ብመጀመርያ ብእግዝኣብሄር ሰላምታይ ይብጻሕኩም ኽሓተኩም ደልየ ዘለኩ ሕቶ ድማ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ስነ-ጽሕፍኹም፣ ዮፍታሄ ዚሰደዳ ኢልኩም ስለ ካተሊክ ዚሓረድዎ ስጋ ኣይትብለዑ ትብል ጽሕፍኩም፡
መባእታዊ ድሕረ ባይታ፡ ዓለም ከም ሓንቲ ደምበ ኮይና ኣብ ክልተ ጫፍ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ተራኺቦም: ኣብ ሓንቲ ህሞት ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ሓቢሮም ክዝትዩ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነት በጺሕና ኣለና። እዚ ዘይተኣደነ ክስተት'ዚ ኣብ መንፈሳዊን ስነ ፍልጠታዊን መኣዲ ኮይኖም ፍልጠቶምን ዓቕሞምን ከወሃህዱ ንብዙሓት ኣህዛብ ኣኽኢልዎም እዩ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዛ እተቐደሰት ሰንበት’ዚኣ ሰሪዓትልና ዘላ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓያሱን ድኻታትን ኴንና ኸይንርከብ ዚሕልወና፡ ብድርኺት መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። እዚ ኣብቲ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ዓሻ ሰብኣይ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝሃቦ በረኸት ብምእካቡ ኣይኰነን ዝተነቕፈ። ነቲ እግዚኣብሄር ዘብዝሓሉ በረኸት ኣብቲ ግራቱ ይርገፍ እንተ ዚሓድጎ’ሞ ዝገደደ ዕሽነትን ኣበሳን ምተቘጽረሉ ነይሩ። ነቲ ጽሑፍ ከም ዚግባእ እንተ ኣስተውዒልናሉ፡ እቲ ኣበሳኡን ዕሽነቱን፡ ብሓንትን ኣገዳሲትን ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ንሳ ኸኣ፡ እታ “ንርእሱ” እትብል ቃል’ያ።
ካብ ኢየሩሳሌም ሰለስተ ኪሎ ሜትር ርሒቃ ኣብ ትርከብ ቢታንያ ትበሃል ዓዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዝዩ ዘፍቅሮም 3ተ ኣኅዋት ኣልኣዛር፥ ማርታን ማርያምን ዝበሃሉ ነበሩ። እዞም ክቡራት ኣኅዋት ብወገኖም ንጎይታ ብልቢ ስለ ዘፍቅርዎ ማርያም ክቡር ዝዋግኡ ቅዱይ ሽቱ ከም ዝቐብኣቶ፡ ማርታ ድማ ግቡእ መግቢ ብምድላው ከምዘገለገልቶ ኣብ ቤቶምውን ብኽብሪ ይቕበልዎ ከምዝነበሩን ነንብብ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ብኣቆጻጽራ ግእዝ 29 ታሕሳስ 2000 (7 ጥሪ 2008) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ካብ ብዙሕ ክስተታት በዓል ልደት ቅዱሳን መላእክት ኣብ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ሥምረት
“...ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም. . ኵላቶም ረኣይዎ’ሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ ‘ኣጆኹም ኣነ’የ፡ ኣይትፍርሁ’ ኢሉ ተዛረቦም። (ማር 6፡48,50)። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ሕጊ-ተፈጥሮ ምዃኑ ብዛዕባ ዘመስከረ ተኣምር ዜዘንትው’ዩ። ብጃልባ ናብ ማዕዶ ኺሳገሩ ኣሰናቢትዎም ድሕሪ ምኻዱ፡ ምስቲ ዝለኣኾ ፍቁር ኣቦኡ ብጸሎት ኪላዘብ ናብ ከረን ደየበ። ኣበየናይ ሰዓታት ከም ዘሰናበቶም እንተ ዘይነገረና’ኳ፡ ኣብ ራብዓይ ምቃል ለይቲ (ካብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ኽሳዕ ወጋሕታ ሰዓት ሽዱሽተ ዘሎ ጊዜ) ኣብ ማእከል ባሕሪ ገሊላ ብማዕበል ኪናወጹ ጸንሕዎ።
“ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ኣብ መበል 14
መጽሓፍ ሕይወት፡- ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ጥራይ ዝርከብ መጽሓፍ፡ ኣስማት ናይቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝመላለሱን ሕጉን ትእዛዙን ኣኽቢሮም ምድራዊ ጉዕዝኦም ዝፍጽሙን ሰባት ዝሓዘ ሰማያዊ መዝገብ እዩ።
ተማሃሮ ስነ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብቑጽርን ብዓይነትን እንዳዓበየ ናብ ዝልዓለ ደረጃታት ኣብ ምድያብ ይርከብ ኣሎ። ልዑል ዘመናዊ ትምህርቲ ዙቐሰሙ ካህናት፣ ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤ.ክ ኤርትራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚውሃብ ፍሉይ መደብ ካብ ዚኾኑ ድሮ ሳልሳይ ዓመት ሒዙ ኣሎ። ገዳም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አመሪካ: ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ዚርከብ ብጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣኡ ይኹን ብትሕዝቶኡ ከም ሽሙ ነታ ብጽርየት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ እትፍለጥ መንበረ ማርቆስ ዚውክል ቅዱስ ናይ ትምህርትን ጸሎትን ቦታ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ