ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 23 - 25/ 2009 ፥ ጥሪ ፲፮ - ፲፰ 2001 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንሎሚ ኣብ ዝሰርዓትልና ናይ ወንጌል ንባብ ከም ዘንበብናዮ፡ ጐይታ እናመሃረ እንከሎ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ ድምጹ ዓው ኣቢሉ “ንሓወይ ርስተይ ክመቕለኒ በለለይ” በሎ። ምናልባት እቲ ንልቢ ዝረትዕ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዝነበረ ዘረባ ጸጋ ምስ ሰምዔ ይኸውን ንሓዉ ምእንቲ ከእምነሉ ዝለመኖ (ሉቃ 4፡22)። ጐይታ ግን ኣብ መንጎኦም ዳኛን መማቐልን ገይሩ ዝሸሞ ከምዘየለ ሓበሮ። ንሱ በቲ ናይ ሓጢኣትን ጽድቅን ነገር ከዳኒ፡ ካብቲ ናይ ሰማያት ርስቱ ከኣ ክመቕለና ደኣ እዩ መጺኡ እምበር፡ ነዚ ናይ ምድሪ ነገር ከዳኒ ኣይመጸን (ዮሃ 18፡36)። ነቲ ናይ ምድሪ ክንቀብጾ፡ ኣብ ኢድና እንተልዩ እኳ ሼጥና ንድኻታት ክንመቕሎ እሞ መዝገብና ኣብ ሰማያት ክንዓቁር እዩ ዝምዕደና (ማቴ 19፡21-23)።
በዓል-ልደት ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ተኸቢሩ። እቲ በዓል ሰሉስ ምሸት 6 ጥሪ 2009 ዓ.ም ብዋዜማ ጀሚሩ ናብ ረቡዕ ዘውግሕ ለይቲ ድማ ብስርዓተ ቅዳሴ ተዛዚሙ። ኣብዚ ክቡር በዓል ልደት'ዚ: ብርክት ዝበሉ ብባህላዊ ልብሲ ዘጌጹ ምእመናን ብምርካቦም ድማ ንበዓል-ልደት' ተወሳኺ ግርማ ሂብዎ።
“...ነቲ ሰብ’ቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ።”ሉቃ 11፡26።
እቲ ነዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ ተመዲቡ ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ሂቡና’ሎ። ኣእምሮኡን መንፈሳውነቱን ጽቡቕ ዘሎ ሰብ፡ ከምዚ ዝበለ ኣርእስቲ ኼንብብ ወይ ኪሰምዕ ከሎ ኸም ዚስምብድ ፈጺሙ ዘየጠራጥር’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ መወዳእታኡ ዘየተሓሳስቦ ሰብ ኪህልው ኣይግባእን’ዩ። እቲ መወዳእታ ኽትበጽሖ እትደልይ ቦታ ምስ ወሰንካ ኢኻ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ናብኡ ዜብጽሕ መገዲ እትመርጾ። ናብ ከረን ኪበጽሕ ዘንቀደ ሰብ፡ መገዲ መንደፈራ ወይ መገዲ ባጽዕ ኪመርጽ ኣይክእልን’ዩ። ኣብዚ ምድራዊ ናብራ፡ ኣዝዩ ዝኽፍአ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ከምኡ ዚገብር ሰብ ኣሎ ኺበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ግና፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው ዚደልይ ክነሱ፡ ነቲ ናብኡ ዘየእትው ገፊሕ ናይ ጥፍኣት መገዲ ዚመርጽ ግን ማእለያ የብሉን። መወዳእታኻ ብሰናይ ትምኒት ጥራይ ኪሰምርን ኪጽብቕን ኣይክእልን’ዩ። መወዳእታኻ ዚጽብቕ፡ በቲ እትመርጾን እትኸዶን መንፈሳዊ መገድን ጕዕዞን’ዩ።
“ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርኁከ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት ወይድኃኑ ፍቁራኒከ” መዝ. ፶፱ ፬። “ስለ ሓቂ ምእንቲ ኪለዓል ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዓላማ ሃብካዮም” መዝ. 60፡4።
እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ኽቡር ዕለተ-ሰንበት ተዳልዩልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ብዛዕባ ምስላ መርዓ ዕዱማትን ብስፍሓትን ብዕምቈትን ዘስተምሃረሉ ኽፍሊ ወንጌል’ዩ። እዚ ማቴዎስን ሉቃስን ጽሒፎምዎ ዘለዉ ምስላ ኣብቲ ኣገላልጽኡ’ኳ ቚሩብ ፍልልይ ይሃልዎ’ምበር፡ እቲ መሰረታዊ ሓሳቡን ቀንዲ መልእኽቱን ፍጹም ሓደ እዩ። ማቴዎስ ከም መርዓ፡ ሉቃስ ከኣ ከም ናይ ድራር ዕድመ ገሊጽዎ ኣሎ። ክልቲአን ፈላሊኻ በበይነን ምርኣይ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ሓሳበን ሓደ ስለ ዝኾነ ብሓደ ኽንርእየን ኢና። ከምቲ ሉቃስ ኢልዎ ዘሎ፡ ጐይታ ኣብ ድራር ተዓዲሙ ከሎ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ “እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ” በሎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ