S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትምህርቲ ስነ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብትሕዝቶ ትምህርቲ እንዳሃብተመን ብቁጽሪ ተመሃሮ እንዳዓበየን ናብ ናይ መጨረሻ ደረጅኡ ይቃረብ ኣሎ። ልዑል ዘመናዊ ትምህርቲ  ዝቐሰሙ ካህናት፣ ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤ.ክ ኤርትራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚውሃብ ፍሉይ መደብ ካብ ዚኾኑ ናብ ራብዓይ ዓመቱ ይሰጋገር ኣሎ። ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አመሪካ: ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ዚርከብ ብጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣኡ ይኹን ብትሕዝቶኡ ከም ሽሙ ነታ ብጽርየት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ እትፍለጥ መንበረ ማርቆስ ዚውክል ቅዱስ ናይ ትምህርትን ጸሎትን ቦታ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣስታት 18 ኮርሳት ኪውዳእ ከሎ፡ ኣብዚ ሰመስተር እዚ ኸኣ ትምህርቲ ዶግማ (Dogmatic Theology)፤ ታሪኽ ቤተክርስትያን (Church History) ከምኡውን ዜማ ቤተክርስትያን (Hymnology) የጠቓልል። ኣብ ትምህርቲ ዶግማ፡ መሠረት እምነት ክርስትና፡ ብፍላይ ከኣ ትምህርቲ ዶግማ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ክፍልትታት ተኸፋፊሉ ቀሪቡ። ትምህርቲ ቅድስት ሥላሴ (ሓድነትን ሠለስትነትን)፤ ትምህርቲ ተሰጋውነትን ትምህርቲ ድሕነትን ብስፍሓትን ዑምቆትን ቀሪቡ። እቲ ኻልኣይ ኮርስ፡ ታሪኽ ቤተክርስትያን ከኣ፡ ስለ እምነት ክርስቶስ ዝተሓልፈ ገድሊ፡ ሰማዕትነት መራሕቲ ቤተክርስትያንን ምእመናን፤ ሎሚውን እንተኾነ ስለቤተክርስትያን ብኸቢድ ፈተና ዝሓልፉ ኣሰር ኣቦታቶም ዝስዕቡ መራሕቲ ከምዘሎዉን በሪሁ። ካብዚ ኮርስዚ እትግንዘቦ ሓቂ እንተሎ ቤተክርስትያን ካብ ናይ ውሽጥን ግዳምን ፈተና ኣዕሪፋ ከምዘይትፈልጥን፤ ታሪኽ ከምዝምስክሮ ኣብ መጨረሻ ግን፡ ቤተክርስትያንን እቶም ሰብ ሓቅን ተዓዊቶም ከምዝወጹ የስተምህር።

እቲ ሳልሳይ ኮርስ ዜማ ቤተክርስትያን ኮይኑ፡ ምስቲ ገዳም ብዝተገብረ ስምምዕ፡ ኣብ ክንዲ  ዜማ ኮፕቲክ፡ ዜማ ቅዳሴ (ግእዝ) ፤ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ቛንቛ ኮፕቲክ ቛንቛ ግእዝ ከም ኮርስ ኪውሃብ ሓላፍነት ንካህናት ንኡስ ሃገረ ስብከት ተዋሂቡ። 

ተመሃሮ ስነ-መለኮት “ደቂቀ እንጦንዮስ” ካብተን ውሑዳት ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም፡ ኣብ ርእሲ ትምህርቲ ዜማ ተወሳኺ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብዛዕባ ህብታም ትሕዝቶ ዘሎዎ ዜማታት ግእዝን ብዝቐለለ መገዲ ናብ ሓድሽ ወለዶ ዚመሓላለፈሉ ናይ ቴክኖሎጅን ጥበባትን (ኣብነት መርበብ ሓበሬታ) ተመያይጦም።

በተወሳኺ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያንና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ፤ ጭዋ ሰብ ከም ዊንታኡ ንቤተክርስትያን ምእንቲ ናብ ዚደለዮ ኪመርሓ፤ ነቶም ብሕጊ ዝተመርጹ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ካብ ቦትኦም ኣልጊስካ ብኻልእ ንምትክኦም ዝተገብረ ፈተነ፤ ንዝበዝሐ ህዝብና ኣብ ጓህን ኣብ ተስፋ ሙቕራጽን ኣብጺሕዎ፤ ንቤተክርስትያን ኤርትራ ከኣ ካብ ኩለን ኣሓት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያናት ነጺልዋ፤ እንፈታ እጥፊኣ ኣብ ሓደገኛ መገዲ ብምህላዋ፣ ግደ ምሁራት ደቂ ቤተክርስትያን ፍሉይ ይኸውን። ተመሃሮ ስነ መልኮት ንኹሎም ብቤተክርስትያኖም ዚጉህዩ ምሁራት ደቂ ቤተክርስትያን ብምውህሃድ ታሪኻዊ ግዴታኦም ኪስከሙን፡ ንህዝቦም ከረጋግኡን እዋኑ ምዃኑ ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ብተወሳኺ እቶም ቀዳሞት ተመሃሮ ስነመለኮት ትምህርቶም ኣብ ምዝዛም ስለዝርከቡ፡ ምስ መራሕቲ ንኡስ ሃገረስብከት ብምልዛብ ነቲ ሓድሽ መድረኽ ዚኸውን፡ ንዝበዝሑ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ዘሳትፍ ፕሮግራም ዝስርዓሉ መገዲ ከጽንዑ ተሰማሚዖም። ከምቲ ነብዪ ሆሴእ ዝበሎ “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፡ ኣነ ድማ ካህን ከይትኾነኒ ኽኣብየካ እየ።” (ሆሴእ 4፡6) ቀንዲ ጸገም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ድሕረት ትምህርቲ (ዘመናውን  ሃይማኖታውን ትምህርቲ) ብምዃኑ ነባሪ ፍታሕ ዚርከብ፡ ዓለም ለኻዊ መምዘኒ ዘማልአ ናይ ስነ-መለኮት ኮለጅ” ብምኽፋት ንኣገልገልትን ምእመናን ብምስትምሃር ምዃኑ ዳርጓ ኩሎም እቶም ንቤተክርስትያንና ብቐረባ ዝፈልጥዎ ምሁራትን ለባማትን ዝሰማምዕሉ ነጥቢ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ፍልጠት ዝገነነሉ ዘመን፡ ኣብ ርድኢትን ብቑዕ ትምህርትን ዘይተሰረተ፡ ብርቱዕን ጽኑዕን እምነት ኪህሉ ኣይከኣልን፤ ቀጻልነት ቤተክርስትያንውን ኣብ ሓደጋ ኪወድቕ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።

እዚ ኤርትራውያን ካህናትን ድያቆናትን እንዲተሳተፍዎ፣ ብመዓልታዊ ቅዲሴ፣ ጸሎተ ነግህን ጸሎተ ሰርክን እንዲተሰነየ ዜውሃብ ጽዑቕ ትምህርቲ ብሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሴፍ እንዲተመርሐ፣ በቶም ዜተፈልጡ መማህራን ስነ-መልኮት ዜውሃብ ኣዜዩ ዓሚቕ ትሕዜቶ ዘሎዎ’ዩ። ካብቲ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ንላዕሊ ድማ ካብ ህይወት’ቶም ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዓቢ ትምህርቲ ትምሃር። ምኽንያቱ ንቓል እግዙኣብሔር ብዕምቆት ይፈልጥዎ ጥራይ ይኮኑስ ይነብርሉ ድማ እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ድማ ስለቶም ስለ እምነት ተዋህዶን፣ ሕጊ ቤተክርስትያንን ምእንቲ ከይጠሓስ ኪብሉ ህይወቶም ዜወፈዩ ብፁእ ወቅደስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤ.ክ ኤርትራ ፍሉይ ጸሎት ይግበር ኔሩ።  

እዚ ሰመስተርዚ ክሳብ ግንቦት ኪቕጽልዩ፡ ኣብ መጀመርታ መስከረም ድማ ሓድሽ ሰመስተር ኪጅምርዩ። እዚ ብሉጽ መደብ፡ ኣኣብ ከባቢናን ዓይነታዊ ኣገልግሎት ከነብርክት ዚድግፍ ብምዃኑ፡ ክሉኹም ኪትምሃሩ ትኽእሉ ኣቦታት ካህናት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ መደብኩም ከተእትውዎ ንላቦን ንመክርን።

ክ/ስነ ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (August 29/2008— September 01/2008)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div