ሰንበት ዕለት 19 ነሓሰ 2007 (13 ነሓሰ 1999 ዓ.ም.ግእዝ) ሰዓት 2፡30 ክሳብ 3፡ 45፡ ልኡኻት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ
ፓትርያረክ ዘእስክንድርያ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኒው ጀርሲ (ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ) ፍሉይ ርክብ ኣካዶም።
ኣብዚ ክቡር በዓል ደብረ ታቦር፣ ልኡኻት ሃ/ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብዎ ብመ/ምሕረት ቀሺ ኣርኣያ ተስፋይን ቀሺ ሓለፎም ዓንደማርያምን ተመሪሖም ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ኣብ ዝገበርዎ መንፈሳዊ ምምይያጥ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ምእንቲ ሓቅን ሓዋርያዊ-ሕጊ-ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ደው ከምዝበለን ኣብ ጎድኒ ኣብነታዊ መራሒ ፓትርያረክ ኣቡነ እንጦንዮስ ጸኒዑ ከምዘሎን ብሰፊሕ ኣረዲኦም።
ፖፕ ሺኖዳ ብወገኖም ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከምዘሕዝኖምን፣ ሃለዋት ፓትርያረክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዙሕ ከምዘሻቅሎምን ብምጥቃስ፡ ጉባኤ ጳጳሳት ኤርትራ ብጸቕጢ ውልቀሰብ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ተገዲዶም ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ ፓትርያረክ ኣቡነ እንጦንዮስ ወሲዶሞ ዘለዉ ናይ ዓመጽ ስጉምቲ ብዝኾነ መለክዒ ዘይቅቡልን መንፈሳዊ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዝጠሓሰ ጉጉይ ታሪኻዊ ፍጻመን እዩ ኢሎም።
ፖፕ ሺኖዳ ኣስዒቦም፣ ኣቡነ ዲዮስቆሮስን ኣቡነ ማርቆስን ብዮፍታሄ ተመሪሖም ናብ ግብጺ ኣብ ዝመጽእሉ እዋን (ሓምለ 2005) ኩሉ ዝገብርዎ ዘሎዉ፡ መሰረት ዘይብሉን ናይ ጌጋን ምዃኑ ብምምዓድ፡ መንፈሳዊ ሕጊ ሃይማኖት ከኽብሩን ንእግዚኣብሄር ክፈርሁን ከምዝተማሕጸንዎም ሓቢሮም። ፖፕ ሺኖዳ ዘረቦኦም ብምቕጻል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ዘፍቅሮም ህዝቦምን ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ዝተቐብእሉ መንፈሳዊ ቅዱስ መንበሮምን ብሓይሊ ተኣጊዶም ዘሕልፍዎ ዘሎዉ ስቓይን መከራን ብልቢ ከምዘሕዝኖም ገሊጾም። ሽመት ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ናይ ክሕደትን ዓመጽን ብምዃኑ ኣብ ቤተክርስቲያን ግብጺ ይኹን ኣብ መንፈሳዊ ጉባኤ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ወግዓዊ ተፈላጥነት ከምዘይብሉ ከኣ ብዝርዝር ኣረዲኦም።
ኣብ መደምደምታ፣ ፖፕ ሺኖዳ፣ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ በዚ ሒዝዎ ዘሎ ቅኑዕ ኦርቶዶክሳዊ መገዲ ብእምነትን ጸሎትን ተቢዑ ክቕጽል ዘሎዎም ናይ መጻኢ ተስፋ ብምግላጽ፡ኣብ ልዕሊ ፓትርያረክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጳጳሳት ተፈጺሙ ዘሎ ዘይክርስቲያናዊ ምጥሓስ ሕጊ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብቐሊል ከምዘይትርእዮን ዝያዳ ሓላፍነት ከምዝስመዓን ኣረዲኦም። በዚ መሰረት፣ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ካብ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ዘድልዮ መንፈሳዊ ደገፍን ምትሕብባርን ንኽረክብ ፖፕ ሺኖዳ ንጳጳስ ደይቪድ ከምዝመዘዝዎም ብወግዒ ሓቢሮም።
ኣብዚ ኣገዳሲ ርክብዚ፣ ፍሉይ ጸሓፊ ፖፕ ሺኖዳ ጳጳስ ኣቡነ ዮሓንስን ሓላፊ ሃገረ ስብከት ምብራቓዊ ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ ኣቡነ ደይቪድን ብኣካል ተረኪቦም ነይሮም። ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ፓትርያረክ ዘእስክንድርያ ምርቓን ማዕዳን ድሕሪ ምሃቦም፣ ነቲ ምስ ልኡኻት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተገብረ ርክብ ብጸሎትን ቡራኼን ዛዚሞሞ።
ነዚ ዘሐጉስ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብጸሎት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣፍደገ ዝኸፈተልና መድሃኔ ዓለም ክብርን ምስጋናን ንዘለዓለም ንኣምላኽና ይኹን።ኣሜን።
ኣምላኽ ሰላሙን ምሕረቱን የውርደልና!!!
ልኡኻት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ
ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ