ኣብ ጉባኤ [2012] ዝተዋህበ ስብከታት ብሓቂ ጽቡቕ ኔሩ ዝብል ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ’ዩ ዘለኒ። ኣብቶም ዝተዋህቡ ትምህርትታት ግና ሕቶታት ክሓትት ደሪኹኒ እዩ ክብሉ ኣቦይ ቀሺ ሙሴ ገሊጾም። ስለቲ ዝለገሱልና ሓጋዚ ዝብልዎ ሓሳብን ምኽርን እናመስገንና ንዝለኣኹልና ሕቶታት ብኸምዚ ዝስዕብ ጸሚቕና ኣቕሪብናዮ ኣለና፦
ሕቶ
1. ብቐዳምነት እታ “መጽሓፍ ቅዱስ ትውፊት እዩ” እትብል ትምህርቲ ንዓይ ሓዳስ’ያ። ከምኡ’ውን መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ትውፊት እምበር፡ ካብ ትውፊት ወጻኢ ኣይኮነን ዝብል’ዩ። ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስን እንታይ እዩ ፍልልዩ? ኣበይ ይራኸቡ ኣበይከ ይፈላለዩ? መሰረት እምነትና ትውፊት ድዩ?
2. ትውፊት ኣምላኽን ትውፊት ሰብን ተባሂሉ ዝፈላለ ትውፊት ኣሎ ድዩ?? (ማርቆስ 7፡6-8)
3. እታ ኣብ 2ይ ተሰሎንቄ 2፡15 ዘላ ጥቕሲ ኣብ ቅንፍ (ትውፊት) እትብል ዘላ ካበይ መጸት ናይ ዝብል ሕቶ’ውን መብርሂ ክወሃበኒ ይሓትት?
4. ቅዱስ ጴጥሮስ መጽሓፍ ቅዱስ ክብል ከሎ ብዛዕባ ብሉይ ኪዳን እዩ ዝዛረብ ዝበልኩማ ድማ ከተብርሁለይ ብትሕትና ይሓትት ኣለኹ’ሞ ስለዚ ክቡር ኣቦና ቀሺ ኣትናቴዎስ መብሪሂኹምን ብሃረርታ ይጽበ።
እግዚኣብሔር ሰላሙ ይሃበና
ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
ካህን ኦርቶድክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ