
"ኣምላኽ ከም ተስፋኡ ኻብ (ዘርኢ ዳዊት) ንእስራኤል መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ፡ ኣተንስአ። . . . ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ረኣኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ (መጸ)፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ‘‘እሙንን ሓቀኛን’’ ይብሃል፡ ብጽድቂ ዚዳንይን ዚዋጋእን’ዩ።. . . ብደም ዝተዓለሰ (ዝጠልቀየ) ኽዳን’ዩ ተወንዚፉ፡ ስሙ’ውን ‘‘ቃል ኣምላኽ’ዩ’’።" ግብ 13፡23፣ራእ 19፡11,13
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ኻልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ጥሪ 19 ኽሳዕ ጥሪ 25 ኣብ ዘሎ ንኡስ ዘመን ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "እሙነ ኮነ ልደቱ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦
“እሙን ኰነ ልደቱ፡ ናይ መድሓኒና ክርስቶስ ልደት፡ እሙን ኰነ። ካብ ሰማያት ወረደ፡ ካብ ማርያም ተወልደ፡ ብመላእኽቲ ተመስገነ። ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ፡ ኣብ ናዝሬት ዓበየ፡ ብግልጺ ተራእየ። ንሱ ኣኽሊል ሰማእታት’ዩ። ንነገስታት መድሓኒኦም፡ ነህዛብ ጓሳኦም’ዩ። መድሓኒና ክርስቶስ እሙን ኰነ ልደቱ፡ ብርሃን ኰነ ምጽኣቱ።"”
ዚብል’ዩ። በቲ መዝሙርና፡ “እሙነ ኮነ ልደቱ ለመድኃኒነ ክርስቶስ፡ …. ብርሃነ ኮነ ምጽኣቱ ለመድኃኒነ ክርስቶስ” ዝብሎ መሰረት፡ ብዛዕባ’ቲ ንድሕነትና ዝተገልጸ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ’ንምሃረሉን ’ነስተንትነሉን ቅንያት ስለ ዝዀነ፡ እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ "ዘመነ ድኅነት (ዘመነ ድሕነት)"’ዩ። ልደቱ፡ ኣገልግሎቱ፡ ሞቱ፡ ትንሳኤኡ ዀነ ዕርገቱ፡ ንሕና ድሕነት ምእንቲ ኽንረክብ ዝተፈጸመ’ዩ። ነዚ ኸኣ ብትምህርቱ ፍልጠት-ምድሓን ብምሃብ፡ ገንሸል ኣምላኽ ኰይኑ ብደሙ ዋጋ ሓጢኣትና ብምኽፋል፡ ብትንሳኤኡ ንሓይልን ስልጣንን ናይ ሞት ብምስዓር፡ ሊቀ ካህናት ኰይኑ ብገዛእ ደሙ ንኣና ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ብምትዕራቕ’ዩ ዝገበሮ። ነዚ ኺገብሮ ዝኸኣለ ድማ፡ ብምስጢረ ተዋህዶ (ብምስጢረ ስጋዌ) ምስ’ቲ ኻባና ዝወሰዶ ስጋ ተዋሂዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምዃን፡ ሰብ ኰይኑ ስለ ዝተወልደልና’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ስሙ “ኢየሱስ” ተባህለ። “ኢየሱስ” ናይ እብራይስጢ ቓል ኰይኑ፡ ትርጕሙ “መድሓኒ” ማለት’ዩ (ማቴ 1፡21)። ጐይታና ካብ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ኬድሕነና ኸም ዚመጽእ፡ ገና ኻብ ውድቀት ኣዳምን ሄዋንን ጀሚሩ ብትንቢታዊ ቓልን ብትንቢታዊ ስርዓታትን ብስፍሓት ተገሊጹ’ዩ (2ዘፍ 3፡21 ፣ ኢሳ 53፡11 ፣ 59፡20,21 ፣ ኤር 31፡33 ፣ ሮሜ 11፡26,27)። እዚ ድሕነት’ዚ ኣብ መዓልቱ ኸም ዝተፈጸመ፡ ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ደጋጊሞምን ኣነጺሮምን ገሊጾምልና’ዮም (3 ማቴ 1፡21 ፣ ማር 2፡17 ፣ ሉቃ 2፡11 ፣ 19፡10 ፣ ዮሃ 1፡29 ፣ 3፡17 ፣ 4፡42 ፣ 12፡47 ፣ ግብ 4፡12 ፣ 5፡31 ፣ 13፡23 ፣ 16፡31 ፣ ሮሜ 11፡14 ፣ 1ቈረ 1፡21 ፣ 1ጢሞ 1፡15 ፣ 2፡4-6,14 ፣ 4፡10 ፣ ቲቶ 2፡14 ፣ 3፡5 ፣ 1ዮሃ 2፡2 ፣ 3፡5 ፣ 4፡14)። ናይ’ዚ ዅሉ ግብሪ ድሕነት መፈለምታ ድማ፡ ልደት ክርስቶስ’ዩ። ልደት እንተ ዘይፍጸም፡ ድሕነት ፈጺሙ ኣይምተሓስበን ነይሩ። ስለ’ዚ ናይ ክርስቶስ ልደት ምፍጻሙ (እሙን፡ ክዉን ምዃኑ)፡ ብዛዕባ’ቲ ብእኡ ዚፍጸም ድሕነት ክንሓስብን፡ ከነመስግንን ኪድርኸናዩ ዚግባእ’ዩ። በዓለ ልደት ድሕሪ ምሕላፉ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብ ዘመነ ኣስተርእዮ “እሙነ ኮነ ልደቱ” ኢልና ’ንዝምረሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ጐይታና ንድሕነት-ሰብ ከም ዝመጸ ኣብ ቤት ዘኬዎስ፦
"ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልይን ኬድሕንን’ዩ ዝመጸ’ሞ፡ ንስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት’ዚኣ ምድሓን ኰነላ።"
ብዝበሎ ቓል ኣነጺርዎ’ዩ (ሉቃ 19፡10)። ስለ’ዚ ኸኣ ደጋጊሙ "ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ’ምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን" ይብል ነበረ (ዮሃ 3፡17 ፣ 12፡47)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ በዚ ድሕነት’ዚ ስለ ዝተጸገወ፦
"ክርስቶስ ኢየሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል’ዚ እሙን’ዩ፡ ምቕባሉ’ውን ብዅሉ ግቡእ’ዩ።" ብምባል ተኣሚኑ’ዩ። ናይ ኵሎም ቅዱሳን ሃዋርያት ቀንዲ ተልእኾ፡ ብዛዕባ’ዚ ድሕነት’ዚ ንምልእቲ ዓለምን ንዅሉ ዘርኢ ሰብን ምብሳር’ዩ። ነዚ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፦
"ኣቦ (እግዚአብሔር ኣብ) ንወዱ መድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ፡ ንሕና ርኢና ንምስክር’ውን ኣለና።" ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (1ዮሃ 4፡14)። ስለ’ዚ ኸኣ፡ እታ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሓዋርያትን ዝተሃንጸት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ድማ፡ ነዚ ሃዋርያዊ ተልእኾ ናይ ምፍጻም ልዑል ሓላፍነት ስለ ዘለዋ፡ እዚ “ዘመነ ድኅነት” ሰሪዓትልና ኣላ። እምበኣር ንሕና’ውን ናይ ብሓቂ ድሑናት ምዃንና ኸነረጋግጽ ዝተሰርዓልና ቕንያት ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ብቑዕ ፍልጠት ኪህልወና፡ ርእስና ኽንምርምር፡ ካብ’ታ ጐደና ድሕነት ርሒቕና እንተ’ሊና ድማ፡ ብንስሓ ኽንምለሰሉ ዚግብኣና ንኡስ ዘመን’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብዛዕባ ድሕነት ዘለዋ መሰረተ እምነት፡ ኣብ "ምስጢረ ስጋዌ" ኢና ’ንምሃሮ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ዚ ናይ ግብ 13፡20-27 ንባብና ዝተወስደን ምስ’ቲ ናይ ራእ 19፡11-16 ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተዛመደን’ዩ።
እዞም ክልተ ዓበይቲ ባህርያትን ቅጽላትን ናይ ኢየሱስ ብኸመይ’ዮም ዚዛመዱ፧ ዝምድና ናይ ክልቲኦም መለኮታውያን ባህርያት ንኣና ንደቂ ሰባት ዘለዎ ረብሓኸ እንታይ’ዩ፧ እዚ ኽልተ ባህርያት’ዚ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኵሉ ባህርያት (attributes) ናይ እግዚኣብሄር ንሓድሕዱ ዝተዛመደን ዚመላላእን’ዩ። ኣብ መለኮት፡ ሚዛናውነት’ምበር፡ ናይ ባህርይ ምብልላጽ ዚብሃል ነገር የልቦን። ዋላ’ቶም ንሓድሕዶም ዚጻረሩ ዚመስሉ ባህርያት’ኳ ተመላላእቲ’ምበር፡ ንሓድሕዶም ዚበላለጹ ኣይኰኑን። ንኣብነት ምሕረትን ሕያውነትን ናይ ኣምላኽ፡ ምስ ፍርዱን ቍጥዓኡን ኣዝዮም ተዛመድትን ተመላላእትን’ምበር፡ ዚበላለጹ ኣይኰኑን። ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዜረጋግጹልና፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ቍጥዓ ኣብ ዚፈርዱሉን ዚገብረሉን ጊዜ’ኳ፡ ምሕረቱ እናዘከረ ብምሕረቱ ተደሪቱ’ዩ ዚገብሮ (ኢሳ 48፡9፣ኣን 3፡2)። ብምሕረት ኣብ ዚዋስኣሉ እዋን’ውን፡ ነቲ ፍትሓውን ጻድቕን ባህርዩ ከይጐሰየን ሸለል ከይበለን ከየበላለጸን’ዩ ዚገብሮ። ብኻልእ ኣዛራርባ ፍትሒ ኺገብር ከሎ፡ ኣብ’ቲ ናይ ምሕረትን ሕያውነትን ባህርዩ፡ ምሕረት ኪገብር ከሎ’ውን ኣብ’ቲ ፍትሓውን ጻድቕን ባህርዩ ቘይሙ (መሰረት ገይሩ)’ዩ ዚገብሮ። ናይ ባህርይ ምብልላጽ ኣብ ሰብ፡ ኣብ’ዚ ውዱቕ ፍጥረት’ምበር፡ ኣብ’ቲ ፍጹም ኣምላኽ ከቶ የልቦን።
ምድሓን፡ ዘይውረስ መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። ኬድሕን ዚኽእል ድማ፡ እግዚኣብሄር በይኑ ጥራሕ’ዩ። ኣብ’ቲ ናቱ ናይ ምድሓን ስራሕ፡ ንመላእኽትን ንሰባትን ኬሳትፍ ይኽእል’ዩ። ንሳቶም ናይ’ቲ ዜድሕን ኣምላኽ እሙናት ኣገልገልቱ ደኣ’ምበር፡ የድሕኑ’ዮም ማለት ግን ኣይኰነን። ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ዘይውረስ ናይ ምድሓን ባህርይ ንፍጡራት ምሃብ፡ ምሕረት ዘይብሉ ናይ ድፍረት መናፍቕነት’ዩ (መዝ 27፡1፣37፡39፣62፡1፣ኢሳ 43፡3፣44፡8፣45፡21፣ዮና 2፡9)።
"ምድሓን ናይ’ቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይ’ቲ ገንሸልን’ዩ።" ራእ 7፡10
"ምድሓን ናይ እግዜኣብሄር’ዩ፡ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹን።" መዝ 3፡8
"ኣነ፡ ኣነ’የ እግዚኣብሄር፡ ብዘይካይ መድሓኒ የልቦን። ኣነ’የ ዝነገርኩ፡ ዘድሓንኩ ዘስማዕኩ። ካልእ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣይነበረን። ሰለ’ዚ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም። . . . ኣነ’ውን ኣምላኽ’የ።" ኢሳ 43፡11
". . . ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን፡ ጻድቕን ዜድሕንን ኣምላኽ ብዘይካይ ከቶ የልቦን። ኣነ ኣምላኽ’የ ካልእ ከኣ የልቦን’ሞ . . . ናባይ ተመለሱ ድሓኑ’ውን። ኢሳ 45፡21,22
"ግናኽ ኣነ ኻብ (ጥንቲ) ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ’የ፡ ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፡ ብዘይካይ ድማ መድሓኒ የልቦን።" ሆሴ 13፡4
"እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ’ሞ፡ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱ’ዩ። ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይትዋህበን’ሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።" ግብ 4፡11,12
እዚ እግዚኣብሄር ባዕሉን፡ ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ብንጹርን ብኣጽንዖትን ዘረጋገጽዎ ሓቂ፡ ነቕ ዘይብል ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ሰረተ-እምነት’ዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ነዚ መንነታዊ ባህርዩን ክብሩን’ዚ ብልዑል ቅንኣት’ዩ ዚሕልዎ።
ነዚ ቕዱስ ባህርዩ’ዚ፡ በቲ ናይ እሙንነት ባህርዩ’ዩ ዜጽንዖ። በይኑ መድሓኒ ኽነሱ፡ ብዛዕባ’ዚ ባህርዩ’ዚ እሙን እንተ ዘይከውን፡ መን ኪትስፈዎን ኪኣምኖን ምኸኣለ፧ ስለ’ዚ እሙንነት ነቲ ናይ ምድሓን ባህርዩ ፍሉይ ክብርን ተኣማንነትን ዜጸግዎ’ዩ። ንምድሓንና ዚጥቀመሉ መገድታት ኣዝዩ ዝተፈላለየን ዝተረሓሓቐን ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ንገሊኡ ሰብ ብህይወት ኣድሒኑ፡ ንገሊኡ ኸኣ ብሞት ኬድሕኖ ይኽእል’ዩ። ንገሊኡ ብጥዕና፡ ንገሊኡ ኸኣ ብሕማም ኬድሕኖ ይኽእል’ዩ። ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኸም ዜድሕን ምምራጽ፡ ናይ በይኑ ልኡላዊ ስልጣን’ዩ። ነቲ ንሱ ዜድሕነሉ መገዲ ምርዳእ ስኢንናዮ፡ ዝቐዘፈና ወይ ዝቐጽዓና ኺመስለና ይኽእል’ዩ። ንኣና ይረድኣና ኣይረድኣና፡ ንሕና ንቀበሎ ኣይንቀበሎ፡ ንሱ ግን እሙን ኰይኑ ካብ ናይ ምድሓን ተግባሩ ፈጺሙ ኣይበኵርን፡ ኣይጐድልን ድማ’ዩ። ንቕዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ሕሩይ ኣቕሓኡን ፍቁር ባርያኡን፡ ካብ’ቲ ኣጋንንታዊ ናይ ትዕቢት ባህርይ፡ ብመልኣኽ ሰይጣን (ብጋኔን) ብዚኽሰት ዜፈንፍን ሕማም ኬድሕኖ ፈቐደ (2ቈረ 12፡7-10፣ገላ 4፡13-15)። ነብዪ ኢሳይያስ፦
"ጻድቃን ይሞቱ’ሞ፡ ዚሓስቦም የልቦን። እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ኸኣ ብሃንደበት ይሞቱ’ሞ፡ እግዚኣብሄር ክፉእ ከይርእዩ ኢሉ ኸም (ዝኣርነቦም) ዜስተውዕሎ የልቦን። እቶም ብቕንዕና ዚነብሩ፡ ምስ ሞቱ ሰላምን ዕረፍትን ይረኽቡ።"
ብዝበሎ መሰረት፡ እግዚኣብሄር ንጻድቃኑ ብሞት ከም ዜድሕኖምን ከም ዜዕርፎምን ብንጹር ተገሊጹልና’ዩ (ኣሳ 57፡1,2 ካ.ት)። ንሕና ናይ ኣምላኽ ሰብ ኪሓምም፡ ኪመውት፡ ወይ ብመሪር መከራ ኺዋረድን ኪሳቐይን ክንርእዮ ኸለና ግን፡ ግብሪ ጥፍኣት ወይ ግብሪ ጥልመት’ምበር፡ ግብሪ ምድሓን ዚፍጸም ዘሎ ዀይኑ ኣይስምዓናን’ዩ። እግዚኣብሄር እሙን መድሓኒ ምዃኑ ኺርድኣና እንተ ዀይኑ፡ ሓሳብ ኣምላኽ ‘ንሓስብ ሰባት ክንከውን ይግብኣና (ማቴ 16፡23፣ሮሜ15፡5,6፣1ቈረ 2፡15,16፣ፊል 2፡5)። ነዚ ኣተሓሳስባ’ዚ እንተ ዘየጥሪናዮ፡ እግዚኣብሄር ዓመጸኛን ጠላምን ከም ዝዀነ እናሓሰብና፡ ናብ ከቢድ መንፈሳዊ ውድቀት ኢና ‘ንበጽሕ። እግዚኣብሄር እሙን መድሓኒ እንተ ዘይከውን፡ ኣብ ገጽ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ክርስትያን ኰይኑ ዚነብር ሰብ ኣይምሃለወን ነይሩ (2ቈረ 1፡8-10፣ፊል 2፡27,28፣ 2ጢሞ 4፡17,18)።
ኢየሱስከ ብኸመይ መድሓኒ ዀነልና፧ ብኸመይከ ኣድሓነና፧ ልዕል ኢልና ኸም ዝረኣናዮ፡ ምድሓን ናይ ኣምላኽን ናይ’ቲ ገንሸልን’ዩ (ራእ7፡10)። ብዘይካ ስም ክርስቶስ ካልእ ዜድሕን ስም ኣይተዋህበናን። ሰብ ኰይኑ ምስ መጸን ምስ ሞተልናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ ጥንቲ ኻብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ኣትሒዙ፡ መድሓኒ ንሱ በይኑ’ዩ። ምኽንያቱ ብመሰረት ዮሃ1፡3 ካብ ፍጥረት መላእኽትን ካልእ ኵሉ ፍጥረትን ጀሚሩ፡ ብኣምላኽ ዝተገብረ ዅሉ ግብሪ፡ ገባሪኡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ባዕሉ’ዩ።
"ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብ’ቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።" ዮሃ 1፡3
"ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርአን ዘይርአን፡ ዝፋናት ኰኑ ጐይትነት፡ ሕልቅነታት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ ኣሎ’ሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን’ዩ ዝተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ’ዩ፡ ኵሉ’ውን ብእኡ ቘይሙ ኣሎ።" ቈሎ 1፡16,17 9 (እብ 1፡2,3)
ስለ’ዚ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ከም’ቲ ንዅሉ ፍጥረት ብክርስቶስ ገይሩ ዝፈጠሮ፡ ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ዝገበሮ ዅሉ ግብሪ ምድሓን’ውን ብክርስቶስ ገይሩ’ዩ ዝገበሮ። ስለ’ዚ ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ ንዅሉ ምድሓን ካብ ክርስቶስ ፈሊና ኽንርእዮ ኣይክኣልን፡ ኣይግባእን ከኣ’ዩ። ንክርስቶስን ንድሕነትን ፈላልዩ ዚርእይ ሰብ፡ መንፈሳዊ ብርሃን ዘይረኸበ፡ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ዚነብር፡ ብመንፈሳዊ ዑረት ዝተጠቕዐ ሰብ ጥራሕ’ዩ።
እቲ ሰብ ኰይኑ ተገሊጹ ምእንታና ብሙማት፡ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዝሃበና ዘለኣለማዊ ድሕነት ግና፡ ካብ ኵሉ’ቲ ናይ ድሕነት ግብርታቱ እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ንመላእኽቲ’ኳ ዘሰተንከረን ፍሉይ’ዩ (1ጴጥ 1፡12፣ራእ 5፡5,9-14፣7፡9-12)። ካብ’ቲ ኣዳምን ሄዋንን ናብ ሓጢኣት ዝወደቑሉ ጊዜ ጀሚሩ ንሓያሎ ኣሽሓት ዓመታት፡ ንጻድቃን ኰነ ንሓጥኣን ኬድሕን ዚኽእል ካልእ መስዋእቲ ስለ ዘይተረኽበ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ምድሓን ክእለትን ስልጣንን ዝተገፍፈን ዝጠፍአን ኣምሲልዎ ነበረ። እግዚኣብሄር ንድሕነት ምዱብ ጊዜን ፍሉይ ኣካልን መስዋእትን ሰሪዑሉ ኸም ዘሎ ዚፈልጥ፡ ዋላ ሓደ’ኳ ኣይነበረን (ገለ 4፡4,5፣ግብ 3፡21፣እብ 9፡10፣1ጵጥ 1፡20፣2ጢሞ 1፡9,10፣ሮሜ 5፡6፣ኤፌ 1፡10፣ማር 1፡15፣ 1ጢሞ 2፡6፣እብ 9፡26)። ካብ ዘለኣለም ጀሚሩ፡ ኣብ ኣምላኽ ዝተሰወረ ምስጢር ነበረ (ሮሜ 16፡25፣ኤፌ 1፡8-10,1710፡14፣ 1ዮሃ3፡5,21፣3፡5,9-11፣ ቘሎ 1፡26,27፣2፡2,3፣ጢሞ 3፡16፣ማቴ 13፡10-17)። እቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ኣኸለ ግን፡ እቲ ዜድሕን ኣምላኽ ካብ ናይ ክብሪ ዝፉኑ ወሪዱ፡ ሰብ ወዲ ሰብ ኰነ። ናይ ዅሉ ዘርኢ ኣዳም ድሕነት ድማ ብእኡ ተፈጸመ። እቲ ብክርስቶስ ጐይታና ዝተፈጸመ ምሉእ ድሕነት በዚ ዚስዕብ መገዲ’ዩ ዝተገልጸ፦
1. ምእንታና ናብ ዓለም ወሪዱ ሰብ ብምዃን፦ እዚ ተግባሩ’ዚ፡ ናይ’ቲ ብእኡ ዚፍጸም ግብሪ ድሕነት ቀዳማይ ስጕምትን መሰረትን’ዩ። ነዛ ሓቂ’ዚኣ ዝሰሓታን ዘይተቐበላን ሰብ፡ ነታ ድሕነት ኪረኽባ ኣይክእልን’ዩ (ዮሃ 3፡13,31፣ 6፡33,38,42,51,58,62፣ 8፡23,42፣ 13፡3፣16፡30፣ 1ቈረ 15፡47)።
2. ገንሸል ኰይኑ ንኣና ብምትካእ፦ ንሰብ ኪትክኦ ዚበቅዕ ኣካል ስለ ዝተሳእነ’ዩ፡ ንድሕነትና ኺፍጽማ ዚኽእል ዘይተረኽበ። እንስሳ ንሰብ ኪትክኦ ስለ ዘይክእል፡ ብሚልዮናት ዚቝጸራ እንስሳታት ተሰዊአን ክነሰን፡ ሓጢኣትና ንሓዋሩ ኺርሕቕ፡ ንሕና’ውን ክንድሕን ኣይከኣልናን። ኢየሱስ ሰብ ኪኸውን ዘድለየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ፍጹም ሰብ ስለ ዝዀነ፡ "ኣብ ክንዳና" በጃ ንምዃን ብቑዕ ኰነ። ንመለኮት ምስ ስጋና ስለ ዘዋሃደ፡ ካብ ስጋ ወይ ካብ ሰብ ኣዝዩ ዚዓብይ ስግው-ኣምላኽ’ምበር፡ ሰብ ጥራሕ ሰለ ዘይኰነ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ኰነ። ስለ’ዚ ኸኣ እቲ ናይ ሓንሳእ ሞቱ፡ ካብ ሞት ናይ ኵሉ ፍጥረት-ኣዳም ኣዝዩ ዓበየ ( ዮሃ6፡16 ፣15፡13፣1ጴጥ3፡181ዮሃ3፡16፣4፡10)።
3. ንዅሉ ሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ብምጻር፦ ናይ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ሓጢኣት ኪጸውር ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ወይ እንስሳ ኣይነበረን፡ ኣይተረኽበን’ውን። ንሱ ግን ኣበሳ ዘይብሉ ፍጹም ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ሓጢኣት ካልኦት ኪጸውር ብቑዕ ኰነ (ኢሳ 53፡6,12፣ 1ጴጥ2፡24 ፣2ቈረ5፡21፣ ገላ3፡13፣ እብ9፡28፣ 10፡24፣ 1ዮሃ3፡5)።
4. ኣብ ክንዳና ርእሱ መስዋእቲ ገይሩ ብምብጃው፦ ንጹህ ክነሱን ፍጹም ኣምላኽ ክነሱን በጃና ብስጋ ስለ ዝሞተ፡ ንኣና ኻብ ሓጢኣትን ዘለኣለማዊ ሞትን ተበጀወና። ብኸም’ዚ ዝሞተልና ኸኣ፡ ገና ጸላእቱን ሓጥኣንን ከለና’ዩ። እዚ በጃነት’ዚ መዳርግቲ ኣልቦን መግለጺ ኣልቦን’ዩ (ዮሃ 1011፣ ሮሜ 5፡6-10፣2ቈረ 5፡15፣ገላ 2፡20፣ኤፌ 5፡2,25፣ቲቶ 2፡14)።
5. ምእንቲ ኼጽድቐና ኻብ ሞት ብምትንሳእ፦ ኵሉ ናይ ብሉይ ኪዳን መስዋእቲ ንሰብ ኬድሕኖ ዘይከኣለ፡ ምዉት ኰይኑ ስለ ዚተርፍ’ዩ። ብሞቱ ሓጢኣትና ድሕሪ ምርሓቑ፡ ብትንሳኤኡ ጽድቂ ኼልብሰና ዚኽእል ጥራሕ’ዩ ፍጹም መድሓኒ ኪኸውን ዚኽእል። ጐይታ ሓጢኣትና ተሰኪሙ ብሙማት ምስ ተበጀወና፡ ብትንሳኤኡ ድማ ነቲ ናቱ ጽድቂ ስለ ዘልበሰና’ዩ፡ ንሱ ንበይኑ ጥራሕ መድሓኒና ዝዀነ (ሮሜ 4፡25፣3፡24፣ 5፡1,9,16,18፣ 8፡30፣1ቈረ 6፡11፣2ቈረ 5፡15)።
6. ሊቀ ካህናት ኰይኑ ብዕርገቱ ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጡ ስለ ዜተዓርቐና፦ ካልእ ኵሉ መስዋእቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ፡ ህያው ማእከላይ ኰይኑ ኼተዓርቕ ዘይክእል ስለ ዝዀነ’ዩ ኼድሕነና ዘይከኣለ። ድሕነት ዚርከብ፡ ብደም ጥራሕ ዘይኰነ ብሊቀ ካህናት’ውን’ዩ። ኢየሱስ ፍጹም መድሓኒ ዀይኑ ኼድሕነና ዝኸኣለ፡ መስዋእቲ ብምዃን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዜተዓርቕ ሊቀ ካህናት ብምዃን’ውን’ዩ (እብ 2፡17,18፣4፡14,15፣ 6፡19,20፣ 7፡25,26፣ 10፡12-14,19-22፣ ሮሜ8፡31-34)።
7. ብዳግማይ ምጽኣቱ ኻብ ሞት ኣተንሲኡ፡ ካብ ሞት ስጋን ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣን ኣድሒኑ፡ ኣብ የማን ኣቦ ስለ ዜቝመና፦ እዚኣ’ያ ናይ ድሕነት ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ’ትብሃል። ብዘይካ ክርስቶስ ነዚኣ ኺገብር ዚኽእል ስለ ዘየለ’ዩ፡ ክርስቶስ ጥራሕ እሙንን ሓቀኛን መድሓኒ ዚኸውን (እብ 9፡28፣ ይሁ 24፡25፣ ዮሃ 14፡1-3፣18፣ 1ጴጥ 1፡3-9)።
እሙንነት ኢየሱስ፡ ብመንጽር’ዚ ዝተገልጸ ድሕነት ብኸመይ’ዩ ዚንጸባረቕ፧ እቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ናይ ምድሓን ባህርዩ፡ ናባና ናብ’ቶም ድሕነት ዜድልየና ደቂ ሰብ ዘድሃበ’ዩ’ምበር፡ ናብ ኣምላኽ ዘድሃበ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ንኣምላኽ ምድሓን ኣየድልዮን’ዩ። እሙንነት ግን፡ ናብ ኣምላኽን ናብ ሰብን ዘድሃበ ልዑል ባህርይ’ዩ። ኢየሱስ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦኡ እሙን’ዩ። ምስ ለኣኾ "ሕራይ" ኢሉ ምምጽኡ፡ ፍቓድ ኣቦኡ’ምበር ፍቓዱ ብዘይ ምድላዩን ብዘይ ምግባሩን፡ ንርእሱ ኣዋሪዱ ነቦኡ ጥራሕ ኬኽብር ብምድላዩ፡ ርእሱ ኸይነሓፈ መስዋእቲ ብምዃኑ፡ ሊቀ ካህናት ኰይኑ ንሓጥኣን ብምትዕራቑ ንእግዚኣብሄር ኣቦ እሙንነቱ ኣርእዩ’ዩ። ድሮ’ታ ዝተሰቕለላ መዓልቲ ምስ ደቀ መዝሙሩ ኣብ’ቲ ላዕላይ ደርቢ ዀይኑ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፦
"ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ።" ብምባል ብዛዕባ እሙንነቱ ብትብዓት ዝተኣመነ፡ ዝዓበየ ኣርኣያና’ዩ (ዮሃ 17፡4)። ቅዱስ ጳውሎስ "ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ካህናት፡ ነቲ ዝሾሞ ኣቦ እሙን ዝዀነ ኢየሱስ" ብምባል ብመንፈስ ቅዱስ መስኪሩሉ ኣሎ (እብ 2፡17፣3፡2)። ቅዱስ ዮሃንስ’ውን በቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገልጸሉ ራእይ፡"እሙንን ሓቀኛን ምስክር" ምዃኑ ደጋጊሙ መስኪሩሉ ኣሎ (ራእ 1፡5፣3፡14)። ኣብ መሪሕ ጥቕስና’ሞ ኸኣ፡ እሙንነት ባህርዩ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ማዕርግ ስሙ ምዃኑ’ውን ተነጊሩና ኣሎ (ራእ 19፡11)። ንኣና ንሰባት ብዛዕባ’ቲ ዘይንርእዮ ኣቦ መስኪሩ፡ ናብ ድሕነት ኣብቂዑና’ዩ (ማቴ11፡27፣ዮሃ 1፡18፣ ዮሃ 3፡11,32፣18፡37)። ብዛዕባና ኣብ ቅድሚ ኣቦ ዚምስክረልና’ውን ንሱ’ዩ (ማቴ 10፡32፣ራእ 3፡5)።
ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣና ንሰባት’ውን እሙን’ዩ። ንዅሉ’ቲ ቕዱሳን ነብያት ብመንፈስ ቅዱስ ዝገለጹልና ናይ ምድሓን ተስፋታት፡ ብዜስተንክር ልክዕነት (precision) ብዘይ ተረፍ ፈጺሙልና’ዩ። ቅድሚ ሓያሎ ኣሽሓት ዓመታት፡ ንኣዳምን ሄዋንን፡ ነቦና ኣብርሃም፡ ነቦና ዳዊት፡ ብሓፈሻ ንዅሉ ዘርኢ ሰብን ንደቂ እስራኤልን ዝተነግረ ዅሉ ተስፋታት፡ እሙን ኰይኑ ዝፈጸሞ ኢየሱስ ባዕሉ’ዩ። ሕጂ’ውን ብእሙናት ኣገልገልቱ ብዚምግበና ቓልን ብርሃንን፡ በቲ ብደሙ ዝሰርዓልና ናይ ድሕነት ምስጢራት ብዚገብረልና ጕስነትን እሙን ኰይኑ የገልግለና ኣሎ። ነቶም እሙናት ሰዓብቲ ዄንና ዝተኸተልናዮ ሰባት ዝሃቦ ዅሉ ተስፋታት፡ እሙን ኰይኑ ይፍጽሞ ኣሎ (1ተሰ 5፡24፣2ተሰ 3፡3፣ 2ጢሞ 2፡13፣እብ 10፡23)። ሰኣን ምስትውዓልና ኸየለለናዮ ዝተረፈና እንተ ዘይኰይኑ፡ ኢየሱስ ኣብ ኵሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ናብራና እሙን ዘይኰነሉ ዋላ ሓንቲ ነጥቢ’ኳ የለን። ጽባሕ ንግሆ ብምጽኣቱ ኻብ’ዚ ዓንቃፊና ስጋ ተናጊፍና ኣብ ቅድሚኡ ደው ምስ በልና ድማ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ኸለና ዘርኣዮ እሙንነት፡ ካብ ጸሓይ ንላዕሊ ደሚቑ ኺርኣየና’ዩ። ንሕና ውዱቓትን ድኹማትን ስለ ዝዀንና፡ ካብ እሙንነት ዝበዀርናሉ እዋናት ስፍርን ቍጽርን’ኳ የብሉን። ንሱ ግን በዚ ድኻምና’ዚ ኸይተዓንቀፈ፡ ኵሉ ጊዜ ብእሙንነቱ የናብረና ኣሎ። ክብሪ ነቲ ህያው እሙንነቱ ይኹን።
እምበኣር፡ እዚ ዚመስል እሙን መድሓኒ ብምርካብና፡ ነቲ ንሓደ ወዱ ዝወፈየልና ኣቦን ነቲ ህይወቱ በጃና ዝወፈየ ቕዱስ ገንሸልን ክብሪ ንሃቦም። ነቲ እሙንን መድሓንን ባህርዩ ዚምጥን ህይወት ንንበር። ነቲ ተወራሲ ናይ እሙንነት ባህርዩ ብምውራስን ብምልባስን ንእኡ ንምሰል። ካብ’ቲ ንእኡ መሪር ዋጋ ዘኽፈሎ ሓጢኣት ርሒቕና፡ በቲ ጻማ መስዋእቱ ዝዀነ ጽድቂ ንመላለስ። ብግብራዊ ናብራና ዀነ ብልሳናዊ ተኣምኖና፡ ኢየሱስ እሙን መድሓኒ ምዃኑ ንዓለም ንመስክረላ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
1 ለካቲት 20265 | ጥሪ 24, 2018 ግዕዝ (መበል 21 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ:፻፲፯ : ፳፯ - ፳፰ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱውን ኣብረሀልና፣ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ። እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ፤ ግበሩ በዓለ በትፍሥሕት በኀበ እለ ያስተሓምምዎ፤ እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ። |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| 2ቆሮ 1 : 13 - ፍም |
ዲያቆን |
|
| 1ዮሐ 2 : 22 - ፍም |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 13 : 20 - 27 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ሉቃ 2 : 41 - ፍም |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ሖረ ኢየሱስ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ