ሓንቲ ኸተማ፡ ሃገር ወይ ዓለም ብንጹር ምተራእየና ነይሩ። ሰብ ኤማሁስ ብዛዕባ ጐይታና፡ "ብቓልን ብግብርን ከኣሊ ነብዪ" ኢሎም ከም ዝመስከሩ፡ ኵሉ’ቲ ዝተዛረቦ ቓላትን ዝገበሮ ግብርታትን እቲ ንሕና ኽንስዕቦ ዚግብኣና ኣሰር’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ንቓሉ ኽንፈልጦ፡ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ፡ ክንእዘዞ ደጋጊሙ ብኣጽንዖት ነጊሩና’ዩ። ንወንጌል ብምሉኡ እንተ’ንበብናዮ፡ ብኸመይ ቃሉ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ከም ዜኽእለና ኽንርዳእ ኢና። ጐይታና፦
"ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ፡ ኣነ ለዋህ’የ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲስ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል’ዩ’ሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይ’ውን ተምሃሩ።"
ኺብለና ኸሎ፡ ኣሰሩ ስዒብና ኸምኡ ለዋሃትን ትሑታትን ክንከውን፡ ነቲ ኽንስዕቦ ዚግብኣና ኣርኣያኡ ኻብኡ ኽንምሃሮ’ዩ ዚነግረና ዘሎ (ማቴ11፡28-30)። ቅዱስ ጳውሎስ፡-
"ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ነቲ ቓል ብምቕባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኰንኩም።" ብምባል ብኸመይ ሰዓብቲ ኣሰር ጓሳና ኸም ንኸውን ኣነጺሩልና’ሎ (1ተሰ1፡6)። ኣቦና እዮብ’ውን፦
"ኣእጋረይ ኣሰሩ ሔዘን፡ ተጠንቂቐ’ውን ካብ መገዱ ኣየግለስኩን። ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይዘንበልኩን፡ ካብ (ሃብተይ) ኣብሊጸ ንቓል ኣፉ ሓለኽዎ።" ብምባል ነቲ ዘዐወቶ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ (እዮ23፡11,12)። ቕዱስ ዳዊት’ውን፡ "ስጕምተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽናዕ፡ . . . ንስጕምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮ፡" ብምባል ክንስዕቦ ዚግብኣና ኣሰር፡ ቃሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (መዝ17፡5፣119፡133)።
እምበኣር ንኣና’ውን ኣብ’ቲ ናይ ቃሉ ኣሰር ካብ ምኻድ ዚበልጽ ካልእ ምርጫ የብልናን። ነቲ ኣሰሩ ኸነለልዮን ክንስዕቦን ምእንቲ ኽንክእል፡ ካብ ስጋውነት ተፈሊና፡ ብመንፈሳውነት ንንበር። ዋላ ሞት ስጋ ኼስዕብ ዚኽእል እንተ ዀነ፡ ኣብ’ታ ኣሰሩ ጸኒዕና ንመላለስ። ኣሰሩ እንተ ስዒብና፡ ኣብ መወዳእታ ናብ’ታ ንሱ ዝኣተዋ ናይ ክብሪ ቦታ ኸም ’ንኣትው ኣይንዘንግዕ። ካልእ ኵሉ ኣሰር፡ መዓልቦኡ ገሃነም ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ንኣሰሩ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ተመሊእና ንስዓቦ። ክንስዕቦ ዚግብኣና ኣሰር ንዝገደፈልና ሕያዋይ ጓሳና፡ ንኢየሱስ፡ ክብሪ ይኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
4 ጥሪ(ር) 20265 | ታሕሳስ 26, 2018 ግዕዝ (መበል 16 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ:79(80)፡1"ኖላዊሆሙ ለእሥራኤል አጽምእ። ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ። ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።" "ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| እብ 13፡16-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 2፡21-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 15፡13-21 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ዮሃ 10፡1-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘማርያም | መዝሙር፦ አቅዲሙ ነገረ በኦሪት |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ