ብዓል ትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ እዩ? ትንሣኤ ክርስቶስ ፍሉይ ስለዝኾነን፡ ንሰዓብቱ ዝኾንና ክርስትያን ፍሉይ ትርጉም ስለዘለዎን። ብኸመይ?
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ ኣብጽሓና ብማለት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን 2ይ ፓትርያክር ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከብ ምእመን ብምኽንያት በዓል ትንሣኤ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ቅድስነቶም፡ ካብ 1ይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 13-1 መወዳእታ፡ ኣምላኽ ብፍቕሪ ሰብ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኃዲሩ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ሞይቱ ብትንሣኤኡ ድማ ሓራ ኣውጺእና እዩ።
“...፡ ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ።” ማር 8፡34
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 16 ክሳብ 25 ንዘሎ ቕንያት “መስቀል” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ነቲ ንግስቲ ኢለኒ ነቲ ጐይታ ዝተሰቕለሉ፡ ኣይሁድ ግና አዕሚቘም ዝቐበርዎ መስቀል ዝረኸበትሉ መዓልቲ ዚዝከረሉ መዓልቲ ዘጠቓለለ፡ ብዓብዩ ግን ነቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መስቀል ዝተፈጸመ ድሕነት ክንዝክርን ነቲ ናትና መስቀል አብ ጸጽባሕ ነልዕሎ ምህላውናን ዘይምህላውናን ኽንምርምርን ዝተሰርዓላና ቕንያት ድማ እዩ።
“ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩ’ውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናይ ከም ዝድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና” (ሮሜ 8፡28)
እዚ ሰንበት በዓል ደብረ ታቦር እንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ደብረ ታቦር ጐይታና ካብቲ ኣዘውቲሩ ዝኸዶ ዝነበረ ኣኽራናት ሓደ እዩ። ኣብ ሳድሳይ መዓልቲ ናይቲ ኢየሱስ ንሱ እቲ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ ርእሱ ዝገለጸሉ መዓልቲ (ማቴ 16፡16)፡ ንሰለስተ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ንጴጥሮስ፡ ያእቆብን ዮሃንስ ሒዙ ናብዚ ኸረን እዚ ደየበ። ኣብኡ ድማ ቅድሚ ሕጂ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ትርኢት ረኣዩ። ጐይታኦም ዘንጸባርቕ ግርማን ክብሪን ለቢሱ ምስቶም ዓብይቲ ዝሓለፉ ነብያት ሙሴን ኤልያስን ክዘራረብ፡ ካብ ሰማይ ድማ ብእኡ ዝሰመርኹ ፍቁር ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ ኢሉ ዝምስኽር ድምጺ ሰምዑ።
ገላትያ 5:22-23: እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ ሓጎስ ዕርቂ ዓቕሊ ለውሃት ሕያውነት እምነት ህድኣት ይኣኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። የሕዋት ሓቢሮም ኮይኑም ተባኢሶም መንገዶም ብፍቅሪ ክመርሑ ክትርኢ ከሎካ ክንደይ ሰናይ እዩ። በንጻሩ ግን መሊሶም ንሕብረቶም ኮነ ንባእሶም ሓጥያት እንተወሰኩሉ ግን ጻማ ናይ ሕዝቦም ጻማ ሃገሮም ብዓቤኡውን ፈሪሓእግዚኣብሄር ኣልቦ ዝኾነ ስርሖም ፍረ ዘይብሉ ናይ ከንቱነት ከንቱ ማይ ምሕቋን ኮይኑ ይተርፍ።
ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ክሳብ 15 ዘሎ ሳምንቲ “ፍረ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ተስሪዑ ዘሎ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን ኵሉ’ውን ፍረ ጠቀስ እዩ። አብ ዝሓለፉ ናይ ክራማት ንባባትና ብዛዕባ “ምስላ ዘርእን ዘራእን፡” ከምኡ ድማ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ከም ዝተመሃርና ዚዝከር እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ