እንተትምለሱ’ኮ ናብ ልብኹም
ኣየ’ወ እንተትጠዓሱ ብሕልናኹም
ይቕሬታ እንተትሓቱ ናብ ቅዱስ ኣቦኹም
ሰላም ምረኸበ መዕረፈ ኣእምሮኹም
እንተንሕና’ውን ምተመሃርና ካባኹም
እንተንሶምዶ ምነብዑ መሪር ንብዓት
ከመይ ዘይነብዑ እናረኣዩኹም ኣብ ክፉእ ውዲት
ዋላ’ኳ እንተዘከርዎ እቲ መሪር ክሕደት !!
ኣይምጨከኑን ንዓኹምሲ መሃብኹም ምሕረት
ኣቦ እኮ’ዮም ! ኣቦ ዝተቐበሉ ሓዋርያዊ ሰንሰለት
እወ እንኮ ኣቦ ናይ ዘመንና ሰማእት
እንተትምለሱ’ኮ ብፁዓን ኣቦታትና
እወ እንተትምለሱ ብቕንዕና
እንተትጽልዩ ብንጽህና
ሃገርናን ሕዝብናን ሰላም ምረኸብና
ምተንሰልሰለልኩም ውግዘት ናይ ኣቦና
የኣክል 'ምበሎ ኣምላኽ ወጽዓ ናይ ህዝብና
እንተንስኹም’ውን ምተመልሰ ወዝኩም
ካብ ዘለኩም ጭንቀት ምተጋላገልኩም
ካብ ዝነበረኩም ክብረት ኣብ ሕስረት ወዲቅኩም
ክቡራት ኣቦታት ንዓኹምሲ መኣስ ጢዕምኩም
ብገዛእ ፍቓድኩም ቦታኹም ሓዲግኩም
ሸይጥኩም በሊዕክምዎ እቲ ረዚን ማሕላኹም
ሃየ በሉ ገምግምዎ ውጽኢት ክሕደትኩም
ኣለልይዎ እቲ ጸገም ጠንቂ ናይቲ ክሕደት
ፈጺሙ ዘውደቐኩም ኣብ ዓለማዊ ውርደት
ኣስዲዕኩም ደኾን’ዩ ናይዛ ዓለም ምቾት
ማዕጾ ዘኽፈተኩም ንናይ ፖሎቲካ ሰባት
ፈጺሙ ዘይስቆሮም ናይ እግዚኣብሔር ፍርሃት
ፋሕ ብትን ኣቢሎምዎ ዘዕበኽምዎ እምነት
ግናኸ መን’ዩ ተሓታቲ ናይ’ዚ ኩሉ ጥፍኣት ?
እንተ ንሕናኸ ኣቦታት መዓስ ጢዒሙና
ሓንቂቕና ዝዓበና ኣብ ሕቑፍኹም ማሚቊና
ዋላ’ኳ እንተጸናዕና ኣብ ሓዋርያዊ እምነትና
ግን !!.... ሓደ ሕቶ’ሎ ጾሩ ዝኸበደና
ክንጋባእ እንከሎና ቦታኹም ተኪእና
ኣቦታትኩም ኣበይ’ለዉ ዝብል ሕቶ ይስዕበና
ነዚ ክንምልሶ ከቢድ’ዩ ነዓና
እቶም ዝረኣይኹም ኣብ ቅብኣት ናይ ኣቦና
እቶም ዜናኹም ዘቃልሑ ኣብ ማዕከናት ዜና
ኪሒዶም’ዮም ክንብሎም ብኸመይ ይኣምኑና
ዝመሓሉ ክጸንዑ ዘምሓልኩም ክትጠልሙ
ብስሰዐ ዓዊርኩም መንፈስኩም ደኺሙ
ተኾስኲስኩም ዝዓበኹም ብስጋሁ ወደሙ
ዘመን ኣብ ምጥዓሙ እንታይ ኮንኩም ትሓስሙ
ኣርሚሙና ኣቦታተይ ድንግርግር’ዩ ዓለሙ
ተመለሱ ኣቦታት ኣሪምኩም ጌጋኹም
ናብ ልዑል ፈጣሪ ኣዕርጉ ጸሎትኩም
ቀልጢፉ ከብቅዕ ሓዘን ናይ ሕዝብኹም
እወ ቀልጢፉ ከብቅዕ ምሻጥ ናይ ኮላሊት
ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ኣብ ሕሉፍ ዘመናት
ብኻራ ክጥብሑ ህጻናት መንእሰያት
ንብዓት ወለድና ዛርዩ ንሓምሳ ዓመት
እንተ ንሕና ግን ግዴታ’ለና ኣቦታት
ሓለዋ ተዋሕዶ ሰንሰል ናይ ሓዋርያት
መንበር ቅዱስ ማርቆስ ናይ ብዙኅ ዘመናት
ጸኒዑ ዝነብር መንፈሳዊ እምነት
ዋላ’ኳ እንተበርትዐ ጸለመ ክስታት
መልክዑ እናተቐየረ ናይ ፖሎቲካ ውዲት
እንተ ንሕና’ሞ ወይከ ፈልከት !! ካብዚ ቅዱስ እመት !!!።
ቀሺ ሃብቶም ሓድሽ
ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስትያን ጀነቫ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ