“ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኹሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።” ማቴ 7፡19 እዚ ሰንበት እዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንህይወትና ምስቲ ዘሎ ወቅቲ ናይ ክራማት ብምግንዛብ ክንፍትሽ ዝሕግዘና ጽሑፋት ወንጌል እናቅረበት እያ፡ ተዘካክረና። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ ከም ዝኮነ ንሕና ድማ ብፍረና ከመይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ንልለይ ንሎሚ ካብ ዝቀረበልና ወንጌል ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንማሃር ኢና። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ከሎ ንሃዋርያት ካብ ነብያት ሓሶት ክንጥንቀቕ ከም ዘድሊ ሓበረ። ምጥንቃቕ ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ሓሶት ሓቂ መሲለ ኪቐርብን ከደናግርን ስለ ዝኽእል እዩ። ንዓና ኣብዚ ዘመን ዘሎና ሕዝበ ክርስትያን እሞ ክንደይ ጸሚምናሉ ኣብ ዘሎና ብትንቢታት ክንደይ ምጥንቃቕ ዘየድልየና። ነቢይ ሓሶት ብውሽጡ ሓደገኛ ክነሱ ብደጊኡ ግን ድሓን መሲለ ክረአ ይኽእል። ማለት ቆርበት በጊዕ ተኸድነ ተኹላ ኮይኑ ይመጸካ። ንዓናኸ ሎሚ እንታይ ይመጻና ከም ዘሎ እሞ ነስተውዕል ሕዝበ ክርስትያን። ስለዚ ቆርበት ሕልፍ ኢልካ ውሽጡ ክትምርምር የድሉ። ሎሚ ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ዘለዉ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ከባቢናን ናይ እግዚኣብሄር ዘይኮኑ መልእኽትታት ከመይ ንመምዮም ንህሉ፧ ንሓሰውቲ ነብያት ብኸመይ ከም እንፈልጦምን፡ ብኸመይ ክንርእዮምን ከም ዝግብኣና ቃል እግዚኣብሄር ብንጹር ይገልጸልና እዩ። ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ኣብነት ንርኤይ፡
ኣብ ጉባኤ [2012] ዝተዋህበ ስብከታት ብሓቂ ጽቡቕ ኔሩ ዝብል ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ’ዩ ዘለኒ። ኣብቶም ዝተዋህቡ ትምህርትታት ግና ሕቶታት ክሓትት ደሪኹኒ እዩ ክብሉ ኣቦይ ቀሺ ሙሴ ገሊጾም። ስለቲ ዝለገሱልና ሓጋዚ ዝብልዎ ሓሳብን ምኽርን እናመስገንና ንዝለኣኹልና ሕቶታት ብኸምዚ ዝስዕብ ጸሚቕና ኣቕሪብናዮ ኣለና፦
ትምህርቲ ስነ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብትሕዝቶ ትምህርቲ እንዳሃብተመን ብቁጽሪ ተመሃሮ እንዳዓበየን ናብ ናይ መጨረሻ ደረጅኡ ይቃረብ ኣሎ። ልዑል ዘመናዊ ትምህርቲ ዝቐሰሙ ካህናት፣ ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤ.ክ ኤርትራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚውሃብ ፍሉይ መደብ ካብ ዚኾኑ ናብ ራብዓይ ዓመቱ ይሰጋገር ኣሎ። ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አመሪካ: ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ዚርከብ ብጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣኡ ይኹን ብትሕዝቶኡ ከም ሽሙ ነታ ብጽርየት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ እትፍለጥ መንበረ ማርቆስ ዚውክል ቅዱስ ናይ ትምህርትን ጸሎትን ቦታ እዩ።
እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዚተሰርዐ ናይ’ዚ ዕለት’ዝ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ፡ ብዛዕባ ምጽኣትን ኣመጻጽኣን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። ነዚ ኣስተምህሮ’ዚ ዝሃበ ድማ ባዕሉ ጐይታና’ዩ። ማእከላይ መልእኽቲ ናይቲ ኣስተምህሮኡ ድማ፡ መዓልቲ ምጽኣቱ መዓስ ምዃና ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ስለ ዘየልቦ፡ ኵሉ ሰብ ዘዝተዋህቦ ዕዮ ኣብቲ ምዱብ ጊዚኡ እናፈጸመ፡ ብንቕሓት ተዳልዩ ኺጽበይ ከምዝግብኦ ዘመልክተና እዩ። ብመንጽር’ዚ መልእኽቲ’ዚ ኣድማ ሰባት ኣብ ክልተ ዓይነት ጕጅለ ይኽፈሉ። እቶም ቀዳሞት፡ ነታ ዝተዋህበቶም ዕዮን ሓላፍነትን ከምዝግባእ እናፈጸሙ እሙናት ኰይኖም ዝተረኽቡ ሰባት ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቲ ነዚ ህይወት’ዚ ዘብቅዖም ድማ፡ እቲ “ጐይታና ቐልጢፉ ኺመጽእ’ዩ”ዝብል ምስትውዓል ንእምነት ንዝመልኦ ኣተሓሳስባኦም’ዩ። እቶም ካልኣይ ጕጅለ ግና፡ በቲ ምስትውዓሉ ዝተደፍነ ንዝጸልመተን ኣእምሮኦም ጐይታኦም ከም ዝድንጕይ ብምሕሳብ፡ ዘመን ህይወቶም ስጋዊ ተድላ (pleasure) ኣብ ምስትምቓር ኣቃጺሎም፡ ነቲ ኺሰርሕዎ ዝተዋህቦም ዕዮ ዘይፈጸሙ፡ አረ ብኣንጻሩ ዝስርሑ፡ ነቲ ዝተዋህቦም ተልእኾ ዘፍርሱ ዝነበሩ እዮም።
በዓለ ጰራቅሊጦስ 2ይ ሰንበት [Sermon for the Pentecostal Second Sunday]
ሰንበት ዕለት 19 ነሓሰ 2007 (13 ነሓሰ 1999 ዓ.ም.ግእዝ) ሰዓት 2፡30 ክሳብ 3፡ 45፡ ልኡኻት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ
ድሕሪ በኣተ-ክረምት (ምእታው ክረምቲ) እዚ ዕለት እዚ ኻልኣይ ሰንበት ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ምስላ ዘርእን ዘራእን’ ኢና ዝረኣና፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ ብዛዕባ፡ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ክንመሃር ተሰሪዑልና ኣሎ። እዚ ኽቡርን ረቂቕን ምስላ እዚ፡ ንውልቀ ክርስትያንን ብዓባያ ንቤተ ክርስትያንን ኣዝዩ ዓብዪ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ኺትርጕመሎም ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታና ብደረጃ ዓለም’ውን ከም ዚትርጐም ኣብ ማቴ 13፡37-43 “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ (ክርስቶስ) እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ