ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ የካቲት 1 ክሳብ ሰንበት 3 የካቲት 2008 (ጥሪ ፳፫ - ፳፭ 2000 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንሎሚ ኣብ ዝሰርዓትልና ናይ ወንጌል ንባብ ከም ዘንበብናዮ፡ ጐይታ እናመሃረ እንከሎ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ ድምጹ ዓው ኣቢሉ “ንሓወይ ርስተይ ክመቕለኒ በለለይ” በሎ። ምናልባት እቲ ንልቢ ዝረትዕ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዝነበረ ዘረባ ጸጋ ምስ ሰምዔ ይኸውን ንሓዉ ምእንቲ ከእምነሉ ዝለመኖ (ሉቃ 4፡22)። ጐይታ ግን ኣብ መንጎኦም ዳኛን መማቐልን ገይሩ ዝሸሞ ከምዘየለ ሓበሮ። ንሱ በቲ ናይ ሓጢኣትን ጽድቅን ነገር ከዳኒ፡ ካብቲ ናይ ሰማያት ርስቱ ከኣ ክመቕለና ደኣ እዩ መጺኡ እምበር፡ ነዚ ናይ ምድሪ ነገር ከዳኒ ኣይመጸን (ዮሃ 18፡36)። ነቲ ናይ ምድሪ ክንቀብጾ፡ ኣብ ኢድና እንተልዩ እኳ ሼጥና ንድኻታት ክንመቕሎ እሞ መዝገብና ኣብ ሰማያት ክንዓቁር እዩ ዝምዕደና (ማቴ 19፡21-23)።
ደቂ ሰባት ኣብ ህይወትና ብቁጽሪ ዘይብሎም ፈተናታት ንሓልፍ። ፈተና ዳርጋ ንዓና ንደቂ ሰባት ናይ ምሉእ ህይወትና ቤት-ትምህርቲ’ዩ ክንብሎ ንኽእል።
ሕጂ ድማ እቶም ዓቢይ ኦርቶዶክሳዊ ሊቅ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ ዓሪፎም ዝብል መርድእ ይስማዕ ኣሎ። ሓቂ ንኸይከውን እዝንና ዓጺናን ዓይንና ዓሚትናን ከነሕልፎ እንተ ንኽእል ክንደይኮን ደስ ምበለና!! ከም ትምኒትና ክኾነልና ግን ዝኽእል ኣይኮነን። እቶም ዓቢይ ሊቅ ሓሊፎም እዮም። ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዘሎ ህልው ኵነታት ክጻወርዎ ስለዘይከኣሉ፡ ገዲፎሞ ክኸዱ መሪጾም።
“..ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይክድንጒን ድማ እዩ፡ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ…”(እንባቆም 2፡3) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ 10ይ ዓመታዊ ጉባኤ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን-ኤርትራ፣ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ከተማ ስያትል ካብ ሓሙስ 10 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 13 ሓምለ 2008 ዓ.ም ተኻይዱ።
“...ነቲ ሰብ’ቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ።”ሉቃ 11፡26።
እቲ ነዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ ተመዲቡ ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ሂቡና’ሎ። ኣእምሮኡን መንፈሳውነቱን ጽቡቕ ዘሎ ሰብ፡ ከምዚ ዝበለ ኣርእስቲ ኼንብብ ወይ ኪሰምዕ ከሎ ኸም ዚስምብድ ፈጺሙ ዘየጠራጥር’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ መወዳእታኡ ዘየተሓሳስቦ ሰብ ኪህልው ኣይግባእን’ዩ። እቲ መወዳእታ ኽትበጽሖ እትደልይ ቦታ ምስ ወሰንካ ኢኻ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ናብኡ ዜብጽሕ መገዲ እትመርጾ። ናብ ከረን ኪበጽሕ ዘንቀደ ሰብ፡ መገዲ መንደፈራ ወይ መገዲ ባጽዕ ኪመርጽ ኣይክእልን’ዩ። ኣብዚ ምድራዊ ናብራ፡ ኣዝዩ ዝኽፍአ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ከምኡ ዚገብር ሰብ ኣሎ ኺበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ግና፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው ዚደልይ ክነሱ፡ ነቲ ናብኡ ዘየእትው ገፊሕ ናይ ጥፍኣት መገዲ ዚመርጽ ግን ማእለያ የብሉን። መወዳእታኻ ብሰናይ ትምኒት ጥራይ ኪሰምርን ኪጽብቕን ኣይክእልን’ዩ። መወዳእታኻ ዚጽብቕ፡ በቲ እትመርጾን እትኸዶን መንፈሳዊ መገድን ጕዕዞን’ዩ።
ሓደ መዓልቲ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣቆጻጽራ “ኣብ ሻድሻይ ሰዓት “ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ምኳኑ ኢዩ፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጎድኒ’ታ ኣብ እግሪ ጎቦ ናይ’ቲ ምድረበዳ ዘላ ናይ ቀደም ዒላ ከዕርፍ ደው በለ።
ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን እስከ ነዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ህድእ ኢልና ነንብቦ እሞ ነቲ ኣብ ኣኅዋትና ዘሎና ሓቀኛ ኣረኣእያ ንመርምርን ንተዓዘብን። ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ ‘‘ኣብ ብርሃን ኣሎኹ’’ ዚብል ንኃዉ ኸኣ ዚጸልእ ገና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንኃዉ ዘፍቅር ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር። ኣብኡውን መዓንቀፊ የልቦን።
እቲ ንዕለት 27 መስከረም 2008 (17 መስከረም 2001 ግእዝ) ካብ ሰዓት 5፡00 – 10፡00 ድ.ቀ. ዝተኻየደ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ትሕዝቶ ሓቚፉ ኔሩ፤ ብዙሕ ህዝቢ ከኣ ተኸታቲልዎ። እቲ መደብ ብምህለላ፡ ጸሎተ ወንጌልን ስብከትን’ዩ ተኸፍቱ፡ ብድሕሬኡ ብሞያውያን ደቂ ቤተክርስትያን ኣብ እዋናዊ ንመነባብሮ ምእመናን ዝትንክፍ ጉዳያት፡- ኣሰራርሓ ቀረጽ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ፡ መሰል ጡሮታን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ነገራትን ብዝርዝር ቀሪቡ።
እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ኽቡር ዕለተ-ሰንበት ተዳልዩልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ብዛዕባ ምስላ መርዓ ዕዱማትን ብስፍሓትን ብዕምቈትን ዘስተምሃረሉ ኽፍሊ ወንጌል’ዩ። እዚ ማቴዎስን ሉቃስን ጽሒፎምዎ ዘለዉ ምስላ ኣብቲ ኣገላልጽኡ’ኳ ቚሩብ ፍልልይ ይሃልዎ’ምበር፡ እቲ መሰረታዊ ሓሳቡን ቀንዲ መልእኽቱን ፍጹም ሓደ እዩ። ማቴዎስ ከም መርዓ፡ ሉቃስ ከኣ ከም ናይ ድራር ዕድመ ገሊጽዎ ኣሎ። ክልቲአን ፈላሊኻ በበይነን ምርኣይ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ሓሳበን ሓደ ስለ ዝኾነ ብሓደ ኽንርእየን ኢና። ከምቲ ሉቃስ ኢልዎ ዘሎ፡ ጐይታ ኣብ ድራር ተዓዲሙ ከሎ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ “እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ” በሎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ