እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሓደረት እምነት እናዘከርኩ፡ ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ አሎኹ፡ ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ኸመልእሲ፡ ክርእየካ እናናፈቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ኻብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ አሎኹ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ። (2ይ ጢሞቴዎስ 1. 4-7)
“እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም።” ዮሃ 20፡25።
ድሕሪ ትንሳኤ ጐይታና፡ እዚ ሰንበት’ዚ ኻልኣይ ሰንበት እዩ። ብፍላይ እዛ ሰንበት’ዚኣ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ኣብ ሓደ ዕጹው ገዛ ብሓባር ተኣኪቦም ከለዉ፡ ብሃንደበት ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ዝተገልጸላ ዕለት ስለ ዝዀነት’ያ፡ “ዳግማይ ትንሳኤ” ተባሂላ እትጽዋዕ እምበር፡ ጐይታስ ሓንሳእ እምበር ክልተ ሳዕ ኣይተንስአን። ኣብታ ቐዳመይቲ ሰንበት (ፋሲካ) ምድሪ ምስ መሰየ ጐይታ ነቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርቲ (ቶማስ ዘይብሉ) ተራእይዎም ነበረ። ንቶማስ፡ ጐይታ ኸም ዝተራእዮም ምስ ነገርዎ ምእማን ድሕሪ ምእባዩ፡ ካብታ ዝተንስኣላ ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ (ኣብ ካልኣይቲ ዳግማይ ሰንበት ማለት’ዩ) ቶማስ ኣብ ዝነበረሉ ደጊሙ ኣብ ማእከሎም ተረኺቡ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።
ርሑስ ብዓል ትንሳኤ ክርስቶስ!! እግዚኣብሄር ነዚ ኣብ ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናን ኣብ ውልቃዊ ህይወትናን ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ ዓብይ ጾም ወርሓት ብሰላም ስለ ዘፈጸመና ኽብሪ ነቲ ቕዱስን መፍርህን ስሙ ይኹን!! እዚ ኸም ኣርእስትና መሪጽናዮ ዘሎና፡ “እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧” ዚብል ሕቶኣዊ ኣርእስቲ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ኻብ ቅዱሳት ኣንስቲ ሓንቲ ዝዀነት ማርያም መግደላዊት ዝሓተቶ ሕቶ እዩ።
"ምስጢር ድልዱል ዝምድናን ሕጉስ ሓዳርን: ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻም ምዃኑ ዝተበጽሐ ሓድሽ መጽናዕቲ" ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ብሪንግሃም ያንግ - ምዕራባዊ ሸነኽ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዘካየድዎ ሓድሽ መጽናዕቲ ቅድሚ መርዓኦም ጾታዊ ርክብ ዘወግዱ መጻምድቲ፡ ሓዳር ምስ መስረቱ ዝሓየለ ዝምድናን ሕጉስ ሓዳርን ከም ዘስተማቕሩ ሓቢሮም።
“ምስ ቀረበን ነታ ኸተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፡ “ኣነ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ! ሕጂ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ።. . . ዘመን ምሕረትኪ ስአን ምፍላጥኪስ፡ ንዓኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን፡ ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሓድጉልክን’ዮም።” ሉቃ 19፡41-44
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ