
"እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብዪ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ "ምኵራብ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። "ምኵራብ" ማለት "ቤት ጸሎት ኣይሁድ" ማለት’ዩ። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ ክልተ "ዘመነ ምኵራብ" (ዘመነ መቅደስ)’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ ኣብ ዘመነ ነብያት ኣብ ካልኣይ ሰንበት ’ትርከብ (ሕዳር 20-ሕዳር 26) ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ፡ እዛ ዘለናያ ዘመነ ምኵራብ’ያ። ክልቲኡ ዘመነ ምኵራብ ደኣ ይኹን’ምበር፡ ብመዝሙሩን ንባባቱን ግን፡ ፍልልያት ከም ዘለዎ ኽንግንዘብ ይግባእ። ነዚ ናይ ዓብዪ ጾም ዘመነ ምኵራብ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር "ቦአ ኢየሱስ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ።
“ኢየሱስ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ፡ ቃል እምነት መሃረ። "ካብ መስዋእቲ ምሕረት አቐድም። ኣነ ንሰንበት ጐይታኣ፡ ንምሕረት ኣቦኣ’የ፡ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት’ዩ። ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ ቤተይሲ ቤት ጸሎት ይብሃል" በሎም። ናብ ቤት ጸሎቶም ኣትዩ ስቕ ኪብሉ ገንሖም። ንትምህርቱን መጐስ ናይ ቃሉን ጣዕሚ ዘረባኡን ቅልጣፈ ኣፉን ኣድነቑ።
ሰንበት ኣኽብሩ፡ ሰናይ ግበሩ፡ ብጻይኩም ኣፍቅሩ፡ ንድኻታትን መሳኪንን መጽውቱ፡ ንስኻትኩም’ውን ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኢየሱስ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ፡ "ሰንበት ኣኽብሩ" ኢሉ ቃል እምነት መሃሮም፡ ሰላም ተዛረቦም፡ ንፈጣሪኦም ኣመስገኑ።” ዚብል’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዮሃ 2፡12-25 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ብዛዕባ’ታ ብስሙ ዝተሰምየት ቤት መቕደስ ልዑል ቅንኣት ከም ዝነበሮ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እቲ ኣይሁድ ኣብ በቦትኡ ዝሰርሕዎ ኣብያተ ጸሎት’ውን፡ ጐይታና ንምስትምሃር ኰነ ዝተፈላለየ ተኣምራት ንምፍጻም ዜዘውትሮ ኣገዳሲ ቦታ ነበረ። ብፍላይ ኣብ ሉቃ 4፡16 "ከም’ታ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ" ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ማቴ 4፡23፣ 9፡35፣ 13፡54፣ ማር 1፡21፣ ሉቃ 4፡15,16፣ ዮሃ 6፡59፣ 18፡20)። ኣብ’ቲ ፋሲካ ኣይሁድ ዚብዓለሉ ቕንያት፡ ጐይታና፡ ከም ኵሉ እስራኤላዊ፡ ፋሲካ ኼብዕል ናብ ኢየሩሳሌም ከይዱ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ’ሞ፡ ከም ዕዳጋ ጋዕዝዩ ምስ ጸንሖ ግን፡ ብልዑል ቅንኣቱን ብሓይሊ ስልጣኑን ነቲ መቕደስ ኣጽረዮ። ኣብ’ቲ ምስ’ቶም ተጻረርቱ ኣይሁድ ዝገበሮ ዝርርብ ድማ፡ እቲ ህንጻ ቤት መቕደስ ናይ’ቲ ባዕሉ ጐይታና ለቢስዎ ዘሎ ስጋ (ሰብነት) ምስልን ጽላሎትን ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ (ዮሃ 2፡18-21)። እዚ ቕንኣታውን ስልጣናውን ተግባሩ’ዚ ግን፡ ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ንዘለና ህዝበ-ክርስትያን ዜመሓላልፎ ኣዝዩ ዓብይን ኪጕሰይ ዘይግብኦን መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣለዎ። እዚ ቤት መቕደስ ኣይሁድ፡ እግዚአብሔር ስሙ ስለ ዘንበረሉ ደኣ ተቐዲሱ’ምበር፡ ሓጥኣን ሰባት ብዕጨ-እምኒ ዝሰርሕዎ ግኡዝ ህንጻ’ዩ ዝነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩን ደጋጊሙን ገሊጽዎ ኸም ዘሎ ግና፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ ህያው ናይ ኣምላኽ ቤት መቕደስ፡ እቲ እግዚአብሔር ባዕሉ ዝሃነጾ ስጋና ወይ ሰብነትና’ዩ (2ቈረ 6፡16፣ ኤፌ 2፡21,22፣ እብ 3፡6)። መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሓቂ`ዚ ብኣጽንዖት ገሊጹልና ኣሎ። "ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም’ሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ ናይ’ቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹም’ውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለ’ዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።" 1ቈረ 6፡19,20
ስለ’ዚ ጐይታና ብዛዕባ’ቲ ሰብ ዝሰርሖ ህንጻ ቤት መቕደስ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ቕንኣት ካብ ተሰምዖ፡ ብዛዕባ’ዚ ባዕሉ ዝሃነጾ ህያው ቤት መቕደሱኸ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ቅንኣት ኪስምዖ ማለት’ዩ፧ እቲ ሎሚ ’ንጋብኣሉን ’ነገልግለሉን ’ንግልገለሉን ዘለና ኣብያተ ክርስትያን፡ ናይ ዕዳጋ ርስሓትን ርኽሰትን ስለ ዘይብሉ፡ ብዛዕባኡ ዜሰክፍ ዋላ ሓንቲ ነገር የብልናን። ምስ ኵሉ ዘይተነሳሕናሉ ሓጢኣትና ንእከበሉ ስለ ዘለና፡ ብኣናን ብሓጢኣትናን ክንዲ ጉድ ይረክስ ከም ዘሎ ግን፡ ዝዀነ ይኹን ጥርጥር የልቦን። ስለ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ለቢስናዮ ዘለና፡ መንፈስ ቅዱስን ደም ክርስቶስን ዝቐደሶ፡ ንሕና ግን ብዚጠቅምን ዘይጠቅምን ምኽንያት ብሓጢኣት ዘርከስናዮ መቕደስ-ስጋና ብልዑል ተገዳስነት ክንሓስብ ይግብኣና። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና "ዘመነ ምኵራብ" ዝሰርዓትሉ ምኽንያት፡ ናብ’ዚ መንፈሳዊ ሓሳብ’ዚ ኽትመርሓናን ከተእትወናን ስለ ዝደለየት’ምበር፡ ብዛዕባ ኣብያተ ጸሎትን ቤት መቕደስን ናይ ኣይሁድ ከተዘኻኽረና ስለ ዝደለየት ኣይኰነትን። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብባርያኡ ብቕዱስ ጳውሎስ ገይሩ፡ "ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ" ዝበሎ ቓል፡ ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ምኵራብ፡ ብዓብዩ ኸኣ ናይ’ዚ ’ንሓልፎ ዘለና ዓብይ ጾም ዕላማና ኽንገብሮ ይግባእ። ነታ ብሓጢኣቶምን ብጽያፍ እንስሳታትን ዘርከስዋ ህንጻ ቤት መቕደስ ብኢድ ሮማውያን ክትፈርስ ከም ዝፈረዳ፡ ነዚ መቕደስ-ስጋና ዚፈርደሉ መዓልቲ’ውን መዲቡን ሰሪዑን ኣሎ (ዮሃ 5፡22,27፣9፡39፣ ግብ 17፡31፣ ሮሜ 14፡9፣ 2ቈረ 1፡5,10፣ 2ጢሞ 4፡1፣1ጴጥ 4፡5፣ ዘፍ 18፡25፣ መሳ 11፡27)። ብሰብ ዝተሰርሐ መቕደስ፡ ብኢድ ሰብ’ዩ ዚፈርስ። ብኢድ ኣምላኽ ዝተሃንጸ መቕደስ ግና፡ ብኢድ ኣምላኽ’ዩ ዚፈርስ። ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምውዳቕ ከኣ፡ ኣዝዩ መሰክሕ ስለ ዝዀነ፡ መቕደስ ስጋና ብምርካስ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከይንወድቕ ንጠንቀቕ (እብ 10፡30,31፣ 1ተሰ 4፡6,7)። መቕደስ ስጋና ብቕድስና ብምሕላው ደኣ ኣብ’ታ ሕያወይቲ ኢዱ ንውደቕ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ዚ ናይ ዮሃ 2፡12-25 ንባብና ዝተወስደን ምስ 1ቈረ 3፡16,17 ዝተዛመደን’ዩ።
ሰብ ግን ብኸመይ’ዩ ቤት መቕደስ ኪኸውን ዚኽእል፧ እዚ ቤት መቕደስ ምዃንና ዚገልጽ ጥቕስታት፡ ንመረዳእታ ኪኸውን ዝተዘርበ ተምሳላዊ ኣገላልጻዶ ኣይመስልን፧ እዚ ኣገላልጻ’ዚ ተምሳላውነት የብሉን። ኣብ ቃል እግዚኣብሄር ብንጹርን ብተደጋጋምን ተገሊጹልና ኸም ዘሎ፡እግዚኣብሄር ብዘይካ ሰብ ካልእ ቤት መቕደስ የብሉን። እቲ ብድንኳን ይኹን ብዕጨ-እምኒ ዝተሃንጸ ህንጻ ቤት መቕደስ ግን፡ ብርግጽ ተምሳላዊ ትንቢትን ትእምርትን ናይ ክርስቶስን ናይ ህዝቢ ኣምላኽን መቕደስነት’ዩ። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብቕዱስ ጳውሎስን ብኻልኦት ባሮቱን ገይሩ ደጋጊሙ ኸም ዝገለጾ፡ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብ ዝሰርሖ መቕደስ ኣይሓድርን’ዩ (ግብ17፡24 ፣ 7፡48-50 ፣ ኢሳ66፡1 ፣ ዮሃ 4፡20,21)። ንጉስ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ካብ ዘለዎ ፍቕርን ክብርን ዝተላዕለ ቤት መቕደስ ኪሰርሓሉ ምስ ተላዕለ፡ እግዚኣብሄር ከምኡ ኸም ዘይደለየን ከም ዘይኣዘዘን ኣብ’ቲ ዝሃቦ መልሲ ብንጹር ኣፍሊጡ’ዩ (2ሳሙ7፡4-7)። ንጉስ ሰለሞን ነቲ ህንጻ ሰሪሑ ምስ ወድአ፡ ብምሉእ ምትእምማን፡ "ንስኻ እትቕመጦ ቤት፡ ንዘለኣለም ’ትነብረሉ ስፍራ፡ ብርግጽ ሰሪሐልካ ኣለኹ፡" በለ (1ነገ 8፡13)። ኣዕሚቑ ድሕሪ ምሕሳቡ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት ግን፦
"ግናኸ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ኣብ ምድሪ ይነብር’ዩ፧ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን’ኳ (ኪጾሩኻ) ኣይክእሉን’ዮም፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኽንደይ (ኣዝያ) ዘይትንእስ!!" ብምባል፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብርጉጽነት ዝተዛረቦ ቓል ኣረሞ (1ነገ8፡27)። እግዚኣብሄር ነቲ ህንጻ መቕደስ ኪባርኸሉ ግሩም ጸሎት ድሕሪ ምጽላዩ ዝተዋህቦ መልሲ ድማ፦ "ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ኸንብር ቀዲሰያ ኣለኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ’የን። . . . ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካብ ምስዓበይ ፈጺምኩም እንተ ተመለስኩም፡ ነቲ ዝሃብኩኹም ትእዛዛተይ እንተ ዘይሓለኹም፡ ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩም ግና፡ ሽዑ ኣነ . . . ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ’የ፡ . . ." ዚብል’ዩ (1ነገ 9፡3,6,7)። ነዚ ታሪኽ’ዚ ኣጸቢቕና ብምስትውዓል እንተ ነጽንዖ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኸይተረፈ፡ እቲ ቐንድን ቀዳማይን ቤት መቕደስ ናይ እግዚኣብሄር ብዓብዩ እቲ ህዝቢ ኸም ዝነበረ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። እግዚኣብሄር ኣብ ሰለሞንን ኣብ’ቲ ህዝቡን ሓዲሩ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ሰለሞን ዝሰርሓሉ ህንጻ ብኽብሪ ተቐቢሉ፡ ማሕደር ስሙ ገይሩ ቐደሶ። እቶም ነገስታትን እቲ ህዝብን ንእግዚኣብሄር ደርብዮም ንናይ ጣኦት ኣማልኽቲ ኺስዕቡን ኬገልግሉን ምስ መረጹ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነታ "ንዘለኣለም" ኢሉ ዝቐደሳ ቤት መቕደስ ኬፍርሳን ኪድርብያን ወሰነ። ገና ኻብ ንጉስ ሰለሞን ጀሚሮም ዳርጋ ዅሎም ናይ እስራኤል ነገስታትን ህዝብን ምስ ከሓድዎ፡ ምእንቲ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ ንኣስታት 400 ዓመታት ብመሪር ትዕግስትን ብልዑል ምሕረትን ጸዊርዎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዘመን ንጉስ ጼደቅያስ ብኢድ ንጉስ ባቢሎን፡ ነታ ኽብርቲ ቤት መቕደስ ክሳዕ መሰረታ ኣንደዳን ኣፍረሳን (ኤር39፡1-10፣ 2ነገ25፡9-11)። ሄሮድስ ዓብይ ኣስታት 46 ዓመታት ብዝወሰደ ጻዕሪ ዳግማይ ሃኒጽዋ’ኳ እንተ ነበረ፡ ጐይታና ብዝሃቦ ፍርድን ብዝተዛረቦ ቓል ትንቢትን መሰረት ድማ፡ ብኢድ ሮማውያን ዳግማይ ከም ዘይትህነጽ ኰይና ፈሪሳ ትርከብ ኣላ (ማቴ23፡35-39፣ ሉቃ13፡34,35፣ 19፡41-44)። መቕደስ-ሰብ እንተ ፈሪሱ፡ ህንጻ-መቕደስ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ዋላ ሓንቲ ትርጉምን ዋጋን የብሉን። እግዚኣብሄር ብመቕደስ-ሰብ’ምበር፡ ብህንጻ መቕደስ ከም ዘይሕጐስ፡ ብቕዱሳን ነብያቱ ኣረጋጊጹልና’ዩ።
"ኣነ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ‘‘ቅዱስ’’ ዝስሙን እግዚኣብሄር’የ። ኣብ’ቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ ድማ እነብር (ኣለኹ)። ግናኸ ንትሑታት ህያዋን ክገብሮም፡ ነቶም ዝተጣዕሰ ልቢ ዘለዎም ድማ ህያዋን ክገብሮም፡ ምስ’ቶም ዝተጣዕሰ (ድቑስ) ልቢ ዘለዎምን ትሑታትን ሰባት’የ ዝነብር።" ኢሳ 57፡15 ካ.ት
"ሰማይ ዝፋነይ’ዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ’ያ። እቲ ንስኻትኩም ‘ትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ’ዩ፧ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ ከመይ ዝበለ’ዩ፧ ነዚ ዅሉ ዓለም ዝፈጠርክዎ ኣነ’የ፡ እዚ ዅሉ ኸኣ ኰይኑ’ሎ። ኣነ በቲ ትሑትን ዝተጣዕሰ (ስቡር) መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ዚፍጽሞን ሰብ’የ ዝሕጐስ።" ኢሳ 66፡1,2 ካ.ት
እዚ ትንቢታዊ ቓላት’ዚ፡ እግዚኣብሄር ንመን ከም መቕደሱን ከም ማሕደሩን ገይሩ ኸም ዚርእዮ፡ ኣየናይ መቕደስ ከም ዜብህጎ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ሰብ መቕደስ-ኣምላኽ ምዃኑ ብንጹር ዚገልጽ ጽሑፍ ኣይንረክብን ኢና። ምኽንያቱ እዚ ምስጢር’ዚ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚግለጽን ዚፍጸምን’ዩ። ከም’ዚ ጠቓቒስናዮ ዘለና ግን፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብትንቢታውን ትእምርታውን መልእኽታት ብንጹር ተኣሚቱልናን ተኣንፊቱልናን’ዩ።
እግዚኣብሄር ግን ባዕሉ ዝፈጠሮን ዝሰርሖን ሰማየ ሰማያትን ዓለማትን እናሃለዎስ ንምንታይ’ዩ ኣብ’ዚ ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን ዝቘመ፡ ብሓጢኣት ዝደኸመን ዝተራኸሰን ሰብ ማሕደሩን መቕደሱን ኪገብር መሪጹ፧ ብዓይኒ ስጋ ኽትርእዮን በተሓሳስባ ሰብ ክትሓስቦን ከለኻ፡ ብዘይ ቃልዓለም ኣዝዩ ዜገርም’ዩ። ግን ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ፈጺምና ዘይንበቕዖን ዘይምጥነናን ክብሪ’ዩ ሂቡና። እዛ ኽብሪ’ዚኣ ኣብ’ታ ኣቦና ኣዳም ዝተፈጥረላ ዕለት’ያ ተዋሂባትና። ከም ስርሓት ካይላ፡ ካብ ሓመድ ምድሪ ጽቡቕ ኣቕሓ መሬት ገይሩ ምስ ፈጠሮ፡ ኡፍ ኢሉ ካብ’ቲ መንፈሱ መቒሉ፡ ህያው ነፍሲ ገበሮ። በቲ ዝመቐሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ንዅሉ’ቲ ተወራሲ ባህርያቱ ጸገዎ። መሬታዊ ኽነሱስ፡ መልክዕን ምስልን ናይ’ቲ ሰማያዊ ኣምላኽ ወረሰ። ስለ’ዚ እግዚኣብሄር ንሰብ እንተ’ኽበረ፡ ንገዛእ መንፈሱ፡ ንገዛእ መልክዑን ምስሉን’ዩ ዘኽበረ። እዚ ዅሉ ወዲ ሰብ ቈጺሩ ኺፈልጦ፡ ኣብኡ በጺሑ በዒንቱ ኺርእዮ ዘይከኣለ ናይ ኣምላኽ ፍጥረታት ተደሚሩ፡ ክንዲ’ታ እግዚኣብሄር ኡፍ ኢሉ ኣብ ኣቕሓ መሬት ዘሕደራ መንፈሱን መልክዑን ዚኸውን ክብሪ የብሉን። ኣብ ሰማያት ዕጹብ ድንቂ ዝዀነ ማሕደር እናሃለዎስ፡ መቕደሱ ግን ኣብ ሰብ ኪገብር መረጸ። ማሕደር ኣምላኽ ኪኸውን ተኽእሎ ዘለዎ ዅሉ ኻልእ ፍጥረት፡ ህይወት ዘይብሉ ግኡዝ ፍጥረት’ዩ። እቶም ዝርካቦም ህይወት ዘለዎም እንስሳታት ድማ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሎም ነፍሳውያን ፍጡራት ጥራሕ’ምበር፡ መንፈሳውያን ፍጡራት ስለ ዘይኰኑ፡ መቕደስ ኣምላኽ ኪዀኑ ዜብቅዖም መንነት የብሎምን። ንሰብ ኬገልግሉን ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መስተንክር ከኣልነት መርኣያ ዀይኖም ክብሩ ኺገልጹን ኬመልክቱን ዝተፈጥሩ ጥራሕ’ዮም።
እግዚኣብሄር ብምኽንያት’ቲ ኣባና ዘንበሮ መልክዑን ምስሉን የኽብረና ኣሎ። ንሕና ግን ነዚ ሓለፋን ክብረትን’ዚ ስለ ዘይፈለጥናዮን ስለ ዘየስተውዓልናዮን፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ስለ ዝነዓቕናዮ፡ ብሓጥእ ኣካይዳና ንህይወትና ነሕስራን ነጋዕዝያን ኣለና። ከም’ቲ ኣምላኽ ነቲ ኣባና ዘንበሮ፡ ምስሉ ዜኽብሮ ጌርና ነኽብሮ እንተ ንኸውን ግን፡ ብጽድቅን ቅድስናን ናብ ፍጹምነት ምዓበና፡ መቕደስነትና ኸኣ ኣዝዩ ምደመቐን ምጐልሐን ነይሩ። እግዚኣብሄር ብሕሱር ምርጫ ብሓጢኣት ተበላሺና ምስ ረኣየና፡ ነቲ ኣባና ዘንበሮ ምስሉ ኺድርብዮን ኪቐብጾን ስለ ዘይኰነሉ፡ ናብ’ቲ ቐዳማይ ክብርና ምእንቲ ኺመልሰና፡ ነቲ ሓደ ወዱ ስጋና ኺለብስን ሰብ ኪኸውንን ብምፍቃድ፡ ነቲ ሰብ ምዃንና ብዝበለጸ ኣኽበሮ። ኢየሱስ ግን ሰብ ኣብ ምዃን ጥራሕ ኣየብቅዐን። ምእንቲ ሓጢኣትና ብሙማት፡ በጃ ዀነልና። በቲ ኽቡር ደሙ ዓዲጉ፡ ዳግማይ ኣጥረየና። ብመንፈስ ቅዱስ ቀዲሱ ድማ መቕደሱ ናይ ምዃን ካልኣይ ዕድልን ክብርን ጸገወና (1ቈረ6፡19,20፣ ራእ5፡9,10፣ 1ጴጥ2፡18,19)። ስለ’ዚ መቕደስ ኣምላኽ ክንከውን፡ ድርብ ምኽንያትን ግዴታን ሓለፋን ዘሎና ፍጥረት ምዃንና ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ።
መቕደስ ምዃንና ውሁብን ርጉጽን ካብ ኰነ፡ እንታይ ዓይነት መቕደስ ኢና፧ መቕደስነትናኸ ብኸመይ’ዩ ዚግሃድ፧ ንሕና ህንጻውን ግኡዝን መቕደስ ዘይኰንናስ፡ ህያውን መንፈሳውን መቕደስ ኢና። ቅድስት ስላሴ፡ ማለት እግዚኣብሄር ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዚሓድርዎ መቕደስ ምዃንና፡ ጐይታ ብንጹር ገሊጹልና’ዩ። ኣብ ዮሃ14፡17 መንፈስ ቅዱስ ኣባና ኸም ዚነብርን ከም ዚሓድርን ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ኣብ ዮሃ14፡21-23 ድማ ኣቦን ወልድን ኣባና ማሕደር ከም ዚገብሩ ነጊሩና ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ህንጻ-መቕደስ፡ ስሙ ጥራሕ’ዩ ዜሕድር፡ ኣብ መቕደስ-ሰብ ግን ብስሉስ ቅዱስ ኣካሉ ባዕሉ’ዩ ዚሓድር። እግዚኣብሄር ህያውን ኣምላኽ-ህያዋንን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ህያዋን`ዩ ዚሓድር፡ ብህያዋን ከኣ’ዩ ዚግልገል (ማቴ22፡31,32)። እምበኣር ህያዋን ምዃንና፡ እቲ ህይወት’ቲ ድማ ካብ ኣምላኽ ዝተኻፈልናዮ ህይወት ብምዃኑ፡ መቕደስ ኣምላኽ ክንከውን ዜብቅዓና ቀዳማይን ኣገዳስን ረቛሒ’ዩ። እዚ ህይወት’ዚ ድማ ስጋዊ ጥራሕ ዘይኰነ መንፈሳዊ ህይወት ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግብኦን’ዩ (ገላ5፡25)። ካልኣይ ኣገዳሲ ረቛሒ ድማ፡ ኣምላኽ ኣባና ኪነብር ዚኽእልን ዚደልይን ምዃኑ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦
"ኣብኣቶም ክነብር፡ ኣብኣቶም’ውን ክመላለስ’የ ‘‘ኣነ ኣምላኾም ክኸውን፡ ንሳቶም’ውን ህዝበይ ኪዀኑ’ዮም።’’ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤት መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና።"
ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (2ቈረ6፡16)። ደጊሙ’ውን ኣብ’ቲ ናብ እብራውያን ዝጸሓፎ መልእኽቱ፦
"ትብዓትናን ትምክሕቲ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናስ፡ ቤቱ ንሕና ኢና።" ኢሉና ኣሎ (እብ3፡16)። እዚ ድማ ህያዋን መቕደስ ምዃንና ዜረጋግጸልና ሳልሳይ ኣገዳሲ ረቛሒ’ዩ። ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ ሰብ፡ መቕደስ ኣምላኽ ኪኸውን ዝተፈጥረ’ኳ እንተ ዀነ፡ ነዚ መለኮታዊ ዕላማ’ዚ ብግብሪ ዚነብርዎ ግን፡ ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም። ምኽንያቱ ብክርስቶስ ኣሚኑን ድሒኑን ብመንፈስ ቅዱስ ዘይተቐደሰ ሰብ፡ መቕደስ ኣምላኽ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ።
ሓጢኣት ‘ንፍጽም ድኹማት ሰባት ምዃንና፡ መቕደስ ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣይዕንቅፈናንዶ፧ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ኣብ ዘለዎ ቦታዶ ይሓድር’ዩ፧ ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓቂ እንተ’ልዩ፡ እግዚኣብሄር ሓጥኣን ምዃንና እናፈለጠ መቕደሱ ኽንኰነሉ ኸም ዝሓረየና’ዩ። ናትና ብቕዓት ዘይኰነስ፡ ናቱ ምሕረትን ሕያውነትን’ዩ መቕደስ ክንከውን ዜብቅዓና። ዋላ ኣብ’ቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤት መቕደስ እንተ ተመልከትና’ውን፡ ነቲ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ኺዕረቕ ዝመጸ ሰብ ወይ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ መሰውእን ቤት መቕደስን ከይተረፈ በቲ ደም የተዓርቕዎ ነበሩ (ዘጸ24፡6-8)። እቲ ቤት መቕደስ (ናይ ድንኳን ይኹን ናይ ህንጻ) ህይወት ዘይብሉ ግኡዝ ስለ ዝነበረ፡ ባዕሉ ኺፍጽሞ ዚኽእል ሓጢኣት ኣይነበረን። ግን ሓጥኣን ሰባት ዜገልግሉሉን ዚግልገሉሉን ምድራዊ ቤት መቕደስ ስለ ዝነበረ፡ ብርኽሰት ናይ’ቶም ሰባት ስለ ዚረክስ፡ እቶም ካህናት ደም እናነጸጉ ይቕድስዎን የተዓርቕዎን ነበሩ። ይረስሕ ስለ ዝነበረ’ውን ኣብ’ቲ ዝተሰርዓሉ ምዱብ እዋናት የጽርይዎ ኸም ዝነበሩ ተጻሒፉልና ኣሎ። እዚ ተግባሮም’ዚ፡ ናብ’ቶም ቤት መቕደስ ኴንና ‘ነገልግል ናይ ሓድሽ ኪዳን ህዝቢ ገጹ ዘቕንዐ ትእምርታዊ መልእኽቲ’ዩ። መቕደስ ስጋና ብሓጢኣት ስለ ዚረክስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንእኡ ’ነጽርየሉን ’ንቕድሰሉን ምስጢረ ንስሓ ሰርዓልና። ስለ’ዚ ኸኣ፦ "ምስ (ኣምላኽ) ‘‘ሕብረት ኣሎና’’ ኢልናስ ኣብ ጸልማት (ብሓጢኣት) እንተ ተመላለስና፡ ንሕስው ሓቂ’ውን ኣይንገብርን ኢና ዘለና፡ . . . ‘‘ሓጢኣት የብልናን’’ እንተ በልና ግና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣለና፡ እታ ሓቂ’ውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ’ውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን’ዩ።"
ተባሂሉልና ኣሎ (1ዮሃ1፡6,8,9)። ሕልናና ብደም ክርስቶስ ዝነጽሀን ዝተሓደሰን መቕደስ-ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ እናፈለጥናን ፈቲናን ብድፍረት ዝዀነ ዓይነት ሓጢኣት ክንፍጽም ኣይግባእን’ዩ (እብ10፡26-31)። ብዝተረፈ ብምኽንያት’ቲ ዜግድዓና ድኻም ስጋ፡ ከየስተውዓልና ብስምዒት ተደሪኽና ብዝገበርናዮ ሃንደበታዊ ግብሪ፡ ሓጢኣት ምስ ዚጠብቀና ግን፡ በቲ ኽቡር ደምን ክህነታዊ ኣገልግሎትን ናይ’ቲ እሙንን ደንጋጽን ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርቅን ምሕረትን ንረክብ ኢና ( እብ3፡17,18 ፣ 4፡14-16 ፣ 5፡9,10 ፣ 7፡25,26 ፣ 8፡1,2 ፣ 9፡13,14 ፣ 10፡10,12-14)። ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ከም ዝበሎ፡ ሓጢኣት ምግባር ሰብኣዊ፡ ኣብ ሓጢኣት ምንባር ሰይጣናዊ፡ ካብ ሓጢኣትካ ብንስሓ ምምላስ ግን መንፈሳዊ (ኣምላኻዊ) ባህርይ’ዩ።
ደሓር ድማ መቕደስ ኣምላኽ ምዃን መስርሕ’ምበር፡ ቅጽበታዊ ፍጻመ ኣይኰነን። ቅዱስ ጴጥሮስ፦ "ናብ’ቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ ንስኻትኩም’ውን ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ (ምእንቲ) ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ተሃነጹ።" ብምባል፡ መቕደስነት ናይ ህንጸት መስርሕ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱና ኣሎ (1ጴጥ2፡4,5)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ፦ "ኣብኡ ብዘሎ’ቲ ህንጻ ብጐይታ ቕድስቲ ቤት መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ (ንሓድሕዱ) እናተኣሳሰረ ይዓብይ’ዩ። ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣለኹም።" ኢሉና’ሎ (ኤፌ2፡21,22)። ስለ’ዚ ኸም መቕደስ ኣምላኽ እናዓበናን እናተሃነጽናን ብዝኸድና መጠን፡ ንሓጢኣት እናሰዓርና ቕድስናና ናብ ዝለዓለ ደረጃ እናዓበየ’ዩ ዚኸይድ።
ኣብ መቕደስ ኣምላኽ መስዋእቲ ኪቐርብ ናይ ግድን ካብ ኰነ፡ ኣባናኸ እንታይ መስዋእቲ’ዩ ኪቐርብ፧ መን’ዩኸ ዚስውኦን ዜቕርቦን፧ እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ’ቲ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ናይ ምስጢረ ክህነት ትምህርቲ (ኣብ መጽሓፍ ፍኖተ ህይወት) ብስፍሓት ተገሊጹልና ኣሎ። ኵሉ ብክርስቶስ ኣሚኑ ዝተጠምቀ ክርስትያን መቕደስ ኣምላኽ ምዃን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣድማሳዊ ክህነት’ውን ተቐቢሉ’ዩ። እዚ ኽህነት’ዚ ኣብ መቕደስ ስጋና ’ነገልግለሉ’ምበር ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ’ንፍጽመሉ ኣይኰነን። በዚ ኽህነትና’ዚ ’ነቕርቦ መስዋእቲ እንታይ ምዃኑ ድማ፡ ቅዱስ ጳውሎስ "ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም (ኣቕርብዎ)" ብዚብል ቃሉ መሊሱልና’ዩ (ሮሜ12፡1)። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ናትና ናይ መቕደስን ክህነትን መስዋእትን ነገር፡ ኣዝዩ ረቂቕ ምስጢር ከም ዘሎ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። ዘለኣለማዊ መጻኢና ኸይተረፈ ዚውስን ኣገዳሲ ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ፡ ንምፍላጡ፡ ንምርድኡ ዀነ ንኽንነብረሉ ልዑል ተገዳስነት ኪህልወና ይግባእ። ምኽንያቱ መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ነዚ መቕደስና’ዚ ብሓጢኣት እንተ ኣማሲንናዮ፡ እግዚኣብሄር ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ (ኣብ ገሃነም) ንዘለኣለም ብስቓይ ኬማስነና’ዩ። ስለ’ዚ ንመቕደስነትና ኣዚና ኽንጥንቀቐሉን ብልዑል ቅንኣት ክንሕልዎን ከነኽብሮን ይግብኣና። ምኽንያቱ ብመስዋእትን ደምን ናይ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ መግለጺ ዀነ መዳርግቲ ዘይርከቦ ዓብይ ሓለፋን ክብርን’ዩ። ናይ ኣምላኽ ቤት መቕደስ ቅድስቲ ኽትከውን’ዩ ዚግብኣ’ሞ፡ ንመቕደስ ስጋና ብቕድስና ነኽብሮ። ኣብ’ቲ ዕለታዊ ማሕበራዊ ናብራና ድማ፡ ኣምላኽ ከም ዝሓደሮ ህያው መቕደስ ኴንና ንንበር!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
1 መጋቢት 2026 | የካቲት 22, 2018 ግዕዝ (መበል 25 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፷፰(፷፱)፡፱-፲ "እስመ ቅንአተ ቤትከ በልዐኒ። ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ። ወቀፃእክዋ በጾም ለነፍስየ።" "ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ’ውን ኣባይ ወዲቑ’ዩ’ሞ፡ ነሕዋተይ ጓና፡ ንውሉድ ኣደይ’ውን ጋሻ ዀንኩ። እናበኸኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ቈሎ 2፡16-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
| ያእ 4፡1-12 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 5፡17-30 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ዮሃ 2፡12-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ ኣይሁድ |
||
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ