“ዓመጻ ስለ ዝበዝሐ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።” ማቴ 24፡12። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ነዚ ሰሙን‘ዚ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ሰሪዓትልና ኣላ። ምጽኣት መድሓኒና ምቕራቡ ኻብ ዜመልክቱና ኣገደስቲ ምልክታት ሓደ ድማ፡ ኵነታት ፍቕሪ ሓድሕድና እዩ። ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታ ኸነስተንትን ከሎና፡ መብዛሕትና ነዛ ኣዝያ ኸተስግኣና ዚግብኣ ወሳኒት ትእምርቲ ፈጺምና ኣይነስተብህለላን ኢና። ፍቕሪ እትዝሕለሉ ምኽንያት ድማ ብብዝሒ ዓመጻ ስለ እተዕብለል ምዃኑ ጐይታ ኣግሂዱልና ኣሎ። ፍቕሪ ሰብ ብፍቕሪ ዓመጻ እናተዓብለለ ምስ ዚኸይድ፡ ብድሕሪኡ ንሰብ ምፍቃር ዕሽነት ኰይኑ’ዩ ዚስምዓካ። ነቲ ርኹስ ረብሓ ዓመጻ ስለ እትሃርፎ፡ ነቲ ኸተፍቅሮ ዚግብኣካ ሰብ ክትዕምጾ ድሕር ኣይትብልን ኢኻ።
ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ኣቆጻጽራ ግእዝ (July 9 to October 4) ዘሎ እዋን ቤተ ክርስትያን ዘመን ክረምቲ፣ ዘመን ኣፍላግ፣ ጥሉል ወርሓት፣ ወርሓት ደበና፣ ወርሓት ነጎዳን መብረቕን ... እናበለት ትጽውዖ።
በዓለ ጰራቅሊጦስ 2ይ ሰንበት [Sermon for the Pentecostal Second Sunday]
ሰንበት ዕለት 19 ነሓሰ 2007 (13 ነሓሰ 1999 ዓ.ም.ግእዝ) ሰዓት 2፡30 ክሳብ 3፡ 45፡ ልኡኻት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ
“…እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ።” (ዮሃ 5፡14)
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 24, 2019፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መጻጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ ን38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።
ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከኣሎ፡ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ብክርስቶስ የሱስ ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን። (ኤፌሶን 3:20-21)።
“ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። .. ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ..” (ዮሃ 2፡16, 17)
እዚ ሰንበት እዚ፡ መጋቢት 17, 2019 ሳልሳይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ጾመ ኣርብዓ እዩ። ምኵራብ ተባሂላ ድማ ትስመ። መንቀሊ ሓሳባት ናይዚ ዕለት መልእኽቲ ድማ ካብቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ሰፊሩ ዘሎ፡ ጐይታ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ ቤት ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ረኸቦ ካብ ገመድ ጭጕራፍ ሰሪሑ፡ ንኵሎም ሰጒጉ ዘውጽኣሉ ፍጻመ እዩ።
ኦርቶዶክስ ዝብል ቃል ካብ ክልተ ናይ ግሪክ ቃላት ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ “ኦርቶ” ማለት ቅኑዕ፥ ሓቀኛ፥ ትኽክል ክኸውን ከሎ “ዶክስ” ከኣ እምነት (ሃይማኖት) እዩ። ስለዚ ኦርቶዶክስ ክንብል ከሎና ቅኑዕ፥ ትኽክል፥
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ