መውስቦ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክግበር ዝጸንሐ መግለጺ ስልጣነ ደቂ ሰባት ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኢዩ።
ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተዚኸውንሲ፥ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ” በለ። ብሉይ ኪዳን ዝተጻሕፈሉ ቛንቛ እብራይስጢ ከም ዝነበረ፥ ኩላትና ንሰማማዓሉ ሓቂ እዩ፥
እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዚተሰርዐ ናይ’ዚ ዕለት’ዝ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ፡ ብዛዕባ ምጽኣትን ኣመጻጽኣን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። ነዚ ኣስተምህሮ’ዚ ዝሃበ ድማ ባዕሉ ጐይታና’ዩ። ማእከላይ መልእኽቲ ናይቲ ኣስተምህሮኡ ድማ፡ መዓልቲ ምጽኣቱ መዓስ ምዃና ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ስለ ዘየልቦ፡ ኵሉ ሰብ ዘዝተዋህቦ ዕዮ ኣብቲ ምዱብ ጊዚኡ እናፈጸመ፡ ብንቕሓት ተዳልዩ ኺጽበይ ከምዝግብኦ ዘመልክተና እዩ። ብመንጽር’ዚ መልእኽቲ’ዚ ኣድማ ሰባት ኣብ ክልተ ዓይነት ጕጅለ ይኽፈሉ። እቶም ቀዳሞት፡ ነታ ዝተዋህበቶም ዕዮን ሓላፍነትን ከምዝግባእ እናፈጸሙ እሙናት ኰይኖም ዝተረኽቡ ሰባት ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቲ ነዚ ህይወት’ዚ ዘብቅዖም ድማ፡ እቲ “ጐይታና ቐልጢፉ ኺመጽእ’ዩ”ዝብል ምስትውዓል ንእምነት ንዝመልኦ ኣተሓሳስባኦም’ዩ። እቶም ካልኣይ ጕጅለ ግና፡ በቲ ምስትውዓሉ ዝተደፍነ ንዝጸልመተን ኣእምሮኦም ጐይታኦም ከም ዝድንጕይ ብምሕሳብ፡ ዘመን ህይወቶም ስጋዊ ተድላ (pleasure) ኣብ ምስትምቓር ኣቃጺሎም፡ ነቲ ኺሰርሕዎ ዝተዋህቦም ዕዮ ዘይፈጸሙ፡ አረ ብኣንጻሩ ዝስርሑ፡ ነቲ ዝተዋህቦም ተልእኾ ዘፍርሱ ዝነበሩ እዮም።
ሳዕሪ ይነቅጽ፥ ዕምባባ ይቕምስል፥ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር (ኢሳ፡40፡8)
ድሕሪ በኣተ-ክረምት (ምእታው ክረምቲ) እዚ ዕለት እዚ ኻልኣይ ሰንበት ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ምስላ ዘርእን ዘራእን’ ኢና ዝረኣና፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ ብዛዕባ፡ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ክንመሃር ተሰሪዑልና ኣሎ። እዚ ኽቡርን ረቂቕን ምስላ እዚ፡ ንውልቀ ክርስትያንን ብዓባያ ንቤተ ክርስትያንን ኣዝዩ ዓብዪ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ኺትርጕመሎም ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታና ብደረጃ ዓለም’ውን ከም ዚትርጐም ኣብ ማቴ 13፡37-43 “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ (ክርስቶስ) እዩ።
ካብታ ብጎይታናን እታ ቅድስቲ ስድራን ዝተረገጸት ምድሪ’ቲ ዓቢ ጥንታዊ ግብጻዊ ስልጣነ፡
ቤተ ክርስቲያን ምስ ዋሽንግቶን እንታይ ዘራኽብ ኣለዋ? ዝብል ሓታቲ እንተተረኽበ ዘገርም ኣይኮነን። ከምቲ ዓደቦና ‘‘ኣሉላን ዘሎ ዓዲ ተኽላይ፡ ጣልያንን ዘሎ ስግር ቀላይ’’ ዝብልዎ፡ እቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ርሕቀት ኣዝዩ ርሑቕ’ዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ