ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ የካቲት 1 ክሳብ ሰንበት 3 የካቲት 2008 (ጥሪ ፳፫ - ፳፭ 2000 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብቲ ክረምቲ ዚጅምረሉ (በኣተ ክረምት) ሰነ 25 ክሳዕ ሓመለ 15 (ቂርቆስ) “ዘርዕ ደመና” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። በዚ መሰረት ድማ፡ እቶም ኣብዚ ቕንያት’ዚ ዚንበቡ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን ምስ ዘርኢ ዝተታሓሓዘ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም ዚዀኑ። ስለዚ ድማ ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ እቲ ጐይታ ዝመስሎ፡ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ምስናይ ትርጕሙ እዩ። ኣብዚ ምስላ እዚ፡ እዚ ዘራኢ ጐይታ ባዕሉን ኵሎም ልኡኻት ወንጌልን እቲ ዘርኢ ድማ እቲ ዚስበኽ ቃል ኣምላኽ እዩ። እቲ ነቲ ዘርኢ ዚቕበል ግራት ድማ ልቢ ሰብ እዩ።
ደቂ ሰባት ኣብ ህይወትና ብቁጽሪ ዘይብሎም ፈተናታት ንሓልፍ። ፈተና ዳርጋ ንዓና ንደቂ ሰባት ናይ ምሉእ ህይወትና ቤት-ትምህርቲ’ዩ ክንብሎ ንኽእል።
ሕጂ ድማ እቶም ዓቢይ ኦርቶዶክሳዊ ሊቅ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ ዓሪፎም ዝብል መርድእ ይስማዕ ኣሎ። ሓቂ ንኸይከውን እዝንና ዓጺናን ዓይንና ዓሚትናን ከነሕልፎ እንተ ንኽእል ክንደይኮን ደስ ምበለና!! ከም ትምኒትና ክኾነልና ግን ዝኽእል ኣይኮነን። እቶም ዓቢይ ሊቅ ሓሊፎም እዮም። ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዘሎ ህልው ኵነታት ክጻወርዎ ስለዘይከኣሉ፡ ገዲፎሞ ክኸዱ መሪጾም።
“..ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይክድንጒን ድማ እዩ፡ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ…”(እንባቆም 2፡3) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ 10ይ ዓመታዊ ጉባኤ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን-ኤርትራ፣ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ከተማ ስያትል ካብ ሓሙስ 10 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 13 ሓምለ 2008 ዓ.ም ተኻይዱ።
“ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ፡ ቃለይ ይሕልው’ዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡ’ውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።” ዮሃ 14፡23። ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ነዚ ዕለት’ዚ ዝመደበትልና ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ኣባና ኣብ ድኹማት ፍጡራቱ ንዚገብሮ ግብሪ ሕያውነት ዜመልክተና እዩ። ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ እግዚኣብሄር ንሰብ ኪገብረሉ ዚኽእል ዝዓበየ ምሕረት፡ ነዚ መዋትን ሓጥእን ስጋና ማሕደሩ (መቕደሱ) ኺገብር ምፍቃዱ እዩ። ስለዚ ነዚ ኣርእስትና ዀነ፡ ብዓብዩ ነቲ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን መዳርግቲ-ኣልቦ ትዕድልቲ ኣቃሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። እግዚኣብሄር’ኳ ነዚ ውዱቕ ሰብ ማሕደሩ ኺገብሮ ፈትዩስ፡ ነገሩ ግርምቢጥ ኰይኑ ሰብ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን ተገድሶ ዘይብሉ ዀይኑ ኺርከብ ከሎ፡ ኣዝዩ ዜሕፍርን ፍጻሜኡ ዜሰክሕን ምርጫ’ዩ ዚኸውን።
ሓደ መዓልቲ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣቆጻጽራ “ኣብ ሻድሻይ ሰዓት “ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ምኳኑ ኢዩ፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጎድኒ’ታ ኣብ እግሪ ጎቦ ናይ’ቲ ምድረበዳ ዘላ ናይ ቀደም ዒላ ከዕርፍ ደው በለ።
ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን እስከ ነዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ህድእ ኢልና ነንብቦ እሞ ነቲ ኣብ ኣኅዋትና ዘሎና ሓቀኛ ኣረኣእያ ንመርምርን ንተዓዘብን። ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ ‘‘ኣብ ብርሃን ኣሎኹ’’ ዚብል ንኃዉ ኸኣ ዚጸልእ ገና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንኃዉ ዘፍቅር ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር። ኣብኡውን መዓንቀፊ የልቦን።
እቲ ንዕለት 27 መስከረም 2008 (17 መስከረም 2001 ግእዝ) ካብ ሰዓት 5፡00 – 10፡00 ድ.ቀ. ዝተኻየደ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ትሕዝቶ ሓቚፉ ኔሩ፤ ብዙሕ ህዝቢ ከኣ ተኸታቲልዎ። እቲ መደብ ብምህለላ፡ ጸሎተ ወንጌልን ስብከትን’ዩ ተኸፍቱ፡ ብድሕሬኡ ብሞያውያን ደቂ ቤተክርስትያን ኣብ እዋናዊ ንመነባብሮ ምእመናን ዝትንክፍ ጉዳያት፡- ኣሰራርሓ ቀረጽ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ፡ መሰል ጡሮታን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ነገራትን ብዝርዝር ቀሪቡ።
ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝሐ ዓለም፡ ‘ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡’ ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ ‘ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።” ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 11፡29,30)። ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።” ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 2፡21)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ